S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፈራዪ ንጽህና [10ይ ሰንበት: ቊ.13/፲፫, 2022 ]

ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ (ኣቦይ) የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ ሳላ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።ዮሃ 152,3

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 (ጥቅ.6 ክሳዕ ሕዳ.14.) ዘሎ ቕንያት፡ኣባ ዮሐኒ ጽጌተባሂሉ ዚጽዋዕ። ነቲ ብምኽንያት ንጉስ ሄሮድስ ዝሓሰቦ ቕትለት ህጻናት ቤተ-ልሄም፡ ብትእዛዝ መልኣኽ እግዚአብሔር፡ ጐይታና ኣብ ጊዜ ናጽላነቱ ምስ ቅዱስ ዮሴፍን ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ናብ ግብጺ ዝገበሮ ስደት ንምዝካር ዝተሰርዐ ጊዜ ኸኣዩ። ካብ ጥቅ 30 - ሕዳርግእዝ ዘሎ ሰሙን ድማጸገየ ወይንይብሃል። እዚ ዝተጠቕሰ ወቕቲ ድማ፡ ኣብ ሃገርና ፍረ ክራማት ዚሕፈሰሉ ናይ ፍርያት ወቕቲዩ። ነዚ ዕለት ዝተሰርዓልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ፡ ብዛዕባ ፈራዪ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባቶም ከም ጨንፈር ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ተተኺሎምን ጸኒዖምን ዚፈርዩ ሰዓብቱ ዚገልጽዩ። እቲ ሓቢርና ዜዘምናዮ ምስባክውን፡ ብዛዕባ ኻብ ግብጺ ወጺኣ ዝተተኽለት ጕንዲ ወይኒ ዚገልጽ። እዚ ምስባክ ብዛዕባ ኻብ ባርነት ግብጺ ወጺኡ ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዝተተኽለ መንግስትን ህዝብን ናይ እስራኤል ዚገልጽ እንተ ዀነ፡ ብዓቢኡ ግን ብዛዕባ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝተዘርበ ትንቢታዊ ቓልዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ደኣ ምድሪ ዝመልአምበር፡ ህዝቢ እስራኤልሲ ይትረፍ ንምድሪ ኺመልእ፡ ነታ እግዚአብሔር ዝሃቦ ርስቲ ኺመልእ ኣይከኣለን።

እዚ ሎሚ ዝተነብበልና ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ፡ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ ዝተዛረቦ መለኮታዊ ቓልዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ሰብ ኣብ ክርስቶስ ኪነብር ኣይክእልንዩ። ናይ ክርስቶስ ምዃንና ዜረጋግጸልና፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ዝዀነ ፍረ ጽድቂ ንፈርይ ምህላውናዩ። ነቲ ብመሰረቱ ፈጺሙ ፍረ ዘይፈርይ ክርስትያን፡ እግዚአብሔር ኣቦ ባዕሉዩ፡ ብፍርዲ ዜርሕቖን ዚድርብዮን። ነቲ ዚፈርይ ግና፡ ኬርሕቖ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኪፈርይ ዚደልዮ። ብዙሕ ምእንቲ ኺፈርይ ዚገብረሉ ዓብይ ረድኤት ከኣ፡የጽርዮብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ካብ ቓል ጐይታና ኸም እነስተውዕሎምበኣር፡ ንጽህና (ወይ ጽርየት) ኣብ ፍርያምነት ናይ ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። እቶም ተቘሪጾም ዝተደርበዩ ዅሎም፡ ሰኣን ንጽህናዚኣ መኺኖም ከም ዝተረፉ ዜመልክተና ቓልዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትናፈራዪ ጨንፈርዘይኰነፈራዪ ንጽህናዝዀነሉ ምኽንያትምበኣር፡ ኣብ ፈራይነትና ዝለዓለ ግደ ዘለዎ፡ ጨንፈር ምዃንና ዘይኰነስ፡ ንጽህናና ምዃኑ ንምምልካትዩ። ምኽንያቱ እቶም ዝፈረዩን ዘይፈረዩን ኵላቶም፡ ጨናፍርዮም ዝነበሩ። ኣብ መንጎኦም ርኡይ ፍልልይ ዘምጽአ ግና፡ ንጹሃት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ኰይኑ ተረኽበ። ስለ ብምስጢረ ጥምቀት፡ ጨናፍር ናይ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀንና ክርስትያን ህዝቢ ኸም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ ፈረይቲ ዚገብረና ንጽህና ኣዚና ኽንግደስን ክንጥንቀቐሉን ይግብኣና።

ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ድሮ ንጹሃት ኢኹምብምባል ኣረጋጊጹሎምዩ። እዚ በቲ ንዅሉ ሰብን ግብርን ዚፈርድ ጐይታ ዝተዋህበ ምስክርነት ኣዝዩ ዓብይ ክብርን ጸጋንዩ። ሳላ ንጽህና ንዅላትና ስለ ዝፈረዩና ድማ፡ እዚ ንጽህናኦም ብግብሪ ዝተረጋገጸዩ። ብዛዕባና፡ ብዛዕባዞም ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዘለና እንእመን ሰባትከ፡ ጐይታና እንታይ ኢሉ ዀን ምመስከረ ይኸውን፧ ድሮ ብዛዕባና ዝሃቦ ምስክርነትን ርእይቶን ከም ዘሎ፡ ከቶ ዘየጠራጥርዩ።

ብዛዕባ ንጽህናና መን ኺነግረና፧ ቅድሚ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ ምጽኣትን ፍርድን፡ንስኻ ንጹህ ኢኻ፡ ንስኻ ግን ኣይኰንካንኢሉ ዚነግረና ዝዀነ ይኹን ኣካል ከም ዘይህልው፡ ርጉጽ ነገርዩ። ግን ከኣ ብዘይ ዝዀነ ሓበሬታ ኣብ ጸልማት ዝተደርበና ሰባት ኣይኰንናን። ንጽህናና እነረጋግጸሉ ብዙሕ ምስጢራት ኣብ ቃል እግዚአብሔር ተገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ገረብ ዙብ ኢሉ ዝተንጠልጠለ ፍረ ወይኒ እናረኣኻ፡ ተኽሊ ወይኒ ምዃናን ዘይምዃናን ክትጠራጠር ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣዩ። ስለ ንጹሃት ምዃንና ኸነረጋግጽ እንተ ደሊና፡ እቲ ምስጢር ኣብ ህይወትና ፍረ-ንጽህና ምህላዉን ዘይምህላዉን ዓቲብካ ምፍታሽ ጥራሕ ዚሓትት። እቲ ዝዓበየ ሽግርና፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ንጽህና ኣዝዩ ትሑት ግዳሰን ርድኢትን ዘሎና ምዃንናዩ። ብሓቂ ኸም እግዚአብሔር ብዛዕባ ንጽህና ዚግደሶ ጌርና ብዕቱብ ንግደስ እንተ ንኸውን፡ ብዛዕባ ንጽህናና ኽንፈልጥ ክሳዕ ክንዲ ኣይምኸበደናን ነይሩ። ናይ ብሓቂ ኣብ ንጽህና እንተሊና፡ እቲ ንጽህና ዜፍቅር ኣምላኽ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምስክርነት መረጋገጸልናን መተባብዓናን ነይሩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ንጽህናኦም ምሉእ ርጉጽነት ዝነበሮም ኣብነታውያን ኣቦታት ከም ዘለዉ ተመስኪሩልና ኣሎ። ብውሑዱ ንቕዱስ ዳዊት፡ ሊቀ መዘምራን ኣሳፍ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ሕልናኦም፡ ውልቃዊ ህይወቶም ኰነ ግብሮምን ኣገልግሎቶምን ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝሓደሮምን ዚመርሖምን ስለ ዝነበሩ ናቱ ምስክርነትውን ኣብ ልቦም ዝነበሮምዮም። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ንጽህናኡ ዝሃቦ ተኣምኖ፡ ኣዝዩ ኣብነታውን ኣብ ውሽጥና ቅዱስ ቅንኣት ኬለዓዕለልና ዚግባእንዩ።

