S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሞት ዜሳግር ፍቕሪ [መበል 37 ሰንበት: ቊ.49/፵፱]

ንሕናነሕዋት)) ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ (ኢና) እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር።” 1ዮሃ 314

እዚ ሰንበትዚ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ሓምሻይ ሰንበትዩ። ሊቃውንቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኸኣአርአየ ሥልጣኖላዕለ ሞት” (ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣኑ ኣርኣየ)” እናበሉ ዚዝምሩሉ ዕለት ከኣዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓያል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞን ኣብ መቓብር ኬትርፎን ኣይከኣለን። ንሓይሊ ሞት ስዒሩ፡ ንማእሰር ሞት ፈቲሑ ብዓወት ተንስአ (ግብ 224) ንርእሱ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ካብ ሓይሊ ሞት መንዚዑ ዜተንስኣሉ ዓወት ዝተዓወተ። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ መሰረት ናይ ትንሳኤ ሙታንዩ። ክርስቶስ ካብ ሞት እንተ ዘይትንስእ፡ ተስፋ ትንሳኤ ፈጺሙ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤናን ፈላሊኻ ክትርእዮን ክትገልጾን ኣይከኣልንዩ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስአን።

ብምባል ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤናን ቀጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ዘረጋገጸልና (1ቈረ 1513,16 .) ስለ እዚ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘርኣዮ ስልጣንን ዝተጐናጸፎ ዓወትን፡ ኣብ መቓብር ኣብ ዘለዉ ምዉታት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብቶም ገና ብህይወት ዘለናውን ተጋሂዱዩ። ነዚ ኸኣ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ከም እንሳገር ብምግባር ፈጸሞ።

ጐይታና ብኸመይ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዜሳግረና፧ ንመንዩኸ ዜሳግሮ፧ ጐይታና ብኸመይ ከም ዜሳግረና ባዕሉ ብልሳኑ ገሊጹልናዩ። ብኸመይ ጥራሕ ዘይኰነስ ንመን ከም ዜሳግሮውን ኣነጺርዎዩ።

ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገበሮም፡ ወልድ ድማ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮምዩ። .... ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ (ዚእዘዝ) በቲ ዝለኣኸኒውን ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።  ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገርምበር፡ በቲ ናብ ፍርዲ ኣይኪበጽሕንዩ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ (ዚእዘዝዎ) ዘበሉ ብህይወት ከም ዚነብሩ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኹም ኣለኹ። .... እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ ናብ ትንሳኤ ዅነኔ ኪኸዱዮም።” ዮሃ 521,24,25,28,29 .

ንምዉታት ህያዋን ምግባር ማለት፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዚሳገሩ ምግባር ማለት ምዃኑ ርዱእዩ። ኣብ ቓል ናይ ጐይታና ግን ክልተ ዓይነት ሞት ከም ዘሎ ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ቀዳሞት ምዉታት (.25) ገና ናብ መቓብር ዘይኣተዉ ምዉታትዮም። እዚ ማለት ከኣ፡ ብኣካለ ስጋ ገና ብህይወት ዘለዉ፡ ብመንፈስ ግና ምዉታት ዝዀኑ ሰባትዮም። እዚ መንፈሳዊ ሞት ኸኣ ብሰሪ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ዝሞትዎ ሞትዩ። ኣብ ፍቕዲ 24 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ካብ ሞት ዚትንስኡ ብእምነትን ብተኣዝዞንዩ። ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣሚኖም ምስ ዚእዘዝዎ፡ ካብ መንፈሳዊ ሞት ናብ ህይወት ይሳገሩ። እዞም ሰባትዚኣቶም ብመንፈስ ህያዋን እናሃለዉ ብስጋ እንተ ሞይቶም ኣብ ትንሳኤ ሙታንትንሳኤ ህይወትኪትንስኡዮም። ብመንፈስ ህያዋን ናይ ምንባሮም ምልክት ከኣ፡ሰናይ ዚገብሩምዃኖም ኣብ ፍቕዲ 29 ተነጺሩ ኣሎ።

