S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝፈሰሰ ጻድቕ ደም [2ይ ሰንበት: ቊ.5/፭, 2022]

እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳዕ ደም ናይ ኣብ መንጎ ቤት መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕዩ። እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 2335,36

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ መስከረም 8 “ዘካርያስተባሂላ እትጽዋዕ። እዚ ዘካርያስ ዓሌቱ ካብ ቤት ኣሮን ዝዀነ፡ ካህን ወዲ ኻህናት ዝነበረ። ኣብ ርእሲ ናይ ክህነት ኣገልግሎቱ ድማ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ናይ ትንቢት ኣገልግሎት ዝጸገዎ ሓቀኛን ተባዕን ነብዪ ነበረ። ብወላዲት ኣዲኡ ድማ ካብ ዓሌት ነገስታት ይሁዳ፡ ካብ ዓሌት ንጉስ ዳዊት ነበረ። ኣዲኡ የውሻብዓት ጓል ንጉስ ዮራም (ወዲ ንጉስ ዮሳፋጥ) ነበረት። እቲ ዚቐትሎ ዘሎ ንጉስ፡ ወደሙኡ ምዃኑዩ። ኣቦኡ ዮያዳ ድማ ተራ ካህን ዘይኰነስ፡ ሊቀ ካህናት ነበረ። እዚ ሊቀ ካህናት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ይሁዳ ኽልተ ዓበይቲ ታሪኽ ዝፈጸመዩ። ቀዳማይ ተግባሩ ንግስነት ይሁዳ ካብ ደመኛ ንግስቲ፡ ዓታልያ ጓል ንጉስ ኣከኣብ፡ ናብ ቤት ዳዊት ዝመለሰ ጅግና ነበረ። ካልኣይ ተግባሩ ድማ፡ ንህዝቢ ይሁዳ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ኣምልኾ እግዚአብሔር ዝመለሰ መንፈሳዊ ጅግና ነበረ፡ ኣብ ዘመኑ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ፡ ንጉስን መሳፍንትን ህዝብን ናይ ይሁዳ መገዶም ምስ እግዚአብሔር ኣጽኒዖም ዝተመላለሱሉ ወርቃዊ ዘመን ነበረ። ሊቀ ካህናት ዮያዳ (ኣቦ ነብዪ ዘካርያስ)ምስ ሞተ ግና እቲ ንጉስን መሳፍንቱን ተሰማሚዖም ናብ ኣምልኾ ጣኦት ተመልሱ። ኣብ እዋን እቲ ካህንን ነብዪን ዝዀነ ወዱ ዘካርያስ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሊኡን ተደሪኹን ንንጉስን ሹማምንትን ህዝብን ናይ ይሁዳ ብትብዓት ዝገሰጾም። እዚ ታሪኽ ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ካብ ምዕራፍ 22 ክሳዕ ምዕራፍ 24 ሰፊሩ ንረኽቦ። ብዛዕባ መልእኽትን ኣማውታን ናይ ነብዪ ዘካርያስ ድማ ብኸም ዚስዕብ ሰፊሩልና ኣሎ።

ዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮያዳ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰሞ፡ ኣብ ልዕሊቶም ህዝቢ ደው ኢሉ በሎም፡ <ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት እግዚአብሔር ዘፍረስኩም፧ ሰናይ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ንእግዚአብሔር ስለ ዝሓደግኩምዎ፡ ንሱ ኸኣ ሓዲጉኩምዩ።> ሽዑ ንእኡ ተመሓሓሉሉ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ድማ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚአብሔር፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ (ንዘካርያስ) ዝገበረሉ ምሕረት ኣይዘከሮን። ነቲ ወዱ ደኣ ቐተሎ። (ዘካርያስ) ግና፡ ኪመውት ከሎ፡ነዝስ እግዚአብሔር ይርኣዮ፡ ይድለዮውንበለ።” 2ዜና 2420-22

ከም ነብዪ ዘካርያስ ዝበላ፡ ሶርያውያን ወሪሮም ሕነ ደም ናይ ነብዪ ኣውረዱሎም። እቶም ሹማምንቲ ይሁዳ ብምሉኦም ተቐትሉ። እቲ ንጉስ ብኸቢድ ቈሲሉ ኣብ ዓራቱ እናተሳቐየ ኸሎ ኣሞናውን ሞኣባውን ገላውኡ ብውዲት ቀተልዎ። ኵሉ ሃብቲ ይሁዳ ድማ ብምርኮ ናብ ደማስቆ ናይ ሶርያ ገዓዘ። እግዚአብሔር ንደም ናይ ጻድቕ ነብዪ ብዜስክሕ መገዲ ሕነ ፈደዮ።

