S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከተማ ይጽበይ ነበረ [መበል 49 ሰንበት: ቊ.72/፸፪]

ኣብርሃም ናብ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠሞ፡ ምስቶም ነዛ ተስፋዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።እብ 118-10

እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ናይ ጾመ ፍልሰታ ወቕቲዩ። ብረድኤት ኣምላኽ ኵላትና ቕቡል ናይ ጾምን ጸሎትን ጊዜ ነሕልፍ ክንህልው ተስፋና ልዑልዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝወረደ ምልኣት ጸጋ፡ ኣባናውን ኪዓዝዝ እግዚአብሔር ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ ይርድኣና። ሎሚ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንናዛቲ ይእቲ ማርያምእናበሉዮም ኬዚሙ ሓዲሮም። እዚ ናይ ዕለት ንባባት ሓድሽ ኪዳንውን ኣብ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተሰርዐዩ። ኣብ ዕለት ዚስበኽ ምስባክውን፡ ከም ዚስዕብ ዚትርጐምዩ።

እግዚአብሔር ንጽዮን ሓርይዋሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሃጋ። እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ .... (በለ)መዝ 13213,14

እቲ ኻልኣይ ኣማራጺ ምስባክ ከኣ፡ ከም ዚስዕብ ዚትርጐምዩ።

ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን አልዕል ኣለኹ፡ ረድኤተይ ኻበይ ዚመጸኒ፡ ረዲኤተይሲ ካብ .... እግዚአብሔር .... መዝ 1211,2

እቲ በዚ ናይ ዕለት መዝሙር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ነዚ ናይ እብ 118-16 ንባብ ዝሓቘፈዩ። ኣብ ንባብ ጒሉሕን መሃርን ብዝዀነ ኣገባብ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ናይ ኣቦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣቦና ኣብርሃም ምስክርነትዩ። እቶም ወለዶ ጐይታና ዝዘርዘሩ ኽልተ ወንጌላት (ናይ ቅዱስ ማቴዎስን ቅዱስ ሉቃስን) ጐይታና ወዲ ኣብርሃም ከም ዝዀነ መስኪሮምልና ኣለዉ (ማቴ 11 ሉቃ 334 ) ጐይታና፡ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ። ስለ ጐይታና ዘርኢ ኣብርሃም ኪኸውን ዝኸኣለ ኣዴና ማርያም ጓል ኣብርሃም ስለ ዝዀነትዩ። ናይ ኣቦኣ ኣብርሃም እምነት ወሪሳ፡ ነቲ ብመልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል፡ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ መድሓኒ ዓለም ከም እትወልድ ንዝተነግራ ብስራት ብእምነት ተቐቢላ፡እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር፡ ከም ቃልካ ይኹነለይብምባላ፡ ካብ ኵላተን ኣንስቲ ዝተባረኸት ናይ ምዃን ክብሪ ረኸበት። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ገይሩ፦

““ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራሰረ። እቲ ኻብ እግዚአብሔር እተነግረላ ቓል ኪፍጸምሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ

ብምባል እቲ ምስጢረ ተዋህዶ ኣብኣ ድሮ ኸም ዝተፈጸመ ኣበሰራ (ሉቃ 142-45) ኣቦና ኣብርሃም፡ ንእግዚአብሔር ብእምነቱ ምስ ኣስመሮ፡ እግዚአብሔር ከኣ፡ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹዮምኢሉ ኪዳን ኣተወሉ (ዘፍ 2218) እቲዘርእኻዝተባህለ ኸኣ፡ እቲወዲ ኣምላኽን ወዲ ሰብንዝተሰምየ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።

እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሃል፡ንዘርእኻ፡ንሱ ኸኣ ክርስቶስምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሃል፡ነዝርእቲ፡ኣይብልንዩ።ገላ 316

