S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍራህ’ምበር፡ ኣይትተዓበይ! [7ይ ሰንበት: ቊ.10/፲, 2022 ]

ምናልባሽ ንስኻ፡ኣነ ምእንቲ ኽትከልዮም እቶም ጨናፍር እተሰብሩ፡ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ፍራህ ደኣምበር ብልብኻ ኣይትተዓበይ። ኣምላኽ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሓፎም፡ (ብሰሪ ትዕቢትካ) ንኣኻውን ኣይኪንሕፈካንዩ።” ሮሜ 1119-21

ነዚ ናይ ዘመነ-ጽጌ ሳልሳይ ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር-ሰንበትወመኑ መሐሪ ዘከማከ” (መን ከማኻ መሓሪ) ዚብልዩ። ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ተሰሪዖም ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ሮሜ 1113-28 ንባብዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ መልእኽቲ ናብቶም ሮማውያን ኣህዛብ ዝጸሓፎዩ። እዛ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን፡ ብቕዱስ ጳውሎስ ዝቘመት ኣይነበረትን። እንተ ዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያንዚኣ ፍሉይ ጾር ይስምዖ ስለ ዝነበረ፡ ናብኣ ኪኸይድ ሓያል ድልየት ነበሮ። ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ ግና፡ ኪሰልጦ ኣይከኣለን (ሮሜ 110,11 1520-22 .) ናብ ሮሜ ዝኸደሉ ምዱብ ጊዜ፡ ብጐይታ ተሰሪዑሉ ነበረ። ጐይታና ንቄሳራት (ነገስታት) ሮማ ወንጌል ኪንገሮም መዲቡ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኺገብር ዝመረጾ ሃዋርያ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ኰነ። ብቐሊሉን ከም ዝደለኻዮን ዘይርከቡ ሰበ-ስልጣን ስለ ዝዀኑ፡ ከም እሱር ኰይኑ ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ቄሳርን ሹማምንቱን ኪቐርብ ወሰነ። ከም ኣብ ቅድሚ ራእሲ ፌሊክስን ራእሲ ፌስጦስን ንጉስ ኣግሪጳን ዝገበሮ፡ ኣብ መጋባእያ ምስ ቈመ ድማ ንቄሳርን መኳንንቱን ወንጌል መንግስቲ  ኣምላኽ ኬስምዖም መኸረ (ግብ 24-26) ተኣሲሩ ኣብ ናይ ቂሳርያ መጋባእያ ምስ ቀረበ፡ይግባይኢሉ ናብ ቄሳር ኪቐርብ ብራእይን በቲ ሽዑ ዝተኸስተ ዅነታትን ብመንፈስ ቅዱስን ዝመርሖ ድማ ጐይታና ባዕሉዩ። ቅላውዴዎስ ሊስያስ ዝተባህለ ንኢየሩሳሌም ዜመሓድር ዝነበረ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ እሱር ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ ዝነበረ ለይቲ፡ ጐይታና ብኣካል ኣብ ቅድሚ ሃዋርያ ጳውሎስ ደው ኢሉ፡

ጳውሎስ፡ ከም ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮማ ኽትምስክረለይ ይግብኣካሞ፡ ኣጆኻ።” ኢሉ፡ ናብ ሮማ ዝኸደሉ ጊዜ ኸም ዝኣኸለ ሓቢርዎ ነበረ (ግብ 2311) ኣይሁድ ብእሱሩ ኣብ ኢድ ሓለውቱ ወተሃደራት ከሎ ኪቐትልዎ ምሕሳቦምውን፡ ናብ ሮማን ናብ ቄሳርን ኪኸይድይግባይንኺብል ደራኺ-ኵነት ዝነበረ (ግብ 2312-30 251-12) ብመርከብ ናብ ሮማ እናኸደ ኸሎ ማዕበል ኪውሕጦም ምስ ደለየ ድማ፡ ጐይታና ብመልኣኹ ገይሩ፡ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻኢሉ ደጊሙ ኣረጋገጸሉ (ግብ 2723-26) ስለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ሮማን መራሕታን ኪበጽሕ፡ ጥንታዊ መደብ ናይ ልዑል ኣምላኽ ዝነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን ዝነበሮ ልዑል ግዳሰ ድማ፡ ኣካል ናይ ጥንታዊ መደብ-ኣምላኽ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ።

