S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅኑዕ ተኣዝዞ [8ይ ሰንበት: ቊ.11/፲፩, 2022 ]

ጸዊዖም ድማ፡ ብስም ኢየሱስ ንሓደ (ወንጌል) ከይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ንሕናስ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናንሞ፡ ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱበልዎም።ግብ 418-20

እዚ ሰንበት ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዘመነ-ጽጌዩ። ነዚ ዕለት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር-ሰንበት ድማበጊዜሁ ኀለፈ ክረምት” (ክረምቲ ብግዚኡ ሓለፈ) ዘርእስቱዩ። ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ ናይ ግብ 43-ፍጻመ ንባብዩ። ክረምቲ፡ ንዘራእቲ ናብ ፍረ ኣብጺሕዎ ዚኸይድ። ሰብን ዘራእትን ድማ ዓብይ ምምስሳል ኣለዎም። ጐይታና ኣዘውቲሩ ብዛዕባ ኣእዋምን ዘራእትን ዚገልጹ ምስላታትን ኣስተምህሮታትን ዚጥቀመሉ ዝነበረ ምኽንያት ከኣ ንሱ (ማቴ 13:3-9 ሉቃ 3:9) ንርእሱ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ዮሃ 434-49) ብዛዕባ ቀውዕን ፍርያቱን ዚዛረብዩ። ኣብ ንባብ ጐይታና ከም ምግቡ ዚቘጽሮ፡ እቲ ንጊዚኡ ኣገልጊሉ ንደገ ዚኸይድ ምግቢ-ስጋ ዘይኰነስ፡ ንፍቓድ ኣቦኡ ምእዛዝ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ንሕና ግን ምእዛዝ ከም መሰረታዊ ድልየትና፡ ከም ምግብና ዘይኰነስ፡ ሓሞት ኪሰትይ ከም ዝተኣዘዘ ሰብ ዓቕልና ዜጽብበልና። እቲ ናይ ዕለት ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክውን፡ ናይ ሓደ ጻድቕ ሰብ ህይወት ከም ናይ ስየ ልምላመ፡ ከም ናይ ጽሕዲ ሊባኖስ ዕብየት ከም ዜርእይ ዚገልጽዩ። ኣትክልቲ፡ በቝጽልቶምን ብፍሪኦምንዮም ልምላመኦምን ህያውነቶምን ዜርእዩ። ሓደ ሰብ ከም ዝጸደቐ ዚረጋገጽ ድማ ንፍቓድ ርእሱ ገዲፉ ንፍቓድ ኣምላኽ ኪግዛእን፡ በቲ ናይ ምእዛዝ ባህርዩ ድማ እናዓበየ ኪኸይድ ከሎንዩ። እቶም ነዚ ዘስተውዓሉ ኣቦታትና ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ኣብ መጋባእያ ናይቶም ጨካናት ዋዕላ ኣይሁድ ደው ኢሎም፡ ነዚ ሓቂ ተኣሚኖምዮም። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኪሓድግዎን ኪበዅሩሉን ዘይክእሉ ተልእኾ ህይወቶም ምዃኑ ብትብዓት ገሊጾም ኣለዉ። ዝዀነ ዓይነት ምፍርራህ ኰነ ስጕምቲ ንኣምላኽ ካብ ምእዛዝ ኪዓግቶም ከም ዘይክእል ብምግላጽ ዘይሃስስ ኣርኣያ ሓደጉልና። እዚ ኣገላልጻ ምስ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ ጐይታ ኣገላልጻ ምሉእ ስኒት ዘለዎዩ። እምበኣር ቅኑዕ ተኣዝዞ፡ ትእምርቲ (ምልክት) ናይ መንፈሳዊ ልምላመናን ዕብየትናን፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ምግብናን ናይ ህይወት ተልእኾናን ምዃኑ ምእንቲ ኸነስተውዕሎን ከነተግብሮን፡ እዚ ናይ ዕለት ኣርእስቲ ተሰሪዑልና ኣሎ።

