S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኰዀብ ልቢ [መበል 18 ሰንበት: ቊ.፳፮/26, 2023]

 ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢናሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ ኢየሩሳሌም መጹ።ማቴ 21,2

ንዅላትና ርሑስ በዓል በዓል ልደት ይግበረልና። እግዚአብሔር ነዚ ኽቡር ናይ ጾመ ነብያት ቅንያት ብዓወት ኣስጊሩ ነዚ ዓብዪ በዓል ኸነኽብር፡ ብልደቱ ዝገበረልና ምሕረትን ሕያውነትን ከነስተንትን፡ ብልደቱ ዝሃበና ዕዙዝ ናይ ትሕትና ኣርኣያ ኸነቕልበሎን ክንስዕቦን ብጥዕናን ብህይወትን ስለ ዝዓቘረና፡ እቲ ቅዱስን ክቡርን ስሙ ይመስገን። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝተመሃርናዮ፡ ጐይታና ስጋና ለቢሱ፡ ሰብ ኰይኑ ዝተወልደ፡ በቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ምስጢረ ተዋህዶዩ። እቲ ናይ ባህርይ ኣምላኽ፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ብስራሕ እግዚአብሔር  መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ እግዚአብሔር ኣቦን፡ ኣብ ማህጸን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ፡ ምስ ዝለበሶ ስጋ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን፡ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነሉ ምስጢረ ተዋህዶዩ፡ ነዚ በዓለ ልደት ክዉን ዝገበረ። ንሕና ኸኣ ነዚ ብቕድስት ስላሴ ዝተፈጸመ ተዋህዶ ኢና እምነትናን ሃይማኖትናን ጌርናዮ ዘለና። ስለ ብኻልእ ኣዘራርባ ንበዓለ ልደትሃይማኖትና ዝተወልደሉን ዝቘመሉን ዕለትክንብል ንኽእል ኢና ማለትዩ። ኵላቶም ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ዝተፈጸሙ ፍጻመታትን ምስጢራትን፡ መሰረቶም እዚ ብልደት ዝተጋህደቃል ስጋ ኰነዝተባህለሉ ናይ ተዋህዶ ምስጢርዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመሃርናዮብደሙ ዚናብይ ጓሳዘርእስቱ ትምህርቲ፡ ጐይታ ከማና ሰብ ኰይኑ ዝተወልደ፡ ሞትና ሞይቱ፡ በቲ ዘፍሰሶ ቅዱስን ክቡርን ደሙ ምእንቲ ኺጓስየና ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና። ስለ ነዚ ኽቡር በዓል ብብልዕን መስተን፡ ብወርቅን ጨርቅን ኣብዒልና ኸነሕስሮ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዓብይን ረቂቕን መንፈሳዊ መልእኽቱ ኣስተውዒልና፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መንፈሳዊ ኣገባብ ከነብዕሎ ዚግባእ።

ሎሚ ለይቲ ሊቃውንትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝዘመርዎ መዝሙር- ሰንበት፡ይሠርቅ ኮከብዚብልዩ።ይሠርቅዚብል ናይ ግእዝ ቃል ብትግርኛይወጽእማለትዩ። እዚ መዝሙርዚ፡ ኣብ ብነብዪ በልዓም ዝተነግረ ትንቢት መሰረት ብምግባር፡ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙርዩ።

እርእዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ደኣይኰነን፡ እጥምቶ ኣለኹ፡ ግናኸ ቀረባይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ .......ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእዩ።” ዘሁ 2417-19

