S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሞት ዚኸውን ፍረ [መበል 31 ሰንበት: ቊ.44/፵፬]

ኣብ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተላዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ።ሮሜ 75 .

እዛ ሰንበትዚኣ፡ ናይ ሒዝናዮ ዘለና ዓብይ ጾም ሻብዓይቲ ሰንበትያ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ፡ኒቆዲሞስተባሂላ እትጽዋዕ። እዛ ሰንበትዚኣ ብስም ሰብ ዝተጸውዓትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ልደት ብጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ምስጢር፡ ነዚኒቆዲሞስዝተባህለ ሰብኣይ ስለ ዝተገልጸዩ። ኒቆዲሞስ ዜግነቱ እስራኤላዊ ዀይኑ፡ ብእምነቱ ኸኣ ፈሪሳዊ ሰብዩ። ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ናይ ፈሪሳዊውን ነበረ። ንፈሪሳዊ ሰብ ብክርስቶስ ምእማን ኣዝዩ ኸቢድ ዝነበረ። ዮሃንስ መጥመቕ ኰነ ጐይታና ባዕሉ፡ ኪኣምኑ ዘይክእሉ እኩያት ኣትማን ምዃኖም ይገልጽዎም ነበሩ (ማቴ 37-9 1234 2329-33 ዮሃ 538-47) ትምህርቶም ካብ መገዲ ሓቂ ዜርሕቕ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታናካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑእናበለ የጠንቅቕ ነበረ (ማቴ 165-12 231-28) እዚ ኒቆዲሞስ ዝተሰምየ ፈሪሳዊ ሊቅ ግና፡ ካብ መርዛም ትምህርትን ህይወትን ተናጊፉ፡ ንእምነት ዝተኣዘዘ ሰብ ኪኸውን ተዓደለ። ካብ ሕብረት ፈሪሳውያን ኪፍለይ ስለ ዘይደለየ ግን፡ ንጸልማት ጕልባቡ ገይሩ ብለይቲ እናመጸ ንበይኑ ዀይኑ ካብ ክርስቶስ ይመሃር ነበረ (ዮሃ 31-21) እቲ ነዚ ጽምኣቱ ዝረኣየ ጐይታ ድማ፡ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ንዝዀነ ሰብ ዘይገለጾ ምስጢር ገለጸሉ። እዚ ምስጢር ድማ ብዛዕባ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዚርከብ ሓድሽ ልደት (ሰማያዊ ልደት፡ ካልኣይ ወይ ዳግማይ ልደት)’ (ማቴ 1928 ቲቶ 35 ሮሜ 814-17 ገላ 44-7 ኤፌ 15,6 1ዮሃ 31,10) እዚ ኒቆዲሞስዚ፡ ኣብ ጕባኤ ፈሪሳውያን ንክርስቶስ ኬኽፍእዎን ኪቐትልዎን ኪመኽሩ ከለዉ ስለ ዝተቓወሞም ላግጽን ምቅላልን በጺሕዎ (ዮሃ 745-53) ጐይታና ኣብ መስቀል ምስ ሞተ ምስ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ ኰይኑ ዝገነዘን ዝቐበረን ዕዉት ሰብዩ። ኣብ እዋንቲኣ እቶም ሕሩያት ሃዋርያቱኳ፡ ነዛ ሕያውነትዚኣ ኺገብሩሉ ኣይተኻእሎምን። ብዘይካ ምግናዝ ከኣ፡ ንመግነዚኡን መቕበሪኡን ዚኸውን ሚእቲ ነጥሪ (ሰላሳን ሓደን ኪሎ ግራም) ዚኣክል ከርበን ዓልወን ሒዙ ዝመጸ ሰብ (ዮሃ 1939-42) ምስ ኸምኡ ሕቡእ ወደ መዝሙር (ዮሴፍ) ኰይኑ፡ ነቲ፡ብሞቱ ግና ምስ ሃብታማት ኰነዚብል ናይ ነብዪ ኢሳይያስ ትንቢት ዝፈጸመ ዕዉት ወደ መዝሙር (ኢሳ 539)

ንሞት ዚኸውን ፍረዚበሃል ዘሎ እንታይዩ፧ ሞት ዚወልድ ፍረ፡ ብርግጽ ሓጢኣትዩ። ንሓጢኣት ምስ ፈጸምካዮ ብኡንብኡ መንፈሳዊ ሞት ይወልደልካ። ብስጋ ብህይወት እናሃለኻ፡ ብመንፈስ ምዉት ትኸውን ማለትዩ። ገና ብህይወት እናሃለና ሓጢኣት ምዉታት ከም ዚገብረና ቓል እግዚአብሔር ደጋጊሙ የረጋግጸልናዩ።

ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ነበርኩም። ብናይ ዓለም ክፉእ መገዲ ትነብሩ ነበርኩም። ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚአብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ዚመልኽ ርኹስ መንፈስ፡ ሓለቓ ገዛእቲ-ኣየር ትእዘዙ ነበርኩም። . . .ንኣና ብበደልና ምዉታት እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና።ኤፌ 21,2,5 .

ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን ብኣበሳኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።ቈሎ 213

ጐይታናውን ነቶም ዚጻረርዎ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ሓጢኣት ሞት ዚወልድ ፍረ ምዃኑ ኣግሂዱ ነጊርዎምዩ።

ኣነ እኸይድ ኣለኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። . . .ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹምሞ፡ ስለየ፡ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹምዝበልኩኹም።ዮሃ 821,24

ስለ ሓጢኣት፡ ገና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት እናሃለኻ፡ ብመንፈስ ግና ምዉት ዚገብር ምዃኑ ካብ ዝጠቐስናዮ መልእኽታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ሞት እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞትዩ።

ፍረ ሓጢኣት ግና በዚ ቐዳማይ ሞት ጥራሕ ኣይድረትንዩ። ካልኣይን ዝኸበደን ሞት ድማ የስዕበልናዩ። ድሕሪ ምጽኣት ጐይታናን ትንሳኤ ዘጕባኤን፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር-ፍርዲ ኣምላኽ ደው ኢልና፡ ነፍሲ ወከፍና ኸከም ግብርና ኽንፍረድ ኢና። እቶም ከይተነሳሕና ምስ ሓጢኣትና ዝሞትና ኸኣ፡ ሽዑ ንዘለኣለማዊ ሞት ክንፍረድ ኢና። እዚ ሞት ኸም ናይ ስጋ ሞት፡ ናይ ድቃስ ሞት ኣይኰነን። ብስጋን ብነፍስን ህያዋን ኴንና፡ ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም እንሳቐየሉ ሞትዩ። ካብ ሞት ዚኸፍእ ካልእ ቃል ስለ ዘየለምበር፡ ካብ እንፈልጦ ስጋዊ ሞት ኣዝዩ ዝኸፍአዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ሞትካልኣይ ሞትኢሉ ሰምይዎሎ።

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞትዩ።በለኒ።ራእ 218

ኣብ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስንዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱዮምምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።ራእ 206

“. . .እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጕዳእንዩ።ራእ 211

ብመሰረቱ ዓስቢ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ሞት ምዃኑ፡ ዓስቢ ጽድቅን ቅድስናን ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ።

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞትዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወትዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኹም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑሎ፡ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወትዩ።ሮሜ 622,23

እምበኣር ካብ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ቓል፡ እቲንሞት ዚኸውን ፍረዚበሃል ዘሎ ሓጢኣት ምዃኑ፡ እቲ ፍሪኡ ንቕድስናን ዘለኣለማዊ ህይወትን ኰይኑ ዘሎ ድማ፡ ንኣምላኽ ምግዛእን ምእዛዝን፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ጽድቂ ምግባር ምዃኑ ብንጹር በሪሁልና ኣሎ።

ብህይወት ክንነብር ንደልይ ክነስና፡ ንምንታይ ኢና ንሞት ዚኸውን ሓጢኣት ንፈርይ ዘለና፧ ንሓጥኣት ከነውግዶ ኣይምተኻእለንዶ፧ ይከኣል!! እንታይ ዓይነት ፍረ ኸም ንፈርይ ዚውስኖ፡ እቲ እንነብሮ ዓይነት ናብራ ምዃኑ፡ እቲ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኣሎ። ንሞት ዚኸውን ናይ ሓጢኣት ፍረ ዚፈርይ፡ እቲ ብስጋ ዚነብር ሰብዩ። ብስጋ ንዚነብር ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስናስጋዊኢሉ ዚጽውዖ።ብስጋ ምንባርወይስጋዊ ምዃንማለትንስጋኻ ኢልካ ጥራሕ እትነብር ሰብ ምዃንማለትዩ።ብመንፈስ ምንባርወይመንፈሳዊ ምዃንማለት ከኣ፡ ንስጋኻ ገዲፍካ ንመንፈስካ ኢልካ ምንባር ማለትዩ። እቲ ብስጋ ዚነብር ስጋዊ ሰብ፡ ብትምኒት ስጋ (ፍትወት ስጋ) ብኻልእ ኣዘራርባ ብትምኒት ሓጢኣት ዚመላለስን ዚምራሕን። እቲ ብመንፈስ ዚነብር መንፈሳዊ ግና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብፍቓድ ኣምላኽ ዚምራሕን ዚነብርን።

