S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣካይዳኹም ኣጸብቑ [መበል 30 ሰንበት: ቊ.43/፵፪]

 እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።” 1ጴጥ 212 .

እዚ ሰንበት ሻድሻይ ሰንበት ናይ ሒዝናዮ ዘለና ዓብዪ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማዘገብር ኄር” (ዘገብር ሄር) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ትርጒሙ ድማሕያዋይ ባርያማለትዩ። ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዘንበብናዮ፡ሕያዋይን እሙንን ባርያዚብል መንፈሳዊ ቕጽል ዝተቐበሉ፡ እቶም ነቲ ዝተዋህቦም ገንዘብ ሕድሪ (መክሊት) ትጉሃት ኰይኖም ነጊዶም ዘብዝሑ፡ እሙናት ኰይኖም ከኣ ነቲ ዝሃቦም ጐይታ ዘረከቡዮም። ነቲ ብልግምን ክፍኣትን ተደሪኹ፡ ገንዘብ ጐይታኡ ምድሪ ዅዒቱ ዝቐበረ ኸኣ፡ኣታ ሃካይ ክፉእ ባርያዚብል ሰይጣናዊ ቕጽል ተዋህቦ። እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ምሃብ ቅጽላት ጥራሕ ኣይተደረተን። እቶም ብልሳን ጐይታኦም ዝተናእዱ ናብ ዘለኣለማዊ ክብርን ሓጐስን ኪኣትዉ ኸለዉ፡ እቲ ንልቢ ጐይታኡ ዘጒሃየ ኽፉእ ባርያ ድማ ናብ ኣስናንካ ዜሐርቅም ዘለኣለማዊ ስቓይ ተደርበየ (ማቴ 2514-30)

መልእኽቲ ናይ ክርስቶሳዊ ኣስተምህሮ ናባና ዝዓለመዩ። ኵሉ ጊዜ ኸነስተንትነሉን ርእስና ኽንምርምረሉን ዚግብኣና እንተ ዀነ፡ ብፍሉይ ነዚ ሰንበትዝን ነቲ ዚስዕብ ሰሙንን ብእኡ ህይወትናን ኣካይዳናን ክንመዝን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ስሪዓትልና ኣላ። ነፍሲ ወከፍና ድማ ብዓይነቱ ዀነ ብቝጽሩ ኣዝዩ ብዙሕ መክሊታት ዝተቐበልና ሰባት ኢና። ናይ ቃል ኣምላኽ፡ ናይ ጸጋ፡ ናይ ጥዕና፡ ናይ ጒልበት፡ ናይ ጊዜ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝምድናታት መክሊት ኣብ ኢድናን ኣብ ዝባንናን ኣሎ። በዚ መክሊታት ሕያዎትን እሙናትን ምዃንና ዲና ወይስ ሕሱማትን ጠለምትን ምዃንና ኸነርእይ እግዚአብሔር ብኣትኵሮት ይዕዘበናን ይመዝነናን ኣሎ። በዚ ኣብ ዝባንና ዘሎ መክሊታት፡ ኣካይዳና ነጸብቕ ወይ ንጽይቕ ከም ዘለና ኺረጋገጽዩ።

