S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕያዎት መገብቲ ጸጋ [መበል 32 ሰንበት: ቊ.45/፵፭]

ነፍሲ ወከፍ ከም እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።” 1ጴጥ 410 እዛ ቅድስቲ ዕለትዚኣ ሻምነይቲ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾምን ዕለተ ሆሳእናንያ። ሆሳእና ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣዝዩ ዓብይ ክብረ-በዓልዩ። ንመጀመርታ ጊዜ ጐይታና ብደረጃ ህዝቢ ዓብዪ ኽብሪ ዝረኸበሉ ዕለት ድማዩ። ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግሩ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ መዓልቲውንዩ። እዚ በዓል ውጽኢት ስራሕ መንፈስ ቅዱስዩ። ኣብ ዕለት ከተማ ዘናዓበ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኪህልው ዝሰርሐን ዝወደበን ሽማግለ (ኮሚቴ) ኣይነበረን።

ንጉስ ኣይሁድ ኪመጽእ ኣብ ጐደናታት ወጺእኩም ተቐበልዎኢሉ ዝኣወጀ፡ ዝጐስጐሰ ዝዀነ ይኹን ኣካል ኣይነበረን። ካብቶም ሮማውያን ገዛእቲ ንኸም ዝበለ ናይ ኣቀባብላ ህዝባዊ ሰልፊ ፍቓድ ዝሓተተን ዝረኸበን ሰብ ኣይነበረን። ተሓቲቶም እንተ ዚዀኑ ኸም ዝበለ መደብ ከም መንግስቲ ናይ ምግልባጥ ፈተነ (መፈንቅለ-መንግስት) ቈጺሮም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምተኸላኸልዎን ምጨፍለቕዎን ነይሮም። ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ሃይማኖታውያን ኰነ ፖለቲካውያን መራሕቱን፡ ንኢየሱስ ዚጸልኡምበር፡ ደለይቱን ደገፍቱን ኣይነበሩን። እቲ ዅነታት ኪግምገም ከሎምበኣር፡ ብደረጃ ህዝቢ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኽብሪ ኽትቅበል ዜኽእል ዝዀነ ይኹን ተኽእሎ ኣይነበረን። እሞ ኸመይ ኢሉ ደኣ ኪፍጸም ተኻእለ፧ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ ነዚ ጽምብል ዝወደበ ስዉር ኢድን ስልጣንን ከም ዘሎ ርዱእዩ። ኢድ ሰብ ከይሓወሰ፡ ብዘይ ኣዋጅ ብዘይ ድምጺ ኺገብር ዚኽእል ድማ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስዩ። ንቕዱሳን ነብያት ትንቢት ዚህቦም ንስ (2ጴጥ 121) ነቲ ባዕሉ ዝገለጾ ትንቢት ዚፍጽሞ ድማ ንሱ ባዕሉዩ። ኣብ ልዕሊ ፍጡራቱ ሉኣላዊ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብዅሉ ኸኣልነቱ፡ በቲ ኣብ ኵሉ ዚመልእ ምልኣቱ (Omnipotence & Omnipresence) ንልቢ ፈተውቱን ጸላእቱን ኣለዓዒሉ፡ ነዚ ቕዱስ ናይ ሆሳእና በዓል ሰርዐ። ንእግዚአብሔር ወልድ፡ ንጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣኽበሮ፡ ንእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ዘካርያስ ገይሩ ብዛዕባ ኽቡር ዕለተ ሆሳእና ተነብዩ ነበረ። እቲ ትንቢት ከኣ፦