እቲ ኣብ ዕለት ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዘመረበቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔርዘርእስቱ መዝሙር-ሰንበት ነዚ ጻድቕን ፍትሓውን ግብሪ ናይ እግዚአብሔር ዚገልጽዩ። እቲ ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳንውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ዚወርድ ግፍዕን መከራን እንታይ ከም ዚመስልን ማዕረ ኽንደይ መሰክሕ ምዃኑን ዚገልጽዩ። እቲ ብድያቆናትና እናተመራሕና ዜዘምናዮ ምስባክውን፡ እግዚአብሔር ንኣውያት ቅዱሳኑን ነቲ ዝፈሰሰ ጻድቕ ደሞምን ከም ዘይርስዖ፡ አረ ሕነ ኸም ዚፈድዮ፡ ብዛዕባ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ድማ ብመዝሙር ኪውደስን ኪቕደስን ከም ዚግብኦ ዜዘክርን ዜስተምህርንዩ። ጐይታና ኣብ መሪሕ ጥቕስና ገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ናይ ጻድቃን ደም፡ ሕኒኡ ኸይተፈድየ ኸም ዘይተርፍ ብዜፍርህ መገዲ ዜረጋገጸልናዩ። አረ ናይ ጐይታና ሓያል መልእኽትስ ከቢድን ኣሻቓልን ሕቶ ዜለዓዕልዩ።

ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ኣብ ዝነበረ ዘመን ናይ ዝተቐትሉ ጻድቃን ሕነ-ደም በብእዋኑ ኣይተፈድየን ድዩ፧ ንምንታይዩኸ እዚ ሽዑ ዘይነበረ ወለዶ እንደገና ሕነ ደሞም ዚፍደዮ፧ እዚ ናይ እግዚአብሔር ምፍዳይ ሕነኸ ኣይበዝሐንዶ፧ ኣይከበዶንዶኸ፧ ብርግጽ እግዚአብሔር ነቲ ኣብ ጻድቃንን ንጹሃት ሰባትን ዝወረደ ግፍዕን ቅትለትን በብእዋኑ ፈድይዎዩ። ንኣቤል ጻድቕ ዝቐተለ፡ እቲ ምዕባዩ ሓዉ ቃኤልዩ። እግዚአብሔር ንቃኤል እንተ ዘይቀተሎኳ፡ ካብ ሞት ብዚኸፍእ መርገም ቀጺዕዎዩ። ቃኤልውን ክብደት ናይ ዝተመደበሉ መቕጻዕቲ ተረዲእዎስ፡በደለይ ክጾሮ ዘይከኣለኒ ዓብዪክሳዕ ምባል በጺሑ (ዘፍ 41-14) ስለ ምፍሳስ ደምን ሞትን ኰይኑ ስለ ዘይመጸስ፡ እግዚአብሔር ዘይቀጽዐ ኺመስለና ኣይግባእንዩ። ናይ ነብዪ ዘካርያስ ሕነ ደም ድማ እግዚአብሔር ብዜሰክሕ መገዲ ኸም ዝፈጸሞ ኣብ 2ዜና 2423-26 ብንጹር ተገሊጹዩ። ዋላ ንደም ናይቶም ኣብ መንጎዞም ክልተ ሰባት ኣብ ዝነበረ ዘመናት ዝተቐትሉ ጻድቃንውን በብእዋኑ ኸም ዝተፈድየ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርዚሩ ዚትርኸልና።

ጐይታና ኣብ መሪሕ ጥቕስና ገሊጽዎ ዘሎ ሓሳብ ግና፡ እቲ ናቱ ወለዶ ነቶም ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ዝነበሩ ጻድቃን ከም ዝቐተለ ገይሩዩ፡ዝቐተልኩምዎብምባል ገሊጹ ዘሎ። ቀተልቲ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ተፈደይቲ ሕነውን ምዃኖም ኣግሂዱ ነገሮም። ንጹህ ደም ድማ ኣሽንኳይ ናይ ኣእላፋት ሰባት ተደሚሩ፡ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ደም ከመይ መሪር ፍዳ ኸም ዜውርድ፡ በዛ ናይ ነብዪ ዘካርያስ ጥራሕ እኹል መረዳእታ ንረክብ ኢና። እዚ ኣብ ዘመን ጐይታና ዝነበረ ወለዶ፡ ውሉድ ናይቶም ቀተልቲ ጻድቃን ዝነበረ። ካብቶም ዝፈረይዎ ወለዶታት ዚሓይሽ ባህርይን ግብርን ዘይነበሮ፡ ደም ጻድቃን ዚጸምእ ወለዶውን ነበረ። ስለ ኸኣ ጐይታና ኸም ዚስዕብ ብምባል ንመንነቶም ኣፍለጦም።

