S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብደሙ ዚናብይ ጓሳ [መበል 17 ሰንበት: ቊ.፳፭/25, 2023]

ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ (ዝዀነ) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት (ኣተንስኦ) (ኣምላኽ ሰላም) ብኢየሱስ ክርስቶስ (ገይሩ) ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።እብ 1320-21

እዚ ዘለናዮ ሰንበትዚ፡ ናይ ዓመት (2015 ..) መበል 17  ሰንበት ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ብጾም ተጸሚድናሉ ዘለና ጾመ ነብያት ድማ ሻድሻይ ሰንበትዩ። ጾመ ነብያት ካብ እንጅምር፡ እንሆ ሎሚ መበል 38 መዓልትናዩ። ነዘን ተሪፈናና ዘለዋ ሒደት መዓልታት ብረድኤቱ ብዓወት ኣፈጺሙ፡ ናብ በዓለ ልደቱ ኼብቅዓና ኸኣ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ኖላዊተባሂሉ ዚጽዋዕ።ኖላዊናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙጓሳ፡ማለትዩ።ኖላዊዚበሃል ዘሎ ድማ፡ እቲ ንድሕነትና ኺብል ነዚ ድኹም ስጋና ዝለበሰ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጓሳና ኸም ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብልሳኑ ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ነጊሩና ኣሎ። ቅድሚ ብስጋ ምግላጹ ብቕዱሳን ነብያቱ፡ ድሕሪ ዕርገቱ ድማ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ገይሩ፡ ነዚ ሓቂ ብኣጽንዖትን ደጋጊሙን ኣረጋጊጹልናዩ።

ኣብ ናይ ኖላዊ ሰንበት፡ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ናይ መዝሙር ሊቃውንቲ ዚዝምርዎ መዝሙርኖላዊ ዘመጽአዚብልዩ። ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ጕስነት ናይ ጐይታና ዜረጋግጹን ዚገልጹን ንባባትዮም። ኣብ ናይ ዮሃ 101-21 ንባብ፡ ጐይታና ብዛዕባ ባዕሉ ዚፍጽሞ ጕስነቱ ብስፍሓትን ብንጹርነትን ገሊጹ ኣሎ። ነተን ኣባጊዑ በብስመን ከም ዚፈልጠን፡ ኬውፍረን ከሎ በብስመን እናጸውዐ ኸም ዜውፍረን፡ ኬውፍረን ከሎ ንሱ ቐቅድሚአን ከም ዚኸይድ ኣብሪሁልና ኣሎ። ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ዚዕቈባሉ ደምበ ኣፍ ደገ ባዕሉ ኸም ዝዀነ፡ እተን ብእኡ ዚኣትዋን ዚወጻን ጥራሕ ካብ ኣራዊት ከም ዚድሕናውን ነጊሩና ኣሎ። ህይወት ምስ ተረፉ ኸም ዚህበን፡ ካብ ኢዱ ኺምንዝዐን ዚኽእል ዝዀነ ኣራዊትን ሰራቕን ከም ዘየልቦውን ኣረጋጊጹልናዩ። ደሙ ብምፍሳስን ህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ ብምሕላፍን ዚጓስይ ጓሳዩ።

እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወተይ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። .....ንነፍሰይ ከኣ በጃተን ኣባጊዕ አሕልፋ። ......ኣነ ንነፍሰይ በጃ (ኣባጊዐይ) ከሕልፋ መሊሰውን ክወስዳሞ፡ ስለ ኣቦ የፍቅረኒዩ። ባዕለይ በጃ ዘሕልፋምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ።ዮሃ 1011,15,17,18