ቅኑዕ ተኣዝዞ እንታይ ማለትዩ፧ ዘይቅኑዕ ተኣዝዞኸ ኣሎ ማለት ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ። ቅዱሳን ሃዋርያት ነቲ ቕኑዕን ዘይቅኑዕን ተኣዝዞ ንምንጻርዮም ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ዝተዛረቡ። ነዞም ኣቦታትና ሃዋርያት ክልተ ዓይነት ትእዛዝ ዝተዋህቦም። ክልተ ንሓድሕዶም ዚገራጨዉ ትእዛዛት ከኣዮም። እቲ ዝዓበየን ቀዳማይን ትእዛዝ፡ እቲ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህቦም፡ ወንጌል ንዅሉ ሰብ ናይ ምስባኽን መሰኻኽሩ ናይ ምዃንን ትእዛዝዩ። እቲ ኻልኣይ ትእዛዝ ድማ በቶም ኣብ ሃገር ዓብዪ ስልጣን ዝነበሮም ዋዕላ ወይ ባይቶ ኣይሁድ ዝተዋህበ ናይ ሰብ ትእዛዝዩ። ነዞም ቅዱሳት ሃዋርያት ዝገጠሞም ከቢድ ፈተና፡ እቲ ብኣምላኽን ብሰብን ዝተዋህቦም ትእዛዛት ንሓድሕዱ ዚጋጨው ተጻራሪ ትእዛዛት ምዃኑዩ። ትእዛዝ ጐይታኪዱ ንገሩ፡ ኪዱ መስክሩዚብል ኪኸውን ከሎ፡ ትእዛዝ ዋዕላ ኣይሁድ ድማ፡ንሓደ ኸይትነግሩን ከይትምህሩንዚብልዩ። ልቦናን መንፈሳውነትን ናይ ትእዛዝ ዝተቐበለ ሰብ፡ ኣብ ከም ዝበለ ፈታንን ኣዋጣርን ህሞት ዚገሃድ። ጐይታና ንኸም ዘመሰለ ፈታኒ ዅነታት ዚምልከት ግሩም ቃል ነጊሩና ኣሎ።

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምንዩ።ማቴ 624 (ሉቃ 1613)

ኣብ ደኣ ብዛዕባ ኣምላኽን ገንዘብን ተዛሪቡምበር፡ ነቲገንዘብዚብል ቃል፡ሰብወይውንሰይጣንኢልካ ኽትሓስበሉ ይከኣልዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ነቦታትና ሃዋርያት ገጢማቶም ዝነበረት ፈተና፡ ናይ ገንዘብ ጕዳይ የብላን። ናይ ሰብን ናይ ሃይማኖትን ጕዳይ ጥራሕ ዘለዋ። ስለ ንትእዛዝ ናይ ዋዕላ ኣይሁድ ኪእዘዙ እንተ መሪጾም፡ ንሰብ ፈትዮም ንኣምላኽ ጸሊኦም፡ ወይ ከኣ ንሰብ ፈሪሆም ንኣምላኽ ንዒቖም ኣለዉ ማለትዩ። ስለ ናይ ምእዛዝን ዘይምእዛዝን ጕዳይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካልእ ዝዓበየን ዝኸበደን መልእኽቲ ዘለዋ ጕዳይውን ትኸውን ኣላ። ነቲ ጕዳይ ብኸም ኣስፊሕካን ኣዕሚቝካን እንተ ዘይርኢኻዮ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታን ስጕምትን ገጹ ኼጽድፈካ ይኽእልዩ። ንሰባት ፈሪህካ ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ትእዛዝ እንተ ኣፍሪስካዮሞ፡ ነቲ ወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኾኻ እንተ ገዲፍካዮ፡ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ እትፍረደሉ ገበን፡ንኣምላኽ ምጽላእን ምንዓቕንድማምበር፡ ምእዛዝ ወይ ዘይምእዛዝ ጥራሕ ኣይከውንንዩ። እምበኣር፡ እቲቕኑዕ ተኣዝዞዚበሃል፡ ንሰብ ዘይኰነ ንኣምላኽ ምእዛዝዩ።ዘይቅኑዕ ተኣዝዞዚበሃል ድማ፡ ንኣምላኽ ገዲፍካ ንሰብ ምእዛዝዩ።

