S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘመን ዕረፍቲ ኺመጻልኩም [መበል 15 ሰንበት: ቊ.፳፪/22, 2022]

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።ግብ 319,20

እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ጾመ ነብያትእንጾመሉ ዘለና ወቕቲዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 15 ክሳዕ ድሮ ልደት (ታሕሳስ 28 ወይ 27)  ዘሎ ግዜጾመ ነብያትእንጾመሉ ቕንያትዩ። ካብተን ዓበይቲ ኣጽዋማት ናይ ቤተ ክርስትያንና፡ ዘይለዋወጥ ቀዋሚ ዕለታት ዘለወን ኣጽዋማት፡ ጾመ ነብያትን ጾመ ፍልሰታንየን። ኣብ ውሽጢ ጾመ ነብያት እትርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እትጽወዓሉ ነናታ ስም ኣለዋ። ብእኡ መሰረት ካብ ታሕሳስ 7 ክሳዕ ታሕሳስ 13 ዘሎ ሰሙን፡ስብከትተባሂሉ ዚጽዋዕ። ነዚ ናይ ስብከት ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ድማ፡ወልዶ መድኅነ ንሰብክዚብልዩ። ካብቶም ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ግብ 319-ፍጻመ ንባብዩ።

ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን ዮሃንስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንሓደ ኣብ ደገ ቤት መቕደስ ኰይኑ ይልምን ዝነበረ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ልሙስ ኰይኑ ንዝተወልደ ሰብኣይ ምስ ፈወሱ፡ ኵሉ ህዝቢ እናጐየየ ናባታቶም ተኣከበሞ፡ ንኽልቲኦም ሃዋርያት ብምግራም ተኲሩ ኺጥምቶም ጀመረ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ፡ እቲ ምጥማት ናይ ህዝቢ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኬቕንዕ፡ ሓጺር ግን ከኣ ሓያል መልእኽቲ ወንጌል ሰበኸሎም። በዛ ስብከትዚኣ ድማ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሰባት ብክርስቶስ ኣሚኖም ናብ ቤተ ክርስትያን ተጸምበሩ። ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሰበኻ ስብከት ሕመረት ወይ ማእከላይ ሓሳብ ድማ፡ እዛ ነዚ ዕለት ኸም መሪሕ ጥቕሲ ተመሪጻትልና ዘላ ኽፍሊ ናይ ንባብያ።

በዚ መሪሕ ጥቕሲ መሰረት፡ ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ብምምላስና እንረኽባ ዝዓበየት ረብሓ፡ ዘመን ዕረፍቲ ምርካብያ። ዘመን ዕረፍቲ ኽንረክብ እንተ ዄንና ግን፡ እቲ ዕረፍቲ ዚኸልኣናን ንዕረፍትና ደምሲሱ ናብ ከቢድ ጻዕርን ስቓይን ዘእተወናን ሓጢኣት ኪድምሰስ ኣለዎ። ነዚ ዕረፍቲ ዚኸልእ ሓጢኣት ኪድምስስ ዚኽእል ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። እምበኣር ምስጢረ ንስሓ ኽሳዕ ክንዲ ኣገዳሲ ምስጢርዩ። ዘይተነስሐ ሰብ ነዚ ዅሉ ጸጋታት ኪረኽቦ ኣይክእልንዩ። ንስሓ ኻብ ሓጢኣት ዚፈጥሮ ጻዕርን ጭንቀትን ኣናጊፉ፡ ኣብ ዕረፍቲ ኼንብረና ዝተሰርዓልና ምስጢርዩ።

ብርግጽ ግን ሓጢኣት ዕረፍቲ ይኸልእ ድዩ፧ ተልእኾ ናይ ሓጢኣት፡ ንወዲ ሰብ ካብ ዕረፍቲ ምውጻእን ምርሓቕን ምዃኑ፡ ገና ኻብ ሓጢኣት ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ገነት ኤድን ዝተፈጸመሉ ጊዜ ተጋሂዱ። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሱ፡ እቲ ኸሊልዎምም ዝነበረ ጸጋን ክብርን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተገፍፈ፡ ዕርቃኖም ከም ዝወጹ ተፈሊጥዎም፡ ኣቝጽልቲ ኦም በለስ (Fig tree) ኣለጋጊቦም ናብ ዕርቃኖም ናይ ምኽዳን ከንቱ ጻዕሪ ኣተዉ። ካብ ሓድሕዶም ኰነ ካብ ኣምላኽ ናይ ምሕባእ ጻዕሪ ድማ፡ ሽዑ ምስ ጀመረ ኽሳዕ ሕጂ የድክመና ኣሎ። እግዚአብሔር ብኣካል መጺኡ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ ካብ ስፍራ ዕረፍቲ ዝዀነ ገነት፡ ናብ ስፍራ ጻዕርን ውርደትን ዝዀነት ምድሪ ተሰጒጉ። ዓስቢ ሓጢኣት ጻዕርን ድኻምን ስለ ዝዀነ ድማ፦

ንመከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ከብዝሖየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ .....ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ካብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።......ናብ ዝተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብርሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ።

ዚብል መርገም ተቐበሉ (ዘፍ 316,17) ስራሕ ምስራሕ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ዝመጸ መርገም ኣይኰነን። ምኽንያቱ ንሰብ ኣብ ገነት ኤድን ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ንምድሪ ኺዓይያን ኪሕልዋን ዝፈጠሮ (ዘፍ 215 323) እቲ ቕድሚ ውድቀት ኣብ ገነት ዝነበረ ጻዕሪ፡ ዕረፍቲ ዝመልኦ ዕዮ ዝነበረ። ድሕሪ ሓጢኣት ምእታዉ ዚዕየይ ዕዮ ግን ናይ ጻዕሪ ዕዮ ዀነ። ናይ ጻዕሪ ዕዮ ድማ ኣብ ውሽጥኻ ዚፈጥሮ ናይ ውርደት ስምዒት ኣለዎ። ምኽንያቱ ሓጢኣት ንውርደት ርእስኻን ንውርደት ኣምላኽን ዚፍጸም ግብሪ ድያብሎስዩ። ጻዕሪ፡ ውርደት ከም ዚስምዓካ ስለ ዚገብር እግዚአብሔር ነቶም ብሓጢኣት ዘዋረድዎ ብጻዕሪ ኼዋርዶም ዝፈረደ።

ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግን ውርደት ህዝብታትዩ።ምሳ 1434

መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፡ እንተ በዝሐ ኸኣ ሰማንያ ዓመትዩ። ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ ነፊርናውን ንኸይድ ኢናሞ፡ ክብረቱ ጻዕርን መከራንዩ። ........ ንቓል ኣምላኽ ስለ ዝተሃለለኽዎ፡ ንምኽሪ ናይ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዓቕዎ፡ ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡ ወደቑ፡ ዚረድእውን ሓደ ኣይነበረን።መዝ 9010 10611,12

ብዛዕባ ኣየናይ ዓይነት ዕረፍቲ ኢናኸ ንዛረብ ዘለና፧ ብርግጽ ብዛዕባ ኽልቲኡ፡ ማለት ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን ዕረፍቲ ኢና ንዛረብ ዘለና። ምኽንያቱ ሓጢኣት ንኽልቲኡ ዓይነት ዕረፍቲ ዘሪፉና። እቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝሰኣንዮ ናይ ስጋ ዕረፍቲ ልዕል ኢልና ኽንርእዮ ጸኒሕና ኣለና። ጠንቂ ናይ ስጋዊ ዕረፍቲ ምስኣንና፡ እቲ ስእነት ናይ ነፍሳውን መንፈሳውን ዕረፍቲዩ። ካብ ጻዕርን ድኻምን ናይ ስጋ፡ ገለ ሒደት ሰባት ይነሓፉዮም። ብምኽንያት ዘለዎም ዕዙዝ ሃብቲ፡ ዝዀነ ጻዕሪ ዘይብሉ ናብራ ኺነብሩ ይኽእሉዮም። እዚ ማለት ግን እቲ ነፍሳዊ ወይ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ማዕረ ናይ ገንዘብን ንብረትን ሃብቲ፡ ብሓጢኣትውን ማዕሪኡ ስለ ዚህብትሙ፡ ኣብ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ስቓይዮም ዚነብሩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ብዛዕባቶም ካብ ጻዕሪ ስጋ ዓሪፎም፡ ሓንቂቖምን ጥዒምዎምን ዚነብሩ ሃብታማት ዝበሎ ቓል፡ እቶም ብስጋዊ ዕረፍቲ ዚነብሩ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኸም ዘየለዉ ዜረጋግጸልናዩ።

