S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ [መበል 42 ሰንበት: ቊ.60/፶፰]

ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን እትገብሮ ዘለኻ (ዅሉ) ተኣሚንካ ትገብሮ ኣለኻ። እዚኣቶም ብዛዕባ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣለኻ።” 3ዮሃ 56

 ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 17 ክሳዕ ሰነ 25 ዘሎ ቕንያት፡ኣስተምህሮተባሂሉ ዚጽዋዕ። ስለ እዛ ሕጂ ዘለናያ ሰንበት ናይ ኣስተምህሮ ሰንበት ማለትዩ። ካብቶም ነዚ ዕለት ዝተሰርዑልና ንባባት ሓንቲ፡ እዛ ሓንቲ ምዕራፍ ናይ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስያ። እዛ ምዕራፍዚኣ ኻብ እተስንቐና ዓበይቲ መንፈሳውያን ኣስተምህሮታት ሓደ ድማ፡ ንዅሉ ተግባርና ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርና ብዛዕባ ምግባርዩ።

ካብ ሳልስይቲ መልእኽቲ ናይ ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስ ከም እንርድኦ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጋይዮስ ዝተባህለ በቶም ዚፈልጥዎ ዅሎም ብጽቡቕ ዝተመስከረሉ ፍቁር ሰብኣይ ይነብር ነበረ። መራሒ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዚእመን። ካብቶም ቅዱስ ዮሃንስደቀይኢሉ ዚሰምዮም ምእመናንን ኣገልገልትን ሓደ ዝነበረ። ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ እትርከብ፡ በታ ሓቂ ድማ ዚመላለስ ሰብ ነበረ (.3) ብሓቂ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብፍቕሪውን ሃብታም ሰብ ነበረ። ምቕባል ኣጋይሽውን ካብ ዝተመስከረሉ ነጥብታት ሓደዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሐጕስ ድማ፡ እቲ ኣብ ህይወቱ ዚረኣይ ፍረ-መንፈስ፡ ኵሉ ሰብ ዚርእዮ ግሉጽ ምንባሩዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስውን፡ ብዛዕባ ባህርያቱ ብናይ ሰባት ምስክርነት ስሚዑ ዜመጕሶን ዜተባብዖን ዘሎ። ከም ኣብ ቅድሚ ሰባት፡ ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ምስክር ምእንቲ ኺረክብ ድማ፡ ነቲ ድሮ ዚገብሮ ዘሎ ጽቡቕ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ገይሩ ኺገብሮ፡ ሃዋርያት ምዕዶ ጸሓፈሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ በቲ ሰናይ ተግባርና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽቡቕ ምስክር ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ኣርእስቲ መልእኽትን ኣዳልያትልና ትርከብ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝተዘርዘሩ፡ ወዲ ሰብ ኪገብሮም ዚኽእል ሰናይ ተግባራት ኣዝዮም ብዙሓትዮም። ሰናይ ግብሪ ኹሉ ጊዜ ሰናይ እንተ ዀነ፡ ብደረጃን ዓይነትን ናይ ኣተገባብራኡ ግና ፍልልያት ከም ዘለዎ ዘይከሓድዩ። ተቐባል ጋሻ ዝዀነ ሰብ፡ ብሓቂ ሰናይ ሰብዩ። ነቶም ዚቕበሎም ኣጋይሽ ብሓደ ዓይነት ኣቀባብላ ዚቕበል ሰብ ግና ውሑድዩ። መብዛሕትኡ ሰብ ሃብታም፡ በዓል ስልጣን፡ ምሁር ወዘተ ዓይነት ሰብ ኪቕበል ከሎን፡ ድኻ፡ ተራ፡ መሃይም ሰብ ኪቕበል ከሎን ሓደ ዓይነት ኣቀባብላ ኺገብረሎም ይጽገምዩ። ኣብ ውዱቕ ስጋና፡ ኣድልዎ ኸም ባህርይ ስለ ዝሰረጸ፡ ኣብ ኵሉ ተግባርና ጦብሎቕ እናበለነቲ ሰናይ ግብርና የቕልሎን ይብልሎንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ኣድልዎ ብኸመይ ንተግባርና ኸም ዜበላሽዎ ብስእላዊ መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ በቲ (ጐይታ ኽብሪ) ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እትኣምኑ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ኣብ መንፈሳዊ ኣኼባኹም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ጽሩይ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይን፡ ሓደ ረሳሕ ክዳን እተኽድነ ድኻ ሰብኣይን እንተ ኣተዉሞ፡ ነቲ ጽሩይ እተኸድነ  ብምድላው፡ንስኻ ኣብ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥእንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ግና፡ንስኻ ኣብ ደው በል፡ ወይ ኣብ ኣብ  ወርገጽ እግረይ ተቐመጥእንተ በልኩምዎ፡ ብኽፋእ ሓሳብ ተመሪሕኩም ኣብ ንሓድሕድኩምዶ (ብኣድልዎ) ትፈርዱ ኣየለኹምን፧ያእ 21-4 .

