S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልሳን ዚለጕም ብቕዓት [መበል 13 ሰንበት: ቊ.፳/20, 2022]

ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢናሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት (ሰብ) እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጒም ዚከኣሎ፡ ብቑዕ ሰብዩ። .......ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአትያ።ያእ 32,8

እዚ ዘለናዮ ሰንበት ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመን ኣስተምህሮ፡ (ሕዳ. 6-ታሕ.6) ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያትን (ሕዳ 15-ታሕ. 29/28) ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 20 ኽሳዕ ሕዳር 26 ምስ ዚውዕል፡ምኵራብተባሂሉ ይጽዋዕ።ምኵራብማለት ቤት ጸሎት ማለትዩ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታና ኣብ ቤት መቕደስ ወይ ኣብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ብዛዕባ ዝሃቦ ትምህርትን ኣብኡ ዝፈጸሞ ዅሉን ንምዝካር ዝተመደበ ሰንበት ስለ ዝዀነዩ። ኣብ ሓንቲ ዓመት ክልተ ናይ ምኵራብ ሰናብቲየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ኻልኣይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ ርእሰ-ኣጽዋማት ዝዀነ ዓብይ ጾም (ጾመርብዓ) ዘላ ሳልሰይቲ ሰንበትያ።

ኣብ ጐይታ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዜገልግለሉ ዝነበረ ዘመን፡ ኵሉ ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ኣይሁድ ኣብ ንጉስ ሄሮድስ ዝሃነጻ ቤት መቕደስ ናይ ኢየሩሳሌም ይፍጸም ነበረ። ኣይሁድ፡ ብሰሪ ሓጢኣቶም እታ ቤት መቕደስ ኣብ ዝፈረሰትሉን ብምርኮ ኻብ ምድሮም ኣብ ዝወጹሉን እዋን ግን፡ እቲ ሃይማኖቶም ዚእዝዞም ስርዓተ ኣምልኾ ኪፍጽሙ ኣይክእሉን ነበሩ። ነቲ ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት መቕደስ ጥራሕ ዚፍጸም መስዋእትን ካልእ ስርዓትን ኪፍጽሙ እንተ ዘይከኣሉኳ፡ ካብ እምነቶም ምእንቲ ኸይርሕቁ፡ እንተ ወሓደ ትምህርቲ ዚመሃሩሉን ሓቢሮም ጸሎት ዜዕርጉሉን ዕድል ንምርካብ፡ምኵራብ ወይ ቤት ጸሎትኢሎም ዝሰመይዎ ህንጻታት ኣብ ከከባቢኦም እናሰርሑ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ የንብቡ፡ ኬስተምህር ወይ ኪሰብኽ ዚኽእል ሰብ እንተልይዎም፡ ነቲ ዝተነብበ ኽፍሊ ጽሑፍ ይምሃሩ፡ ብሓባር ጸልዮም ድማ ይፈላለዩ ነበሩ (ግብ 133-16,42-44 141 171-3,10 187,8,16 198) እዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኣብ ዝበሉ ዅላቶም ኣይሁድ ዝውቱር ኰነ። እቶም ካብ ምርኮን ካብ ስድደትን ዝተመልሱ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ ከከባቢኦም ኣብያተ ጸሎት ሰሪሖም ይግልገሉ ነበሩ። ጐይታና ድማ ናብ ኣብያተ ጸሎትዝን ናብ ቤት መቕደስን እናኣተወ የስተምህርን ይሰብኽን ተኣምራት ይፍጽምን ነበረ (ሉቃ 416,32,41 66 ማቴ 423 935) እዚ ጐይታና ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ዝገበሮ ዅሉ፡ ንቤተ ክርስትያን ኰነ ንኣገልገልታ ኣዝዩ ዓብይ ኣርኣያ ስለ ዝዀነ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽልተ ናይ ምኵራብ ሰናብቲ ሰሪዓትልና ትርከብ።

እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ንስጋና ብናይ ጾም ልጓም እንገርሓሉ ቕንያትዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ኣነጺሮም ገሊጸምልና ኸም ዘለዉ፡ ስጋና ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ (1ቈረ 316,17 619,20 2ቈረ 616 ኤፌ 221,22 እብ 36 1ጴጥ 24,5) ኣብምኵራብዝተሰምየት ቅድስቲ ዕለት፡ ብዛዕባ መቕደስ ኣይሁድ ሓሲብና፡ ብዛዕባ መቕደስ ስጋና ምሕሳብ እንተ ረሳዕና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬኽዕበናዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን እዚ ናይ ጾም ቅንያት ዚተሰርዓሉ ምኽንያት ድማ፡ ቅድስና ናይ ለቢስናዮ ዘለና መቕደስ ስጋና ምእንቲ ኽንሕልውምበር፡ እቲ እንምገቦ ምግቢ ኣበሳ ስለ ዘለዎ ኣይኰነን። ጐይታናውን፡ ነቶምደቀ መዛሙርትኻ ብዘይ ተሓጽባ ኣእዳው በሊዖምኢሎም ኪኸስሱ ዝመጹ ፈሪሳውያን፡ ብዛዕባ ናብ ኣፍ ዚኣትው ምግብን፡ ብዛዕባ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ቃላትን ዘሎ ፍልልይ ብዜገርም መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኵልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ (ኣፍ) ሰብ ዚወጽእ ንሰብ ዜርክሶምበር ካብ ወጻኢ ናብ (ኣፍ) ሰብ ዚኣትውስ ገለ ኬርክሶ ኣይክእልንዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።” 714-16 (ማቴ 1510,11)

ነዚ ዘረባ ይትረፍ ፈሪሳውያን፡ ገዛእ ደቀ መዛሙርቱውን ኪርድእዎ ኸበዶም። ቅዱስ ጴጥሮስን ካልኦት ደቀ መዛሙርቱን ድማ፡ ብዛዕባ ዘረባኡ ሓተትዎ። ቀልጢፎም ኪርድእዎ ብዘይ ምኽኣሎም ስለ ዝጐሃየ ድማ ብተሪር ሃይለ ቃል ብኸም ዚስዕብ መለሰሎም።

ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ (ኣፍ) ሰብ ዚኣትው ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ (ብኣፍ ዚኣትው ዘበለ) ናብ ከብዲምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድንዩ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ ንግዳም ዚወጽእ። እቲ ኻብ (ኣፍ) ሰብ ዚወጽእ ደኣ ንሰብ ዜርክሶ።ማር 718-22 (ማቴ 1515-20)

ስለ ኣብ ዘመነ-ጾም እናሃለና፡ ነቲ ናብ ከስዐና ዚኣትው ምግቢ ልጓመ-ጾም ጌርናሉስ፡ ነቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ንዅለንተናና ዜርክስ ቃላት ልጓመ-ጾም እንተ ዘይገበርናሉ፡ ከም ጐይታና ዝበሎ፡ ገና ሰማዒት እዝኒ ኸም ዘየጥረናን፡ ብዛዕባ ጽድቂ ድማ ኣብ ድንቍርና ኸም ዘለናን ዜመልክትዩ። እዚ ሓቂ ነዚ ናይ ዕለት ኣርእስትና ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናውን ዚገብሮዩ።