ኣቲ ጓል ጽዮን (ኣቲ ኢየሩሳሌም) ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትንዩ። ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።” ዚብል ነበረ (ዘካ 99) እዚ ትንቢት ዚፍጸመሉ ዕለት ምስ ኣኸለ፡ ጐይታና ኣድጊ ኼምጽኡሉ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዘዞም። ከም ዝኣዘዞም ምስ ኣምጽኡሉ ድማ፡ ንሳቶም ኰኑ እቶም ህዝቢ፡ ክዳውንቶምን ጨናፍር ስየን እናንጸፉ ብሃንደበት ንግስነቱ ኺጽምብሉ ጀመሩ። እቶም ነዚ ዝረኣዩ ሮማውያን ገዛእቲ ኺቃወሙ ኣይተላዕሉን። እቶም ኪቃወሙ ዝተላዕሉ ኣይሁድ ድማ ኣይሰለጦምን። እቲ ህዝብን እቶም ደቀ መዛሙርቱንሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽእናበሉ ይዝምሩ ነበሩ (መዝ 11825,26) ብእብራይስጢሆሳእናማለትኣድሕንማለትዩ። ሆሳእና (ኣድሕን) ዚብል ቃል፡ ምሕጽንታዊ (ልመናዊ)’ምበር ጽምብላዊ ኣይኰነን። ካብ ምንታይ ኬድሕኖምዮም ዚምሕጸንዎ ዘለዉ፧ እቶም ህዝቢ ትርጕም ምሕጽንታኦም ዚፈልጥዎ ኣይመስሉንዮም። እቲ ደራኺኦም መንፈስ ቅዱስዩ። ንሳቶም ብዘይፈለጥዎ መገዲ ነቲ ጸሎት ካብ ኣፎም ዜፍስሶ ዝነበረ። (ሮሜ 826) ጐይታና ድማ ነቲ ኪድሕኑሉ ዚግባእ ሃለዋት ብኽልተ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ መግለጺኡ፡ እቶም ህዝቢ ንኽብሩ እናጸምበሉ ኸለዉ፡ ንሱ ግን ብምብካዩን፡ ብድጕዓ ብምልቃሱንዩ። ጐይታና ብዛዕባ ብሰሪ ሓጢኣቶም ዚጽበዮም ዘሎ መዓት የልቅስ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ከይተረድኦም ብመንፈስ ቅዱስ፡ኣድሕን ኰታእናበሉ ይልምኑን ይምሕጸኑን ነበሩ። ጐይታና ኸም ብምባል ዘልቀሰሎም፦

ኣየ! ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጻኪሞ፡ ኪኸብቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪዮም። ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክንዮም።ሉቃ 1942-44

እቲ ኻልኣይ፡ ጐይታና ንመንፈሳዊ ሃለዋት ናይ ህዝቢ ዝገለጸሉ መገዲ ኸኣ፡ በታ ንጥምየቱ ዜዐንግል ፍረ ዘይተረኽባ ኦም በለስዩ። እቲ ህዝቢ ንኣምላኽ ዜዕግብ ሓንቲ ፍረ ጽድቂ ኣይነበሮን። ስለ ከምታ ኦም በለስ ንጥፍኣት ዝተረግመ ህዝቢ ዀይኑ ነበረ። ንጽድቂ ንህይወት ዚኸውን ፍረ ደኣ ዘይፈረየምበር፡ ንሞት ዚኸውን ፍረስ ብብዝሒ ዜፍርይ ህዝቢ ነበረ። ጐይታና ካብ ሞት ዚፈርይ ሓጢኣት ምእንቲ ኼድሕነና መድሓንን ትሑትን ኰይኑ ብስጋ ዝተገልጸ።

ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌል ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ጐይታና፡ ጸጋ ኺምግበና ካብ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ስጋና ዝለበሰ። ነዚ ምስጢር ድማ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ፡ ክብረቱ ድማ፡ ከም ክብሪ ናይ ሓደ ወዲ ነቦኡ ረኣና።  . . .ሕጊ ብሙሴ ተዋሂቡ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምበኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።ዮሃ 114,16,17

ጸጋ፡ ገና ኻብ ዓለም ዝተፈጥረትሉ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ እንተ ዀነ፡ ብምልኣት ዝተገልጸ ግና፡ ጐይታና፡ እቲ ስግው መለኮት፡ ኣብ ማእከልና ኺነብር ምስ ጀመረዩ። ካብ ጐይታና ብኣካለ ስጋ ዝተገልጸላ ዘመን ጀሚሩ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ምልኣት ጸጋ  ተዓዲሉዩ። ነዚ ሓቂ ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት ብኸም ዚስዕብ ኣረጋጊጾምልናዮም።

ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ጸጋ ተዋሂቡዩ።ኤፌ 47

ከም እተዋህበና ጸጋ፡ በበይኑ ዝዀነ ውህበታት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ . . .ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ።ሮሜ 126,7

ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ።ቲቶ 211

ከም ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ናባና ኣውሓዞ።” ኤፌ 18-10

ኣብ ርእሲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፡ ጸጋ ጐይታና ኣባይ ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ።” 1ጢሞ 114 .