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ ኣለኹምሞ፡ ወይለኹም!! “ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብ ደም ነብያት ኣይምተጸምበርናን ኔርናትብሉ ኣለኹም። እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣለኹም። ንስኻትኩምውን መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ። ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ ናይ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ (ትኽእሉ) ስለ እንሆ፡ (ሕጂውን) ነብያትን ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም ኣለኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፍዎም፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕጉዎም ኣለኹም።ማቴ 2329-34

ጐይታና፡ ነዚ ድሕሪ ምዝራቡዩ፡ ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ፍርዳዊ ቓል ዝተዛረበ። እቲ ወለዶ ነቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዅሉ ቕትለትን ግፍዕን እናፈጸመ ኸሎ፡ ነብያትን ጻድቃንን ዜፍቅር መሲሉ ምእንቲ ኺረኣይ ግን፡ ነቶም ኣቦታቱ ዝቐተልዎም ጻድቃን ውሩዕ (ስሉም) መቓብር እናሰርሐ ግብዝነቱ ይቐልዕ ነበረ። ነቲ ናይ ኣቦታቱ ናይ ደም መስፈር ግና ይመልኦ ደኣ ነበረ። እቲ  መንደላይ ተመንዚበሃል ዘሎ፡ ድያብሎስ ባዕሉዩ። ጐይታና ድማ ግብሪ ናይ መንደላይ ተመን እንታይ ምዃኑ፡ ነቶም ቀተልቲ ጻድቃን ንምንታይኣትማን፡ ውሉድ ናይ መንደላይ ተመንከም ዝበሎም ብኸም ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ።

ንስኻትኩም ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣለኹም፡ ..... ንስኻትኩም ካብ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም። ነታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ቐታል ነፍሲዩ። ...... (እቲ ሰራቒ ድያብሎስ) ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን (እንተ ዘይኰይኑ) ኣይመጽእንዩ።ዮሃ 841,44 1010

ስለ ናይ ኣቦኦም ድያብሎስ ትምኒትን ግብርን ይፍጽም፡ ነቲ ኣቦታቱ ኺመልእዎ ዝጀመሩ ናይ ደም ጽዋእ ይመልእ ስለ ዝነበረ ሕነ ደም ናይ ኵላቶም ጻድቃን ኣብኣቶም ኪወርድ፡ ፍትሓውነት ናይ እግዚአብሔር ዜመስክር ቅኑዕ ውሳነዩ። ናይ ሓደ ድያብሎስ ኣገልገልቲ፡ ናይ ሓደ መስፈር መላእቲ ስለ ዝዀኑ፡ ናይ ሓንቲ ፍርዲ ተኻፈልቲ ኪዀኑ ናይ ግድንዩ። ደሓር ከኣ ናይ ርእሲ ዅሎም ነብያትን ካህናትን ጻድቃንን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደም ዜፍስስ ወለዶ፡ እዚ ወለዶ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዝኸፍአ ወለዶዩ። ደም ናይቶም ዝተቐትሉ ጻድቃን ብምሉኡ ተደሚሩ፡ ክንዲ ሓንቲ ነጥቢ ደም ናይ ጐይታና ኸም ዘይከውን ኣይንዘንግዕ። ምኽንያቱ ደም ናይቶም ጻድቃን፡ ደም ሰብ ጥራሕ ኪኸውን ከሎ፡ ደም ክርስቶስ ግና ደም ናይ ስግው መለኮትዩ። ናይቶም ጻድቃን ደም፡ ደም ባሮት-ኣምላኽዩ። ደም ክርስቶስ ግና፡ ደም ወዲ ኣምላኽ፡ ደም ንጉስዩ። ጐይታና ነዚ ዅነታት ኣብምስላ ኣታኽልቲ ወይኒዝተሰምየ ትምህርቱ ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 2133-46) እቲ ኣረማዊ ሮማዊ በዓል ስልጣን ጲላጦስ፡ኣነ ኻብ ደም ናይ ጻድቕ ንጹህምስ በሎም፡ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹንኢሎም ርእሶም ዝዀነኑን ከይተረድኦም ኣብ ገዛእ ርእሶም ቅኑዕ ዝፈረዱን ዓያሱዮም (ማቴ 2724,25)

