S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸርፊ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ [መበል 36 ሰንበት: ቊ.48/፵፰]

"ሕጂ ግና ነዚ ዅሉ ድማ፡ (ማለት) ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን፡ ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።" ቈሎ 38

እዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ካብ ትንሳኤ ራብዓይ ሰንበትዩ። ካብ በዓል ትንሳኤ ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ቕንያት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕምቈት ከነስተንትነሉ፡ በቲ ንሱ ዝሰርዓልና ምስጢራት ከኣ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ሓቢርናዮ ኸም ዘለና ኸነረጋግጸሉ ዝተሰርዓልና ቕንያትዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ከም ዘረጋገጹልና፡ ንሓጢኣት ምዉታት ኴንና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ምእንቲ ክንሓብሮ ብምስጢረ ጥምቀት ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ኰንና (ሮሜ 61-11 ቈሎ 211-13) ኣብ ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ድማ፡ ህይወት ናይቶም ምስ ክርስቶስ ሞይቶም ምስኡ ዝተንስኡ ሰባት እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሰብ ቈሎሴ ምስ ክርስቶስ ከም ዝሞቱ ርግጸኛ ዀይኑ ዝጸሓፈ። ብዛዕባ ምስ ክርስቶስ ምትንሳኦም ግና ብርጉጽነት ኣይጸሓፈን። ምኽንያቱ ትንሳኤኦም በቲ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ዜርእይዎ ህይወት ጥራሕ ስለ ዚረጋገጽዩ። ስለ ኸኣ፦

"ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።"

ኢሉ ጸሓፈሎም (ቈሎ 31-3) ካብ ሃዋርያዊ ቓል ከም እንግንዘቦምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ተንሲእና ምህላውና ርግጸኛታት እንኸውን፡ ልብና ዅሉ ጊዜ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ሓሳባትን ድልየትን ጥራሕ ምስ ዚሓስብዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጥራሕ ዚሓስብን ዚደልይን ልቢ ይመርሓና እንተልዩ ግና፡ ካብ ብሰሪ ሓጢኣት ዝሞትናዮ ሞት ገና ኸም ዘይተንሳእና ዓብዪ መረጋገጺዩ።

ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥራሕ ከም እንደልይ፡ ብኸመይ ኢና ኸነረጋግጽን ክንገልጾን እንኽእል፧ ነዚ ሕቶውን ብዜገርም ንጻረ ጽቡቕ ገይሩ መሊሱልና ኣሎ። ብግምት (assumption) ኣይኰንናን ነዚ መገዲ ሰማይ እንጐዓዞ። ንእግዚአብሔርን ንዅሉ ኽንፈልጦ ዚግብኣናን ኣነጺሩ ብዘየማትእ መገዲ ገሊጹልናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ (ነቲ ሰማያዊ) ኸም እንደልይ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ (ነቲ ምድራዊ) ዅሉ ብምቕታልን ብምርሓቕን ክንገልጾ ኸም ዚግባእ ነጊሩና ኣሎ።

"ስለ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም (ስጋዊ ስምዒትኩም) ቅተሉ፡ (ንሱ ኸኣ) ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ እቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐዩ። ብሰሪ ነገር (ብሰሪ ኪቕተል ዚግብኦ ስጋዊ ስምዒታት) ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድዩ። ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ (ኣብ ዓለማውነት) ኽትነብሩ ኸለኹም፡ ቀደም ብእኡ (በዚ ስጋዊ ስምዒታት) ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ድማ፡ (ማለት) ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።"ቈሎ 35-8

እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ምድራዊ ስምዒታትን ባህርያትን ኣብ ህይወትና ይነብርን ይገዝእን እንተልዩ፡ ካብ ሓጢኣት ምስ ክርስቶስ ከም ዘይሞትና፡ ብሓድሽ ህይወት ብጽድቂ ንምንባርውን ምስ ክርስቶስ ከም ዘይተንሳእና ነረጋግጽ ኣለና ማለትዩ። እዚ ድማ፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዘይምዃንና ዜርእይዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ብምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምስ ክርስቶስ ዝመስረትናዮ ኣካላዊ ሓድነት ብሓጢኣት ኣፍሪስናዮ ማለትዩ። እዚ ግብርናምበኣር፡ ንሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስን ንኣገልግሎት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ከንቱ ዚገብር እኩይ ምርጫዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ኸም ዝሞተ፡ ምእንቲ ጽድቅናውን ከም ዝተንስአዮም ዚገልጹልና። "(ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስአ።"ሮሜ 425

"ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቚስሉ ኢኹም ዝሓወኹም (ዝተንሳእኩም)" 1ጴጥ 224

እምበኣር ብቚስሉ ኽንሓውይ እንተ ዄንና፡ እቲ ዘቚሰለናን ዝቐተለናን ሓጢኣት ኪቕተል ኣለዎ። እቲ ሓጢኣት ኣባና ህያው ኰይኑ ይሰርሕ እንተልዩ ግና፡ ንሕና ገና ምዉታት ኢና ዘለና፡ ምስ ክርስቶስ ኣይተንሳእናን ኣለና ማለትዩ። ስለ ትንሳኤናን ህይወትናን ዓቂብና ኽንነብር እንተ ዄንና ነቲ ኣብ ስጋና ዝተቐልቀለ ዘበለ ቐታሊ ስጋዊ ስምዒታት ንምቕታል ንቑሓትን ትጉሃትን ክንከውን ይግብኣና። ሓደገኛን ቀታልን ዝዀነ ከም ኮሮና፡ ካንሰር ወዘተ ዝኣመሰለ ስጋዊ ሕማም፡ ምስ ዚሕዘና ከመይ ከም እንጭነቕ ኵላትና ንፈልጦ ኢና። ካብ ሕማም ንምሕዋይ እንገብሮ ጻዕርን ወጻኢታትን ድማ መግለጺ ኣይርከቦንዩ። ስጋዊ ሕማም ብትንሳኤ ዚውዳእ ጊዝያዊ ሞት ዜስዕብ፡ መንፈሳዊ ሕማም (ሓጢኣት) ግና ዘለኣለማዊ ዝዀነ ኻልኣይ ሞት የስዕብምበር፡ ትንሳኤ ዚበሃል የብሉን። ንኣካላዊ ሕማም ኣኽቢድካ፡ ንመንፈሳዊ ሕማም ግና ኣቕሊልካ ምርኣይምበኣር፡ ሕውየትን መዳርግትን ዘይርከቦ ከቢድ ዕሽነትዩ። ስለ ነቲ ቐታሊና ሓጢኣት እናቐተልና ምስ ክርስቶስ ዝተንሳእና ደቂ ትንሳኤ ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግባእ። ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ድማ ጸርፊ ኻብቶም ብዘየዳግም ኪቕተሉ ዚግብኦም መርዛም ኣበሳታት ሓደዩ።

ንምንታይ ጸርፊ መርዛም ሓጢኣት ዚኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ጸርፊ ናይ ሰይጣን ኣጽዋርዩ። ናይ ጸርፊ ደራስን ጀማርን፡ ንሱ እኩይ ድያብሎስዩ። ዕጥቁን ኣጽዋሩን ጸርፊ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቶም ሰዓብቱን ኣገልገልቱን ነዛ ኽፍእቲ ኣጽዋርዚኣ ዜዕጥቖም። ኣብ እግዚአብሔር ግና ጸርፊ ዚበሃል የልቦን። ኣብቶም ንእኡ ዚስዕቡን ዜገልግሉን ድማ ጸርፊ የልቦን። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ሓቂ ብንጹር ገሊጾምልናዮም።

"እምበኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚአብሔር (ከመይ ገይሩ) ኻብ ፈተና (ኸም ዜውጽኦም) ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዐ ንመዓልቲ ፍርዲ ኸም ዚሕልዎም ይፈልጥዩ። ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ፡ ንጒይትነት ከኣ ዚንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ-ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡዩ። መላእኽቲ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም (ነቶም እኩያት ናይ ሰማይ ስልጣናት) ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን (ኣይጻረፉን)’ዮም። እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ኪጠፍኡዮም።"2ጴጥ 29-12