እዚ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ገሊጽዎ ዘሎ ኣድልዎ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ መንፈሳዊ ጕባኤ፡ ዝተፈጸመ ኣድልዎዩ። ናይ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ኣበሳ ኸኣዩ። በብውልቅና ኣብ ገዛና፡ ስራሕና፡ ትምህርትና፡ ኣብ መገድና፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትውን እንፍጽሞ ኣድልዎ ማእለያ የብሉን። ብናይ እንቕበሎ ጋሻ ማሕበራዊ ደረጃ፡ ቅርበት ዝምድና፡ ወዘተ ብዙሕ ኣድልዎ ኢና እንገብር። ሓደክቡርኢልና ንዝኣመንናሉ ሰብ ናብ ገዛና ኺመጽእ ከሎ፡ ኣብ ዝጸበቐ ክፍልና ኣእቲና ኣብ ዝበለጸ መቓምጦ ነቐምጦ።ኣይደልንእናበለብግዲ እንተ ዘይበላዕካ> ኢልና ዝበለጸ ዅሉ ብሸበድበድ ነዳልወሉ። ሓደ ድኻ ሰብ ናብ ገዛና መጺኡ ዚብላዕ ኪልምነና ኸሎ ግና ንርእስና ኽንበልዖ ዘይንመርጽ ኣብ ብያቲ ወይ መሽረፈት ጌርና ብደዉ ሂብና ነፋንዎ፡ ወይውን ኣብ ደንበ (ካንቸሎ) ኣብ ድኳ ወይ ተዀርምዩ ኮፍ ከም ዚብል ጌርና ብዘይ ጽቡቕ መገዲ ነአንግዶ። ክንምጽውት ክንረድኦ ምኽኣልና ሰናይ ግብሪ ኽነሱ በቲ ኣተገባብራና ግን ነቲ ጽቡቕ ግብርና ነበላሽዎ። ኣብ ኵሉ ኻልእ ሰናይ ግብርታትናውን ተመሳሳሊ ኣዕናዊ ኣተገባብራ እናተጠቐምና፡ ነቲ ተግባርና ይትረፍ ንኣምላኽ ንሰብውን ከም ዘይበቅዕ ጌርና እነበላሽወሉ እዋናት ብዙሕዩ። እዚ ድማ እቲ ሰናይ ግብርና ፍወሳ ኸም ዜድልዩ ዜመልክተናዩ።

ብቕዓት ሰናይ ግብርና ብኸመይ ዚልካዕ፧

ቃል እግዚአብሔር፡ መዛኒ ዅሉ ግብርታት፡ እግዚአብሔር ባዕሉ ኸም ዝዀነ ዚነግረና። ቅድስቲ ሃና፡ ኣደ ነብዩ ሳሙኤል፡ ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ትጽቢት ውላድ ምስ ረኸበት፡ ነቲ ረዳኢኣ እግዚኣብሄር ኣመልኪታ፡ ነቶም ዚሰምዕዋ ዅሎም ከም በለቶም።

እግዚአብሔር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙንሞ፡ እምብዛ ትዕቢት ኣይተብዝሑ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም እይውጻእ።” 1ሳሙ 23

