S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብዛዕባኡ እንታይ ትብል [መበል 14 ሰንበት: ቊ.፳፩/21, 2022]

 ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ከፊቱልካሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ነብዪ እዩበለ። ..... ሽዑ ነቲ ዕዉር (ዝነበረ) ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡እዚ ሰብኣይ ሓጥእ ምዃኑ፡ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡በልዎ።ዮሃ 917,25

 እዚ ሰንበት ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመን ኣስተምህሮ፡ ከምኡድማ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያትዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3 ዘሎ ቕንያት፡መፃጕዕ (መጻጕዕ)” ተባሂሉ ዚጽዋዕ። ከምኡ ዝተሰምየሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ ፈዋስነት ናይ ጐይታና ንኸነስተንትንን ንኸነመስግንን ዝተሰርዓልና ጊዜ ስለ ዝዀነዩ። መጻጕዕዚስመያ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ሰሙናትን ሰናብትንየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ፡ እዛ ናይ ጾመ ነብያት ሳልሰይቲ ሰንበት ክትከውን ከላ፡ ብዛዕባ ፍወሳ ናይ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይን ንሱ ዘስዓቦ ክርክር ኣይሁድን እንመሃረላያ። እታ ኻልኣይቲ ግና፡ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብዪ ጾም (ጾመርብዓ) ዝተሰርዐት ብዛዕባ ፍወሳ ናይ 38 ዓመታት ምሉእ ዝመጸጕዐ ሰብኣይ እንመሃረላያ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ንዝተገብረ ዅሉ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣብ ሓደ ረፍዲ ናይ ሰንበት ከነንብቦ ስለ ዘይንኽእል ደኣ፡ ሓደ ወካሊ ንባብ ተመሪጹልናምበር፡ እቲ ቐንዲ ኸነስተንትነሉን ክንመሃሮን ዚድለይ ዘሎ ኣርእስትስ፡ ፈዋስነት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ማእለያ ዘይብሉ ሕማማት ኣብ ዝመልኣ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ፈውስን ፈዋስነትን ንኣና ንደቂ ኣዳም ኣዝዩ ዜገድሰና ኣርእስቲዩ። ናይ እግዚአብሔር ፈዋስነት ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ዝተጋህደ መለኮታዊ ባህርይ እንተ ነበረ፡ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝተራእየ ግና እቲኢየሱስ፡ ኣማኑኤልዝተሰምየ እግዚአብሔር ወልድ፡ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ ንርእሱ እቲኢየሱስዚብል ስምውን፡መድሓኒ፡ ፈዋሲማለትዩ። ፈዋስነቱ ድማ ንሕማም ስጋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕብ ሕማም-ነፍሲ ንሓጢኣትውን ዚምልከትዩ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና እንተ ዘየለኳ፡ እቲ ፈዋስነቱ ግን ብምስጢረ ቀንዲል ገና ኣብ ማእከልና ኣሎ። እቲ ፈዋሲ ስሙ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ይሰርሕ ኣሎ። እምበኣር እዚ ሰሙን ብዛዕባ ናይ ጐይታ ፈዋስነትን ብዛዕባ ምስጢረ ቀንዲልን እንመሃረሉን ንኣምላኽ እንመስግነሉን እምነትና እነዕብየሉን ቅንያትዩ።

