S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንፍትወት ስጋ ኸይትነብሩ [4ይ ሰንበት: ቊ.7/፯, 2022]

 ደጊም ክርስቶስ ምእንታና (ብስጋኡ) ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ (ክርስትያን) ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን(ኩም) ንፍቓድ ኣምላኽምበር፡ ንፍትወት (ስጋ) ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ነዚ ሓሳብ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም (ተዓጠቕዎ)” 1ጴጥ 41,2

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስ.17 ክሳዕ መስ.23  (መስ.27 - ጥቅ.3) ዘሎ ቕንያት፡መስቀልተባሂሉ ዚጽዋዕ። ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና በዓለ መስቀል ዝተሰርዐ፡ ንግስቲ ኢለን፡ ኣደ ንጉስ ቈስጠንጢኖስ ነቲ ኣይሁድ ብጐሓፍ ኢየሩሳሌም ዝደበይዎ መስቀል ጐይታና ፍሒራ ዝረኸበትሉ ዕለት ንምዝካርዩ። ኣገዳስነት ናይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ንኸነስተንትነሉ ዝተሰርዐ መዓልቲ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ናይ ዕለተ ሰንበት መዝሙርን ንባባትን ምስባክን፡ ንእኡ ዚገልጽን ዚድርዕንዩ። እቲ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዘመረ ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ መዝሙር-ሰንበት፡ዝንቱ ውእቱ መስቀልዚብል ኰይኑ፡ ክብሪ ናይ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ዚገልጽዩ። ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ማር 827-ፍጻመ) ጐይታና ባዕሉ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዓቕን ኪቕተልን፡ ድሕሪ ሳልስቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ብምግላጽ፡ ኣገዳስነት ናይ ኣብ መስቀል ዚፍጸም ሞቱ ኣብሪሁ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ናይ 1ቈረ 117-ፍጻመ ንባብውን፡

“......ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነትዩ፡ ንኣና ንእንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽዩ። .....ንሕና (ሃዋርያት) ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና። (ክርስቶስ) ነቶም ጽዉዓት - ንኣይሁድ ኰነ (ነህዛብ) - እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽንዩ።

ብምባል፡ ምድሓን ዚርከብ በቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘግሃዶ ሓይልን ጥበብን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ (1ቈረ 118,19,23,24) ኣብ ናይ ግብ 222-23 ንባብናውን ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ (በዓል ሓምሳ) ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኡላ መዓልቲ፦

ነዚ፡ ከም ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን (ኣብ መስቀል ንሙማት) ዝተወፈየ ኢየሱስ ብኢድቶም ሕጊ (ኣምላኽ) ዘይብሎም (ኣህዛብ) ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።

ብምባል፡ እቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ፡ ናይቶም ሕሱማት ኣይሁድ ኰነ ናይ ኣህዛብ ምኽርን ተግባርን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዘለኣለማዊ መደብ ናይ እግዚአብሔር ከም ዝዀነ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ (ግብ 223 .) እቲ ብድያቆናትና ተመሪሕና ዜዘምናዮ ምስባክ ናይ ዕለትውን፡ ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስትያንን ህዝበ ክርስትያንን ሰንደቕ ዕላማ ዝዀነ መስቀል ዝተነግረ ትንቢታዊ ምስባክ (መዝ 604)

ኣብመስቀልዝተሰምየ ቕንያት፡ ብፍትወት ስጋ ኸይንነብር እንመሃረሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ መስቀልን ፍትወት ስጋን እንታይ ኣራኸቦም፧ እዚ ሕቶ ዓብዪ መንፈሳዊ ብርሃን ዚኸስት ኣገዳሲ ሕቶዩ። ነዚ ሕቶ ቓል እግዚአብሔር እናመርመርና ብተገዳስነት ምስ እነስተንትኖ፡ መስቀል ታሪኽን ሃይማኖታዊ ወይ ህዝባዊ በዓልን ካብ ምዃን ዝዓበየ ምስጢር ከም ዘለዎ ኽንርዳእ የኽእለናዩ። መብዛሕትና፡ አረ ዅላትናውን ኪበሃል ዚኽእልዩ፡ መስቀል ንጐይታና ጥራሕ ዚምልከት ኣብኡ ተፈጺሙ ዘብቅዐ ታሪኽ ጌርና ጥራሕ ከም ንርእዮ ዘይከሓድ ሓቂዩ። ኣብ ህንጻታት ኣብያተ ክርስትያንና፡ ኣብ መቓብርና፡ ኣብ እድያትና፡ ኣብ መጋየጺ ስልማታትና፡ ኣብ ኢድ ቅቡኣት ኣገልገልትና፡ ንርእዮን ንሳለሞን ኢና። ኣብ ዕለታውን ውልቃውን ህይወትና ዀነ ናብራና ግን ንመስቀል ኣይንነብሮን ኣይነኽብሮን ከኣ ኢና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኣና መስቀል፡ ናይ ክርስቶስ ታሪኽምበር፡ ናትና ታሪኽን ናብራን ኣይኰነን።ክርስትያንኼብለና ዚኽእል ግን፡ ንመስቀልን ስቕለትን ገዛእ ታሪኽናን ዕለታዊ ናብራናን እንተ ገበርናዮምበር፡ ከም ታሪኽን በዓልን ጥራሕ እንተ ረኣናዮ ኣይኰነን። ኣብ ሎሚ ዘንበብናዮ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ግን፡ ጐይታና ንመስቀል ታሪኽናን ናብራናን ክንገብሮ ኸም ዚግባእ ኣመልኪቱና ኣሎ።

ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ (ኣብ ጸጽባሕ) የልዕልሞ፡ ይስዓበኒ።ማር 834 (ሉቃ 923)

ካብ ከቶ ዘየሻምው ንጹር ኣበሃህላ ናይ ጐይታና ዝዀነ ይኹንሰዓቢ ክርስቶስ ወይ ክርስትያንምዃኑ ዚእመን ሰብ፡ ነናቱ መስቀል ኬልዕልን ኣብ መስቀሉ ኺስቀልን ናይ ግድንዩ። ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማውን ኣቦ ዘለኣለምን ስለ ዝዀነ፡  “ሓንሳእን ንሓዋሩን (ሓንሳእን ንዘለኣለምን)” እትኸውን መስቀል ተሰኪሙን ተሰቒሉን (A) ንሕና ግና ጊዝያውያንን መወትትን ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ንመስቀልና ኣብ ጸጽባሕ (መዓልቲ መጸ) ኢና ነልዕላን ንስቀለላንምበር፡ ከም ጐይታናሓንሳእ ንሓዋሩእትኸውን ስቕለት ክንፍጽም ኣይንኽእልን ኢና። መስቀልና ኸየልዓልናን ከይተሰቐልናን ንነብር እንተሊና ግን፡ ስማዊ ክርስትያንምበር ሓቀኛ ክርስትያን ዘይምዃንና ኸይተማታእና ኽንእመን ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ርእሱ ዝሰቐለ፡ ካብ መስቀል ዘይተፈልየ ኣርኣያዊ ሃዋርያ ዝነበረ። ነዚ ሓቂ ድማ በዚ ዚስዕብ ተኣምኖኡ ገሊጹልና ኣሎ።

“........በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት፡ ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።.

ኣነ ግና በቲ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኰይኑ (ብኻልእ) ኣይምካሕንየ። (ምኽንያቱ) በዚ መስቀል ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውትቲያ፡ ኣነውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ምዉትየ።. ገላ 614,15

እምበኣር፡ ንሕና ኣብ ክርስቶስ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተነደቕና ስድራ ቤት ኣምላኽን ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣምላኽና ኢየሱስን ቅዱስ ሃዋርያኡን ዝሓደጉልና ኣስተምህሮን ኣርኣያን ክንስዕቦ ናይ ነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ ሓላፍነት (ኤፌ 219,20)