ጻድቕ ደምዚበሃል ግን ናይ መን ደምዩ፧ ኣብ ሓጥኣን ንዝተፈጸመ ግፍዕን ቅትለትንከ እግዚአብሔር ኣይፈድዮን ማለት ድዩ፧ጻድቕ ደምወይንጹህ ደምዚበሃል ብሞት ወይ ካልእ መቕጻዕቲ ዜቕጽዖ በደል ዘይፈጸመ፡ ቅጽዓት ኪቕበል ብኣምላኽ ዘይተፈርዶ ሰብ ማለትምበር፡ጻድቕ ናይ ዝዀነ ሰብ ደምማለት ጥራሕ ዘይምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚገልጸልና። እግዚአብሔር ንደም ናይቶም ጻድቃን ዝዀኑ ሰባትምበር፡ ንደም ናይቶም ሓጥኣን ሕነ ዘይፈድይ እንተ ዚኸውን፡ ባዕሉፍትሓዊኺብልን፡ ብሰብፍትሓዊኺበሃልን ኣይምበቕዐን ነይሩ። እግዚአብሔር ግና፡ ክብሪ ንእኡ ይኹን፡ ብፍትሓውነቱ ዝዀነት ትኹን ኣበርን መንቅብን ዘይትርከቦ ፍጹምን ጻድቕን ኣምላኽዩ። እቲ ንእግዚአብሔር ዝነዓቐን ንሓዉ ዝቐተለን ቃኤል፡ዝረኸበኒ ዘበለ ኪቐትለኒምስ በሎ፡ጽቡቕ፡ ድፍእ የብሉኻ፡ ኢድካኣይበሎን። ብኣንጻሩ ደኣ፡ንቓኤል ዝቐተለ ዅሉ፡ ሾብዓተ ኻዕበት (ሾብዓተ ዕጽፊ) ሕነ ኺፍደዮዚብል ዜገርም ፍርዲ ፈረደ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ ንቃኤል ምልክት ብምግባር ተኸላኸለሉን ሓለዎን (ዘፍ 414,15) ሓደ፡ እንተ በዝሐ ኸኣ ክልተ ኻዕበት ዘይኣኽሎ፡ ንምንታይ ሾብዓተ ዕጽፊ ዚፈድየሉ፧ ንበዳሊኡ፡ ንኸም ዝበለ ዝኸፍአ ሓጥእ ሰብ፡ ብፍትሒ ዜናብር ብሕያውነት ዚሕልውን ዚከላኸልን ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኣምላኽዩ፧ ፍትሒ ኣምላኽ ልዕሊ ዓቕሚ ኣእምሮና ዚምጠጥ እምብዛ ረቀቕዩ። ስለ ኸኣ ብዛዕባ ሰባት፦

እዚኣቶም መገዲ እግዚአብሔርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡዮምሞ፡ ድኻታትን ዓያሱንዮም።ዚብል (ኤር 54,5)

እቲ ኣብ ጊብዖናውያን ዝተፈጸመ ታሪኽውን ብዛዕባ ፍጹም ፍትሓውነት ናይ እግዚአብሔር ዜገርም መረዳእታ ዚህበናዩ። ጊብዖናውያን ካብቶም ኪጸንቱ ዝተፈርዶም ከንኣናውያን ኣህዛብ ሓደዮም። እንተ ዀነ ብሓሶት ኣታሊሎም እያሱ ብስም እግዚአብሔር ምሒሉ ኸይቀትሎም ኪዳን ኪኣተወሎም ዝገበሩ ህዝቢዮም። ብተለሎ (ምትላል) ዝተኣትወ ኺዳን እንተ ዀነ፡ ብስም እግዚአብሔር ዝተፈጸመ ኺዳን ስለ ዝነበረ፡ ነዛ ኺዳንዚኣ ዘፍረሰ እስራኤላዊ ንጉስን ህዝብን ምስ እግዚአብሔር ዚበኣስ። ነቲ ዝርዝራዊ ታሪኽ ካብ መጽሓፍ እያሱ ምዕራፍ ትሽዓተ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። እቲ ምስትውዓል ዝጐደሎን ዓለወኛን ንጉስ ሳኦል ግና፡ ኬጽንቶም ኢሉ ብዙሓት ቀተለሎም። በዚ ኸኣ ጊብዖናውያን ኣዝዮም ሓዘኑ፡ እግዚአብሔር ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ፈረደ። እቲ ፍርዲ ኸኣ ድሕሪ ምፍራስ መንግስትን ሞትን ናይ ሳኦል፡ ኣብ ዘመነ ንጉስ ዳዊት ተፈጸመ። ንሰለስተ ዓመታት ዚኣክል ብኸቢድ ደርቅን ጥምየትን ቀጽዖም። በዚ ፍርዲ ብዙሓት ካብ ህዝቢ እስራኤል ብሞት ከም ዝረገፉ ጥርጥር የልቦን። ቅዱስ ዳዊት እቲ መዓት ጠንቂ ኸም ዘለዎ ተረዲኡ፡ ብጸሎት ገጽ እግዚአብሔር ምስ ደለየ ግና እግዚአብሔር፦