ስለ ገና ብኣካል ከይበጽሖምን ከይረኣዮምን ከሎ ብዙሕን ዓሚቝን ምስጢራት ዝሓዘ ሰፊሕ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። እቶም ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝዀኑ ሮማውያን ክርስትያን ነቶም ክርስትና ምቕባል ዝኣበዩ ኣይሁድ ኪምክሑሎምን ኪዕበዩሎምን ከም ዝጀመሩ ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ መበል 11 ምዕራፍ ናይ መልእኽቱ፡ ነዚ ዓንቃፊ ኣበሳ ዚፍውስ እምብዛ ረቂቕ ግን ከኣ መሰረታዊ ዝዀነ ትምህርቲ ጸሓፈሎም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ናይ ድሕነት ሓድሽ ኪዳን ቅድሚ ምቛሙ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ኣይሁድ ጥራሕዮም። ኣይሁድ ንክርስቶስን ንክርስትናን ምስ ነጸጉ ግና፡ ወንጌል ንኣህዛብ ተሰቢኹሎም ምስ ኣምላኽ ተዓሪቖም ህዝቢ ኣምላኽ ኰኑ። እቶም ቀደም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና ብሰሪ ዘይምእማኖም ዘይናይ ኣምላኽ ህዝቢ ዀይኖም ካብ ኣምላኽ ረሓቑ (ግብ 1344-52 2823-31 ኤፌ 211-22) እንተ ዀነ፡ እቶም ኣህዛብ በቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ኪምክሑን ኪዕበዩን ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ ንኣይሁድ ዘውደቖም እቲደቂ ኣብርሃም ኢና፡ ደቂ ኣምላኽ ኢና፡ዚብል ትምክሕቶምዩ። (ማቴ 37-10 81-12 2128-32,33-46 ዮሃ 830-44) ስለ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ምሕረትን ድሕነትን፡ ፍርሃት ኣምላኽን ትሕትናንምበር፡ ትዕቢትን ትምክሕትን ኪስምዖም ከም ዘይግባእ ምእንቲ ኺምህሮም፡ ነዚ ናይ ዕለት ንባብን ኣርእስትን ጸሓፈሎም።

 ትዕቢትእንታይ ማለትዩ፧ ንምንታይዩኸ ከም ከቢድ ሓጢኣት ዚቝጸር፧ ትዕቢት ማለት ንርእስኻ ልዕሊ ዚግባእ ምዕባይ፡ ዘይናትካን ዘይግብኣካን ክብሪ ኽትወስድ ምፍታን፡ ንኻልኦት ሰባት ድማ ካባኻ ኣትሒትካ ምርኣይን ምውራድን ማለትዩ። ናይ ኵሉ ኣበሳ ሸቶ (Target) በይኑ እግዚአብሔርዩ። እቲ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ኻልኦትን እትፍጽሞ ኣበሳ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ እግዚአብሔርዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂ ኣብ መሃርን ኣብነታውን ንስሓኡ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ባትሴባ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ብዓል ቤታ ኡርያ ድማ ቅትለት ፈጺሙስ እግዚአብሔር ብባርያኡ ነብዪ ናታን ገሲጹ ምስ ረትዖ፦

