S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንጐይታ ዜሐጒሶ መርምሩ [መበል 52 ሰንበት: ቊ.83/፹፫]

 ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅንዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹምሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም። ንጐይታ ዜሐጉሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ኤፌ 58-10

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሓሰ 29 ክሳዕ ነሓሰ 30 ዘሎ ኽልተ መዓልታትጎህ፡ ጽባሕ፡ ነግህ፡ ብርሃን፡ መዓልትተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ (መስ 4-5.) ሎሚ ነሓሰ 29 ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እዛ ሰንበትዚኣ፡ በዚ ስም እትጽዋዕ። ኰዀብ ጽባሕ፡ ለይቲ ሓሊፉ ብርሃን ወጋሕታ ወገግ ኪብል ኣብ ዝቐረበሉ ጊዜ ኸም ዚወጽእ፡ እዘን ክልተ መዓልታት ከኣ እቲ ብጸልማት ዚምሰል ክረምትቲወጺኡ፡ እቲ ብመዓልቲ ዚምሰል ቀውዒ ከም ዝኣተወ ዜመልክቱናዮም። እቲ ናይ መዝ 52,3 ምስባክ ከኣ ምስ ዝተገልጸ ሓሳብ ዚሰማማዕዩ። ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ ብሊቃውንቲውን ዚዝመር መዝሙር ከኣ፡ኣምላኪየ ኄርዚብልዩ። ካብቶም ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንኣርእስትና ዝወለደ ናይ ኤፌ 55-20 ንባብዩ። እዚ ንባብ ሓቚፍዎም ካብ ዘሎ ዓበይትን ኣገደስትን ኣርእስታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናንዩ።

ኣብ ምድሪዚኣ ናይ ምንባር ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ንእግዚአብሔር ዜሐጕሶ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን፡ ብእኡ ጌርና ኸኣ ንሱ ኸም ዚሕጐስ ምግባርንዩ። እግዚአብሔር ነዚ ተልእኾ ብሕያውነቱ ዝሃበና፡ ንርእሱ ዚኸውን ሓጐስ ስኢኑስ ካባና ኺረኽቦ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ደኣ፡ ኣብ ምድሪ ጸበባን ዕንቅፋትን፡ ኣብ ምድሪ ሓዘንን ፍርሃትን ንእኡ ዜሐጕሶ ነገር ብምዝውታርና፡ ብዓይነቱ መለኮታዊ፡ ብጊዜኡ ዘለኣለማዊ፡ ብመጠኑ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕን ዓብይን ዝዀነ ሓጐስ ኪጻምወና ስለ ዝፈተወዩ። ኣብ ሓጻር ዕምርና ብድኹም ሰብኣዊ ዓቕሚ ንእግዚአብሔር ከነሐጕሶ ብምጽዓርና፡ ኣብ ዘለኣለማዊ ዘመን በቲ ልዑል መለኮታዊ ዓቕሚ ዚወሃብ ሓጐስ ምቕባል፡ ነቲ መስተንክር ሕያውነትን ደግነትን ናይ እግዚአብሔር ኣጕሊሑ ዜርእየናዩ። ጊዜ ኽረምቲ፡ ኣብ ጊዜ ቐውዒ ኽንሓፍሶ እንደልይ ዘራእቲ እንዘርኣሉ ወቕቲዩ። ምድራዊ ዕድመና ኸኣ፡ እቲ ኣብ ዘለኣለም ክንሓፍሶ እንደልይ ሓጐስ ኣብ እግዚአብሔር እንዘርኣሉ ወቕትናዩ።

