S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረታትን ሓገገሎም [6ይ ሰንበት: ቊ.9/፱, 2022 ]

“.........ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ክነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ (ኢሉ) ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረታትን ሓገገሎም።ግብ 1726-28

እዚ ዘለናዮ ሰንበትዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝረኣናዮ፡ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 (ብግእዝ) ዘሎ ጊዜዘመነ ጽጌተባሂሉ ዚጽዋዕ። መስከረም 25 “ፀአተ ክረምት” (ምውጻእ ክረምቲ) ይብሃል። ብመሰረት ክሊማ ሃገርና ክረምቲ ካብ ሰነ 25 (በአተ ክረምት ወይ ምእታው ክረምቲ) ክሳዕ መስከረም 25’ ዚዝርጋሕ። እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ዘፍረናዮ ፍረ እንእክበሉ ናይ ቀውዒ ወቕቲ ኸኣዘመነ ጽጌ (ዘመነ-ፍረ)” ይብሃል። ነዚ ዕለት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ሰንበትኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብኰይኑ፡ ንእኡ መሰረት ብምግባር ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባክን ድማ ነዚ ንመሃሮ ዘለና ኣርእስቲ ዘማእከለዩ። ሕይወት ሰብ፡ ልክዕ ከም ሕይወት ዘራእቲዩ። ውሱን ጊዜ ተመዲቡሉ ዚነብር። እዚ ውሱን ዘመንዚ፡ ፍረ ዜፍርየሉ ጊዜዩ። ኣብ ንባባትን ምስባክን ናይ ዕለት፡ ወዲ ሰብ ህይወቱ ምስ ሳዕርን ዕምባባ መሮርን ተመሳሲሉ ኣሎ። ኣብ ናይ 1ጴጥ 117-ፍጻመ ንባብ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ጠቒሱ፦

ኵሉ ስጋ (ኵሉ ሰብ) ከም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምበባውን ይረግፍ።ብምባል፡ ኣብ ምድሪ ሕይወት ሰብ እንታይ ከም ትመስል ኣፍሊጡና ኣሎ (1ጴጥ 124 ኢሳ 406-8) ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌልውን ጐይታና ንሕይወት ሰብ ምስ ዕምባባ መሮር ብኸም ዚስዕብ ኣዛሚዱ ገሊጽዎ ኣሎ።

ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ ንዕምበባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ ኣይፈትሉ፡ ምስናይ ግናሰለሞን በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻብኣቶም ከም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበይ ሳዕሪ መሮር ከም ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ማቴ 628-30

ንሕናውን ሎሚ ሃሊና ጽባሕ ዘይንህልው፡ ሰብ ውሱን ዕድመ ስለ ዝዀንና፡ በቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ዘይህልው ሳዕሪ መሮር ክንምሰል ግቡእ ኣገላልጻዩ። እቲ ኻብ ናይ ቅዱስ ዳዊት መዝሙራት ዝተወስደ ምስባክውን ነዚ ዝተገልጸ ናይ ሰብ ሕይወት እንታይነት ዜረጋግጽዩ።

ፍጥረትና ይፈልጥሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክርዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪዩ። ከም ዕምበባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ ብልዕሊኣ ይሓልፍሞ፡ ከቶ ኣይትርከብንያ፡ ቦታኣውን (ኣይፍለጥን)መዝ 10314-16

ኣብ ምስባክዚኣ ኽልተ ኣገደስቲ ባህርያት ናይ ሰብ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ሓመድ ምዃንና፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ሳዕሪ ምዃንናዩ። ሳዕሪውን ሓመድዩ። ካብ ሓመድ ይወጽእ፡ ምስ ነቐጸ ድማ በስቢሱ ናብ ሓመድ ዚቕየር። ኣዳም ብሓጢኣት ምስ ወደቐ፡ እግዚአብሔር፦ናብ ዝተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራኻ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ፡ መሬት (ሓመድ) ኢኻሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ።ኢሉ ዅነታት መጻኢኡ ኣፍለጦ (ዘፍ 319) ስለ ምድራዊ ህላወና ክንሰግሮ ብዘይንኽእል ደረት ዝተሓጽረዩ። ኣቦና እዮብውን ነዚ ሓቂ ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።