“.....ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።ብምባል፡ ናይ ኵሉ ሓጢኣት ሸቶ፡ እግዚአብሔር ምዃኑ በቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደረኸ ቅኑዕ ንስሓኡ፡ ነቲ ሓቂ ኣግሃዶ (መዝ 514) ዳርጋ መብዛሕትኡ ኻብ ብሰብ ዚፍጸም ሓጢኣት፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ብመገዲ ኻልእ ኣካል ኣቢሉ ናብ ኣምላኽ ዚበጽሕ። ግሁድ ትዕቢት ግን ብቐጥታ ናብ እግዚአብሔር ዝቐንዐ ናይ ድፍረት ሓጢኣትዩ። ንኣብነት ንሓደ ሰብ ብምኽንያት ድኽነቱ ዜባጭወሉ ወይ ዚጭቍኖ ሰብ፡ ዘየስተውዕሎ ዀይኑምበር፡ ንኣምላኽ ይጸርፍ ከም ዘሎ፡ ንጉስ ሰለሞን ነጊሩና ኣሎ (ምሳ 143 175) እቲ መባጨዊ ሰብ ግን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ድኻ ሰብ ዚገብሮ ዘሎምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ይፍጽሞ ኸም ዘሎ ኣየስተውዕልንዩ። ንጉስ ዳዊት ንባትሴባ ኺዕምጻ ኸሎ፡ ኣብኣምበር ኣብ እግዚአብሔር ይብድል ከም ዘሎ ኣይተገንዘቦን ነይሩ። እግዚአብሔር ግና በቲ ነብዪ ገይሩንኣይ ስለ ዝነዓቕካኒብምባል ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ናይ ድፍረት ሓጢኣት ምዃኑ ኣፍለጦ። ንኽብደት ናይ ሓጢኣት ዚምጥን ከቢድ ፍርዲ ብምሃብ ድማ ብዝመረረ ኣገባብ ቀጽዖ፡ (2ሳሙ 127-12) እቲ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ናብ ሰብ ዝቐንዐ በደል ደኣ ይምሰልምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ ዘይቀጥታዊ ሓጢኣትዩ።

ከም ብዓል ፈርኦን ናይ ግብጽን ንጉስ ናይ ኣሶርን ዝኣመሰሉ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ዝተበድዑ ናይ ትዕቢት ሰባትውን ኣለዉ። ፈርኦን፡ ንእስራኤል ኪለቅቕ ብስም እግዚአብሔር ምስ ተነግሮ፡ ብኽቱር ትዕቢት፦

እቲ ንቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሓድግሲ፡ እግዚአብሔር መንዩ፧ ንእግዚአብሔር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ኣይሓድግ።” ኢሉ መለሰ (ዘጸ 52) ንጉስ ኣሶር ብዛዕባ እግዚአብሔር ዝተዛረቦ ቓላትውን ብዙሕን ዘይጽወርን (ኢሳ 3615-20) 3710-14) እግዚአብሔር ነዞም ብድፍረት ዝተዓበዩሉ ነገስታት እንታይ ከም ዝፈደዮምውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።

ትዕቢት፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ዝተፈጸመ በዅሪ ዅሉ ሓጢኣት (ኢሳ 1412-15 ህዝ 282,12-18) ሰይጣን፡ ብሰሪ ትዕቢቱ ቅድሚ ምድርባዩ፡ ንዝፋን ኣምላኽ ብኽንፉ ዜጽልል ኪሩብ ዝነበረ። እግዚአብሔር ብኽብሩ ቐናእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንእኡን ነቶም ምስኡ ዝወገኑ መላእኽትን ካብ መንግስቱ ደርብዩ፡ ናብ መላእኽቲ ጸልማት፡ ናብ ኣጋንንቲ ለወጦም። ብትዕቢት ንርእሱ ኬኽብርን ንኣምላኽ ኬሕስርን ዝተላዕለ ዅሉ ድማ፡ ውሉድን ባርያን ናይ ኣጋንንቲ ዀይኑ ዚተርፍ።