ኣባና ብመንፈስምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድልየት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ (ብክርስቶስ) ኪምላእዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋዮም ዚሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማሞ፡ ስለ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞትዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምንዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ (ኬሕጕስዎ) ኣይኰነሎምንዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተልዩስ፡ ብመንፈስምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኩም እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።ሮሜ 84-9

እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና ብህይወት ክትነብሩ ኢኹምሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን (ግዴታ የብልናን)ሮሜ 812,13

ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበሉም ኣይኰነለይንዩ። ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም ዕጹም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንእን ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧” 1ቈረ 31-3

ኣነ ግና <ብመንፈስ ንበሩ፡ ትምኒት ስጋ ኸኣ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡> እብለኩም ኣለኹ። ከመይ ትምኒት ስጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲዩ። መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ስጋ መጻርርቲዩ። ስለ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ኽልቲኦም መጻርርቲዮም። . . .ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ (ብስጋ ብምንባር፡ ግብሪ ስጋ ብምግባር) ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለይ።ገላ 516,17,25,26 .

ብስጋ ናይ ዚነብርን ብመንፈስ ናይ ዚነብርን ሰብ ፍረ እንታይ ምዃኑ ድማ ብንጹር ተዘርዚሩልና ኣሎ (ገላ 518-24) ስለ ዓይነት ናብራኻ ከይለወጥካ፡ ዓይነት ፍረኻ ክትልውጥ ኣይከኣልንዩ። ብትምኒት ስጋኻ እናተመራሕካ፡ ግብሪ ጽድቂ ኽትገብር ፈጺምካ ኣይሕሰብንዩ። ትእዛዝ ኣምላኽ ከቢድ ኰይኑ ዚስምዓና ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ብስጋ እንምራሕ፡ ትምኒት ስጋኻ ጥራሕ ክንገብር እንደልይ ሰባት እንተ ዄንና፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ስጋዊ ድሌትና ዚጋጨው ኰይኑ ስለ እንረኽቦ ምፍጻሙ ዓቐብ ይዀነና። ስለ ነቲ ሞት ዜስዕበልና ሓጢኣት ንመርጽ ማለትዩ። ብኣንጻሩ ህይወት ዚህብ ፍረ ኽንፈርይ ንደልይ እንተ ዄንና ግና ትእዛዝ ኣምላኽ ደስ ኢሉና ኢና እንገብሮ፡ ዕረፍቲ ዚህበና ተግባር ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ስለ ዓይነት ምርጫናዩ፡ ንዓይነት ፍሬና ዚውስኖ። ህይወት ኪረክብ ዚደልይ ጽድቂ ይፈርይ፡ ሞት ኪረክብ ዝደልይ ድማ ሓጢኣት ይፈርይ።

ኣብ ሰብነትና ትምኒትን ሓጢኣትን ዘለዎም ዝምድና እንታይዩ፧ ሰብነትና (ስጋ) ልክዕ ከም ግራትዩ። ዝዘራእካሉ ዜብቍል ፈራዪ ግራትዩ። ትምኒት ስጋ (ፍትወት ስጋ) እንተ ዘራእካሉ ኣኻዕቢቱ ሓጢኣት የፍርይ፡ ቃል ኣምላኽ (ፍቓድ ኣምላኽ) እንተ ዘራእካሉ ድማ ኣብዚሑ ጽድቂ ይፈርይ። ጐይታና ንኣና ንሰማዕቲ ብኣርባዕተ ዓይነት ግራት ዝመስለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ (ማቴ 133-23) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ ኢኹምኢሉና (1ቈረ 39) ስለ ኣብ ልዕሊ ስጋና ትምኒት ስጋ ኺመልኽ (ኪገዝእ) እንተ ፈቒድናሉ፡ ንፍረ ሓጢኣትና መዕገቲ ኣይርከቦንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብትምኒት ስጋ ዚግዛእ ሰብ ህይወቱ እንታይ ከም ዚመስል ኪገልጽ ከሎ ብኸም ዚስዕብ ኣብሪህዎ ኣሎ።

“(ሰናይ ናይ ምግባር) ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣለኹሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘለኹ። ስለ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣትምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። . . .ብናይ ውሽጢ ሰበይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ!! ካብ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒዩ፧!” ሮሜ 718-20,22-24