እግዚአብሔር ብኸመይን ብምንታይን ዚሕጐስ፧ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ እግዚአብሔር በቶም ፍረ-ብርሃን ዜፍርዩ ዚሕጐስ። እቲ ፍረ ብርሃን እንታይ ምዃኑ፡ ማለት ሰናይ ግብርን ጽድቅን ሓቅን ምዃኑውን ኣመልኪቱና ኣሎ። ስለ እቲ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዜዘውትር፡ ግብሪ ጽድቂ ዚገብር፡ ንዅሉ ዘረባኡን ተግባሩን ብዘይ ሓሶትን ምስሉይነትን ብሓቂ ዚገብር ሰብ፡ ንሱ እቲ ንእግዚአብሔር ኬሐጕሶ ዚኽእል ሰብ ማለትዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዛ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘላ ሓሳብ ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ካብ ኤፌ 417 ጀሚሩ ዝነደቖ ዓሚቝን ዝርዝራውን ሓሳብ ኣሎ። ንእኡ ምልስ ኢልና እንተ ዘይነቢብናዮ፡ ነዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብቐሊሉ ኽንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ነቶም ንእግዚአብሔር ዜጕህይዎ ዅላቶም ተግባራት ዘርዚርዎም ኣሎ። ብኸንቱ ኣተሓሳስባን ብትርሪ ልብን ምምልላስ፡ ብዝጸልመተ ኣእምሮ ብመንፈሳዊ ድንቝርናን ድንዛዘን ምንባር፡ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ናብራ ምንባር፡ ብሓሶት፡ ቍጥዓ (ኵራ) ስርቂ፡ ትህኪት፡ ዘይጠቅም ዘረባ፡ ምርረት፡ ታዕታዕ፡ ጸርፊ፡ ክፍኣት፡ ቂምታ፡ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ስሰዐ፡ ዝርጋን፡ ዜሕንኽን ዜነውርን ዘረባ፡ ብዕሉግ ዋዛ፡ ወዘተ ዝኣመስሉ ተግባራት ንእግዚአብሔር ኣዝዮም ዜጕህይዎ ግብርታት ጸልማትዮም። ገለ ኻብቶም ነዚ ንምግላጽ ዝተጠቕመሎም ጥቕስታት፡ እዞም ዚስዕቡዮም።

ንሳቶም ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖምዮም። ንሳቶም ደንዚዞምዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦምዮም። .... ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃብዎ። .... ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጒህይዎ። ብዘሎ ምረትን ነድርን ቍጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ካባኻትኩም ይርሓቕ።ኤፌ 418,19,27,30,31 .

ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝዀንኩም ግና ምንዝርና ወይ ዝዀነ ዓይነት ርኽሰት ወይ ስሰዐ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ። ንኣምላኽ ምስጋና እንተ ዘይኰይኑ ዜሕንኽ ወይ ዜነውር ዘረባ ወይ ብዕሉግ ዋዛ ካባኻትኩም ኪስማዕ ኣይግባእንዩ። ከመይ ኣመንዝራ፡ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ ሰብ፡ ንሱ ኸኣ ጣኦት ዜምልኽ ማለትዩ፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ። ብሰሪ ነገራት ኣብቶም ንእግዚአብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድሞ፡ ሓደ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። ....ነቶም ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ዚገብሩ ሰባት ግና ኣቃልዕዎምምበር፡ ምስኦም ሕብረት ኣይሃሉኹም። እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዚገብርዎ ንምዝራቡ ዜነውርዩ።ኤፌ 53-6,11,12 .