"ምስናይ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጐይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ ኣለዉ። ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኸራኸረ ምስ ተማጐተ፡እግዚአብሔር ይግናሕካደኣ በሎምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን። እዚኣቶም ግና፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ ....ብእኡ (በቲ ጸርፊ) ነታ ርእሶም የጥፍእዋለዉ።" ይሁ 810

ካብ ሃዋርያዊ ሓቂ ኸም እንርድኦምበኣር፡ ጸርፊ ፍርዳዊ ተግባርዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱንምበር እግዚአብሔርን ቅዱሳን መላእኽቱን ፈጺሞም ኣይጻረፉንዮም። እግዚአብሔር ነቶም ዚጻረፉ ገበርቲ ዓመጻ፡ ኣብ ምድሪዚኣ ዚቐጽዖም እንተ ዀነ፡ እቲ ዝኸፍአ መቕጻዕቶም ግና ነታ መዓልቲ ፍርዲ (ምጽኣት ጐይታ)’ ዓቚርዎ ዘሎ። ምጽራፍ፡ ናብ ርእስኻ ጥፍኣት ምጽዋዕን ምውራድንዩ። ስለ ጸርፊ፡ መንፈሳዊ ርእሰ-ቕትለትዩ። ተጻራፊ ምዃን ኣዝዩ ኼፍርሃናን ኬንቀጥቅጠናን ዚግባእ ነይሩ። ንሕና ግን ንጸርፊ ኸም ጅግንነት ንምክሓሉን ንህንደደሉንምበር፡ ኣይንፈርሆን ኢና። ብገለ ምኽንያት ምስ  ተባኢስና ብድፍረት ምስ እንጻረፍ "ቈርበቱ ኽሳዕ ዚቕለጥ፡ ኣዕጽምቱ ኽሳዕ ዚስበር ቅልጥ ኣቢለዮ" ኢልና ኽንጀሃር ንስማዕ። ኣብ ህዝብና ኸኣ፡ ናይ ባእሲ ኣጽዋር ምዃን ሓሊፍዎስ፡ ናይ "ፍቕሪ" መግለጺ ኽሳዕ ምዃን ኣማዕቢልና ኣለና። ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም፡ "ንዓስኪ ወዲ ኽስታይ፡" ኺበሃሉ፡ ኣዴታት "ንዓ ግናይ" ኢለን ንደቀን ኪጽውዓ ዚስምዓሉ ሰይጣናዊ ባህሊ ኣማዕቢልና ኣለና። ኣብ ዝርዝር ምስላታትና ተመዝጊቡስ፡ "ፍቕሪ ህንዲ ብደርፊ፡ ፍቕሪ ሓበሻ ብጸርፊ" ተባሂሉውን ቤት ዚወቅዕ ግጥሚ ተገጢሙሉ ኣሎ። ንሓደ ተበዲሉ ዝተዓገሰ ሰብ ድማ፡ "ኣታ ምሽሙሽ፡ ብጸርፊ ዘይተዋርዶ፧ ከም እናገበረካስ ስቕ ትብል!!" እናበልና፡ ንሰብ ከነሰይጥን፡ ኣጽዋር ሰይጣን ከነዕጥቕ ንጋደል ኣለና። ጸርፊ፡ ሕማቕ ምዃኑ እናፈለጥና ነዘውትሮ ምዃንና ድማ ዝኸፍአ ይገብሮ። ምናልባት ቃል እግዚአብሔር ብዛዕባ ጸርፊ እንታይ ከም ዚብል ኣይንፈልጥን ንኸውን። ሃይማኖት ዝመሰረቱ ባህሊ ስለ ዘዕበየና ግን፡ ጸርፊ ሕማቕ ምዃኑ ዘይፈልጥ ኪህልው ኣይከኣልንዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸርፊ ንዅሉ ሰብነትና ዜርክስ ሓጢኣት ምዃኑ ብብሩህ መገዲ ገሊጹልናዩ።

"እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ ዚመጽእ ንሱ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፋእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእሞ፡ እዚ ንሰብ ዜርክሶምበር፡ ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶንዩ።"ማቴ 1518-20

ስለ እዚ ኻብ ልብና ፈልፊሉ ብኣፍና ዚወጽእ ጸርፊ፡ ንዅሉ ኣካላትና ብርኽሰት ይብክሎን ይበላሽዎን ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ከም ተኣዚዝናዮ ዘለና ኻባና ኸነርሕቖ ይግብኣና።