እግዚአብሔር ግብርታት ኪመዝን ከሎ ነቲ ብዓይኒ ዚረኣይ ጥረ-ተግባር ጥራሕ ኣይኰነን ዚመዝን። ከም ዓይነት ኣማዝና ናትና ናይ ድኹም ሰብ ኣማዝናዩ። ልቢ ዚምርምርን ኵሉ ዚፈልጥን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሃቐና (ድርኺት) ናይ ልብና ኸይተረፈ ዚመዝን። ስለ ጥዕናን ብቕዓትን ናይ ሓደ ተግባር ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኺፈልጦን ኪመዝኖን ዚኽእል የልቦን ማለትዩ። ስለ ድማ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመራሒ ቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣለኹ፡ (ብሰባት) “ህያውተባሂልካ ትስመይ ኣለኻ፡ ግናኸ ምውት ኢኻ። ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎንሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም (ከማኻ) ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም።” ኢሉ ዝገሰጾ (ራኢ 31,2) ንመራሒ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሳሪዴስ ጥራሕ ዘይኩነ፡ ንናይ ኤፌሶን፡ ትያቲራ፡ ፈላደልፍያን ሎዲቅያን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንውን ንግብሮም ከም ዚፈልጦ ብንጹር ነጊርዎም (ራእ 22,19 38,15) እዚ ናይ ሳርዴስ መራሒ፡ህያውዚብል ቅጽል ኪወሃብ ዜብቅዖ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ከም ዝገበረ ከቶ ዘየጠራጥርዩ። ኣብ ዓይኒቶም ህያውኢሎም ዚሰምይዎ፡ እቲ ግብርታቱ ኣዝዩ ንኡድ ነበረ። እቲ ኣብ ዓይኒ ሰብ ብቑዕን ህያውን ዝነበረ ግብርታቱ፡ ኣብ ዓይኒ ናይ መዛኒ ዅሉ ግብርታት ዝዀነ ጐይታ ግን ጐደሎን ምውትን ኰይኑ ተረኽበ። ነዚ መራሒ ቤተ ክርስቲያን፡ እዚ ናይ ጐይታ ቓል ከመይ ዝበለ ኣሰምባዲ መርድእ ኰን ኰይንዎ ይኸውን፧! ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ግብሪ፡ ብሚዛን ሰብህያው ብሚዛን ኣምላኽ ግናምዉትዚብል ቅጽልን ማዕርግን ተቐቢሉ ይድረጅ ነበረ። ሚዛን ሰብ ግና ኵሉ ጊዜ መታለሊ ብዛዕባ ግብርታትና ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዚህብ ድማ ኣምላኽምበር ሰብ ኣይኰነን። ስለ በቲ ጊዝያውን ጠባርን ሚዛን ናይ ሰብ፡ ንግብርታትካ ምምዛን ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነትዩ።

ብግብርታቱ ዝተጠበረ ኻልኣይ ሰብ ድማ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ሎዲቅያዩ። ናይ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ጥበራኸኣ ንበይኑ ዓይነትዩ። ንእኡ እንመስል ብዙሓት ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ ካብኡ ብዙሕ ክንመሃር ይግብኣናዩ። ጐይታና ነዚ መራሒ ዝለኣኸሉ ቓል ኣዝዩ ኸቢድዩ።

ዝሑል ወይ ምውቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣለኹ። ብኻ ዝሑል ወይሲ ምዉቕ ምዀንካ። . . . ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካየ።ሃብታምን ፈሳስንየ፡ ሓንቲ (ዚጐድለኒ) ነገር የብለይን ብምባልካ ሕሱርን፡ ዜደንግጽን፡ ነዳይን (ድኻን) ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘለኻ።ራእ 315-17

