S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍቓዱ ኽትፈልጥ ሓረየካ [መበል 51 ሰንበት: ቊ.81/፹፩]

  “....ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝረኣኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኵሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ (ኢየሱስ) ከኣ ክትርእዮን፡ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሓረየካ።ግብ 2214,15

እዛ ሰንበትዚኣ ናይ ዓመት መበል 51 ሰንበትያ። ኣምላኽ ንምድርናን ዘራእትናን ብዝናብ ዜጥልለሉ፡ ንሕናውን ምእኩት ምህርቲ ንምሕፋስ ብትግሃት እንሰርሓሉ ናይ ክረምቲ ወቕቲዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሓሰ 22 ክሳዕ ነሓሰ 26 ዘሎ ወቕቲይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ” (ዝናም ኣብ ጊዜኡ ይህበና) ዚብል መዝሙር ሰሪዓትልና ኣላ። እዚ መዓልቲ ነሓሰ 22 . ስለ ዝዀነ ኸኣ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን በዚ መዝሙርዮም ንእግዚአብሔር ኬመስግኑ ዝሓደሩ። እቲ ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተመርጸ ብዲያቆናትና ተመሪሕና ዜዘምናዮ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክውን፡ ምስ መዝሙርን ዘለናዮ ክረምታዊ ወቕትን ዚሳነይዩ። እቲ ቐዳማይ ምስባክ፦

ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዚኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ትኸፍትሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸትካ ተጽግቦ።ዚብል ኪኸውን ከሎ (መዝ 14515,16) እቲ ኻልኣይ ምስባክ ድማ፦ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨቓዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ። ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን። ....” ዚብል (መዝ 1479,10)

ዝናብ፡ ንመሬትን ንዘራእትን ኬፍርዩ ከም ዜኽእሎም፡ ንሰብ ጽድቂ ኺፈርይ ዜኽእሎ ኸኣ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥን ምግባርንዩ። እቶም ብመሰረት ናይ ዕለት መዝሙር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓቝፎምዎ ዘለዉ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ከኣ ነዚ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ንባብ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ብዳርባ እምኒ ኪፍጽፍጾ ዝተኣከበ ህዝቢ ኣይሁድ፡ ብኸመይ ካብ እምነት ኣይሁድ ናብ እምነት ክርስትና ኸም ዝኣተወ ዝሃቦ ምስክርነት ዚገልጽዩ። ካብ ኣሳዳዲ ፈሪሳዊ ናብ ምርኡይ ሃዋርያ ኸይተለወጠ ኸሎ፡ ንቤተ ክርስቲያን ከም ሕሱም ዘሳደደ ሕሱምን ገፋዕን ሰብ ዝነበረ። ነቲ ናይ ሽዑ ተግባሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋዕላታትን መጋባእያታትን ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ናብ ኣብያተ ክርስትያን ዝለኣኾ መልእኽታት ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

“.... ከም ዅላትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፡ ነዛ መገዲ (ክርስትና)’ዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጐጒክዋ። ምእንቲ ኪቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ ኢየሩሳሌም ከምጽኦም .... ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይዮም። .... ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም ኢየሱስ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ግቡአይ ምዃኑ ይመስለኒ ነይሩ። ነዚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተኽዎም፡ ኪቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ። ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጊዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር (ንኣምላኽ) ኪጸርፉ አጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን (ካብ ሃገር) ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጒጎም፡ ኣዝየ ተሃንደድክዎም። .... ኣነስ (ንቤተ ክርስቲያን) ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኵላቶም ሃዋርያትሞ፡ ሃዋርያ ኽስመይ ብቑዕ ኣይኰንኩን። .... ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከለኹስ፡ (ንቤተ ክርስቲያን) ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጒክዋን ከም ዘዕነኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም። ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ (ስለ ዝቐናእኩ) ኸኣ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ። .... ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጒን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። ጸጋ ጐይታና ምስ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን (ኣባይ) ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ።ግብ 223-5 249-11 ገላ 113,14 1ጢሞ 113,14