ሳዕቤን ጸርፊ እንታይዩ፧ ልዕል ኢልና ኸም ዘንበብናዮ፡ ምጽራፍ ኣብ ርእስኻ ጥፍኣት ምጽዋዕን ምውራድንዩ። ብፍላይ ሃዋርያ ቅድስ ጴጥሮስ፡ ንምጽራፍ ምስ ናይ በሃም እንስሳ ዕሽነትን ድንቊርናን ኣመሳሲሉ ገሊጽዎ ኣሎ (2ጴጥ 212) እዚ <ጥፍኣት> ዚበሃል ዘሎ፡ ኣበይ ከም ዝኣተኻ ኽሳዕ ዘይፍለጥ በኒንካ ኻብ ህላወ ምጥፋእ ኣይኰነን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ "ጥፍኣት" ካብ መንግስቲ ኣምላኽ (ካብ መንግስተ ሰማያት) ወጻኢምዃን (ማቴ 811,12 2211-13 2530 ራእ 2215) እዚወጻኢ> ዚበሃል ዘሎ፡ እቲብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ምዃኑ ድማ ኣብ ራእ 209,10 ራእ 218 ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኣትዉ ዅሎም ኣብ ቐላይ ሓዊዮም ዚኣትው።

"ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ ነቲ ኻብ ምስራት ዓለም ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። . . . ድሕር ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኺዱ)"ማቴ 2534,44

ስለ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣጽዋር ዓጢቕካ፡ ልሳንካን ልብኻን ብጸርፊ መሊኡ እንተልዩ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ብጸርፊ ዘገልገልካዮ ጐይታኻ ዘለዎ ሓዊ-ገሃነም ኽትከይድ ናይ ግድንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይወርሱ፡ እቶም ገበርቲ ዓመጻ ምዃኖምን፡ ጸርፊ ድማ ምስቶም ከበድቲ ኣበሳታት ዚስራዕ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳ ምዃኑን ብንጹር ኣፍሊጡናሎ።

"ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፡ ኣመንዝራታት፡ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ሕንቁቓት፡ ግብረ ሰዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ስሱዓት፡ ሰካራት፡ ተጻረፍቲ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋንዮም። ገሌኹም ከኣ (ቀደም) ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።"1ቈረ 69-11

ጸርፊምበኣር፡ ምስ ግብሪ ሰዶምን ምንዝርናን ዚስራዕ ኣዝዩ ነውራም ግብሪ ዓመጻዩ። ናብ ሓው ዘይጠፍእ፡ ሓሰኻኡ ዘይመውት፡ ስንኻ ዜሐርቅም፡ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ዜደርብይ ከኣዩ። ነዚ ሓቂ ዘይምፍላጥና፡ ኣብ ለካሚ ኣበሳ ተኣሊኽና ኽንነብር ይገብረናሎ። ህይወትና ምልስ ኢልና ንመርምር፡ ዝተዛረብናዮ ብዝሕን ዓይነትን ናይ ጸርፍታት ከኣ ንዘክር። "ከም ስለ ዝተጻረፍኩ ምሕረት ግበረለይ"ኢሉ ሓንቲ መዓልቲ ዝተነስሐ ሰብ ይህልወናዶ ይኸውን፧ ኣብ ምድርን ኣብ ቤተ ክርስቲያንናንዚኣ፡ "ተጻሪፈ" ዚብል ኑዛዜ ዝሰምዐ ኻህን ደዀንይርከብ ይኸውን፧ በዚ ሃዋርያዊ ቓል መሰረት እምበኣር፡ ኵላትና ደቂ ገሃነም ኢና ማለትዩ። ስለ ንዝሓለፈዅሉ ናይ ጸርፊ ኣበሳና ብዘየዳግም ሓቀኛ ንስሓ ኣሕዊና ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና ኸነረጋግጽ ዚግባእ።