እዚ (መዓት) ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ ደም ዘለዋ ቤቱን፡ ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎምዩ።በሎ (2ሳሙ 211) ንጉስ ዳዊት ንጊብዖናውያን ጸዊዑ፡ንርስቲ እግዚአብሔር (ንህዝቢ እስራኤል) ክትምርቑስ እንታይ ክገብረልኩም ብምንታይከ ዕርቂ ኽገብርየ፧ ..... ነቲ እትብልዎ ኽገብረልኩምምስ በሎም፦

ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ናይ ብሩርን ወርቅን ነገር የብልናን፡ ኣብ እስራኤልውን ሰብ ክንቀትል ኣይግብኣናንዩ። ....... እቲ ዝወድኣናን፡ ኣብ ኵሉ ዶብ እስራኤል ከይንነብር፡ ምእንቲ ኽንጸንት እተተናዀለናን ሰብኣይ፡ ኣብ እግዚአብሔር ዝሓረያ ጊብዓ ናይ ሳኦል ንእግዚአብሔር ክንሰቕለሉስ፡ ካብ ደቁ ሾብዓተ ሰባት ይሃቡና።

በልዎ (2ሳሙ 214-6) ንጉስ ዳዊት ከም ዝበልዎ ሃቦምሞ፡ ንደቁ ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎም። በዚ ኸም ኸኣ ሕነ ደም ጊብዖናውያን ኣብ ልዕሊ ቤት ሳኦል ተፈድየ። ንጉስ ዳዊትን ህዝቡን ናብ እግዚአብሔር ምስ ተማህለሉ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ነታ ሃገር ተለመናሞ፡ እቲ ኸውሒ ዀይኑ ዝነበረ ሰማይ ዝናም ሃበ፡ (2ሳሙ 2114) እግዚአብሔር ከም ንህዝቢ ከንኣን ገይሩ ዝጸልኦን ኪጠፍእ ዝፈረዶን ሓጥእ ህዝቢ ኣይነበረን። ብዘይ ፍትሒ ብማሕላ ዝተኣትወ ኺዳን ፈሪሱ ግፍዒ ምስ ወረዶም ግና፡ ንደሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤልን ቤት ሳኦልን ፈደዮ። ንጉስ ኣከኣብን እታ ጨካን ሰበይቱ ኢዛቤልን ንሓደ ድኻ ናቡተ ብግፍዒ ቐቲሎም ርስቱ ምስ ወረሱ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ እንታይ ከም ዝፈረደን ብኸመይ ከም ዝተግበሮን ቅዱስ መጽሓፍ መሃሪ ብዝዀነ ኣገባብ ኣዘንትዩልና ኣሎ (1ነገ 211-26 22,34-38 2ነገ 924-27,30-37)፡፡

እግዚአብሔርከ ሕነ ናይቶም ደሞም ናብ መሬት ዝተኻዕወ ጥራሕ ድዩ ዚፈድይ፧ እቶም ደም ብዘየፍስስ ኣገባብ ዝተቐትሉኸ ሕነ ይፍደየሎም ድዩ፧ ምስ ቅትለት ንዘይተሓሓዝ ግፍዕታትከ ይፈድዮ ድዩ፧ እቲምፍሳስ ደምዚብል ቃል፡ ነቲቕትለት ወይ ሞትዚብል ቃል ዚውክልምበር፡ ካልእ ትርጉም የብሉን። ብሰይፊ፡ ብጥይት፡ ብዳርባ እምኒ ንዝተቐትለ ሰብ ሕኒኡ ፈድዩ፡ ብገመድ ተሓኒቑ፡ ተመሪዙ፡ ብጥምየት ሓሊቑ ንዝሞተ ግና ዘይፍደየሉ እንተ ዚኸውን፡ ካብ ናይ ሰብ ዚኸፍእ ፍትሒ ምዀነ ነይሩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያናንና ነቶም ብዘይ ምፍሳስ ደም ዝተቐትሉ ቅዱሳንሰማዕት ዘእንበለ ደምእትብለሉ ምኽንያት ንሱዩ። ናይ ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ሰማእትነት ብዘይ ደም ዝተፈጸመዩ።