ሕጂ ኸኣ፡ ኣቱም ሃብታማት ስምዑ፡ በቲ ዚመጻኩም ዘሎ መከራ፡ዋይ፡ ዋይእናበልኩም ብኸዩ። ሃብትኩም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ፡ ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪኸስሰኩምዩ። ኣብ ሓላፊት ዓለምዚኣ ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ፡ ንስጋኹም ከም ሓዊ ኺበልዖዩ።.......ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒምኩምን፡ ከም ንመዓልቲ ማሕረዲውን ገዛእ ርእስኹም ኣስቢሕኩም ኣለኹም።ያእ 51-3,5 .

እዚ ኣበሃህላዚ፡ ምስ ጐይታና፡ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኽትሓልፍ ይቐልልዝበሎ ቓል ዚሳነይ (ማቴ 1923,24) ኣድህቦ ናይ ሎሚ ኣርእስትናምበኣር፡ ናብ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ምዃኑ ብሩህዩ። ሓጢኣት፡ ነፍሳውን መንፈሳውን ሕማምምበር፡ ኣካላዊ ኣይኰነን። እቲ ብኣካላትና እንገብሮ ሓጢኣት፡ ናይ ነፍሳዊ ሕማምና ደጋዊ ምልክታት ጥራሕዩ። ኣብ ምሉእ መንፈሳዊ ጥዕና ዘሎ ሰብ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ልዕሊ ሓጢኣት ጸብለል ኢሉ ዚመላለሰሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን፡ እቲ ብንስሓን ብጽድቅን ናብ ኣምላኽ ብምምላስና እንረኽቦ ዕረፍቲ፡ ነፍሳዊ ዕረፍቲ ምዃኑ ብንጹር ገሊጾምልናዮም።

እግዚአብሔር ከም ይብል ኣሎ፡ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱሞ፡ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ኣይንመላለሰሉን ኢናኢሎም መለሱ።ኤር 616

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ ልበይውን ትሑትዩ። ኣርዑተይ ፈኲስ፡ ጾረይውን ቀሊል ኣርዑተይ ጹሩ፡ ኻባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።  ማቴ 1128-30

ካብ ዝተጠቕሰ ጽሑፋት ከም እንርድኦ፡ ክርስቶስ ጐይታና ንሓጢኣትና ደምሲሱ ዜጐናጽፈና ዕረፍቲ፡ ነፍሳዊ ዕረፍቲዩ። እዚ ዕረፍቲ እግዚአብሔር ጥራሕ ኪህበና ዚኽእል ዕረፍቲዩ። ባዕላትና እንሰርሖን እንረኽቦን ኣይኰነን። እቲ ዕረፍቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጻልና። ብርግጽ ግን ዕረፍቲ ዓስቢ ናይ ምርጫናን ተግባርናንዩ። ንእግዚአብሔር እንተ ኣሚንናዮ፡ ነቲ ንሱ ዚህበና ትእዛዛት ከኣ ብእምነት እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ንሱ ኸኣ ንውሽጥና ብዕዙዝ መንፈሳዊ ሓጐስን ሰላምን ብምምላእ፡ ናብ ፍጹም ነፍሳዊ ዕረፍቲ የእትወና። ጐይታናን ሃዋርያ ጳውሎስን ብዛዕባ ዚወሃበና ሰላምን፡ ናይ ሰላም ፍሉይነትን ረብሓኡን ገሊጾምልና ኣለዉ።

ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹስ፡ ከም ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።ዮሃ 1427

እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎዩ።ፊል 37

ነፍሲ ናብ ምሉእ ዕረፍቲ እትኣትው፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ክርስቶስ እንተ ረኺባ ጥራሕዩ። እዚ ሰላም ብስጋዊ ሃለዋትና ፈጺሙ ዘይጽለው፡ ፍሉይ ሰላምዩ። እዚ ክርስቶስ ዚህበና ሰላም ዝዀነ ይኹን ኣካል ኬሕድገና ዘይክእል፡ በቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ማርያም፦

ካብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ፡

ዝበሎ ቓል ጥራሕ ዚግለጽ (ሉቃ 1042) ዋላ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ዚቕበልዎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ኪገልጾ ኸሎ፡