እምብኣር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ባዕላን እቲ ንሳ ዝወለደቶ ቅዱስ ወዳን ካብ ኣቦ እምነት ዝዀነ ኣቦና ኣብርሃም ዝፈረዩ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ዝተባረኸ ናይ ጾመ ፍልሰታ ጊዜ ካብ ህይወት ቅዱስ ኣቦና ኣብርሃም ሃናጺ ትምህርቲ ኽንመሃር ይግብኣናዩ።

ካብ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ከም እንመሃሮ፡ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ፈታኒት ዓለምዚኣ ንእግዚአብሔር ብዜስምር ጽድቅን ቅድስናን ኪመላለስ ዝኸኣለ፡ ነታ ብተስፋ ዝተዋህበቶን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረን ምድሪ ከንኣን ዘይኰነስ፡ ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ናይ ሰማይ ከተማ ይብህግን ይጽበይን ስለ ዝነበረዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዝነበረን ዚነብርን ናብ ቅድስና ዚበጽሕ ወይ ዝበጽሐ እንተልዩ፡ ብዘይ ናይ ሰማያዊት ከተማ ናፍቖትን ትጽቢትን ከም ዘይበጽሖ ቓል እግዚአብሔር ዘረጋገጾ ሓቂዩ።

ኣቦና ኣብርሃም ነዚ ናይ ሰማያዊት ከተማ ተስፋን ትጽቢትን ካበይ ረኸቦ፧ ኣብ ታሪኽ ኣቦና ኣብርሃም ዝሰፈረሉ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፋት (11-25) ናይ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ሰማያዊት ከተማ ትጽቢት ከም ዝነበሮ ዚገልጽ ክፍሊ የብሉን። ብርግጽ ንኣምላኽ ዚፈርህን ዚእዘዝን ናይ እምነት ኣቦ ኸም ዝነበረ ብኣዝዩ መሃርን ሃናጽን መገዲ ተነጊሩና ኣሎ።ከም ዝኣመሰለ እምነት፡ ካብ ምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዝበቘለኢልካ ምሕሳብ ግን፡ ነታ ንኣምላኽ ዘኽበረትን ንኣብርሃም ዘጽደቐትን ህያው እምነት ከም ምቅላል ኪቝጸረናዩ። እግዚአብሔር ከኣ ካብ ከም ዝበለ ፈኲስ ርድኢት ኬናግፈና፡ እታ ንዅላቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ዘዐወተት ምስጢር ኪገልጸልና ስለ ዝፈተወ ግና፡ ብቕዱስ መንፈሱ ገይሩ ንሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገለጸሉ። ንሱ ኸኣ በዚ ዘለኣለማዊ መልእኽቱ ግሩም ገይሩ ነቲ ሓቂ፡ እንሆ ኣስኒቑና ኣሎ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ኸም ዘሎ ኸኣ፡ ነዛ ዓባይን ኣርኣያዊትን እምነት ዝወለደ ተስፋ፡ እዚ ናይ ምድሪ ርስትን ናይ ውላድን ተስፋ ዘይኰነስ፡ ናይ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን ሰማያዊት ከተማ ተስፋዩ። ተራን ጊዝያውን ተስፋ፡ ጽድቅን ምድሓንን ዜምጽእ ዓብይ እምነት ኣይወልድንዩ። ዕብየት ተስፋ ምስ ዕብየት እምነት ቀጥታዊ ተዛማድነት (direct relationship) ኣለዎ። ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ብተስፋ ዝተዋህበቶ ምድሪ ኸንኣን፡ ካብ 100 ዓመታት ንላዕሊ ኣይተቐመጠን። ንሳተንውን ጥዑም ከተስተማቕረለን ዘይትኽእል ናይ ሽምግልና ዓመታትየን ዝነበራ። ካብ 75 ዓመት ዕድሚኡ ክሳዕ 175 ዓመቱ ኣብኣ ዝተቐመጠ። እታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ሰማያዊት ከተማ ግን ንሚእቲ ዓመታት ዘይኰነስ ንዘለኣለም እትንበርያ። ብእርጋን ተደጊፍካ ዘይኰነስ እዚ ናይ ውርደት ስጋኻ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ተለዊጡ እትንበር፡ ናይ ዕዙዝ ክብርን ሓጐስን ከተማ (ፊሊ 320,21)

