S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኪትንስእ ይግብኦ’ዩ [መበል 33 ሰንበት: ቊ.46/፵፮]

 ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ (ናብቲ መቓብር) ኣተወ። ነቲካብ ምውታት ኪትንስእ ይግብኦዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዓልዎን ነበሩሞ፡ ርእዩ ኣመነ።ዮሃ 208-9

ንዅላትና ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና። እግዚአብሔር ብጸጋኡን ብምሕረቱን ደጊፉ፡ ነዚ ናይ ዓብይ ጾም ጊዜ ብሰላምን ብደሓንን ኣሕሊፉ፡ ናብ ብርሃን ትንሳኤኡ ስለ ዘብቅዓና፡ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ንእኡ ይኹን። ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናይ እምነት ክርስትና መሰረትዩ። ንክርስትና ኻብ ካልኦት እምነታት (ሃይማኖታት) ዚፈልዮ ፍሉይ መለለዪኡ ድማዩ። ትንሳኤ ጐይታና፡ ናትና ናይ ትንሳኤ ሙታን ተስፋ ርጉጽ ዚገብር ስለ ዝዀነ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ምስጢርን በዓልንዩ። ካብቶም ንመሰረት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና  ዜቝሙኣእማደ ምስጢርእንብሎም ሓሙሽተ ዓበይቲ ምስጢራት ሓደ፡ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታንዩ። ናይ ምስጢር መሰረት ከኣ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ጐይታና ብኽብሪ ኸም ዝተንስአ እንተ ዘይኣሚንና፡ንሕናውን ኽንትንስእ ኢናኢልና ኽንትስፈው ኣይከኣልንዩ። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ ነገርና ኸንቱ ዀይኑ ዚተርፍ። ኣብ ዘመነ ሃዋርያት፡ትንሳኤ ሙታን የልቦንዚብል ሓደገኛ ኑፋቄ (ስሑት ትምህርቲ) ተላዒሉ ነበረ። እቲ ዜሕዝን ከኣ እዚ ስሕተት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ቈረንቶስ ብዝነበሩ፡ ክርስትያን ምዃኖም ብዚእመኑ ሰባት ዝተላዕለ ምዃኑዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ባዕሉ ዝሰረታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘመሰለ ሰይጣናዊ ትምህርቲ ኸም ዝተላዕለ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ጐሃየ። ንእኡ ንምእራም ድማ ሓያል ዝዀነ ናይ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን መሰረት ዘቘመ ሰፊሕ ትምህርቲ ጸሓፈ።

ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎምዮም ገሊኦም ካባኻትኩም፡ትንሳኤ ሙታን የልቦን፡ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ሙታን ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስአን። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ ስብከትና ከንቱዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ከም ዘተንስኦ መስኪርና ኔርና፡ ንምዉታት ዘየተንስኦም እንተ ደኣ ዀይኑ ግና፡ እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተንስኦን። ንሕና ኸኣ ሓሰውቲ ምስክር (ናይ) ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኣለና። ከመይ ንምዉታት ዘይተንስኦም እንተ ዀይኑ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስአን። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ፡ እምነትኩም ከንቱያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም። እቶም ብእምነት ክርስቶስ ዝሞቱ ኸኣ ጥፉኣትዮም። ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብ ህይወትዚኣ ጥራይ እንተ ደኣ ዀይና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1ቈረ 1512-19 .

ካብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኸም እንርድኦምበኣር፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ናይ እምነትና መሰረትዩ። ብዛዕባ ትንሳኤኡ እንተ ተጠራጢርና፡ እምነትና፡ ኣገልግሎትና፡ ምንባርና ዀነ ሙማትና፡ ኵሉ ኸንቱን ትርጒም ኣልቦን ዚኸውን። እቶም ምእንቲ እምነቶም መከራ ዝተቐበሉን ዝተሰውኡን ድማ ከሲሮም ተሪፎም ማለትዩ። ስለ ንትንሳኤ ኸም ሓደ ናይ ብልዕን መስተን በዓል ካብ ምርኣይ ተናጊፍና፡ በቲ ሓቀኛን ክቡርን መንፈሳዊ ረብሓኡ ኽንርእዮ ይግብኣና።