ዕድመ ሰብ ምዱብዩ፡ ኣዋርሑ ኣባኻ ቍሩጽ (ውሱን)’ዩ፡ ዘይሓልፍ ደረትውን ወሰንካሉ። ንሱ ኸም ብዓል ውዕለት ኣበርቲዑ ዚዓይይ እዩሞ፡ መዓልቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ኪዓርፍሲ፡ ገጽካ ኻብኡ ምለስ። ኦም ተስፋ ኣለዎ፡ እንተ ተቘርጸ መሊሱ ይጥጥዕዩ፡ ውልዶታቱ ይዓብይ።.......... ሰብ ግና ይመውት ወዲቑ ይተርፍ፡ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሓሊፋስ ኣሰሩ ኣይርከብንዩ። ከም ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ዚነጽፍን ዚደርቕን፡ ሰብ ከኣ ከምኡ ሞይቱ ኣይትንስእን፡ ሰማያት ክሳዕ ዚሓልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን።እዮ 145-7, 10-12 .

ንምንታይ እግዚአብሔር ንዕድመና ብሞት፡ ንናብራና ድማ ብሕጋጋት ደረት ዝገበረሉ፧  ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ነዚ ሕቶ ንኺምልሰልና ዝተሰርዐዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ሕይወትና ብውሱን ዓመታት ናብራና ድማ ብድዉብ ደረታት (ብሕጋጋት) ዝተደረተሉ ዕላማ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንደልዮ፡ ካብ ምድላይ ሓሊፍናውን ምእንቲ ኽንረኽቦዩ። እግዚአብሔር ብህላወኡ ምሉእ ዝዀነ፡ ኣብ ኵሉ ሰማያትን ምድርን፡ ኣብ መዓሙቝ ሲኦል ከይተረፈ ዚርከብ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዝሃለና ሃሊና ምስ ኣምላኽ ኢና እንነብር። ስለ ኸኣ መሪሕ ጥቕስና፡ ካብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ከም ዘይኰነ ዝሓበረና። እንተ ዀነ ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣይ ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ምሳና ኸም ዘሎ ኣይፍለጠናንዩ፡ ኣይንፈልጥን ከኣ ኢና። ስለ ነዚ ምሳና ዘሎ ግን ከኣ ዘይንርእዮ ኣምላኽ ሃሰስ ኢልና ኽንደልዮን ክንረኽቦን፡ ናይ ሓጻር ዕድመና ተልእኾ (Mission) ኰይኑ ተዋህበና። ኣብ ምድሪዚኣ ብሕይወት እናነበረ፡ ንኣምላኽ ምድላይን ምርካብን ዝረስዐ ሰብ፡ ትርጕም ህላወኡ ዝረስዐን ዝኸሓደን ሰብዩ። ነዛ ሓጻር ዕድመ ንበይና ኸም ዓባይ ቍምነገርን ረብሓን ቈጺሩ፡ ንኣኣ ሒዙ ዝዀብለለ ሽፍታዩ። ኣብ ዓለምዚኣ ንዚዕዘበና ዀነ ብዛዕባና ንዚሰምዕ ኵሉ ሰብ፡ ዋላ ንገዛእ ርእስናውን ዜገርምጽቡቕዚበሃል ሕይወት ክንነብር ንኽእል ኢና። ነቲ ንኣምላኽ ናይ ምድላይ ተልእኾና ኣወንዚፍና ንነብር እንተሊና ግን፡ እቲ ዝኸፍአ መስክሕ ዝዀነ ናይ ዕሽነት ናብራ ኸም ዝነበርና፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ኪገሃድዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ሰብ ካብ ህዝቢ ወይ ካብ መንግስቲ እንተ ሸፈተ፡ ኣብ በረኻ ኪሕባእን ከይርከብን ይኽእልዩ። ካብ ኻብኡ ዘይፍለይ፡ ኵሉ ግዜ ምስኡ ዚነብር ኣምላኽ ኪስወር ግን ፈጺሙ ኣይክእልንዩ። እግዚአብሔር ዘይርአ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ህላወኡ ኽንክሕድ ወይ ክንርስዖን ክንርሕቆን ኪቕስበና ዘይኰነ፡ ንኽንደልዮን ክንረኽቦን ብርቱዕ ጽምኣትን ናፍቖትን ኬለዓዕለልና ዚግባእ። እግዚአብሔር ርእሱ ዚስውረሉ መሰረታዊ ዕላማኡን ምኽንያቱን ከኣ ንሱዩ።