ኰዀብ፡ ሰማያውን ብርሃናውን ፍጥረትዩ። ስጋ ለበሰ ፍጡር ኰይኑ ብኰዀብ ኪምሰል ዚኽእል ሰብ፡ ብዘይካ ክርስቶስ፡ ካልእ የልቦን። ካብ ምድራዊ ያእቆብ ዚውለድ ግን ከኣ ብሰማያዊ ኰዀብ ዚምሰልን ዚግለጽን ሰብ፡ እቲ ብምስጢረ ተዋህዶ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ኰይኑ ዝተጋህደ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ስለ እዚ ኻብ ያእቆብ ዚወጽእ ኰዀብዚብል ቃል፡ ነቲ ስግው መለኮት ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባህለ ምዃኑ ብግህዶ ዜመልክትዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣዩ፡ ኣብ ሎሚ ዝተነብበ ናይ ማቴ 21-12 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቶም ሰብ ጥበብ (ሰብኣ ሰገል) ብኰዀብ ተመሪሖም ኣብ ጐይታና ዝተወልደላ መብልዕ ማል ዝመጹ። ንሳቶም፦

እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁዳ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢናሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና።

እናበሉ፡ ነቲ ቓል ትንቢት ዜጽንዕ ምስክርነት ሃቡ (ማቴ 21,2) ካብ ንጉስ ሄሮድስ ምስ ወጹ፡ ብዛዕባኦም፦

“. . . እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ዓብይ ሓጐስ ተሓጐሱ።

ተባህለ (ማቴ 29,10) ካብ ያእቆብ ብዙሓት ነገስታትዮም ወጺኦም። እንተ ዀነ፡ ብዘይካ ክርስቶስ፡ እቲ ንጉስ ነገስታት፡ ዋላ ሓደ ኻብኣቶም፡ ዋላ ንጉስ ዳዊትውን፡ ብኰዀብ ኣይተመሰለን። ጐይታና ግና ባዕሉ ብልሳኑ፦

ኣነ ኢየሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት ነዚ ነገር ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣለኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕየ።

ብምባል ባዕሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ራእ 2116) ስለ እቲይሠርቅ ኮኰብዚብል መዝሙር ኰነ፡ እቲ ብትንቢትኰዀብ ይወጽእዚብል ቃል፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኼመልክት ዝተባህለ ቓል ምዃኑ ኸነስተውዕሎ ይግባእ።

ጐይታና ብኰዀብ ዝተመሰለሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ብኰዀብነቱ ብዛዕባ ርእሱ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይዩ፧ በቲ ኰዀብነቱ ዝተገልጸሉ ትንቢታዊ ቓል መሰረት፡ መልእኽቱ እዚ ዚስዕብዩ፡

1. ንግስነቱ፦ ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ዘሁ 2417-19 ጥቅሲ እቲ ኰዀብበትረ መንግስቲ ዘለዎ ብንግስነት ዚገዝእ ንጉስምዃኑ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ጐይታና ዘለኣለማዊ ንጉስ ምዃኑ በትሪ መንግስቲ (ዘንጊ መንግስቲ) ኸም ዘለዎ ቅዱሳን ነብያት ብትንቢቶም ኣረጋጊጾምልናዮም። እቶም ብመዝሙር ዚንበዩ ዝነበሩ ደቂ ቆራሕ፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንቢታዊ መዝሙር ገይሮም ንግስነቱ ገሊጾም ኣለው።

ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፡ድርሳናተይ ንንጉስእብል።. . .ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፡ ውቃበ (ጸጋ) ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፡ ...... ኣምላኽ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለምዩ፡ ዘንጊ መንግስትንኻውን ዘንጊ ቕንዕናያ። ጽድቂ ትፈትው፡ ረሲእነት ትጸልእ። ስለ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።መዝ 451,2,6,7