ንኣምላኽ ቅንኣት እናሃለዎ ኸመይ ኢሉ ኽንድ ዚኣክል ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባትን ዝፈጸመ፧ ንኣምላኽ ክቱር ፍቕሪ፡ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ልዑል ፍልጠት፡ ንኣምላኽን ንሃይማኖቱን ከኣ ከም ሓዊ ዚነድድ ቅንኣት ዝነበሮ ሰብ ዝነበረ። ከይተረድኦ ግን ንኣምላኽ ብምሉእ ሓይሉ ዚጻረርን፡ ንዅሉ ግብርታቱ ድማ ዜፍርስን ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ጠንቂ ናይ ዅሉ ኣዕናዊ ባህርይን ተግባርን እንታይ ምንባሩ፡ እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትና መሊሱልና ኣሎ።ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእከም ዝተባህለ፡ ዘይምፍላጥ፡ ኣብ ጐደና ጥፍኣት ዜመላልሰካ (ሆሴ 46) ሳውል ድማ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ዘጽንዐ ፈሪሳዊ ሊቅ ደኣ ይንበርምበር፡ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ግን ካብ ናይ መሃይማን ዚሓይሽ ኣይነበረን። ስለ ኸኣዩ፡ ግብሪ ናይ ዜፍቅሮን ዚቐንኣሉን ኣምላኽ ንኼፍርስ ክሳዕ ክንድኡ ዝተሃንደደ። ካልኦት ኣይሁድ ኣሕዋቱውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንኣምላኽ ይጻረርዎ ኸም ዝነበሩ ባዕሉ ተኣሚኑ ኣሎ።

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንትኦም ናብ ኣምላኽ  ዘቕርቦ ጸሎትን፡ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺድሕኑዩ። ኣብ ዝተጋገየ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣምበር ብኣምላኾም ቀናኣት ከም ዝዀኑስ ኣነ እምስክረሎም ኣለኹ።ሮሜ 101,2 .

ካብ ቓልምበኣር፡ ብፍልጠት ፍቓዱ ዝተማእዘነ ቕንኣት-ኣምላኽ፡ ጽድቂ ኺፈርይ ከሎ፡ ብባዶ ፍልጠትን ብግጉይ ፍልጠትን ዚምራሕ ቅንኣት ግን ምስ ኣምላኽ ኣብ ጽልእን ውግእን ኪጸምድ ከም ዚኽእል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ጐይታና ኣብ መገዲ ደማስቆ ብጸዳል ብርሃኑ ምስ ተራኸቦን ንመኣዝን ኣተሓሳስባኡ ምስ ኣቕንዖን ግና፡ ሳውልእንታይ ክገብር ትደልይ ኣለኻ፧ኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ኸኣ፡ተንስእ ናብ ከተማ እተው፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኣብኡ ኺነግሩኻዮምኢሉ መለሰሉ (ግብ 96 2210) ጐይታ ድማ ብሓደሃናንያዝተባህለ ብዅሉ ሰብ ጽቡቕ ምስክር ዝተመስከረሉ ቅዱስ ኣገልጋሊኡ ገይሩ፡ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ሰፊሩ ዘሎ ቓል ተዛረቦ (ግብ 2212) ቅዱስ ጳውሎስ ኪገብሮ ዝተሰርዓሉ ተግባር፡ፍቓዱ ፈሊጡ ምስክሩ ኪኸውንኢልካ ኺጽመቝ ዚኽእልዩ። ብቑዕ ምስክር ዚገብረካ፡ ንፍቓዱ ኣነጺርካ ምፍላጥዩ። ንሳውል ካብ ጨካን ኣዕናዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናብ ብልሓተኛ ሃናጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝለወጠቶ፡ ነዛ ፍልጠት ፍቓዱ ምርካቡያ።