ግብራዊ ትርጕም ናይመስቀልካ ኣልዒልካ ኣብ ጸጽባሕ ርእስኻ ምስቃልዚብል መንፈሳዊ ኣምር እንታይዩ፧ ነቲ ቓል ከም ዘለዎ ወሲድና፡ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ኣዳሊና ገዛእ ርእስና ንሰቅል እንተ ንኸውን፡ክርስትና ናይ ህይወት ዘይኰነስ ናይ ርእሰ ቕትለት ናይ ሞት ሃይማኖትምተባህለ ነይሩ። ኣብ ቐዳመይቲ ዝተሰቐልናላ መዓልቲ ስለ እንመውት ድማ፡ እቲኣብ ጸጽባሕዚብል ቃል፡ ትርጕም ኣልቦ ብሂል ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ስለ እዚ ኣበሃህላ ልዑል ምስትውዓል ዚሓትት ዓሚቝ መንፈሳዊ ምስጢር ከም ዘለዎ ዘየማትእ ሓቂዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ነዚ ምስጢር ንኺገልጽ ዝተጻሕፈልና ሃዋርያዊ ቓልዩ። ነዚ መሪሕ ጥቕስና ክንርድኦ ዜኽእለና ኻልእ ሃዋርያዊ መልእኽታትውን ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ ብቕዱስ ጴጥሮስ ዝተጻሕፈ መሪሕ ጥቕስና፡ ንፍቓድን ፍታውን ናይ ኣምላኽምበር፡ ንፍቓድን ፍታውን ናይ ስጋና ኽንነብር ከም ዘይግብኣና ኣዚዙና ኣሎ። ሓጢኣት ድማ፡ ንፍቓድ ፈጣሪኻ ሓዲግካ ንፍቓድ ርእስኻ ከተንግስን ክትግዛእን ምምራጽ ማለትዩ።ንፍቓድ ኣምላኽ ዝግዛእን ዝነብርንንዚብል ሓሳብ ከም ኣጽዋር ተዓጢቕካዮ እንተሊኻ ግን ንፍቓድ ስጋኻ ሰቒልካዮን ቀቲልካዮን ምህላውካ ግብራዊ መረጋገኢዩ። ብኣንጻሩንፍትወት ስጋይ ዝነብርን ዝግዛእንዚብል ዕጥቂ ኣእምሮ ተዓጢቕካ እንተሊኻ ድማ፡ መስቀልካ ዝደርበኻ፡ ዘይክርስትያን ሰብ ትኸውን ማለትዩ።

ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና (እቲ ሓጥእ ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና (እቲ ሓጥእ ባህርይና) ምስኡ ኸም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ (ተሰቒሉ) ዝሞተ (ሰብ) ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡዩ።........ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ንኸይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና (ጽድቂ ንምግባር) ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም ርእስኹም ቍጸሩ።ሮሜ 66,7,11 .

ምዉት ሰብ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልንዩ። ነቲ ሓጢኣት ጥራሕ ዝምርጫኡ ሓጥእ ባህርይና (ወይ ኣረጊት ሰብና) ኣብ ጸጽባሕ እናሰቐልና ቐቲልናዮ ማለት፡ ሓጢኣት ኪገብር ዘይክእልን ዘይኰነሉን ሰብ ኴንና ኣለና ማለትዩ። እቲ ብፍትወት ስጋኡ ዚምራሕ ሰብ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ሓጥእ ባህርዩ ዘይስቐለ ሰብዩ።

ንምዃኑኸ ፍትወት ስጋ እንታይ ማለትዩ፧ መብዛሕትና ነዚ ሕቶ ዘሎና መልሲ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ይትረፍ ኪምጥኖ፡ ናብ ጥቓኡ ዘይቀርብዩ። ፍትወት ስጋ ዚመስለና፡ እቲ ዚስምዓና ጾታዊ ትምኒት ወይ ጾታዊ ስምዒት ጥራሕዩ። ቃል እግዚአብሔር ግና፡ ሓጢኣት ዘበለ ዅሉፍትወት ስጋምዃኑ ዚነግረኣ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያትምኒት ስጋ፡ ፍትወት ስጋ፡ ግብሪ ስጋዚብሉ ቓላት እንታይ ከም ዜጠቓልል ብብሩህ መገዲ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ፡

ኣነ ግና፡ብመንፈስ ንበሩ (ተመላለሱ)’ሞ፡ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹምእብለኩም ኣለኹ። ከመይ ትምኒት ስጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲዩ፡ መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ስጋ መጻርርቲዩ። ስለ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ክልቲኦም መጻርርቲዮም።......... ግብረ ስጋ ግሁድዩ። ንሱ ኸኣ፡ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ዝርጋን (ዕብዳን) ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፡ (ሻራ) ምፍልላይ፡ መናፍቕነት (ዝርግርግ) ቅንኣት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከም ዝኣመሰለ ኻልእውን (የጠቓልል)’ዩ። ከም ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፡ እቶም ነዚ ኸም ዝኣመሰለ ዚገብሩ (ሰባት) ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ (ደጊመ) እብለኩም ኣለኹ። ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም (ዕርቂ) ትዕግስቲ (ዓቕሊ) ለውሃት (ልግሲ) ሕያውነት፡ እሙንነት (እምነት) ርእስኻ ምግታእ (ይኣኽለኒ ምባል)’ዩ፡ ነዚ ኸም ዘመሰለ (ፍረ መንፈስ) ዚጻረሮ ሕጊ (ናይ ኣምላኽ) የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ፡ ነቲ ስጋኦም ምስ ናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎዮም።ገላ 516-24 .