ናይ ዕለት መዝሙር-ሰንበትይቤሉ እስራኤልዚብልዩ። ነቲ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሰረት ብምግባር ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ መዝሙርዩ። ህዝቢ እስራኤል፡ ብዕዉሩ ተወሊዱስ ብሰንበት ኣዒንቱ ከም ዝተኸፍታሉ ርእዮምን ሰሚዖምን ከም ዘይፈልጡ ኪምስክሩ ዚዕድም መዝሙር ከኣዩ። ““ብዛዕባ ዘሕወየካ እንታይ ትብል፧በልዎብምባል፡ ነቲ ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣገዳስነትውን ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ጐይታና ነቲ ዓይነ ስዉር ምስ ፈወሶ፡ ነዚ ተኣምር ንዝተዓዘበን ዝሰምዐን ዘበለ ዅሉ ሰብ ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉሉ። መብዛሕትኡ ካብ ሕቶ፡ ናብ መንነት ናይ ገባሪኡ ዘተኰረምበር፡ ናብ ተኣምር ዘድሃበ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ዕላማ ናይ ዝተፈጸመ ተኣምር፡ ዚመርሕ ምልክትን ዚጽውዕ ደወልን ኰይኑ ኼገልግልምበር፡ ንርእሱ ሸቶ ዀይኑ ንኼገልግል ኣይኰነን። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ተግባር፡ ዋላ ኽፉእ ተግባር ይኹን፡ እታ እትመጽእ ቀዳመይቲ ሕቶ፡መን ገባሪኡ፡እትብልያ።ተቐቲሉእንተ ሰሚዕና፡ መጀመርታ እንሓትታ ሕቶ፡መን ቐቲልዎ”’ያ።ምዉት ሰብ ተንሲኡእንተ ሰሚዕናውን፡እንታይ ኢለ ኽሓትት፧ኢልና ኸይሓሰብናሉመን ኣተንሲእዎኢናንብል። ምኽንያቱ ኻብ ፍጻመ ንላዕሊ ዜገድስ፡ መንነት ናይ ፈጻሚ ምዃኑ፡ ኣብ ሕልናና ዝተቐርጸ ዘይሕከኽ ሓቂ ኣሎ።

ነታ ናይ መንነት ሕቶ ዚወሃብ መልሲ፡ ንናይ መላሲ መንነትውን ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾዩ። ስለ ኺፈልጥ፡ ኬጻርይ፡ ኬዋጥር፡ ኪኸስስ ወዘተ ዝደለየ ዅሉ ሰብ ዜልዕላ ሕቶ፡ንስኻ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ መን ምበልካ፧እትብልያ። ጐይታና ሓንቲ ተኣምር ምስ ፈጸመ፡ ወይ ሓንቲ ትምህርቲ ምስ መሃረ፡ እቲ ተዓዛብን ሰማዕን ህዝቢ ግን ኣዝዩ ዚረሓሓቕ ተጻራሪ ግብረ መልሲ ይህብ ነበረ። ገሊኦምነብዪዩ፡ ሕያዋይ ወዘተኺብሉ ኸለው፡ እቶም ካልኦት ከኣ፡መስሓቲዩ፡ ዕቡድዩ፡ ጋኔን ኣለዎእናበሉ የኽፍእዎ ነበሩ (ዮሃ 614 740 712 ማቴ 2763 1128 1021) ከይተረድኦም ደኣ ዀይኑምበር፡ ኵላቶም ብዛዕባኡ ዚዛረቡ ዘለዉ እናመሰሎም፡ ናይ ርእሶም መንፈሳዊ ሃለዋትን መንነትንዮም ዚገልጹ ነይሮም።

እቶም ፈሪሳውያን ንምንታይዮም ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ናይ ሰባት ርእይቶ ዚሓትቱ ዝነበሩ፧ ንሳቶም መንነት ናይ ጐይታና ንምድዋን ዝተዓጥቁ ደቀ መዛሙርቲ ድያብሎስ ስለ ዝነበሩ፡ ሰባት ብዛዕባኡ ዘለዎም ርእይቶ ኣዝዩ የገድሶም ነበረ። ኣብ ናይ ዕለት ንባብናውን እቲ ሓቂ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኻብ ዑረቱ ዝተፈወሰ ሰብኣይ፡ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ተባሂሉ ምስ ተሓትተ፡ ብትብዓትነብዪኢሉ መለሰ። ንወለዱ ጸዊዖም ምስ ኣዋጠርዎም፡ ግና ብጥበብ ካብ መፈንጠራኦም ኣምለጡ። ወንጌላዊ ዮሃንስ፡ እቶም ወለዲ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ደፊሮም ከይዛረቡ ዝዓገቶም ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጽዎዩ።

ኣይሁድ (ብዛዕባ ኢየሱስ)ንሱ ክርስቶስኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪሰጕጉዎ ሓጊጎም ነበሩሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዮም፡ እዚ ዝበሉ።ዮሃ 922 (1242,43)