“......ልብኹም ኪሕጐስዩ፡ ንሓጐስኩም ድማ ካባኻትኩም ዚወስዶ የልቦን።

ብምባል ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 1622) ናብ ዘመን ዕረፍቲ ምእታውና ዜረጋግጸልና ድማ እዚ ኻባና ዘይውሰድ ሰላምን ሓጐስንዩ።

ረሲኣን ግና ነዚ ዕረፍቲ ኣይረኽብዎንዮም። ምኽንያቱ፡ እቲ ዚእዘዝዎ ሰይጣን፡ ናይ ሰላም ጐይታ ኣይኰነን። ምናልባት በቲ ብስጋን ብሓጢኣትን ዚረኽብዎ ጊዝያውን በናንን ዝዀነ ሓጐስን ተድላን ኪጥብሮም ይኽእል ይኸውን። ነብዪ ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ረሲኣን ዝተዛረቦ ቓል፡ ነቲ ሓቀኛ ምስልን ስእልን ናይ ዜሰክሕ ናብራኦም ዚገልጽዩ።

እቶም ረሲኣን ግና ከም ዚናወጽ ባሕሪዮም፡ ኪሃድእ ኣይክእልንሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ።እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምንይብል ኣምላኸይ።ኢሳ 5720,21

ፍረ ሓጢኣትምበኣር፡ ነዚ ዚመስል። እቲ ንሓጢኣቱ ብሓቀኛ ንስሓ ኼርሕቕን፡ ብጽድቂ ናብ ኣምላኽ ኪምለስን ናይ ዘይመረጸ ሰብ ናብራ ነዚ ዚመስል።

ቅዱስ ጴጥሮስዘመን ዕረፍቲኢሉ ዝሰመዮ፡ ነየናይ ዘመንዩ፧ ንዕረፍቲ ኪኸውን ዝተመደበ፡ ፍሉይ ናይ ዕረፍቲ ዘመን ኣሎ ማለት ድዩ፧ካብ ክንዲ ዓመተ ምሕረት ክሳዕ ክንዲ ዓመተ ምሕረትዘመን ዕረፍቲኪኸውን ዝተመደበኢሉ ዚነግረና ጽሑፍ ከም ዘየልቦ ርጉጽ ሓቂዩ። ከምኡ ኺበሃል ከኣ ቅኑዕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ዅሉ ሰብ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ዘመን ኣይነብርንዩ። ንዕረፍቲ ሓደ ውሱን ዘመን እንተ ተመዲብዎ ኸኣ፡ እቶም ካብ ዘመን ወጻኢ ዚነብሩ ሰባት፡ ዕረፍቲ ንኸይረኽቡ ዝተመደቡን ዝተዀነኑን ኪዀኑዮም። ስለ እቲ ዘመን፡ ኣብ ውሽጢ ኽሊ ዕድመ ናይ ዝኣመነ ሰብ ዚርከብዩ። ካብ ብክርስቶስ ኣሚኑ ንጐይታኡ ኺስዕብን ኪእዘዝን ዝጀመረሉ ጊዜ ጀሚሩ ኻብኡ ንደሓር ብህይወት ዚነብረሉ ዅሉ ዘመን፡ ንእኡዘመን ዕረፍቲ”’ዩ። ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት ንዝነበረ ዅሉ ሰብ ዝተዋህበ ዕድል ከኣዩ። ኣብ ቅዱሳን ሃዋርያት ብህይወት ዝነበሩሉን ዘገልገሉሉን ዘመን ንዝነበሩ ሰባት እዚ ዘመን ዕረፍቲ ተዳሊውሎምን ተዋሂብዎምን ነበረ። ካብ ዘመን ንደሓር ንዝተፈጠርና ዅላትና ደቂ ሰባት ከኣ፡ እዚ ዕድልን ጸጋን ተዋሂቡና ኣሎ። ክሳዕ ምጽኣት ጐይታና ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ብድሕሬና ንዚፍጠሩ ዅላቶም ከኣ እዚ ደረት ኣልቦ ዕድል ተዳልዩ ይጽበዮም ኣሎ።