ይትረፍ ተጻረፍቲ ኽንከውን ምስ ተጻረፍቲ ሰባት ፈጺሙ ሕብረት ኪህልወና ኸም ዘይግባእውን ተነጊሩናዩ። "ሕጂ ግና ምስ ሓደሓው (ክርስትያን)” ዚብሃል ኣመንዝራ፧ ስሱዕ፡ መምለክ ጣኦት፡ ተጻራፊ፡ ስካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ከይትጽምበሩ፡ ምስ ከም ዝበለ ሰብ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።"1ቈረ 511

ምኽንያቱ፡ "ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ" ተባሂሉ ብንጹር ተነጊሩና (1ቈረ 1533) ስለ ናብ ገሃነም ጐቲቱካ ኻብ ዚኣትው ሰብ ምርሓቕ፡ ዓብይ መንፈሳዊ ብልህነትዩ።

ብኸመይ ኢና ኻብ ጸርፊ እንሃድም፧ ቀዳማይ ዚበዝሕ ጊዜ ንኽንጻረፍ ምኽንያት ዚዀነና፡ ኣብ ላግጺ፡ ህልኽ፡ ክርክር ክንጽመድ ከለና (2ጢሞ 423) እቲ ኸም ዋዛ ዝኣተናዮ ዝርርብ፡ ቀስ ኢሉ እናተመረዘ ይኸይድ ኣኣብ መወዳእታ ነቲ ሰይጣናዊ ኣጽዋር ክንዕጠቖን ክንጥቀመሉን ይገብረና። ንጉስ ሰለሞንውን፦"ንመላገጺ ስጐጎሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእዩ።"

ኢሉና (ምሳ 2210) ካብ ኣብ መወዳእታ ጸርፊ ኺወልድን ናብ ጸርፊ ኺምዕብልን ዚኽእል ኵነታት ምርሓቕ፡ ካብ ገሃነም እነምልጠሉ ጥበብዩ። ንኽንጻረፍ ምኽንያት ዚዀነና ኻልኣይ ነጥቢ ኸኣ፡ ንሕና ንርእስና ምስ እንብድልን ምስ እንጽረፍንዩ። እንተ ተጸሪፍና ዝተዋረድና ዀይኑ ስለ ዚስምዓና፡ ሕነ ኽንፈድይ ኢልና፡ ዝመረረጸርፍታት መሪጽና ብዕጥቂ ሰይጣን ኽንዋጋእ ንጅምር። ኣቦታትና "ኣማጽኣ ሰይጣን ዘይፈልጥሲ ኣይመንኵስ" ከምዚብሉ፡ ናብ ከም ዝበለ ዕሽነት ዚደፍኣና፡ ዕላማ ናይ ዝወረደና ጸርፊ ዘይምፍላጥናዩ። ጸርፊ ንኣና ንርእስና ተጻረፍቲ ኺገብረና ዚወርደናምበር ካልእ ዕላማ የብሉን። ጸርፊ፡ ስምዒትካ ይጐድእ ይኸውንምበር ኣይቀትል ኣየሕምም። ስምዒትና ዚጒዳእውን ብዛዕባኡ ብዘማዕበልናዮ ግጉይ ሓሳባት ጥራሕዩ።ተጸሪፈኢልካ ምጽራፍ፡ ጸራፊኻ ካብ ዘውረደልካ ዚገድድ ዘለኣለማዊ ጒድኣት ኣብ ርእስኻ ምውራድዩ። ካብጸሪፉኒ" ኢልካ ምጒሃይን ምሕራቕን፡ ንኣና ብምጽራፉ ንርእሱ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ብምሃቡ፡ ብዛዕባ ጸራፊና ኽንሓዝንን ካብ ጌጋኡ ኽንመልሶን፡ ምእንትኡ ናብ ኣምላኽ ክንጽልይን ዚግባእ። ንጸርፊ ብጸርፊ ኸይንመልስ ግን ቃል እግዚአብሔር ብጽኑዕ ዚእዝዘና።

"ነዚ ጽውዓት ኢኹምሞ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ ደኣምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።"1ጴጥ 39