ኣብ ትንቢታዊ መዝሙር እቲ ንጉስ፡ ሰብን ኣምላኽን ምዃኑ ንጹር መልእኽቲ ሰፊሩልና ኣሎ። እቲ ዝፋኑ ዘለኣለማዊ ምዃኑ ንርእሱ ናይ መለኮትነቱ መረጋገጺዩ። ከናፍር ዘለዎ ኻብ ደቂ ሰብ ዚጽብቕ ምዃኑን፡ሓለፋ ብጾትካምባሉ ድማ ሰብ ናይ ምዃኑ ዓብይ መረጋገጺዩ። ስለ እዚ ቓል ብዛዕባ ስግው መለኮት ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይዛረብ ከም ዘሎ ንምርዳእ ኣየጸግምንዩ። ቅዱስ ጳውሎስውን፡ እቲ ሓቂ ኸምኡ ምዃኑ ኣብ እብ 18-12 ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ነብዪ ዳንኤልውን ብዛዕባ ንግስነት ጐይታና ዚገልጽ ትንቢት ሓዲጉልናዩ።

ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሐ። ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ፡ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ፡ ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣትዩ፡ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእንያ። ዳን 713,14,27

ነዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብስራት ኪንገራ ኸሎውን፡ ንግስነቱ ብንጹር ተነጊርዋ።

እንሆ ኽትጠንሲ፡ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣኢየሱስክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ወዲ ልዑልውን ኪበሃልዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስዩ፡ ንመንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።ሉቃ 131-33

ጐይታና ባዕሉውን መንግስቲ ዘላቶ ንጉስ ምዃኑ ደጋጊሙ ተኣሚኑን ገሊጹን (ሉቃ 2229,30 ዮሃ 836,37) እቶም ሰብ ጥበብውን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝጸንሖም ናጽላ (Neonate) ኢየሱስ፡እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፡እናበሉ ኸም ዝመጹን፡ ምስ ረኸብዎ ድማ ኣብ መብልዕ ማል ብገጾም ተደፊኦም ከም ዝሰገደሉን ኣይንረስዕ። ስለ ኣብ ልደቱ እንሓስበሉን እነኽብረሉን በዓል፡ ብዛዕባ ብሰማይን ብምድርን፡ ብቕዱሳን ነብያትን መላእኽትን ዝተገልጸ ንግስነቱ፡ ኣዕሚቝና ኸነስተንትንን ነዚ ንግስነት ብምልኣት ንግዛእ ከም ዘለና ኸነረጋግጽን ይግብኣና።

ብዛዕባ ንግስነቱ ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ነጥቢ ኸኣ ድርብ ንግስነት ምዃኑዩ። ብቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ስለ ዝዀነ፡ ምድራዊ ንግስነት ናቱን ገንዘቡን (1ዜና 1711-17) ብመለኮትነቱ ድማ፡ ንግስነት ናይ ባህርይ ገንዘቡ (ማቴ 435 1823 214-5 2534,40)

2. ብርሃንነቱ፦ ኰዀብ፡ ብርሃናዊ ኣካልዩ። እቶም ኣብ ሰማያት እንርእዮም ስፍርን ቍጽርን ዘይብሎም ከዋኽብቲ፡ ብርሃናውያን ስለ ዝዀኑ፡ ብብርሃኖም ግርማ ሰማይን ግርማ ለይትን ኰይኖም ኢና እንርእዮም። እታ ንኣና እተብርሃልና ጸሓይውን ንርእሳ ኰዀብያ። ብርሃን ድማ መለኮታዊ ባህርይ (ዮሃ 119 ዮሃ 321 2ቈረ 46) ክርስቶስውን ከም ፍጹም መለኮት መጠን፡ ብርሃንዩ። ብርሃን ምዃኑ ኸኣ ባዕሉ ተኣሚኑ (ዮሃ 812 95) ቅዱሳት ሃዋርያትውን ንብርሃንነቱ ብስፍሓት ሰቢኾምዎዮም (ግብ 2622-23 1ቈረ 45 ኤፌ 58-10) ስለ ልደቱ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ብርሃን ምዃኑ ብዕምቈት ከነስተንትነሉ ዚግብኣና ክቡር ጊዜን በዓልንዩ። ነዚ በዓልና ክብርን ዕብየትን ዜልብሶ ኸኣ፡ ብርሃን ናይ ኰዀብ ኣብ ዕለታውን ግብራውን ናብራና የብርሃልና እንተልዩ ጥራሕዩ። ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት እናነበርና፡ ብዛዕባ ብርሃናዊ ኰዀብ ኣዝዩ ድሙቕ ጽምብል እንተ ገበርና እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ግብዝነትና ይቐልዓልና፡ ንሕስያ ዘይብሉ ፍርዲ ኸኣ ይወልደልናምበር፡ ዋላ ሓንቲ ትርጕምን ረብሓን ኣይህልዎንዩ። ናይ ጐይታና ናይ ልደቱ ዕላማ ኣብ ህይወትና ብግህዶ እንተ ዘይተተግቢሩ፡ጸረ ልደትእምበር፡ደቂ ልደትኪገብረና ኣይክእልንዩ።