ንምንታይ ኢና ንሰብ ዘይኰነ ንኣምላኽ ክንእዘዝ ዚግብኣና፧ እዚ ሕቶዚ፡ ብደጋዊ ትርኢቱ፡ እምብዛ መባእታዊ ኺመስል ይኽእልዩ። ብግብሪ ግን እምብዛ ዓብይን ከቢድን ሕቶዩ። ምኽንያቱ ነዛ ሕቶዚኣ ዚኸውን ብቑዕ መልሲ ስለ ዘይብልና ኢና፡ ባሮት ሰብን ጸላእቲ ኣምላኽን ኴንና ኽንነብር ዚገብረና ዘሎ። ኣብ መልሓስና ኣምላኽ ካብ ሰብ ከም ዚዓብይ እንተ ተኣመንና፡ ኣብ ናብራና ግንሰብ ካብ ኣምላኽ ይዓብይብዚብል መርገጺ ኢና ንነብር። ዝዀነ ነገር ክንውስንን ክንገብርን ከለና፡ሰብ እንታይ ኰን ይብለኒ፧እምበር፡ኣምላኽ እንታይ ኰን ይብለኒዚብል ሓሳብ ኣይቅልቀለናንዩ። ስለ ክንዝምው፡ ክንሰርቕ፡ ክንቀትል፡ ሰባት ከነካፍእ ከለና፡ ካብ ዓይኒ ሰብ ክንሕባእ ዚከኣለና ዅሉ ጻዕሪ ንገብር። እቲ ንሕና ዘይንርእዮ ኣምላኽ፡ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ይርእየናን ይሰምዓናን ከም ዘሎ ግና፡ ፈቲና ንርስዖ ወይ ፈቲና ንኽሕዶ ማለትዩ። ሰብ እንተ ረኣየናኳ፡ ኣብ ልዕሌና ኺገብሮ ዚኽእል ኣዝዩ ንእሽቶን ጊዝያውንዩ። እምብዛ እንተ ተጠንቂቕናስ፡ ዋላ ዕድመና ምሉእ ከይተረኣናን ከይተፈለጥናን ክንነብር ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ግና ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽዩ። ዝገበርና እንተ ገበርና ካብኡ ኽንሕባእ፡ ከነምልጥ፡ ከነታልሎ፡ ክንጥብሮ ኣይከኣልንዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ኺርሳዕ ኣይግብኦንዩ። ስለ ብዛዕባ ሓጢኣትካ፡ ብዅሉ ከኣልነቱን ብዘለኣለማውነቱን፡ ዝኸበደን ናይ ዘለኣለምን ፍርዲ ኼውርደልካ ይኽእልዩ። ስለ ኽልተ ተጻራሪ ትእዛዛት ካብ ክልተ ተጻረርቲ ኣካላት ኪመጻካ ኸሎ፡ ነየናይ ክትእዘዝ ከም ዚግብኣካ ርዱእዩ። ጐይታና ነዚ ሓቂ ምእንቲ ኼብርሃልና፡

ነቲ ንነፍስን ስጋን ኣብ ገሃንም ኬጥፍእ ዚከኣሎ (ኣምላኽ) ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎምበር፡ ነቶም ንስጋ (ጥራሕ) ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም (ሰባት) ኣይትፍርህዎም።

ኢሉ መሃረና (ማቴ 1028) እዚ ኣበሃህላ ንተኣዝዞና ብዚምልከት፡ ንሰልጣንን ሓይልን ናይ ዝኣዘዘ ኣካል ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነ ኽንውስን ከም ዚግብኣና ዜመልክተናዩ። ሰብ እንተ ሓሰመ  ኣብ ሰብነትና ጥራሕ ኺስልጥን ዚኽእል። ንሳውን መስፈር ሓጢኣቱ ምእንቲ ኺመልእ እግዚአብሔር እንተ ፈቒዱሉ ጥራሕምበር፡ ካብ ጸጕሪ ርእስና ሓንቲ ኼውድቕ ስልጣንን ዓቕምን የብሉን። እግዚአብሔር ግን ኣብ ስጋና ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ነፍስናውን፡ ኣብ ዓለምዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ እትመጽእ ዓለም ኣብ ገሃነምውን፡ ንሕጂ ጥራሕ ዘይኰነ ንዘለኣለምውን፡ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ፡ መባእታዊ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣጸቢቕና እንኣምነሉ ምሉእ ርድኢት ኪህልወና ይግባእ። ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን፡ ነቲ ኸነልዕሎ ዚግብኣና ዜርብሓና ምርጫ ኣመልኪቶምናዮም።

ስለ ተቢዕና፡እግዚአብሔር ረዳእየይዩ፡ ኣይክፈርህንየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒንበል።እብ 136 (መዝ 1186,8,9)