ነፍሱ በጃ ብምሕላፍ ዜድሕነንን ዚጓስየንን ምዃኑ፡ ብዛዕባ ሳልሳይ መግለጺ መንነቱ ዜረጋግጸልናዩ። ጓሳን ኣፍደገን ጥራሕ ዘይኰነ ገንሸል ምዃኑውን ብንጹር ተነጊሩናዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ጐይታና ንኺጥመቕ ናብኡ ገጹ ኺመጽእ ምስ ረኣዮ፡እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽብምባል መስኪሩሉ ኣሎ (ዮሃ 129,36) ቅዱስ ጳውሎስውን፡እቲ ገንሸል ፋሲካና (ዝዀነ) ክርስቶስ ተሰዊኡብምባል ገንሸልነቱ ኣበሰረና (1ቈረ 57) ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣብኽቡር ደም ናይ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ከም ዝደሓንና ዘረጋገጸልና (1ጴጥ 118,19) ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ሰፊሕ ራእይ፡ተሓሪዱ ዝነበረ ዚመስል ገንሸል፡ ደም ናይ ገንሸል፡ መዝሙር ናይ ገንሸል፡ መርዓት ናይ ገንሸል፡ መጽሓፍ ህይወት ናይ ገንሸል፡ መርዓ ናይ ገንሸልእናበለ፡ ሓለፋ ዅላቶም ሃዋርያት ናይ ጐይታና ገንሸልነት ኣብሪሁ ኣርእዩና (ራእ 56 716,17 1211 141,4 154 1714 197,9219,23,27)  ስለ ከም ገንሸል በጃና ሓሊፉ ብደሙ ይጓስየና፡ ከም ጓሳ ይኣልየና ይናብየና፡ ከም ቀጽርን ኣፍ ደገን ኰይኑ ይሕልወና። እዚ ብደሙ ዚጓስይ ዓብዪ ጓሳምበኣር ብኸም ዚናብየና። ንክርስትና ኻብ ካልእ ኵሉ እምነታት ዝተፈልየ ዚገብሮ፡ እዚ ፍሉይ ጕስነትዩ።ኖላዊ፡ ጓሳ፡ ሓላዊዚብል ሰሙንን ሰንበትን ዝተሰርዓልና ኸኣ፡ ነዚ ረቂቕ ጕስነት ኣጸቢቕና ኸነስተውዕሎ፡ ኣብ ትሕቲ ጕስነት ኣጽሊልናን ተዓቝብናን ምህላውና፡ ካብተን ኣባጊዕ ናይ ዓብዪ ጓሳ ዲና ወይስ ካብተን ኣጣል ናይ ብሞት ዚጓስይ ጨካን ኣራዊት ዝዀነ ዲያብሎስ ምዃንና ንኸነረጋግጽዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስውን፡ ነዚ ብደም ናይ ዘለኣለማዊ ኪዳን ዚግበር ዓብዪ ጕስነት ዚድርዕ መለኮታዊ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ።

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። ከም እተባረራ ኣባጊዕ (ጠፊእኩም) ኔርኩም ኢኹምሞ፡ ሕጅ ግና ናብ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።” 1ጴጥ 224,25

ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹምማለትብደሙማለትዩ። ኣብ ሓጢኣትና ዝጾረሉ ናይ ዕንጸይቲ መሰቀል ኪሰቕልዎ ኸለዉ ዝቘሰለን ዝደመየን። ሕማምና፡ ንጽድቂ ምዉታት ንሓጢኣት ግን ህያዋን ኴንና ምንባርናዩ። ነቲ ቐታሊ ሕማምና፡ ንሓጢኣት ኣብ ዝባኑ ምስ ጾሮ ግና ምርጫና ጽድቂ ጥራሕ ኰይኑ ተረፈ። ናብ ጓሳና ኽንምለስ ዘኽኣለና ኸኣ፡ እቲ ኻብኡ ዜዀብልለና ሕማምና ስለ ዝረሓቐልናዩ። ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዜሕልፍ ጓሳ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዓብይን ፍሉይን ጓሳዩ።

እቲ ነዚ ዕለት ዝተሰርዓልና ናይ መዝ 801 ምስባክውን፡ ነዚ ዓብዪ ጕስነት ዚገልጽ ትንቢታዊ መዝሙርዩ። እቲ እግዚአብሔር ኣቦ በዚ ሓደን ቅዱስን ወዱ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዘርኣዮ ናይ ብሉይ ኪዳን ጕስነት፡ ናይ ብኣካለ ስጋ ተገሊጹ፡ ብደሙ ኣብ ዘቘሞ ሓድሽ ኪዳን ዚገብሮ ጕስነት፡ ግብራዊ ትንቢት ዝነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተፈጸመ መስዋእቲ፡ ግብራዊ ትንቢት ናይ ክርስቶስ ጐይታና ብደሙ ዚፍጽሞ ዓብዪ ጕስነትዩ። እቲ ኣብ ናይ መዝ 801 ምስባክና ተጠቒሱን ተገሊጹን ዘሎ መለኮታዊ ጕስነት፡ ብእኡ ብእግዚአብሔር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተፈጸመ ጕስነት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ እግዚአብሔር ኣቦ ኺገብሮ ዚደልይ ኵሉ ግብርታት፡ በቲ ሓደ ወዱ ብእግዚአብሔር ወልድ ኸም ዝገበሮ፡ ብዘይ ብእኡ ዝተገብረ ዝዀነ ይኹን ተግባር ከም ዘየለ ቓል እግዚአብሔር ኣረጋግጹልና (ቈሎ 116,17 እብ 12)

