S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜሐጕስ ፈተና [9ይ ሰንበት: ቊ.12/፲፪, 2022 ]

ኣሕዋተየ፡ በበይኑ (ዝዓይነቱ) ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።ያእ 12 .

ነዚ ናይ ዘመነ ጽጌ ሓሙሻይ ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር፡ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ” (ክርስቶስ ሰንበት ሰርዐ) ዘርእስቱዩ። ብእኡ መሰረት ነዚ ሰንበት ኻብ ዝተመደቡ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ ያእ 11-12 ንባብዩ። ቅዱስ ያእቆብ ነቶም ተቐበልቲ መልእኽቱ ሃዋርያዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ዝዀነ ኻልእ መእተውን ሓተታን ከይወሰኸ፡ ብቐጥታ ነዚ ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕሲ ኣስፊሩ። ነዞም ተገልገልቱ ኣመልኪቱ ኺሓስብ ከሎ፡ ናብ ኣእምሮኡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመጸ ቀዳማይን ዓብይን ሓሳብ፡ ብዛዕባ ዜጋጥሞም ዝነበረ ብዓይነቱ ብዙሕን ከቢድን ፈተናታትዩ። ንርእሱ ብተመሳሳሊ ፈተናታት ዝሓለፈን ገና ዚሓልፍ ዘሎን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ውሽጦም ብዛዕባ ዚፈጥሮ ስምዒታት፡ ሓሳባዊ ግምት ዘይኰነስ ግብራዊ ተመክሮ ዝነበሮ ብቑዕ ሃዋርያዩ። ስለ ትንተና ኸየብዝሐ፡ ነቲ ኣብ ርእሰ ርእሲ እናተደራረበ ዝተሃላለኾም ዝነበረ ፈተናታት ዚስዕሩሉ ምስጢር፡ ብሓንቲ ሓጻር ዓረፍተ ነገር ኣቐመጠሎም። እታ ኼውድቖም ንዝመጸ ፈተና ዚስዕሩላ ዓባይ ምስጢር ድማ ብዛዕባ ፈተናኦም ምሕጓስ ምዃና ኣፍለጦም። እዚ ኣበሃህላ ብዘይ ቃልዓለም፡ ንሰማዒኡ ብዙሕን ከቢድን ሕቶታት ዜለዓዕለሉዩ።

ብሓቂዶ፡ በቲ ዚበጽሓካ ፈተና ኽትሕጐስ ይከኣልዩ፧ እቲ ዚወርዶም ዝነበረ ፈተና እንታይ ዓይነት ድዩ፧  ባዕሉ እቲ መሪሕ ጥቕሲ ኣማቲ መልእኽቲ ዘለዎ። ስጋ ዝለበሰ ሰብ ንዚወርዶ ዝዀነ ዓይነት ፈተና ዚህቦ መልሰ ግብሪ፡ ፍርሃት፡ ጓሂ፡ ምርረት፡ ሕላለ (ምሕላል) ወዘተ ምዃኑ፡ ነጋሪውን ኣይምደለናሉን። ምኽንያቱ ንሱ ዝውቱር ተመክሮና። ከይሓሰብና፡ ከየሰላሰልና ብደመ ነፍሲ (by instinct) እንህቦ ቅጽበታዊ መልሰ ግብሪ እዚ ዝጠቐስናዮዩ። ብምኽንያት እምነትካ ንዚወርደካ ፈተና ግና ከም እንስሳ ናይ ደመ ነፍሲ ግብረ መልሲ ኣይኰነን ዚወሃብ። ምኽንያቱ ነቲ እምነትካ ብኸምኡ ብደመ ነፍሲ ኣይተቐበልካዮን። ሓሲብካ፡ መርሚርካ፡ ክብሪ ረብሓኡ፡ ዚጠልቦ ዋጋ ተሚንካ ብልቦናን ብምስትውዓልን ኢኻ ተቐቢልካዮ። እቲ ሓሲብካን መርሚርካን ፈቲኻን ዝተቐበልካዮ እምነት፡ ብፈተና ኽትሓልፍ ዚጠልብ ምስ ዚኸውን፡ ነቲ ፈተናን ነቲ ንእኡ ኽትህቦ ዚግብኣካ ግብረ መልስንውን ሓሲብካ፡ መርሚርካ፡ ኣውሪድካን ኣደዪብካንምበር፡ ናይ ደመ ነፍሲ (ባህረታዊ) ኪኸውን ኣይግብኦንዩ። እቲ ከይሓሰበን ከይመርመረን ብዘይ ምስትውዓል ብስምዒት ጥራሕ ንእምነቱ ዝተቐበሎ ሰብ፡ ንፈተና ዚህቦ ግብረ መልሲ ኣዝዩ ዜሕፍርን ንዘለኣለማዊ መጻኢኻ ዜጸልምትን ምዃኑ ጐይታና ብንጹር ቃላት ኣፍሊጡናዩ።