ካብ ሃዋርያዊ መግለጺ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ኣብ ኣካላትና ክልተ ሕግታትዮም ዘለዉ። እቲ ሓደ ሕጊ-መንፈስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሕጊ-ሓጢኣትዩ። ኣብ ኣካላትና ኣየናዮም ሕጊ ኸም ዚገዝእ ዚውስን ከኣ ካልእ ሕጊ ኣሎ። እዚ ሕጊ ትምኒት ስጋ ዚበሃል። ትምኒት ስጋ ንስጋና ማሪኹ ንሕጊ ሓጢኣት የረክቦ። ሕጊ ሓጢኣት ድማ ንስጋና ናብ ፋብሪካ ሓጢኣት ይልውጦ። ካብኡ ንደሓር ባሮት ሓጢኣት ኴንና ንነብር። ሓጢኣት ተጸዪፍና ጽድቂ ኽንገብር እንተ ደለናውን ኣይከኣለናንዩ። ሽዑ ስጋና ንሞት ዚኸውን ፍረ ጥራሕ ስለ ዚፈርይ፡ናይ ሞት ስጋተባሂሉ ይጽዋዕ ማለትዩ። ስለ ኸኣዩ፡እምበኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ ኣብ መዋቲ ስጋኹም፡ ሓጢኣት ኣይንገስ።

ዝተባህለልና (ሮሜ 612) ናይ ክርስቶስ ምስ ኰንና ግና፡ ነዚ ትምኒት ስጋና፡ ምስ ክርስቶስ ሰቒልና ኻባና ነርሕቖ ጽድቂ ናይ ምግባር ፍቓድን ነጻነትን ዓቕምን ይህልወና።

እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስ ናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎዮም።ገላ 524

እቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበ ጸጋ፡ ምስ ትምኒት ስጋ ከም እንባተኽ ብምግባር ብጽድቅን መንፈሳውነትን ክንነብር ዜኽእለና።

ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ። (ብኸመይ፧) ነቲ ብሩኽ ተስፋ ናይ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ክብሪ እናተጸበና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብ ዓለምዚኣ ብጥንቃቐ (ርእስና ብምግታእ) ብጽድቅን በምልኾን (ብመንፈሳውነትን) ክንነብር ይምህረና ኣሎ።ቲቶ 211-13

ኣብ ትሕቲ ትምኒት ስጋ እንተ ወዲቕና ሓጢኣት ዚመልከና። ኣብ ትሕቲ ጸጋ እንተ ዄንና ግና ጽድቂምበር ሓጢኣት ኣይመልከናን (ሮሜ 61,2,12,13) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ቕድሚ ናብ ክርስቶስ ምምጻኡ ዝነበሮ ህይወት ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ቀደም፡ ንሕናውን ኵላትና ከምኦም ትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና።

ንሕናውን ቀደም ዓያሱ፡ ዘይእዘዙ፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ንሓድሕድናውን እንጻላእ ነበርና።ኤፌ 23 ቲቶ 33 ቈሎ 35-7 (.)

እምበኣር ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና ነዚ ቐታሊና ትምኒት ስጋ እንተ ዘይቀቲልናዮ፡ ንሓጢኣትና ኣብዚሑ ዘለኣለማዊ ሞት ኬፍርየልናዩ። ጸጋ ኣምላኽ፡ ንትምኒት ስጋእምቢኢልና እንኣብየሉን እንኽሕደሉን ሓይሊ ዜዕጥቐና። ብድሕር እቲ ሓጢኣት ጥራሕ ዚፈርይ ዝነበረ ስጋና፡ ጽድቅን ቅድስናን ይፈርይ። ነቲ ልብና ዚምነዮ ሰናይ ግብሪ ናይ ምግባር ዓቕሚ ንረክብ። ቋንቋና ድማ፡ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ ካብ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒዩ፧ዘይኰነስ፡እንተ ብሞት እንተ ብህይወት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብርናብ ምባል ይልወጥ (ፊሊ 120,21) ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ፦ ኣቱም ፍቁራተይ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣለኹ። ካብ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ!!” ኢሉ ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎሞ፡ ንተኣዘዞ (1ጴጥ 211) ብስጋና ንሞት ዚኸውን ዘይኰነስ ንህይወት ዚኸውን ፍረ ንፈርይ ምህላውና ነረጋግጽ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሚያዝያ ፫, ፳፻፲፬  ግዕዝ (10 ሚያዝያ 2022 ).[ መበል 31 ሰንበት: ቊ.44/፵]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 7፡1-14 1ዮሃ 4፡1-10 ግብ 5፡34-ፍጻመ ዮሃ 3፡1-21 ዘእግዝእትነ ማርያም

መዝ ፲፮(፲፯)፡፫-፬ “ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።”

“ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።”

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div