ንጐይታኡ ኼሐጉስ ዘይመረጸ ሰብ፡ ዜፈንፍን ክሳዕ ዚኸውን ህይወቱ እምብዛ ዝሩግ ዚኸውን። እቲ ንጐይታ ኼሐጕስ ዝመረጸን ዝተዓጥቀን ሰብምበኣር፡ ርእሱ ኻብ ከም ዝበለ ነውርን ዝርጋንን ኬንጽህ ይግብኦ። ስለ ኣንጻር ናይዞም ዝተዘርዘሩ ኣነወርቲ ተግባራት ኬዘውትር ይግባእ ማለትዩ። ረዚንን ሃናጽን ኣተሓሳስባ፡ ልስሉስን ትሑትን ልቢ ኺህልዎ ይግባእ፡ መንፈሳዊ ፍልጠትን ንቕሓትን ብዝመልኦ ብሩህ ኣእምሮ ኺምራሕ የድልዮ። ብመንፈስ ብምምልላስ እዱብ ናብራ ምንባር፡ ሓቂ ጥራሕ ምዝውታር፡ ትዕግስትን ህድኣትን፡ ልግስን ትግሃትን፡ ሃናጺ ዘረባ፡ ምስጋናን ምርቓን ምዝውታር፡ ቅንዕናን ምሕረትን፡ ቅድስና፡ይኣኽለኒዚብል ዕግበት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ልሳንካ ምቕዳስ ወዘተ ዝኣመሰሉ ፍረ ብርሃን ዝዀነ ግብርታት ዜዘውትር ሰብ፡ እቲ ኣብ ኸም ጽላሎት እትሓልፍ ሓጻር ዕድሚኡ ንእግዚአብሔር እምብዛ ኼሐጕስ ድግድጊት ዝተዓጥቀ ሰብዩ። ነቶም ከም ዚገብሩ፡ እግዚአብሔር ናብ ናይ ሓጐስ መንግስቱ ኼእትዎምዩ። ዚጽውዑሉ ስም ከኣደቂ ብርሃን፡ ደቂ ምእዛዝ”’ዩ። ነቶም ንእግዚአብሔር ምሕጓስ ምርጫ ህይወቶም ዘይገበርዎ ግና፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ገጾም ኣይኪቐርቡንዮም። እኳ ደኣ፡ ኣብ ልዕሊኦም ቍጥዓ ኣምላኽ ኪፈስስን ኪኽስከስንዩ።

ፍረ ብርሃን ብምዝውታር ንእግዚአብሔር ኬሐጕስ ዚኽእል መንዩ፧ ወይኒ ኼፍርይ ዚኽእል፡ እቲ ተኽሊ-ወይኒ ዝዀነ ጥራሕዩ። ካብ ገረብ ብርቱኻን (ኣራንሺ) ቱፋሕ (apple) ኪቕንጥብ ዚኽእል ሓደ የልቦን። ስለ ፍረ ብርሃን ድማ ካብ ብርሃን ጥራሕ ከም ዚርከብ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ጐይታና ባዕሉውን ከም ዚስዕብ ኢሉና ኣሎ።

ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾኽዶ ወይኒ ይቕንጠብ፧ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈርይ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈርይ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈርይ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈርይ ኣይኰነሉንዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበይ።ማቴ 716-19

ፍረ ብርሃን፡ ክትገብሮ ደስ ስለ ዘበለካ፡ ስለ ዘወናወነካ ጥራሕ ካብ ባዶ ተበጊስካ ኽትገብሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ናይ መንነትን ባህርይን ለውጢ ይሓትትዩ። ምኽንያቱ ኣብ ስጋና ዀይኖም ንህይወትና ዜመሓድሩ መንፈሳውያን ሕግታት ኣለዉ። እዞም መንፈሳውያን ሕግታትዚኣቶም ኣብ መንፈሳዊ መንነትካ መሰረት ገይሮም ዚገዝኡን ዜመሓድሩንዮም። ስጋዊ መንነት ዘሎካ ውሉድ ድያብሎስ እንተ ዄንካ፡ እቲ ኣባኻ ዚገዝእ ሕጊ፡ሕጊ ሓጢኣት”’ ዚኸውን። ብሕጊ ሓጢኣት ዚግዛእ ሰብ፡ ግብሪ ጽድቂ ምግባር ዕሽነትን ሕመቕን ኰይኑ ይስምዖ። እታ ኣብ ውሽጡ ዘላ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረት ነፍሱ ሰናይ ክትገብር እንተ ደለየት ከኣ፡ ከም ተሪር ዘይድየብ ዓቐብ ይዀና። ነቲ ብሕጊ መንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ሰብ ከኣ፡ መገዲ ሓጢኣት ዓቐበቱ፡ መገዲ ጽድቂ ኸኣ ሰጣሕ ጐልጐል ይዀነሉ። ስለ ህይወት ከከም ኣብ ህይወትካ ዘግዛእካዮ ሕጊ እትመሓደር። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ኸም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁልና (ሮሜ 718-25 . ሮሜ 81-4 .)