ንሕና ዅላትናውን ክርስትያን ክነስና፡ ብሓጢኣት ዝተዓብለለ ውዱቕ ህይወት ክንነብር ዚገብረና ዘሎ፡ ኣብ ዕንቅፋታ ዚበዝሕ ዓለም፡ ብዘይ ፍልጠት ፍቓዱ ንመላለስ፡ ንህይወትና ብፍቓድ ርእስናን ብፍቓድ ሰይጣንን ንመርሓ ምህላውናዩ። ከም ኣሳዳዲ ሳውል ንፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጡን ኣገልጊሉን፡ ናብ ቅዱስ ሃዋርያ ናብ ምዃን ዝዓበየ፡ ንሕናውን ነዚ ኣርኣያ ተኸቲልና፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን መንነትናን ዓብይ ለውጢ ኽንገብር መንፈሳዊ ሓላፍነትናዩ።

ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ክሳዕ ክንድ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ኣብ ዘለናያ ምድርን ኣብ ሰማያትን ዚፍጸም ኵሉ ፍጻመታት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጸም። ብፍላይ ኣባና ኣብዞም ብኣርኣያኡ ዝተፈጠርና ሰባት፡ ካብ ብሚልዮን ዚቝጸር ጸጒሪ ርእስና ሓንቲ ብዘይ ፍቓዱ ኸም ዘይትረግፍ፡ ጐይታና ኣረጋጊጹልና (ማቴ 1028-30) እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ክርስትያናዊ ውልድነትናን መንነትናን ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይከውን፧ ንሕና ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ተወሊድና ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ጸጋምበር፡ ባዕላትና ብፍቓድና ዝመረጽናዮን ዝዀንናዮን ኣይኰነን። ቅዱሳን ሃዋርያት በቲ ቕዱስን ልኡላውን ፍቓዱ ዝወለደና ደቁ ምዃንና ኣረጋግጾምልናዮም።

ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።ዮሃ 111,12

በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። .... ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸም ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።  ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም።ኤፌ 15,6,12,13

በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።ያእ 118

ብፍቓድ ኣምላኽ ውልድነት ዝረኸበ ክርስትያን፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ዘመን ህይወቱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ጒዳያት ኬገድሶምበኣር፡ ትንተና ዘየድልዮ ብሩህን ውሁብን ሓቂዩ። ብፍቓዱ ዝተወለድና፡ ብፍቓዱ ምእንቲ ኽንምራሕን ኣገልገልቲ ፍቓዱ ምእንቲ ኽንከውንንዩ። ብፍቓዱ ውልድነት ረኺብካ፡ ኸተብቅዕ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻ፡ ብፍቓድ ርእስኻ ባህ ከም ዝበለካ ዄንካ ምንባር ሰማይን ምድርን ዘይጾርዎ ኸቢድ ጥልመትዩ። ስለ ሓደውሉድ ኣምላኽኢሉ ዚኣምን ክርስትያን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ምእዛዝን ምግልጋልን ከም ናይ ህይወቱ መሪሕ መርገጺ ኣጽኒዑ ኺሕዞን፡ ከም ኣጽዋር ኪዕጠቖን ዚግባእዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ ምዕዶን ትእዛዝን ብኸም ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።

ደጊም ክርስቶስ (ብስጋኡ) ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ (እቲ) (ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ ክርስትያን) ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን (ህይወትኩም) ንፍቓድ ኣምላኽምበር፡ ንፍትወት ሰብ (ወይ ንፍቓድ ስጋ) ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም፡ ፍቓድ (ሰብ) ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክልዩ።1ጴጥ 41-3

ንፍቓድ ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧ ንምንታይ ምፍላጥ ፍቓድ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዚስራዕ፧ እቲ ምኽንያት ርዱእዩ፡ ንዘይትፈልጦ ነገር ክትምርሓሉን ክትፍጽሞን ፈጺምካ ኣይከኣልንዩ። ብፍቓድ ኣምላኽ ዚምራሕ ህይወትን ናብራን ክንሃንጽ እንተ ዄንና፡ ኣቐዲምና ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ጒዳያትና ፍቓዱ ኣነጺርና ኽንፈልጥ ናይ ግድንዩ። ምስ ፈለጥና ኢና ናብ ትግባረ ኽንሰግር እንኽእል። እንተ ዘይኰነ ኸም ሳውልሃነጽቲኽንከውን እናተገብኣና፡ኣዕነውቲዄንና ኽንርከብ ኢና። ስለ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍላጥ ክንግደስ ቃል እግዚአብሔር ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ዚእዝዘና (ቈሎ 19 . ኤፌ 517 .ት፣ ሮሜ 122 .)