ኣነ፡ ኣነ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብ መዋቲ ሰብ ካብ ኸም ሳዕሪ ዚሓልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ፧ ነቲ ንሰማያት ዝገተረ፡ ንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚአብሔር ረሳዕካዮ። ኵሉ ጊዜ፡ ኵሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ ናይ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ (ሰብ) ትፈርህ ኣለኻ፡ ነድሪ ናይ ገፋዒ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧”  ኢሳ 5112,13

በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል።...ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፡ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ።መዝ 563,4,11

እግዚአብሔር ብርሃነይን ምድሓነይንዩ፡ ካብ መን ደኣ ዝፈርህ፧ እግዚአብሔር ሓይሊ ሓይሊ ህይወተይዩ፡ ካብ መንከ ዝስምብድ፧ ......... ኪቃወመኒ ኢሉ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር ልበይ ኣይፈርህንዩ። ኲናትውን እንተ ዚለዓለኒ፡ እምነት ኣሎኒ።” 271,3

ስለ ንኣምላኽ ጥራሕምበር ንሰብ ፈጺምና ኽንእዘዝ ኣይግብኣናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልናን። ንሰብ ክንእዘዝ ግቡእናን ሓላፍነትናንዩ። እቲ ንኣምላኽ ምእዛዝ፡ ኣብ ንሰብ ምእዛዝ ኢና እንረኽቦን እንዕወተሉን። ስለ ኸኣ፡ብፍርሃት ክርስቶስ ንሓድሕድኩም እዙዛት ኩኑዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተዋህበና (ኤፌ 52 .) ንሓድሕድና ዘይንተኣዛዘዝ እንተ ዄንናሞ፡ እቲ ህይወትና ምስ ናብራ ዘይቍጸር፡ ኣቦኡ ዘፍለጠ ውግእ ኪኸውን።

እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ክንእዘዞ ዚግብኣናን ክንእዘዞ ዘይግብኣናን፡ ናይ ሰብ ትእዛዛት ኣሎ ማለትዩ። ብዝሒ ትእዛዛትና ኽንዲ ብዝሒ ሰብና ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሰብ ኪህቦ ዚኽእል ዓይነት ናይ ትእዛዛት ንዅሉ ኽንዝርዝሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ ነቲ ምስ ትእዛዛት ኣምላኽ ዘይጋጨው ዝዀነ ዅሉ ትእዛዛት ሰብ ክንእዘዞ ይግብኣና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ግዴታናዩ። ልዕል ኢልና ኣብ ዘንበብናዮ ጥቕሲ ከም ዝረኣናዮ፡ ንሓድሕድና ኽንተኣዛዘዝ ከለና፡ ብፍርሃት ሰብ ተደሪኽና ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ኽንገብሮ ዚግባእ። ንሰብ ክንእዘዝ እግዚአብሔር ዘይደልይ እንተ ዚኸውን፡ ብናቱ ፍርሃት ተደሪኽና ኽንገብሮ ኣይምኣዘዘናን ነይሩ። ስለ ብቕኑዕ ተኣዝዞ ኽንመላለስ እንተ ዄንና፡ ነቲ ብሰብ ዝተዋህበና ትእዛዝ ቅድሚ ምፍጻምና፡ መጀመርታ ብዓይኒ ትእዛዝ ኣምላኽ ክንጥምቶን ክንምርምሮን ይግብኣና። ምስ ትእዛዝ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ምስ ዚኸውን፡ ከይተማታእናን ከየመሳመስናን ንምፍጻሙ ኽንፈጥን ይግባእ። ምስ ትእዛዝ ኣምላኽ ዚቃረን ምስ ዚኸውን ግና፡ ብድርቅናን ብድፍረትን ዘይኰነ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና፡ ንኽብሪ ናይ ዚእዝዝ ዘሎ ሰብ ከይገሃስና፡ ብትሕትና፡ምስ ትእዛዝ ኣምላኽ ዚቃረን ስለ ዝዀነ ኽገብሮ ፍቓደኛ ኣይኰንኩን፡ዚብል ምቕሉልን መንፈሳውነት ዝመልኦን መልሲ ብምሃብ ክንነጽጎ ይግባእ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ኣቦታትና ሃዋርያት ነቶም ዘይግባእ ትእዛዝ ዝሃብዎም ሰባት ኣይደፈርዎምን። ብኣንጻሩ ነቲ ዝደንዘዘ ሕልናኦም ዜበራብር ውርዙይን መሃርን መልሲ ደኣ ሃብዎም። እቲ ዚእዝዝ ዘሎ ሰብ ወላዲኻ፡ መዋስብትኻ፡ ሓላፊኻ፡ መሳርሕትኻ፡ መራሕ ሃገር፡ መራሕ ሃይማኖትካ ኪኸውን ይኽእልዩ። ዝዀነ ዓይነት ሰብ እንተ ዀነ ብዘየገድስ፡ ካብ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ኣይዓብይንዩ። ንትእዛዙ እነኽብሮ፡ ምስ ትእዛዝ ኣምላኽ ዚቃደው ክሳዕ ዝዀነ ጥራሕዩ።