እግዚአብሔር ብዓቕሚ ስጋና ንእኡ ኸነኽብር ንርእስና ድማ ከነጽድቕ ከም ዘይንኽእል ስለ ዝፈለጠ፡ ነቲ ንዅሉ ኽንገብር ዜኽእለና ጸጋኡ፡ ኣብ ልዕሌና ኣዕዚዙን ኣውሒዙን፡ ንድሕነትና ኽዉንን ዚከኣልን ገበሮ። ስለ ድማ ኵላቶም ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብጸጋ ኸም እንጸድቕ ደጋጊሞም ገለጹልና (ኤፌ 25,8,9 ግብ 1510,11 ቲቶ 34,5 1ጴጥ 13 ሮሜ 58 320,24,27) እቲ ኣዝዩ ዜገርምን ኣዝዩ ዜሐጕስን ድማ፡ ኣበሳና ብዝበዝሐ መጠን ንጸጋኡ ብዝያዳ ዜውሕዞን ዜዕዝዞን ምዃኑዩ። ከም ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ናይ ሰብ እንተ ዚኸውን፡ ሰባት ንሓጢኣቶም ብዜብዝሕዎ መጠን ንጸጋኡ ኼውሕዶን ካባና ኬርሕቖን ምመረጸ ነይሩ። ብዘይ ጸጋኡ ዝዀነ ተስፋን ዓቕምን ከም ዘይብልና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጥ፡ ንሓጥኣትና ምኽንያት (ወይ ምስምስ) ምእንቲ ኪኸልእ፡ ኣብ ኣበሳ ዚበዝሕ ጸጋኡ ኣዝዩ ኼዕዝዝ ብሕያውነቱ መኸረን ወሰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ፦

ኣበሳ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ። ኣብ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። ከም ሓጢኣት ብሞት (ገይሩ) ዝገዝአ፡ ጸጋውን ከምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና (ገይሩ) ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእዩ።ሮሜ 520,21

እምበኣር እግዚአብሔር ጸጋኡ ኣዕዚዙ ብምሃብ፡ ጽድቂ ኣብ ህይወትና ኸም ትገዝእን፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም እትህበናን ከም ዚገብር፡ እቲ ህያው ቃሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ዋሕዚ ጸጋ ፈሲሱሉ ኼብቅዕ ንጽድቂ ኺግዛእን ጽድቂ ኺፈርይን ዘይከኣለ ሰብ፡ እቲ ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ዝነዓቐን ዘባኸነን ሰብዩ። እቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ ኣባኺንካ ድማ ደሓን ክትረክብን ካብ ተሓታትነትን ክትድሕንን ከቶ ኣይከኣልንዩ። ስለ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኸም ዚስዕብ መጠንቀቕታን ኣርኣያን ሂቡና ኣሎ።

ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ (ኣምላኽ) ኴንና ንምዕደኩም ኣለና።” 2ቈረ 61

እቲ ዘለኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ ዘለኹ፡ ካብ ኵላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩምበር፡ እቲ ንኣይ ዝተዋህቦ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ ደኣምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን (ዝገብሮ ዘለኹ)” 1ቈረ 1510