ዓይነት ህይወትና ኸኣ በቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤ ሙታንን ዘሎና ኣረኣእያ ኣዝዩ ኸም ዚጽለው ኸነስተውዕሎ ይግብኣና። ሓጥእን ዓለማውን ሰብ፡ ይትረፍ ኪትንስእ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ኺሰምዕ ኣይደልንዩ። ምኽንያቱ ትንሳኤን ፍርድን ከም ዘይህልዉ ተስፋ ብምግባር ንህይወቱ ብሓጢኣት ዜበላሽዋ። ንምድራዊ ህይወቱ ባህ ከም ዝበሎ ገይሩ ብሓጢኣት ምስ ዓንደረላ፡ ድሕሪ ሞቱ ኣብ መቓብር ተሓቢኡ ኺነብር ዚብህግ። ስለ ንሓጥእ ሰብ ትንሳኤ፡ ተስፋ ዘይኰነስ ኣሰምባዲ መርድእዩ።

ብኣንጻሩ ነቲ ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ዚነብር ሰብ ግና ተስፋ-ትንሳኤ ኣዝዩ ዓብይ ብስራትዩ። ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ፡ ነቲ ናቱ ትንሳኤ ዓብዪ ተስፋ ስለ ዜስንቖ፡ ንበዓለ ትንሳኤ በቲ ፍሉይ መንፈሳዊ ኽብሩምበር፡ ከም ተራ ስጋውን ምድራውን በዓል ብብልዕን ብመስተን ጥራይ ኣየብዕሎንዩ። እቲ ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ሰብ ንምድራዊ ህይወቱ ይንዕቃን ይጸልኣን (ሉቃ 1426 ዮሃ 1225) ስለ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታ ዘሎና እምነትን ብዛዕባ ትንሳኤና ዘሎና ተስፋን፡ ናይ ህይወትና ሓቀኛ ምስሊ ዜርእየና ንጹር ምልክት ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና።

ኣብ ትንሳኤ ጽኑዕ እምነትን ብሩህ ተስፋን ከይህልወና ዚኽልክለና እንታይዩ፧ ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶ ኣብ ምምላስ ይረድኣናዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ይትረፍ ንተራ ምእመን፡ ዋላ ንሃዋርያትን ንደቀ መዛሙርትን ከይተረፈ ይኸብዶም ከም ዝነበረ፡ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት የረጋግጸልናዩ። ጐይታና፡ ቅድሚ ስቕለቱን ሞቱን ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ደጋጊሙ ተዛሪብዎምዩ። ዕላማ ናይ ምንጋር ኸኣ፡ ኣብ ልቦም ኪሓድርሞ፡ ንሱ ምስ ሞተ ኸይተሰናበዱ፡ ትንሳኤኡ ብተስፋ ኺጽበዩዩ። እንተ ዀነ ይትረፍ ኪዓቝርዎ፡ ብመሰረቱ ነቲ ዝተዛረቦ ኼስተውዕልዎውን ኣይከኣሉን። ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ፡ ነዚ ዘይምስትውዓሎም ጽቡቕ ገይሩ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ (ኢየሱስ) ንደቀ መዛሙርቱ፡ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሃብሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገር ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ (ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ)በሎም። ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባዚኣ ኣየስተውዓልዋን፡ ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባዚኣ ኸይሓትዎውን ፈርሁ።ሉቃ 943-45

ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡እንሆ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸምዩ። ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጸሉ፡ ኪጸርፍዎ፡ ጡፍውን ኪብሉሉ፡ ገሪፎም ድማ ኪቐትልዎዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእዩ፡በሎም። ንሳቶም ግና ካብ ሓንቲ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባ ተሰዊርዎም ነበረ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።ሉቃ 1831-34

እዞም ንጐይታና ዚሰምዕዎ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ፡ ምሉእ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዘለዎም፡ ንጐይታን ንቓላቱን ዜፍቅሩ፡ ሓዳሮምን ዋኒኖምን ንብረቶምን መኒኖም ንጐይታኦም ዝሰዓቡ እሙናት ሰባትዮም። ነዘን ንሞቱን ትንሳኤኡን ኣመልኪቱ ዝተዛረበን ቃላት ከየስተውዕሉን ኪስወሮምን ዚገብር ዘሎ ደኣ እንታይዩ፧ ነዚ ጸገም ጐይታና ኣብምስላ ዘርእን ዘራእንጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 121-9,18-23 ማር 41-9,13-20 ሉቃ 84-8,11-15) ኣብ ወንጌላዊ ሉቃስ ዝጸሓፎ ኽፍሊ፡ ብኸም ዚስዕብ ሰፊሩ ኣሎ።

ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ....ብምስላ ኸም ኢሉ ተዛረበ፡ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ . . .እቲ ምስላኡ እዚዩ፡ እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽዩ። እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ (ዝተባህሉ) ንሳቶም (ነቲ ቓል) ዚሰምዑዮም።  (ድሕሪኡ ግና) ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።ሉቃ 84-12

ሰይጣን፡ እዞም ደቀ መዛሙርትን ሃዋርያትን ናይ ጐይታና ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኪዀኑ ኸም ዝተሓርዩ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ተሰቢኹ ማለት ከኣ ንሱ ኸም ዝተሳዕረ ተኣዊጁ ማለትዩ። ንትንሳኤ ክርስቶስ ኪዓግቶ ኸም ዘይክእል ስለ ዚፈልጥ፡ ኪገብሮ ዚኽእል ካልእ ኣማራጺ ተግባር፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ልቦም ምእንቲ ኸይስረት፡ ነቲ ዝተነግሮም ቃል ገና ኸየስተውዓልዎ ኸለዉ ኺምንጥሎምዩ። ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ ኺበሃልውን ይከኣልዩ። ኪዝረብን ኪንገሮምን ከሎ ፈጺሞም ኣየስተውዓልዎን። ጐይታ ተሰቒሉን ሞይቱን ምስ ተቐብረ ኸኣ፡ኪትንስእዚብል ዝዀነ ትጽቢት ኣይነበሮምን። ንጐይታ ብዓይኖም ርእዮም ከም ዝተንስአ ንዘበሰርዎም ኺኣምንዎምን ኪቕበልዎምን ኣይከኣሉን።

“....ንግሆ ምስ ተንስአ፡ ....ንማርያም ብዓልቲ መግደላ ቕድም ተራእያ። ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ ነገረቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃንኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን።ማር 169-11

ካብ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም። ... እዚ ዘረባ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን።ሉቃ 249,11

ካብ ዝገደደ ኸኣ፡ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስዩ። እቶም ዓሰርተ ሃዋርያትን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ብዓይኖም ከም ዝረኣይዎ ነጊሮምዎ ኼብቅዑ፡ ባዕሉ ብዓይኑ እንተ ዘይርእይዎን ብኢዱ ነቝሳሉ እንተ ዘይዳህሲሱን ከም ዘይኣምን ኣቕበጸ። ምስ ረኣየ ግና፡ጐይታይን ኣምላኸይንኢሉ እንተ ተኣመነ ጐይታ ግና፦

ኣማኒምበር ዘይኣማኒን ኣይትኹን።....ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ግና ብጹኣንዮም።

ኢሉ ምስ ዘይኣመንቲ ሰርዖ (ዮሃ 2024-29) ጐይታና፡ እቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ኸለዉ ምስ ተጋህደ ኸኣ፦

ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምንዮምሞ፡ ስለ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ዘለፎም።ማር 1614

ክልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መገዲ ኤማሁስ ምስ ተራኸቦም ከኣ፡ ከም ዘይፈልጦምን ዘይፈልጥዎን ጋሻ ተመሲሉ ኣብ ዕላሎም ተጸምበሮም። ኵሉ ዕላሎም ከኣ ገና ብትንሳኤኡ ኸም ዘይኣመኑ ዜረጋግጽ ስለ ዝነበረ፦

ንሱ ድማ፡ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ ክርስቶስ ነዚ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ (ብትንሳኤ) ናብ ክብረቱ ኺኣትው ናይ ግዲ ኣይኰነን፧በሎም። ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ።ሉቃ 2425-27

እዞም ነቲ ቓል ተስፋ ብቐጥታ ኻብ ልሳኑ ዝሰምዕዎ፡ ዝጨነወ ሬሳ ኼተንስእ ከሎ ብዓይኖም ዝረኣይዎ ደቀ መዛሙርቱ ብትንሳኤኡ ኺኣምኑ ኽሳዕ ክንዲ እንተ ኣጸጊምዎም፡ እዞም ብምንባብን ኪስበኽ ብምስማዕን ጥራይ እንፈልጦኸ ደኣ እንታይ ኢና ንዀኖ፧ እቲ ኻብ ልቢ ናይቶም ምስ ጐይታ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ዝተዘርአ ቓል ኪምንጥል ዘይተጸገመን ዘይሓፈረን ሰይጣን፡ ንኣና ነዞም ልብና ብሓልዮት ሓዳርን ካልእ ምድራዊ ጒዳያትን ዝተጻበበ ሰባትከ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኼናሕስየልናዩ፧