ሓደ ሰብ ናብ ዘመን ዕረፍቲ ንኺኣትዉ ኪገብሮ ዚግብኦ፡ ብክርስቶስ ኣሚኑ ብንስሓ ካብ መገዲ ጥፍኣት ምምላስን፡ ተረፍ ዘመን ህይወቱ ንክርስቶስ ተኣዚዙን ኣገልጊሉን ምንባር ጥራሕዩ። ብምስጢረ ተክሊል ሓደ ኣካል ዝዀኑ ኽልተ ሰብ ኪዳን፡ ሓዲኦም ናብ ዘመን ዕረፍቲ ዝኣተወ፡ እቲ ሓደ ግና ካብ ዕረፍቲ-ኣምላኽ እምብዛ ርሒቑ ዚነብር ኪዀኑ ይከኣልዩ። ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝፈረዩ ኣሕዋትውን፡ በቲ ኣብ ዘመን-ዕረፍቲ ዘለዎም ቦታ፡ ጓኖት ክሳዕ ዚመስሉ ኣዝዮም ኪፈላለዩ ይኽእሉዮም። ስለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዕረፍቲ ኣዳላውን ወሃብን ደኣ ይኹንምበር፡ ናብ ዘመን ዕረፍቲ ኺኣትው ወይ ዘይኪኣትው ዚውስን እቲ ውልቀ ሰብ ባዕሉዩ። ምኽንያቱ ጐይታና፡ ነዚ ዘመን ዕረፍቲ ብዘይ ዝዀነ ኣድልዎ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ብማዕረ ኣዳልይዎን ዓዲልዎን። ነቲ ብሕያውነቱ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድን ውሳነን መሰልና ግን ኣይግህሶንዩ። እዚ ማለት፡ ንዋላ ሓደ ጐቲቱን ኣገዲዱን ናብ ዘመን ዕረፍቲ ኣየእትዎንዩ። ናብ ዘመነ ዕረፍቲ ኺኣትው መሪጹን ወሲኑን ንዝመጸ ኸኣ ንሓደ ኣይክልክሎን ወይ ኣይዕንቅፎንዩ። ስለ ናብ ዕረፍቲ ናይ ምእታውና ዀነ ናይ ዘይምእታውና ተሓታትነት፡ ናትና ናይ በይንና ጥራሕዩ።

ነዚ ዘመን ዕረፍቲ ንኽንኣትዎ ወይ ንኸይንኣትዎ ምምራጽና፡ ውጽኢት ወይ ከኣ ሳዕቤን ኣለዎዶ፧ ከመይ ደኣ ዘይህልዎ!! ክትወድቕ እንተ መሪጽካ፡ ክትስበር፡ ክትቈስል ወይ ክትመውት መሪጽካ ኸም ዘለኻ፡ ዝዀነ ትንተናን ገለጻን ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂዩ። ኣብ ሃገርናሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክንዚብል ምስላ ኣሎ። ንዘልዓልካዮ ምርጫ ምስናይ ዘይተርፍ ሳዕቤኑ ኸም እትመርጾ ዜረጋግጸልና ብሂል ከኣዩ። ስለ ኣብ ምድራዊት ዕድመና እንገብሮ ናይ ዘመን ዕረፍቲ ምርጫ፡ ዘለኣለማዊ ጽልዋ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምርጫዩ። እቲ ናብ ዘመን ዕረፍቲ ዝኣተወ ሰብ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ዕድሚኡ ኣብ ሰማያዊ ዕረፍቲ ኼሕልፎ ዝመረጸ ሰብዩ። ግደ ሓቂ እዚ ምድራዊ ዘመን ዕረፍቲ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ብቑዓት ንምዃን እንዳለወሉ ጊዜምበር፡ ናይ መወዳእታን ዝለዓለን ዕረፍቲ ኣይኰነን። ጕዕዞ ክርስትና፡ ነዚ ምድራዊ ዘመን ዕረፍቲ ጥራሕ ተስፋ ብምግባር ዚኽየድ እንተ ዚኸውን፡ ኣዝዩ ዜሕዝንን ዜሕፍርን ዓሻ ምርጫ ምዀነ ነይሩ። ስለዚዶ ኣይኰነን ቅዱስ ጳውሎስ፦