ናይ ክርስቶስ ኰዀብ ምዃን፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወትና ብኸመይ ዚሰርሕ፧ ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ኰዀብ ምዃኑ ከም እንኣምን ብኸመይ ዚረጋገጽ፧ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዚኸብደና ዘሎ፡ ነዚ ናይ ጐይታና ታሪኽን ግብርን ከም ናይ ሕሉፍ ዘመን ታሪኽምበር፡ ናይ ሕጂ እዋናውን ህያውን ሓቂ ከም ዝዀነ ጌርና ዘይንርእዮን ዘይንነብሮን ምዃንናዩ። ብመልክዕን ቅርጽን ናይ ሰብ፡ ካብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደሉ ፍጻመ ቅድሚ 2014 (ወይ ቅድሚ 2022) ዓመታት ዝተፈጸመ ታሪኽ ምዃኑ፡ ኪከሓድ ዘይክእል ታሪኻዊ ሓቂዩ።

እዚ ልደት ግን ካብ ታሪኻውነት ሕልፍ ዝበለ ዓብይ ትርጕምን ዕላማን ከም ዘለዎ ኺርሳዕ ኣይግባእንዩ። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ምዃኑ ዝተኣመነ ጐይታና ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ምእንቲ ኺውለድ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። እቲ ኻብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ኢየሱስ ኣብ ልብና ምስ ዚውለድ ጥራሕ ኢና፡ሓቀኛ ክርስትያን፡ ውሉድ ኣምላኽ፡ ከዋኽብቲምዃንና ኺረጋገጽ ዚኽእል። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ እዚ ብሩህ ኰኰብ ጽባሕ ኣብ ልብናውን ኪወጽእን ኬብርህን ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹልናዩ።

ኣዝዩ ዝጸንዐ ቃል ትንቢትውን ኣሎና። ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ (ነቲ ኰዀብ) ኣብ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።” 2ጴጥ 119

ናይ ልደቱ ቐንዲ ዕላማ፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ከም ኰዀብ ጽባሕ ወጺኡ ብርሃን ህይወት ኪዀነልናን ንኣና ንርእስናውን ብርሃናውያን ከዋኽብቲ ምእንቲ ኺገብረናንዩ። እዚ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብኻ ዘየለ ኽነሱ፡ እዚ ኰዀብ ጽባሕ ካብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ዝተወልደሉ መዓልቲ ብድምቀት ምኽባር፡ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን። ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ኸም ዘሎካ ዚረጋገጽ፡ ኣብ ልብኻ ኪወጽእን ኪገዝእን እንተ ፈቒድካሉ ጥራሕዩ። እቲ ብርሃን ዝዀነ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥና እንተልዩ፡ ግብሪ ጸልማት (ሓጢኣት) ዘበለ ዅሉ ኻብ ህይወትና ይርሕቕ፡። ምኽንያቱ እቲ ንብርሃን ዜፍቅር፡ ንጸልማት ኣዝዩ ዚጸልኦ። እዚ ብርሃን ብርሃን-ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ብዓይነት ናይ ህይወትና ዚገሃድ። ወንጌላዊ ዮሃንስ ነዚ ሓቂ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።......ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት፡ ብርሃን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን (ኣይሰዓሮን) ....... ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር፡ (ዮሃንስ መጥምቕ) ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ደኣ መጸ፡ምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። (እቲ ብርሃን) ኣብ ዓለም ነበረ። ዓለምውን ብእኡ (ተፈጥረት) ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ። እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።ዮሃ 14,5,6-12

