S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ [መበል 34 ሰንበት: ቊ.47/፵፯]

ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ! ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት (ከላ) ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።ዮሃ 174-5

እዛ ሰንበትዚኣ ድሕሪ ትንሳኤ ኻልኣይቲ ሰንበትያ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና  ድማዳግማይ ትንሳኤተባሂላ ትጽዋዕ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንሳእ ጥራይ ስለ ዝሞተ፡ ሓንሳእ ከኣ ተንሲኡ።ዳግማይ ትንሳኤዝተባህለሉ ምኽንያት ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዕጹው ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ኣብ ማእከሎም ብኣካለ ስጋ ተጋሂዱ ዝተራእየሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ ስያመምበር፡ ካብ መቓብር ክልተ ጊዜ ኸም ዝተንስአ ንኼስምዕ ዝተባህለ ኣይኰነን። ብርግጽ ብሞት ጐይታኦም ኣዝዮም ጒህዮም ንዝነበሩ ኣዝዮም ፍቁራት ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣብ ማእከሎም ብኣካለ ስጋ ብዝተጋህደ መጠን ከም ሓድሽ ትንሳኤ እንተ ተራእየ ኼገርመና ኣይግባእንዩ። ጐይታናውን ብዛዕባ ብሞቱ ዚጒህይዎን፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንእኡ ብምርኣዮም ዚሕጐስዎን ብኸም ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ።

ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላዩ፡ ንስኻትኩም ክትጒህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። . . . እምበኣርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጓሂ ኣሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩምየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስዩ። ንሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን።ዮሃ 1620-22

እዚ ቓል ኣብ ምስጢረ ቊርባን ዝሰርዓላ ድሮ ስቕለቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ዝተዛረቦዩ። ከም ዝተዛረቦ ኸኣ፡ ካብ ስቕለቱ ኽሳዕ ትንሳኤኡ ዝነበረ ሓጺር ጊዜ፡ ንኣታቶም ናይ ሓዘንን ብኽያትን ጊዜ ዝነበረ። ከም ዝበሎ ኣብ ሳልስቱ ስለ ዝተንስአ፡ ጓሂኦም ናብ ሓጐስ ተለዊጡ፡ ገጽ ናይ ዜፍቅርዎ ጐይታ ኺርእዩ በቕዑ። እዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ በዓልምበኣር፡ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ብሓባር ተኣኪቦም ከለዉ ገጹ ብምርኣይ ዕዙዝን ካብኣቶም ዘይውሰድን ሓጐስ ዝተሓጐሱሉ መዓልቲዩ።

ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ብምሉኡዩ። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ንባብ መሰረት ብምግባርግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩእናበሉ ዚዝምሩሉ መዓልቲዩ። እዚ መዝሙርዚ፡ ካብ ናይ መዓልቲ መሪሕ ጥቕስና ዝተወስደ ዀይኑ፡ ትርጒሙ ኸኣ፡ክገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩማለትዩ። እዚ ቓላትዚ፡ ሓደ ንዝተዋህቦ ዅሉ ተልእኾ ብዓወት ዝዛዘመን ዝፈጸመን ኣካል ዚብሎ ቓልዩ። እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ማዕረ እግዚአብሔር ኣቦን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ዝዀነ መለኮታዊ ኣካልዩ። ቅድስት ስላሴ፡ ንዘርኢ ኣዳም ካብ ጥፍኣት ኬድሕኑ ምስ መኸሩን ምስ ፈቐዱን፡ ነቲ ንእግዚአብሔር ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ዝዀነ ቃለ-አብ፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ኪኸውን፡ በቲ ዝተዋሃዶ ስጋ ሞይቱ ዕዳ ሓጢኣትና ኪኸፍል፡ ብመለኮቱ ህያው ኰይኑ ብምትንሳእ ድማ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑን ዝተኣዘዝዎን ኬጽድቑ ወሰኑ። እቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ወልድ ብእግዚአብሔር ኣቦ ዝተዋህቦ ተልእኾ ኪፍጽም ተላኢኹ መጸ። ካብ ብስጋ ዝተገልጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ነቲ እግዚአብሔር ኣቦኡ ኺፍጽሞ ዝሃቦ ዅሉ ግብርን ዕዮን ፈጺሙ ወድአ። ነዚ ዓወቱ ኸኣ፡ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ድሕሪ ምስርዑ፡ ምስ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ዀይኑ ዝጸለዮ ናይ መወዳእታ ጸሎቱ ገለጾ። መሪሕ ጥቕስና ነዚ ዓወቱ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቓልዩ።