ኣምላኽ እስራኤል፡ መድሓኒ፡ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።ኢሳ 4515

ንእግዚአብሔር እነኽብሮ ንዅሉ ነገር ሰዊርዎ ስለ ዚነብርዩ፡ ንነገስታት እነኽብሮም ግና ንዅሉ ነገር መርሚሮም ስለ ዚገልጹልናዩ። (ክብሪ እግዚአብሔር (ኣብ) ምስዋር ነገርዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ኣብ ምምርማር ነገርዩ።ምሳ 252 (.+.)

ስለ ንስወራ (ንምስዋር)ናይ ኣምላኽ፡ ካብ ናይ ሕይወት ተልእኾና ንምብኳር ከም ምኽንያት ክንጥቀመሉ ኣይግባእንዩ። ብኣንጻሩ ንኣምላኽ ናይ ምድላይን ናይ ምኽባርን ብርቱዕ ሃንቀውታን ድርኺትን ኬለዓዕለልና ዚግባእ። በቲ ናብ ድልያ ናይ ኣምላኽ ኪድርኸካ ዝተፈጸመ ተግባር ተዓንቂፍካ፡ ካብ ድልያ እንተ በዂርካ፡ ንሓጢኣትካ ዚበቅዕ ምኽንያት ከም ዘየልቦ ንኺገልጽ ጐይታና፦ ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና (መጺኣ ስለ ዝነገርክዎም) ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።ብምባል ብንጹር ኣፍሊጡና (ዮሃ 1522) ባዕሉ ብኣካለ-ስጋ ተገሊጹ፡ ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ብመንፈስ ቅዱስ ልኢኹ፡ ኣብ ምድሪዚኣ ናይ ምፍጣርናን ናይ ምንባርናን ዕላማንኣምላኽ ሃሰስ ኢልካ ምድላይን ምርካብንምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ንኣምላኽ ካብ ምድላይን ካብ ምኽባርን ዝበዀረ ሰብ፡ ንሓጢኣቱ ምኽኑይ ዚገብረሉ ዝዀነ ዓይነት ምስምስ ኪህልዎ ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ ባዕሉ ክርስቶስ ኣግሂድዎ (ማቴ 1127 ዮሃ 646 ዮሃ 149,10 ዘዳ 3320)

ሓደ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዱ (ዝዀነ ኢየሱስ) ንሱ ኣግሃዶ።ዮሃ 118

ስለ ይትረፍ በቲንኣይ ዝረኣየ፡ ነቦ ረኣየዝበለ ኢየሱስ ጐይታናን ተጋሂዱስ፡ እቶም ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ጸልማት ዚነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብኳ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘይምድላዮምን ዘይምርካቦምን፡ ካብ ፍርዲ ዜድሕኖም ምኽንያት ኪረኽቡሉ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ብኣካል መጺኡ ዜግህደሎም እንተ ዘይረኸቡ፡ ብግብሩ ዚገሃድ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘየስተውዓሉዩ።

ኣምላኽ (ነህዛብ) ስለ ዝገለጸሎም፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ዚግባእ ኣብኣቶም ግሉጽዩ። ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑ፡ እቲ ዓለም ካብ እትፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚአብሔር፡ ማለት ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፡ ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ (ብፍጥረቱ) እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኣየኽበርዎን፡ (ኣየመስገንዎንውን) እኳ ደኣ ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።ለባማት ኢናእንተ በሉ ዓሽዮም ተረፉ። ንኽብሪ ናይ ዘይመውት ኣምላኽ፡ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን (እንስሳታትን) ለወጥዎ። ስለ ኣምላኽ፡ ሰብነት ሓድሕዶም ኬሕስሩ፡ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።ሮሜ 119-24 .