እቲ ህዝቢ ነዚ ናይ ዓመጻ ሕጎም ፈሪሁ እምነቱ እንተ ዘየግሃደኳ፡ ብዛዕባ መንነት ኢየሱስ ግና ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ይበጽሕ ነበረ። እዚ ዅነታት ንፈሪሳውያን ቅንኣት ጥራሕ ዘይኰነ ራዕዲ ይፈጥረሎም ነበረ። ንሳቶም እቲ ህዝቢ ተዓዚቡ ዝኸዓቦም ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ሓዲግዎም ከይከይድ ህንጻ ጥራሕ ሒዞም በይኖም ከይተርፉ ኸቢድ ስግኣት ነበሮም። ስለ ነቲ ብዛዕባ ኢየሱስ እወታዊ ግንዛበ (ርድኢት) ንዘጥረየ ዅሉ፡ ካብ ሃይማኖቶም ብውግዘት ኪፈልይዎ ናይ ዓመጻ ሕጊ ሓጊጎም ነበሩ። እዚ ናይ ዓመጻ ሕጎም ግና ነቲ ህዝቢ ናብ ሓቂ ኻብ ምብጻሕ ኣይዓገቶን።

ኣይሁድ ግና (ኣብ መዓልቲ) በዓል፡ኣበይ ኣሎ ንሱ፧እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፡ሕያዋይይብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎእናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ። ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ የልቦን። . . . ብዛዕባ (ትምህርቱ) ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ፡ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፡ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ ኣሎ፡ (ንምንታይ) ኢልኩም ኢኹም እትስምዕዎ፧በሉ። ካልኦት ግና፡እዚ ዘረባ ዘረባ ዕብድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከኣሎዩ፧”“  በሉ (ዮሃ 711-13 1019-21)

ንዅላቶም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እናተዋህበ፡ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ሓደ ዓይነት ተኣምራት እናተፈጸመ፡ ብዛዕባ መንነቱ ዝነበሮም ኣረኣእያ ግን፡ እምብዛ ዝተረሓሓቐ ኰይኑ ተረኽበ (ዮሃ 740-44 848,49,52 1830,37 1914 ማቴ 1223) ኣብ ዕለተ ሆሳእና ብዓብዪ ዓጃባን ክብርን ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወውን፡ ብዛዕባ መንነቱ ሕቶ ተላዒሉ ግቡእ መልሲ ረኺቡዩ።

ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ብዘላ ኸተማ፡መንዚ፧ኢላ ተበዓደት። እቶም ህዝቢ ድማ፡እዚ ነብዪ ኢየሱስ፡ ብዓል ናዝሬት ናይ (ኣውራጃ) ገሊላዩ፡በሉ።ማቴ 2110,11

እዚ ብዛዕባ ጐይታና ዝተላዕለ ሕቶ-መንነት ግን ነቶም ጸላእቱ ኣይሁድን ነቲ ህዝብን ጥራሕ ድዩ ዜገድስ፧ ኣይፋሉን!! ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ ኣካል ዜገድሶ፡ ንባዕሉ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ሓደ እዋን ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብዜገርም ጥበብ ገይሩ ሓቲትዎምን፡ ኣገዳስነት ናይ ሕቶ ኣነጺሩሎምንዩ።

ኢየሱስ .....ንደቀ መዛሙርቱ፡ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ (ኣለዉ)ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይ ከኣሓደ ኻብ ነብያትዚብሉ ኣለዉ፡ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ ኣለኹም፧በሎም”  ማቴ 1613-15

ክርስቶስኢሉ ኣሚኑካስ ደድሕረኻ ይስዕብ ንዘሎ ህዝቢ  ከም ኢልካ ኽትሓትቶ ዘይቅቡል ሕቶ ኺመስል ባህርያዊዩ። ንሳቶምውንእታ ሕቶ ናባና ኽትምለስኢሎም ከም ዘይተጸበይዎ ርዱእዩ። እቲ ልቢ ዚምርምርን ፈላጥ-ኵሉ ዝዀነን ጐይታ ግን እቶም ቅዱሳንን ሕሩያትን ሃዋርያቱኳ፡ እዚ ሕቶ ኣዝዩ ኸም ዜድልዮም ስለ ዝፈለጠ ኣጥቢቑ ሓተቶም። ርእሰ-ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ንሓታቲኡ ዜዕግብ ብቑዕ መልሲ ብምሃቡ ተመጐሰ።

ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ስምኦን ወዲ ዮና፡ (ነዚ ምስጢር) እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካንሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኸኣ እብለካ ኣለኹ፡ንስኻ ጴጥሮስ (ከውሒ) ኢኻ፡ (ንቤተ ክርስትያነይ) ከኣ፡ ኣብ ኸውሒዚኣ ኽሃንጻየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋንዮም። መርሖታት መንግስተ ሰማያትውን ክህበካ .......ማቴ 1616-1

ንቕዱስ ጴጥሮስ ናብ ኽብሪ ዘብቅዖ፡ ብዛዕባ መንነት ጐይታኡ ቕኑዕ ርድኢት ስለ ዝነበሮዩ። ነዚ ሓቂ ብመንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሉ ድማ፡ እግዚአብሔር ኣቦ ባዕሉዩ። ስለ ብዛዕባ ኢየሱስ ቅኑዕ ርድኢት ወይ ፍልጠት ረኺብና ማለት፡ ምስ ኢየሱስ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምስ ቅድስት ስላሴውን ኣብ ጽቡቕ መንፈሳውነት ከም ዘለና ዜረጋግጸልናዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ባዕሉ፡

“........(ንወልድ) ብጀካ ኣቦ ሓደ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብዘይካ (ወልድን) እቲ ወልድ ኺገልጸሉ ዚፈትውን፡ ዚፈልጦ የልቦን። . . . ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ (ካብ) ሱሩ ኺምንቈስዩ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። .......እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዐን ዝተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። .......ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእዩ።

ብምባል ገለጹልና (ማቴ 1127 1513 ዮሃ 637,44,45) ስለ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ እቲ ቕኑዕ ኣፍልጦን ተኣምኖን እንተልዩና፡ ኣብ እግዚአብሔር ኣቦውን ፍሉጣትን ቅቡላትን ኢና ንኸውን። ከም ንቕዱስ ጴጥሮስ ዝተነግሮ፡ ደቂ መንግስተ ሰማያትምበር፡ ደቂ ሲኦልን ገሃነምን ኣይንኸውንን ኢና። ጐይታናውን ነቲ ብቕኑዕ መንነቱ ዝፈለጦን ዝተኣመኖንምበር፡ ፈጺሙ ዘይከሓዶን ብእኡ ዘይሓፈረን ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሉ ብንጹር ኣተስፍዩናዩ።

ኣብ ቅድሚ ሰብ (“ክርስቶስ”) ኢሉ ንዝተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖየ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ (“ኣይናተይን ኣይፈልጦን”) ኢለ ክኽሕዶየ።ማቴ 1032,33

ስለ ኣብ (ማእከል) ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ ብእኡ ኺሓፍርዩ።ማር 838

እምበኣር ከም ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱንንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ፧ኢሉ ዝሓተቶም፡ ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃንጸ እምነት ዘሎና ክርስትያን ህዝቢ ኸም ምዃንና መጠን፡ መዓልቲ መጸ ወጊሑ ኽሳዕ ዚዓርብ እዚ ሕቶ ብዘይ ምቁራጽ ይቐርበልና ኸም ዘሎ ኽንዝንግዖ ኣይግባእንዩ።