ልሳንካ ምልጓምን ምቍጽጻርን ብሓቂዶ ኽሳዕ ክንዲ ኣድላይን ኣገዳስንዩ፧ ደስ ዝበለናን ናብ ኣፍና ዝመጻልናን ኵሉ ቓላት እንተ ተዛረብና፡ እንታይ ጸገም ኣለዎ ድዩ፧ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነዚ ሕቶና ንኺምልስ ነዚ ኣገዳሲ መልእኽቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ዝጸሓፈ። ናቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምልጓም ልሳን ዚዛረብ። እቲ ልዑል ኣምላኽን እቶም ብእኡ ዝተላእኩ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ብዛዕባ ልሳንን ቃላትን ኣስፊሖም ምግላጾም ጥራሕኳ፡ ብዛዕባ ልሳንናን ፍርያታን ልዑል ተገዳስነትን ጥንቃቐን ኪህልወና ኸም ዚግባእ ዜመልክተና ብቑዕ መርትዖዩ። ቃል እግዚአብሔር ንልሳንካ ምግታእን ምቍጽጻርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜረጋግጸልና። ብፍላይ ብቓላት ጥበብ ዝመልአ ናይ ንጉስ ሰለሞን መጽሓፈ ምሳሌ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ዚገልጸልና።

ብዙሕ ዘረባን ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖንዩ፡ እቲ ኸናፍሩ ዚገትእ ግና ለባምዩ። (ምሳ 1019) .......ኣፉ ዚሕልው ንህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ (ምሳ 133) ...ዓሻ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይረኣይ፡ ከናፍሩ ዚዓጽው (ሰብ ከኣ) “ኣእምሮኛ (ለባም)” ይብሃል (ምሳ 1728) . . . እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚሕልው ሰብ፡ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ (ምሳ 2123)

በዚ ዝተጠቕሰ ቓል እግዚአብሔር መሰረት፡ ልሳንካ ምግታእን ምሕላውን፡ ናይ መንፈሳዊ ልቦና ዝለዓለ መለክዒዩ። እቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ቃላት፡ ብስጋዊ ልሳንናን ከናፍርናን ዚድመጽ ደኣ ይኹንምበር፡ ስጋዊ ዘይኰነስ ነፍሳውን መንፈሳውንዩ። ኣብ ናይ ምሳ 2123 ጥቕሲ ተመልኪትናዮ ኸም ዘለና፡ እቲ ንልሳኑ ዚሕልውን ዚገትእን ንነፍሱ ኻብ ጥፍኣትን ካብ ጸበባን ዚባልህ። ንእግዚአብሔር ብዛዕባ ፍረ-ልሳንና ኣዝዩ ኺግደስ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ዓስቢ ወይ ፍርዲ ዚህበሉ ምኽንያት፡ ምዝራብ መንፈሳዊ ጒዳይ ስለ ዝዀነዩ። ብኣፍ ዚኣትው ዘበለ ዅሉ ዚብላዕን ዚስተይን፡ ስጋዊ ነገር ስለ ዝዀነ ንስጋ ኣገልጊሉ ዚፋነው። ቅዱስ ጳውሎስውንእንተ በላዕና ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕና ኣይንንክይብምባል ኣረጋጊጹ (1ቈረ 88) ዘረባን ቃላትን ግን ከምኡ ኣይኰነን። ኣብ ምድሪዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ሰማያትውን ዚውስኸልናን ዚንክየልናን ኣለዎ። ስለ ብዛዕባ ልሳንካን ቃላትካን ሸለልተኛ ምዃን፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኪፍጽሞ ዚኽእል ዝኸበደን ዝኸፍአን ዕሽነትዩ። ሓደ ሰብ ሽንቱን ደጊኡን ኪቈጻጸር ዘይክእል ምስ ዚኸውን፡ ንገዛእ ርእሱ ዀነ ኣብ ከባቢኡ ንዘለው ሰባት እንታይ ዓይነት ጸበባ ኸም ዚዀኖም ርዱእዩ። ንልሳኑን ቃላቱን ዘይቈጻጸር ሰብ ግና ዝገደደምበር ዝሓሸ ኣይኰነን። እቲ ቐዳማይ፡ ስጋዊ ጸበባዩ፡ ጊዝያዊ ኸኣዩ። እንተ ዀነ ብሕክምና ይሓውይ፡ እንተ ዘይተኻእለ ድማ ጽቡቕ ናብዮት ኪግበረሉ ይከኣልዩ። ኪኖ መቓብር ዚሓልፍ ዕድመን ሳዕቤንን ከኣ የብሉን። ልሳኑ ንዘይቈጻጸር ግን እንታይ ክትገብረሉ ወይ እንታይ ክትገብሮ ይከኣል፧ ንጽያፍ ኣፉ ናብ ሰብን ኣምላኽ ዚኽዕዎ ምዃኑ ጥራሕ፡ ነቲ ኣበሳኡ ዘይጽወር ይገብሮ። እቲ ዝኸፍአን ዝኸበደን ሳዕቤኑ ኸኣ ንመቓብር ሓሊፉ ንዘለኣለም ዚነብር ምዃኑዩ።