ብእኡ (ብወልድ) ኵሉ ዀነ፡ ካብ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” 13

ንሕናስ ኵሉ ካብኡ ዚኸውን፡ ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣቦ ኣሎና። ኵሉ ብእኡ ዚኸውን፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን፡ ሓደ ጐይታ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና።” 1ቈረ 86

በዚ ዝተጠቕሰ ቃለ እግዚአብሔር መሰረት፡ ኵሉ ካብ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ዝተገብረ መለኮታዊ ተግባራት፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ተፈጺሙ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተገብረ መስተንክር ጕስነት እስራኤላውያን፡ ብእግዚአብሔር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጺሙ። እቲ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና ተገሊጹ ብደሙ ዝፈጸሞ ቤዛዊ ጕስነትውን ብእኡ ተፈጺሙ። ፍልልዩ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ጕስነት መለኮት ጥራሕ ከሎ ዝፈጸሞ፡ እቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጕስነቱ ግን ብምስጢረ ተዋህዶ ስጋ ዝለበሰ መለኮት (ስግው መለኮት) ኰይኑ ብደሙ ዝፈጸሞ ጕስነት ምዃኑ ጥራሕዩ።

ምስጢር ናይ ብደም ዚፍጸም ጕስነት እንታይዩ፧ ብኸመይ ብደሙ ዚጓስየና፧ እዚ ብምስጢረ ተዋህዶ ዝተፈጸመ ረቂቕ መለኮታዊ ምስጢርዚ፡ ይትረፍ ነዚ ስጋ-ለበስ ፍጡር ዝዀነ ዘርኢ ሰብ፡ ነቶም ረቂቕ ኣእምሮ ዝተዓደሉ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣዝዩ ዜስተንክር ድንቅን መንክርን ምስጢርዩ። እዘን ንሕና እንውንነን በሃማት ኣባጊዕ ብበትሪየን ዚጓሰያ። ብበትሪ ዘይምከት ኣራዊት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ድማ፡ ከም ብዓል ቅዱስ ዳዊት፡ ብሰይፍን ብኻልእ ዕጥቅታትን ይጓስዩ ይዀኑ። ኣብ ጕስነት ኣባጊዕ፡ እቲ በትሪ ዀነ ኻልእ ዕጥቂ፡ ነቲ ጸላኢ ንኸተጥቅዓሉምበር፡ ከም ናይ ዓድና ሕሱም ጕስነት፡ ሕቘን መሓውርን ናይተን ኣባጊዕ ክትሰብረሉ እትዕጠቖ ኣይኰነን።

ብኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዚፍጸም ጕስነት ግን መንፈሳዊ ጕስነት ስለ ዝዀነ፡ ብኣሰራርሓኡ ዀነ ብባህርዩ ኻብ ናይ እንስሳ ጕስነት ኣዝዩ ዝተፈልየዩ። ሰብኣዊ ተመክሮ ይኹን ቃል እግዚአብሔር ከም ዚገልጾ፡ ናይ ጕስነት ተልእኾን ናይ ጓሳ ተግባርን ክልተየን። እቲ ሕያዋይ ጓሳን ሓለቓ ጓሶትን ዝዀነ ጐይታና፡ ንርእሰ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ንዅላቶም ጓሶት ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ጕስነትን ጓሳነትን ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

1. ኣባጊዐይ ኣብልዕ

2. ኣባጊዐይ ሓልው- ዮሃ 2115-17

ጐይታና እዚ ትእዛዝ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኖም ዚጓስዩ ጓሶት ቅድሚ ምሃቡ፡ ነቲ ጕስነት ባዕሉ ብግብሪ ፈጺሙ ኣርእዩናዩ። ብኸመይ፧