ናይ ትንሳኤ ተስፋን እምነትን ኣብ ልብኻ ዘይምህላዉ፡ እንታይ ዝዓይነቱ ሳዕቤንን ጒድኣትን ዜስዕበልና፧ ጸብጺብካን ገሊጽካን ዚውዳእ ኣይኰነን። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ፡ ኵለንተናኡ ዚበላሸው። ካብ ኣተሓሳስባኡ ጀሚሩ ስምዒታቱ፡ ቃላቱ፡ ተግባራቱ ኣዝዩ ብልሹው ይኸውን።ትንሳኤ የለንማለት፡ተሓታትነትን ፍርድን የለንማለትዩ። ሕጊ ኣልቦነት እንተ ሰፊኑ፡ ፍርድን ተሓታትነትን እንተ ዘየልዩ ኸኣ፡ ሰብ ናብ ኣራዊትን ናብ ኣጋንንትን ዚልወጥ። ገሌና መንግስቲ ፈሪሱስ፡ ካልእ ዚትክኦ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ሕጊ-ኣልቦነት ሰፊኑ፡ ብዙሓት ወራዙትን ጭዋታትን ሰባት ዘይግበር ኪገብሩ ርኢና ንኸውን ኢና። ገሌና ግን እንተ ወሓደ ኣብ መሳዅቲ ቴሌቪዥን ተዓዚብናዮ ኣለና። ሽዑ ዘሎ ስርቂ፡ ዝምታ፡ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ዕንወት መግለጺ ኽትረኽበሉ ዀነ ንኽትኣምኖ ዜጸግምዩ። ንዅሉ ሰብ ወረጃ፡ ስነ ስርዓት ዘለዎ፡ እዱብ ገይሩ ዜንብሮ ዘሎ፡ ህላወ ሕግን ተሓታትነትንዩ።

ከም ኣብ ስጋዊ ዓለም፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለምውን ሕግን ተሓታትነትን ንሰብ ጻድቕን ቅዱስን ኰይኑ ኺነብር ዜኽእሎ። እቲከም ጐይታ ኻብ ሙታን ዝተንስኦ፡ ኣነውን ካብ ሞት ተንሲአ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ኢለ ኽፍረድ፡ ጻማ ጽድቀይን ፍዳ ኣበሳይን ክቕበልየ፡ዚብል እምነት ዘለዎ ሰብ፡ ህይወቱ እንታይ ከም እትመስል፡ ከይዘርዘርካዮ ኸለኻ ብሩህዩ። እቲ ንትንሳኤን ንፍርድን እናማዕደወ ዚነብር ሰብ፡ ሓሳባቱ ኸም ናይ ክርስቶስ፡ ቃላቱ ብጸጋ ዝተቓመመ ንሰማዕቱ ዚባርኽን ዚሃንጽን፡ ተግባሩ ዅሉ ድማ ግብሪ ጽድቂ ዚኸውን። ነታ ምድራዊት ህይወቱ፡ ነቲ ዘለኣለማዊት ህይወት ከም እተብቅዖ ገይሩ ዚነብራ። መርከበኛ ኣብ ጐደና ዘይብሉ ውቅያኖሳት ብሶላ (ኮምፖስ) ተጠቒሙ ናብ ዝደለዮ ዓዲ ኸም ዚኣትው፡ ክርስትያን ከኣ ኣብ መኣዝን ዘይብላ ዓለም ብተስፋ ትንሳኤ ተመሪሑ ጒዕዞኡ ብዓወት ዛዚሙ ናብ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው።