ነቲ ብሕጊ ሓጢኣት ዚመሓደር ሰብኣዊ ባህርይና፡ ቅዱስ ጳውሎስኣረጊት ሰብኢሉ ዚጽውዖ (ኤፌ 421-24 ቈሎ 39,10) ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ባህርይና ኸኣሓድሽ ሰብኢሉ ይሰምዮ (ኤፌ 424) ቅዱስ ወንጌል ከኣ፡ ነዚ ብሓጢኣት ዜነውረናን ምስ ፈጣሪና ዜባእሰናን ዘሎኣረጊት ሰብ ምስናይ ግብሩቐንጢጥና ምስ ክርስቶስ ክንሰቕሎ ዚእዝዝና (ኤፌ 422 ገላ 524 ቈሎ 211,12 ሮሜ 66,7)

መሪሕ ጥቕስና፡ ቀደም ጸልማት ደሓር ግን ብርሃን ከም ዝዀንና ሓቢሩና ኣሎ። ነስተውዕል! “ቀደም ኣብ ጸልማት ትነብሩ ኔርኩምዘይኰነ፡ንርእስኹም ጸልማት ኔርኩም”’ ዝበለ። ጐይታና ባዕሉ፡ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹምስለ ዝበለ፡ ሰብ ጸልማት ወይ ከኣ ብርሃን ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹልና (ማቴ 514) ቅዱስ ጳውሎስውንከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑብምባል ነቲ ጐይታ ዝበሎ ሓቂ ደሪዕዎ (ፊሊ 215) ብርሃን ከኣ፡ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ሰብ ነቲ ዝወረሶ መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ እንተ ዓቂብዎ፡ ብርግጽ ብርሃንዩ። እተን ግዙኡዛ ጸሓይን ከዋኽብትን ብጸርጊየንb ዜብርሃልና፡ እቲ ብርሃናዊ ሰብ ከኣ በቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ጽቡቕ ግብሩ ገይሩ ዜብርህ። ስለ ፍረ ብርሃን ከነዘውትር እንተ ዄንና፡ ነቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዘውረሰና ብርሃናዊ ባህርይን መንነትን ዝለበስና ብርሃናት ክንከውን ናይ ግድንዩ። ብርሃንን ደቂ ብርሃንን ዘይኰኑ ሰባት፡ ግብሪ ብርሃን ኪገብሩ፡ ፍረ ብርሃን ኬፍርዩ ኣይክእሉንዮም። እቶም ብርሃናዊ መንነት ዝለበሱን ዝዓቀቡን ሰባት ግና፡ ንግብሪ ጸልማት ካብ ህይወቶም ቀንጢጦም ኪድርብዩ ዚኽእሉ፡ ናይ ኣምላኽን ናይ እምነትን ጀጋኑዮም (ሮሜ 1312)

ንእግዚአብሔር ብምሕጓስ እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና መንዩ፧ እዛ ዘለናያ ዓለምን ህይወትን ብዘይ ኣርኣያ ኽትከዳ ትከኣል ኣይኰነትን። ኣርኣያ ንኣርኣያኡ ኸኣ፡ መንቅብ ዘይብሉ ፍጹም ኣርኣያ ዜድልየና። ከምኡ ዘመሰለ ኣርኣያ ኻብ ዘርኢ ሰብ ኪርከብ ስለ ዘይተኻእለ ኸኣ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ተመላለስ። ኣርኣያነቱ ንኼግህድ ከኣ፡ኣነ ለዋህየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ካባይ ተመሃሩብምባል ክቡር ዕድመ ኣቕረበልና (ማቴ 1129,30) ቅዱሳን ሃዋርያት ነቲ ቕዱስ ኣርኣያ ብምስዓብ ስለ ዝተዓወቱ ኸኣ፡ከም ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉብምባል ሃዋርያዊ ዕድመ ኣቕረቡልና (1ቈረ 111) ካብ ኣርኣያኡ ተፈንቲትና መፈጸምታና ኸይነበላሽው ከኣ፡ ብኸም ዚስዕብ መዓዱና።

ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩምሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን፡ ምስ ጸረፈዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበምበር ኣየፈራርህን። ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጾረ፡ ...." 1ጴጥ 221-24 .