ምኽንያቱ ነቲ ዘይርአ ሓቀኛ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይደልዩ፡ ግሁድ መርኣያ ናይ ዕሽነቶም ዚኸውን ዚርአኣምላኽባዕላቶም ጠፍጢፎምን ቀጥቂጦምን ሰርሑ። ስለ ኸኣ እቲ ኣብ ሮሜ 118 ዘሎ ናይ ፍርዲ ሃይለ-ቃል ብዛዕባኦም ተጻሕፈ።ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽዩ።

እቲ ዕላማ ምፍጣርና ንኣምላኽ ምድላይ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ናይ ድልያ ዘመንና ንምንታይ ክሳዕ ክንድ ኺሓጽር ኣድለየ፧ እቲ ዕድመ እንተ ዚነውሕ፡ ነቲ ንእኡ ናይ ምድላይ ባህግናን ተኽእሎናን ኣይመዕበዮንዶ፧ ታሪኽ ኰነ ትዕዝብትና ኸም ዜረጋግጸልና፡ እቲ ሓቂ ብኣንጻሩዩ። ኣብ ዘመን ሎጥን ዘመን ኖህን ዝነበረ ዕድመ ኣዝዩ ነዊሕ ዝነበረ። እንተ ዀነ ትዕግስቲ ኣምላኽ ዚጽንቅቕ ዝርጋንን ክሕደትን ደኣ በዝሐምበር፡ ንኣምላኽ ምድላይን ብመገዲ ጽድቂ ምምልላስንሲ ከቶ ኣይተራእየን። ኣብ ሰዶምን ጎመራን ብዘይካ ሎጥ ዝዀነ ኻልእ ጻድቕ ሰብ ኣይተረኽበን። ስለ ኸኣ ንሱን ሳላኡ ኸኣ ስድራ ቤቱን ጥራሕ ካብ መዓት ደሓኑ። ናይ ኖህውን ተመሳሳሊ ታሪኽዩ። ዝነውሐ ዕድመ እንተ ተዋህበና፡ ዝሰፍሐ ናይ ምሕጣእ ዕድል ከም ዝተዋህበና ናይ ምሕሳብ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘማዕበልና፡ ነቲ ብምሕረቱ ዝረኸብናዮ ትዕድልቲ፡ ብዝኸፍአ መገዲ ንመነወሪና ኢና ንጥቀመሉ። ነታ ናይ መወዳእታ መዓልትና ዘይንፈልጣ ኽነስና፡ ክሳዕ መወዳእታ ኸም ደስ ዝበለና ጌርና ኽንዕንድርሞ፡ ኣብ ኣፋን ዕርበታን ብንስሓ ኽትምለስ ናይ ምድላይ ጠባርን በለጻውን ዝንባለ ዘሎና። መዓልቲ ሞትና ዀነ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ መዓስ ምዃኑ ናይ ምፍላጥ ባህግና፡ ካብ ዓለወኛ ኣተሓሳስባ ዚነቅል። ገና ኽንውለድ ከለና ልክዕ ኣብ ሰማንያ ዓመትና ኸም ንመውት እንተ ዚንገረና፡ ክሳዕ ድሮ ናይ 80 ዓመት ዕለትና ዓንዲርና፡ ብሒደት ናይ ንስሓ ቓላት ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ምመረጽና። እዚ እኩይ ምርጫ ደለይቲ ኣምላኽ ምዃንና ኼረጋግጸልና ዚኽእል ድዩ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ዋላ ብኣካል ናብ ቤተ ክርስትያን ሰንበት መጸ እናተመላለስና ኣብ ምስጢረ ንስሓ ዀነ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ከይተሳተፍና እንነብር ሰባት ማእለያ የብልናን። ዓቕምና ጠሊሙና፡ ኣካላትና ደሪቑ፡ ንናይ ሓጢኣት ባህግና ኼማልእ ዘይክእል ምስ ኰነ፡ ብሰብን ብምርኩስን ተደጊፍናን ተጐቲትናን ክንቈርብ እንደልየሉ ምኽንያት፡ ብሓጢኣት ንሰይጣንምበር፡ ብጽድቂ ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል ባህጊ ስለ ዘይብልናዩ። ነዚ ዓመጸኛ ባህጊ ብምንዋሕ ዕድመ ኸተዐርዮ ወይ ክትልውጦ ኣይከኣልንዩ። ነቲ ጐይታና፦