ኣቦና ኣብርሃም ነታ ናይ ኣምላኽ ከተማ ይጽበይ ከም ዝነበረ እንታይ ግብራዊ መረጋገጺታት ኣሎ፧  ንታሪኹ ብዝዖረ ዘይኰነ ብዝተኸፍተ ኣዒንቲ ልቦና እንተ ርኢናዮ፡ ብርግጽ ጭቡጥ ግብራዊ መረጋገጺታት ኣሎ። ከምኡ ዝዓይነቱ ተስፋ ኸም ዝነበሮ ንኸነረጋግጽ፡ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ዚመስል ጥቕሲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ወይ ኣብ ካልእ ናይ ብሉይ ኪዳን መጽሓፍ ናይ ግድን ኪጸንሓና ኣየድልንዩ። ኣብኡ ኻብ ናይ ቃል-ጥቕሲ ብዚበልጽ ግብራዊ መገዲ ተገሊጹ እንተልዩ፡ እኹል ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ እኹል ንላዕሊ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኸም ዘሎ ብመንፈስ ከነስተውዕሎ ትጽቢት ይግበረልናዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣረጋጊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ተስፋ (ከንኣን) ዝነበሮ ዓይነት ናብራ፡ ናይ ተስፋኡን እምነቱን ትጽቢቱን ርጉጽ መርትዖ ዝነበረ።

ኣብ ንእኡን ንዘርኡን ዝተዋህበቶ ምድሪ ተስፋ፡ ናይ በዓል ርስትን ናይ ወዲ ዓድን ናብራ ዘይኰነስ ናይ ጋሻን ስደተኛን ናብራ ይነብር ነበረ። ነዚ ኸኣ ንመንበሪኡ ዝመረጾ ዓይነት ገዛድንኳን” (tents) ኪኸውን ምውሳኑዩ። ናይ ድንኳን (ቴንዳ) ገዛ ንጊዜኡ መጻንሒ ኪዀነካ እትሰርሖምበር፡ ንሓዋሩ ኪዀነካ ዚስራሕ ኣይኰነን። ኣሽንኳይ ሃብታም ሰብሲ፡ ድኻ ሰብ ንድንኳን ከም ናይ ሓዋሩ መንበሪኡ ገይሩ ኣይሰርሕንዩ። ናይ ድንኳን ናብራ ዚነብሩ፡ እዞም ከብትን ጤለ በጊዕን ዜራብሑሰበኽ-ሳግምእንብሎም ሕብረት ሰባትዮም። ንሳቶም ከኣ ፈትዮምዎን መሪጾምዎን ዘይኰነስ፡ ንጥሪቶም ዚብላዕ ሳዕሪ ደልዮም ኰለል ዚብሉ ሳገምቲ ስለ ዝዀኑዩ።

ኣቦና ኣብርሃም ግን ኣዝዩ ኣዝዩ ሃብታምን፡ እግዚአብሔር ዝባረኾን ሰብ ነይሩ። ምድሪ ኺጾረን ዘይክእል ቍጽሪ ጥሪት ዝነበሮ ሰብ (ዘፍ 135,6) ኣብ ገዝኡ ዝተወልዱ ሰለስተ ሚእቲ ባሮት ነበርዎ። ነዚኣቶም ዝፈረዩ ባሮትውን ኣለዉዎ ማለትዩ። ምስ ነገስታት ውግእ ኪገጥምን ብሓይሊ ኣምላኽ ስዒርዎም ምርኮ ኼምልስ ዝኸኣለ ንርእሱመንግስቲኺበሃል ዚኽእል ሰብ ነበረ (ዘፍ 1412-16) ዋላ ብዓል ማል ወይ ብዓል ጥሪት (Herdsmen) እንተ ዀነ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ንጥሪቱ ዚጓስዩ ባሮት ስለ ዝነበርዎ፡ ንሱ ምስ ጥሪቱ ኺሳግም ኣየድልዮንዩ። እዚ ንብሎ ዘለና ኸኣ ግምታዊ ኣባህላ ዘይኰነስ፡ እቲ ልቢ ዚምርምርን ኣብ ልቢ እምነት ዚተክልን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ ዘረጋገጸልና ሓቂዩ።