“... እግዚአብሔር ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ (መዝ 78) ...ንመገድታት እግዚአብሔር ሓሊወየን፡ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሓቕኩን፡ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮየ፡ ንስርዓታቱ ድማ ካብ ኢደይ ኣይፈለኽዎንሞ፡ እግዚአብሔር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፡ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒዩ። ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፡ ካብ ሓጢኣተይውን ተሓልየ። ስለ እግዚአብሔር ብመጠን ጽድቀይ ብመጠን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ (መዝ 1820-24) ... እግዚአብሔር ብንጽህና ተመላሊሰ፡ ከይተሓንኰልኩ ኸኣ ኣብ እግዚአብሔር ተወኪለሞ፡ ፍረደለይ፡ ... እግዚአብሔር ነእዳወይ ብንጽህና እሓጽበን....ኣለኹ። ... ኣነስ ብንጽህናይ ዝመላለስ፡ ኣድሕነኒ መሓረኒውን (መዝ 261,6,7,11)

ከም ኣቦና ዳዊት ባዕሉ ተኣሚንዎ ዘሎ፡ብንጽህናይ ፍረደኒኺብል ዚኽእል፡ እቲ ብዛዕባ ንጽህና ህይወቱ ኣዝዩ ዚጥንቀቕን፡ ንህይወቱ ብቕንዕናን ብዕምቈትን ዚምርምር፡ ከምኡውን ውሽጣዊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስክርነትን ርጉጽነትን ዝረኸበ ጥራሕዩ።

ቅዱስ ጳውሎስውን፡ኣነ ካብ ደምኩም ንጹህኺብል ክሳዕ ዚተብዕ፡ ብኣገልግሎቱ ብዛዕባ ዝነበሮ ንጽህና ዝተኣመነ ኣርኣያዊ ሃዋርያ (ግብ 186 2026,27)፡፡ ብዛዕባ ንጽህና ውልቃዊ ህይወቱውን ብፍሉይ ትብዓት ተኣሚኑዩ።

ትምክሕትና ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝተመራሕና፡ ንሕና ኣብ ዓለምዚኣ፡ ምናዳ ኣባኻትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ብንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕልናና ምስክርዩ።

ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዘይብላ ፍቕሪ፡ ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርእይ ኣለና፡" 2ቈረ 63-7

ኣብ ህይወት ክርስትና፡ ንጽህና ኽሳዕ ክንዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ንጽህና፡ ዓሚቚ ናይ ቃል ፍልጠትን ዕዙዝ ግብራዊ ተመክሮን ስለ ዝነበሮ፡ ነቶም መገላግልቱ ዀነ ነቶም ተገልገልቱ ደጋጊሙ ይጽሕፈሎምን የዘኻኽሮምን ነበረ። ብመሰረቱ ሃዋርያዊ ተልእኾን ኣገልግሎትን፡ ነቶም ብቓል ወንጌል እተገልግሎም ሰባት ናብ ደረጃ ንጹሃት ደናግል ኣዕቢኻ፡ሕጹያት ወይ መርዑት ናይ ክርስቶስምግባር ምዃኑ ብንጹር ዘፍለጠናውን ንሱዩ። ኣብ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ ሃዋርያዊ መልእኽቲ፡ ነዚ ተልእኾ ሃዋርያነት ብኸም ዚስዕብ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ።

ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩምሞ፡ (ከም) ንጽህቲ ድንግል (ገይረ ናብ) ክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ (ንሱ ኸኣ ክርስቶስ) ኣሕጽየኩምየ። ግናኸ ከም ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡ ከምኡውን (ንስኻትኩም) ሓሳባትኩም ካብ ንክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ ኣለኹ።” 2ቈረ 112,3

በዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣገላልጻ መሰረት፡ እቶም ኣብ ምድራዊት ናብራኦም ሕጹያት ክርስቶስ፡ ድሕሪ ምጽኣቱ ኣብ ሰማያት ድማ መርዓት ክርስቶስ ዚዀኑ፡ እቶም ብቓል ክርስቶስን ብደም ክርስቶስን ምሉእ ንጽህና ዝተጐናጸፉ ጥራሕዮም። ቅዱስ ወንጌል ከም ዜረጋግጸልና፡ ክርስቶስ መርዓዊ፡ እታ ኣድማሳዊት (Universal) ቤተ ክርስቲያን ከኣ መርዓቱ (ዮሃ 329 ማቴ 91415 251-13 ራእ 1969) ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ በቶም ንጽህናኦም ዝሓለዉ ኣገልገልትን ምእመናንን ዝቘመት መርዓት ናይ ገንሸልያ። ነታ መርዓት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዜቝሙ፡ እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚእከቡን ኣብ መዛግብቲ ቤተ ክርስቲያን ስሞም ዝተመዝገበ ዅላቶም ምእመናንን ኣገልገልትን ኣይኰኑን። እቶም ናይ ብሓቂ ዝነጽሁን ንጽህናኦም ሓልዮም ዚነብሩን ጥራሕዮም ኣካላት ናይ መርዓት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዚዀኑ። ነዚ ሓቂ ኣነጺሩ ዜብርሃልና፡ እቲ ጐይታና ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታውን ካልኦት ሃዋርያትን ዝበሎ ቓልዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ሳላ ዝነገሮም ቃል ድሮ ንጹሃት ምዃኖም ኣረጋጊጹሎምዩ። ኣቐዲሙ ቕድሚ ምስጢረ ቍርባን ምስራዑ፡ ኣእጋሮም ኪሓጽብ ከሎ ኣብ ዝሃቦ ቓል ግን፡ እቶም ቃሉ ዝሰምዑን ኣእጋሮም ዝሓጸቦምን ኵላቶም ንጹሃት ከም ዘይኰኑ ገሊጹሎምዩ። ወንጌላዊ ዮሃንስ፡ ነዚ ሓቂ ግሩም ገይሩ ኣስፊሩልና ኣሎ።

ኢየሱስ ከኣ፡እቲ እተሓጽበ፡ ኵለንተናኡ ንጹህሞ፡ ብዘይካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮንዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹም፡ ግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን፡በለ። እቲ ዜትሕዞ (መን ምዃኑ) ይፈልጦ ነበረሞ፡ ስለዩ፡ 'ዅላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን' ዝበለ።ዮሃ 1310,11

ይሁዳ፡ ናይ ክርስቶስ ዝርእሳን ዝመራሒኣን ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣባልን ኣካልን ዝነበረ። ኣባል ጥራሕ ካብ ምዃን ሓሊፉውን፡ ናይ ሃዋርያነት ማዕርግ ዝተቐበለ ክቡርን ሕሩይን ሰብ ነበረ። ካልኦት ሃዋርያት ዘይተቐበልዎ ሓላፍነት ተቐቢሉ፡ ናይ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፋይናንስ (ናይ ቍጠባ) ሓላፍን ተሓዝ ገንዘብን ኰይኑ ነበረ (ዮሃ 126 1329) እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና ሃዋርያ ይሁዳ፡ ነቲ ዜንጽህ ቃል ሰሚዑ ኼብቅዕ ኣይነጽሀን። ከም ኵሎም ሃዋርያት ብኢድ ጐይታኡ ኣእጋሩ ተሓጺቡ ኽነሱውን ከቶ ኣይነጽሀን። ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኸኣ፡ ካብ ብኢድ ክርስቶስ ዝተፈጸመትኣኽሊል ኵሉ ምስጢራትዝተሰምየት ምስጢረ ቍርባን ተኻፊሉውን ፈጺሙ ኣይነጽሀን። ጐይታና ባዕሉ፦

እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰትይ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ (እነብር)” ኢሉ ኼብቅዕ፡ ይሁዳ ኻብ ስጋን ደምን ናይ ጐይታኡ ምስ ወሰደ ግና ካልእ ዝኸፍአ ነገር ተኸሲቱ። ነዚ ዘይጽወር ጉድ ወንጌላዊ ዮሃንስ፦ ሽዑ ኸኣ (ኢየሱስ) ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ፡ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፡ ሃቦ። ድሕሪ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ ኢየሱስ፡ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮበሎ።... ንሱ ነታ ቝራስ እንጌራ ምስ ተቐበለ፡ ብኡንብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1326,27,30)