1. ምስጢረ ተዋህዶ (ምስጢረ ስጋዌ) ብምፍጻም፦

ጐይታና ፍጹም ሰብ ኰይኑ ዝተወልደሉ ምስጢር፡ ናይ ብደሙ ዚፍጽሞ ጕስነት ቀዳማይ ስጕምቲዩ። ምኽንያቱ ብደሙ ኺጓስየና እንተ ዀይኑ፡ ንመለኮት ደም ስለ ዘይብሉ፡ ስጋ ዝለበሰን ደም ዘለዎን ኣካል ኪኸውን ናይ ግድንዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ብደም እንስሳታት ጓስይዎም። እንተ ዀነ ደም እንስሳታት ጊዜያዊ ዕርቅን ምሕረትን ጥራሕምበር፡ ዘለኣለማዊ ስርየት ኬውሕስ ዚኽእል ኣይነበረን (እብ 101-4,11 96-10,28) ስለ ናይ ጸገም እንኮ ፍታሕ፡ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ፡ ሓንትን ዘለኣለማዊትን ህያውን መስዋእቲ ኪኸውን ናይ ግድን ኰነ። ነዛ ምስጢርዚኣ ኺፍጽም ዚኽእል ድማ፡ ፍጹም መለኮት ዝዀነ ኣካል ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ እግዚአብሔር ወልድ፡ ብምስጢረ ስጋዌ ፍጹም ሰብ ኪኸውን ተገብኦ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ምስጢር ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ ዅሉ ምእንትኡ ኵሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ (እግዚአብሔር ኣቦ) ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኼእትዎም፡ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ (ዝዀነ ክርስቶስ) ብስቓይ ፍጹም ኪገብሮ ተገብኦ። እቲ ዚቕድስ (ክርስቶስን) እቶም ዚቕደሱ (ሰባትን) ካብ ሓደ መበቈል (ካብ ሓደ ስጋ)’ዮም። በዚ ምኽንያት ኸኣ፡ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮምየ፡ .......” ስለ ዚብል፡ኣሕዋተይኢሉ ንምጽዋዖም ኣይሓፍርንዩ። .....እቶም ውሉድ፡ ስጋን ደምን ዝለበሱ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ። እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉዩ። . . . ስለ ርሕሩሕን እሙንን ንኣምላኽ ዜገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ኪኸውን፡ ንሓጢኣት ህዝቢውን ስርየት ምእንቲ ኼውህብ (ምእንቲ ኼተዓርቕ) ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኺመስሎም ተገብኦ።እብ 210-12,14-17

እቲ ፍጹም ኣምላኽ ዝዀነ ጐይታና፡ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኪኸውን ዘድለየሉ ዕላማ፡ ብመስዋእቱን ብደሙን ኪጓስየና ምእንቲ ኪኽእልዩ። ምኽንያቱ ፍጹም ሰብ ከይኰነ፡ ደሙ ኼፍስሰልናን ብደሙ ኼድሕነናን ኣይክእልንዩ። ስለ እዚ ኽንጽምብሎ እንጽበዮ ዘለና በዓል ልደት፡ ኣካል ናይ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ግብሪ ጕስነት (ግብረ-ኖሎት) ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። ልደቱ፡ ኣካል ግብሪ ጕስነቱ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግባእ። ልደቱ፡ ኣካል ግብሪ ጕስነቱ ምዃኑ ምእንቲ ኼመልክተና ኸኣ፡ ብዛዕባ ልደቱ ብቐዳምነት ብስራት ዝተነግሮም፡ ኣብ መሮር (ኣብ በረኻ) ንዝሓደሩ ጓሶት ኰነ። ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ነዚ ናይ ጾመ ነብያት ናይ መወዳእታ ሰሙንኖላዊ” (ሓላዊ፡ ጓሳ)” ኢላ ዝሰመየትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብምስጢረ ስጋዌ ዝተፈጸመ ልደቱ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግብሪ ጕስነትን ምስጢር ጕስነትን ምዃኑ ምእንቲ ኸነስተውዕልን ከነስተንትንንዩ።