ጠንቂ ዀይኑ ናብ ትዕቢት ዜውድቐና እንታይዩ፧ ብዘይ ዝዀነ ግሁድ ጠንቂ ናብ ትዕቢት ክንወድቕ ይከኣል ድዩ፧ ናብ ትዕቢት ዜውድቐና ግሁድን ስዉርን ዝዀነ ብዙሕ ጠንቅታት ኣሎ። ገሊኡ ኻብ ጠንቅታት፡ ዋላ ንመላእኽቲውን ዝዓንቀፈን ዘውደቐንዩ። መብዛሕትኡ ናብ ትዕቢት ዜውድቐና፡ ካብ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብን ህዝብታትን እንበልጸሉ ረቛሒታት ምስ ዚህልወናዩ። ዋላ ንዅሉ ዘርዚርና ኽንርእዮን ክንገልጾን እንተ ዘይከኣልና መጽሓፍ ቅዱስና ዚገልጾም ጠንቅታት ትዕቢት ውሑዳት ኣይኰኑን። ሃብቲ (1ጢሞ 617 ህዝ 285) መልክዕ (ህዝ 2817) ሓይሊ (ህዝ 306) ቍመት (ህዝ 2114) ስልጣን (ዳን 430-33,37) ጽጋብ (ሆሴ 136) ወለዶ ወይ ዓሌት (ማቴ 39 ዮሃ 833,37,39) ገለ ኻብቶም ብስጋ ኽንምካሕን ኽንዕበይን ዚገብሩና ግሁዳት ጠንቅታትዮም። እዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና ዝውቱር ኰይኑ ስለ እንርእዮ፡ ንኽንርድኦ ምትንታን ዜድልዮ ኣይኰነን።

ንትዕቢት ዚድርኹ መንፈሳውያን ጠንቅታትውን ኣለዉ። ናይ ኣምላኽን ቅዱሳት ጽሑፋትን ፍልጠት ንሰብ ብትዕቢት ኪነፍሖ ይኽእል (1ቈረ 81) ዋላ ዘይእዘዝዎ ይኹኑምበር፡ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት (ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን) በቲ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ሕጊ ኣምላኽ ይምክሑ ነበሩ (ሮሜ 217-20,23,24) ብምኽንያት ዝረኣዮ እምብዛ ብሉጽ ራእይ ንቅዱስ ጳውሎስ ብትዕቢት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ስለ ዘንጸላለዎ፡ እግዚአብሔር ርእሱ ኺንዕቕ ብዚገብሮ ሕማም ስጋ ኸም ዝሓለዎ ባዕሉ ተኣሚኑ ኣሎ (2ቈረ 127-10) ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎም መራሕትን ሃገራትንውን ብትዕቢት ኪፍተኑ ይረኣዩዮም። ስለ ኸኣ እግዚአብሔር ንጊደዎን ቍጽሪ ናይ ንውግእ ዚስለፍ ህዝቢ ኼውሕድ ኣዘዘ (መሳ 72) ክትዕበይ ዚገብር ጠንቅታት ዘይብልካ ምዃን ግን፡ ትዕቢት ከም ዘይብልካ ኣየስምዕንዩ። ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣዩ ሰዉራት ጠንቅታት ከም ዘለዉ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ብወዲ ሰብ ዚፍጸም ኵሉ ሓጢኣት፡ ብትዕቢት ዝተደረኸዩ። ናይ ትዕቢት ማይ ብሑቝ ዘይብሉ ሓጢኣት ስለ ዘየለ፡ ንርእስና ኻብ ትዕቢታዊ ድርኺት ኽንሕልው፡ ሓጢኣት ብዝገበርና መጠን ድማ ብዛዕባ ትዕቢትና ምንሳሕና ኸነረጋግጽ ይግባእ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ናይ ኵሉ ኽፉእ ግብሮም ጠንቅን መጀመርታን ትዕቢት ከም ዝዀነ፡ ኣባናውን ናይ ኵሉ ሓጥእ ተግባርና ደፋኢ ሓይሊ፡ ትዕቢት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ቅዱስ ዳዊት፡ ንስዉርነት ናይ ትዕቢት ዚገልጽ፦

ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መንዩ፧ ካብ እተሰወረኒ (ሓጢኣት) ኣንጽሃኒ። ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሓልዎ፡ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ፡ ሽዑ ምሉእ (ሰብ) ክኸውን፡ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህየ።” ዚብል ጸሎት ኣቕሪቡ ኣሎ (መዝ 19,12-13) ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ጸርፊ እንተ ተነስሐኳ፡ ብዛዕባ ናብ ጸርፊ ዝደረኾ ትዕቢቱ ግን ኣይንሳሕንዩ። ስለ ብትዕቢት ኪነፍሓና ዚኽእል ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ብልጫታት ስለ ዘይብልና ጥራሕ፡ ካብ ትዕቢት ርሑቓት ከም ዝዀንና ጌርና ንርእስና ኽንጥብራ ኣይግባእን።

ነቲ እግዚአብሔር ፈትዩ ዝሃበና፡ ንሕና ግና ብትዕቢት እንስሕተሉ ብልጫታት ከምኣኽሊል ትዕቢትጌርና ኢና ንጥቀመሉ (ኢሳ 281,3) ነቲ እግዚአብሔር ከም ኣኽሊል ጸጋ ገይሩ ዝሃበና ብልጫታት፡ ንሕና ግን ከም ባዕላትና ዘምጽእናዮ ጌርና ናብ ኣኽሊል ትዕቢት ንልውጦሞ፡ ናብ ጥፍኣትና ነውዕሎ። በቲ ንእግዚአብሔር ከነኽብረሉ ዝተዋህበና ጽቡቕ ህያብ፡ ንኣምላኽ ኣሕሲርና ንርእስና ብምኽባር፡ ናይ ዓመጻን ጥልመትን ድፍረታዊ ኣበሳ ንፍጽም። ስለ ካብ ትዕቢት ምእንቲ ኽንድሕን፡ ነቶም እግዚአብሔር ዝሃበና ሃብቲ፡ ሓይሊ፡ ፍልጠት፡ ስልጣን፡ ይኹን በብዓይነቶም መንፈሳውያን ጸጋታት ብፍርሃት እግዚአብሔር ከነመሓድሮም ይግብኣና።

መርኣያ ትዕቢት እንታይዩ፧ ትዕቢት ብኸመይ ዚግለጽ፧ ትዕቢተኛ ሰብ በቲ ዜርእዮ ኣካላዊ ምልክታት ጥራሕ ድዩ ዚልለይ፡ ወይስ ካልኦት ግብራውያን ምልክታትውን ኣለዉዮም፧ ንመብዛሕትና፡ ናይ ትዕቢት ምልክታት ኰይኑ ዚስምዓና፡ ክሳዱ ኣንቃዕሪሩ፡ ኣፍ ልቡ ነፊሑ፡ ግንትእ እናበለ ኪኸይድ እንተ ርኢና፡ ርእሱ ኬኽብርን ኬመጕስን፡ ንኻልኦት ኬስተናዕቕን ኬቃልልን ወዘተ እንተ ርኢና ጥራሕዩ። ከም ዝበለ ትዕቢት፡ ጕልባቡ ዝቐልዐ፡  ነቲ ትዕቢትውን ዘይክእሎ ናይ ዓሻ ሰብ ትዕቢትዩ። እቲ ናይ ትዕቢት ጀማርን እምብዛ ወሓለን ዝዀነ ድያብሎስ፡ ኣዝዩ ስዉር ብዝዀነ ኣገባብ ኬጥፍኣናምበር፡ ለባምን ዓሻን ብዜለልዮ፡ ብዜኽዕበናን ብዜገስጸናን ኣገባብ ክንዕበይ ኣይደልየናንዩ።

ንሕና ኸም ምልክታት ትዕቢት ዘይንፈልጦም፡ ቃል እግዚአብሔር ግና መርኣያታት ትዕቢት ምዃኖም ዘግሃደልና ብዙሓት ኣበሳታት ኣለዉ። ዋላ ንነፍሲ ወከፍ ተንቲንና ኽንሓልፎም እንተ ዘይከኣልናኳ፡ ብዛዕባ ርቅቀት ናይ ትዕቢት ዜርእዩና መርኣያታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