ብሒደት እሙን ዝዀነ (ሰብ) ብብዙሕ ድማ እሙንዩ። እቲ ብሒደት ዚዕምጽ (ሰብ) ድማ ብብዙሕውን ዓማጺዩ።ዝበሎ ቓል ድማ ኣይንረስዓዮ (ሉቃ 1610 1917) ብናይ ሓጥእን ውዱቕን ሰብ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ስለ ንመላለስ፡ ዕድመ እንተ ወሰኽና ሓጢኣት ኣባና ዚዕንድረሉ ጊዜ ጥራሕ ዚሰፍሕ።

እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብጽድቂ ዚመላለስ ሰብ ግና፡ ንኣተሓሳስባኡን ዓይነት ህይወቱን ብምናሕን ምሕጻርን ናይ ዕድሚኡ ዘይኰነስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽን ንኣምላኽ ብዘለዎ ፍቕርን ዜማእዝኖ። ስለ ሰብነቱ ነቀይ ነቀይ ምስ በለ ዘይኰነስ፡ ካብ ዘመን ቍልዕነቱን ንእስነቱን ጀሚሩ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቡ ዚደልዮን ዚስዕቦን፡ ብፍቕሪ ከኣ ዜገልግሎ። ከም ቅዱስ ዳዊትን ዮሴፍን ዝኣመሰሉ ኣቦታትና፡ ንእግዚአብሔር ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ዘፍቀርዎ፡ ዝሰዓብዎ፡ ዘገልገልዎ ኣብነታውያን ኣቦታት ኣለዉና (መዝ 714-6,17 229,10 ኤር 22-3 34) ሓይልን መኣዛን ናይ ንእስነትና ብሓጢኣት ዘባኸንናን ዘቃጸልናን ሰባት እንተ ዀንናውን ካብ ዝተመሃርናሉን ዝፈለጥናሉን ጊዜ ጀሚርና፡ ኣብተን ተሪፈናና ዘለዋ ዝርካበን ዕድመና ብምሉእ ልብናን ብልዑል ተወፋይነትን ክንደልዮን ክንስዕቦን ዚግብኣና። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብዛዕባቶም ንእኡ ናይ ምድላይ ናይ ሕይወት ተልእኾም ዝደርበዩ ሰባት፦

ነቶም ካብ እግዚአብሔር ዚርሕቁን ንእግዚአብሔር ዘይደልይዎን ዘይሓትዎን (ሰባት) ከጽንቶምየ።” ብምባል ኣፍሊጡና (ጸፎ 16) ኣቦታትና እናበሉኻዶ ትጋገይከም ዚብሉ፡ ንኣምላኽ ናይ ምድላይ ረብሓን ንኣምላኽ ናይ ዘይምድላይ ሳዕቤንን ብግህዶ እናተነግረካ ምግጋይ መዋጽኦ ናብ ዘይርከቦ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዚመርሕ ከቢድ ዕሽነትዩ።