2. ብሞቱን ትንሳኤኡን ዕርገቱን፦ ምስጢረ ተዋህዶ ዝተፈጸመ፡ ኣብ ክንዳና መስዋእቲ ዀይኑ ደሙ ምእንቲ ኼፍስሰልናዩ። ስለ ጐይታና፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኼብቅዕ፡ ደሙ ኣፍሲሱ እንተ ዘይሞተልና፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኺድሕን ኣይምኸኣለን ነይሩ። ምኽንያቱ፡ብዘይ ምፍሳስ ደም ሕድገት ሓጢኣት የልቦን፡ተባሂሉ ብንጹር ተነጊሩና (እብ 922) ንሓጢኣትና ደምሲሱ ዜንጽሃና፡ ደም ክርስቶስዩ። ስለ ኸኣ ሰብ ኰይኑ ኺውለድ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ምእንታና ደሙ ኣፍሲሱ ኺመውት ናይ ግድን ዝዀነ (እብ 911-15 ሉቃ 725) ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዕዳ ሓጢኣት ኪኸፍል ዚኽእል ደምን ሞትን ናይ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ ክርስቶስ ጥራሕ (ዮሃ 315,16 ሮሜ 58 1ዮሃ 49) እዚ ሓቂ ትምህርቲ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያትን፡ ጽኑዕ መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናንዩ።

እንተ ዀነ ጐይታና ምእንታና ኽቡር ሞት ሞይቱ ኼብቅዕ፡ ካብ ሞት ከይተንስአ እንተ ዚተርፍ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኺድሕን ኣይምኸኣለን ነይሩ። እተን ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ዚስውኣ ዝነበራ ብሚልዮናት ዚቝጸራ እንስሳታት፡ ካብ ሞት ስለ ዘይትንስኣምዉት መስዋእቲዀይነን ስለ ዚተርፋ ፍጹም ድሕነት ኪርከብ ዘይተኻእለ። በብዝተሰውኣኦ መጠን ሞይተን ይተርፋ ስለ ዝነበራ፡ እቲ ህዝብን እቶም ካህናትን መዓልቲ መጸ ከየዕረፉ ኺስውኡ ይግደዱ ነበሩ (እብ 101-4,11) ጐይታናውን ሞይቱ እንተ ዚተርፍ፡ ኬድሕነና ኣይምኸኣለን፡ ንሕናውን ካልእ መስዋእቲ ኽንጽበይ ምነበርና ኔርና። ሳላ ዝተንስአ ግና፡ ዘይከምተን እተሰውኣ እንስሳታት፡ህያው መስዋእቲኰነ። ስለ ኸኣ እታ መስዋእቱ ሓንሳእን ንሓዋሩን እትኸውን ዘለኣለማዊት ስለ ዝዀነት፡ ካልኣይ ጊዜ ኺስዋእ ኣየድለዮን (እብ 727912,25-28 1011,12 1ጴጥ 318) እምበኣር ትንሳኤኡውን ነቲ መስዋእቱ ህያውነትን ዘለኣለማውነት ዘልበሰ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ግብሪ ጕስነትዩ።

ሕጂውን ግብሪ ጕስነቱ ብትንሳኤ ጥራሕ ኣይዛዘምንዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝፈሰሰ ደም ምእንታና ዝተኸፍለ ደኣ ይኹንምበር፡ እቲ ተኸፋሊ ኣካል ግን እቲ ኣብ ሰማያዊት መቕደስ ኣብ ዝፋን ክብሩ ተቐሚጡ ዘሎ እግዚአብሔር ኣቦዩ። ስለ እቲ ምእንታና ዝፈሰሰ ደም ናብ ብፍትሓዊ ባህርዩ ተደሪኹ ሞት ቅዱስ ወዱ ዝፈረደ እግዚአብሔር ኣቦ ኺበጽሕ ናይ ግድንዩ። ብመሰረት ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት፡ ነቲ ደም ናይ ዝተሰውአ እንስሳ ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዜቕርቦ እቲ ሊቀ ካህናትዩ። ንደም ክርስቶስ ሒዙ ናብ ሰማያዊት መቕደስ ዚኣትው ካልእ ሊቀ ካህናት ስለ ዘይነበረ፡ ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ዘቕረቦ ሊቀ ካህናት፡ ጐይታና ባዕሉ ነበረ። ስለ ቅዱስን ፍጹምን ሊቀ ካህናት ኰይኑ ገዛእ ደሙ ሒዙ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ምእንቲ ኬቕርቦ፡ ብዕርገት ናብ ሰማያት ናብ የማን ኣቦ ኺድይብ ናይ ግድን ኰነ። ስለ ዕርገቱውን ኣካል ናይ ብደሙ ዚፍጽሞ ግብሪ ጕስነቱዩ። ስለ ኣብ ማእከልቶም ኣርባዕተ እንስሳን 24 ሽማግለታትን (ኣሕሉቕን) ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ኰይኑ ዝቘመ፡ በቲ ኽቡር ደሙ ዓዲጉ ድማ ናይ መንግስቱ ካህናት ዝገበረና (ራእ 56 14-6)