እቲ ኣብ ከውሒ ዝወደቐ ኸኣ፡ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዚኡ ደኣዮም ዚኣምኑምበር፡ ሱር ስለ ዘይብሎም፡ ብጊዜ ፈተና ዚኽሕዱ (ዚጠልሙ)’ዮም (ቀልጢፎም ይዕንቀፉ)ሉቃ 813 . (ማር 417)

ብኡንብኡ ብናይ ሓጐስ ስምዒት ተቐቢሎም ኬብቅዑ፡ ፈተና ምስ መጸ ድማ በቲ ዝተቐበሉሉ ፍጥነት ብፍርሃት ይጠልሙ። ከም ዘመሰለ መሰረት-ኣልቦ እምነት ናይ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ቍልዕነት መርኣያዩ። ንፈተና ብሓጐስ ኪቕበሉ ዚኽእሉ፡ እቶም ናብ መንፈሳዊ ብስለት ዝዓበዩ፡ ካብ ቍልዕነታዊ ኣተሓሳስባ ዝተናገፉ ሰባትጥራሕዮም። ብመንፈሳውነት ንዘይበሰለ ሰብብፈተና ተሓጐስምባልን፡ ሕጂ ንዝተወልደ ናጽላ (Neonate) ጎጎ ወይ በርበረ ዘለዎ ምግቢ ምምጋብን ሓደ ዓይነትዩ። ስለ በቲ ዚወርደና ፈተና ናይ ምሕጓስ ዓቕሚ እንተ ዘይብልና፡ ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ናይ ምህላውና ግሁድ መርትዖዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቶም ዜገልግሎም ሰባት መንፈሳዊ ቝልዕነት ተጠቒዖም ከም ዘለዉ ምስ ረኣየ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ብናይ ጓሂ ስምዒት ጽሑፉሎም ኣሎ።

ብዛዕባ ነገር ዚብሃል ብዙሕ ነይሩናስ፡ ዘይትሰምዑ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም ግና ኽንገልጸልኩም (ኣጸጋሚ)’ዩ። (ክሳዕ) ሕጅስ ድሮ መምህራን ክትኰኑ ምተገብኣኩም ነይሩ። እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ (ናይ) መባእታ ትምህርቲ ኸም ብሓድሽ ዚምህረኩም (ሰብ) የድልየኩም ኣሎ። (ሕጂ) ጸባ ደኣምበር ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምንዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ፡ ቈልዓ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ነገር-ጽድቂ ተመክሮ የብሉን (ፍቱን ኣይኰነን) ዕጹም ብልዒ ግና፡ ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብተመክሮ ገዛእ ርእሶም ዜላምዱ ብጹሓትዩ።” 511-14 .

ኣነ ግና ኣሕዋተይ፡ ከም ስጋውያን፡ ብክርስቶስ ከኣ ገና ኸም ዘይዓበዩ ህጻናትምበር፡ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን። ዕጹም ብልዒ ዘይኰነ ጸባ መገብኩኹም፡ ከመይ (ንዕጹም ብልዒ) ድልዋት ኣይነበርኩምን። ሕጂውን ገና (ድሉዋት) ኣይኰንኩምን። እዚ (ድሉዋት ዘይምዃንኩም) ከኣ ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩምዩ። ኣብ ማእከልኩም ቅንእን ባእስን ካብ ዚህሉስ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ (ኵሉ) ሰብዶኸ ትኸዱ ኣየለኹምን፧” 1ቈረ 31-3 .