እቶም ካልኦት ምዉታት ከኣ፡ ብኣካለ ስጋ ሞይቶምሲ ኣብ መቓብር ዘለዉዮም። እዞም ምዉታትዚኣቶም ዚሰምዕዋ ድምጺ፡ እታ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ እትስማዕ ናይ ቅዱሳን መላእኽቱ ድምጺ መለኸትዩ። እዚ ድምጺ ምስ ተሰምዐ እቲ በስቢሱ ዝፈረሰ ስጋኦም ለቢሶም፡ ነፍሶም ናብ ስጋኦም ተመሊሳ ኸም ናይ ቀደሞም ምሉኣትን ህያዋንን ኰይኖም ኣብ ቅድሚ ፈራዲኦም ጐይታ ኪቘሙዮም። እቶም ብመንፈስ ህያዋን ከለዉ ብስጋ ዝሞቱ፡ ትንሳኤኦምትንሳኤ ህይወትኪኸውንዩ። እቶም ብመንፈስ ምዉታት ከለዉ ብስጋ ዝሞቱ ድማ፡ ትንሳኤኦምትንሳኤ ኵነኔኪኸውንዩ። ገና ብህይወተ-ስጋ እናሃለዉ፡ ብመንፈስ ምዉታት ናይ ምንባሮም መረጋገጺ ኸኣ እቲ ኽፉእ ግብሮምዩ። ስለ ብክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምስጋርና ዚረጋገጽ፡ በቲ እነዘውትሮ ዓይነት ግብርን እንነብሮ ዓይነት ናብራንዩ። እቲንቓለይ ዚሰምዕዚብል ቃል፡ንቓለይ ዚእዘዝማለት ምዃኑ ርዱእዩ። ምኽንያቱ ድምጹ ብእዝንኻ ኣትዩ ስለ ዝሰማዕካዮ ጥራሕ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዚስገር እንተ ዚኸውን፡ ሲኦል ጾማ ምነበረት ነይራ። እቶም ጽዉዓት ኣዚና ብዙሓት ክነስና፡ እቶም ሕሩያት ኣዝዮም ውሑዳት ዚዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ኣብ ስጋናን ኣብ ናብራናን ናብ ግብሪ ስለ ዘይተለወጠዩ።

ፍቕሪ ብኸመይ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሳግረና፧ ናይ ፍቕሪ ባህርይ ኣዝዩ ፍሉይን መስተንክርንዩ። ንሳ ንባዕላ ርእሳ ዝኸኣለት ሰናይ ግብሪ ኽነሳ፡ ንዅሉ ሓጢኣት ከተርሕቕ፡ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ድማ ክትፍጽም እተኽእል ተወራሲት መለኮታዊት ባህርይውንያ። ንዅሉ ሰናይ ግብርን፡ ንዅሉ ኣገልግሎታትን ውህበታትን ትርጒም እተልብስ፡ ተቐባልነት እተውሕስ ብምዃና ድማ ልዑል ክብሪ ዘለዋ ባህርይዩ። ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ንፍቕሪ ገሊጾምሉ ዘለዉ ቕጽላት፡ ንፍሉይነታን ንኽብራን ዚገልጽዩ።

1. ቀዳመይትን ዓባይን ትእዛዝማቴ 2240 ማር 1230,31

2. ዝበለጸት መገዲ  1ቈረ 1231 1ቈረ 1313)

3. መደምደምታ ሕጊሮሜ 1310 (.ት፡ .)

4. ማእሰር ፍጻመቈሎ 314 (. + .)