እሞ እዚ ኣብ ጐይታና ዝተፈጸመ ኻብ ልደቱ ኽሳዕ ዕርገቱ ዘሎ ፍጻመታት፡ ብኸመይ ብደሙ ዚጓስየና፧ ብልደቱ ኺመውት ዚኽእል ስጋና ስለ ዝለበሰ፡ በቲ ዝለበሶ ስጋን ደምን ምእንታና ስለ ዝሞተልና፡ እቲ ብጥንሱን ብልደቱን ዝተፈጸመ ምስጢረ ተዋህዶ፡ ቀዳማይ ተግባር ናይ ብደሙ ዝፈጸሞ ጕስነትዩ። ብደሙ ዋጋ ሓጢኣትና ስለ ዝኸፈለን፡ ንኣና ኻብ ሓጢኣትን ተሓታትነቱን ሓራ ስለ ዝገበረናን፡ ዓብይ ጕስነታዊ ተግባርዩ። ጐይታና ነዚ ተግባሩዚ፡

ኣነ ሕያዋይ ጓሳየ፡ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ፧

ብምባል እቲ ህይወቱ በጃ ምሕላፉ፡ ኣካል ናይ ብሕያውነት ዚልለይ ጕስነቱ ምዃኑ ብልሳኑ ገሊጹልና (ዮሃ 1011) ብትንሳኤኡ ህያው መስዋእቲ ብምዃን ብዘይትድገም ሓንትን ዘለኣለማዊትን መስዋእቱ ዘለኣለማዊ ድሕነት ኣጐናጸፈና። ብማዕርግ መልከጸዴቅ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ስለ ዝዀነ ድማ፡ ደሙ ሒዙ ናብ ሰማያት ብምዕራግን በቲ ደሙ ሒዙ ብምቕራብ ዝፈጸሞ ቤዛዊ ማልዶቱ (Expiatory Intercession) ሕድገት ሓጢኣት ብምርካብ ድሕነት ጸገወና (ሮሜ 831-34 ኤፌ 119-21 21-7 ቈሎ 120-23 1ጢሞ 25,6 እብ 725 86 915 1019,20 1ዮሃ 21,2) ብደሙ ድማ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ እንቐርበሉ ዕድልን ኣፍደገን ኰነልና (ኤፌ 212,13,15-18 ቈሎ 120-23 እብ 414-16 1019,20 1ጴጥ 318) ምኽንያቱ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዘይመጸ ናብ ኣቦ ኪቐርብን ኪበጽሕን ኣይክእልን (ዮሃ 146 101,9 እብ 725)

 እተን ናይ ሓደ ጓሳ ድርብ ተልእኾታት ብኸመይየን ብደሙ ተፈጺመን፧ ነታ ነባጊዕካ ናይ ምምጋብ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ሓላፍነቱ፡ ንርእሱ ዚብላዕ እንጌራ ህይወት ኰይኑ ብምቕራብ ዝፈጸሞ። ኣይሁድ፡ ከም ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣቦታቶም ዚብላዕ ደልዮም ንኣምላኽ ዝፈተንዎ፡ ሕጂውን ንሳቶምነቲ እንጌራ ዅሉ ሳዕ ሃበናኢሎም ምስ ፈተንዎ፦

እንጌራ ህይወት ኣነየ፡ ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምይን፡ ብኣይ ዚኣምንውን ከቶ ኣይጸምእንዩ። . . . እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነየ፡ ካብ እንጌራ ዝበልዐ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብርዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይዩ። . . . ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰተኹምሲ፡ ህይወት ከም ዘይብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰትይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። . . . ስጋይ ብልዒ ሓቂዩ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰትይ፡ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ (እነብር)