ዝዀነ እንተ ዀነ፡ ናይ ኣእምሮ ሕሙም እንተ ዘይኴንካ፡ ካብ ባዶ ተበጊስካ፡ሃብታምን ፈሳስንየ፡ ዚጐድለኒ የብለይንኣይበሃልንዩ። ብዓይንን ሚዛንን ናይ ሰብሃብታምዜስምዮ ኪጽብጸብ ዚኽእል ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ከም ዝነበሮ ፈጺሙ ዘየማትእ ሓቂዩ። ነዚ ሰብ ሓንቲ ጕድለት እምብዛ በዲላቶ። ንሳ ኸኣ ንግብርታቱ ብዓይኒ ኣምላኽ ዘይምርኣዩ፡ ብሚዛን ኣምላኽ ዘይምምዛኑያ። እዚኣ ኺገብር ብዘይ ምኽኣሉ፡ ሰባት ኬመጕስዎ ኸይተጸበየ፡ምሉእኢሉ ንርእሱ ኣብ ምውዳስ ተጸምደ ስለ ብዛዕባ ርእስና፡ ብዛዕባ ተግባርና ዀነ ብዛዕባ ዅሉ ነገርና ብዓይኒ ኣምላኽ ክንርእይን ክንመዝንን እንተ ኽኢልና ጥራሕ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ኽንገብርን ብዛዕባ ርእስና ቕኑዕ ሚዛን ኪህልወናን ዚኽእል።

ሰብ ክነስና ግን ከመይ ጌርና ንግብርና ብናይ ኣምላኽ ኣማዝና ኽንመዝን ንኽእል፧

እዚ ሕቶ ቅኑዕን ኣገዳስ ሕቶ ዓቕሚ ኣምላኽን ዓቕሚ ሰብን ከቶ ዘይመጣጠን ምዃኑ ዘየማትእ ሓቂዩ። ግን ከኣ እግዚአብሔር ንነገራት ንግብርታት፡ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚመዝን፡ዝርዝራዊኺበሃል ብዚኽእል መጠን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹልና ኣሎ። ካብ ቃል እግዚአብሔር ከም እንርድኦ፡ እግዚአብሔር ንሓደ ተግባር ብሰለስተ መገዲ ዚመዝኖ።

1. ብዓይነቱ፦ ብሓፈሻ ኵሎም ግብርታት ብዓይነቶም ኣብ ክልተ ምድባትዮም ዚኽፈሉ፡

. ሰናይ ግብሪ፦ (ህያው ግብሪ፡ ግብሪ ጽድቂ) ልግሲ፡ ትዕግስቲ፡ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ድንጋጸ፡ ሕያውነት፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ምጽንናዕ፡ ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ፡ ወዘተ ዜጠቓልልዩ።

. እኩይ ግብሪ፦ (ምውት ግብሪ፡ ግብሪ ስጋ፡ ሓጢኣት) ንፍገት፡ ቍጥዓ፡ ጽልኢ፡ ትዕቢት፡ ጭካነ፡ ስሰዐ፡ ርኹስ ዘረባ፡ ምንዝርና፡ ባእሲ፡ ቂም-በቐል ወዘተ ዜጠቓልል ግብርታትዩ።

2. ብሃቐናኡ (ብድርኺቱ፡ ብዕላማኡ)

. ሰናይ ድርኺት፦ እግዚአብሔር ኪሕጐሰሉን ኪኸብረሉን፡ ሰብ ድማ ኪርድኣሉን ኪህነጸሉን ኢልካ ብጥዑይ ድርኺት ዚግበርዩ።

. እኩይ ድርኺት፦ ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካን ኪጥበረልካን፡ ንርእስኻ ከተኽብርን ከተወድስን ኢልካ ዚግበር፡ ንኣምላኽ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኵሉ ግብርታት የጠቓልል።

3. ብኣተገባብራኡ (ብኣፈጻጽማኡ)

. ቅኑዕ ትግበራ፦ ብፍቕሪ፡ ብምሉእ ልቢ፡ ብትግሃት፡ ብቐጻልነት ወዘተ ዚግበር ሰናይ ግብርታት የጠቓልል። ምግባር፦ ኣብነት፡ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበርተባሂሉልና ኣሎ (1ቈረ 1614) ብዘይ ፍቕሪ ዝተገብረ ዕዙዝ ልግስን ሰማእትነትን ድማ ዘይጠቅምን ከንቱን ምዃኑ ተነጊሩና (1ቈረ 133)

. ግጉይ ትግበራ፦ ብትህኪት፡ ብሸለልትነት፡ ብጽልኢ ብምሉእ ልቢ ዘይኰነ፡ ብግብዝነት ወዘተ ዚግበር ግብሪ የጠቓልል።። ኣብነት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣለና፡ ገና ፈሪሳዊ ኸሎ ልዑል ቅንኣት ኣምላኽ ዝነበሮ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ነበረ፡ ንቕንኣቱ ግን ንሰባት ብምስቓይን ብምቕታልን የተግብሮ ነበረ። (ግብ 223-5 ገላ 113,14 1ጢሞ 113,14)