ንሕናኸ ብኸመይ ኢና መገብቲ ጸጋ ኽንከውን እንኽእል፧ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ካብ ናባና ዝፈሰሰ ዋሕዚ ጸጋ ዝተላዕለ መገብቲ ጸጋ ናይ ምዃን ክብሪ ተቐቢልና ኢና። እዚ ሃዋርያዊ ኣበሃህላዚ፡ እቲ ዝተዋህበና መጠን ጸጋ ብዙሕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ንርእስና ኣኺሉስ ንኻልኦትውን ጸጋ ኽንምግቦም ከም ዜኽእለና ዜረጋግጽዩ። ስለ ብሕያውነት ተደሪኽና በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ንኻልኦት ክንምግብ እንተ ዘይክኢልና ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ነባኽኖ፡ ከንቱ ንገብሮ ኣለና ማለትዩ። ዚበዝሕ ጊዜመጋቢነት ጸጋ ኣምላኽንሃዋርያት፡ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዝተዋህበ ጌርና ኢና እንርድኦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ነቲ ዝጽሓፎ መልእኽትታት ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ ንዅላተን ኣብያተ ክርስትያንን ምእመናንን ዝጸሓፎ (1ጴጥ 11 2ጴጥ 11) እቲ ብመራሕትን ኣገልገልትን ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ እንምገቦ ጸጋ (ምስጢራት) ክንፍጽም ይግብኣና ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ዚገሃድ ጸጋ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ዝበዝሐን ዝዓበየንዩ። ኣብ ሰፊሕ ክፋል ናይ ህይወትና፡ ንሓድሕድና ብጸጋ እንመጋገበሉ ማእለያ ዘይብሉ ዕድላት ኣሎና። ነዚ ዕድላት ኸም ዚግባእ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ናይ ብሓቂ እሙናት መገብቲ ጸጋ ዄንና ኣለና ማለትዩ። ዚበዝሕ ግዜ ግና ጸጋ እንታይ ምዃኑውን ስለ ዘይንፈልጥ፡ ነቲ ብቑዓት መገብቲ ጸጋ ናይ ምዃን ተኽእሎና የጽብቦ ኣሎ። ጸጋ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ወይ ሓደ ንብረት ኣይኰነን። ካብ ኣምላኽ ብኸምኡ (ብነጻ) ዝተቐበልናዮ ዘይግብኣና ዘበለ ዅሉ፡ ጸጋዩ። እቲ ጐይታ ዝመገበና ምልኣት ጸጋ፡ ብቓላትና፡ ብባህርይናን ብግብርናን ኢና እንገልጾ። ብኸመይ መገብቲ ጸጋ ኸም እንኽውን ገለ ሒደት ኣብነታት ክንርእይ ሰናይዩ።

ቀዳማይ ኣብነትና፡ ቃላትዩ። ሓደ ሰብ ንዘጋጠምዎ ዅላቶም ሰባት ሰናይ ዝዀነ ቓላት ኪዛረብ ከሎ፡ ነቶም ሰማዕቱ ጸጋ ኣምላኽ ይምግቦም ከም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ንነፍሲ ወከፍ ብቑዕ መልሲ ሂብኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኣዘራርባኹም ኵሉ ሳዕ ብጸጋ ዝመልአ፡ ብጨው ዝተቓመመ ይኹን።ቈሎ 46 .

እምበኣር ኵልና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝዀንና ነፍሲ ወከፍ ሓሶት ምዝራብ ገዲፉ ምስ ብጻዩ ሓቂ ይዛረብ። . . . እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ከከም ዜድልዮም ከኣ ኪሃንጾም ዚኽእል ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። ብዘሎ ምርረትን ነድርን ቍጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን፡ ምስ ኵሉ ኽፍኣት ካባኻትኩም ይርሓቕ። ኤፌ 425,29-31 .

ካብ ሃዋርያዊ ቓል ብንጹር ከም እንርድኦ፡ ሰናይን ሃናጽን ዘረባ፡ ናይ ጸጋ ቃልዩ። ስለ ከም ዝበለ ቃል ጸጋ ኽንዛረብ ከለና፡ ሕያዎት መገብቲ ጸጋ ንኸውን ኣለና ማለትዩ። እቲ መቕደሱ ዝገበረና መንፈስ ቅዱስ ከኣ ጸጋ ኣምላኽ ስለ ዘየባኸንና ብኣና ይሕጐስ። ብኣንጻሩ ሓሶት፡ ጸርፊ፡ ናይ ነድርን ቍጥዓን ቃላት ክንዛረብ ከለና ድማ፡ ነቲ ሰማዒና መርዛም ሓጢኣት ንቕልቦ፡ ንክርስቶስ ጐይታና ዘይኰነስ ነቲ ጸላኢና ድያብሎስ ነገልግል ከም ዘለና ነስተውዕል። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን ነቲ ጽቡቕ ዚዛረብ ሰብ፡ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ ሰብኢሉ ዚገልጾ (ምሳ 2211) ቃል-ኣምላኽ ንርእሱ ጸጋ ስለ ዝዀነ፡ ንሓድሕድና ቓል-ኣምላኽ ክንዘራረብ ከለና ሕያዎት መገብቲ ጸጋ ናይ ምዃን ሓላፍነትና ኸም ዚግባእ ንፍጽም ምህላውና ንፍለጥ።