እግዚአብሔር ንዅሉ እኩይ ግብሪ ድማምበር፡ ንቕትለት ጥራሕ ኣይኰነን ዚፈድዮ። ካብ ተራ ናይ ልሳን ጸርፍን ጸለመን ክሳዕ ዝለዓለን ዝኸፍአን ቅትለት ንዅሉ ብፍትሒ ዚፈድዮ። እቲ ብምፍሳስ ደም ይኹን ብዘይ ምፍሳስ ደም ዚፍጸም በደላት፡ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘለኻ ንኣኻ፡ ብድሕረኻ ድማ ንወለዶታትካ ዜሳድድ። ነብዪ ህዝቅኤል ንኽብደት ኣበሳ ናይ ምፍሳስ ደም ብስእላዊ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ናይ ሓዋሩ ጽልኢ ስለ ዝነበረካ፡ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ጸበባኦምን በቲ ኣበሳኦም እተፈጸመሉ ጊዜን ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፈኻዮም፡ ስለዚ፡ <ኣነ ህያው > ይብል እግዚአብሔር፡ ንደም ክውፍየካየ፡ ደም ከኣ ኪሰጕጐካዩ፡ ደም ኣይጸላእካንሞ፡ ደም ኪሰጕጐካዩ።ህዝ 355,6

እምበኣር ደም ምፍሳስ፡ ብግፍዒ ነፍሲ ሰብ ከም እትሓልፍ ምግባር፡ መሪር ሳዕቤን ዘለዎ ናይ ዓያሱ ተግባር ምዃኑ ኪስወረና ኣይግባእን። እግዚአብሔር ብነብዪ ሙሴ ገይሩ፦

ደም ምፍሳስ፡ ነታ ሃገር የርክሳሞ፡ ነታ ዘለኹምዋ ሃገር (ብደም) ኣይተርክስዋ። እታ ብደም ዝረኸሰት ሃገር፡ (ብምፍሳስ ደም ናይ) ደም ዝኸዓወ (ሰብ ወይ ህዝቢ)’ እትነጽህ።

ብምባል፡ ክፍኣትን ሳዕቤንን ናይ ኣበሳ ኣነጺሩ ገሊጹልና10 ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነቲ መዝሙር፡ ነቲ ምስባክ ኰነ ነቲ ንባባት ናይ ዕለት ምስ ምፍሳስ ደም ኣተሓሒዛ ዘቕረበትሉ ምኽንያት ድማ፡ ንርእስናን ንወለዶታትናን ንምድርናን ካብ ሰራም ኣበሳ ምእንቲ ኸነድሕንዩ።

ሳዕቤን ናይ ምፍሳስ ደም፡ ደም ናይ ቐታሊ ስለ ዝፈሰሰ ጥራሕ የብቅዕ ድዩ፧ ወይስ ነባሪ ሳዕቤንውን ኣለዎዩ፧ ነዚ ኣበሳ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዚገብሮ ደኣ፡ እቲ ነባሪ ሳዕቤኑ እንድኣሉ። እቲ ቐታሊ ዝተፈድዮ ኸይኣክል፡ እቶም ወለዶታት ናይ ቐታሊውን እናተፈድይዎዮም ዚነብሩ። ነቲ ናይ ኣቤል ጻድቕ ደም፡ ቃኤል ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፎ ተፈድይዎ ኽነሱ፡ እቶም ኣብ ዘመን ጐይታ ዝነበሩ ወለዶታትውን ከም ዚፍደይዎ፡ እቲ ፈራዲ ጐይታና ባዕሉ ኣፍሊጡናዩ። ምኽንያቱ በቲ መቕጻዕቲ ለቢሞም ብንስሓ ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ ኣብ ናይ ኣቦታቶም ተግባር ስለ ዝቐጸሉ፡ ናይ ባዕላቶም ዘፍሰስዎ ውዑይ ደምን፡ ናይ ኣቦታቶም ዘፍሰስዎ ጥንታዊ ደምን ሕነ እናተፈድይዎ ይነብሩ። ነታ ናይ ኣቦታትካ መስፈር ትመልእ እንተሊኻ፡ እታ መስፈር ኣብ ልዕሌኻ እትግልበጠሉ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ናትካን ናይ ኣቦታትካን ዚግልበጠካምበር፡ ነተን ናትካ ፈልዩ ጨብ ኣየብለልካንዩ። ንስኻ ነቲ ናይ ኣቦታትካ ኽትቅጽሎ እንተ ዘየጽሊኡካ፡ እቲ ፈዳዪ ኣምላኽ ናይ ኣቦታትካ ፍዳ ኣብ ልዕሌኻ ካብ ምፍሳስ ዚንሕፈካ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ታሪኽ ህዝብታት ዓለም ነዚ ሓቂ ደጋጊሙ ዜረጋግጸልና።