ኣዳም ናብ ሓጢኣት ዝወደቐ፡ ነቲ ምስ ትእዛዝ ኣምላኽ ዚቃረን ትእዛዝ ሄዋን ስለ ዘኽበረዩ። እግዚአብሔር ድማ በዚ ተግባሩ ዝነቐፎን ዝረገሞን (ዘፍ 317) ያእቆብ፡ ነቲ ናይ ኣዲኡ ርብቃ፡ ነቦኡ ብምትላል ምርቓ ናይ ሓዉ ኺሰርቕ ዝሃበቶ ሕማቕ ምኽሪ ብምፍጻሙ ንእግዚአብሔር ስለ ዝበደለ፡ ጓሳ ዓሰባ ዀይኑ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ብውርደትን ጸበባን ሓለፈ (ዘፍ 271-45) ኣቦና ኣብርሃም፡ ንትእዛዝ ሰበይቱ ሳራ ሰሚዑ ምስ ትእዛዝ ኣምላኽ ዚቃረን ምስ ኣጋር ዝሙት ፈጺሙ ድቓላ ወዲ ወለደ። እቲ በዚ ዝጐሃየ እግዚአብሔር ከኣ ንዓሰርተው ሰለስተ ዓመታት ዚኣክል ኣይተዛረቦን፡ ኣይተገልጸሉን ከኣ። ዘርኢ ናይ ዝተወልደ ድቓላ ውሉድ ድማ ነቲ ዘርኢ ተስፋ ዝዀነ ወዱን ዓሌቱን ክሳዕ ሕጂ ጸላእቱ ዀይኖም ይነብሩ ኣለዉ (ዘፍ 161-6,16 171) እቲ ናብ ንጉስ የሮብዓም ዝተላእከ ናይ ኣምላኽ ሰብ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍሪሱ፡ ትእዛዝ ሰብ ስለ ዘኽበረ ዝረኸቦ መዓት ኣብ 1ነገ 131-30 ተተሪኹልና ኣሎ።

ብኣንጻሩ፡ እቶም እሙናትን ብቑዓትን ሹማምንቲ መንግስቲ ባቢሎን ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣይሁዳውያን መንእሰያት፡ በቶም ጨካናት ነገስታት ባቢሎንን ሜዶ-ፋርስን ንጣኦታዊ ሓወልቲ ኺሰግዱ ጽኑዕ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም፡ ምስ ትእዛዝ ኣምላኾም ዚጋጨው ትእዛዝ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ብዅሉ ዚእዘዝዎም ዝነበሩ ነገስታትኣይንእዘዝን፡ ኣይንሰግድንኢሎም ኣቕበጽዎም። ናብ ሓውን ናብ ጕድጓድ ኣናብስን ድማ ተደርበዩ። እንተ ዀነ፡ እግዚአብሔር ካብ ሃልሃልታ ሓውን ኣፍ ኣናብስን ኣድሒኑ፡ ኣብ ማእከል ኣረማውያን ኣህዛብ ንስሙ ኣኽበረ (ዳን 31-27 61-28) ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ትብዓት ናይቶም ሰለስተ መንእሰያትን፡ ናይ ልዑል ኣምላኽ ግብሪ ምድሓንን ምስ ረኣየ፡ ብኸም ዚስዕብ መስተንክር ምስክርነት ሃበ።

እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም (ንእኡ ተኣዚዞም) ትእዛዝ ንጉስ (ምፍጻም) ኣበዩ። ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ።ዳን 328