ነቲ ምድላይስ ሕራይ ንቀበሎ፡ ብኸመይ ኢናኸ ኽንደልዮ፧ ዓይነት ኣደላልያና፡ ኣብ ዓይነት ናይ እንደልዮ ኣካል ዚምርኰስ። ሰብን ንብረትን ብኸመይ ደሊኻ ኸም ዚርከብ ናይ ምሉእ ዕድመ ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ እቲ ኣገባብ ንዅላትና ግሁድዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ኣብ ዝተመደበልና ውሱን ዓመታት ክንነብረሉ ዝተዋህበና ድዉብ ደረታትውን ኣሎ። ኣብዘን ውሑዳት ዓመታትና፡ ካብ ዝተዋህበና ዶብን ደረትን ከይወጻእና ንነብር እንተ ዄንና፡ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ናይ ብሓቂ ድማ ረኺብናዮስ ምስኡውን ንነብር ኣለና ማለትዩ። ነቲ ንሱ ዝሓንጸጸልና ዶብን ደረትን ጥሒስና፡ ከም ቃሕ ዝበለና ንመላለስ እንተሊና ግን፡ ሽዑ ገጽ እግዚአብሔር ንዘይምድላይ ኰብሊልና ሸፊትናን ምህላውና ግሁድ ምልክትዩ። በቲ ንሰብ እንደልየሉ ኣገባብ ጌርና፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ህንጻታት፡ ኣብ ጐደናታት፡ ኣብ ኣደባባያት ክንደልዮ ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ ጌርካ ዚድለይ፡ እቲ ብዓይኒ ዚረኣይ ግዙፍ ኣካል ዘለዎ ጥራሕዩ። እቲ ንኣምላኽ እንደልየሉድዉብ ደረታትድማ እቲ ኽንምርሓሉ ዝተዋህበና ቓል እግዚአብሔርዩ። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ምስ ተፈጥሩ፡ እቲ ኺገብርዎ ዚግብኦምን ዘይግብኦምን ብንጹር ተሓቢሮምድዉብ ደረትተገብረሎም። ስለ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም፡ ነዛ ዝተሓገገትሎም ደረት ኬኽብርዋምበር፡ ኪጥሕስዋ ኣይነበሮምን። ነታ ደረት ምስ ጠሓስዋ ግን፡ ንኣምላኽ ኪደልይዎ ዘይኰነስ፡ ንሱ ንኣታቶም ደልዩ ምስ መጸ ከኣ ኪሕብእዎን ኪርሕቅዎን ደኣ መረጹ (ዘፍ 31-11) ስለ እቲ ዕለት መጸ እንጥሕሶ ትእዛዛቱ፡ ደለይቲ ኣምላኽ ዘይምዃንና፡ ዓብይ መርትዖ ዀይኑ የቃልዓና ኣሎ። ብሓቂ ደለይቱ እንተ ዄንና፡ ትእዛዛቱ ናይ ምኽባር ድልየትና እናዓዘዘ ዚኸይድ። ንኣምላኽ ፈጺምና ዘይንደልዮ ምስ እንኸውን ከኣ፡ ንትእዛዛቱ ኣፍሪስና ብዕንደራን ፋሉልነትን ናይ ምምልላስ ባህግና ይዓዝዝ። ብፍቕሪ ገዲፍና ብጽልኢ፡ ብምሕረት ገዲፍና ብቒምታ፡ ብልግሲ ገዲፍና ብንፍገት፡ ብሕያውነት ገዲፍና ብጭካነ ንመላለስ። ነቲ መጋብርና ጽቡቕ ጌርና ስለ ንፈልጦ፡ ጽቡቕ ከም ዘየፍድየናውን ስለ ንፈልጥ፡ ህላወ ኣምላኽ የሰቅቐናምበር፡ ኣየገድሰናንዩ። ሓጺር ዕድመ ዘሎና ምዃንና ኣዝዩ ዜፍርሃና ኸኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ እነፍቅሮ ሓጢኣት ስለ ዚፈላልየና ኪኸውን ከሎ፡ በቲ  ኻልእ ወገን ከኣ፡ ድሕሪ ሞት  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፍርዲ ደው ከም እንብል ምፍላጥ (እብ 927,28 መክ 119,10 2ቈረ 59,10) ናይ ሕዝቢ እስራኤል ባሕርይ፡ ከም ናትና ዚመስል። ብዓይኒ ስጋ ንዝጠመቶም ሰብ፡ከምኦም ገይሩ ንኣምላኽ ዚደልይ ህዝቢ የለንኢሉ ምደምደመ። እቲ ኻብ ነፍሲ ወከፎም ዘይረሓቐ፡ ኣብ ሕቡእን ግሁድን ቦታ፡ ኣብ ብርሃንን ጸልማትን፡ ኣብ በይኖምን ምስ ሰብን ኰይኖም ዚገብርዎ ዚፈልጥ፡ ንልቦምን ኰላሊቶምን ብደቂቕ ዚምርምር ኣምላኽ ግን በቲ ጥበራዊ ድልያኦም ስለ ዘይተታለለ ይቐልዖም ነበረ።

ንሕዝበይ ኣበሳኦም ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጡ ድማ ይፈትዉ። ከም ጽድቂ ዚገብርን ሕጊ ኣምላኹ ዘይሓደገን ሕዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትዉ። .....እዚ ሕዝቢ ብኣፉ የምልኸኒ (ይቐርበኒ) ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕዩ። ንኣይ ከኣ (ብምህሮ) ባህሊ ሰብ ገይሮምዮም ዜኽብሩኒ ዘለዉ።ኢሳ 58.2 (ቀት) 2913 (.)