ብመሰረቱንልሳንካ ምልጓምን ምግታእንእንታይ ማለትዩ፧ ዝተለጕመን ዘይተለጕመን ልሳን ብኸመይ ዚልለይ፧ ዝተለጕመ ልሳን ማለት እግዚአብሔር ዚፈቕዶን ዚሕጐሰሉን ዘረባ ጥራሕ ዚዛረብ ልሳን ማለትዩ። ሓጥእ ቃላት ኪዛረብ ዘይኰነሉን ዜፈንፍኖን ሰብ ብርግጽ ዝተለጕመን ዝተገርሐን (tamed) ልሳን ዘለዎ ሰብዩ። ዘይተለጕመ ልሳን ማለት ድማ ከይመመየ፡ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ኣብ ግምት ከየእተወ ናብ ኣፉ ዝመጻሉ ዅሉ ቓላት ዚድርጕሕ ልሳን ማለትዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንልሳንካ ምልጓም ማለት፡ ንልሳንካ ነቲ ፈጣሪኣ፡ ንእግዚአብሔር፡ ምቕዳስ ማለትዩ። ልሳንካ ምልጓም ፈጺምካ ዘይሕሰብን ኪግበር ዘይከኣልን ተግባር ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግባእንዩ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ እግዚአብሔር ክንገብሮ ዘይንኽእል ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ትእዛዝ ዘይህብ ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑዩ። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ ከማና ዝድኻሞም ብዙሓት ቅዱሳን ዝፈጸምዎን ዝተዓወቱሉን ምዃኑዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና እዮብን ዳዊትን ግብራውያን ኣርኣያናዮም። ቅዱስ ዳዊት ብእግዚአብሔርዝኸም ልበይዝተሰምየ፡ ቅዱስ እዮብውን፡ፍጹም ቅኑዕን ሰብተባሂሉ ብእግዚአብሔር ዝተመስከረሉ ኣቦ (ግብ 1322 1ሳሙ 1314 እዮ 11 23)

እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ (ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ) ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእንያ።እዮ 273,4

ብመልሓሰይ ከይስሕት፡ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፡ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፡ንኣፈይ ብልጓም ክገትእበልኩ። ......ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸየ።መዝ 391 173

ከም ኸማና ዅሉ ድኻም ዘለዎም ሰባት፡ ከም ዝበለ ጽኑዕ ውሳነ ወሲዶም ኬተግብርዎ እንተ ኽኢሎም ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፉ ኺገብሮ ዘይክእል ሰብ ከም ዘየለ፡ ኣሉ ዘይበሃል ውሁብ ሓቂዩ። ከም ዝበለ ውሳነ ኺወስድን ኬተግብሮን ዘይደልይ ሰብ እንተልዩ፡ እቲ ንዘለኣለማዊ ሳዕቤኑ ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ብልሳኑ መንፈሳዊ ስድነት ኬዘውትር ዚደልይ ሰብ ጥራሕዩ። ናይ ቀይዲ በተኽን ልጓም ኣልቦን ልሳን መንፈሳዊ መልእኽቲ፡ ከም ቕዱስ ዳዊት ዝበሎ፡

ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣለና፡ ከናፍርና ናትናየን፡ መንዩኸ ጐይታና፧ዚብል፡ ዕልወታውን ክሕደታውን መልእኽቲ (መዝ 123,4)ከሓዲ ወይ ዓለወኛንኽትበሃል፡ኣምላኽ የለንኢልካ ህላውነቱ ኽትክሕድ ናይ ግድን ኣይኰነን።ዝደለኽዎ ዝዛረብ፡ ኣብ ገዛእ ልሳነይ ዚገዝእ ጐይታ የብለይንብዚብል ትዕቢታዊ ድፍረት ትዛረብ እንተ ዄንካ፡ እዚ መርገጽን ኣካይዳን ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ግሁድ ክሕደት ምዃኑ ጥርጥር የልቦን። ልሳንና፡ መስትያት ወይ መርኣያ መንፈሳውነትናዩ። ስለ እቲ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ብቓል ኣምላኽን ተደሪኹ ልሳኑ ኺለጒምን ብጽድቂ ኼመሓድርን ቈራጽ ውሳነ ዝወሰነ ሰብ፡ ካብዞም ዚስዕቡ ንልሳንና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅለንተናና ዜርክሱ ኣበሳታት ርእሱ ኺሕልው ይግባእ። ሓሶት ውስለታ፡ ጥበራ፡ ሕምየት፡ ጸርፊ፡ ዘለፋ፡ ጸለመ፡ ምጕርምራም (ምዕዝምዛም) ዕድልካ ወይ ጽሕፍቶኻ ምንቃፍ፡ መርገም፡ ቅብጥሮት፡ ውዳሰ ኸንቱ (ዘይግባእ ደረቱ ዝሓለፈ ናእዳ ወይ ምጐሳ) ላግጺ፡ ዘይጠቅምን ዘይግባእን ዋዛ፡ ቃላት ጥርጥር፡ ክሕደት፡ ጃህራ (ትምክሕቲ) ቃላት- ትዕቢት፡ ተንኰል (ክፍኣት) ክትዕ (ክርክር) ህልኽ፡ ምፍርራህ (ምጒብዕባዕ) ንቕጽና (ድርቅና) ብዕሉግ ወይ ነውራም ዘረባ፡ ልግሚ፡ ምቅላል (ምንሻው) ወዘተ እዮም። በዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ናይ ልሳን ኣበሳታት ንኸይንረክስ ንልሳንና ልጓም እንተ ገበርናሉ፡ ልብና ብፍርሃት ኣምላኽ መሊኡ ኸም ዘሎ ዓብዪ መረጋገጺዩ።

ንምንታይ ልሳንካ ምቍጽጻር ኣዝዩ ዚኸብደና፧ ናይ ኣሰካፊ ድኻም ጠንቂኸ እንታይዩ፧ ውዒሉ ሓዲሩ ብቓላት ደኣ ዚግለጽ ኰይኑምበር፡ እቲ ቐንዲ ጠንቅስ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣተሓሳስባታትን ስምዒታትን ሃቐናታትንዩ። ነቲ ምንጪ ማይ ዝዀነ ዔላታትን ዲጋታትን እንተ ዘይፈወስናዮ፡ ነቲ ኣብ ገገዛና ዘሎ ቡምባን ሻምብቆታትን ዋላ ብወርቂ እንተ ሰራሕናዮ፡ ዓይነት ናይ ማይ ኪልወጥ ኣይክእልንዩ። ነቲ ምንጪ ዅሉ ዝዀነ ልብና (ናይ ውሽጢ ሰብና፡ ሕልናና) እንተ ዘይፈዊስናዮ ኸኣ፡ ንልሳንና ኸነጥዕዮ ዀነ ኽንቈጻጸሮ ኸም ዘይንኽእል፡ ርዱእ ሓቂዩ። ጐይታና ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣይሁድ ኣዝዩ ጽቡቕ ትምህርቲ ይምህር፡ ዜገርም ተኣምራት እናፈጸመ ብዙሕ ሰናይ ይገብር ከም ዘሎ እናረኣዩኳ፡ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ጐይታ ጽቡቕ ኪዛረቡ ይጽገሙ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ሓደ ሰብ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንኣጋንንትስ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ ዝዀነ ሰይጣን (ብብኤል ዜቡል) ገይሩ ኸም ዜውጽኦም ገይሮም ብድፍረት ተዛረቡ። ድሕሪ ጐይታና፡ ነዚ ሕቶና ጽቡቕ ገይሩ ዚምልስ መስተንክር ቃል ተዛረበ።

ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ (ይኸውን) ወይ ከኣ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ (ይኸውን) ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ ዜውጽእ። ኣነ ግና፡ <ብዘረባኻ ኢኻትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻትዅነንሞ፡ ሰባት ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉዮም፡> እብለኩም ኣለኹ።  ማቴ 1233-37   

ካብ ናይ ጐይታና ቓል ከም እንርድኦምበኣር፡ ኣፍና ናይ ልብና፡ ናይ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መዝገብ መተንፈስን መግለጽንምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ስለ እቲ ናይ ብሓቂ ልሳኑ ኣብ ምቍጽጻር ኪዕወት ዚደልይ ሰብ፡ ቀዳማይ ኣድህቦኡ ኣብ ንልቡ ኣጻቢቡ ዘሎ ሓሳባትን ስምዒታትን ኪኸውን ይግባእ። ካብ ዝሓመመ ኸስዐኡ (ጨጐራኡ) ገንፊሉ ንዝመጸ ተምላስ፡ ኣፉ ኣስጢሙ ብምዕጻው ኪዓግቶ ዚኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ ይትረፍ ኪትግበር ኣይሕሰብ ደኣ። እሳተ-ጎሞራ (volcano) ኣብ መዓሙቕ ምድሪ ዚርከብ ፈሳሲዩ። ንእኡ ኸዲኑ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ድማ ኣዝዩ ረጕድን ጽኑዕንዩ። እቲ እሳተ ጎሞራ ኺትኰስ እንተ ኣንቂዱ ግን ኪዓግቶ ኣይክእልንዩ። ነቲ ኸዲንዎ ዘሎ ኽፍሊ መሬት ከይተረፈ ብዋዒኡ እናምከኸ ነቲጉ ዚወጽእ።

ኣብ ውሽጥና ዝተደጐሉ ሓጥእ ኣተሓሳስባታትን ስምዒታትን እንተልዮምና ድማ፡ ካብ ነትጒ ዝተፈልየ ኻልእ ታሪኽ ኪህልወና ኣይክእልንዩ። ኣብ ውሽጥና ቝጥዓ ወይ ኵራ መሊኡ እንተልዩ፡ ልሳንና ለጒምና ንኣምላኽ ዜኽብር ንብጻይና ድማ ዚሃንጽ ቃላት ክንዛረብኣይከኣልን”’ እንተ ዘይተባህለ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ ዘይከሓድዩ። ዋላ ንኸናፍርካ ሰፊኻ ስቕ ክትብል እንተ ትኽእልኳ፡ ንጹህን ጽድቕን ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ምኽንያቱ ቝጥዓ ንርእሱ ኸቢድ ሓጢኣትዩ። ንሕና ግና በቲ ዘሕረቐና ዅነታት እናኣመኽነና፡ ንቝጥዓ ኸም ቅቡልን ሓጢኣት ዘይኰነ ባህርይን ጌርና ኢና ንርድኦ። ጐይታና ግን ናብ ገሃነም ዜእትው ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ኣግሂዱ ነጊሩናዩ።

ነቶም ቀዳሞት፡ <እቲ ዝቐተለ ኺፍረድሞ፡ ኣይትቕተል> ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶዩ፡ ንሓዉ <ኣታ ተኸዳን ጨርቂ (ኣታ ዕሩቕ)> ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ኣታ ዓሻዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶዩ፡> እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 521,22