ስለ ጐይታናጽድቂ ብምፍታውን ክፍኣት ብምጽላእንካብ ሓጢኣት ርሒቑ ብጽድቂ ብምንባር”’ ኣርኣያ ዝዀነና (መዝ 456,7 እብ 18,9) ብኸም ዝበለ ቕዱስ ህይወት፡ ፍጹም ኰይኑ ኣብ ምድሪዚኣ ንሰላሳ ዓመታት ምስ ኣኽበሮ፡ ኣብ መዓልቲ ጥምቀቱን ኣብ ደብረ-ታቦርን ብመለኮታዊ ኣስተርእዮ ኣብ ዝተገልጸሉ፦

ብእኡ ዝተሓጐስኩ (ዝሰመርኩ) ፍትዊ ወደይ እዚዩ። .... ዘፍቅሮ፡ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚዩ፡ ንእኡ ስምዕዎብምባል ብኽብሪ መስከረሉ (ማቴ 317 175 .) እዚ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ህይወት ናይ ጐይታና፡ ምስ ተፈጸመ ዘይኰነስ፡ ገና ቕድሚ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታትውን ብናይ ነብያት ትንቢት ተገሊጹ (ኢሳ 421-4 . ማቴ 1217-21)

ብኣካለ ስጋ ኣብ ምድሪ ምስ ተገልጸ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ፍጥረት ኪፈጥር ከሎውን የሐጕሶ ኸም ዝነበረ ንጉስ ሰለሞንን ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣረጋጊጾምልናዮም (ምሳ 822-31.ት፣ ዮሃ 13 ቈሎ 115-17 እብ 12,3 .) ጐይታና ባዕሉውን፡ ኵሉ ሳዕ ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ኸም ዜሐጕሶ ተኣሚኑዩ። "እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብርሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንንዩ፡በሎም።ዮሃ 829

ነቲ ኣርኣያኡ ኣጸቢቕና ደኣ ነስተውዕለሉ!! ሳሕቲ፡ ኪጥዕሞ ኸሎ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ዜሐጕሶ ዝነበረ። ብኸመይ ከም ዘሐጐሶ ድማ ብተደጋጋሚ ገሊጽዎ ኣሎ።

1. ፍቓድ እግዚአብሔር ኣቦኡ ጥራሕ ብምፍጻም፦

ካብ ፍቓድ ኣቦኡ ዝተፈልየን ንእኡ ዚጻረርን ሕማቕ ፍቓድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ ብዘይካ ንፍቓድ ኣቦኡ፡ ንገዛእ ፍቓዱ ኺገብርን ኪግዛእን ከም ዘይኰነሉ ብዜገርም ግልጽነት ይእመን ነበረ (ዮሃ 434 ፣ዮሃ 1930 ዮሃ 638 ዮሃ 74,5)

2. ኣቡኡ ኺዛረቦ ዝሃቦን ዝፈቐደሉን ጥራሕ ብምዝራብ፦

ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ በሎም፥ትምህርተይሲ ናይ ዝለኣኸኒምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደልይ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ኪፈልጥዮሃ 716,17 ዮሃ 838,40 ዮሃ 1249,50 ፣ዮሃ 1410,24