ኣብ ህይወትዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።

ዝበለና (1ቈረ 1519) ብዘይካቶም ውሑዳት ካብ ዕድመ ቝልዕነቶም ኣትሒዞም ንኣምላኽ ዝፈለጡን ዝሰዓቡን ሰባት፡ መብዛሕትና እቲ ዝርካቡ ሓጺር ዕምርና ኣዝዩ ብዙሕ ዓመታት ምስ ተጓደሎ ኢና ናብ መንፈሳዊ ህይወትና ኣድህቦ እንገብር። ስለ ይትረፍ ምእንቲዘን ሒደት ዓመታት ኢልና፡ ምእንቲ ምሉእ ምድራዊ ዕድመና ጥራሕ ኢልና ነዚዘመን ዕረፍቲኽንብህጎ፡ ዜደንግጹ ሰባት ካብ ምዃን ኣየድሕነናንዩ።

ቃል እግዚአብሔር ብንጹር ከም ዚገልጸልና፡ እዚ ምድራዊ ዘመን ዕረፍቲ፡ መእቶ ናይ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ጥራሕዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ዚኸውን ብቕዓት ከም ዘሎናን ከም ዘይብልናን እንምዘነሉ ናይ ትዕዝብቲ ዘመንዩ። ሓንቲ ፈጺምና ኽንስሕታ ዘይግብኣና ሓቂ ግና፡ እቲ ኣብ ምድሪ ብህይወት እናነበረ ኸሎ ናብ ዘመን ዕረፍቲ ዘይኣተወ ስማዊ ክርስትያን፡ ናብ ተዳልዩልና ዘሎ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ኺኣትው ፈጺሙ ዘይክእል ምዃኑዩ።

እቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲኸ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲዩ፧ ከም ናይ ምድሪ ዘመን ዕረፍቲ፡ ስጋውን መንፈሳውን ኢልካ ዚፈላለይ ድዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ኵለንተናዊ ዕረፍቲዩ። ማለት ብዘሎ ምልኣት መንነትና፡ ማለት ስጋናን ነፍስናን መንፈስናን ዚዓርፈሉ ብዓይነቱ ፍጹም ብንውሓት ጊዚኡ ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲዩ። ትንሳኤ ሙታን ዝተሰርዓሉ ምኽንያት ብዘሎ ስጋናን ነፍስናን መንፈስናን ናብ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺኣትውዩ። ኣብ ምድሪ እናሃለና ዚወሃበና መንፈሳዊ ዕረፍቲ፡ ንስጋና ዜጠቓልል ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ደኣ ስጋና ብመሪር መከራን ስቓይን ኪሓልፍ ይኽእልዩ። ካብ ዓለምዚኣ ስለ ዘይኰንናን ዓለም ኣዝያ ስለ እትጸልኣናን፡ ብብዙሕ ናይ ስጋ ስቓይ ከተሕልፈና ትኽእልያ። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልና። ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያትን ቅዱሳን ኣቦታት ቤተ ክርስትያንን ሰማእታትን ናይ ስጋ ዕረፍቲ ኣይረኸቡን። ዋላ ግሁድ ናይ ስጋ ስቓይ እንተ ዘይወረደናኳ፡ በቲ ብዘይ ሓጢኣት ንምምልላስ እንገብሮ ዘየባትኽ ገድሊ፡ ስጋና ሰላምን ዕረፍትን ኣይረክብንዩ። ነቲ ብስጋ ዚወርደና መከራን ስቓይን ክንጻወሮ ዜኽእለና ድማ ኣብ ፍጹም ነፍሳዊ ዕረፍቲ ምህላውናን፡ ርጉጽ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ተዳልዩልና ኸም ዘሎ ስለ እንፈልጥንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ኸለና እንኣትዎ መንፈሳዊ ዕረፍትን፡ ብዛዕባ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን እንኣትዎ ዘለኣለማዊ ዕረፍትን ኣዝዩ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ ዜለብምን ተስፋ ዜስንቕን ሓሳብ ገሊጹልና ኣሎ።

እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ (ዚህልወና) ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህልው ንፍራህ። ....... “ከም ብቝጥዓይ፡ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትውንዮምኢለ ዝመሓልክዎከም ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣትው ኢና። ....... እምበኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትዉዋ (ዕረፍቲ) ተሪፋ ኣላ። እቶም ቅድም ብስራት (ናይ ዕረፍቲ) እተነግሮም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም (ኣይኣተዉዋን) .....እምብኣርሲ እቲ ናብ ዕረፍቱ (ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ) ዝኣተወስ፡ ከም ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት (ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ) ተነቢራትሎም ኣላ። ስለ ሓደ ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብ ዕረፍቲቲኣ ኽንኣትው ንጋደል።እብ 41,3,6,9-11