ኣብ ውሽጥኻ ሓጥእ ስምዒታት ተደጒሉ እንተልዩሞ፡ ብልሳንካ ኸይተተንፍሶ እንተ ተጋደልካኳ፡ ተወሳኺ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ኢኻ ትጥንቀቕ ዘለኻምበር ንርእስኻስ ካብ ሓዊ ገሃነም ኣየድሓንካያን። ስለ ልሳንካ ኣብ ምልጓም ክትዕወት እንተ ዄንካ ነቶም ሓጥእ ቃላት ዚወልዱ ሓጥእ ስምዒታት ካብ ውሽጥኻ ከተወግዶም ይግባእ። ኣብ ውሽጥኻ ብጽልኢ ኽሒንካ ብቒምታ ሓሪርካ ኽነስኻ፡ ቃላት ፍቕርን ሰላምን ከተውስእ እንተ ፈተንካ፡ መሊስካ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ትውስኽ ኣለኻምበር ጽቡቕ ተዛሪብካ ማለት ኣይኰነን። ብናይ ጥበራ ኸናፍር ትዛረብ እንተለኻ ቃላትካ መዓር ዝተለኽየ መርዚ ዚኸውን። ቅዱስ ዳዊትውን፡ ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፡ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይ ኣይትጕተተኒ።” ብምባል ጸልዩ ኣሎ (መዝ 283) ነቲ ውሽጥኻ ከየጥዓኻ፡ ብጥዑም ቃላት ጥዑይ ሰብ ክትመስል ምፍታን፡ ንመቓብር ብእምነ በረድን ብቐለምን ከተጸባብቕ ምፍታን ዚኸውን (ማቴ 2325-28, ሉቃ 1139-41)

እምበኣር ብቑዕ ለጓም ልሳኑ ኪኸውን ዚደልይ ሰብ ብቐዳምነት ነቶም እኩይ ዘረባ ኺዛረብ ዚድርኽዎ ሓጥእ ኣተሓሳስባታትን ስምዒታትን ሃቐናታትን ድርኺታትን ኪፍውስን ልቡ ኼጽርይን ይግብኦ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፡ ነቲ ውሽጣዊ ዅነታቱ ኼጐልብብ ካብ ዚፍትን ጠባሪ ውርዘያ (ምውርዛይ) ርእሱ ኺሕልው ይግብኦ። ምኽንያቱ ንመንፈሳዊ ዕርቃኑ ኻብ ሰባት ኪሓብኦ እንተ ኸኣለኳ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ብዝኸፍአ መገዲ ይቐልዖ ኸም ዘሎ ኺስወረና ኣይግባእን።

ባህርይ ዘይተለጕመት ልሳን እንታይ ይመስል፧ ሰባትከ ንዘይተለጕመት ልሳን ብኸመይ ኢና ንጥቀመላ፧ እቲ ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ መልእኽቲ፡ ንመብዛሕትኡ ባህርያት ናይ ልሳን ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እተን ዝዓበያ ናይ ልሳን ተምሳል ዚገልጻ፡ ሓውን ሕንዝንየን (36-8) ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስውን ብሰይፊ፡ ብጭጒራፍ፡ ብኲናትን ብፍላጻን ተመሲላ ኣላ (እዮ 512,21 መዝ 574 584,5) እዚ ልሳን ተመሲላትሉ ዘላ ተምሳላት እንተ ርኢናዮ ንልሳንና መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ንሰባት ከም እነጥቅዓላ ኣጽዋር ጌርና ኸምንጥቀመላ ዜመልክትዩ። ዋላ ብቐጥታ ኸም ናይ መጥቃዕቲ ኣጽዋር ጌርና ኣብ ዘይንጥቀመላ እዋንውን፡ ከም ናይ ተለሎ (ምትላል) ወይ ከኣ ናይ ጥበራ መሳርሒ ጌርናኸነዘውትራውን ልሙድ ተርእዮ (መዝ 5521 521-5 ኤር 93-6) ብዝደለናዮ ኣገባብ ንጠቐመላ ብዘየገድስ፡ ዘይተለጕመትን ዘይተገርሐትን ልሳን ሒዝካ ምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነትዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሕጂ ንጊዚኡ ልሳንና ኣብ ሰባት ተስልጦ ዘላ እከይምበር፡ ነቲ ድሒራ ኣባና እተውርዶ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ንጥምት የለናን። እቲ ለባማት ኣቦታትናከልብስ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ዓጽሚምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓኽሊ (በትሪ) ነይርእይዚብልዎ ምስላ ኣባና ይበጽሕ ኣሎ ማለትዩ። ንጉስ ሰለሞን ንኸም ዝበለ ዕሽነት፦