ኣብ ርእሲዚ፡ ጐይታና ናቱ ደቀ መዛሙርቲ ምዃንና ሰባት ዚፈልጡሉ መለለዪት ባህርይ፡ ፍቕሪ ምዃና ብንጹር ነጊሩና (ዮሃ 1335) ስለ ንፍቕሪ ደርቢኻ፡ ንጽልኢ ኣብ ህይወትካ ኣንጊስካ፡ክርስትያንየ፡ ወደ መዝሙርኢልካ ምሕሳብ ኰነ ምዝራብ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻውን ኣብ ትሕቲ ምልክት ሕቶ ዜውድቐካዩ። ንክርስትናስ ብዝተጠበረ ልቢ ትጐዓዞ ኣለኻ ማለትዩ። እዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ንፍቕሪ ዝተዋህበ መለለዪ ቕጽላት፡ ብዘይ ፍቕሪ ፍጹምነት ምብጻሕ ከም ዘይከኣል፡ ንሕጊ ኣምላኽ ብዘይ ፍቕሪ ኽንትግብሮን ክንእዘዞን ከም ዘይንኽእል ዜረጋግጸልናዩ።

ጐይታና ብሓደ ፈሪሳዊ ጸሓፊ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኺምልስ ከሎ፡ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ሓደ ትእዛዝ ምዃኑ፡ ንእኡ ዚቕድምን ካብኡ ዚዓብይን ካልእ ትእዛዝ ከም ዘየልቦ ብኣጽንዖት መለሰ (ማቴ 2234-40) ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ተሪኹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ነዚ መልሲ ዝሰምዐ ሓታቲ፦

መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ....  እዚ (ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን) ካብ ኵሉ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓብይዩ።

ብምባል ተኣመነ። ጐይታና ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ በእምሮ (ብምስትውዓል) ከም ዝመለሰ ምስ ረኣየ፡ንስኻ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን።ብምባል መንፈሳዊ ደረጃኡ ኣበይ ከም ዘብጽሖ ኣበሰሮ (ማር 1228-34) እምበኣር ልዕሊ ዅሉ መስዋእቲ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገልግሎት፡ ልዕሊ ዅሉ ውህበታት እትስራዕ፡ ፍልይትን ክብርትን ባህርይያ። ጐይታና፡ ብሙሴ ዀነ ብኻልኦት ነብያት ዝተዋህበ ዅሉ ሕግታት ኣብ ፍቕሪ ተሰቒሉ፡ ተሓቝፉ፡ ተጠርኒፉ ኸም ዘሎ ኣረጋጊጹልና (ማቴ 2240) እዚ ማለት ከኣ፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝዀነት ትኹን ትእዛዝ ክንፍጽም ከም ዘይንኽእል፡ እንተ ገበርናዮ ትርጒምን ተቐባልነትን ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዚተርፍ ዜረጋግጽዩ። ካብ ሓቂ ብምብጋስምበኣርዩ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።ብምባል ዝመዓደና (1ቈረ 1614) ነዚ መንፈሳዊ ሓቂ ብግብራውን ስእላውን መገዲ ምእንቲ ኼርእየና ኸኣ፡ ንፍቕሪ ብኸም ዚስዕብ ብስፍሓት ገለጸልና።

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃልያ፡ ፍቕሪ ለዋህያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡” 1ቈረ 131-8

ካብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኸም እንግንዘቦ፡ ኵሉ ኣገልግሎትናን ውህበታትናን መስዋእትነትናን፡ ብፍቕሪ ተቐባልነትን ጻማን ዚረክብ። ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ኵሉ እኩይ ግብሪ ርእስና እነንጽሃሉ እንኮ መገዲ፡ ፍቕሪዩ። ካብ ጃህራ፡ ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ስድነት (ምስትሕፋር) ርእሰ ፍትወት፡ ስሰዐ፡ ቍጥዓ፡ ቂምታ፡ ዓመጻ እንድሕን ብፍቕሪ ጥራሕዩ። ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሓቂ፡ ጹረት፡ እምነት፡ ተስፋ፡ ትዕግስቲ ድማ ብናይ ፍቕሪ ኣኽኣልነት ጥራሕ ከም እንፍጽሞ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ፍቕሪ ኣብ ውሽጥና ክትስረትን ክትመልእን ከላ፡ ንዅሉ ፍረ መንፈስ ሒዛ እትኣትው። ነቲ ናታ ዘይኰነ ዅሉ እኩይ ባህርያትን መጋብርን ከኣ ጸራሪጋ ብምውጻእ፡ ናይ ብሓቂ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ንኣምላኹ ዚመስል ሓድሽ ሰብ እትገብረና። ፍቕሪ፡ መኣዛ ኣምላኽ፡ መኣዛ ክርስቶስያ። ስለ ኸኣዩ፡ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ኣምላኽ ፍቕሪ እዩብምባል ነቲ ምስጢር ዘግሃደልና (1ዮሃ 47) ንሕናውን ልክዕ ከም ብምስሉ ዝፈጠረና ኣምላኽ፡ ንፍቕሪ መኣዛናን መንነትናን ክንገብራ እንተ ኸኣልና፡ ሽዑ ኢና ኻብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ርግጸኛታት እንኸውን።

ፍቕሪ፡ ናይ ህይወት ፍረ፡ ጽልኢ ግና ናይ ሞት ፍረያ። መበቈል ፍቕሪ፡ ኣምላኽዩ፡ መበቈል ጽልኢ ግና ሰይጣንዩ። ሰይጣን ከኣ ብሓጢኣትን ብሞትን ዚገዝእ። ነቶም በቲ ናቱ ግብሪ ዜገልግልዎ ባሮቱ ብሞት ዚጓስዮም። ቅዱስ ዳዊት ንሓጥኣን ኣመልኪቱ፡ ነዚ ሓቂ እንኪገልጽ፦

ከም ኣባጊዕ ኪሞቱ ኵኑናት (ፍሩዳት)’ዮም፡ ጓሳኦም ከኣ ሞትዩ። .... “ ኢሉና ኣሎ (መዝ 4914 .) ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ገሊጽዎ ንዘሎ ሓቂምበኣር ተመሊስና ንርኣዮ። ካብ ናይ ሞት ጒስነት እነምልጠሉ እንኮ መዋጽኦ፡ ፍቕሪዩ። እቲ ዘየፍቅር፡ እቲ ዚጸልእ ሰብ፡ ኣብ ሞት ዚነብር። ብኣካለ ስጋ ሞይቱ ናብ መቓብር ምስ ኣተወ ኣይኰነን ኣብ ሞት ዚነብር። ገና ብስጋ ብህይወት እናሃለወ ኣብ ሞት ዚነብር። ጽልኢ፡ ናይ ሞት መኣዛዩ። ጽልኢ፡ ናይ መንፈሳዊ ኵነተ-ህላዌና (spiritual state) ምልክትን ጒሳዕንዩ። ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ዝመጐተሉ ምዕራፍ፡ ጐይታና ብትንሳኤኡ ነቲሞት ብዓወት ተዋሕጠዚብል ትንቢት ፍጻመ ኸም ዝገበረሉ ኣበሲሩና ኣሎ (ኢሳ 258) ኣስዒቡ ኸኣ፦  ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣትዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።

ኢሉ ኣፍለጠና (1ቈረ 1555,56) ጽልኢ ኸኣ እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣትዩ። ስለ ጽልኢ ንውሽጥና ኺመልኦን ኬቃጽሎን ከሎ፡ ብብልሒ ሞት ተወጊእና ኣለና ማለትዩ። ካብ ብብልሒ ሞት እንጓሰየላ ናይ ጥፍኣት ናብራ እነምልጠላ እንኮ መዋጽኦና፡ ፍቕሪያ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝሓደረ ጽልኢ ብንስሓ ብደም ክርስቶስ ሓጺብና ምስ ኣጽረናዮ፡ መንፈስ ቅዱስ በቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ፍቕሪ ይመልኣና።