ኣካይዳኹም ኣጸብቑማለት እንታይ ማለትዩ፧ ነየናይ ኣካይዳና ኸነጸብቕ ዚድለይ ዘሎ፧ ዚበዝሕ ጊዜ፧ኣካይዳኺበሃል ከሎ ብዛዕባ ጸይሩና ዚንቀሳቐስ ዘሎ ኣእጋርና ኺመስለና ይኽእልዩ። በእምሮና ኸምኡ እንተ ዘይሓሰብና፡ ብልሳንናውን ከምኡ እንተ ዘይበልናኳ፡ እቲ ግብራዊ ናብራና ግን ካብኡ ዚሓይሽ ኣተሓሳስባ ኸም ዘይብልና የቃልዓናዩ። ካብ ብዛዕባ እግዚአብሔር ኣዝዩ ዚግደሰሉ መንፈሳዊ ኣካይዳና ንላዕሊ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ኣካይዳና እንሓስቦን እንሓልዮን ይበዝሕ።እንታይ ክበልዕ፡ እንታይ ክሰትይ፡ እንታይ ክኽደን፡ እንታይ ከጥርይ፡ ወዘተዚብሉ ሓሳባት ነተሓሳሰባና ዚጸልዎን ዚገዝኦን። ጐይታናን ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ኣካይዳና ኸነጸብቕ ዚእዝዙና ግን፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣካይዳና ምዃኑ ኽንስሕቶ ኣይግባእንዩ። መንፈሳዊ ኣካይዳና እንተ ዘይጥዕዩ፡ ኵሉ ስጋዊ ኣካይዳና ኣዝዩ ሓጥእን ብልሹውን ዚኸውን፡ መብዛሕትና ግን ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ወይ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ከባቢኣን ክንከውን ከለና ኢና ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣካይዳና እንሓስብ። ክርስትና ኽትነብሮን ክትጐዓዞን ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ኺስምዓና ዚገብረና ዘሎ፡ ካብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ንላዕሊ ብዛዕባ ስጋዊ ናብራናን ኣካይዳናን ስለ እንሓስብዩ። ናብራና፡ዓረብያ ብቕድሚት፡ ፈረስ ብድሕሪት ዓይነት ስለ ዝዀነ፡ እንተ ኸበደና ኣየገርምንዩ።ኣካይዳኹም ኣጸብቑ ኺበሃል ከሎ፡ግብርኹምን ባህሪኹምን ኣጸብቑማለት ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ብዛዕባ እግዚአብሔር ኣዝዩ ዚግደሰሉ መንፈሳዊ ሃለዋትና ኣዚና ብምግዳስ ከነጸብቖ ኽንጋደል ይግብኣና። ንጉስ ሰለሞን፡ ነቲ እግዚአብሔር ዚምልከቶን ዚግደሰሉን ኣካይዳና ኣመልኪቱ፦

እምበኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚአብሔርዩ። ነካይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ። እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር።ኢሉና ኣሎ (ምሳ 521,22) ነቲ እግዚአብሔር ኣዒንቱ ተኺሉ ዚምልከቶ ኣካይዳና፡ ንሕናውን ኣዚና ኽንምልከቶን ክንምርምሮን፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ንምጽባቑ ክንጋደል ይግብኣና። እግዚአብሔር ነካይዳና ተጠንቂቑ ዚከታተለሉ ምኽንያት፡ ኣብ መወዳእታ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም መገዱ፡ ከከም ግብሩ፡ ከከም ኣካይዳኡ ዚፈርዶ ንሱ ስለ ዝዀነዩ። ከም ኣብ ጥቕሲ ኣመልኪቱና ዘሎ፡ ኣእጋርና በግማድ ሓጢኣት ተኣሲሩ ኸሎ ጽቡቕ ኣካይዳ ኺህልወና ኣይክእልንዩ። ብገዛእ ኣበሳኻ እናተሓንኰልካ፡ ሰንከልከል እናበልካ፡ ብኽፉእ ኣዋድቓ ጻሕ ኢልካ እናተሰበርካ፡እኸይድ ኣለኹኢልካ ኽትሓስብውን ኣይግባእንዩ። ሓጢኣት ናይ ብሓቂ ዚኣስር ገመድ ምዃኑ ቅዱሳን ነብያት ኣረጋጊጾምልናዮም።

እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶት፡ ንሓጢኣት ከኣ ከም ብመጣምር ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም።ኢሳ 518

ከም ፍቓደይ ክቐጽዖምየ፡ ኣብ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩ፡ ህዝብታት ንጒድኣቶም ኪእከቡዮም።ሆሴ 1010

ቅዱስ ጴጥሮስውን ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ብገንዘብ ኪዕድጎ ዝሓሰበ ስምኦን ዝተባህለ ጠንቋሊ-ነበር ሰብኣይ፦

ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣለኹ።ምባሉ፡ ሓጢኣት ምግባር ማለት ብገዛእ ኢድካ ብረቂቕ ሰይጣናዊ ገመድ ንርእስኻ ምእሳር ማለት ከም ዝዀነ ኣመልኪቱና ኣሎ (ግብ 823) እምበኣርኣካይዳኹም ኣጸብቑማለትርእስኹም ካብ ሓጢኣት ሓልዉ፡ ካብ ድሮ ሓሊኹኩም ዘሎ ገመድ ሓጢኣት ብንስሓ ተፈትሑ።ማለትዩ።

ኣካይዳኻ ብኸመይ ዚቐንዕን ዚጽብቕን፧ እቲ ቐዳማይ ጥበብ፡ ጽቡቕ መገዲ ምምራጽዩ። ኣብ ዘይተጸርገ፡ ዓንቃፊ ነገር ዝበዝሖ፡ ብድንጉር ዝተመልአ፡ ኣጻድፍን መንደልህጾን ዝበዝሖ፡ ጭቃን ታኼላን ብዝመልኦ መገዲ እናተጐዓዝካ፡ ጽቡቕ ኣካይዳ ኽትከይድ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣይሕሰብንውንዩ። ስለ ወዲ ሰብ ዕንቅፋቱን ውድቀቱን ኬውሕድ ኣሳልጦኡውን ኬዕዝዝ ጽሩግን ልሙጽን መገዲ ኣብ ምድላውን ኣብ ምምራጽን ኣዝዩ ዚግደስን ግዙፍ ባጀት ዚስልዕን። እዚ ኸኣ ካብ እግዚአብሔር ዝወረሶ ተወራሲ ባህርይዩ። እግዚአብሔር ንህዝቡ ብዝተጸርገ ዕሩይ መገዲ ዚመርሕ ኣምላኽዩ።

“. . . ኤፍሬም በዅሪ ወደይሞ፡ ብዘይዕንቀፈላ ዕርይቲ መገዲ ናብ ወሓዚ ማይ ክወስዶየ።ኤር 319

መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውንያ፡ <ቅድስቲ መገዲ> ኽትበሃልያ፡ ርኹስ ዘበለ ኣይኪሓልፋንዩ፡ ንኣታቶም ጥራሕያ። እቲ ብእኣ ዚኸይድ፡ ዓሻ እንተ ዀነ ኣይኪጋገይን (ኣይኪዕንቀፍን) ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን፡ ኣብኣውን ኣይኪርከብንዩ፡ ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ።ኢሳ 358,9

ድምጺ ኣዋጂ ይእውጅ፡ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ በረኻ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።ኢሳ 403,4

እግዚአብሔር ከም ገይሩ ብዕርይትን ዘይተንደልህጽን መገዲ ስለ ዚመርሕዩ፡ በቶም መገዶም ዘበላሸዉ ዓያሱ ኣዝዩ ዚጒህይ፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ብጽኑዕ ዚፈርድ። ካብ ከም ዝበለ ኣዕናዊ ዕሽነት ምእንቲ ኼናግፈና ኸኣዩ።

“. . .  ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱሞ፡ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። . . . “ ብምባል ዚምዕደና (ኤር 616) ብዙሓት ሰባት ኪመላለሱሉ ስለ ዝረኣኻተረኽበኢልካ ኣብ ዝረኸብካዮ መገዲ ኣይክየድንዩ። እስኪነዛ ምድራዊት ህይወተይ ከስተማቕራኢልካ መገዲ ሞት እንተ መረጽካ፡ ዘይጽቡቕ መገዲ መሪጽካ ኣካይዳኻ ጸዪቕካ ኣለኻ ማለትዩ። እግዚአብሔር ከኣ ምርጫታት የቕርበልካ፡ ኣየናይ ከም ዜሕሸካ ይምዕደካምበር፡ ኣገዲዱ ናብ ጽብቕቲ መገዲ ኣየእትውን ወይ ካብኣ ኸይትወጽእ ኣይክልክልን (ኤር 218 ዘዳ 3015,16,19) ሰይጣንን ኣገልገልቱን ግና ኵሉ ጊዜ በታ መገዲ ጥፍኣት ኽትመላለስ ይደፋፍኡኻ፡ ካብኣ ኸይትወጽእ ድማ ብገዛእ ኣበሳኻ ጠሚሮም ይሕዙኻምበር፡ ንምርጫ ዕድል ኣይህቡኻንዮም። እቲ ነብዪ ኤርምያስ፦