ካልኣይ ኣብነትና ድማ ናይ ትዕግስቲ ባህርይዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪብድለና ኸሎ፡ ብናይ ክርስቶስ ትዕግስቲ እንተ ተዓገስናዮ፡ እታ ዓባይ ጸጋ ዝዀነት ትዕግስቲ ክርስቶስ መጊብናዮ ማለትዩ፡ ኵሉ ሰብ ንእግዚአብሔር ዚብድል ሓጥእዩ። እግዚአብሔር፡ ሓጢኣት ብዝፈጸምና መጠን ኣየጥፍኣናን፡ ኵሉ ጊዜውን ኣይቀጽዓናንዩ። ብትዕግስቱ ዚጾረና (ሮሜ 322-26 2ተሰ 35 ሉቃ 2119 እብ 1032-36) ትዕግስቱ ድማ ንኣና ጸጋናዩ። ኪዕገሰና ኸሎ ጸጋኡ ዜውሕዘልና ዘሎ። ንሕና ንዝበደሉና ብትዕግስቲ ክርስቶስ ክንዕገሶም ከለና፡ ኸኣ ንኣምላኽ መዓይይቱ ዄንና ጸጋ ኣምላኽ ንምግቦም ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ብኣንጻሩ ትዕግስቲ ተጸዪፍና፡ በቲ ሰይጣናዊ ባህርያት፡ ብምርረት፡ ብምኽሳስ (ብምንቃፍ) ብጽልእን ቂምታን፡ ብምህረምትን ጸርፍን ክንዋሳእ እንተ መሪጽና ግን ነቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ነባኽኖ፡ ነቲ ናይ መጋቢነት ጸጋ ተልእኾና ነፍርሶ ኣለና ማለትዩ። ዘይምዕጋስና ኽሳዕ ክንዲ ዓብዪ ብኵራትን በደልን ክነሱ፡ ንሕና ግን በቲ ዝወረደና በደል ኣመኽኒና፡ ነቲ በደልና ኸነፋዅሶ ንፍትን፡ ናብ ንስሓ ኽንድረኽ ኣይንረኣይን። ብኣንጻሩ ነቲ ሓጢኣትናስ ካልኦት ንኸይደፍሩና ኸም መከላኸሊ ኽንጥቀመሉ ንረኣይ። ሽዑ ድማ እቲ ማሕተም ድሕነትና ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣዝዩ ይጕህይ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ ብኵራት ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኸኣ ከቶ ኣይንዘንግዕ። ብዛዕባቶም ካልኦት፡ ከም ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ይቕሬታ፡ ሕያውነት ዝኣመሰሉ መንፈሳውያን ፍረታትውን ተመሳሳሊ ርድኢት ኪህልወና ይግባእ።

ሳልሳይ ኣብነትና ጌርና እንርእዮ ድማ ንጽጉማት ምርዳእዩ። ኣብ ከቢድ ሓዘን ንዘለዉ ሰባት ኬድካ ምጽንናዕ፡ ንዝሓመመ ምጽንናዕን ብዜድልዮ ምድጋፍን፡ ንእሱር ምብጻሕን ምጽንናዕን ንኣረጋውያን፡ ንስደተኛታት፡ ንድኻታት ከም ኣካል ሰብነትካ ቈጺርካ ብቓላት ምጽንናዕ፡ ብኣካል ተረኺብካ ብዜድልዮም ምግልጋል፡ ዝጐደሎም ምምላእ፡ ናይ ሕያዋይ መጋቢ-ጸጋ ተግባርዩ። ንሕናንጥምየቱ ምግቢ፡ ንዕርቃኑ ልብሲኸም ዝሃብና ኢና እንርዳእ። እግዚአብሔር ግና በቲ ዝሃበና ናይ ቃላት፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ንብረት፡ ናይ ጕልበት፡ ናይ ጊዜ ጸጋ ተጠቒምና ጸጋ ኸም ዝመገብናዮምን፡ ሕያዎት መገብቲ ጸጋ ኸም ዝዀንናን ዚርእየናን ዚቕበለናን። ናይ ዅሉ እንገብሮ ዝርዝራት ብዙሕ ኪኸውን ይከኣልዩ። ኣብ ዓይኒ እግዚአብሔር እትረኣየሉን ብልሳኑ እትግለጸሉን መገዲ ግና ሓንትን እንኮንያ። ንሳ ድማጸጋ መጊቡእትብልያ። ገንዘብ እንተ ሂብካ፡ እቲ ዝሃብካዮ ገንዘብ ናይ ኣምላኽ ጸጋ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ዝሃበካ ጸጋ እሙን መጋቢ ኸም ኸም ዝዀናካ ዚርዳእ። ስለ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ፡ኣታ ሕያዋይ እሙን መጋቢኢሉ ዜመጕሰካን ዚፈድየካን ማለትዩ። ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና ምስ ሰባት ክንራኸብን ክንዋሳእን ከለናምበኣር፡ካብ እግዚአብሔር ዝሃበኒ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታት፡ ነዚ ሰብ በየናይ ጸጋ ኸገልግሎ፧ኢልና ብምሕታት ሕያዎትን እሙናትን መገብቲ ጸጋ ንምዃን ዕቱባትን ግዱሳትን ክንከውን ይግብኣና። ሃዋርያ በርናባስ፡ ናብ ቐዳመይቲ ናይ ኣንጾክያ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከደ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ምእመናንን ብጸጋ ተመሊኦም፡ ናይ ጸጋ ናብራ ኺነብሩ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተሓጐሰሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መዓዶም (ግብ 1123,24) ሃዋርያ ኣጵሎስ ካብ ኤፌሶን ናብ ኣካይያ ምስ ከደ ድማ፡ ነቶም ምእመናን ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም (ግብ 1827)