ንምንታይ፧ እቲ ንዅላቶም ሃዋርያት ዘንጽሀ ሰለስተ መንጽሂ፡ ንምንታይ ንይሁዳ ኼንጽሆ ዘይከኣለ፧ እዚ ዜሕዝንን ዜፍርህን ፍጻመዚ፡ ናብ ሓደ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ምስጢር ገጹ ይመርሓና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ኣብ ንጽህናና ዝዓበየ ግደ ዘሎና፡ ንሕና ምዃንናዩ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ኣብ ዅሉ መንጽሂ ምስጢራት ተሳቲፉ ኼብቅዕ ኪነጽህ ዘይከኣለ፡ ኣቐዲሙ ልቡን ኣእዳዉን ስለ ዘየንጽሀዩ። ኣብ ልቢ ይሁዳ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ስሰዐ፡ ጥልመት፡ ሓሶት፡ ስርቂ ግብዝነት መሊኡ ነበረ። ከም ኵሎም ብጾቱ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን ይሰብኽ፡ በቲ ጐይታ ዝሃቦ ስልጣንን ሓይልን ከኣ ሕሙማት ይፍውስ፡ ኣጋንንቲውን የውጽእ ነበረ። እዚ ዅሉ እናገበረ ግና ነቲ ብሓጢኣት ጋዕዝዩ ዝነበረ ልቡን ኣእዳውን ልሳኑን ኬጽርይን ኬንጽህን ኣይፈተወን። ብኣንጻሩ ደኣ፡ ካብ ማሕፉዳ ሰሪቑ ዚረኽቦ ዝነበረ ገንዘብ ኬዕግቦ ስለ ዘይከኣለ፡ ብዓቢኡ ንጐይታኡ ብምሻጥ ነቲ ኣበሳኡ ናብ ሰማይ ኣዕረጎ። ዘይነጽሀ ልቢ፡ መቕደስ ሰይጣንዩ። ስለ ኸኣ እቲ ደረቐኛ ሰይጣን፡ ኣብ መኣዲ ጐይታን ሃዋርያቱን ተቐሚጡ እናረኣዮ፡ ንኣታቶም ከይሓፈረን ከይፈርሀን፡ ናብ መቕደሱ ሰተት ኢሉ ኣተወ።

እቶም ንሕድገት ሓጢኣት ኢልና እንካፈሎም ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ፈቲና ዝሓደግናዮ ሓጢኣት ዜስዕቦ ተሓታትነት ደኣዮም ዜድሕኑናምበር፡ ነቲ ኽንሓድጎ ዘይደለናን ገናውን እነዘውትሮ ሓጢኣት ንኼንጽሁልና ኣይተሰርዑን። ስለ ኸኣዩ፡ ከይተገብኣና፡ ምስ ሓጢኣትና ኸለና፡ ኣብዞም ምስጢራትዚኣቶም እንተ ተኻፊልና ዝገደደ ፍርድን ቅጽዓትን እንቕበል። ነዚ ሓቂ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ምስጢረ ቍርባን ኪገልጽ ከሎ፡ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ (1ቈረ 1128-32) ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ብዙሓት ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ሓጢኣቶም ከይሓደጉ ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረኣዮም፦

ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሓበረኩም፧ እምበኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ (ወይ ግብሪ) ግበሩ። ብልብኹም፡ኣብርሃም ኣቦ ኣሎናከም (እትብልዎ) ኣይምሰልኩም...” ኢሉ ገሰጾም (ማቴ 37-9) ጻውዒትካ ኣኽቢሩ ኺጥመቕ ናባኻ ንዝመጸዶ ኸም ይበሃልዩ፧ ናይናይ ጥንቲ ተመን፡ ዓብዪ ገበልዝተባህለ ድያብሎስ ባህርይን ተግባርን ዝለበሱ ስለ ዝዀኑ፡ በቲ ዚካፈልዎ ዝነበሩ ምስጢራት ዝዀነ ረብሓ ኸም ዘይረኽቡ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሉ (ራእ 129 202) ጐይታናውን ደጋጊሙ ኸምኣ ይብሎም ነበረ (ማቴ 1234 2333) ቅዱስ ጳውሎስውን፡ እቶም ዚንስሑ ሰባትንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑ ኸም ዚግባእ ገሊጹ (ግብ 2619,20) እቲንንስሓ ዚግባእ ግብሪዚበሃል ዘሎ፡ ኵሉፍረ-መንፈስ ቅዱስዝተሰምየ ግብርታትዩ። ናብ ምስጢረ ንስሓ ኽንመጽእ ከለና፡ እቲ እንንስሖ ብዛዕባ ጽልእን ቂምታን እንተ ዀይኑ ናብ ኣበ-ንስሓናን ናብ ኣምላኽናን ቅድሚ ምምጻእና፡ ናብ ብጽልእን ብቒምታን ዝበደልናዮ ሰብ ኬድና፡ ይቕሬታ ሓቲትና፡ ፍቕሪ መስሪትና ኽንመጽእ ብድሕሪኡ ኽንንሳሕ ዚግባእ። ሽዑ እቲ እንፍጽሞ ምስጢረ ንስሓ፡ ካብ ተሓታትነት ናይ ድሮ ፈጺምናዮ ዝነበርና ዝተጠዓስናሉ ናይ ጽልእን ቂምታን ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡ ሕድገት ሓጢኣት የውሕሰልና። ሽዑ ኢናድሕነት ረኺበ፡ ድሒነኽንብል እንኽእል። ነቲ ሓጢኣትና ኸይሓደግናዮ፡ ንንስሓ ብዚግባእ ፍቕርን ምሕረትን ከይተካእናዮ፡ ናብ ምስጢረ ንስሓን ቍርባንን እንተ መጺእና ግን፡ ልክዕ ከም ይሁዳን ፈሪሳውያንን፡ ውሉድ ናይ መንደላይ ተመን ስለ ዝዀንና፡ ካብ ዝፈራህናዮ ፍርዲ ኣይክንመልቝን ኢና። ልክዕ ከም ዘንበብናዮ እቲ ሊቀ ኣጋንንቲ ናብ ልብና ኣትዩ ኣሳፊሑ ኺገዝኣናን ፍረ ኣልቦ ገይሩ ናብ ገሃነም ኪኽብክበናንዩ።

እቲ ሓቂ ኸም እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብንጽህና ኣዝዩ ፈራዪ ኪኸውን ዚደልይ ሰብ ኪገብሮ ዚግብኦ እንታይዩ፧ መልሲ ናይ ሕቶዚ፡ ኣብ ልዕል ኢልና ዝተመሃርናዮ ሓሳባት ድሮ ተኣንፊቱዩ። ልብኻን ኣካላትካን ካብ ኸተዘውትሮ ዝጸናሕካ ግብሪ ሓጢኣት ምንጻህዩ። ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነዚ ሓቂ ብንጹር ኣገባብን ደጋጊሞምን ገሊጾምልናዮም።

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሓጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዐን ምሉእሞ፡ ወይለኹም። ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚረኣይ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልአ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አለኹምሞ፡ ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእዩ።ማቴ 2325-28

እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” 2ቈረ 71

እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕምየትን ኣርሕቕዎ።” 1ጴጥ 21

ደጊም ክርስቶስ ምእንታና (ብስጋ) ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽምበር ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን ብፍትወት ስጋ ብስኽራን ብጓይላ ብመስተ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክልዩ።” 1ጴጥ 41-3

ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታትውን ተገዲስና ነንብቦ። ማቴ 1518-20 1ቈረ 56-8 ገላ 519-24 ኤፌ 417-32 ፊል 19-11 ቈሎ 110 35-10,12-14 1ጢሞ 610-14 2ጢሞ 222 ያእ 126,27 47,8 1ጴጥ 122,23 እዚ መልእኽታትዚ፡ ካብ ምንታይ ነጺህና ብምንታይ ክንትክኦ ኸም ዚግብኣና ብንጹር ዜፍለጠናዩ። ኣብ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ጸኒዕና ኽንነብርን፡ ካብ መኣዛ ናይ ጸጋኡ እናተመገብና፡ ሚእትን ሱሳን ሰላሳን ናይ ንጽህና ፍረታት ክንፈርይ ዜኽእለናን ዜንጽሃናን ቃልዩ።