ነቲ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ ዝተዋህቦ ግብሪ ኸም ዚግባእ ስለ ዝፈጸመ፡ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻኢሉ ተኣመነ። እዚ ኣበሃህላኡ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ዜኽብርዎ፡ እቶም ንኺገብርዎ ብእኡ ዝተዋህቦም ግብሪ ኸም ዚግባእ ገይሮም ዝፈጸሙ ሰባት ምዃኖም ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እግዚአብሔር ኣቦኡ ነቶም ዘኽበርዎ ዜኽብር እሙን ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ድማ፡በቲ ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒኢሉ ናብ ኣቦኡ ጸለየ። ከም መብዛሕትና፡ ግብሩ ኸይፈጸመ፡ ክብሪ ኺወሃቦ ኣይተጸበየን። እቲ ዚግብኦ ድሕሪ ምፍጻሙ ኸኣ፡ ነቲ ኽብሪ ኸም ውሁብ ወሲዱ፡ ብጸሎት ነቦኡ ኻብ ምልማን ኣይበዀረን። እቲ መለኮታዊ ኽብሪ ናቱ ናይ ባህርይ ገንዘቡ ስለ ዝዀነ፡ገንዘበይ ስለ ዝዀነ፡ ወይ ከኣ ናይ ኣብ ምድሪ ዘኽበርክዎ፡ ዚግብኣኒ ጻማይ ስለ ዝዀነ ናይ ግድን ኪህበኒኣይበለን። ሓደ ኻብ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ፡ ጸሎት ስለ ዝዀነ፡ ክሳዕተፈጸመኢሉ ነፍሱ ኻብ ስጋኡ ዝተፈልየትሉ ናይ ሞቱ ጊዜ፡ ካብ ጸሎት ኣይበዀረን።

ጐይታና፡ክገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪዝበሎ፡ እንታይ እንታይ ዜጠቓልልዩ፧ጐይታና ዝገበሮኢልካ ኻብ ምጽብጻብ፡ ዘይገበሮ ምጽብጻብ ምቐለለ፡ ምኽንያቱ፦ ኵሉ ብእኡ ዀነ፡ ካብ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።

ዝተባህለሉ ጐይታ (ዮሃ 13) ዋላ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበርዎ ዅሉውን ገባሪኡ ንሱ ባዕሉምበር፡ ንሳቶም ከም ዘይኰኑ፡ በቲብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምዝበሎ ቓል ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 155) ስለ እቲ ኽንዝርዝሮ እንፍትን ተግባሩ፡ እቲ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝገበሮ ጥራይዩ። ንሱውን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦

ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ ኵላ ዓለምዚኣ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።

ብዚብል ቃል ገሊጽዎ ይርከብ (ዮሃ 2125) ኵሉ ንሱ ዝገበሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጻሕፈን። ይትረፍ ኵሉ ተጻሒፉ፡ ዋላ ነቲ ዝርካቡ ተጻሒፉ ዘሎውን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ዓንቀጽ (ፓራግራፍ) ዘርዚርና ኸነስፍሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ስለ ንብዘሎ ግብርታቱ ኣብ ወከልቲ ኣርእስታት ጸሚቝና ጥራይ ኢና ኸነቕርቦ እንኽእል። ምሉእ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ግብሪ ብኸም ዚስዕብ ክንገልጾ ንኽእል ኢና።

1. ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ፦ (ማር 114-15 ማቴ 423) ስብከተ ወንጌል ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ። ንሱ ናይ ኵሉ ነገር ቀዳማይን በዅርን ስለ ዝዀነ፡ ወንጌል ብኸመይ ከም ዚስበኽ፡ ዘይሃስስ ድሙቕ ኣርኣያ ሓዲጉልና ኸይዱ። ሰባት ወንጌል ደልዮም ኪመጽዎ ኣይተጸበየን። ንሱ ባዕሉ ብስራት ሒዙ ናብ ዘዘለውዎ ዝኸደ (ማር 136-39 ሉቃ 443 ሉቃ 81 ግብ 1036-30)