ህዝበይ ግና ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዓጥን ኣሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ።ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ዝበልናዮ ሓቂ ዜረጋግጽ (ኤር 1815)

ጐይታና፡መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦንስለ ዝበለ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ መገዲ ኸም ዘይብልና መጽሓፍ ቅዱስናን መሰረተ እምነትናን ዘረጋገጾ ሓቂ (ዮሃ 146) ኣብ ካልእ ትምህርቱ ድማ ክልተ መገድታት ከም ዘለዋ ነጊሩናዩ።

እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕያ። እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓትዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣንያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደትዮምሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።ማቴ 713,14

እታ ናብ ጸባብ ደገ እተብጽሕ ቀጣን መገዲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉዩ። እታ ናብ ጥፍኣት እተእትው ገፋሕ መገዲ ድማ ድያብሎስ ባዕሉዩ። እታ ቐጣን መገዲ ሓንቲ ጥራሕያ፡ ካልእ ኣማራጺ የብላን። እታ መገዲ ጥፍኣት ገፋሕ ዝዀነትሉ ምኽንያት ግን ሽሕን ሚእትን ኣማራጺ መገድታት ስለ ዘለዋዩ። ገለ ብዕብዳን፡ ገለ ብስሑት ሃይማኖት፡ ገለ ብኽሕደት (ኢዝሄርነት- atheism) ገለ ብፍልስፍና ወዘተ ማእለያ ዘይብሎም መገድታት ኣለዉ። ኵላቶም ተደሚሮም ከኣ ነታ መገዲ ገፋሕ ኣምሲሎምዋ ኣለዉ። መሰልቲኵሉ መገድታት ናብ ሮም ይወስድከም ዚብሉ፡ እዚ ዅሉ ናይ ብልሹው መገዲ ኣማራጺታት ከኣ ኣብ መወዳእታ ናብ ናይ ገሃነም ጥፍኣት ዜእትውዩ። ኣብ ገፋሕ መገዲ እናተመላለስካ፡ ኣካይዳኻ ኸተጸብቕ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ፈጺሙ ዘይከኣልዩ።

እቲ ኻልኣይ ኣካይዳና እነጸብቐሉ ብልሓት ከኣ ጥንቃቐዩ። ኣብ ድሑናት ዚመላለሱላ፡ ዓያሱ ዘይጋገዩላ ጥንታዊትን ጽብቕትን መገዲ ኣለኻ ማለት፡ ፈጺምካ ኣይትወድቕን ኢኻ ኣየስምዕንዩ። ኣብ ጽቡቕ መገዲ፡ ሰብ ብገዛእ እግሩ ተሓሊኹ፡ ብቐምሹ ወይ ስሪኡ ተዓንቂፉ፡ ምስ ሰብ ወይ ምስ ተንቀሳቓስን ቀዋምን ንብረት ተጋጭዩ ኺወድቕን ኪስበርን ይኽእልዩ። ስለ ዕዉትን ውሑስን ጒዕዞ ዚህልው፡ ብጥንቃቐ ናይ መንገደኛ ድማምበር ብጽባቐ ናይ መገዲ ጥራሕ ኣይኰነን። ስለ ኸኣ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስተጠንቀቕብዚብል ማእለያ ዘይብሉ ቓላት ተመሊኡ ዘሎ። ኣሽንኳይ ንኣና ንድኹማት ፍጥረት፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መገዱ ኼውጽኦን ኬውድቖን ዝተጋደለ ደረቐኛን ዘይስልክዮን ጸላኢ ዘሎና። ስለ ኣብ ኵሉ ጊዜን ኵነታትን ጥንቃቐ መለለዪትና ኽሳዕ እትኸውን ከነዘውትራ ይግብኣና። ብመሰረቱ ክርስትና ማለትናብራ ጥንቃቐምዃኑ ዜመልክቱና ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሮምልና ኣለዉ።

እምበኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም ከም ለባማትምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ፡ ከመይ ብጥንቃቐ ከም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንቲዚ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ።ኤፌ 515-17

ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹዩ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ። እቲ ብሩኽ ተስፋ ናይ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ክብሪ እናተጸበና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብ ዓለምዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን (ብመንፈሳውነትን) ክንነብር ይምህረና ኣሎ።ቲቶ 211-13

እዛ ጥንቃቐዚኣ ምስ እትጐድል፡ ኣብመገዲ ሓቂ፡ መገዲ ጽድቂ፡ መገዲ ምድሓንዝተሰምየት ጽብቕቲ መገዲ ዄንካ ሓጢኣት ምግባር ስለ ዚበዝሕ፡ ነቲ ጸራጊኣ ኣምላኽን ነታ መገድን ከም እትጽረፍ ምግባር (ሮሜ 223,24 2ጴጥ 22) ኣብ ጽብቕቲ መገዲ ኣለኹእናበለ፡ ብዝዀነን ዘይኰነን ዚቝጣዕ፡ ትዕግስቲ ዚውሕዶ፡ ቂምታ ዜዘውትር፡ ፍቕሩ ዚሓድግ ወዘተ፡ ነታ መገዲቲኣ እንተ ዘይፈልጣ ዜሕሾ ሰብ ዚኸውን (2ጴጥ 221,22) ኣበሳ ናይ ኣብ መገዲ ሓቂ ቘይሙ ዚሓጥእ ሰብ፡ ካብ ኣበሳ ናይ ኣብ መገዲ ጥፍኣት ዝቘመ ሰብ ከም ዚኸፍእ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ደቂ መንግስተ ሰማያት ምዃኖም ዚእመኑ፡ ገበርቲ ዓበይቲ ተኣምራት ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ግና፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑከም ዝተባህሉ ኣይንዘንግዕ (ማቴ 721-23 ሉቃ 1322-27) እተን ዘይተን ከይውድአን ዘይተጠንቀቓ ደናግል፡ከቶ ኣይፈልጠክንንተባሂለን ኪኖ ማዕጾ ኸም ዝተረፋ ንዘክር (ማቴ 2511-13) ንምድሓን ኣምላኽ ዚርእዮን ዚቕበሎን፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ሰብ ምዃኑ ቓል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልናዩ።

መስዋእቲ ምስጋና ዚስውአለይ የኽብረኒ፡ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ። መዝ 5023

ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ እኩይ ምርሓቕዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ።ምሳ 1617

ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን። ምሳ 1415

ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት። ምሳ 1916

እቲ ኸም ቕዱስ ዳዊት ንምድሓን ዝለበመ ሰብ፡ ብዛዕባ ቓላቱ፡ ስምዒቱ፡ ተግባሩ ወርትግ ዚጥንቀቕ (መዝ 391 .ት፣ መዝ 1199) ኣብ ሰይጣን ዚገዝኣ ዓለም ንነብር ከም ዘለና ኽንዝንግዕ ኣይግባእንዩ። እቲ ጠሊፉ ዜውድቐና ፈተና ድማ ብመንን ብኸመይን መዓስን ከም ዚመጸና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ብዘይ ጥንቃቐ ብምምልላስ፡ ነቲ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎና ኸነስፍሖ፡ ነቲ ጨካን ጸላኢና ድማ ምሹእ ዕድላት ክንፈጥረሉ ኣይግባእንዩ።