እምበኣር እቲ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚደልይ፡ ነዚ ብዝሒ ሓጢኣትና ዀነ ዓመጻ ዓለም ከቶ ዘየህስሶ ድሙቕ ኣርኣያን ኣሰርን ናይ ክርስቶስ ካብ ምስዓብ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኺህልዎ ኣይክእልንዩ። ክብሪ ነቲ ብኣርኣያኡ ብርሃን ዝሃበና ጐይታ ይኹን!! ስለ ዝዀነ ነገር ክንገብር ኰነ ኽንዛረብ ዚድርኸና ዅነታት ምስ ዚፍጠር፡ ብውሽጣዊ ድርኺትና ወይ ብድፍኢት ሰብ ተደሪኽና ንዘይምግባርን ንዘይምዝራብን እንተ ተጠንቀቕና፡ ንምስሊ ናይ ዝፈጠረና ክርስቶስ ከም ዘየጥፋእናዮ ዓብዪ መረጋገጺ ምልክትዩ። ንኣና ደስ ከም ዘበለና፡ ቅኑዕ ኰይኑ ኸም ዝተራእየና ንገብርን ንዛረብን እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ቕዱስ ምስሊ ኣምላኽ ካባና ቐንጢጥና፡ ምስሊ ናይ ዓለወኛ ሰይጣን ናይ ምልባስ ክፉእን ዓሻን ምርጫን መሪጽና ኣለና ማለትዩ። ስለምበኣር፡ ናይ ክብርን ዕረፍትን ሓጐስን ዘለኣለማዊ ዕድመ ኽንነብር ንደልይ እንተ ዄንና፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ጥራሕ ክንስዕብ ይግብኣና።

ንኣምላኽ ዜሐጉስ ህይወት ከይንነብር ዕንቅፋት ዚዀነና እንታይዩ፧ እምብዛ ዘኽፋእና እንተ ዘይኴንና፡ ከም ፍጡራት ኣምላኽ መጠን፡ እንተ ወሓደ ንኣምላኽ ከተሐጕስ ናይ ምድላይ መጠናዊ ባህጊ (ማይ ብሑቝ) ኣይሰኣነናንዩ። ንኣምላኽ ከተሐጕስ ናይ ምድላይ ኰነ ናይ ምግባር ዓቕምና ኸኣ እምብዛ ድሩት ኰይኑ ንረኽቦ። ኣብ ምንታይ ጸገም፧

1. ንኣምላኽ ገዲፍና ንርእስና ምሕጓስ፦ ናይ ወዲ ሰብ እቲ ዝዓበየ ፈተና፡ ንገዛእ ርእስኻ ከተሐጕስ፡ ከተኽብር፡ ከተቐድም ምድላይዩ። እዚ ኸኣ ዝተፈጠርካሉ ዕላማ ኻብ ዘይምፍላጥ፡ ወይ ከኣ ፈሊጥካን ፈቲኻን ኰነ ኢልካን ናይ ምኽሓድ ሳዕቤንዩ። ቃል ኣምላኽ ደጋጊሙ ኸም ዜረጋግጸልና፡ ዘርኢ ሰብ ንኽብሪ ኣምላኽ ተፈጢሩ (ኤፌ 111-12 ) ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ፈጣሪኡ ንዅሉ ኺገብሮን ኪዀኖን ዚግባእ ብመልክዕ ትእዛዝ ገይሩ ኣፍሊጥዎ (ግብ 1726-28) ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ጥራሕምበር፡ ምእንቲ ርእስና ኽንነብር ኣይተፈቕደልናን (ሮሜ 147-9 2ቈረ 515)

ስለ ከም ድልየትናን ባህ ከም ዝበለናን ኴንና ኽንመላለስ እንተ መሪጽና፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ኣምላኽ ዓመጽን ዕልወትን ጥልመትን ፈጺምና ኣለና ማለትዩ። በቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ኣርኣያ ናይ ጐይታ መሰረት፡ፍቓደይ ኣይደልይንየ፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይተፈጠርኩንዚብል ጽኑዕ ርትዕን ውሳነን እንተ ዘይብልና፡ በዚ ኣምላኽ ዝፈጠረልና ሰብነትን ዝሃበና ህይወትን ትሕዝቶን ዓቕምን፡ ምስኡ እናተዋጋእና ኢና ኽንነብር ማለትዩ። ንፍቓድ ርእስና ገቲእና ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ከነግዝኦ እንተ ዘይክኢልና፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ፈጺሙ ኣይከኣልንዩ። ሓሳብ ስጋን ሓሳብ ኣምላኽን ኣዝዮም መጻልእትን መጻርርትን ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ንርእሱ ኼሐጕስ ዚደልይ ሰብ፡ ነተን ንኣምላኽ ባህ ዘየብላ ጥራሕ ዚገብር (ሮሜ 86-7) ነቶም ብዕልወትን ብጥልመትን ዘጒሃይዎ ብኸቢድ ዚቐጽዕ ኣምላኽ ምዃኑ ኪዝከር ከኣ፡ ግቡእ (ኢሳ 6512 ኢሳ 664)