እቲ ዚሓትተናኸ መንዩ፧ኢየሱስ መንዩ፧ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ዚብል ሕቶ ዝቐረበሉ ሰብ ኣብ ማእከልና ይርከብዶ ይኸውን፧ ነዚ ሕቶ ተሓቲቱ ዚፈልጥ ከም ዘይብልና፡ ዳርጋ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። ምናልባት ንገሌና፡ ካብ ሃይማኖትና ኼመዛብሉና ሃቂኖም፡ ሰብ ስሑት-እምነት ሓቲቶምና ይዀኑ። እቶም ንርእሶምመሰኻክር የሆዋ (መሰኻክር ኣምላኽ)” ኢሎም ዚሰምዩ ኣርዮሳውያን፡ ክርስቶስ ፍጡርምበር ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንኼእምኑና፡ በዚ ሕቶ ኣዋጢሮምና ይዀኑ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ዕድለኛታትዮም ነይሮም። ጸላእቶም ኣብ መጋባእያ ኣቕሪቦም ብሓለንጊ እናገረፉ ይሓትዎም ነይሮም። ይጐድእዎም ዘለዉ መሲልዎምምበር፡ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ቅኑዕ ተኣምኖ ኺእመኑ ይድግፍዎምን የገልግልዎምንዮም ዝነበሩ። ጐይታና ባዕሉውን፡ ኣገዳስነት ናይ ሕቶ ንኼመልክቶም፡ ንሳቶምውን ኣርኣያኡ ስዒቦም ነዚ ወርቃዊ ሕቶ ኣብ ልቢ ተገልገልቶም ንኼስርጽዎ፡ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ ኣለኹም፧ኢሉ ሓተቶም። ሎሚውን እንተ ዀነ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሕቶ ናብ ልቦምን ናብ ልቢ ህዝቦምን ከም ዚሰርጽ ብምግባር፡ ንጐይታኦምን ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ኪመስሉ ዚግባእ። ጐይታና ነታ ሕቶ ሓንሳእ ምስ ሓተታ፡ ብድሕሪኡ ይደጋግመሎም ኣይነበረን። ምኽንያቱ ሓንሳእ ናብ ውሽጦም ምስ ኣስረጸሎም፡ ብድሕሪኡ እቲ ልቦም ነቲ ሕቶ ኺደጋግሞ ዚግባእ። ከም ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ፡ ልብና ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኪኸውን ዚግባእ። እቲ ሊቀ መዘምራንን ነብዪን ዝነበረ ኣሳፍውን ከምኡ ዝበለና።

ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ንገጸይ ድለይዎይብለኒ ኣሎ፡ እግዚአብሔር ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።

ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ  ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነኳ፡ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይንዩ።መዝ 278 7325,26

ንክርስቶስ ሓንሳእ ኣብ ልብኻ እንተ ኣሕዲርካዮ፡ ብድሕሪኡ ልብኻ ነቲ ክርስቶስ ዚሓስቦን ዚዛረቦን ዚሓትቶን ጥራሕ ኺሓስብ ዚግብኦ።

ነዚ ኽቡር መለኮታዊ ሕቶ ብመልክዕ ቃላት ጥራሕ ድዩ ዚቐርበልና፧ ንሕናኸ ብቓላት  ጥራሕ ዲና ንምልሶ ወይስ ካልእ ናይ ኣመላልሳ ኣገባብ ኣሎናዩ፧ ቃላዊ ተኣምኖ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ክርስትያናዊ ህይወት ምዃኑ፡ ኪኽሕዶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። አረ ትምህርቲ ናይቶም ቅዱሳን ሃዋርያትሲ፡ ቃላዊ ተኣምኖ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ዚፍጸምን ኬድሕንውን ዚኽእል ተኣምኖ ምዃኑ ዚነግረና።

ስለ ብኣፍካ፡ኢየሱስ ጐይታኢልካ እንተ መስከርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። ከመይ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕንዩ። ......ስለ ኸም ብመንፈስ ኣምላኽ (ተመሪሑ) ዚዛረብ (ሰብ) “ኢየሱስ ርጉምኪብል ዘይክእል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰይኑ ድማ፡ኢየሱስ ጐይታዩ፡ኪብል ዚኽእል ሓደ ኸም ዘየልቦ፡ አፍልጠኩም ኣለኹ።ሮሜ 109,10 .ት፣ 1ቈረ 123 ..