በዚ ቓል ወንጌል መሰረት፡ኰዀብ ጽባሕወይብርሃንትስመይ ዘላ እታ ኻብ ኢየሱስ እንረኽባ ህይወትያ። ነዛ ብርሃናዊት ህይወትዚኣ ጸልማት ኪሕዛን ኪስዕራን ኣይክእልንዩ። ነዛ ብርሃንዚኣ ዘይፈልጣን ዘይቅበላን፡ እቲ ዓለማዊ (ናይ ዓለም ዝዀነ) ሰብዩ። እቲ ዜሕዝን ከኣናቱ፡ ህዝቡ፡ ኣመንቱ፡ ሰዓብቱእናተበሃልካውን፡ ነዛ ብርሃንዚኣ ኸይትቕበል ትኽእል ምዃንካዩ። እዚ ማለት ከኣ ክርስትያን ክነስኻስ፡ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥኻ ዘይብልካ ምዃን ማለትዩ። እታ ናይ ክርስቶስ ህይወት ኣብ ውሽጥኻ እንተ ዘይብልካ፡ ክርስትያን ኣይኰንካን።ናቱዜብለካ ዘሎ፡ ስርዓታትን ምስጢራትን ናይ ቤተ ክርስትያን ዝተኻፈልካ ምዃንካዩ። እዚ ዅሉ ተፈጺሙ ኼብቅዕ ግን፡ ክርስቶስ ዘይብልካ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ እቲናቱ ኽነሶም ኣይተቐበልዎንዚብል ዜሕዝን ፍጻመ ኣባኻ ተኸሲቱ ማለትዩ። እተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል፡ ናይ መርዓዊ ወገንየን ነይረን። እንተ ዀነ ዘይቲ ዘይብለን ኬብርሃ ዘይክእላ ዀይነን ስለ ዝተጸበያኦ፡ ነተንናቱዚበሃላ ደናግል፡ከቶ ኣይፈልጠክንንኢሉ ማዕጾኡ ኸፊቱ ኼእትወን ኣይፈቐደን (ማቴ 251-13) እቶም ገበርቲ ተኣምራትን ነብያትን ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲናተይኢሉ ብኽብሪ ኪቕበሎም እናተጸበዩ ኸለው፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምን ካባይ ርሓቑኢሉ ሰጐጎም (ማቴ 720-23)ናቱምዃኖም ኬረጋግጹሉ ብዙሕ መርትዖታት እንተ ኣቕረቡሉ፡ ኪሰልጦም ግን ኣይከኣለን። ምኽንያቱ እታ ፈጺማ ዘይትንጸግን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይትኣትውን መርትዖ፡ እታ ብርሃናዊት ህይወት፡ ብዓብዪ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥኻ ዘለካ ምዃንያ። ነታ ጸባብ ደገ (ወይ ጸባብ ማዕጾ) ሓሊፍካ ኽትኣትው ዘየኽእል ረቕሒታት ምጽብጻብ፡ ዝዀነ ረብሓ ኣይርከቦንዩ። ክርስቶስ ዘይብሉ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ማለት፡ ህይወት ዘይብሉ ኣርቲፊሻል ዕምበባ ማለትዩ። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ውሽጥኻ ዘይብልካ ክነስኻ፡ክርስትያንምባልን በዓል ልደት ብድምቀት ምጽምባልን ድማ ኣምሰሉነት ዜረጋግጽ።

“(ብወልድ) ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። እቲ (ብወልድ) ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብርምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያንዩ። .....ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እቲ ምስክር እዚሞ፡ እዛ ህይወትዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ (ወልድ) ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ (ወልድ) ዘይብሉ ግን ህይወት የብሉን።ዮሃ 336 1ዮሃ 511,12