1. ንኣምላኽ ምርሳዕ፡ ንኣምላኽ ዘይትደልዮ ምዃን፡ ካብ ግጉይ መገድኻ ናብኡ ክትምለስ ዘይምድላይ፡ ርኡይ ምልክት ናይ ትዕቢት (ዘዳ 814 ሆሴ 136 710) ከምኡ እንተ ዘይከውን፡ እቲ ዓብዪ ኣምላኽዶ ብሰብ ምተረስዐ!! ንእግዚአብሔር ክሳዕ ምርሳዕን ዘይምድላይን ዜብጽሓናዚገብረኒ የብሉን፡ ኣየድልየንን ከኣኢልና ካብ ገዛእ ርእስና እምብዛ ኣትሒትና ምስ እንርእዮዩ።

2. ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ዓብዪ ውሬታን ኬርነትን ምስ ዘይምምላስውን፡ ናይ ትዕቢት መርኣያዩ። እቲ ኻብ ኣፍ ሞት ተመሊሱ ናይ 15 ዓመታት ዕድመ ዝተወሰኸሉ ንጉስ ህዝቅያስ፡ በዚ ትዕቢት ተበላሽዩ ንዘርኡ ዜጥፍእን ዜዋርድን ዓብዪ በደል ዝበደለ ሰብ (2ዜና 3235 ኢሳ 391-8) እቶም ብሰብ ፍንፉናት ዝነበሩሞ፡ ጐይታ ዝፈወሶም ለምጻማት፡ ንኣምላኽ ክብሪ ብምሃብ ውሬታ ኺመልሱ ብዘይ ምምጽኦም፡ ትዕቢቶም ኣንጸባሪቖምዮም። ብዛዕባ ምሕዋዮምምበር፡ ብዛዕባ መሕወዪ ጐይታ ኸይሓስቡ ትዕቢቶም ዓንቀፎም (ሉቃ 1711-19)

3. ክሳድካ ምትራር፡ ብትእዛዛቱ ዘይምምልላስውን ጭቡጥ መርኣያ ናይ ትዕቢት (ነህ 916,29 መዝ 11921,85 ዳን 520) እግዚአብሔር ነቶም ትእዛዛቱ ዜፍርሱ፡ ልቦም ኣትሪሮም ከም ፍቓድ ርእሶም ዚኸዱ ኸም ዚፈርድ እናተነግረካን እናፈለጥካን፡ ብኸምኡ ኽትነብር ምምራጽ፡ ንልብኻ ትዕቢት ብዘፍረዮ ንዕቀት መሊእካዮ ኸም ዘለኻ ዜመልክት (መዝ 102,3)

4. ባእስን ቍጥዓንውን መረኣያታት ናይ ስዉር ትዕቢትዮም (ምሳ 1310 2124)ተበዲለዚብል ስምዒት ኪህልወና ኸሎ፡ ከይንተክኽ ክሳዕ ዜስግእ ብቝጥዓ ንቃጸል። ብእኡ ተደሪኽና ድማ ኣብ ኣካላዊ ባእስን ናይ ቃላት ኲናትን ንጽመድ። ንኣና እቲ በደል ዝደረኾ ምኽኑይ ቍጥዓን ባእስን ኰይኑ ዚረኣየና። ቃል እግዚአብሔር ግና እቲ ብኻልእ ሰብ ዝተፈጸመ በደል ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ተደጕሉ ዘሎ ትዕቢት ዝወለዶ ቝጥዓን ባእስን ምዃኑ ዚነግረና። ትዕቢት እንተ ዘይህልወና፡ ነቲ ዘጋጠመ ኽስተት ብፍቕርን ብትዕግስትን ብምሕረትን ምፈታሕናዮ። ቍጥዓ፡ ኪምኽነዮ ዘይግባእ ትዕቢት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዚቝጣዕ ሰብ፡ ነቲ ንጉስ ትዕቢት ዝዀነ ድያብሎስ ዝተመደበሓዊ ገሃነምተፈርዶ (ማቴ 522)