እዚ ዘየባትኽ ፍርዲ መዓስ ዜብቅዕ፡ ንምዃኑኸ መወዳእታ ኣለዎ ድዩ፧ ነዚ ፍርዲ መኸተምታ ዚገብረሉ፡ ሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ጥራሕዩ። ንንስሓ እንተ ተሓሲምናዮ ግን፡ እቲ ደም ንዘለኣለም እናሰጐጐና ዚነብር። ኣብ ርእሲ ኣብ ምድሪ ዝተፈደናዮ፡ ኣብ ገሃነምውን ንዘለኣለም እናተፈደናዮ ኢና ንነብር። ነታ ኣቐዲምና ኣብ ማቴ 2333 ዘንበብናያ፦

ኣቱም ውሉድ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ዝበላ ቓል ፈጺምና ኣይንረስዓያ። ስለ እቲ ብምፍሳስ ደም ኣብ ምድሪዚኣ እትፍደዮ ፍርዲ፡ ናብ ገሃነም ደኣ ዜፋንወካ ዘሎምበር፡ ነቲ ናይ ፍርዲ ሕሳብካ ኣይዓጽዎንዩ። ስለ ኻብ ናይ ምፍሳስ ደም ፍርዲ፡ ብንስሓ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብና እንተ ዘይነጻህና፡ ንዘለኣለም ክንፍደዮ ኽንነብር ኢና። ምኽንያቱ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት፡ ኣብ ልዕሊ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዚፍጸም በደል ስለ ዝዀነ፡ ፍርዱውን ዘለኣለማዊ ስቓይን ሞትን (መዝ 513,4) ትእዛዛቱ ኣፍሪስና ንሰባት ብምብዳልና ኢና እንብድሎምበር፡ ንኣምላኽ ደኣ ኣበይ ክንረኽቦ፧ እቲ ኣብ ሰባት እንገብሮ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ተግባር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚፍጸም ጐይታና ኣረጋጊጹልና (ማቴ 2534-46 1040,41 ግብ 94,5 1ተሰ 48)

ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ ድማ፡ ብሕነ ደም እንፍደይ፡ ናይ ግድን ባዕላትና ዘፍሰስናዮ ደም ኪኸውን ኣየድልንዩ። ሳኦል ዘፍሰሶ ደም ጊብዖናውያን፡ ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ ደቁን ህዝቡንዮም ተፈድዮምዎ። ስለ መራሕትና ዝፈጸምዎ ዅሉ ቕትለትን ግፍዕን፡ ብውልቂ ይኹን ብጕጅለታት ዚፍጸም ምፍሳስ ደም፡ ኵላትና ሓቢርና ኸም ህዝቢ ኢና ንቕጽዖምበር፡ እቶም ፈጸምቱ ጥራሕ ኣይኰኑን። ዋላ ብኢድና ባዕላትና እንተ ዘይፈጸምናዮኳ፡ ነቶም ቀተልቲ ብምድጋፍን ብምጥቓዕን፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ነታ ዓመጸኛ ኢዶም ክትጸንዕ ብምግባር፡ ነቲ ዚፍጸም ዘሎ ግፍዕን ምፍሳስ ደምንዓገብኢልና ብዘይ ምቅዋም፡ እቶም ደም ዜፍስሱ ሰባት ነቲ ግፍዖም ምኽኑይ ንምግባር ዚደርስዎ ሓሶት ብልሳንካ ምቅላሕ፡ ብኢድካ ደም ካብ ምፍሳስ ዘይንእስ ኣበሳ ምዃኑ፡ ኣብ ዘይወዓልካዮ ቕትለት ፈቲኻ ባዕልኻ በቲ ዝፈሰሰ ደም ኢድካ ምጽያቕ ምዃኑ ኪስወረና ኣይግባእን።