ረብሓ ናይ ህይወታዊት ፍቕሪ እንታይዩ፧ ብኸመይከ ዚግለጽ፧ ረብሓታት ፍቕሪ፡ ይትረፍ ኣብ ሓጺር ጽሑፍ ኣብ ሓደ ዓብይ መጽሓፍ ጽሒፍካውን ዚውዳእ ኣይኰነን። መጠናዊ ርድኢት ንኽንረክብ ብውሑዱ ነዞም ዚስዕቡ ነጥብታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

1. ፍቕሪ፡ መርትዖ ውልድነት፦ እቲሃዋርያ ፍቕሪዝተሰምየ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ ረብሓዚ፦

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦዩ።

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ዮሃ 47) ከም ንሕና ኻብ ናይ ስጋ ወለድና ኽንውለድ ከለና፡ ባህርይን መልክዕን ቅርጽን ናይ ወለድና ሒዝና እንውለድ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ኽንውለድ ከለናውን ነቲ ናቱ ባህርይ ኢና እንወርስ።ኣምላኽ ፍቕሪእንተ ኢልና፡ ንሕናውን ልክዕ ከምኡ ፍቕሪ ኽንከውን ዚግባእ። ነስተውዕል! መፍቀርቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ፍቕሪ ኽንከውን ጽውዓና። ሽዑ ኢና እቲ መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ከም ዘሎና ርግጸኛታት እንኸውን። ብፍቕሪ ፍጹማት ናብ ምዃን እንዓብይ፡ ፍቕርና መንነትና ኽሳዕ ምዃን ምስ እትዓብይዩ። ብዛዕባ ኣዝዮም መፍቀርቲ ዝዀኑ ሰባት ርእይቶ ኺወሃብ ከሎ፡ንሱ ፍቕሪኺበሃል ከሎ ይስማዕዩ። ፍቕሪ ኽሳዕ ምዃን እንተ ዓበና ኢና፡ ፍቕርና ከቶ ዘየቋርጽን ዘይጐድልን ዚኸውን። ዳርጋ ዅላትና ንዘፍቀረና ጥራሕ ኢና እነፍቅር። ካብ ዘፍቀርናዮን ዘፍቀረናን ሰብ ገለ በደል ምስ ዚወርደና፡ ወይውን ንሱ ምስ ዚጸልኣና፡ ምስኡ ፍቕሪ ዝነበረና ኽሳዕ ዘይንመስል፡ ብጽልኢ ንምላእ። ከም ዘመሰለ፡ ግና ሓድጊ ዘይገድፍ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ እንስሳምበር ፍቕሪ ሰብ ኪበሃል ኣይክእልንዩ። ገሊኦም እንስሳታት ነቲ ዜፍቅሮምን ዚከናኸኖምን ሰብ ዜርእይዎ ፍቕሪ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ዘይክእሎ ፍቕሪዩ። እታ ውልድነት ኣምላኽ ከም ዘሎና፡ መልክዕ ኣምላኽ ከም ዝለበስና እተረጋግጸልና ፍቕሪ ግን፡ ንዚብድለናን ንዚጸልኣናን ሰብ ብዕዙዝ ፍቕሪ ኸነፍቅር እተኽእልያ። ምኽንያቱ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ከም እትመስል፡ ብኸም ዚስዕብ ተገሊጹልና ኣሎ።

ገና ድኹማት ከለና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። .... ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርእይ ኣሎ። .... ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።ሮሜ 5,6,8,10

ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንሕና፡ ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።ኤፌ 23-5

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 318

ካብ ዝጐደለት ፍቕሪ፡ ውልድነት ከተረጋግጽ ኣይትኽእልንያ። ምኽንያቱ ንዝበደለካን ንዚጸልኣካን ዘይትኸውን ፍቕሪ፡ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣይኰነትን። ጐይታና ድማ ነቶም ደለይቲ ጽቡቕናን ከወንትናን ነቶም ዜፍቅሩናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንጸላእትናን ንደለይቲ ኽፉእናን ብዝያዳ ኸነፍቅር ክንምርቕ፡ ሰናይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ኣፍሊጡናዩ።

ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንትሰምዑኒ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ። .... ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኹም፧ ሓጥኣንውን ንዚፈትውዎም ይፈትዉ እዮም። ሰናይ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኹም፧ ሓጥኣንውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎ እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኹም፧ ሓጥኣንውን ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሕዎምዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ሰናይ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚአብሔር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርህሩህሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውንዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።ሉቃ 627,28,32-35 .