እዚ ኣብ ጥቕስና ተዘርዚሩ ዘሎ ናይትምኒት ስጋ፡ ግብሪ ስጋኣበሳታት መብዛሕትና ኸምፍትወት ስጋኸም ዘይንፈልጦ ዘይከሓድዩ። ኣብ ቅትለት፡ ቍጥዓ፡ ጽልኢ ወይ ሻራ ምስ ተጸመድና፡ፍትወት ስጋ ዚስምዓንን ዝፍጽምን ዘለኹኢልና ዝሓስብናሉ መዓልታት ይህልውዶ ይኸውን። ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር፡ ንኣምላኽ ዜጕህዮ፡ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜትርፈና ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት፡ ፍትወት ስጋ ወይ ትምኒት ስጋዩ። በዚ ሓቂ ዋጋ ዕዳጋ ወይ ምስምስ ዚበሃል የልቦን። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ኣብ እንመሃረሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ ብኸመይፍትወት ስጋከም ዝዀነ ምምሃርና ዘይተርፍዩ። ንጓይላ፡ መን ኻብ መንግስተ ሰማያት ከም ዜትርፍ ፍትወት ስጋ ወይ ሓጢኣት ዚፈልጦ፧ ኣብ ዝኣተናዮን ኣብ ዘለናዮን ኵሉ፡ ጓይላ ኸም መለለዪ ባህልና ኽሳዕ ዚኸውን፡ ብዚኸውንን ብዘይከውንን ምኽንያት እምብዛ እነብዝሖ ህዝቢ ኢና።ናይ ክርስቶስ ክርስትያንዚብል ህዝቢ ኻብ ኰንና ን፡ ነዚ ንምድራዊ ህይወትና ዀነ ንዘለኣለማዊ መጻኢና ዜጸልምትን ዜበላሽውን ሽሕን ሚእትን መልክዓት ሒዙ ዚጻወተልና ዘሎ ፍትወት ስጋ ብጽኑዕ ክንዋግኦን ኣብ ጸጽባሕ ክንሰቕሎን ዚግብኣና።

ፍትወት ስጋ ብኸመይ ዚዋግኣናን ዚጐድኣናን፧ ውሉድ ኣዳም ዝዀነ ዅሉ ሰብ፡ ብሰለስተ ኣካላት ዝቘመ ስሉሳዊ ፍጥረትዩ። እተን ስሉሳውያን ዚገብራና ኣካላት ከኣ ስጋ፡ ነፍሲ፡ መንፈስየን። ብኣርኣያ ቅድስት ስላሴ ናይ ምፍጣርና ጭቡጥ መረጋገጺና ድማ እዘን ሰለስተ ኣካላትየን። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂዚ፦

ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንተናኹም ይቐድሶ። (ብመዓልቲ) ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፡ ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሓለው።

ብምባል ብዛዕባ ስሉሳዊ ኣቃውማና ኣብሪሁልና ኣሎ (1ተሰ 523) ሰይጣን ንወዲ ሰብ ኬውድቖን ኪጐድኦን ምስ ተዓጥቀ፡ ነቲ ባህርያዊ ናይ ስጋ ድልየታቱ መዝሚዙ፡ ገና ኣብ ገነት ኤድን ከሎ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ኪቐውምን፡ ንፍቓድ ስጋኡ ጥራሕ ኪግዛእን ኣስሓቶ። በዚ ኸም ኸኣ፡ ከም ልዕል ኢልና ኣብ ገላ 516-24 ዘንበብናዮ፡ ንመንፈስናን ስጋናን ዘይዕረቑ መጻርርቲ ኸም ዚዀኑ ብምግባር ናብ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላው ኣእተወና። ንስጋና ባርያ ፍቓዱ ገይሩ ንኺገዝኦ ዚጥቀመሉ ሜላ፡ ንፍትወት ስጋና ብምዕፋርን ካብ ዓቕሚ ቝጽጽርና ንላዕሊ ኸም ዚኸውን ብምግባርንዩ። ፍትወት ስጋ ምስ ነገሰ ኸኣ፡ ዝተፈላለየ ናይ ሓጢኣት መልክዓት ሒዙ ይገሃድ። ፍትወት ስጋ ህያው ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ፡ ነፍስናን መንፈስናን ንምውጋእ ዚጥቀመሉ ኣጽዋር፡ ፍትወት ወይ ትምኒት ስጋዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ሓቂዚ፦