እዚ ናብራ ድንኳን ዜመሓላልፈልና እንታይ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣሎ፧ እቲ ዝዓበየን ርጉጽን መልእኽቱ፡ እቲ ኣብ ድንኳን ዚነብር ሰብ፡ ነዛ ዓለምዚኣ ጓናን ስደተኛን ምዃኑ ኸም ዘስተውዓለ ዜረጋግጸልናዩ። ዋላ ርስትኻን ገንዘብካን ይኹን፡ እቲ እትነብረሉ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻ ምድሪ ጓና ምዃኑ ናብ ምርዳእ እንተ በጺሕካ፡ ናይ ብሓቂ ብሱል መንፈሳዊ ርድኢት ከም ዘሎካ ርጉጽ ምልክትዩ። ነቦና ኣብርሃም ኣብ ድንኳን ኪነብር ዝገበረቶ እዛ መንፈሳዊት ብስለትዚኣያ። ንጽውዓ ኣምላኽ ተኣዚዙ፡ ዓሌቱን ዓደቦኡን ሓዲጉ ናብ ዘይፈልጦ ምድሪ ኺወጽእ፡ ነቲ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ዝረኸቦ እንኮ ውላዱ ንኣምላኽ ኪስውኦ ኪእዘዝ ዘኽኣለቶ እዛ ናይ ሰማያዊት ከተማ ተስፋ ምዃና፡ መግለጽን ትንተናን ዘየድልዮ እግዚአብሔር ዝመስከረሉ መንፈሳዊ ሓቂዩ። ናብ እግዚአብሔር ዝኣዘዞን ዘርኣዮን ምድሪ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ድንኳን ኪነብር ዝደረኸቶውን እዛ ተስፋን ትጽቢትንዚኣያ። እግዚአብሔር፡ እዛ ንኣብርሃም ዝቐደሰት ተስፋን እምነትንዚኣ ኣብቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ነታ ምድሪ ኸንኣን ዝወረሱ እስራኤል ክትህልው ልዑል ድልየትን ትጽቢትን ነይርዎዩ። እንተ ዀነ ንኸምኡ ዜተስፍው ኵነታት ስለ ዘይነበሮም፡ ብግህዶ ኸም ዚስዕብ ኢሉ ኣፍለጦምን ኣዘዞምን።

ምድሪ ናተይያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹምሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሽየጥ።ዘሌ 2523 .

ክህበኩምኢሉ ኣተስፍዩ፡እንኩም ውረስዋኢሉ ናብኣ ኣእትይዎም ኬብቅዕ፡ ንምንታይጓኖት ኢኹምይብሎም፧ እቲ ምኽንያት ርዱእዩ፡ መዓልቶም ምስ ወድኡ፡ ነዛ ምድሪ ጓና ብሞት ኪፍለይዋዮም። ሞት፡ ከም መቕጻዕቲ ዝተበየነልና ፍርዲ ደኣ ይኹንምበር፡ ጓኖት ምዃንና፡ እዛ ዓለምዚኣ ናይ ዘለኣለም ቤትና ዘይምዃና ኬረጋግጸልና ዝተዋህበና ግብራዊ ትእምርቲውንዩ። ተፈጥሮና ባዕሉ፡ ንሕና ለቢስናዮ ዘለና ስጋ፡ ፈራሲ ድንኳን ምዃኑ የረጋግጸልናዩ። ዋላ ነሽሓት ዓመታት ኣብ ዚነብር ህንጻ እንተ ነበርና፡ ንስጋና ፈራሲ ኻብ ምዃን ከነድሕኖ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ስጋና ድንኳን ምዃኑ፡ ነዚ ድንኳንና ዜፍርስ ከኣ ሞት ምዃኑ ቅዱሳት ሃዋርያት ኣረጋጊጾምልናዮም (2ጴጥ 113 2ቈረ 51)