2. በቲ ዚገብሮ ተኣምራት ሓይሊ ኣምላኽ ምግላጽ፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጹልና (1ቈረ 124) ስለ ኣብ ሕማማትን ኣጋንንትን ተፈጥሮን ኣብ ካልእን ፍሉይ ተኣምራት ብምግባር፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም ዚገሃድ ገበረ (ማቴ 424 816-17 935 1120-24 1354-58 1529-31 ማር 62,5,6 ሉቃ 517 619)

3. ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር፦ እዛ ዘለናያ ዓለም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገሃሰላ፡ ፍቓድ ስጋን ፍቓድ ሰይጣንን ዚገዝኣላ ናይ ዓመጻ ዓለምያ። ኣብ ውድቕቲ ዓለምዚኣ ዄንካውን ንፍቓድ ኣምላኽ ብምልኣት ምግባርን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ኸም ዚገዝእ ምግባርን፡ ብምሉእ ኣርኣያነት ዘርኣየና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ዮሃ 434 530 638-40 ማቴ 2639,44) ኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ ከኣ፡ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ጥራይ ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዚኣትውን፡ ናቱ ሓውን ሓብትን ከም ዚኸውንን መሃረና (ማቴ 721 1248-50)

4. ቤተ ክርስቲያን ምትካል፦ እታ ኣብ እስራኤል ዝተተኽለት ቀዳመይትን በዅርን ቤተ ክርስቲያን ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቘመትያ። ሓደ ኻብ ተልእኾኡ ንሱ ምዃኑ ኸኣ፡ ኣብ ምስ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበራ ዝርርብ ገሊጽዎ (ማቴ 1618 .) እዛ ኣብ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱን ዘቘማ ቤተ ክርስቲያን ድማ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ እስራኤል ኣዝያ ዓበየት፡ ናብ ብዘሎ ዓለም ከኣ ተዘርግሐት (ግብ 241-42 44 ማር 1620) ንቤተ ክርስቲያን ድማ ኣካሉን ስጋኡን ገበራ (ኤፌ 122,23 ቈሎ 124 ሮሜ 124-5 1ቈረ 1212,27 615)

5. ኣርኣያ ምዃን፦ ኣብ ዓለምና ብዙሓት ኣርኣያ ኪዀኑና ዚኽእሉ ናይ ኣምላኽ ሰባት ተላዒሎምዮም። እንተዀነ ንርእሶም ድኻም ዝጠበቖም ከማና ዝድኻሞም ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ኣርኣያኦም ፍጹም ኣይነበረን (እብ 52-3 728 ያእ 57) ጐይታና ግና ዝዀነ ዓይነት ሓጥእ ድኻም ስለ ዘይነበሮ፡ ፍጹም ኣርኣያና ዀነ (እብ 726-27 414-15) ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ካባይ ተመሃሩኢሉ ብቕዱስ ጽውዓ ጸውዓና (ማቴ 1129-30) ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት ከኣ ጐይታን መምህርን ክነሱ፡ ተዓጢቑ ተደቢሩ ኣእጋሮም ሓጺቡ፡ በቲ ዝተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ደረዘ ኸኣ፡

“‘እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧በሎም።ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩምዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣከኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።’” ብምባል፡ ኣርኣያኡ ኺስዕቡ ኣዘዞም (ዮሃ 1312-17) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንኣርኣያ ጐይታኡ ስዒቡስ ንእኡ ናብ ምምሳል ከም ዝዓበየ ብግብሪ ኣርእዩ ብቓሉ ተኣመነ (1ቈረ 1031-33 111)

ስለ ኸኣ፡እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉብምባል ናይ ትሕትናን ተኣዝዞን ኣርኣያኡ ኣጒሊሑ ገለጸልና (ፊል 25-8 .) ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስውን ነቲ ድሙቕ ኣርኣያ ክርስቶስ ብግሩም ቃላት ኣርእዮና ኣሎ።

ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩምሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበምበር፡ ዘየፈራርሀ። ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” 1ጴጥ 221-24

6. ህይወቱ በጃ ጥፉኣት ምሃብ፦ እዚ በጃነት እቲ ዝዓበየን ናይ መወዳእታን ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘኽበረሉ፡ ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ዘድሓነሉ ግብሩዩ። ኣብ መስቀል ኰይኑተፈጸመኢሉ ዝጨርሖ ኸኣ ነዛ ዓባይ ተልእኾ ህይወቱ ስለ ዝፈጸመዩ። ስለ በጃነት እቲ ዝለዓለን ዝዓበየን ግብሩዩ። ነቲ ዝቐደመ ዅሉ ተግባሩ፡ እቶም ካልኦት ኵላቶም ብዓቕሞም ብመጠን ዝተዋህቦም ጸጋ ፈጺሞምዎዮም። በጃነት ግን ብዘይካኡ ኺፍጽሞ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ኣካል የልቦን (ዮሃ 1930 ማቴ 2028 ዮሃ 315-16 651 1011,17-18 1150-52 1513 ሮሜ 425 56-10 83 2ቈረ 513-14 ገላ 13-4 ኤፌ 52,25-27 ቈሎ 122-23)

እዚ ጐይታና ዝገበሮን ዝበሎን ኵሉ፡ ኣርኣያኡ ንኣና እንታይዩ፧ ንኣና ዜሰክመና ሓላፍነትከ እንታይዩ፧ ካብ ጐይታና ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘኽበረሉ ተግባሩ ሓደ፡ ኣርኣያ ምዃን ከም ዝዀነ ኣቐዲምና ርኢናዮ ኢና። ስለ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን፡ ብዘይካ ብመለኮታዊ ስልጣኑን ሓይሉን ዝገበሮ ግብሩ፡ እቲ ኸም ፍጹም ሰብ መጠን ዝገበሮ ዅሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣብ ዝባንና ኣሎ። ስለ ንሱነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ፡እንተ ኢሉ፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም እንብል ርግጸኛታት ክንከውን ይግባእ። ነታ ጐይታኡ ዝበላ ኺብል ዘይክእል ሰብ፡ ኣብ ጐይታና ዝኣተዋ ኺኣትው ኣይክእልንዩ። ስለ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚደልይ ዅሉ ሰብ፡ ነዛ መሪሕ ጥቕስና ብትብዓት ኪዛረበላ ናብ ዚኽእለሉ ደረጃ መንፈሳውነት ኪዓብይ ናይ ግድንዩ። እንተዀነ ነቲ ግብርና በቲ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ፍጹምነት ደረጃ ኽንገብሮ ኸም ዘይንኽእል ርዱእዩ። እግዚአብሔር ከኣ ፍጥረትና ስለ ዚፈልጥን ድኻምና ስለ ዚርዳእን፡ በቲ ባዕሉ ዝሃበና ናይ ዓቕሚ ደረጃ ዚጽበየናን ዚመዝነናን። ጐይታናውን፡ ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎዮም፡ኢሉና (ሉቃ 1248) ኣብምስላ መክሊትተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም ዝሃቦም። ካብ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኣይተጸበየን። ካብ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት ድማ ክልተ መክሊት ጥራይ ኣይምተቐበለን። ከከም ዓቕሞም ሂብዎም፡ ከከም ዝተዋህቦም ከኣ ተጸብይዎም። ነቶም ንትጽቢቱ ዜማልኡ ብዓብይ ክብሪ ኣኽቢርዎም። ምኽንያቱ ከኣ፡ ነቲ ኺገብርዎ ዝሃቦም ግብሪ ፈጺሞም ስለ ዘኽበርዎዩ። እቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ኻብ ምግባር ዝበዀረን ብኽፉኣቱን ብትህኪቱን ዝተዓንቀፈ ሰብ ግና ኣብ ናይ ገሃነም ጸልማት ኪድርበይ ፈረዶ (ማቴ 2514-30)