ቃላት ኣፍ ናይ ጥበበኛ መጐስ ኣለዎ፡ ንዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ፡ መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነትዩ፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳንዩ።

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መክ 1012,13) ብርግጽ፡ ብቓላት ከናፍርካ ተዋሒጥካ ካብ ምጥፋእ ዚኸፍእ ዕብዳን ኪህልው ኣይከኣልንዩ። ስለ ኸኣ፦

“......ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። .......ስለ ቓላትካ ሒደት ይኹን። ...... ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርሲ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ .......ስለምንታይከ ኣምላኽ (ብዘረባኻ) ዚዅርይ፡ .......ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (መክ 52-7) እቲ ሎሚ ብኣፍና እንተፍኦ ሓዊ፡ ካብ ኣፍና ዚውርወር ብልሒ ሓጢኣት፡ ጽባሕ ንግሆ ናብ ገሃነም ሓሊፉ ጸኒሑ ኺልብልበናን ኪወግኣናን ኪነብር ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ ንልሳንና ብፈሪሃ እግዚአብሔር ብቓላት ጽድቂ እንተ ለጐምናዮ ዜሕሸና። ስለ ኦም ህይወት ዝዀነት፡ ንሰማዒኣ ዀነ ንዋናኣ ጥዕና እትህብ ልሳን ንወንን። ንኣምላኽ እተኽብር፡ ንሰማዒኣ እትሃንጽ፡ ጸጋ ዝመልአት ልሳን ትሃልወና (ኤፌ 429-31 ቈሎ 46) እግዚአብሔር ንእንዛረቦ ዅሉ ቓላት ጽን ኢሉ ዚሰምዖ። ስለ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዘሎ ሰብ ጥራሕ ኣይንጠምት። ነቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከብ፡ ከኣል-ኵሉን ፈላጥ-ኵሉን ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ንዘክርሞ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ንልሳንና ንልጐምን ነማእዝንን። ፍረ-ልሳንና ናይ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ወይ ንዕቀት መለክዒዩ። እቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዝዀነ እግዚአብሔር፡ ጽባሕ ንግሆ በቲ ቓላትና ዝሰፈርናሉ ልሳንና ኺሰፍረልና ስለ ዝዀነ፡ ልሳንና ንድሕነትና ቃላት ጽድቂ ትፈልፍልምበር፡ ጥፍኣት ክትወልደልናስ ሓጢኣት ክትፍልፍል ኣይንሕደጋ (ሉቃ 638)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሕዳር 25, 2015 ግዕዝ (4 ታሕሳስ 2022 ፈ  [መበል 13 ሰንበት: ቊ.፳/20, 2022)

ምስባክ

መዝ.88(89)11-12

ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቱ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።

ወይ ከኣ

መዝ.102(103)18-19

"ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 12፡22-ፍጻ

ዲያቆን

ያእ 3፡1-10

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 21፡27-33

ንፍቅ ካህን

ማቴ 8፡23-ፍጻ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div