እግዚአብሔር ንዅሉ ግብርታትና ብኸም ኸም ዚመዝኖ ቓሉ ኻብ ኣረጋገጸልና፡ ንሕናውን ንግብርታትና ብኸምኡ ኽንመዝን ይግብኣና ማለትዩ። ድሮ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ተግባር ኽንምርምር ከለና ዀነ፡ ኣብ መጻኢ ኽንገብሮ ብዛዕባ ዝመደብና ግብሪ በዚ ሰለስተ መምዘኒ ረቛሒታት ክንፍትሾ ይግባእ።ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪዚበሃል፡ ብሰናይ ድርኺት ዝተበገሰ፡ ቅኑዕ ኣተገባብራ ዝረኸበ ሰናይ ግብሪዩ። ካብ ጸሎት፡ ካብ ጾም ካብ ምጽወታ ዚበልጽ ሰናይ ግብሪ የልቦን። ነዚ ቕዱስ ስነ-ምግባራት ኣምላኽ ዘይኰነስ ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካ እንተ ገበርካዮ ግና፡ ንወርቅኻ ናብ ጐሓፍ ከም ምድርባይ ዚቝጸርዩ። ስለ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ተግባርናን ዘረባናን ስምዒታትናን፡እንታይ ኽገብር፧ ንምንታይ ኽገብሮ ዘለኒ፧ ብኸመይየኸ ክገብሮ ዚግብኣኒ፧ኢልና ኽንሓትትን፡ በቲ እግዚአብሔር ዚቕበሎ ብቕዓት ክንገብሮን ይግብኣና።

ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ኽንገብረሉ እንኽእል ዝበለጸ ጥበብ እንታይዩ፧ ከም ነዚ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንጋይዮስ ተነጊርዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ሰብ፡ እትገብሮን እትዛረቦን ኵሉ፡ ንኣምላኽ ትገብረሉ ኸም ዘለኻ ጌርካ ምግባርዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነቶም ኣብ ገዝኡ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሉን ኣአንጊዱን ዜፋንዎም ኣሕዋት፡ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ፡ ማለት ንኣምላኽ ይቕበልን የፋንውን ከም ዘሎ ገይሩ ኺገብረሎም ንጋይዮስ ምዒድዎ ኣሎ። ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር፡ ነዚ ሃዋርያውን ሰማያውን ጥበብ ኽንጥቀመሉ ዚግባእ። ንሓደ ሰናይ ተግባር፡ ንኣምላኽ ከም ዚኸውን ጌርካ ኽትገብሮን፡ ንሰብ ጥራሕ ከም ዚኸውን ጌርካ ኽትገብሮን ኣዝዩ ዓብዩ ፍልልይ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ኪመጣጠንን ኪግለጽን ዘይክእል ናይ መንነት ፍልልይ ኣሎ። ሰለዚ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንሓደ ሰብ ሰናይ ግብሪ ኽትገብረሉ ኸለኻ፡ እቲ ተግባርካ ኣዝዩ ፍሉይን ክቡርን ተግባር ዚኸውን። ንኣምላኽ ከይሓሰብካን ኣብ ግምት ከየእተኻን ንሰብ ኢልካ ጥራሕ እትገብሮ ሰናይ ግብሪ ግን ብመጠኑ ዀነ ብዓይነቱ ኣዝዩ ትሑት ዚኸውን። ቃል እግዚአብሔር፡ ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ምእንቲ ኽንገብር ኢሉ፡ ነቲ ንሰብ እንገብሮ ምስ ኣምላኽ እናዛመደ ዚምዕደና። ንኣብነት ጐይታና፡ ነቶም ወንጌል ኪሰብኩ ዝለኣኾም ደቀ መዛሙርቱ፦

ንኣኻትኩም ዚሰምዕ፡ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ፡ ንኣይ ይንዕቕ። እቲ ንኣይ ዚንዕቅ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ ዚንዕቆ።ብምባል፡ እቲ ንሰብ እንገብሮ ግብሪ፡ ምስ ኣምላኽ ቀጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሉቃ 1016) ኣብ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዚህበሉ መዓልቲ፡ በዚ ሓቂ መሰረት ከም ዚፈርድውን ኣግሂዱ ነጊሩናዩ።