ብምባል መለሰሎም (ዮሃ 635,51,53-56) ስለ ከም ጓሳ-እንስሳ ነባጊዑ ኻልእ ነገር ዚምግብ ዘይኰነስ፡ ከም ጓሳ ነፍሳትና ገዛእ ስጋኡን ደሙን ብምምጋብ ዚጓስይ ፍሉይን ዓብይን ጓሳዩ። ነቲ ኣብ መስቀል ምእንታና ዝቘረሶ ስጋኡን ምእንታና ዘፍስሶ ደሙን፡ ዚምግበና፡ በቲ ባዕሉ ብኣካል ዝሰርዖ ምስጢረ ቍርባን (ማቴ 2626-30 1ቈረ 1123-30) ስለ እቲ ኣማኒ ክርስትያን ክነሱ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዘይሳተፍ ሰብ፡ ካብ ናይ ክርስቶስ መስተንክር ጕስነት ፈትዩ ዝዀብለለ ሰብዩ።ብደሙ ኣይጓሰይንኢልና ኽንኣብይን ክንሕሰሞን ከለና፡ዘለኣለማዊ ሞትምበር፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣይደልንንብል ከም ዘለና፡ በዚ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ቓል ጐይታ ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን እናጾመ ብድያብሎስ ዝተፈተነሉ እዋንውን፦

ሰብ፡ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓልምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርንዩ።

ብምባል ገሊጹ (ማቴ 44) ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ናይ ባህርይ ቃልዩ፡ቃል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረዝተባህለሉ (ዮሃ 114) ስለ ብኣካለ-ስጋ ምግላጹን ኣብ መስቀል ዝቘረሶ ስጋኡን ዘፍስሶ ደሙን ምግብና ኪኸውን ምሃቡን፡ ትግባረ ናይ ነባጊዑ ናይ ምምጋብ ጕስነታዊ ተልእኾኡ ዜረጋግጸልናዩ።

እቲ ኻልኣይ ብደሙ ዝፈጸሞ ናይ ምሕላው ጕስነት ከኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብግብራዊ ትንቢት ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ብግብራዊ ፍጻመ ዘረጋገጾዩ። ካብ ባርነት ግብጺ ንእስራኤላውያን ሓራ ኸውጽኦም ከሎ በቲ ገንሸል ፋሲካ ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ብምሕላው ዝጓሰዮም። እቲ ናብ ግብጺ ብእግዚአብሔር ዝተላእከ መልኣኽ ቍጥዓ ንግብጻውያንን እስራኤላውያንን ብዜግነቶም ኣይኰነን ዝፈላለዮም። ንደም ናይ ገንሸል ኣብ ልዳት ናይ ዝተዓቝቡላ ቤት ከም ዚለኽዩ ብምግባርዮም ካብ ጥፍኣት ናይ ቝጥዓ ኣምላኽ ዝተሓለዉ (ዘጸ121-5) እቲ ብደም ናይ ገንሸል ዝተገብረሎም ሓለዋ ኣብ ግብጺ ደኣ ይጀምርምበር፡ ኣብ ጕዕዞ ምድረ በዳ ዀነ፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ንኸንኣን ምስ ወረሱውን ኣየቋረጸን፡ ሕጊ ዘለኣለም ኰይኑ ደኣ ቐጸለ (ዘጸ 1217,24) ሕጊ ኣይሁድ፡ ዘለኣለማዊ ኣይነበረን። ቤት መቕደሶም ፈሪሱ ዅሉ ስርዓቶም ካብ ዜቛርጽ እንሆ ኣስታት 2000 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ፋሲካ ኣይሁድ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ብፋሲካ ክርስቶስዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ፡ ናይ ናይ ክርስቶስ ፋሲካ ጽላሎት ምዃኑ ቅዱሳን ሃዋርያት ገሊጾምልናዮም (1ቈረ 57)

ሕጂውን ብምስጢረ ቍርባን ካብ ስጋኡን ደሙን ዘይንካፈል እንተ ዄንና፡ ካብ ብደሙ ዚገብረልና ሓለዋን ጕስነትን ንዅብልል ስለ ዘለና፡ ካብ መጥቃዕቲ ሰይጣንን ካብ ቍጥዓ ኣምላኽን ክንሕለውን ክንድሕንን ኣይከኣልንዩ። ቅዱስ ዳዊት ናብ እግዚአብሔር ኣምላኹ፡ “. . . ጸላእተይ ርእዮም ኪሓፍሩስ፡ ምልክት ደሓን ግበረለይኢሉ ኸም ዝጸለየ፡ ንኣና ኻብ ጸላእትና ዜድሕነና ምልክት-ደሓን፡ ደም ናይ ቅዱስ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ (መዝ 8617) ብደሙ ኻብ ተሓታትነት ናይ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእና፡ እቲ መስሓትን ከሳስን ድያብሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪኸስሰና ኣይክእልንዩ። ብደሙ ዝተዓደገ ሰብ፡ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ መንግስተ ሰማያትዩ። ሳላ ደም ናይ ገንሸል ኵሉ ጊዜ ንሰይጣን ስለ እንስዕሮ፡ ብእኡ ተሳዒርና ድራር ገሃነም ኣይንኸውንን ኢና (ራእ 1211)