እዚ ናይ ዕለት ትምህርትና፡ ኣበየናይ ደረጃ ብስለት (ብጽሕና) ኸም ዘለና ኺፍትሽ ዝተሰርዐዩ። ነቶም ድሮ ናብ ብስለት ዝበጻሕና፡ ጽቡቕ መዘኻኸርን ትምህርትንዩ። ነቶም ገና ኣብ ስጋውነትን ቍልዕነትን ዘለና ድማ፡ ናብ ጸጋ ገጽና ኽንዓብይ ባህግን ቅንኣትን ዜለዓዕለልና ኣስተምህሮዩ። ከይዓበኻ ቈልዓ ዄንካ ምንባር፡ ብጓሂ ዚቐርጽ ከቢድ ስንክልናዩ። ዝሕታለ ኣእምሮ (Mental Retardation) ዘለዎ ውላድ፡ ሓው ወይ ፈታዊ ኼጋጥመና ኸሎ ኸመይ ኢና ብጓሂ እንዅምተር። ዝሕታለ መንፈሳውነት ድማ ካብ ዝሕታለ ኣእምሮ ብዕጽፍታት ዚኸፍእ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ ስንክልናዩ። ምኽንያቱ ዝሕታለ ኣእምሮ ባህርያዊ ሓደጋ ኪኸውን ከሎ፡ ዝሕታለ መንፈሳውነት ግን ሸለልትነትን ዓለማውነትን ዝወለዶ ባዕላዊ ምርጫዩ። ስለ ቅዱስ ያእቆብ፡በቲ ዚበጽሓኩም ፈተና ተሓጐሱኺብለና ኸሎ፡ ናብ ምልኣት ብጽሕና ገጽና ኽንዓብይ፡ ካብ መሪርን መዋጽኦ ዘይብሉን ሳዕቤን ዘለዎ መንፈሳዊ ቝልዕነት ከነምልጥ ዚምዕደና ዘሎ። ካብቶም ናይ ተናግፎ (ምንጋፍ)’ ግሁድ ምልክታት ሓደ ድማ፡ በቲ ዚወርደካ ፈተና መጠናዊ ዘይኰነስ፡ ዕዙዝ ሓጐስ ዚስምዓካ ሰብ ምዃንዩ።

ብመሰረቱ ግን፡ ንምንታይ ብፈተና ኽንሕጐስ ዚግብኣና፧ በቶም ዜሐጕሱ ፍጻመታት ጥራሕ እንተ ተሓጐስና ኣይምኣኸለንዶ፧ ብፈተና ኽንሕጐስ ዜድልየና፡ ነቲ ዝተዋሓደ ሓጐስና መመላእታ ንኪዀነና ኣይኰነን። እቲ ቐንዲ ምንጪ ናይ ነባሪ ሓጐስ ስለ ዝዀነ ኢና ብፈተና ንሕጐስ። ኣብ ምድሪዚኣ ንሓጐስ ምኽንያት ዚዀኑና መብዛሕትኦም ፍጻመታት፡ ስጋውያንን ምድራውያንንዮም። ስለ ኸም ጠዓሞት ከም መጻንሒምበር፡ ከም ቀንዲ ምግብና ኽንርእዮም ኣይግብኣናንዩ። ከም ሃፋ፡ ከም ትኪ በኒኑ ዚጠፍእ ሓጐስዩ። ዋላ ኣብ ምድሪዚኣ ንምሉእ ዕድመኻ እንተ ኣሰነየካኳ፡ ኪኖ ሞት ዚሰግረሉ ህላውነት የብሉን።ተመርዕየ፡ ወሊደ፡ ኣጥርየ፡ ከቢረ ወዘተኢልካ እትሕጐሶ ሓጐስ፡ ዋላ ዘሐጐስካ ነገር ኣብ ኢድካ እናሃለወኳ፡ ናይ ሓጐስ መኣዛኡ እናሃሰሰን እናፈዀሰን ዚኸይድ።