ጠምየ ነበርኩ ኣብላዕኩምኒ፡ ጸሚአ ኣስተኹምኒ፡ ገይሽ ተቐበልኩምኒ፡ ዓሪቐ ከደንኩምኒ፡ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፡ ተኣሲረ መጻእኩምኒ። . . . እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 2535,36,40

ነዚ ቓል ጐይታ ብዕምቈት ነስተውዕለሉ።ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ ገይረ ክቘጽረልኩምኣይኰነን ዝበለና። ብቐጥታ፡ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ”’ ዝበለ። እዚ ኣበሃህላእግዚአብሔር ዘይጠምይ፡ ዘይዓርቕ ዘይሓምም ዘይእሰር ከሎ፡ ከመይ ጌርና ንእኡ ኽንገብረሉ ንኽእል፧ዚብል ሕቶ ኼልዕለልና ይኽእልዩ። ብኢዱ ዝፈጠረና ገንዘቡ ምዃንና፡ ብደሙ ዓዲጉ ኣካል ሰብነቱ ዝገበረና ጐይታ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ (1ቈረ 615,19,20 1212,27) ስለ ነቲ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነ ሰብ ዝገበርካዮ ግብሪ፡ንክርስቶስ ኣይገበርኩሉንኪበሃል ይከኣልዶ፧ ኣብ ሓላፊ ሰብ ንዝገበርናዮ ግብሪ፡ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ወይ ዓስቢ ዚወሃበሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ ድዩ፧ በቲ ኣካሉ ዝዀነ ሰብ ጌርና፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ጐይታ ስለ ዘረኻኸብናሉዶ ኣይኰነን፧ ነዛ ሓቂዚኣ ከም ዚግባእ ስለ ዘይተረዳእናያን ስለ ዘይተመራሕናላን እኮዩ፡ ንህይወትና ብዓመጻን ሓጢኣትን ኣጋዕዚናዮ ዘለና። እቲ ንሰብ እንገብሮ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ንገብሮ ኸም ዘለና ዘይምስትውዓልና፡ ነቲ ሰናይና ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርና ኸይንገብሮ ይዕንቅፈና፡ ከምኡውን ነቲ እኩይ ግብርና፡ ብዝኸፍአ መልክዑ ኽንገብሮ ይደፍኣና ኸም ዘሎ ዕለታዊ ናብራና ዚምስክሮ ሓቂዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ገናሳውልዝስሙ ኣሳዳዲ ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ መዛሙርቲ ጐይታ ብሕሱም ጭካነ በደል ይፍጽም ነበረ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ ብቕንኣት ኣምላኽ ተደሪኹ ዚገብሮ ተግባር ምንባሩዩ። ሓደ መዓልቲ ግን ጐይታን ኻብዚ ጽላለ ኺመልሶ ብምሕረቱ ወሰነሞ፡ ዓይኒ ብዜዕዉር ጸዳል ብርሃን ተገሊጹ፦

ሳውል ሳውል ንምንታይ እትሰጕጐኒ፧ . . . ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ ኢየሱስየ።” በሎ (ግብ 94,5) ሳውል፡ ምስ ሰባት ዝገጠመ መሲልዎ፡ ከይተረድኦ ምስ መለኮት ከም ዝገጠመ ምስ ኣስተውዓለ፡ 180 ዲግሪ ተጠውዩ መገዱ ኣስተኻኸለ። ይሕመቕ ይጽብቕ፡ ኣብ ልዕሊ ብምስልን ኣርኣያን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ እንገብሮ ዅሉ ተግባር፡ ቀንዲ ተቐባቢሉ እግዚአብሔር ምዃኑ ፈሊጥና፡ ነቲ እንገብሮ ዅሉ ጽቡቕ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕን ከም ዚምጥንን ጌርና ኽንገብሮ፡ ክንገብሮ ንዝሓሰብና እኩይ ግብሪ ድማ ኣብ ኣምላኽምበር ኣብ ሰብ ንገብሮ ኸም ዘየለና ኣስተውዒልና ኽንእደብ ይግብኣና፡ ብዛዕባ ሓጢኣትና ኽንንሳሕ ኣብ እንቐርበሉ እዋንውን፡ በዚ ርድኢት ኽንቀርብ ዚግባእ። ቅዱስ ዳዊት ንውሓት ዘመን ዘየህስሶ ጸሎተ-ንስሓ ኬቕርብ ዝኸኣለ፡ ብዛዕባ ኣብ ኡርያን ባትሴባን ዝፈጸሞ ሓጢኣት፡ ነዚ ሓቂ መሰረት ብምግባር ስለ ዝተነስሐዩ።