ኣብ ቅድሚ መን ኣካይዳና ኸነጸብቕ ዚግብኣና፧ ቀዳማይ ጥንቃቐና፡ ኣብ ቅድሚቶም መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪትዎም ዘሎ ሰባትዩ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚቶም ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘየለዉ ሰባትዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ኽልተ ኣገደስቲ ምኽንያታትዩ። ናብ እምነት ንኸይመጹ ዕንቅፋት ከይንዀኖም፡ እቲ ናይ መጀመርታ ምኽንያት ኪኸውን ከሎ ነታ መገዲ ሓቅን ንኣምላኽን ዚጸርፉሉን ዜካፍኡሉን ነቓዕ ንዘይምሃብ ድማ እቲ ኻልኣይ ምኽንያትዩ። ቅዱስ ጴጥሮስኣብ ማእከል ኣህዛብኪብል ከሎ፡ ኣብ እምነት ክርስቶስ ንዘየለዉ ሰባት ንኼመልክት ዝበሎዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ኣህዛብዚብል ቃል፡ ነቶም ካብ እስራኤላውያን ወጻኢ ዝዀኑ ብጣኦታትምበር ብእግዚአብሔር ዘይኣምኑ ሰባት ንምምልካት ዜገልግልዩ። እዞም ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጠቐሶም ኣህዛብ ከኣ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድሮ፡ ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ምሕማይ ዝጀመሩዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣካይዳኦም እንተ ጸዪቖም፡ ነቶም ሓመይቲ ንመጋርያ ሕምየቶም ብዝበኣሰ ዜባርዖ ነዳዲ ወይ ዕንጸይቲ ይቕርቡሎም ኣለዉ ማለትዩ። ስለ እቲ ኣካይዳኡ ዘበላሸወ ክርስትያን፡ ንጐይታኡ ንክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ንሰይጣንን ንሰዓብቱን ዜገልግል ማለትዩ።ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎዚብል ቃል ከኣ ነዚ ሳዕቤን ናይ ብልሹው ኣካይዳ ዚገልጽ (ሮሜ 223,24)

ካልኣይ ጥንቃቐና ድማ ነቶም ኣብ ቤት እግዚአብሔር ዘለዉ ፈራህቲ ኣምላኽን ሓቀኛታት ኣመንትንዩ። ፈራህቲ ኣምላኽ ንዓመጻ ዚጸልኡ ንጽድቂ ዜፍቅሩ ሰባት ስለ ዝዀኑ፡ ሰብ ኣካይዳኡ ኼበላሽው ኪርእዩ ኸለው ኣዝዮምዮም ዚሳቐዩን ዚጒህዩን። ሎጥ ጻድቕ፡ በቲ ኣብ ሰዶም ዚርእዮ ዝነበረ ርኽሰት፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ኣዝያ ትስቀይ ነበረት (2ጴጥ 27,8) ቅዱስ ዳዊትውን ሕጊ ኣምላኽ ሓዲጎም ኣካይዳኦም ዘበላሸዉ ሰባት ኪርእይ ከሎ፡ ብቕንኣት ኣምላኽ ይቃጸል፡ ብጓሂ ድማ ኣይሂ ይነብዕ ነበረ (መዝ 11953,136,139) ንርእሱ ኣካይዳኡ ጸዪቑ ንኣምላኽን ንፈራህቲ ኣምላኽን ንጓህን ንሕፍረትን ምኽንያት ከይከውን ኣዝዩ ይጥንቀቕ ከም ዝነበረ፦

ኣታ እግዚአብሔር ጐይታ ሰራዊት፡ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር ኣለኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎሞ፡ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፡ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፡ እቶም ዚደልዩኻ ብኣኻ ኣይነውሩ።ብምባል ገሊጹ ኣሎ (መዝ 696,7) ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣመንትን ዘይኣመንትን ንኣካይዳና ኽንጥንቀቐሉ ኸም ዚግብኣና ንኼመልክት፦

ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን (ንግሪኻውያን) ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓትምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ አሐጒስ ኣለኹ።ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (1ቈረ 1032,33 .)

ሳልሳይን ዝዓበየን ጥንቃቐና ኸኣ፡ ነቲ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኣምላኽዩ።መገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑእናበለ ደጋጊሙ ዚምዕደናን ዜጠንቅቐናን፡ ነቲ ናቱ ዚመስል ጽቡቕ ኣካይዳ ኣባና ኺርእይሞ፡ ካዕበት ኪጻምወናን ኪፈድየናን ስለ ዚደልይ (ኤር 73,5 1811) መዓልትን ለይትን መገድና ዀነ ኣካይዳና ኺቋመት ዚገብሮ ድማ ንሱዩ። ኣካይዳኻ ምጽያቕ ንልቢ ኣምላኽ ብጓሂ ስለ ዝጐድኦ፡ ብመሪር ቅጽዓት ሕነ ዚፈድይ። ስለ ኸኣ፦ ኣካይዳኽን ግብርኽን ነዚ ዘውረደልኪ፡ እዚ ኽፍኣትኪዩ፡ መሪርሞ፡ ክሳዕ ልብኺ ይበጽሕ።ብምባል ሳዕቤን ብልሹው ኣካይዳ እንታይ ከም ዚመስል ገለጸልና (ኤር 418)