ስለ ስጋዊ ህይወትና ንርእሱ ድንኳን ካብ ኰነ፡ ናብራ ድንኳን ኪሕድሰና ፈጺሙ ኣይምተገብአን። ሞት ፈጺሙ ኸም ዘይተርፈና ብደረጃ ሓሳብ እናፈለጥናዮ እቲ ግብራዊ ናብራና ግን ኣብ ዓለምዚኣ ንዘለኣለም ከም እንነብር ሰባት ኴንና ብጥበራ ኢና እንነብር። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲሞትዚበሃል ክዉንነት፡ ፈቲናን ኰነ ኢልናን ንርስዖን ንኽሕዶን ኣለና ማለትዩ። ንኸም ዘመሰለ መሰክሕ ዕሽነትናስ እንታይ ዝዓይነቱ መግለጺ ዀን ኪወሃቦ ምተኻእለ!!

እቶም ንኣምላኾም ዘስመሩ፡ዝኸም ልበይተባሂሎም ኪስመዩ ዝበቕዑ ቅዱሳን ኣቦታትና ግን ኣብ ዓለምዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም ንጹር ርድኢትን ጽኑዕ እምነትን ዝነበሮምዮም። ንኣምላኽ ኣብ ምሕጓስን ናብ ቅድስና ኣብ ምብጻሕን ዘዐወቶም ከኣ እዚ ርድኢትን ርትዕንዩ። ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ከምኡ ዝነበረ (መዝ 3912 .)

ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፡ መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልትታትናን ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት ይሓልፋ፡ ንዅሉ ጊዜ ኣብ ምድሪ ዚነብር የልቦን። 1ዜና 2915 .

ነተን ኣብ ምድሪዚኣ ዚነብርወን መዓልታቶምን ዓመታቶምን ከኣ ከም ጽላሎት፡ ከም ትኪ፡ ከም ስድሪ ዝምንዋሑ ኣዝዩ ሓጺር ዕምሪ ምዃኑ ይእመኑ ነበሩ (መዝ 909,10 መዝ 395 . እዮ 76,7)

ዕላማ ናይ ምሕጻር ዕድሜናዚ፡ እዛ ዓለምዚኣ መንበሪትና ኸም ዘይኰነት ቅድሚ ምፍጣር ዓለምና ዝተዳለወት ካልእን ሓዳስን ዓለም ትጽበየና ኸም ዘላ ንኼመልክተና ሞት ዝሰርዓልና።

ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ (ቅድሚ) ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱማቴ 2534

ስለ ኸኣ ቅዱሳን ሃዋርያት ኰነ ጐይታና ባዕሉን እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ናትና ኸም ዘይኰነት፡ ንሕናውን ካብኣን ናታን ከም ዘይኰንና ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለዉ። ብፍላይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ሓቂ ደጋጊሙ ተዛሪቡሉዩ። ዋላ ነቶም ጸላእቱ ፈሪሳውያን ከይተረፈ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎኦምን ዘሎ ፍልልይ፡ በዚ ሓሳብ ይገልጸሎም ነበረ (ዮሃ 823  ዮሃ 1518,19 ዮሃ 1714 1ዮሃ 44-6 1ጴጥ 21)

እዚ ቓላትዚ፡ ነዛ ዓለምዚኣ ኣጋይሽ ምዃንናን፡ ዜጋታታ ንዘይምዃን ክንጥንቀቕ ከም ዚግብኣናን ንኼመልክተና ዝተጻሕፈዩ። ኵላቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ነዚ ሓቂ መልህቕ ህይወቶም ገይሮም ስለ ዝሓዙዮም፡ ዕዉት ናይ እምነት ህይወት ኪነብሩ ዝኸኣሉ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብስእላውን ዜገርምን መገዲ ኣርእዩና ኣሎ።

ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ።እብ 1136-38

እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን ኣብ ምድሪዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።  እቶም ከም ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሓሲቦም እንተ ዚዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊውሎም ኣሎሞ፡ኣምላኾምኪብሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርንዩ።እብ 1113-16