ምፍላጥ ክሳዕ ክንዲ ኣገዳሲ ምዃኑ እንተ ፈሊጥና፡ ነቲብኸመይ ንፈልጦ፧ዚብል ሕቶ ኽንምልስዩ ዚግባእ።

1. ጸሎት፦ ንሕና ሰባት፡ ይትረፍ ናይ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣምላኽ ሓሳባትን ፍቓድን ክንፈልጥ፡ ባዕሉ እቲ ሰብ እንተ ዘይገሊጹልና፡ ኣብ ጥቓና ናይ ዘሎ ኸማና ድኹም ሰብ ፍቓድ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ሓሳባቱን ፍቓዱን ከኣ መርሚርካ ኽትበጽሖ ከቶ ዘይሕሰብን ዘይከኣልን (ሮሜ 1133-36 ኢሳ 4012-14 እዮ 115-9 382-5) እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነምበኣር፡ እንኮ ተስፋና እግዚአብሔር ነቲ ምስጢር ፍቓዱ ኺገልጸልና ብትሕትናን ብቕንዕናን ምጽላይ ጥራሕዩ። ብመንፈሱን ብቓሉን ገይሩ እንተ ዘይገሊጹልና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፈልጥ ዚኽእል ሓደ የብልናን። ስለ ናይ ብሓቂ ነቲ ገላጽ ምስጢራት ዝዀነ ኣምላኽ ብጸሎት ካብ ምሕታት ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ ኺህልወና ኣይግባእንዩ። ንሱ እንተ ዀነ፡ ሳላ ሕያውነቱ፦

ጸውዓኒ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካየ።

ብምባል ንኽንልምኖ ዚዕድመናን ዚልምነናን ኣምላኽ (ኤር 333) ዓይንና ርእያቶ፡ እዝንና ሰሚዓቶ፡ ልብናውን ሓሲባቶ ዘይትፈልጥ ምስጢራት ብመንፈሱ ገይሩ እናገለጸ ዚመርሕ ኣምላኽ (1ቈረ 26-12 ኤፌ 32-5 ቈሎ 126,27 .) ንሕና ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ድሕሪ ምጽላይና፡ ንሱ ብኸመይ መገዲ ፍቓዱ ይገልጸልና ናቱ ሉኣላዊ ምርጫ ይኸውን።

2. ቃል እግዚአብሔር፦ ብሓፈሻ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ክልተ ኸፊልና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ፡ እቲ ንዅሉ ሰብ ብዝርዝር ዝተገልጸ ኣብ ቃሉ ዝሰፈረ ኣድማሳዊ (Universal) ፍቓድዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ቅድስና ከምኡውን ብዛዕባ ምንዝርና፡ ሓሶት፡ ስርቂ ወዘተ ዝኣመሰሉ ተግባራት፡ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ኣብ ቃሉ ብመልክዕ ንጹር ትእዛዝ ሰፊሩ ስለ ዘሎ፡ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ብዛዕባ ሓሶት ፍቓድካ እንታይዩ፧ኢልና ኽንሓትት ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ እዚ ጸሎት ዘይኰነስ፡ ላግጺ ኪቝጸረልና። እቲ ኻልኣይ ጒጅለ ፍቓዱ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፎም ዘይንረኽቦም ብዛዕባ ውልቃዊ፡ ስድራ ቤታዊ፡ ሃገራዊ፡ ቤተ ክርስትያናዊ ጒዳያት ዚምልከቱ እዋናዊ ዅነታት ዚወልዶም ሕቶታት ኣለዉ። ንሕማም፡ መውስቦ፡ ኣገልግሎት ወዘተ ዚምልከቱ ብፍቓድ ኣምላኽ ተመሪሕና ኽንውስነሎም ዚግባእ ጒዳያት ኣለዉ። ንፍቓድ ኣምላኽ ብዚምልከት ንጹር መምርሒ እንረኽበሎም፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ምድብ ዝሰራዕናዮም ጒዳያትዮም። ብዛዕባቶም ካልኣይ ጒጅለውን እግዚአብሔር ብመንፈሱ ብርሃንን ምርሒትን ምስ ዚህበና፡ ካብ እነንብቦ ቓል እግዚአብሔር ፍቓዱ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። በቲ ንሕና እንጽበዮን በቲ ንኣና ዜድልየናን ኣገባብ ሰፊሩ እንተ ዘይረኸብናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዚገጥመና ዅነታት ዚምልከት መልሲ ኸም ዘለዎ ኽንዝንግዕ ኣይግባእን። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ቓል እግዚአብሔር ዝሃቦ ምስክርነት፡ ነዚ ሓሳባትና ዜርግኣልናዩ።

ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ። ....ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስክራትካ ምስትንታነይሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየሞ፡ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ። .... ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን.... ምኽፋት ቃልካ የብርህ፣ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።መዝ 11918 11998-100,105 119130

3. ብራእይን ሕልምን ትንቢትን፦ እዚ መገድታት እግዚአብሔር ንቕዱሳኑ ንጹር ፍቓዱ ዝገለጸሉ ጥበቡዩ። ነቦና ኣብርሃም፡ ንያእቆብ፡ ንዮሴፍ፡ ንፈርኦን፡ ንንጉስ ነቡካድነጸር፡ ንዮሴፍ (ሕጹይ ማርያም) ብሕልሚ ገይሩ ፍቓዱን ምርሒቱን ገሊጹሎም (ዘፍ 1512-21 2811-17 401-23 411-36 ዘፍ 375 ዘሁ 126 ማቴ 212,13,19 ግብ 217 ዳን 44-33) ንነብዪ ሙሴ፡ ንእያሱ፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ብግሉጽ ራእይ ገይሩ ፍቓዱ ገሊጹሎም (ግብ 109-17169,10 2724 ዘጸ 31-10፣እያ 513-15) ብትንቢት ድማ ንህዝቢ እስራኤልን ንብዙሓት ውልቀ ሰባትን ፍቓዱ ኣፍሊጥዎምዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ከም ዚእሰር ኣጋቦስ ብዝተባህለ ነብዪ ተነጊርዎ (ግብ 1127-30 219,102ነገ 96-10) እዚ ኣበሃህላዅሉ ሕልሚ ኻብ ኣምላኽዩ፡ ዝተነግረ ዅሉ ትንቢትውን ሓቂዜስምዕ ኣይኰነን። ዓለምና ናይ ስሰዐ-ገንዘብ ባሮት ብዝዀኑ ሓሰውቲ ነብያት ኣብ ዘዕለቕለቐትሉ ክፉእን ናይ መወዳእታን ዘመን ኢና ዘለና። ትንቢት ሓሶት ስለ ዝበዝሐ፡ ድርሰት ኣእምሮና ዝዀኑ ሕልምታት ስለ ዘለዉ ግና፡ እግዚአብሔር ነዚ ፍቓዱ ዚገልጸሉ ጥበቡ ደርብይዎ ማለት ከም ዘይኰነ ኸነስተውዕል ይግብኣና። እግዚአብሔር ነቶም ዚፈርህዎን ዚውከልዎን፡ መገዶም ብቕኑዕ ጸሎት ንዘማዕቈብዎን፡ ንኸንቱ ሕልምን ንሓሳዊ ትንቢትን ኣሕሊፉ ኸም ዘይህብ ከኣ ኪዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ዋላ ሰይጣን ብትምየና እንተ ኣሸገረና፡ ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ውህበትን ጥበብን ምዃኑ ግን ክንዝንግዖ ኣይግባእን።

ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ጥራሕ ንበይኑ ኣኻሊ ድዩ፧ እዚ ኣፍልጦ ዜሰክመና ሓላፍነት እንታይዩ፧ ምፍላጥ ንበይኑ ኣኻሊ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ምፍላጥ፡ ናይ ትግባረ መእቶ (access) እዩ። ምፍላጥ ናይ መገዲ መጀመርታ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መገዲ ብምሉኡ ግን ትግባረዩ። ንዘይትገብሮን ንዘይትእዘዞን ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ዕዳን ፍዳን ይወልደልካምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ረብሓ ኣይርከቦንዩ። ስለ ፍቓዱ ንምፍላጥ ኪደፍኣና ዚግባእ፡ ንፍቓድ ናይ ምእዛዝ ሓያል ባህጊምበር፡ ናይ ኣፍልጦ ጥሙሕ (curiosity) ኪኸውን ኣይግባእን። ጐይታና እንተ ዀነ፦

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብርምበር፡ጐይታይ፡ ጐይታይዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው ኣይኰነን። በታ መዓልቲቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነበናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑ፡ ክብሎምየ።።

ብምባል ብወግዒ ኣፍሊጡና (ማቴ 721-23) ገባር ፍቓዱ እንተ ዘይኴንካ፡ ናይ ግድን መፍረስ ፍቓዱ ኢኻ። ኣብ መንጎ ምግባርን ዘይምግባርን ተሓቢእና ኽንነብረሉ እንኽእል ሕቡእ ስፍራ ወይ እንንሳፈፈሉ ጋግ የለን። ናይ ዘለኣለም መዓልቦና ወይ መንግስተ ሰማያትዩ፡ ወይ ከኣ ገሃነምዩ። ሓዲግ ዝዀኑ ሰባት ዚዕቈቡሉ ኻልእ ሳልሳይ መዓልቦ የለን። ገበርቲ ፍቓዱ እንተ ዄንና ቦታና ኣብ መንግስተ ሰማያት ምዃኑ ርጉጽዩ። እቶም ንፍቓዱ ዚግህሱ ዓለወኛታትን ዓመጸኛታትን ከኣ ኣብ በዅሪ ዓለወኛታት ዝዀነ ድያብሎስ ዘለዎ ቦታ ኺድርበዩዮም። ፍቓድ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ፡ ዋላ ንጸላእትና፡ ኸነፍቅር እንተ ዀይኑ፡ እቶም ብግሁድ ጽልኢ ዚጸልኡ ጥራሕ ዘይኰኑ፡ እቶምኣየፍቅሮ፡ ኣይጸልኦዚብሉ ኣጐላጒል ሰባትውን ገሃስትን መፍረስትን ፍቓዱዮም። ናታቶም ዘለኣለማዊ ኣድራሻውን ፍሉጥዩ። እቶም ንፍቓዱ እናፈለጡ ዘይገብርዎ፡ ፍርዶም ከቢድ ምዃኑ እቶም ንፍቓዱ ዘይፈለጡውን ካብ ፍርዲ ኸም ዘይመልቁ ጐይታና ብንጹር ሓቢሩናዩ።

እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከም ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዚግብኦዩ። እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎዮም።ሉቃ 1247,48

ፍቓዱ ምፍላጥና ንረብሓና ኣብ ክንዲ እነውዕሎ፡ ብሰሪ ምፍላጥናን ሰኣን ምግባርናን ክንጒድኣሉ ምምራጽ ብሓቂ ኣነዋሪ ዕሽነትዩ። ቃል እግዚአብሔር እንተ ዀነ፡ ንፍቓዱ ናይ ምግባር ረብሓ ብንጹር ሓቢሩና (ዮሃ 931 1ዮሃ 217)

እቲ ኣርኣያና ኪኸውንን ካብ ሓጢኣትናን ካብ ጥፍኣትናን ኬድሕነና ዝመጸን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምእዛዝ ዝለዓለ ኣብነትና (ዮሃ 530 ዮሃ 638-40 ዮሃ 174 ሉቃ 2242)

ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ኣደይ መንያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመንዮም፧ኢሉ መለሰሉ።ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይንዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡በለ።....ኣብ መንጎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ።ማቴ 1248-50 ዮሃ 431

እምበኣር ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስትያን ውልቀ ሰባትን ህዝብን መጠን፡ ንሕናውን ንፍቓድ ኣምላኽና ኣነጺርና ኽንፈልጥ፡ ነቲ ዝተገልጸልናን ዝፈለጥናዮን ፍቓዱውን ክንእዘዞን ክንግዝኦን ግቡእናዩ። ምግባርናን ዘይምግባርናን ዝዀነ ይኹን መለሳን ለውጥን ዘየምጽእ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ምርጫ ኣብ ፍቓድና ኪምርኰስ ምኸኣለ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ፍቓድ ናይ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ፍቓድን ምርጫን ናይ ድኹምን ሓጥእን ሰብ ኪወድቕ ምግባር፡ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ ኸቢድ መንፈሳዊ ገበንዩ። ስለ ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንርእስና ኼሕሸና ኢልና፡ ንፍቓዱ ኣብ ምፍላጥን ኣብ ምትግባርን ብዕቱብ እንተ ተገደስናን እንተ ተወፈናን ዜርብሓና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽዝኸም ልበይዝበሎ ቅዱስ ዳዊት፡ ኣዝዩ ዜደንቕን ዚምስጥን፡

ዳዊት፡ ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ፡ .... “

ዚብል ኣርኣያዊ ምስክርነት ሂቡ ኣሎ (ግብ 1336) ኣብ ምድሪዚኣ ነተን ዝተመደባልና ዓመታት ክንነብር ዝተፈጠርናን ዝተፈቕደልናን፡ ነዛ ኣብ ዘመን ህይወትና ንፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግልጋል ቅድስቲ ተልእኾ ምእንቲ ኽንፍጽምዩ። ኣገልጋሊ ፍቓዱ ምዃን ንቕዱሳን መላእኽቲ ዝተዋህበ ኣዝዩ ዓብይን ክቡርን ተልእኾ (መዝ 10320,21) እምበኣር ኣብ ሓጻር ዕምርና፡ እዛ ብዛዕባ ኣቦና ዳዊት ዝተዋህበት ምስክርነት፡ ብዛዕባናውን ከም እትበሃል ነረጋግጽ። ህይወትና ብዕቱብነት ንመርምርሞ፡ ብፍቓድና ንፍቓድ ኣምላኽ ዝተዳፋእናለንን ዝገሃስናለንን መዓልታት ብንስሓ ነሕውየን። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወትና ድማ ንፍቓድ ርእስና ኣንኢስና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኣንጊስና ኽንነብር ዘይንቕነቕ ጽኑዕ ውሳኔ ንወስን፡ ነተግብሮ ድማ። ኣምላኽና ንዜኽበርዎ ዜኽብር፡ ንዜሕስርዎ ኸኣ ዜሕስር ፍትሓዊ ኣምላኽዩ። እምበኣር ሰብኣዊ ኽብሪ ሂብና፡ መለኮታዊ ኽብሪ ንሕፈስ!! ንነፍስና ሰናይ ንምከረላ !!

ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሉ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓድ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።እብ 1321

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  ነሐሰ ፳፪, ፳፻፲፬  ግዕዝ (28 ነሓሰ 2022 ) [መበል 51 ሰንበት: ቊ.81/፹፩]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍ ዲያቆን

ንፍ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቈረ 8፡1-15 ያእ 1፡17-ፍጻመ ግብ 22፡6-22 ሉቃ 12፡13-26 ዘኤጲፋንዮስ

መዝ.፻፵፬(፻፵፭)፡ ፲፭,፲፮

“ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ። ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ።”

ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፱-፲

“ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ። ወለዕጕለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። ኢይፈቅድ ኃይለ ፈረስ።”

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div