ኣብ ኣብ ማቴ 2445-51 ዘሎምስላ እሙንን ዘይእሙንን መጋቢድማ ብኣፈጻጽማ ናይ ኺገብርዎ ዝተዋህቦም ግብሪ ኸም ዝተመዝኑን ከም ዝተፈርዱን ተገሊጹልና ኣሎ። ኪገብርዎ ዝተዋህቦም ግብሪንስድራ ቤት ናይ ጐይታ ምግቦም በብጊዜኡ ምሃብነበረ። እቲ ቐዳማይ መጋቢ፡ ነቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ኸም ዚግባእ ዝፈጸመ እሙን መጋቢ ዀይኑ ተረኽበ። ጐይታኡ ድማ፡ኣስተውዓልን እሙንን ባርያብምባል ነኣዶ። ዝለዓለ ማዕርግን ሓላፍነትን ብምሃብ ድማ ኣኽበሮ። እቲ ኻልኣይ መጋቢ ግና፡ ኪገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ገዲፉ፡ ምስ ሰኽራማት ኪበልዕን ኪሰትይን ተራእየ። ነቶም ስድራ ቤት ግና ግቡእ ቀለቦም ኣብ ግቡእ ጊዜ ኻብ ምሃብ በዀረ። ነቶም ንሱ ዜመሓድሮም ከምኡ ባሮትን ኣግራድን ከኣ ብማህረምቲ ይገፍዖም ነበረ። እቲ ጐይታኡ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ነቲ ኺገብሮ ዚግብኦ ግብሪ ኻብ ምፍጻም ዝበዀረ ኣገልጋሊኡ፡ ብዜሰቅቕ ዘለኣለማዊ ሞት ቀጺዑ፡ ዕድሉ ምስቶም ዝኸፍአ ፍርዲ ዚወሃቦም ግቡዛት ይገብሮ። ኣብኡ ድማ ንዘለኣለም ብብኽያትን ብምሕርቃም ኣስናንን የሕልፎ (ማቴ 2445-51) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ከም ዚግባእ ስለ ዝተረድኦን ኣብ ልቡ ስለ ዘሕደሮን፡ ልክዕ ከም ጐይታኡ፡ ቅድሚ ዕለተ ሞቱ፡ ነቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ዅሉ ግብሪ ዝፈጸመ ኣብነታዊ ሃዋርያ ነበረ።

ጒያይን ብጐይታና ኢየሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያንግብ 2024

ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣለኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ ነቲ ጕይያ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።” 2ጢሞ 46-8

ናብ ከምዚ ዝበለ ድሙቕ ዓወት ዘብጽሖ ኸኣ፡ በቲ ዝገበሮ ግብርን ዝበጽሖን ደረጃ ፈጺሙ ዘይዓግብ ናይ መዓልትን ለይትን ሕልሙ ዀነ ጻዕሩ፡ ንእግዚአብሔር ምኽባር ስለ ዝዀነዩ። ነዚ ዝተዓወተሉ ምስጢር ከኣ ኣብ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣነጺርዎ ኣሎ።

ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ ኢየሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ ኣለኹምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጐይዪ ኣለኹ።ፊሊ 312-14

ክትገብሮ ንዝተዋህበካ ግብሪ ፈጺምካ፡ ንኣምላኽካ ኣብ ምድሪ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ንመን ዚምልከቶ፧ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ድዩ ንምእመናን፧ ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ በብዓቕሙ ንዅሉ ሰብ ዚምልከት። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ናይ ምእመናን ዚሰፍሕን ዚዓብይን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂዩ። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ርእሲ ኸም ውልቀ ክርስትያን ንህይወቶም ዘለዎም ሓላፍነት፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላሎም ዘሎ መጓሰ ምእመናን ዘለዎም ሓላፍነት ተደራቢ መዝነቶምዩ።