እዚ ኰዀብ ጽባሕ ብኸመይ ናብ ልብና ዚኣትውን ኣብ ልብና ዚበርቕን፧ ብዛዕባ ነገርዚ፡ ናትና ግደን ናይ ኣምላኽ ግደን እንታይዩ፧ ናይ ኵሉ ነገር ጀማርን ደምዳምን እግዚአብሔር ስለ ዝዀነ፡ እቲ ናቱ ግደ ዚቕድም። እግዚአብሔር ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና፡ ነዚ ፍጹም መለኮት ዝዀነ ናይ ባህርይ ወዱ ከማና ሰብ ኪኸውንን ምእንታና በጃ ኪኸውንን ብምልኣኹ ነቲ ናቱ ግደ ድሮ ፈጺምዎዩ። እዚ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ወዱ ድማ እቲ ንድሕነትና ዚኸውን ኵሉ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ናብ ልብና ንኸነእትዎ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኣፍ ልብና ዀይኑ ይጽውዓናን ይዅሕኵሓናን ኣሎ።

እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ (ኣብ) ማዕጾ (ልቢ) ዃሕኳሕ አብል ኣለኹ። ሓደ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ናብኡ ኽኣትው ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥየ። ንሱውን ምሳይ ኪቕመጥዩ።ራእ 320 .

እዚ ቓል ንመራሕ ቤተ ክርስትያን ዝተዘርበ ቓልዩ። እንተ ዀነ፡ ኣይውዑይ ኣይዝሑል፡ ልቡጥ ህይወት ዝነበሮ፡ሃብታምን ፈሳስንየ፡ ዚጐድለኒ ዀነ ዜድልየኒ የብለይንኢሉ ዚምካሕ፡ ግናኸ ብዓይኒ ክርስቶስ ከም ነዳይን (ድኻን) ዕዉርን ዕሩቕን ሰብ ነበረ። ብሰሪ ዜሕዝን ህይወቱ ክርስቶስ ጡፍ ኢሉ ዜርሕቖን ዝረሓቖን ሰብ ኰነ። እንተ ዀነ ኣምላኽ ፍቕርን ኣምላኽ ምሕረትን ስለ ዝዀነ፡ ብንስሓ ዳግማይ ዕድል ሃቦሞ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ልቡ ዀይኑ ናብኡ ኺኣትው ዳግማይ ልቡ ኪኸፍተሉ ኸየቋረጸ ይዅሕኵሖ ኣሎ። እዚ ሰብ ወይ ካህን ወይ ከኣ ኤጲስቆጶስዩ። ነዚ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ ጥራሕ ዘይኰነ ንኻልኦት መራሕቲ ቤተ ክርስትያንውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ነበረ (ራእ 31-3 ራእ 21-5,12-16) ስለ ንምእመን ኰነ ንኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ዘይንሕፍ ካብ ኰነ፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይብሉ ህይወት ንነብር ከይንህልው፡ ኣዚና ኽንፈርህን ክንጥንቀቕን ይግብኣና። ነቶም ክርስቶስ ዘይብሉ ህይወት ዚነብሩ ምእመናንን ኣገልገልትን ዝተዋህበት እንኮ ፍታሕ ከኣ ንስሓ (ራእ 25,6 33,19)ሰዓሪዚበሃል፡ እቲ ብንስሓ መገዱ ዜቕንዕ ሰብ ጥራሕዩ። ነቲ ሰዓሪ ዝዀነ ሰብ ከኣኰዀብ ጽባሕ ክህቦዚብል ቃል ተስፋ ተዋሂብዎ ኣሎ (ራእ 228) ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነቶም ወንጌል ዝሰበኸሎም ህዝቢ፡ እንተ ተነስሑን መገዶም ኣቕኒዖም ናብ ኣምላኽ እንተ ተመልሱን፡ ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ክርስቶስ ናብ ልቦም ከም ዚሰድደሎም ነታ ዘይትጥለም ተስፋ ናይ ኣምላኽ ኣረጋጊጹ ነገሮም።