ስለ ህይወትካ መስዋእቲ ኽሳዕ ምግባር፡ ንትእዛዝ ኣምላኽ ክትውፍየሉ ኸም ዚግባእ እዞም ቅዱሳን መንእሰያት ዘይሃስስ ኣርኣያ ሂቦምና ኣለዉ።

ኣብ ዘመን ናይ ዓለወኛ ንጉስ፡ ሳኦል፡ ካልእ ድሙቕ ኣርኣያ ዝገደፉልና፡ ዓቀይቶት ናይ ንጉስውን ኣለዉ።ንዳዊት ተሓባቢርኩምዎብምባል ንሰማንያ ኤፎድ ዝተዓጥቁ ካህናት ኪቐትልዎም ንወተሃደራቱ ምስ ኣዘዞም፡ እቶም ወተሃደራትኣይንገብርንኢሎም። ነቲ ኪቐትሎም ስልጣን ዝነበሮ ንጉስ ኣቕበጽዎ። ነቲ ናይ ሰማይ ንጉስ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሁዮም፡ ንትእዛዝ ንጉሶም ዝገሃስዎ። እቲ ነቶም ካህናት ዝሓሰወሎም ዘይእስራኤላዊ (ኤዶማዊ) ወተሃደር፡ ነቶም ካህናት ኪቐትሎም ሳኦል ምስ ኣዘዞ ግን፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣረማዊ ስለ ዝነበረ፡ ንሰማንያ ካህናት ብሓንቲ ሴፍ ኣብ ሓደ እዋን ኣጽነቶም (1ሳሙ 2217,18) ዜሕዝንን ዜሕፍርን ትዕድልትና ዀይኑ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ትእዛዝ ሰብን መንግስትን ምእንቲ ኬኽብሩ ንትእዛዝ ኣምላኽን ሕጊ ቤተ ክርስትያንን ኣፍሪሶም፡ ንገዛእ ፓትርያርኮምን ኣቦኦምን ብዜውግዙን ብዚቐትሉን ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናትን ትምራሕ ኣላ። መዘዝ ናይ ኣነዋሪ ዕልወትን ክሕደትን ሕጂውን ይድህከና እንተሎ፡ ንመጻኢ ዓመታትናን ወለዶታትናን ተዓቝሩ ዘሎ መዓት ድማ እግዚአብሔር ጥራሕ ዚፈልጦ።

እቲ ንሰብ እንፍጽሞ ቅኑዕ ተኣዝዞ፡ ንኣምላኽ ከም ምእዛዝ ዚቝጸረልና፡ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ እንተ ተኣዘዝናዩ፧ ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን፡ ነዚ ምስጢር ቅዱሳን ሃዋርያት ብብሩህን ዘየወላውልን መገዲ ኣብሪሆምልናዮም። እዚ ናይ ተኣዝዞ ኣገባብ ኣብ ኵሉ ዓይነት ዝምድናታት ዚሰርሕ ውጽኢታዊ ኣገባብዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።ኤፌ 522 (ቈሎ 318)

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቅኑዕሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።ኤፌ 61

ኣቱም ውሉድ፡ ንጐይታ ባህ ዜብሎ ንሱሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።ቈሎ 320 .

ኣቱም ግዙኣት (ኣቱም ሰራሕተኛታት) ነቶም ብስጋ ጐይተትኩምሲ . . .ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም። ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም፡ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርአ ኣይኰነን። ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም፡ ብፍታው ተገዝእዎም። ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ ሰናይ ዝገበረ (ዝተኣዘዘ) ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎ ፍለጡ።” ኤፌ 65-8

ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርአ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚአብሔር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘለኹም።ቈሎ 322-24