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን መጻእተኛታትን (መጠን) እመኽረኩም ኣለኹ፡ ካብ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት (ፍትወት-ስጋ) ርሓቑ።

ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 211) ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ገላ 517 ጥቕሲ ድማ፡ ትምኒት ስጋ ንመንፈስና ኸም ዚጻረሮ ተነጊሩና ኣሎ። ስለ ውግእ ፍትወት ስጋናን ሰይጣንን፡ ምስተን ዘለኣለማውያን ዝዀና ዘይሞታን ዘይብስብሳን ኣካልና፡ ማለት ምስ ነፍስናን መንፈስናንዩ። ንፍትወት ስጋኡ ዚግዛእ ዘበሉ ዅሉ ጸላእ ኣምላኽን ውሉድ ጥፍኣትን (ገላ 68 ኤፌ 21-3 417-24 ቈሎ 121 213 ቲቶ 33)

ካብ ለካሚና ዝዀነ ፍትወት ስጋ ብኸመይ ኢና ክንናገፍ ንኽእል፧ ንምዃኑኸ ይከኣል ድዩ፧ ከመይ ደኣ ዘይከኣል!! እግዚአብሔር ዚኣክል ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ፡ ዘይንኽእሎ ነገር ኣይእዝዘናንዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ዝተመላለሰሉ ዕላማኮ፡ ከም ዚከኣልን ብኸመይ ከም እንኽእሎን ብቓል ኪምህረና ብግብሪውን ንኼርእየናዩ። እዚ ዘልዓልናዮ ሕቶ፡ ናብ ትምህርቲ-መስቀል ዜእትወና።

1.ንፍትወት ስጋኻ ምቕታል፦ ኪቐትለካ ተሃንዲዱ ኻብ ዝመጸ ጸላኢ እትድሕነለን ክልተ መገድታት፡ ወይ ንእኡ ምቕታልያ፡ ወይ ከኣ ንሱ ኼርክበካ ብዘይክእል ፍጥነት ምህዳምያ። ካብ ፍትወት ስጋና ኽንሃድም ግን ኣይከኣልንዩ። ምኽንያቱ ኣብ ስጋና ተሰዅዑ ዚነብር ባህርይዩ። ካብ ፍትወትካ ምህዳምን ካብ ጽላሎትካ ምህዳምን፡ ዘይስምረልካ ከንቱ ፈተነዩ። ካብ ምንዝርና ኣርሒቕና ኽንሃድም ንኽእል ኢና፡ ካብ ዚስምዓና ጾታዊ ፍትወት ግን ክንሃድም ኣይንኽእልን ኢና። ካብኡ እንሃድም ምስ እንመውት ጥራሕ ወይ ከኣ ብትንሳኤ ዘፉባኤ እዚ ውዱቕ ስጋና ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ተለዊጡ ኸም መላእኽቲ ኣምላኽ ምስ እንኸውን ጥራሕ (ፊሊ 320,21 ሉቃ 2036) ስለ ዘላትና እንኮ መዋጽኦ፡ ነቲ ዚለዓለናን ዚደፍኣናን ፍትወት ስጋ፡ ከይቀተለና ኸሎ ቐዲምካ ምቕታሉያ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ስለዚ፡ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቅተሉ።

ዝበለና (ቈሎ 35 .) ጐይታናውን ገዛእ ርእስና ቐቢጽና፡ መስቀልና ኣብ ጸጽባሕ ኣልዒልና፡ ነቲ ኣብ ስጋና ሓዲሩ ዚዋግኣና ፍትወት ክንሰቕሎን ክንቀትሎን ነጊሩናዩ። ፍትወት ስጋ ግን ኣጽዋር ሰይጣን ምዃኑ ከቶ ኣይንረስዕ። ጥራሕ ኢድካ ዄንካ፡ ብዘይ ኣጽዋር ብዘይ ዕጥቂ ዚቕተል ጸላኢ ኣይኰነን። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን፡ ንሰይጣንን ነጽዋሩን ዚስዕር ኣዝዩ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣጽዋር ተዳልዩልናን ተዋሂቡናን (ኤፌ 610-18 2ቈረ 104,5 1ተሰ 56-8 ሮሜ 1312) ነቲ መሪሕ ጥቕስና ገሊጹልና ዘሎ ሓያል መንፈሳዊ ዕጥቂ ድማ ኣይንረስዓዮ።ንሓጢኣት ሓዲገዮየ፡ ኣብ ተሪፉኒ ዘሎ ዘመን ህይወተይ፡  ንፍቓድ ኣምላኽምበር ንፍትወት ስጋይ ኣይነብርንዚብል ጽኑዕ ውሳነን መትከልን ድማ፡ ኣዝዩ ሓያል ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ዕጥቂዩ። እዞም ኵሎም ቅዱሳን ሰማእታትና፡ ንሃልሃልታ ሓዊ፡ ንብልሒ ሰይፊ፡ ንጭካነ ኣራዊት፡ ንሓይሊ ጭጕራፍ፡ ንሕሰም ጥምየትን ዕርቃንን በዲሆም ንፍትወት ስጋን ንፍሪኡን ዝሰዓሩ፡ ነዚ ዘይጸዓድ ኣጽዋር ኣእምሮ ስለ ዝዓጠቑዩ።