ስለ ልሳናዊ ተኣምኖ መተካእታ-ኣልቦን (indispensable) ግድነታውን ምዃኑ ፍጹም ዘየማትእዩ። ክርስቶስጐይታ፡ ኣምላኽ፡ መድሓኒ፡ ብርሃን ዓለም፡ እንጌራ ህይወት፡ ትንሳኤን ህይወትን፡ ወዘተምዃኑ፡ ምስ ዚኣምንን ዘይኣምንን ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰይጣንን ብዘይ ምቍራጽ ክንእመኖ፡ ክርስትያናዊ ግቡእናዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናጸሎተ ሃይማኖት (The creed)” ከምኡውንኣመክንዮ ሃዋርያት (The Apostle’s Creed)” ዝሰርዓትልና ድማ ነዚ ተኣምኖና ንምዕዛዝዩ። ግን ከኣ ኣብ ልሳናዊ ተኣምኖ ጥራሕ ክንድረት ኣይተኣዘዝናን፡ጐይታኢልካ ምሉእ መዓልቲ ብልሳንካ ኽትእመን እናወዓልካ፡ ነቲ ናቱ ጐይትነት ግን ፈጺምካ ዘይትግዛእን ዘይትእዘዝን እንተ ዄንካ፡ ከም ላግጽን ጥበራንምበር፡ ከም እምነትን ተኣምኖን ከም ዘይቝጸረልካ ርዱእዩ። ስለዚዶ ኣይኰነን፦

ፍቓድ ናይ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብርምበር፡ጐይታይ ጐይታይዚብለኒ ዅሉ (ሰብ) መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን። .......ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ ስለምንታይ ደኣጐይታይ፡ ጐይታይትብሉኒ።

ኢሉ ጐይታ ዝገሰጸና (ማቴ 721 ሉቃ 646 .) ድሕሪ ኣብ ዘሎ ጥቕስታት ከኣ፡ እቲ ብልሳናዊ ተኣምኖ ጥራሕ ብጥበራ ዚነብር ሰብ፡ ንቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ልዕሊ ሑጻ ዚሰርሕ ዓሻ ሰብ ምዃኑ፡ እቲ ብልሳናውን ግብራውን ተኣምኖ ዚነብር ክርስትያን ግን፡ ቤቱ ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ኸም ዝሰረተን፡ ዋላ ብኸቢድ ፈተና ካብ እምነቱ ነቕ ከም ዘይብልን ጽኑዕ ሰብ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲጐይታዩ፡ ኣምላኽኢልና ብልሳንና ዝተኣመንናዮ ኢየሱስ ዝሃበና ብዙሓት ግብራውያን ትእዛዛት ኣለዉ።ተዓገሱ፡ ኣፍቅሩ፡ ንዝበደለኩም ምሕረት ግበሩ ወዘተዚብሉ ኪስገሩ ዘይግብኦም ትእዛዛት ኣለዉ። ስለ ትዕግስቲ ዚጠልብ ኵነታት ኣብ ቅድሜኻ ኪኽሰት ከሎ፡ ብግብራዊ መገዲብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ዚብል ሕቶ ይቐርበልካ ኸም ዘሎ ኪስቈረካ ይግባእ።ኢየሱስ ጐይታይዚብል ምሉእ ርትዒ እንተልዩካ፡ ነቲ ንሱተዓገስዝበለካ ትእዛዝ ብምፍጻም ንጐይትነቱ ኣብ ህይወትካ እንተ ተገዛእካዮ፡ ብርግጽ ሓቀኛን ብልህን ክርስትያን ኢኻ፡ኣብ መልሓሰይ ደኣ ዘግዝኦምበር፡ ኣብ ህይወተይሲ ባዕለይ ጐይታ ዝኸውንዚብል ክሕደታዊ መርገጺ እንተ ወሲድካ ግን፡ ነታ ትዕግስቲ ኸም ሓደ ብላሽ ኣቕሓ ደርቢኻ፡ ቍጥዓ፡ ባእሲ፡ ቂምታ፡ ሕምየት፡ ጸለመ ከም ክቡር ኣቕሓ ኣልዒልካ ብእኡ ኣብ ውግእ ትጽመድ። ስለ እቲ ዕለት-መጸ እነዘውትሮ ሰናይ ባህርይን ግብርን፡ናይ ህይወተይ ጐይታ ኢየሱስዚብል ግብራዊ ተኣምኖዩ። እዚ ግብራዊ ተኣምኖ ምስ ልሳናዊ ተኣምኖና ተደሪቡ፡ ዜጋታት መንግስተ ሰማይ ይገብረና። ኣይትተዓደሎ ዀይኑ፡ ልሳንናን ግብርናን ምስኡ ዘይቃደው ኰይኑ እንተውዒሉ ድማኢየሱስ ኣብ ህይወተይ ጐይታን ኣምላኽን ኣይኰነን፡ ኣብ ገዛእ ህይወተይ ጐይታን ገዛእን ዝኸውን ኣነ ባዕለይ ጥራሕዚብል መሰክሕ ጥልመት እናፈጸምና ልቡሰ-ስጋ ኣጋንንቲ ዄንና ንነብር ማለትዩ። ቅዱስ ዳዊትን ቅዱስ ጳውሎስን ነዚ ኣጸያፊ ሃለዋት ዚገልጽ ግሩም ቃል ኣስፊሮምልና ኣለዉ።