ብዘረባኻ ጻድቕ፡ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ  መዝ 514

ስለ ሰናይ ግብርና እምብዛ ምእንቲ ኺበዝሕ፡ ካብ ምብዛሕ ሓሊፉውን ንኣምላኽ ዜስምር ብቑዕ ግብሪ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንእንገብሮ ዅሉ ሰናይ ተግባር፡ ንኣምላኽ ኢልናን ንኣምላኽ ከም ዚምጥን ጌርናን ጥራሕ ክንገብሮ ይግብኣና ማለትዩ። ክንልግስ እንተ ሓሲብናሞ፡ ንኣምላኽ ኢልና ንገብሮ እንተሊና፡ በቲ ናይ ልግሲ ጸጋ ኣዚና ዕዙዛት ክንከውን ኢና። ካልእ ኵሉ ሰናይ ተግባራትውን ብእኡ መጠን ኪዓዝዝዩ። ንሰናይ ግብርኻ፡ ንሰብ ኢልካን ንሰብ ከም ዚምጥንን ጌርካ ምግባር፡ ንቤትካ ብወርቂ ገዲፍካ ብሓሰር ከም ምህናጽዩ። ብኣንጻሩ ሰናይ ግብርካ ንኣምላኽ ኢልካን ንእኡ ኸም ዚምጥንን ከም ዚበቅዕን ጌርካ ኣብ ልዕሊ ሰብ ምግባር ድማ፡ ንዘለኣለማዊ ቤትካ ብሓሰር ገዲፍካ ብወርቂ ናይ ምህናጽ ብልሂ ምርጫዩ።

ሕጂ ዚተርፈናምበኣር፡ ናይ ንስሓን ናይ ውሳነን ጕዳይዩ። ህድእ ኢልና ንህይወትና ብዕምቈት ንመርምርሞ፡ ብዛዕባቶም ንኣምላኽ ኣወጊድና ብዕሽነት ዘበላሽናዮም ሰናይ ግብርታትና ቃልዓለም ዘይብሉ ሓቀኛ ንስሓ ንእተው። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ግብርና ድማ ብዘይካ ንኣምላኽ ኢልናምበር ንሰብ ወይ ንርእስና ኢልና ኸይንገብር ጽኑዕን ዘይንቕነቕን ውሳነ ንወስን። ነቲ ንጽቡቕ ግብርና ባዕላትና ናይ ምብልሻው ዓሻ ምርጫ ንደርብዮ። ንደረጃ (standand) ናይ ግብርና ካብ ትሑት ናይ ሰብ ደረጃ፡ ናብ ልዑል ናይ ኣምላኽ ደረጃ ክብ ከም ዚብል ንግበሮ። ከመዮ ነብዪ ኢሳይያስ፡

ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ ዝበሎ፡ ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ናይ ምግባር ክቡር ምርጫ ኣልዒልና፡ ንነፍስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነኽብራ። (ኢሳ 328)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሰነ ፲፪, ፳፻፲፬  ግዕዝ (19 ሰነ 2022 ).[መበል 42 ሰንበት: ቊ.60/፶፰]፶]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 2፡1-12 ዲያቆን 3 ዮሃ 1፡1-ፍጻመ ግብ 14፡20-ፍጻመ  ማቴ 22፡1-14 ዘእግዚእነ

መዝ ፹፭(፹፮)፡፭-

አንተሰ እግዚኦ መሐሪ ወመስተሣህል። ርኁቀ መዓት ወብዙኀ ምሕረት ወጻድቅ። ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ።

እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻሞ፡ ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div