እዚ ቕዱስ በዓልብስም እግዚአብሔር ብሩኽእናበልና ነቲ ብምልኣት ጸጋ ኺምግበናን፡ ኪጓስየናን ኬድሕነናን ዝመጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነኽብረሉ በዓልዩ። ክርስትያን ምዃን ማለት ድማ ብዅለንትናኻ ንክርስቶስ ምምሳል ካብ ኰነ፡ ከም ጐይታና በቲ ምልኣት ጸጋኡ ዘገልገለና፡ ንሕና ድማ በቲ ኻብ ምልኣቱ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ንሓድሕድና ኸነገልግል ይግብኣና። በቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ንሓድሕድና ኸነገልግል ይግብኣና። በቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ንሓድሕድና ዘይነገልግል ክነስና፡ ነቲ ብጸጋኡ ዘገልገለና ጐይታ ሆሳእና እንተ ኣብዓልናሉ እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ሆሳእናማለትኣድሕንዝትርጕሙ ምሕጽንታዊ ቓል ምዃኑ ኣቐዲምና ገሊጽና ኢና። ሓደ ኻብ ኼድሕነና ኽንልምነሉ ዚግብኣና ጸሎት፡ በቲ ብሕያውነቱ ዘውሓዘልና ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታት፡ ንሓድሕድና ኻብ ምግልጋል ከይንበኵርዩ። ምኽንያቱ እዚ ሎሚ ኸም ዋዛ ርኢና እነባኽኖ ዘለና ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ኽቡር ጸጋ፡ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምስ በልና፡ናይ ብሞተይ ዘውሓዝኩልካ ጸጋ ጸብጻብ ኣቕርበለይተባሂልና ኽንሰግራ ዘይንኽእል ሕቶ ኽትቀርበልናያ። እቶም ብጸጋኦም እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ፡ መዳርግቲ ኣልቦ ኽብሪ ኪቕበሉዮም። እቶም ጸጋኦም ኣባኺኖም፡ ብሓጢኣት ንሰይጣን ዘገልገሉ ግን፡ መለሳ ዘይርከቦ ጸበባ ይጽበዮም ኣሎ። እምበኣር ንለብም ጸጋና ነለልይ፡ በቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ድማ ነቲ ወሃቢ ኣምላኽን፡ ንሓድሕድናን ነገልግለሉ፡ እሙናትን ሕያዎትን መገብቲ ጸጋ ደኣ ንኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሚያዝያ ፲, ፳፻፲፬  ግዕዝ (17 ሚያዝያ 2022 ).[ መበል 32 ሰንበት: ቊ.45/፵]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 9፡11-ፍጻመ 1ጴጥ 4፡1-11 ግብ 28፡17-23 ዮሃ 5፡15-29 ዘጎርጎርዮስ

መዝ ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “ቡሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር። ባርክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።”

“እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።”

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div