2. ንኣምላኽ ገዲፍካ ንሰብ ምሕጓስ፦ ካብ ገዛእ ርእስና ወጻኢ፡ ንኣምላኽ ንኸይነሐጕስ ዕንቅፋት ዚዀነና ኸኣ፡ እቲ ኸማና ሰብዩ። ስጋዊ ኣጠማምታ ስለ ዘሎና፡ ነቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ ንዒቕና ነቲ እንርእዮ ሰብ ከነኽብር ንመርጽ። መብዛሕትኡ ጊዜ ንኣምላኽ ብዜጕህዮ ሓጥእ መገዲ ኢና ንሰብ ከነሐጕስ እንጋደል። ካብ ኣምላኽ ዚህበና ኽብሪ ነቲ ሰብ ዚህበና ከንቱ ኽብሪ ኣብሊጽና ስለ እንርእዮ፡ ንሰብ ኣብ ምሕጓስ ልዑል ግዳሰ ነንጸባርቕ (ዮሃ 544 1242,43) ንሰብ ከነሐጕስ ኢልና እንፍጽሞ ሓጢኣት፡ ሓሶት፡ ሻራ፡ ዝሙት፡ ወዘተ ምጥቃስ ይከኣልዩ።

ንሰብ ከነሐጕስ ኢልና እንገብሮ ተግባር ግን፡ ናይ ግድን ሓጢኣት ኪኸውን ኣየድልዮንዩ። ምኽንያቱ ዝዀነ ይኹን ተግባር ብዓይነቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዕላማኡውን ዚምዘን። ጸሎት፡ ጾም፡ ምምጽዋት፡ ኣምላኽ ዝኣዘዞ መንፈሳዊ ስነ ምግባርዩ። ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካ ኢልካ እንተ ገበርካዮ ግን፡ እቲ ዝኸፍእ ሓጢኣት ዚኸውን (ማቴ 61-18 235,14,23-28) ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻውን፡ ንኣስራሒኻ ከተሐጕስን ኢልካ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ከተሐጕስ ኢልካ ኽትገብሮ ኸም ዚግባእ ቅዱስ ጳውሎስ ምሂሩና ኣሎ (ኤፌ 65-7 ቈሎ 322-24 .)

ንመጻምድትኻ፡ ንውሉድካ እተርእዮ ፍቕርን ሓልዮትንውን፡ ንኣምላኽ ገዲፍካ ምእንትኦም ኢልካ እንተ ገበርካዮ፡ ንሰብ ካብ ኣምላኽ ኣዕቢኻ ናይ ምርኣይ ሓጢኣት ዚወልደልካ። ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ጽቡቕ ተግባር ምእንቲ ሰብ ኢልካ ምግባር፡ ኣጽሪኻ ንዘጻዕደኻዮ ዓለባስ ኣብ ሓመድ ከም ምንጻፍን ምጕታትን ዚቝጸርዩ። እቲ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ፡ ንሰብ ኣኺሉ ይተርፎዩ። እቲ ንሰብ ኢልካ እትገብሮ ግን ንኣምላኽ የዋርዶምበር፡ ኣየኽብሮንዩ። እቲ ንሰብ ኬሐጕስ ኢሉ ዚገብር፡ ናይ ኣምላኽ ጸላኢምበር፡ ኣገልጋሊ ኪኸውን ኣይበቅዕን (ገላ 110 1ተሰ 23-5 .)