በዚ ነገር ጐይታና እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና ምዃኑ፡ "ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን" ብዚብል ቃል ተመስኪሩልና (1ጴጥ 223 .) እምበኣር ጸርፊ ኺዘንበና ከሎ፡ ሰይጣን ኣብ ዜርክስ ሓጢኣት ኺጸምደና፡ ነቲ ናብ ገሃነም ዚነቊት ዕጥቁ ኼዕጥቐና፡መፈንጠራ ይዝርግሓልና ኸምዘሎ ኣስተውዒልና ርእስና ኽንሕልው፡ ብኣንጻሩንልሳንና ብቓላት ጽድቂ መሊእና፡ ነቲ ዚትፍኣልና ዘሎ ሓዊ ብእኡ ኸነጥፍኦን ክንስዕሮን ይግብኣና። ዋላ ጸርፊ ኣይኹን፡ ብዝዀነ ኻልእ በደል "ተበዲለ" ዚብል ስምዒ፡ውን ናብ ጸርፊ ንድፋእ ኢና። እቲ ዅራና፡ ጽድቂ ኸይንገብር ከልኪሉ ሓጢኣት ናብ ምፍጻም ይደፍኣና። ኵራኡ ንምግላጽ ዚህወኽ ሰብ ድማ ኵሉ ጊዜ ዓሻዩ። ለባም ሰብ ግና፡ እንተ ዀነ ኣይኵርይንዩ። ምናልባት እንተ ዀረየ ድማ ይገትኦን ይሓብኦንምበር ኣይገልጾንዩ። (ያእ 119,20 ኤፌ 426 ምሳ 1216) ስለ ኸኣ፡ "ብዘሎ ምርረትን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባኻትኩም ይርሓቕ ተባህለልና (ኤፌ 431)

እምበኣር ብዅነታት ተደፊእካ፡ ንጸርፊ ኸም ኣጽዋር ክትጥቀመሉ ምምራጽ ብዝዀነ መለክዒ ቕቡል ኪኸውን ኣኣይግባእንዩ። ነቲ ናብኡ ገጹ ዚድረኸካ ዅነታት ክትሃድመሉ ዘይከኣል ምስ ዚኸውን ከኣ ርእስኻ ብምግታእ ካብ ሃጢኣት ክትሃድም ይግባእ። ንስምዒትካን ንልሳንካን ምግታእ ቀሊል ዘይምዃኑ ከቶ ዘይከሓድ (ያእ 31-12) ምስቲ ኻብ መንግስተ ሰማያት ምትራፍን ናብ ገሃነመ እሳት ምድርባይን ግና፡ ይትረፍ ኪነጻጸር ኪቀራረብውን ኣይክእልንዩ። ንሰብ ብናይ ጸርፊ ቓላት ስለ ዘቚሰልካ፡ ኪጥቀስ ዚኽእል ገለ ቚሩብ ረብሓ እንተ ዚህልዎ፡ "ንሱ ኣጋግዩኒ" ኢልና ኸነመኽንይ ምኸኣልና ኔርና። ጸርፊ፡ ብዘይካ ጥፍኣትን ዕንወትን ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ዝዀነት ትኹን ረብሓ ኻብ ዘይህልዎ ግና፡ ነዚ ዓሻ ምርጫ ይትረፍ ክንመርጾ ብጥቓ ኣእምሮናን ኣፍናን ኪሓልፍ ኣይግብኦንዩ። ዝተዛረብናዮ ብዝሕን ዓይነትን ናይ ጸርፍታት ንሕና ኽንርስዖ ልዑል ተኽእሎታት ኣሎ። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ዚፈርድ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ግና ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፈን ንዘለኣለም ሕነ ኺፈድየና ምዃኑን ፈጺምና ኣይንረስዕ። ስለ ንልብናን ንልሳንናን ካብ ርኹስን ለካምን ኣበሳ ነንጽህ። ብኣንጻሩ ነቲ፡

"እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።" ዚብል ሃዋርያዊ ምዕዶን ትእዛዝን ምኽባር ንምረጽ (ኤፌ 429)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ግንቦት ፯, ፳፻፲፬  ግዕዝ (15 ግንቦት 2022 ).[ መበል 36 ሰንበት: ቊ.48/፵፰]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ቈሎ 3፡1-11 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ ግብ 13፡26-42 ሉቃ 24፡33-40 ዘዲዮስቆሮስ 

መዝ ፫፡፭,፮

"አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።"

"ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚአብሔር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸብቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።"

 

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div