እምብኣር ብመሰረት ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ እቲ ገና ብህይወት እናሃለወ ድሮ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ (ናብ ዘመን ዕረፍቲ) ዝኣተወ ሰብ፡ ዝዓበየት ዕረፍቲ ሰንበት (ዘለኣለማዊት ዕረፍቲ) ተዳልያን ተነቢራን ትጽበዮ ኣላ። ብዘይ ምእማንን ብዘይ ምእዛዝን ተዓንቂፉ ድሕሪት ከይተርፍሞ፡ ናብ ዕረፍቲ ሰንበት ከይኣተወ ኸይተርፍ ኣዝዩ ኺጥንቀቕ ይግባእ። ምኽንያቱ ናይ ሰማያዊትን ዘለኣለማዊትን ዕረፍቲ ኽብሪ ኣዝዩ ፍሉይን መግለጺ ኣልቦንዩ።

ድሕርዚ ድማ ርአኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰባት፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ ገንሸልን ደው ኢሎም ረኣኹሞ፡ .....ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎትዮም፧ ካበይከ መጹ፧ኢሉ (ሓተተኒ) ኣነውን፡ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡እዚኣቶም ካብ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ፡ ስለ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽዮም፡ ኣብ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎዩ። እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎምሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡንዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምንዩ፡በለኒ። .......... ካብ ሰማይ ከኣ፡ጽሓፍ፡እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣንዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦምሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዓርፉዮም፡ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ........... “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንንዩ፡ኪብል ከሎ ሰማዕኩራእ 79,13-17 1413 214

ብኣንጻሩ እቶም ብእምነትን ብንስሓን ብምእዛዝን ኣብ ምድሪ ኸለዉ ናብ ዘመን ዕረፍቲ (ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ) ንኸይኣትዉ ዝሓንገዱ ግና፡ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ዚጽበዮም ስቓይ፡ጽሕፍቶና ኣይግበሮ፡ እግዚአብሔር ይባልሃናዜብልዩ። ነቲ ኽቡር ዕድመ ነጺጎም ናብ ዘመን ዕረፍቲ ንዘይምእታው ንዕረፍቲ ኣምላኽ ስለ ዝተጸየፍዋ፡ ንሓንቲ ኻልኢት ዕረፍቲ ብዘይብሉ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪሳቐዩ ኺነብሩዮም። እዚ ቓልዚ፡ ንምፍርራህ ዝዓለመ ናይ ራዕዲ ድርሰት ዘይኰነስ፡ ባዕሉ ፈራዲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ ሓቂዩ።

ድሕሪ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)......... እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱዮም።ማቴ 2541,46

ንሱ ድማ ካብ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሐ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰትይዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀይዩ። ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።ራእ 1410,11

ነዚ ፍልጠት ሓቂ ድሕሪ ምርካብና፡ ምርጫና እንታይ ከም ዚኸውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንጊዜኡ ብሓጢኣት ክትጻወትን ባህ ኪብለካን ኢልካ፡ ካብ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘዳለዎ ዕረፍትን ክብርን ምትራፍ፡ ንገዛእ ርእስኻ ድማ ዕረፍትን መለሳን ንዘይርከቦ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረን ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎን ሰብ ዚመርጾ ኣይኰነን። ስለ ኢና ክርስቶስ ንሓጢኣትና ደምሲሱ ኣባና ኺሓድርን ናብ ዕረፍቱ ድማ ኼእትወና፡ ብንስሓ መገድና ኣቕኒዕና ናብኡ ኽንምለስ ዚግብኣና። ኣብ ምድሪዚኣ ኣብ ዕረፍቱ እንተ ነበርና፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብርን ዕረፍትን ብቑዓት ክንከውንን ክንውንኖን ኢናሞ፡ ሕጂ ኣብ ዕረፍቱ ምህላውና ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ታሕሳስ 9, 2015 ግዕዝ (19 ታሕሳስ 2022 ፈ  [መበል 15 ሰንበት: ቊ.፳፪/22, 2022]

ምስባክ

መዝ.143(144)፡7-8

“ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ።ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።”

“ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብ’ቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 1፡1-ፍጻመ

ዲያቆን

2ጴጥ 1፡19-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡19-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 1፡38-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div