ናብ ፍጹምነት እተብጽሓና ፍቕሪ፡ እዛ ፍቕሪዚኣያ። ኣብ ናይ ማቴ 543-48 ተመሳሳሊት (parallel) ዓንቀጽ፡

እምብኣርከ፡ ከም ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኰኑ።

ተባሂሉልና ኣሎ (ማቴ 548) ፍጹምነት፡ ጽውዓናን ተልእኾናንዩ። ናብ ፍጹምነት እተብቅዓና ኸኣ እታ ንጸላእትና ኸነፍቅር እተኽእለና ኣምላኻዊት ፍቕሪያ። ፍቕሪ፡ማእሰር ፍጻሜዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ቈሎ 314 ጐይታና፡ክንድ ኣነ ዘፍቅሮ ኣፍቅሩኣይበለናን። ምኽንያቱ ዓቕሚ መለኮትን ዓቕሚ ስጋን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን ዘይመጣጠንንዩ። በቲ ሰብኣዊ ዓቕምና፡ ከም ናቱ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኸነፍቅር ግን ግድነታዊ ትእዛዝዩ።

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከም ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።ዮሃ 1334

ከም ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣለኹ። ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከም ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኬሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓብይ ፍቕሪ የልቦን።ዮሃ 159,12,13

ንሱ (ክርስቶስ) ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣለና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣናዩ።” 1ዮሃ 316

በዚ ናይ ጐይታናን ሃዋርያኡን ቃል መሰረት፡ ፍቕርና ብዓይነታ ኸም ናይ ጐይታ ኽትከውን ዚግብኣ። ዓይነታ ምስ ተረጋገጸ፡ ብድሕሪኡ ብዛዕባ መጠና (ብዝሓ) ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ዓይነቱ ዘይጠዓየ ፍቕሪ፡ ብመጠኑ እንተ በዝሐ፡ ጒድኣት የብዝሕምበር፡ እንታይ ካልእ ረብሓ ኣለዎ። ዓይነቱ ዘይጠዓየ ፍቕሪ ኣዝዩ እንተ በዝሐ፡ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ዝኸፍአን ዝኸበደን ጽልኢ ምልዋጡ ኣይተርፎንዩ። ብዓይነቱ ክርስቶሳዊ ዝዀነ ፍቕሪ ግን፡ ኣብ ጊዜ በደልን ጽልእን ብዝያዳ እናበዝሐን እናደመቐን ዚኸይድ። እታ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናያ ፍቕሪ፡ በደል ኣሕዋትካ ክሳዕ ምዕጋስን ምጻርን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምእንቲ በደልትኻ ህይወትካ በጃ ኽሳዕ ምሕላፍ እትምጠጥ።

2. ፍቕሪ፡ ብርሃን ናይ ህይወትያ፦ ኣብ ፍቕሪ ዘየለ ሰብ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር። ኣብ ጸልማት ዚነብርን ዚጐዓዝን ሰብ ከኣ፡ ኵሉ ጊዜ ኺጋገይን፡ ኪዕንቀፍን፡ ኪወድቕን ኪስበርን ዚነብር።

ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ጸልማት ሓሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ።  ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።” 1ዮሃ 28-11

ብርግጽ፡ እቲ ጸልማት፡ መንፈሳዊ ጸልማትዩ። መንፈሳዊ ዑረት ኣጥቂዑና ስለ ዘሎ ግዳ፡ ነቲ መንፈሳዊ ጸልማት ኸነለልዮ ኣይከኣለናንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፦

ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።

ኢሉና ከም ዘሎ፡ ጽልኢኣብ ጸልማት ምንባርጥራሕ ዘይኰነ፡ ንርእስናጸልማትክሳዕ ምዃን ዜበላሽወና (ኤፌ 58-10) ጐይታና፡

ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም፡ .... ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

ኢሉና (ማቴ 514,16) ህይወት ክርስቶስ ንኣና ብርሃንና (ዮሃ 14) ብፍቕሪ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምስ ሰገርና፡ እዛ ህይወትዚኣ፡ ንርእስናን ነቶም ዚዛመዱና ዅሎምን ብርሃን ትኸውን። ምኽንያቱ ፍቕርን እቲ ኣብኣ ተሓቝፉ ዘሎ ሰናይ ግብርን፡ ፍረ ብርሃንዩ። እቲ ኣብ ምድራዊት ህይወቱ ብፍቕሩ ድሙቕ ብርሃን ኰይኑ ዝተመላለሰ፡ ናብ መንግስቲ ኣቦኡ ምስ ኣተወ፡ ብርሃኑ ኸም ብርሃን ጸሓይ ኪደምቕ (ማቴ 1343) ስለ ግብሪ ብርሃን እንገብር፡ ኣጽዋር ብርሃን ዝዓጠቕና፡ ደቂ ብርሃን ኴንና ኽንመላለስ ቅዱስ ወንጌል ምዒዱና ኣሎ (ሮሜ 1312)

እምበኣር ነዛ ህይወታውያን ብርሃናውያንን እትገብረና፡ ክብርቲ መንፈሳዊት ንብረት ዝዀነት ፍቕሪ ዘለኣለማዊት ንብረትና ኽንገብራ ይግባእ። ጽባሕ ንግሆ፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምስ በልና፡ ብዕዳ ፍቕሪ ኸም ዘይንሕተት ነረጋግጽ። (ሮሜ 138)

እምበኣር ህይወትና ንመርምርሞ፡ ኣብ ታኼላ ናይ ዕዳ ፍቕሪ ጥሒልና ኸይንህልው ነረጋግጽ። ፍቕርና ኣብ ዝደርበናሉ እዋን፡ ካብ ልዑል መንፈሳዊ ብራኸ ናብ ጥልቂ መዓሙቕ ጸልማትን ሞትን ወዲቕና ኸም ዘለና ኣስተውዒልና፡ ዝደርበናዮ ንብረትና ነልዕልን ንኣርንብን። ኣምላኽ ፍቕሪሞ፡ ንፍቕሪ ምድርባይ ማለት ንኣምላኽ ምድርባይ ማለት ምዃኑ ከቶ ኣይንዘንግዕ። ካብ ጸልማትን ካብ ሞትን እንኮ መዋጽኦና ፍቕሪያ። እታ ኣምላኻዊት ፍቕሪ፡ ብርሃንናን ህይወትናንያ። ፍቕሪ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ክንገብር እተኽእለና መሳለጥያናያ። ፍቕሪ፡ ናብ ፍጹምነት እተብጽሕ ጥንታዊትን ጽብቕትን ጐደናያ። ናይ ፍቕሪ ድኻ ካብ ምዃን ዚኸፍእ ዕሽነት የልቦንሞ፡ ካብ ቅድስቲ ባህርይዚኣ ዘይምጕዳልናን ዘይምብኳርናን ወርትግ ነረጋግጽ። ብፍቕሪ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ንዝለል!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ግንቦት ፲፬, ፳፻፲፬  ግዕዝ (22 ግንቦት 2022 ).[ መበል 37 ሰንበት: ቊ.49/፵፱]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 15፡50-ፍጻመ 1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ ግብ 2፡22-32 ዮሃ 21፡15-ፍጻመ ዘዲዮስቆሮስ 

መዝ ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮

“ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።”

“መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚአብሔር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።”

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div