ከም ዝኣመሰለ ሕዝቢ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ደላይ ኣምላኽ እንተ ቘጺርዋ፡ ኣዝዩ ዝተጠበረ ሕዝቢዩ። እግዚአብሔር ግና ብመስዋእቲ፡ ብጾም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ማሕበራዊ ናብራኦም ብዚነብርዎ ግብራዊ ናብራ ኬኽብርዎ ከም ዚደልይ ኣግሂዱ ነገሮም (ኢሳ 110-17) ብግብሪ ስጋ (ብሓጢኣት) ዘይኰነ ብፍረ መንፈስ  (ብግብሪ-ጽድቂ) ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ኣምላኽ ምዃንና ንዚዕዘበና ኣምላኽን ሰብን፡ ከምኡውን ንገዛእ ርእስና ኸነረጋግጽ ኢና (ገላ 516-24 ፊል 19-11 ቈሎ 110 1ጢሞ 610 2ጢሞ 222)

እምበኣር እቲ ንምድሓን ዝለበመ ክርስትያን ሰብ፡ ብዛዕባ ምንዋሕን ምሕጻርን ናይ ዕድሚኡ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ዚነብሮ ዓይነት ናይ ሕይወት ዚግደስ። ኣብተን ሃሰስ ኢሉ ንእግዚአብሔር ኪደልዮን ኪረኽቦን ዝተሰርዓሉ ዝርካበን ዓመታት፡ ንእግዚአብሔር ብምሉእ ልቡ ኣብ ምድላይ ዜተኵር። ምኽንያቱ ናይ ሕይወት ተልእኾኡ ንሱ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥዩ። እግዚአብሔር ከኣ እሙን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ዚደልይዎ ይርከበሎምምበር፡ ኣይስወሮምንዩ። ነቶም ዝረስዕዎን ዝሓደግዎን ግና፡ ይሓድጎምን ይስወሮምንምበር፡ ኣይቀርቦምን (2ዜና 152,4) እቲ ነቶም ዘይደልይዎን ዘይስዕብዎን ዝበሎ ቓል ፍርዲ ድማ፡ ይትረፍ ኣብ ልዕሌና፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእትና ኺወርድ ዘይንምነዮዩ።

ኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፧ (ነቶም)መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም (እቶም) ደናቝርቲውን (ክሳዕ መኣዝ) ፍልጠት ኪጸልኡዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይውን ከፍልጠኩምየ። ጸዊዐስእምቢስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሐውን ዘስተብሃለ ስለ ዘየልቦ፡ አረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣበኹም፡ ተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን። ኣነውን፡ እቲ እትፈህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ፡ መከራ ኸም ሸምቦባ ዀይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩምየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምንየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንንዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ስለ ዘይመረጹ፡ ምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዓቕዎ፡ ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦምዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሀ ኸኣ ኪሃድእዩ።ምሳ 122-33

ሕይወት፡ ኵሉ ጊዜ ብምርጫ ትንበር። እግዚአብሔር ከኣ ይዕድምን ይምዕድንምበር፡ ኣየስገድድንዩ። እዛ ሓጻር ዕምርና፡ ናይ ተልእኾ ዘመን ምዃና፡ እቲ ተልእኾ ድማ ንኣምላኽ ምድላይ፡ እቲ ናይ ድልያ ሜላ ድማ ንቓሉ ምእዛዝ ምዃኑ ተነጊሩና ኣሎ። ነቶም ብልቦና ዝተኣዘዙ፡ ብንውሓቱ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ሕይወት፡ ብዓይነቱ ኸኣ ናይ ክብርን ሓጐስን ንግስነትን ዘመን ተሰሪዑሎም ኣሎ። ነቶም ንዕሽነቶም በካይዳኦም ዘግሃዱ ድማ፡ ናይ ስቓይን ውርደትን ዘለኣለም ተሰሪዑሎም ኣሎ። እምብኣር ንለብምሞ፡ ነዚ ዝተመደበልና ውሱን ዕድመን ድዉብ ደረትን ናብ ረብሓና ንለውጦምበር፡ ብዕሽነትና ንዘለኣለም ኣይነጸልምቶ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ጥቅምት 6, 2015 ግዕዝ (16 ጥቅምቲ 2022 ፈ  [6ይ ሰንበት: ቊ.9/፱ ])

ምስባክ

መዝ 102(103)፡14-15

“ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።”

“ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።”

ንባባት

ኣንባቢ

 

ኤፌ 6፡1-9

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 17፡23-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 6፡19-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div