እግዚአብሔር (ቅኑዕ) ሰብ ተሳኢኑ፡ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦምዮም ኣድሕን። ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፡ (ብጠባሪ) ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለው። እግዚአብሔር ንዅላተን (ጠበርቲ) ኸናፍርን፡ ነታ ዕቡይ (ቃላት) እትዛረብ መልሓስን፡ ነቶም፡ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣለና፡ ከናፍርና ናትናየን፡ መንዩኸ ጐይታና፧ዚብሉን ኪምንቍሶም (ኬጥፍኦም)’ዩ።መዝ 121-4

“(ባዕላቶምንኣምላኽ ንፈልጦ ኢናይብሉ) ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና ብግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ።” ቲቶ 110

እምብኣር ቃል እግዚአብሔር ኰነ ዕለታዊ ናብራና፡ብልሳንካ ዀነ ብግብርኻ ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ትብል፧እናበለ መዓልቲ መጸ ይሓትተናን ይብድሃናን ኣሎ። ብመንጽር ሕቶ ዅላትና ደቂ ሰባት ኣብ ሰለስተ ምድባት ኢናንኽፈል።

1. ብልሳኖም ኰነ ብግብሮም ብግህዶ ዚኽሕዱ ኣረሜን

2. ብልሳኖም ተኣሚኖም ብተግባሮም ዚኽሕዱ ጠበርቲ (ግቡዛት)

3. ብልሳኖም ኰነ ብግብሮም ጐይትነቱ ዚእመኑ ፍጹማን

ናይ ኣየኖት ወገን ምዃንና፡ ንህይወትና ኣበይ ከም ዝመደብናያ ርእስና ንመርምር። መስጣ ናይቶም ክልተ ቀዳሞት ናይ ክሕደት ጉጅለታት፡ ጽሕፍቶና ኣይግበሮ። ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማትን ዘየባትኽ ስቓይ ንንዘለኣለም ተዓቚሩሎም ኣሎ። ኣብ ናይቶም ፍጹማትን እሙናትን ደምበ እንተሊና ግን፡ ነቲ ብቓሉ ዘለበመናን ብጸጋኡ ዘኽኣለናን ጐይታ፡ ክብሪ ንሃቦ። ደሓን ዘለና እናመሰለና ናብ ደምበ ጥፍኣት ከይነምርሕ ግን፡ ልብና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኰይኑ፡ንስኻኸ መን ትብለኒ ኣለኻ፧ኢሉ የቃልሕ ምህላው ነረጋግጽ። ነዚ ኽቡር ሕቶዚ፡ ብቓልን ብግብርን እቲ ቕኑዕ መልሲ ንሃብ። ከመይሲ ኣብ ይግባይ ዘይብላ መጋባእያ-ፍትሒ ብስልጣን ዚፈርድ፡ እቲብዛዕባይ እንታይ ትብል ኣለኻ፧ኢሉ ሕጂ ዚሓትተና ዘሎ ጐይታ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ታሕሳስ 2, 2015 ግዕዝ (11 ታሕሳስ 2022 ፈ  [መበል 14 ሰንበት: ቊ.፳፩/21, 2022]

ምስባክ

መዝ.6፡3-4

“ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።”

ወይ ከኣ

መዝ. 4፡2,3

“ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።”

ንባባት

ኣንባቢ

2ቈረ 4፡1-12

ዲያቆን

1ዮሃ 5፡11-ፍጻ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 4፡14-23

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 9፡13-25

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ ወይ ዘወልደ ነጐድጓድ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div