5. ንኻልኦት ክትጐድእ ምህቃንውን ናይ ስዉር ትዕቢት ቅሉዕ ምልክትዩ። ትዕቢት፡ ሰይጣናዊ ባህርይዩ። ናይ ሰይጣን ዕላማ ድማ ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ንዘለኣለም ምጕዳእዩ። ስለ እቲ ትዕቢት ናይ ሰይጣን ዝወረሰን ዝለበሰን ሰብ፡ ነቲ ንዅሉ ሰብ ናይ ምጕዳእ ዕላማ ናይ ጐይታኡ ፈልዩ ኺገድፎ ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ዘምቢል (package) ተጠርኒፉ ዚወሃበካዩ። ስለ ንሰባት ከተፈንጥር፡ ከተጻውድ፡ ከተጽድፍ ዚከኣለካ ዅሉ ኢኻ እትገብር (መዝ 11985 1405) እቲ ምኽንያት ድማ እቶም ካልኦት ተጐዲኦም ኪወድቁን ኪዋረዱን ንስኻ ድማ ካብኣቶም ልዕል ኢልካ ምእንቲ ኽትረኣይዩ። ነቲ ብኣምላኽ ዘይተዋህበካ ልዕልናስ፡ በቲ ሰይጣናዊ ኣገባብ ንኽትበጽሖዩ።

6. ካብ ሰባት ናእዳን ውዳሰ ኸንቱን ምድላይውን መርኣያ ናይ ስዉር ትዕቢታዊ ባህርይዩ።ንኣዱኒ፡ ወድሱኒኽትብል ብሰባት ስለ ዜኽዕበካ፡ ነቲ ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ኪርእዮን ኪፈልጦን ዘይግባእ፡ መንፈሳዊ ስነ-ምግባራት ዝገበርካ ጌርካ ሰባት ከም ዚርእዩልካ ብምግባር ክትረኽቦ ኢኻ ትጋደል። ሰብ ኪርእየልካ ብሰብ ክትውደስ ኢልካ ስለ ዝገበርካዮ፡ ብዘይካ ጥበራዊ ውዳሰ፡ ዝዀነ ኺጥቀስ ዚኽእል ካልእ ረብሓ ኣይትረኽበሉን ኢኻ። እዚ ውዳሰን ናእዳን ንትዕቢትካ ኣዝዩ ስለ ዜዕፍሮ፡ ስዉር ምዃን ሓሊፉ ኣብ ደጋዊ ኣካላትካ፡ ማለት ኣብ ኣዘራርባኻ፡ ኣካይዳኻ፡ ኣጣምታኻ ኽሳዕ ዚገሃድ ዕሉል ናይ ዓያሱ ትዕቢት ዚኸውን። ጐይታና ብዛዕባ ኣጋንንታዊ ምርጫ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ብኣጽንዖት ኣጠንቂቕና (ማቴ 61-6,16-18) እቲኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕዚብል ናይ ጐይታ ኣገላልጻ፡ ንኣነዋርነት ናይ ዓሻ ምርጫ ዚቐልዕዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ድማ ዳርጋ ዅላትና በዛ መርዛም ምርጫዚኣ ንፍተን ምዃንናዩ።

እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝተጠቕሰ መርኣያታት ትዕቢት፡ ከም መረዳእታ ወይ ከም ኣብነት ንኼገልግለና ዝተመርጸምበር፡ ንዅሉ መርኣያታት ዜጠቓልል ኣይኰነን። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣበሳ ዀይኑ ዚድርኽ ሓይሊ፡ ትዕቢት ምዃኑ ፈጺምና ኽንስሕቶ ወይ ክንጠራጠሮ ዘይግባእ ሓቂዩ።