እቶም ነታ ሰማያዊት ከተማ ዚትስፈዉን ዚጽበዩን ኵሎም፡ ኣብኣ ይጥዓሞም ይሕሰሞም ብዘየገድስ፡ ነዛ ዓለምዚኣ ኸም ጐሓፍ፡ ከም ዘይትበቕዖም ሕስርቲ ዓለም ዚርእይዋዮም። ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና ኸኣ፡ ካብ መትከሎምን እምነቶምን ምንቖ ኣየብሎምንዩ። ምኽንያቱ እዛ ዓለምዚኣ ሓላፊትምበር ነባሪት ስለ ዘይኰነት፡ ብሓዊ መኺኻ ንእትጠፍእ ዓለም ዜፍቅሩሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ዋላ እንተ ጠዓመቶምን እንተ ተመነይዋንኳ፡ ብሞት ኪሓልፉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ናቶም ኪርእይዋ ዜታልሎም ዕሽነት ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነቶም፡ ንምድሓን ዝለበሙ ብልህታት ሰባት ነበሩ (1ዮሃ 215-17 1ዮሃ 54 2ጴጥ 310-13 ያእ 44 .)

ናብ ሰማያዊት ከተማ ንምእታው ብቑዕ ዚኸውን መንዩ፧ ናብ ኸተማዚኣ ንምእታው ተስፋን ትጽቢትን ከም ዘሎናን፡ ብርግጽ ከም እንኣትዋኸ ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚ እቲ ናይ ብሓቂ ኽንምልሶ ዚግብኣና ቐንድን ኣገዳስን ሕቶ። ቅድሚ ዅሉ ኸነስተውዕሎ ዚግብኣና፡ እዚ ዓብይን ክቡርን ተስፋዚ፡ ኣብ መትንታት ሓንጎልና ዜሸከርክር ሓሳባዊ ተስፋ ዘይኰነስ፡ ኣብ ናብራናን ዝምድናታትናን እነግህዶ ግብራዊ ተስፋ ምዃኑዩ። መብዛሕትና፡ አረ ዅላትና ሓሳባውያን ተስፈኛታት፡ ብንስሓ ንህይወትና እንተ ዘይፈዊስናያ፡ ነዛ ሰማያዊት ከተማ ከቶ ኣይክንኣትዋን ኢና። እቶም ግብራውያን ተስፈኛታት ዝዀንና ግን፡ ዋላ ሓደ ኸይኣተዋ ኣይኪተርፍንዩ። እታሰማያዊት ከተማትበሃል ዘላ፡ እታመንግስተ ሰማያትብዓባያ ምዃና ኣይንዘንግዕ። እቶም ናብኣ ዚኣትው እንመን ምዃኖም ከኣ ገና ኣብ ምድሪ ኸለዉዮም ዜረጋግጹ። ንሳቶም ከኣ ብኸፊል እዞም ዚስዕቡዮም።

1. ካብ ላዕሊ፡ ካብ መንፈስን ማይን ዳግማይ ዝተወልዱ፦

ኢየሱስ ድማ፡ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አለኹ፡ኢሉ መለሰሉ። ..... ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስዩ።ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።ዮሃ 33,5-7

2. ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ፦

ፍቓድ ናይ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብርምበር፡ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው ኣይኰነን።ማቴ 721

3. ግብረ ሰናይ ዜዘውትሩ፦

ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም (ኣትሒዙ) እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።  ጠምየ ነበርኩሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ፡ ኣስተኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዓሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒማቴ 2533-36

4. ንጽውዓኦምን ንሕርየቶምን ኣጽኒዖም ንዚተሕዙ፦

ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሃበኩምዩ።” 2ጴጥ 110,11

5. ብመንፈስ ድኻታት ዝዀኑ፦

ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶምሞ፡ ብጹኣንዮም።ማቴ 53

6. ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፦

ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣንዮም።ማቴ 510

7. እናገበሩ ዚምህሩ፦

እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዓረ፡ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያትንእሽቶኺበሃልዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያትዓብዪኺበሃልዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሐ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።ማቴ 519,20