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም (ቅድሚ ምስራት ዓለም) ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።ግብ 319,20

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብሓጢኣት ኣብ ዝጋዕዘየ ልቢ ኺሓድርን ብርሃን-ህይወት ኪህብን ኣይክእልንዩ። ብሓቀኛ ንስሓ ልቡ ኣብ ዘንጽሀ ሰብ ጥራሕ ዚሓድር። ብደሙ ሓጺቡ ጽድቁ ኣልቢሱ፡ ኣብኡ ብምሕዳር መቕደሱ ይገብሮ። እዚ ብንስሓ ዝሰዓረ ሰብዚ፡ እቲ ብርሃናዊ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ስለ ዝሓደረ፡ ንርእሱ ብርሃን ይኸውን። ባህርይ ናይ ብርሃናዊ ሰብ እንታይ ከም ዚመስል ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ።

“. . . ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹምሞ፡ ብጐይታ (በቲ ኰዀብ ጽባሕ) ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ፡ ግናከ (ነቶም ጸልማት ዝዀኑ) ግንሕዎም ደኣምበር፡ ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።” ኤፌ 59-11

“......ነቲ ቓል ህይወት (ኣጽኒዕኩም ብምሓዝ) .......ኣብ ማእከል ቔናንን ጠዋይን ወለዶ መንቅብ ዘይብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃን (ከም ከዋኽብቲ) ኣብ ዓለም (ኣብርሁ) ......ፊሊ 214-16

ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ብቔናንን ጠዋይን ኣካይዳ ዝተመልአት ስለ ዝዀነት፡ ንቡር ኰይኑ ዚስምዓና፡ እቲ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ጥራሕዩ። እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዘለዎ ክርስትያን ግን፡ ነቲ ኽፋእ ናይ ጸልማት ስለ ዚፈልጦ፡ ንርእሱ ብዘይ መንቅብን ብንጽህናን ብምሕላው፡ ንርእሱ ብርሃን ይኸውን፡ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለው ኸኣ ብርሃንን ኣርኣያን ይኸውን። ግብሪ ጸልማት እናገበርካ ናይ ብርሃን በዓል ምብዓል ግን፡ ብኣምላኽን ብሰብን ዜኽዕበና እኩይ ሕርያዩ።

ስለ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብና ሓዲሩን ኣብ ናብራና ተጋሂዱ ምህላዉን ዘይምህላዉን ርእስና ንመርምር። ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ኣሕዲሩ፡ ንርእሱ ብርሃን ኰይኑ ዝተመላለሰ ሰብ፡ ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ ከም ጸሓይ ደሚቑ፡ ነቲ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር ኣምላኽ ኪመስል (ማቴ 13  ዳን 123) እቲ ንብርሃን ጐይታ ተጸዪፉ ኣብ ጸልማት ኪነብር ዝመረጸ ግን፡ ስቓይ ኣብ ዝመልኦ ጸልማት ዚነብር (ማቴ 811,12 1341,42 2213 2530) ስለ እቲ ዘለኣለማዊ መፈጸምታና ኺጽብቐልና፡ ማሕደር ናይ ኰዀብ ጽባሕ ምዃንና ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ታሕሳስ 30, 2015 ግዕዝ (8 ጥር/ጥሪ 2023 ፈ  [መበል 18 ሰንበት: ቊ.፳፮/26, 2023]

ምስባክ

መዝ.88(89)፡ 27-28

“ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ።”

“ኣነ’ውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ’የ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ’የ፡ ኪዳነይ’ውን ኪጸንዓሉ’ዩ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 11፡25-ፍጻ

ዲያቆን

1ዮሃ 4፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 7፡12-22

ንፍቅ ካህን

ማቴ 2፡1-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div