እምበኣር፡ ኢድና ይኹን ልሳንና በቲ ዝፈሰሰ ደም ንጹሃትን ግፉዓትን ከም ዘይተጸየቐ ነረጋግጽ። ኢድካ ብደምን ግፍዕን ናይ ንጹሃት ጠልቅዩ ኽነሱ፡ ከም ጲላጦስኣነ ኻብ ደም ናይዞም ንጹሃት ሰባት ንጹህኢልካ ምምጽዳቕ ወጽዓምበር ረብሓ ስለ ዘይብሉ፡ ብመሪሕነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኣገልገልታን፡ ብዛዕባ እንፈልጦን ዘይንፈልጦን ብዝቐደሙ ወለዶታት ኰነ በዚ ናትና ወለዶታት ብዛዕባ ዝተፈጸመ ምፍሳስ ደም ሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ንፈጽም። እዚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት (decades) እናቘጸረ ንዘዝፈረናዮ ወለዶ ብውግእ እናለቝመጸ መበለታትን ዘኽታማትን ናይ ወላድ መኻናትን  እናገበረ ዜሳቕየናን ዜጽንተናን ዘሎ፡ ኣብ ዘመን ቀዳሞት ኣቦታትናን ንሕና ባዕላትና ኣብ ዘርከብናሉ ዘመናትን ዝፈሰሰን ዚፈስስ ዘሎን ማእለያ ዘይብሉ ደም ንጹሃት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኣይንኽሓዶ ኸኣ። ኣብ ገዛእ ሃገርና ኣብ ዘመነሓርነትብዝተናውሐን መሪርን ዝዀነ ግፍዕን መከራን ክንነብር ዚገብረና ዘሎ፡ ገዛእ ምድርና ተፊኣትና ዘላ፡ ዘርኢ ምድሪ ዄንና ናብ ምሉእ ዓለም ንብተን ዘለና፡ ኣብ ዝኣተናዮ ሃገር ውርደትን ግፍዕን መናብርትና ዀይኑ ዘሎ፡ ኣብ ሃገር ዕረፍትን ራህዋን ኣቲና ብጭንቀትን ቅዛነትን ተናዊጽና፡ ብጽላለ ተወቒዕና ገዛእ ርእስና ኽንቀትል ንሓድሕድና ኽንቃተል ዚገብረና ዘሎ፡ እቲ ዝፈስስ ደም ናይ ኣእላፋት ንጹሃት ሰባት ናብ ዝኣተናዮ ዅሉ ደድሕሬና ስዒቡ የሳድደናን ይስጕጐናን ስለ ዘሎዩ። እምበኣር መዓትናን ስቓይናን ኪዛርይ፡ ብቕሳነት ክንነብር፡ ናይ ነፍስን ስጋን ዕረፍቲ ኽንረክብ ንደልይ እንተ ዄንና፡ በብውልቅና ብዛዕባ ገዛእ ሓጢኣትናን ሓጢኣት ዝቐደሙ ወለድናን ሓቀኛ ንስሓ ንነሳሕ። ከምኡውን ብደረጃ ምልእቲ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ሃገርን ህዝብን ሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ንእተው። እቲ ጥፍኣትናን ስቓይናን ዘይፈትው መሓሪ ኣምላኽ፡ ነተን ቅዱሳት ኣእዳዉ ዘርጊሑ ብሕያውነትን ትዕግስትን ይጽበየና ኣሎ። ንሕውየትና ብንስሓ ነቀላጥፎምበር፡ ንስቓይናን ጥፍኣትናን ብዕሽነትና ኣይነብዝሓዮ፡ ኣይነንውሓዮ ኸኣ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  መስከረም ፰, ፳፻፲፭  ግዕዝ (18 መስከረም 2022  [2ይ ሰንበት: ቊ.5/፭, 2022]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍ ዲያቆን

ንፍ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 11፡32-ፍጻመ 1ጴጥ 4፡12-ፍጻመ ግብ 19፡1-7 ማቴ 23፡29-ፍጻመ ዘኤጲፋንዮስ

መዝ 9፡11,12: “ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ። እስመ ተዘከረ ዘይትኀሠሥ ደሞሙ። ወኢረሥዐ አውያቶሙ ለነዳያን።”

“እቲ ሕነ ደም ዚፈድይ ዘኪርዎም፡ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን’ዩ’ሞ፡ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚአብሔር ዘምሩሉ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።”

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div