ብፈተና ኽንሕጐስ ካብ ዚገብሩና ምኽንያታት ነዞም ዚስዕቡ ክልተ ኽንርእይ ንኽእል ኢና።

1 እቲ ብምኽንያት ዝወረደና ፈተና እንሕጐሶ ሓጐስ፡ እቲ ምድራዊ ኽፋሉ ኣዝዩ ንእሽቶን ሓጺርን፡ ኪኖ ሞት ዘሎ ሰማያዊ ኽፋሉ ግን ኪግለጽ ዘይክእልን ዘለኣለማውንዩ። እግዚአብሔር ነቶም ዚኣምንዎ ፍቁራቱ ብፈተና ኺሓልፉ ዚፈቕደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ነቶም ምእንቲ ኽብሩ ብፈተና ተዓጊሶምን ተሓጕሶምን ዚሓልፉ ቅዱሳኑ ዘዳለወሎም ክብሪ ይፈልጦዩ። ስለ ኸኣ ብፈተና ኽንሕጐስ ብቕዱሳኑ ገይሩ ዚምዕድና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፦ ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም ብጹኣንዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምንምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ድማ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎምዮምሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም።” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 510-12) ብዓይኒቶም ዚፍትኑኻ ሰባት፡ ኪጸርፉኻ፡ ስምካ ኼጸልሙን ኬካፍኡን ከለዉ ኣዝዮም ዚጐድኡኻን ዜዕንዉኻን ዘለዉ ዚመስሎም። ኣተሓሳስባኻ ልክዕ ከም ናይቶም ፈተንትኻ ክሳዕ ምዃን እንተ ጐሃኻ፡ ዘይግብኣካ ኣይኰነን። እንተ ዀነ እቲ ፈተና ዘይኰነስ፡ እቲ ኣተሓሳስባኻ የዋርደካ ኸም ዘሎ ግን ክትስሕቶ ኣይግባእን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝነበረን ዘሎን ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጥኻ ሓዲሩ እንተልዩ ግን፡ ጓህን ምርረትን ይትረፍ ማሕደሩ ኺገብረካ ብጥቓኻውን ኪሓልፍ ኣይግብኦንዩ። ምኽንያቱ መንግስተ ሰማያትን ዘለኣለማዊ ኽብርን ዜጐናጽፍ ፈተናን መከራን፡ ክንዲ ዝደለዮ እንተ መረረ፡ ክንዲ ዝደለዮውን እንተ ነውሐ ንሓጐስካ ኼጕድሎ ኣይክእልንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ብመከራ ኽንሕጐስ ዚገብረና ምኽንያት ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ፡

ስቓይ ናይ ዘመን ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ እኣምንየ።ሮሜ 818 .

እዚ ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስ ዝዀነን ጸበባና ኸኣ፡ ማእለያ ዘይብሉ፡ ብሉጽ፡ ዘለኣለማዊ፡ ምሉእ፡ ረዚን ክብሪ የዳልወልናዩ።” 2ቈረ 417 (. +.)

ነዚ ሃዋርያዊ ሓቂ ዝፈለጠን ዝተቐበሎን ክርስትያን፡ ብዚወርዶ ፈተናን ጸበባን እንተ ጐሃየ የምሕረሉዶ፧ እግዚአብሔርከ ንኸም ዝበለ ኣጉል ጓሂ ይዕገሶዶ፧ ናይ ዘይምእማን፡ ናይ መንፈሳዊ ዑረትን ቍልዕነትን ውጽኢት ስለ ዝዀነ ይፈርዶምበር፡ ኣይጻምዎንዩ።