8. መንግስቲ ኣምላኽ ጽድቁን ዚደልዩ፦

መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩምዩ። ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም ኣይትፍራህ። ኣብ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውንሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ፡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበልይ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ።ሉቃ 1232-34

ኵላቶም እቶም ብህያው እምነትን ብግብራዊ ናብራን ዝተጸበይዋን፡ ናብራ ናይ ሰማያዊት ከተማ ኣብ ርኽስትን ሓላፊትን ዓለም ዝነበሩ፡ ንሳቶም ብደበና ሰማይ ተነጢቖም፡ ብመለኸት ናይ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቦም ናብኣ ኪድይቡዮም። ንሳ ሰማያዊት ከተማውን ነቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ደቃ ኽትቅበል ለጠቕ ኢላ ክትወርድ (ራእ 211-7 ራእ 2122,23 ራእ 221-5)

እቶም ግብሪ ዓመጻ፡ ግብሪ ስጋ ዜፍቅሩን ዜዘውትሩን፡ ብእኡ ርእሶም ዜነውሩን ግና፡ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሒቖም፡ ናብ ሓዉ ዘይጠፍእ፡ ሓሳኻኡ ዘይመውት ናብ ቐላይ ሓዊ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማት፡ ናብ ማሕደር ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ኪድርበዩዮም (ማቴ 722,23 2541-46 1ቈረ 69,10 ገላ 519-21 ራእ 149-11 2010 218,27 2215)

ካብ ኣቦ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፡ ኣቦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝዀነ ኣቦና ኣብርሃም እንቐስሞ መንፈሳዊ ጥበብ ነዚ ዚመስል። እምበኣር ንሕናውን ደቁ ዄንና፡ ከም ኣልኣዛር ኣብ ሕቝፊ ኣቦና ኣብርሃም ምእንቲ ኽንዓርፍ፡ ነቲዓርኪ ኣምላኽዝተሰምየ ኣቦና ንምሰል (ሉቃ 1623) ከንቱን ሓላፍን ዝዀነ ምድራዊ ትጽቢታትና ብንስሓ ፈዊስና፡ ኣብ ውሽጥና ሰማያዊ ተስፋን ትጽቢትን ንህነጽ። ንትጽቢትና በቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ንምዘኖ። ክብሪ ዜውርስ ትጽቢት ኣሎ። ነውርን ስቓይን ዜልብስ ኣብ ሓዊ ዚጠብስ ትጽቢት ከኣ ኣሎሞ፡ ዓይነት ትጽቢትና መርሚርና፡ ንልብና በቲ ዜርብሓና ትጽቢት ንምልኣዮ፡ ነቲ ዝመረጽናዮ ትጽቢት ከኣ ብግብሪ ንገዝኣዮ። እዚ ዝተባረኸ ናይ ጾም ጊዜና፡ ትጽቢትና ንምፍዋስን ንምቕናዕን ንጠቐመሉ!! ከቶ ኣይንኽሰሮ!! ደቂ ቅድስቲ ድንግል ንኣሕዋት ጐይታናን ክንከውን ብትጽቢት ኣቦና ኣብርሃም ርእስና ንቐድስ።

ብምሕረቱ ብቑዓት ይግበረና!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ነሓሰ ፰, ፳፻፲፬  ግዕዝ (14 ነሓሰ 2022 ) [መበል 49 ሰንበት: ቊ.72/፸፪]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍ ዲያቆን

ንፍ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 11፡8-16 2 ዮሃ 1፡1-7 ግብ 27፡39-ፍጻመ ሉቃ 1፡35-45 ዘእግዝእትነ ማርያም

መዝ.፻፴፩(፻፴፪)፡፲፫-፲፬

“እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ። ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።”

ዓዲ፡ መዝ.፻፳(፻፳፩)፡፩-፪

“አንሣእኩ አዕይንትየ መንገለ አድባር። እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ። ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር።”

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div