ኵሉ ክርስትያን፡ ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን፡ ኣብ ናይ ውልቂ ህይወቱ ኺፍጽሞም ዝተዋህብዎ ኣገደስቲ ግብርታት ኣለዉ። ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ቅንዕና፡ ንጽህና፡ ቅድስና፡ ምሕረት ወዘተ ዝኣመሰሉ ግብርታት ገለ ኻብኣቶምዮም። ንዝበደለና ሰብ ብትዕግስቲ ንጸውር፡ ብይቕሬታ ምሕረት እንገብር ሰባት እንተ ዄንና፡ ብርግጽ ነቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ግብሪ ዝፈጸምናን፡ ኣብ ምድራዊት ህይወትና ንኣምላኽ ዘኽበርናን ሰባት ኢና። ብኣንጻሩ ንዝበደሉና ሰባት ንበኣሶም ንቕየሞምን ሕነ ንፈድዮምን እንተ ዄንና ኸኣ፡ ኣምላኽ ንኽንገብሮ ዝሃበና ግብር ደርቢና፡ ሰይጣን ንዝኣዘዘና ኽንገብር መሪጽና ኣለና ማለትዩ። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ኣዋሪድካ ንሰይጣን ከተኽብር ምምራጽዩ። ናይ ከም ዝበለ ዓሻን ክፉእን ምርጫ ሳዕቤን ድማ ኣዝዩ ኸቢድን ዜሰክሕንዩ።

ንጉስ ሳኦል ሓደ ኻብቶም እኩይ ምርጫ ዝመረጹ ሰባት ነበረ። እግዚአብሔር፡ ናብ ኣማሌቃውያን ከይዱ ንዅሉ ሰብን እንስሳን ኬጽንት ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው ጽኑዕ ትእዛዝ ሃቦ። ንሱ ግና ነቲ ንጉስን ነተን ጽቡቓት ጥሪትን ንሒፉ፡ ማሪኹ ናብ እስራኤል ኣምጽኦም። ነብዪ ሳሙኤል ምስ መጸ ግና፡ኣነ ቓል እግዚአብሔር ፈጺመኢሉ ጥረ ሓሶት ሓሰወ። እቲ ጒዳይ ኸም ዝተቐልዐ ምስ ፈለጠ ኸኣ ኣበሳኡ ናብ ህዝቢ ኣጥቢቑ ንጹህ ኪመስል ፈተነ። ብሰሪ ኣበሳዚኣ ኸኣ ንግስነቱን እቲ ኣብኡ ዝሓደረ ቅዱስ መንፈስን ተሓድገ (1ሳሙ 151-31)

ንዅላትና ኽንገብሮ ዝተዋህበና ግብሪ፡ ፍቓድ ኣምላኽዩ። ነዛ ሓላፍነትናዚኣ ብዝዀነ ኻልእ ጥበብ ከነከሓሕሳ ኣይንኽእልን ኢና።ጐይታይ፡ ጐይታይእናበልና ንእግዚአብሔር ክንጥብሮ ኣይከኣልንዩ።

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ <ጐይታይ፡ ጐይታይ> ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው ኣይኰነን።ማቴ 721

ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ትእዛዛት ተገሊጹ ዘሎ። ስለ ዝዀነ ይኹን ቅድሚ ምግባርና ወይ ቅድሚ ምዝራብና፡እግዚአብሔር ኣብ ዅነታትዚኣ እንታይ ግብሪ ኽገብር ኣዚዙኒ፧ ብኸመይ እንተ ተዋሳእኩየ፡ ኣብ ዅነታትዚኣ ንኣምላኸይ ከኽብሮ ዝኽእል፧ኢልና ንርእስና ብምሕታት፡ ነቲ ዝኣዘዘና ቓሉን ፍቓዱን ምስ እንፍጽም ነዚ ኸኣ ክሳዕ ዕለተ ሞትና እንተ ገበርናዮ፡ ሽዑ ነቲ ጐይታና ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኢልዎ ዘሎ ቓል እንብለሉ ትብዓት ክንረክብ ኢና።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሚያዝያ ፳፬, ፳፻፲፬  ግዕዝ (1 ግንቦት 2022 ).[ መበል 34 ሰንበት: ቊ.47/፵]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 15፡20-41 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ ግብ 2፡22-37  ዮሃ 17፡1-ፍጻመ ዘዲዮስቆሮስ 

መዝ.፻፲፪(፻፲፫)፡፫-፬ “እምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ። ይትአኩት ስሙ ለእግዚአብሔር። ልዑል እግዚአብሔር መልዕልተ ኵሉ አሕዛብ።”

ዓዲ፡

መዝ.፻፲፯ (፻፲፰)፡፳፬,፳፭: “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div