2 እቲ ኻልኣይ ብፈተና እንሕጐሰሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍረ-መንፈስ ኪገሃድ ስለ ዚድግፈናዩ። ፈተና እንተ ዘየለ፡ ትዕግስትኻ እተግህደሉን እትለማመደሉን ዕድል ኣይህልወካንዩ። ኣብ ጊዜ ፈተና እተድልይ ቀዳመይትን ኣገዳሲትን ባህርይ ከኣ ትዕግስቲያ።

“.......ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀንናውን፡ ንምካሕ ኣለና። ግናኸ፡ እቲ ጸበባ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና ብጸበባ ድማ ንምካሕምበር፡ (ተኻፈልቲ ኽብሪ ስለ ዝዀንና) ጥራይ ኣይኰነን። ብትዕግስቲ ድማ ጽንዓት፡ ብጽንዓት ከኣ ተስፋ ይርከብ።ሮሜ 52-4 .

ከመይ ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት (ትዕግስቲ)’ ዜፍርየልኩም። ብሓንቲ ነገር ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብትዕግስቲ ኽሳዕ መወዳእታ ጽንዑ።ያእ 13,4 . + .

ትዕግስቲ ድማ ናይ እግዚአብሔር ተወራሲት መለኮታዊት ባህርይያ። እግዚአብሔር ብትዕግስቱ ጸይሩና ዚነብር ዘሎ (ሮሜ 3:25 2ተሰ 3:5) ንዚወርደና ዅሉ ጸበባ በታ ኻብኡ ዝወረስናያ ትዕግስቲ ኽንጻወሮን ክንጸንዕን ኪርእየና ኸሎ፡ ነቲ ኣባና ዘሎ ምስሊ ኣርኣያኡ ኸም ዝዓቀብናዮ፡ ብዝያዳ ደኣ መመሊስና እናመሰልናዮ ኽንከይድ ክርእየና ኸሎ፡ ኣዝዩ ይሕጐስ፡ ነታ ብምጽኣት ቅዱስ ወዱ እንኸብረላ መዓልቲ ድማ ብሃረርታ ይጽበያ። ድሕነት ዚረክብ ድማ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ጥራሕ (ማቴ 1022 2413) ስለ ፈተና፡ ትዕግስትና ኺግለጽን ኪዓዝዝን ብምግባር፡ ነቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝረኸብናዮ ድሕነት ውሑስ ስለ ዚገብረልና፡ ብፈተና ፈኲስ ዘይኰነስ ዕዙዝ ሓጐስ እንሕጐሰሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ማለትዩ።

ፈተና፡ ይቕረ በሃሊ፡ መሓሪ፡ ሓዳግ ሰብ ምዃንካ ዚግለጸሉ ብሉጽ መድረኽዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንርእሶም መሓርቲ ዝዀኑ ሰባት ጥራሕ፡ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ከም ዚረኽቡ ብግልጺ ነጊሩና (ማቴ 57) ምሕረት ክትገብረሎም ዚግብኣካ ሰባት ድማ እቶም ኣብ ልዕሌኻ ጸበባ እናውረዱ ዚፍትኑኻ ሰባትዮም። ኣብ ጊዜ ፈተና፡ ብሰይጣናውን ሰብኣውን ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ልዕለኻ ውርደትን መከራን ዚኽስከስ ዘሎ። ብኣምላኻውን ክርስትያናውን ኣተሓሳስባ ግን ምሕረት እትገብረሉን ንኣምላኽካ  እትመስለሉን ሰፊሕ ናይ ክብሪ መድረኽ ዚንጸፈልካ ዘሎ። ነዚ ሓቂ ኺገልጸልናን ኣርኣያ ኺሓድገልናን ኢሉ ኸኣዩ፡ ጐይታና ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ኸሎ የላግጹሉ፡ ንጽምኣቱ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ ወይኒ የስትይዎ ንዝነበሩ ጸላእቱ፦

ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡንዮምሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ዝጸለየ (ሉቃ 233-4) እቲ ነዚ ድሙቕ ኣርኣያ ኣዝዩ ዘቕለበሉን ዝወረሶን ቀዳማይ ሰማእት፡ ቅዱስ እስቲፋኖስ፡ ነቶም ኣስናኖም እናሓርቀሙ፡ ብኽቱር ጽልእን ቍጥዓን ብዳርባ እምኒ ይፍጽፍጽዎ ዝነበሩ ጸላእቱ፡ ተምበርኪኹ ብዓብዪ ድምጺ፡ጐይታይ፡ ነዚ ሓጢኣት ኣይትሓዘሎም፡ኢሉ ምሕረት ገበረሎምን ለመነሎምን (ግብ 759,60) በዚ ቕዱስን ክቡርን ናይ ምሕረት ባህርይ ምሕጓስን ምድናቕን ገዲፍና፡ በቲ ጽልእን ቍጥዓን ፍጽፈጻን እንተ ሰካሕና ወይ እንተ ጐሃና፡ ብእግዚአብሔር ኣየኽዕበናንዶ፧ ነቲ መንፈሳዊ ሚዛንናኸ ኣየቕልሎንዶ፧ ነዚ ዜደንቕ ባህርይ ኻብ መዋቲ ሰብ ጸሚቑ ዘውጽአን ዘግሃደን ግና፡ እቲ ኸቢድ ፈተና ምዃኑ ኣይንኽሓዶ። ነዚ ዚመስል ታሪኽን ኣርኣያን እናፈለጥካ ብፈተናኻ ዘይምሕጓስ፡ ብዘይ ቃልዓለም፡ ናይ ከቢድ መንፈሳዊ ቝልዕነት ቅልውላውን መርኣያ ምዃኑ ከቶ ዘየማትእ ውሁብ ሓቂዩ።