ብኸመይ እንተ ተመላለስና ኣካይዳና ዚጽብቐልና፧ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶና ንኺምልስ ተጻሒፉልና። ንዅሉ ኽንዝርዝሮ እንተ ዘይከኣልና፡ ንኣብነት ዚኣክል ነዚ ዚስዕብ ምጥቃስ ይከኣልዩ። ብፍቕሪ (ኤፌ 52) ብቕንዕና (መዝ 152 ሚክ 27 ሚል 26,7 ሮሜ 1313) ብእምነት (2ቈረ 56,) ብትሕትና (ሚክ 68) ብፍርሃት እግዚአብሔር (ግብ 931) ብሓቂ (2ዮሃ 14) ብንጽህና (ራእ 34 ብብቕዓት (ቈሎ 110) ብብርሃን (ዮሃ 119,10 1235,36 1ዮሃ 17 29-11) ብመንፈስ (ገላ 516) እንተ ተመላለስና፡ ብርግጽ ኣካይዳና ንኣምላኽ ክብሪ ንሰብ ከኣ ኣርኣያ ኽሳዕ ምዃን ጸቢቑ ኸም ዘሎ ርጉጽዩ። ዓስቢ ኣካይዳና ኸኣ፡ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያተባሂልና ካብ ኢድ ኣምላኽ ክንቅበል፡ ኣብቲ ኣብ የማኑ ዝተዳለወልና ናይ ክብሪ ዝፋናት ድማ ክንቅመጥ ኢና።

እምበኣር ተሪፉና ዘሎ፡ ኣዕሚቝካ ኣካይዳኻ ምፍታሽን ምምርማርንዩ። ስጒምትና ናበይ የምርሕ ኣሎ፧ ናብ ሞትን ጥፍኣትንዶ ናብ ድሕነትን ህይወትን፧ ንኣካይዳና ብመንጽር መፈጸምታናን ዘለኣለማዊ መጻኢናን ደዀን ነማእዝኖ ንህልው፧ እግዚአብሔር ብምኽንያት ኣካይዳና ኸም ኣቕሓ ኽብሪ ኸም ኣቕሓ ምሕረትዶ ወይስ ከም ኣቕሓ ውርደትን ኣቕሓ ቝጥዓን ይርእየና ይህልው፧ ኣካይዳና ነካይዳ ክርስቶስ ምምሳሉ ምርግጋጽምበኣር፡ ዕለታዊ ናይ ህይወትና ተልእኾ ኪኸውን ዚግባእ። ከመይሲ፡ ነቶም ብኣካይዳኦም ዘይመስልዎ፡ ጐይታና ኻብኡ ኼርሕቖም፡ ናብቲ ዘገልገልዎ ድያብሎስ ናብ ቐላይ ሓዊ ኺድርብዮምዩ። ነቶም በካይዳኦም ዝመሰልዎ ግን፡ ብሰማያዊ ኽብሪውን ንእኡ ኼምስሎም! እምበኣር ነቲ ዝበለጸን ነቲ ዜርብሓናን ንምረጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መጋቢት ፳፭, ፳፻፲፬  ግዕዝ (3 ሚያዝያ 2022 ).[ መበል 30 ሰንበት: ቊ.43/፵]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 4፡1-9 1ጴጥ 2፡11-19 ግብ 16፡9-18 ማቴ 25፡14-30 ዘባስልዮስ

መዝ.፴፱(፵)፡፯.፰ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።”

ዓዲ፡

መዝ.፻፴፫(፻፴፬)፣፩-፪ “ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር። ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር። እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።”

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div