ካብ ክስሲ ሰይጣን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ኺወርድ ዚግብኦ ፍርድን ቍጥዓን ናይ ኣምላኽውን ብደሙ ኢና እንድሕን። ጐይታና ሊቀ ካህናት ኰይኑ ገዛእ ደሙ ሒዙ ብዕርገት ናብ ሰማያዊት መቕደስ ኪኣትው ዘድለየ፡ ነታ መቕደስ ካብ ፍርዲ ኣንጺሁ ምሕረት ምእንቲ ኼውሕሰልናዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦

እምበኣርሲ (እቲ) ምስሊ (ናይ) ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር (ዝዀነ ምድራዊ ቤት መቕደስ) በዚ (ደም እንስሳታት) ኪጸርይ፡ እቲ ሰማያዊ (መቕደስ) ንርእሱ ግና ካብ (መስዋእቲ እንስሳታት) ብዝሓሸ መስዋእቲ (ክርስቶስ) ኪጸርይ ናይ ግዲ ነበረ። ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና፡ ናብ ምስሊ ሓቂ (ዝዀነት) ናብ ብኢድ (ሰብ) እተገብረት (ምድራዊት) መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ።

ብምባል፡ ነዚ ሓቂ ኣብሪሁልና ኣሎ (እብ 923,24) እቲ ምድራዊ ኰነ ሰማያዊ ቅድስተ ቅዱሳን ሓጢኣት ስለ ዘይብሉ፡ እቲ ደም ሓጢኣት ንኼጽርይ ኣይኰነን ናብኡ ዚኣትው። እቲ ሓጢኣት ዝወለዶ ፍርድን ቍጥዓን ናይ ኣምላኽ ግን፡ ካብኡ ኻብ ቤት መቕደስ ዚወጽእ። ስለ እቲ ደም ምስ ፈሰሰ ቅድም ናብ ሓጥእ ሰብ ይንጸግ። እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ በቲ ሊቀ ካህናት ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይንጸግ፡ ብድሕሪ እቲ ቝጥዓ ብምሕረት ዚትካእ (እብ 91722) ስለ እዚ ብደሙ ዚፍጸም ጕስነት ብኸም ኻብ ክስሲ ሰይጣንን ካብ ቍጥዓ ኣምላኽን እናሓለወ ዚጓስየና። ደም ክርስቶስን እቲ ብደሙ ዚጓስዮ ሰብን ዚራኸቡ ኸኣ ኣብ ምስጢረ ቍርባንዩ።

እምበኣር ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ብደሙ ዚፍጸም ጕስነት ከም ዘለና ነረጋግጽ። ነቲ ብደሙ ዝተሰርዓልና ናይ ጸጋ ምስጢራት ንካፈሎ፡ ብደሙ ተሓጺብና ካብ ሓጢኣትናን ካብ ቍጥዓ ኣምላኽን ንድሕን ምህላውና ርግጸኛታት ንኹን። ካብ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዝመኸረልና ናይ ደሙ ጕስነት ኣይንውጻእ። ካብ ጕስነት ናይ ሕያዋይ ኖላዊ እንተ ዀበለልና፡ ዕጫና ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ስለ ዚኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ጕስነቱ ነጽልል። ምኽንያቱ ኸም ቅዱሳን ሃዋርያትን፡ ቅዱስ ኣቡነ ሽኖዳን ዝበልዎ፡ብዘይ ደም ክርስቶስ ድሕነት ዚበሃል የልቦን”(Salvation in the Orthodox Concept)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ታሕሳስ 23, 2015 ግዕዝ (1 ጥር/ጥሪ 2023 ፈ  [መበል 17 ሰንበት: ቊ.፳፭/25, 2023]

ምስባክ

መዝ.79(80)፡1

“ኖላዊሆሙ ለእስራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።”

“ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 13፡16-ፍ

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡21-ፍ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 15፡13-21

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 10፡1-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div