ምፍታን እምነትእንብሎ ግን ነየናይ ዓይነት ፈተናታትዩ፧እምነተይ ተፈቲናንኽንብል፡ ብዛዕባ እምነትና ኽንጽረፍ፡ ክንስጐጕ፡ ክንእሰር፡ ክንግረፍ፡ ክንቅተል ናይ ግድን ድዩ፧ ኣይኰነን። ኣብ ዓለምና ኻብ ዘሎ ጠቕላላ ቝጽሪ ክርስትያን፡ ብኸም ዝበለ ፈተና ዚሓልፍ፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ቝጽሪዩ። እግዚአብሔር ዝሃቦ ውልቀ ሰብን ህዝብን ኸኣ በዚ ፈተና ናይ ምሕላፍ ክብርን ዕድልን ዚረክብ። ብኸም ዝዓይነቱ ፈተና ኣይሓለፍካን ማለት ግና፡ ናይ እምነት ፈተና ኣየጋጠመካን ማለት ኣይኰነን። ግደ ሓቂ፡ ኣብ ዓለምዚኣ ዚነብር ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣብ ዘየቋርጽ ናይ እምነት ፈተና ዚነብር። መዋጽኦ ዘይብሉ ደኣ ኣይኰነንምበር፡ በቲ እኩይ ድያብሎስ ተታሒዛ ኣብ ዘላ እክይቲ ዓለም ብህይወት ምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና (ገላ 13,4 1ዮሃ 59) ታኼላ ሓጢኣት ኣብ ዝዀነት ዓለም እናነበርካ፡ናይ እምነት ፈተና የብለይንኢልካ ምሕሳብ፡ ንኽትገልጾ ዜሸግር ድኹም ኣተሓሳስባዩ። ናይ ዝሙት፡ ስሰዐ፡ ቍጥዓ፡ ሓሶት፡ ቂምታ፡ ቅንኣት፡ ባእሲ፡ ሕምየት፡ ጸርፊ፡ ትዕቢት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ ሓጢኣት ክትፍጽሞ ዚድርኽ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎኮ፡ ከቢድ ናይ እምነት ፈተና ገጢሙካ ኣሎ ማለት (ሮሜ 128-29 ገላ 519-21) ምስ መዋስብትኻ፡ ምስ ውሉድካን ወላዲኻን፡ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን፡ ምስ ኣስራሒኻን ስራሕተኛኻን፡ ምስ ናይ ስጋን ናይ መውስቦን ኣዝማድካ ወዘተ እትነብሮ ናብራ፡ እትዛረቦ ዘረባ፡ እትገብሮ ግብሪ፡ ብምሉኡ ናይ እምነት ጕዳይምበር ናይ ማሕበራዊ ናብራ ጕዳይ ጥራሕ ኣይኰነን። ሓቂ መሪራትካ ወይ ኣፍሪሃትካ፡ ሓሶት ክትዛረብ ምስ መረጽካ፡ ኣብ ናይ እምነት ፈተና ኸቢድ ስዕረት ከም ዝተሰዓርካ ፈጺምካ ኣይትስሓቶ። ቀረባኻ ብዝዀነ ሰብ ንዝወረደካ በደል፡ ብልዑል ትዕግስትን ምሕረትን እንተ ተዋሳእካ፡ ኣብ ናይ እምነት ፈተናኻ ብዓወት ዝወጻእካ ናይ ኣምላኽ ጅግና ኢኻ። ብኣንጻሩ ጥቓ ሓዊ ኸም ዝቐረበ ነዳዲ፡ ብቝጥዓ ተቓጺልካ፡ ብጽልኢ ኽሒንካ፡ ብቒምታ ሓሪርካ እንተ ተረፍካ ግን፡ ኣብ ናይ እምነት ገድሊ ብዜሕፍርን ዜፍርድን ስዕረት ስለ ዝተዋረድካ፡ ድራር ገሃነምምበር ወራስ ክብሪ ናይ ምዃን ዕድል ኣይክትረክብን ኢኻ። ስለ ኣብ ዓለምዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ኣብ ዘየቋርጽ ናይ እምነት ፈተና ንነብር ከም ዘለና፡ ንሓንቲ ኻልኢት ኽንዝንግዖ ኣይግብኣናንዩ። ኣብ ዘየቋርጽ ፈተና ዘይዕወት ክርስትያን፡ ኣብ ብማእሰርትን ብሓለንግን ዚግበር ናይ እምነት ፈተና ኺዕወት ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ድሮ ወዲቑስ ሓመድ ተነጺፉ ንዝጸንሓካ ሰብ፡ ከተውድቖ ኢልካ ምግዳል ከንቱዩ። ኣብ ማሕበራዊ ናይ እምነት ፈተና ተሳዒሩ ንዝወደቐ ክርስትያን፡ ብናይ እምነት መከራ ምፍታን፡ ሰይጣን ፈጺሙ ዘይውዕሎ ከንቱ ሃልኪዩ።

ኣርእስትና ብዛዕባ ብፈተናኻ ምሕጓስ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ስለ እቲ ብሱል ክርስትያን፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ናይ እምነት ፈተናታትውን ወርትግ ሕጉስዩ። ብመዋስብቱ ኺብደል ከሎ፡ ብትዕግስቲ ስለ ዚስዕሮ ይሕጐስ። ናይ ዝሙት ፈተና ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ቅድስናኡ ዜግህደሉ ዕድል ስለ ዝረኸበ ይሕጐስ፡። ብቒምታ ዜሕርር በደል ኪዘንቦ ኸሎ፡ ምሕረት ዚምኮረሉ መድረኽ ስለ ዝተዳለወሉ፡ ይሕጐስ ንኣምላኹውን የመስግን።ብምሕረት ሃብታም ምእንቲ ክኸውንሲ፡ መመሊሶም እንተ ዚብድሉኒኢሉ ኣይምነይንዩ። ምኽንያቱ እቲ በደል ነቶም ፈጸምቱ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኪምጥዎምዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ግን ዜሐጕስምበር፡ ዜጕህይ ምኽንያት የብሉን።