ሳዕቤን ትዕቢት ወይ ንትዕቢት ዚወሃብ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እንታይዩ፧ ቅዱስ ወንጌል ከም ዜረጋግጸልና፡ ዓስቢ ናይ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት፡ ሞትዩ። እዚ ሞትዚ፡ ነቲ ኣካላዊ ሞት ዚምልከት ኣይኰነን። ብርግጽ ብትዕቢት መስፈር ሓጢኣቶም ምስ መልኡ፡ ብስጋ ዚቕጽዑ ወይ ዚቕዘፉ ሰባት ከም ዘለዉ ዘይከሓድዩ። ናይ ሓጢኣት ሓቀኛ መቕጻዕቲ ግን፡ እቲ ዘለኣለማዊ ሞትዩ። እዚ ሞት ድማ ስጋኻን ነፍስኻን መንፈስካን ብትንሳኤ ሙታን ተንሲኡ ዳግማይ ተዋሂዱ፡ ኣብ ናይ ሓውን ዲንን ቀላይ፡ ኣብ ገሃነመ እሳት እናተሳቐኻ ምንባርዩ። ትዕቢት፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ ብትዕቢት ዝተለኽፈ ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ኣብ ንሰይጣንን ነጋንንቱን ዝተዳለወ ናይ ፍርዲ ቦታ ዚነብር (ራእ 207-15 218 2215 149-11) ስለ ኢና ንትዕቢት ኣዚና ኽንጽየፎን ክንፈርሆን፡ ንኸይጠብቀናውን ኣዚና ኽንጥንቀቐሉ ዚግብኣና። በቲ ደምዳምን ዘለኣለማውን ሳዕቤኑ ኣጠቓሊልና ኽንገልጾ ደኣ መሪጽናምበር፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኰነ ብደረጃ ህዝብን ሃገርን ንዝተፈጸመ ትዕቢት ዚወሃብ ምድራዊ መቕጻዕቲ፡ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ኣዝዩ ብዙሕን መሰክሕንዩ። ኣብ ናይ መሰረተ እምነትና ናይ ስነ-ምግባር ትምህርትና ብዕምቈትን ብስፍሓትን ክንመሃሮ ዚግባእ ትምህርቲዩ።

መሪሕ ጥቕስናፍራህ ደኣምበር፡ ብልብኻ ኣይትተዓበይብምባል ፍታሕ ናይ ሰራምን ለካምን ኣበሳ ፈሪሃ እግዚአብሔር ምዃኑ ድሮ ኣግሂዱልናዩ፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ንዓመጻን ረሲእነትን ተጸዪፍካ ንጽድቅን ቅድስናን ከተፍቅር ስለ ዚረድእ፡ ልብና ዅሉ ጊዜ ብፍርሃት ኣምላኽ ኪመልእ ይግባእ። (ምሳ 2317,18) ንጉስ ሰለሞን፦ ንእግዚአብሔር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእየ።ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ (ምሳ 813) ንልብና ብፍርሃት እግዚአብሔር እንተ ዘይመላእናዮ፡ ብትዕቢትን ንሱ ብዚወልዶ ዅሉ ሓጢኣትን ኪምላእ ንልብና ዀስቲርናን ኣጽሪናን ንዕድሞለና ማለትዩ።

 እምበኣር ብፈሪሃ እግዚአብሔር ተደሪኽና፡ ካብ ኽሳዕ ሕጂ ኼነውረናን ኬበላሽወናን ዝጸንሐ ትዕቢትን ሓድግታቱን ብንስሓ ህይወትና ነጽርይ። ዳግማይ ናይ ትዕቢት ግራት ገይሩ ሰይጣን ከየበላሽወና ድማ፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ልብና ንሓልው። ነቲ እግዚአብሔር ዚህበና፡ ኣኽሊል ጸጋ ናብ ኣኽሊል ትዕቢት ለዊጥና ዘለኣለማዊ መጻኢና ኸይነጸልምት፡ ከቶ ዘይድህለሉ ብልህታት ክርስትያን ንኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ጥቅምት 13, 2015 ግዕዝ (23 ጥቅምቲ 2022 ፈ  [7ይ ሰንበት: ቊ.10/፲ ])

ምስባክ

መዝ 110(111)4-5

“መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።”

“ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።”

ንባባት

ኣንባቢ

 

ሮሜ 11፡13-28

ዲያቆን

ያእ 1፡9-21

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 7፡23-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 20፡1-16

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div