2. ኣካላትካ ንኣምላኽ ምውፋይ፦

እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ (ሰባት መጠን) ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩምበር፡ ኣካላትኩም ኣጽዋር (ወይ መሳርሒ) ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ። ኣካላትኩምሲ ኣጽዋር (ወይ መሳርሒ) ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። (ምኽንያቱ) ትሕቲ ጸጋምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምንዩ፡ ........ ከም (ቕድሚ ሕጂ)ንርኽሰትን እናገደደ ንዚኸይድ ክፍኣትን ኪግዛእ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ (ሕጂ) ናብ ቅድስና ንዜብጽሕ ጽድቂ (ኺግዛእ) ኣካላትኩም ወፍዩ።” (ሮሜ 612-14,19 .)

ብኣና ገይሩ ጽድቁ ኺገልጽ ኣካላትና እንተ ወፊናሉ፡ እግዚአብሔር ብጸጋኡን ብሓይሉን ስለ ዚድግፈና፡ ዘይንኽእሎ ግብሪ ጽድቂ፡ ዘይንስዕሮ ግብሪ ሓጢኣት ኣይህልወናንዩ። ነቲ ኸየቋረጸ ኣፍ ደገ ልብና ዚዅሕኵሕንወደየ ልብኻ ሃበኒእናበለ ዚልምነና ዘሎ ጐይታ፡ ማሕደሩ ኪኸውን ኣካላትና ፈቲና እንተ ወፊናሉ፡ ኣባና ሓዲሩ ኣጽዋር ጽድቂ ኣቕሓ ኽብሪ ኪገብረና (ራእ 320,21 ምሳ 2326 ገላ 220 1ዮሃ 413,15,16 ዮሃ 155 2ቈረ 34-6)

እምበኣር ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምር። እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይመስቀልቅንያት፡ ታሪኽ መስቀል፡ ታሪኽ ናይ ጐይታና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ታሪኽ ናይ ህይወትናውን ምዃኑን ዘይምዃኑን ነጣልል። ንመስቀል ዕለታዊ ናብራኻን ታሪኽ ህይወትካን ከይገበርካ ምንባር፡ ናብራ ዕሽነትዩ። እቲ ልዑል ኣምላኽን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ንምድሓን ዜለብመና ቃል ህይወትን ግብራዊ ኣርኣያን ሓዲጎምልናዮም። እንተ ሰማዕና እንተ ተኣዘዝና፡ ምስኣቶም ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣቦ ኽንቀውም፡ እቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ብዚኸብረሉ ኽብሪ ኽንከብር ኢና። ክብርን ረብሓን ናይ ስጋና ንዒቕና፡ መስቀልና ብፍታውን ብሓጐስን ኣልዒልና፡ መዓልቲ መጸ ፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋና ከይስቐልናን ከይቀተልናን፡ ንመስቀል ከም ሃይማኖታዊ ጽምብልን ጥንታዊ ታሪኽን ጥራሕ ንርእዮ እንተሊና ግን ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስምበር፡ ክርስትያን ዘይምዃንና ኣይንጠራጠር (ፊል 317-19) ስለ ንፍትወት ስጋና መዓልቲ መጸ ብምስቃል፡ ንታሪኽ መስቀል ታሪኽ ህይወትና ንግበሮ!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

መስከረም 22, 2015 ግዕዝ (2 ጥቅምቲት 2022 ፈ[4ይ ሰንበት: ቊ.7/፯, 2022])

ምስባክ

መዝ 59(60)4

"ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ።

ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት።  

ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።"

"ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዓሉ፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፡ ብየማነይትኻ ኣድሕን ስምዓና።"

ንባባት

ኣንባቢ

 

1ቈረ 117-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 41-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 222-32

ንፍቅ ካህን

ማር 827-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div