ፈተና ዝበጽሖ ዅሉ ሰብ ግን ኪሕጐስ ይግብኦ ድዩ፧ በቲ ፈተናዶ በቲ ውጽኢት ኢና እንሕጐስ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝገለጽናዮ፡ ረብሓ ፈተና ዜሐጕሰና። ስለ በቲ ፈተና ወጽዓምበር፡ ረብሓ እንተ ዘይረኺብካ ንምንታይ ኽትሕጐስ ኢኻ፧ ብዛዕባ ዝገጠመና ፈተና ብጓሂ ኽንሓርር ዚገብረናኮ፡ በቲ ፈተና ተሳዒርና ስለ ንወድቕዩ። በቲ ዘየቋርጽ ፈተና ዅሉ ጊዜ ንወድቕ እንተ ዄንና፡ መንፈሳዊ ህይወትና ብናይ ሓጢኣት በሰላ ዝተደወነ መርኣዪ ዘይብሉ ዚኸውን። እቲ ንዝመጾ ዅሉ ፈተና ዚዕወተሉ ግን፡ ብጽድቂ ዜጌጸ ተበሃጊ ህይወት ዘለዎ። ናይጀርያውያን፡ሓደ ሰብብልሂዚበሃል፡ በቲ ዝተደርበየሉ ኣእማን፡ መጽለሊ ዚዀኖ ገዛ ምስ ዚሰርሕዚብል ብሂል ኣለዎም ይበሃል። እቲ በቲ እምኒ ኺጕዳእን፡ ተመሊሱ ናብቶም ዝደርበዩሉ ኺድርብዮ ዚነብርን ግን ብርግጽ ዓሻ ሰብዩ። እቲ ንፈተናኡ ብዓወት ዚዛዝሞ ግና፡ ብጹእን ካብ ሰዓርቲውን ዚበልጽንሞ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ኪሕጐስ ዚግብኦዩ።

ተፈቲኑ ምስ (ተዓወተ) ነቲ እግዚአብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበልሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእዩ።ያእ 112

ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መንዩ፧ ከመዮምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርናዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ መከራዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥምየትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ድንገትዶ ወይስ ሞት፧ እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ (ፈተናታት) በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብቶም ዝሰዓሩ ኣዚና ንበልጽ ኢና። ስለ ሞት ኰነ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ዚመጽእ ወይ ሓይልታት፡ ላዕለዋይ ኰነ ታሕተዋይ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣለኹ።ሮሜ 835-39 .

እቲ ኣብ ጊዜ ፈተና ኣዝዩ ዜሐጕሰና ኻልእ ነጥቢ ኸኣ እግዚአብሔር ምሳና ዚዀነሉን፡ እሙንነቱ፡ ሕያውነቱ፡ ኰነ ኻልእ ዅሉ ባህርያቱ ዚገልጸሉ ዝኸበረ ወቕቲ ምዃኑ (1ቈረ 1013 ኢሳ 418-16 431,2 ኤር 118,19)

እምበኣር፡ ምልስ ኢልና ንሕሉፍ ናይ እምነት ፈተናታትና ብኸመይ ከም ዝሰገርናዮም ንመርምር። ብዓወትዶ ብፍሽለት፡ ብሓጐስዶ ብጓሂ ሰጊርናዮም ንኸውን፧ ፈተና፡ ልክዕ ከም መሳልል (ኣስካላ)’ዩ። ከም ምርጫኻ፡ ክትድይበሉ ወይ ክትወርደሉ ትኽእል ኢኻ። ፈተናታትና እንተ ተዓዊትናሎም ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ክብርን ዜደይቡ መሳልል ኪዀኑልናዮም። እንተ ተሳዒርናሎም ግን ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ሓዘንን ኪነቝቱናዮም። ስለ በቶም ሰይጣን ዚድርብየልና ፈተናታት ነባሪ ናይ ሓጐስ ቤት ንህነጽ። ናይ ሓጐስን ናይ ክብርን መንግስቲ ንውረስምበር፡ ንፈተናታትና ኣይንኽሰሮም!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ጥቅምት 27, 2015 ግዕዝ (6 ሕዳር 2022 ፈ  [9ይ ሰንበት: ቊ.12/፲፪])

ምስባክ

መዝ 1()3

ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙኃዘ ማይ። እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ። ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።

ንሱ ኸም ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 11-11

ዲያቆን

ያእ 11-12

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 287-17

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 1222-34

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div