ንኣምላኽ ናይ ምሕጓስ ረብሓ እንታይዩ፧

1. በይንና ኣይሓድገናን፡ ኵሉ ጊዜ ምሳና ይኸውን፦

““እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብርሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንንዩ፡ዮሃ 829

2. ብሰላም የንብረና፦

እግዚአብሔር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።ምሳ 167

3. ንኣምላኽ ብቑዓት ይገብረና፦

ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈረኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ብዅሉ ንእግዚአብሔር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽልይ ኣለና። ቈሎ 110

4. ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ስም የውህበና፦

ነዚ ሰብ እግዚአብሔር ከም ይብሎ ኣሎ። <ሰናብተይ እንተ ደኣ ሓሊኻ፡ ንኣይ ዜሐጒስ እንተ ደኣ ሓሪኻ፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣጽኒዕካ፡ ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ድማ ስም ክህበካየ። እወ፡ ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህበካየ።" ኢሳ 564,5 .

ንእግዚአብሔር ናይ ዘይምሕጓስ መዘዝን ሳዕቤንንከ እንታይዩ፧ ኣቐድም ኣቢልና ሳዕቤኑ ኣብ ኢሳ 6512 664 ርኢናዮ ኣለና። ኣብ ሓጻር ዕድመኻ ንእግዚአብሔር ዘይምሕጓስ ዚምጥኖ ፍትሓዊ ፍርዲ፡ ዘለኣለማዊ ጥፍኣትን ስቓይንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን ዘጕሃይዎን፡ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና፡ ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለ ኣብ በረኻ ተወድኡ።ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 105) ጐይታና ብዛዕባ ዘየሐጐስዎ ሰባት ናይ መወዳእታ ዕጫ ኺዛረብ ከሎ፡ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውንዩ።ይብል ነበረ (ማቴ 2530,46 2450,51 2213 188,9 1340-42) እቶም ኣብ ሓጻር ዕምሮም ኬጕህይዎምበር፡ ኬሐጕስዎ ዘይመረጹ ዓያሱ፡ ደበስ ብዘይብሉ ሓዘንን ብኽያትን፡ መለሳን ዕረፍትን ብዘይብሉ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪፍደዩዮም። ነዚ ኸኣ ባዕሉ ጻድቕ ፈራዲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነጊሩና። ሕጂ ብቓሉ ተመኺርና እንተ ዘይሰማዕና፡ ረብሓ ደኣ ኣይርከቦንምበር፡ እቲ ሳዕቤን ምርጫና ዝዀነ መከራን ስቓይን ኪመኽረና ኺነብርዩ።

እምበኣር ነቲ ዜርብሓና ምርጫ ነልዕል። ብመገድናን ኣካይዳናን፡ መን ብጓሂ ይሓርር መንከ ይሕጐስ ከም ዘሎ መርሚርና ነረጋግጽ። ነቶም ኣብ ዕድሚኦም ንኣምላኽ ብዜጕህይ ምርጫኦም ዚሕጐሱ ሰባት ንኸይንመስል ርእስና ንሓልው። ኵሉ ሳዕ ነቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ጥራሕ ብምግባር፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና ነጸብቆ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  ነሐሰ ፳፱, ፳፻፲፬  ግዕዝ (4 መስከረም 2022 [መበል 52 ሰንበት: ቊ.83/፹፫]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍ ዲያቆን

ንፍ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ኤፌ 5፡5-20 1ዮሃ 2፡7-15 ግብ 27፡33-39 ማቴ 4፡12-17 ዘእግዚእነ

መዝ.፭፡፪-፫

“እስመ ኀቤከ እጼሊ እግዚኦ። በጽባሕ ስምዐኒ ቃልየ። በጽባሕ እቀውም ቅድሜከ ወአስተርኢ ለከ።”

ዓዲ፡ መዝ.፴፭(፴፮)፣፱-፲ “እስመ እምኀቤከ ነቅዓ ሕይወት። በብርሃንከ ንርአይ ብርሃነ። ስፋሕ ምሕረተከ እግዚኦ ላዕለ እለ የአምሩከ።”

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div