ካብ ሃዋርያውን ህያውን ቃል ኸም እንርድኦምበኣር፡ ዋላ ንኸማና ሰብ እንእዘዞ ምእዛዝ፡ ልክዕ ከም ንክርስቶስ ክንእዘዞ ኸለና እንገብሮ ጌርና ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ኽንገብሮ ዚግባእ። በዚ ኣገባብ እንተ ዘይፈጸምናዮ፡ እቲ ምእዛዝና ከም ዘይምእዛዝ ዚቝጸረልና። ምኽንያቱ ምእንቲ ሰብ ኢልካ ዚግበር ናይ ገጽ-ርአ ተኣዝዞ፡ ጐደሎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ክብሪ ዘይብሉ ፈኲስ ተግባርዩ። ምእንቲ ጐይታ ኢልናን ንጐይታ ኸም ዚበቅዕ ጌርናን ስለ ዘይንገብሮ፡ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ዓይነት ጻማ ኣይንረኽበሉን ኢና። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ፡ ከም ሓጢኣት ዚቝጸረልና። ምኽንያቱ ዅሉ ሰናይ ተግባር፡ ንእኡን ምእንትኡን ኢልካ ኺግበር እናተገብኦ፡ ንሰብ ኢልካ እንተ ገበርካዮ፡ካብ ኣምላኽ ሰብ ይዓብይዝመልእኽቱ እኩይ ተግባር ዚኸውን። ስለ ንሓደ ተግባርቅኑዕ ተኣዝዞዚገብሮ ብዓይነት ናይ ተግባር ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብድርኺቱን (ምእንቲ መን ኢልካ ትገብሮን) ብብቕዓቱን (ንመን ከም ዚበቅዕ ጌርካ ትገብሮን) ድማዩ። እቲ ምእንቲ ጐይታ ኢሉን ንጐይታ ኸም ዚበቅዕ ገይሩን ንሰብ ዚእዘዝ፡ ንሰብን ንጐይታን የሐጕሶም። እቲ ምእንቲ ሰብ ኢሉ ጥራሕ ዚገብር ግን፡ ምናልባት ነቲ ሰብ ኬሐጕሶ ይኽእል ይኸውን ነቲ ዝነዓቖ ጐይታ ግን ኬሐጕሶ ፈጺሙ ኣይክእልንዩ። ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ዝምድናታትና ዚበላሸወናን ዚበታተኸናን ዘሎ፡ ካብ ኵሉ ተግባራትና ንኣምላኽ ስለ ዘግለልናዮዩ። ኵሉ ተግባርና ንጐይታ ኢልና ንገብር እንተ ንኸውን፡ ሓዳርና ናይ ጽድቂ ሓዳር፡ ቤትና ድማ ኣምላኽ ዚኸብረላ ቤተ ክርስትያን ምዀነት። ስራሕናውን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምዀነልና ነይሩ። ንኣምላኽ ዘየማእከለ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዘይትነብሮ ናብራ፡ ስጋዊ ናብራ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰይጣናዊ ናብራ ዚኸውን። እምበኣር ኣብ ኵሉ ተግባራትናን ዝምድናታትናን፡ ኵሉ ጊዜ ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ኣገዳስቲ ሕቶታት እናሓተትና ንዋሳእ።

1. እዚ ዝገብሮን ዝብሎን ዝዀኖን ዘለኹ ብርግጽ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ድዩ፧

2. ምእንቲ ኣምላኽ ኢለ ድየ ዝገብሮ ዘለኹ፧

3. ንኣምላኽ ከም ዝበቅዕ ገይረዶኸ እገብሮ ኣለኹ፧

ነዘን ሕቶታትዚኣተን እወታዊ መልሲ ምስ ዚህልወና፡ ብርግጽ ኣብቅኑዕዚበሃል ናይ ኣምላኽ መስመር ቌምና ኸም ዘለና ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ርጉጽ ሓቂዩ። ነዚ ዝዓይነቱ ህይወት ካብ እዋንዚኣ ጀሚርና ንንበሮ። ከምኡ እንተ ገበርና ኣብ ማእከል ንኣምላኽ ብዜሰክሕ ርኽሰት ዚመላለስ ዘሎ ዘማውን ቄናንን ዓለወኛን ወለዶ ኣበር ዘይብሎም ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን ክንከውን ኢና። እምበኣር ምርጫና ነጸብቕ። ቅኑዕ ናብራ ናይ ቅኑዕ ምርጫ ውጽኢትዩ። እግዚአብሔር ናይ ነጻ ምርጫ መሰል ብምሃብ ኣኽቢሩናሞ፡ ነቲ ቕኑዕ ብምምራጽ ክብርና ንሓልው!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ጥቅምት 20, 2015 ግዕዝ (30 ጥቅምቲ 2022 ፈ  [8ይ ሰንበት: ቊ.11/፲፩])

ምስባክ

መዝ 91()፡12-13

መዝ 91፡ 12,13 “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ።  ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ። ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።”

“ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብይ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።”

ንባባት

ኣንባቢ

 

እብ 41-11

ዲያቆን

ያእ 25-14

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 431-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 434-42

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div