ኣብ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ጸኒዕና፡ ብንጽህና ብዙሕ ፍረ ኽንፈርይ ዜኽእለና እንታይዩ፧ እቲ ቐዳማይ ቃል እግዚአብሔር ምዃኑ መሪሕ ጥቕስና ድሮ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 1199) ካልኣይ መንጽሂ ኸኣ እምነት (ግብ 159 ሉቃ 1714,19) ሳልሳይ መንጽሂ ተስፋ (1ዮሃ 33) ምስጢረ ንስሓውን ንጽህና እንጐናጸፈሉ ራብዓይ መንጽሂ (1ዮሃ19 ዘሌ 1630 እብ 913,14)

ከም ራእሲ ፌሊክስ ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ንጽህና ምስ ሰምዐ ዝሰምበዶ ኽንስምብድን ክንፈርህን ኣይግባእን (ግብ 2425) ብዛዕባ ንጽህና ኺሰምዕ ከሎ ዚስምብድን ዚስቀቕን እቲ ብዘይ ሓጢኣት ኪነብር ዘይክእል ኰይኑ ኽሳዕ ዚስምዖ ሓያል ፍቕሪ ሓጢኣት ዘለዎ ሰብ ጥራሕዩ። ንጽህና ኣብ ምድሪዚኣ ዀነ ኣብ እትመጽእ ዓለም ዜርብሕ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይዩ። ስለ ኸኣ ቓል እግዚአብሔርንርእስኻ ብንጽህና ሓልውኢሉ ደጋጊሙ ዚምዕደና (1ጢሞ 522 ያእ 48) ንርእስና ንጹሃት ክሳዕ ምዃን ጥራሕ ዘይኰነ ብንጽህና ንኻልኦት ኣርኣያ ክሳዕ ምዃን ክንዓብይ ዚግብኣና (1ጢሞ 412 ቲቶ 27,8) ክርስቶስ ጐይታና፡ ካብ ዓመጻ ንኼንጽሃና፡ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ብሰናይ ግብሪ ኺስልመና ምእንታና ዝተሰውአ (ቲቶ 212-14)

ስለ ብንጽህና ንነብርን ንፈርይን ከም ዘለና ርእስና ኽንምርምር ይግብኣና። ካብ ጥበራ ስጋናን ሰይጣንን ሓራ ኽንከውን ስለ ዘይንኽእል ንጽህና ዘይብልና ኽነስና፡ ንጹሃት ዝዀንና ኺመስለና ዚከኣል (ምሳ 162 209 3012 ኤር 223) ስለ ኣብ ናትና ናይ ምምርማር ዓቕሚ ኸይተወከልና፡መርምረኒ፡ ሓቀኛ ምስሊ ህይወተይ ኣርእየኒ፡ ካብ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒኢልና ንእግዚአብሔር ክንልምኖን ክንውከሎን ይግብኣና (መዝ 13923,24 262 173 1912) እግዚአብሔር ከኣ ነቶም ብልቦም ንንጽህና ዜፍቅሩን ዚነብርዎን ስለ ዜፍቅሮም፡ ብምሉእ ሓይሉ ኺረድኣናን ኪመርሓናን (መዝ 4112 እዮ 86 179 2230) ስለ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምእንቲ ኽንከብር፡ ንጽህና ነፍቅር፡ ብንጽህና ኸኣ ንንበር። ብንጽህና ነቲ ብመልክዑ ዝፈጠረና ኣምላኽ ንምሰል!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሕዳር 4, 2015 ግዕዝ (13 ሕዳር 2022 ፈ  [10ይ ሰንበት: ቊ.13/፲፫, 2022)

ምስባክ

መዝ 79(80)፡8-9

“ዐፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ። ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ኪያሃ። ወፄሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።”

“ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪ’ውን መልአት።”

ንባባት

ኣንባቢ

ኤፌ 5፡1-13

ዲያቆን

ያእ 3፡10-18

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 11፡1-11

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 15፡1-11

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div