እቲ ኻብ ሞት ተንሲኡ፡ ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ከም ዚብል ዘይኣምን ሰብ ግን፡ ዜሰክፎ ዀነ ዜፍርሆ ነገር ስለ ዘይብሉ፡ ልጓም ከም ዘይብላ በቕሊ ናብ ዝደለዮ ዚፋንን። ዘይገብሮ ኽፉእ ነገር የለን። ብሓጢኣቱ ይዋዘይ፡ ክብረቱ ኣብ ነውሩዩ፡ ኣምላኹ ከብዱዩ፡ ጸላእ መስቀል ክርስቶስ ኰይኑ ኸኣ ይመላለስ (ፊሊ 318-19) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፡ ንሰብ ቈረንቶስ ከምኡ ዝጸሓፈሎም።

ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝዋጋእ ዘለኹ ከም ባህርይ ሰብ (for merely human reasons) እንተ ዀይኑ ደኣ እንታይ ረብሓይ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም ግና ከምቲ፡ዒራ ጽባሕ ክንመውት ኢና ንብላዕ ንስተይዚብልዎዶ ኣይኰነን። 1ቈረ 1532 .

እዚንብላዕ ንስተይዚብል ኣበሃህላ፡ ዕብዳንን ስኽራንን ንኼስምዕምበር ነዚ ዅሉ ሰብ ዜዘውትሮ ንቡር ብልዕን መስተን ዜመልክት ኣይኰነን። ተስፋ ትንሳኤ እንተ ዘየልቦ ዕንደራ ጥራይ ዚዕብልል። ዋላ ሕጊ-ሰብ ዜፍርስ ገበን እንተ ዘይገበርካኳ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ግን ንብምሉኡ ኢኻ እተፍርሶ። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ፡ ኣእምሮኡ እምብዛ ሕሱር ስለ ዝዀነ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ኪሓስብን ኪገብርን ኣይክእልን (ሮሜ 124-25,28-32 ገላ 519-21 1ቈረ 69-11 1ጢሞ 19-10 2ጢሞ 31-7 ራእ 218 2215) ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ንኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ ዝዀኑ፡ ተስፋ ትንሳኤ ዘይነበሮም ኣህዛብ ብስእላዊ መገዲ፡ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎም ኣሎ።

ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ።ኤፌ 418

ደረጃ ናይ ተስፋኻ ድማ ምስ ዓይነት ህይወትካ ቐጥታዊ ተዛማድነት ኣለዎ። ተስፋ ትንሳኤኻ ኣዝዩ ልዑል ምስ ዚኸውን፡ ህይወትካ ድማ ብእኡ መጠን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ቕድስና ትዓርግ። ኣብ ቅንያት ትንሳኤን፡ ትንሳኤን ፍርድን ጠቀስ ስብከታት ክትሰምዕ ከለኻ ጥራይ እትዝክሮ እንተ ዄንካ ግና፡ ካብ ቍምነገርካ ጽያፍካ ዚበዝሕ ክርስትያን ኴንካ ትርከብ ማለትዩ። ስለ ብሓቂ ብዅሉ ኣካይዳናን ብትንሳኤናን ክንረብሕ እንተ ዄንና፡ ንትንሳኤ ኸም ኮምፓስ (ብሶላ) ህይወትና ጌርና ኽንርእዮ፡ ንዅሉ ዘረባናን ተግባርናን፡ ሓሳባትናን ስምዒትናን ብእኡ ኽንገርሖን ክንመርሖን ይግብኣና።

ትንሳኤ ክርስቶስ ብኸመይ ኽሳዕ ክንድ ዓብይ ጾር ዜሰክመና፧ ጐይታና፡ ከም ምእንታና ኢሉ ሰብ ዝዀነን ዝሞተን፡ ትንሳኤኡውን ምእንታና ዝተፈጸመ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂዚ፦ ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስአ።

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 425) ዋጋ ሓጢኣትካ ስለ ዝተኸፍለ ጥራይ ጻድቕ ክትከውን ኣይከኣልንዩ። ክርስቶስ ጐይታና፡ ነቲ መሪርን ከቢድን ዋጋ ሓጢኣትና ብሞቱ ኸፊሉ ኼብቅዕ ካብ ሞት ከይተንስአ እንተ ዚተርፍ፡ እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ከንቱ ዀይኑ፡ ገና ሓጢኣትና ኣብ ዝባንና ምሃለወ ነይሩ። እቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ፦

ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም።ዚብል ቃል ንዘክሮ (1ቈረ 1517 .) ካብ ብሰሪ ሓጢኣት ዝኣተናዮ መንፈሳዊ ሞት፡ ብሓይሊ ትንሳኤኡ ኢና ንናገፍ። ሓይሊ ትንሳኤኡ ብኸመይ ከም ዚረድኣና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸም ዚስዕብ ኣረጋጊጹልና ኣሎ፦

ንስኻትኹም ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ ኣልዩስ ብመንፈስምበር ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና ናይ ክርስቶስ ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ደኣ ኣልዩ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ስጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት ምዉትዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እግዚአብሔር ስለ ዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ። መንፈስ ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ (ኣቦ) ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን በቲ ኣባኻትኹም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ ህያው ኪገብሮዩ። እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፡ ከም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኹም ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።ሮሜ 89-13 .

እዚ ኽፍሊ ንባብ ዚዛረበሉ ዘሎ ሞት፡ ኰነ ህያውነት፡ ብዛዕባ ናብ መቓብር ዜእትወና ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን። ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞትን ህይወትን ዚዛረብ ዘሎ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞትን ህይወትን ኣብ ሮሜ 61-11 ብዝሰፍሐን ብዝነጸረን መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እቲምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲዚብል ሃዋርያዊ ቓል ብዛዕባ ብኣካለ ስጋ ዝሞቱ (physical death) ኣይኰነን ዚዛረብ (ቈሎ 31) ካብ መንፈሳዊ ሞት ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ተንሲእና እንተ ዄንና፡ ነቲ ናይ ምድሪ ሓዲግና ነቲ ናይ ሰማይ ኢና እንሓስብን እንደልን።

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።ቈሎ 31-3

ምእንቲ ጽድቅና ስለ ዝተንስኣልና፡ ምስኡ ዝተንሳእና እንተ ዄንና፡ ብሓጢኣት ክንነብር ኣይግባእንዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ መሊሱ ኸም ዘይሞተ፡ ንሕናውን ካብ መንፈሳዊ ሞት ምስኡ ድሕሪ ምትንሳእና፡ ተመሊስናን ደጋጊምናን ብሓጢኣት ክንመውት ኣይግባእን (ሮሜ 61-2) ነቲ ብሓጢኣት ኪቐትለና ዚደልይ ሰይጣን ኵሉ ጊዜእምቢእንብለሉ ዓቕሚ ኸነጥርይ ይግብኣና። ፈቲናን መሪጽናዮን ዘይኰነ፡ ብሰሪ ድኻም ስጋና ሓጢኣት ምስ ዚጠብቀና ድማ፡ ካብኡ እንሓውየሉን፡ መንፈሳዊ ህይወትናን ጥዕናናን እንሕልወሉ ምስጢረ ንስሓ ተሰሪዑልና ኣሎ። ሓጢኣት ኣብ ህይወትካ ዝፋን ተኺሉ ኣሳፊሑ እናገዝአ፡ ብስም ክርስትያን፡በዓለ ትንሳኤእናኽበርካ ምንባር ግን ህያው ክርስትያን ኣይገብርንዩ። ጐይታናኪትንስእ ይግብኦዝተባህለሉ፡ ንኣና ብሓይሊ ትንሳኤኡ ምእንቲ ኼጽድቕ ስለ ዝዀነ፡ በዓላትና ኣብ ጽድቂ ዄንና ነብዕሎ ኸም ዘለና ኸነረጋግጽ መንፈሳዊ ሓላፍነትናዩ። እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ምልስ ኢልና፡ ብምዉቱ ትንሳኤ ዜኽብር ክርስትያን ዲና፡ ወይስ ህያው ኰይኑ ትንሳኤ ዜብዕል ክርስትያን ኣርጊጽና ንፍለጥ። ነቲ ህያው ጐይታ ብመንፈስ ህያዋን ኴንና ነኽብሮምበር፡ ነቲ ቕዱስ በዓል ትንሳኤኡ መሕብኢ መንፈሳዊ ሞትና ኣይንግበሮ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሚያዝያ ፲፯, ፳፻፲፬  ግዕዝ (24 ሚያዝያ 2022 ).[ መበል 33 ሰንበት: ቊ.46/፵]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 15፡20-41 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ ግብ 2፡22-36 ዮሃ 20፡1-18 ዘዲዮስቆሮስ 

መዝ.፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮: “ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።

ዓዲ፡

መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭: “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

 

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div