S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከም’ቲ ተስፋኡ ንጽበይ ኣለና [መበል 29 ሰንበት: ቊ.42/፵፪]

ንሕና ግና፡ ከም ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበይ ኣለና። 2ጴጥ 313

 እዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ናይ ዓብዪ ጾም ሓምሻይ ሰንበትዩ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማደብረ ዘይትይብሃል። እዚ፡ደብረ-ዘይትዚበሃል ከረን (ጐቦ) ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ዚርከብ ከረንዩ። ስም ናይ ኸረን ከም መጸውዒ ናይ ሰንበት ዝተመርጸሉ ምኽንያት ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣቱ ሰፊሕን ዝርዝራውን ትምህርቲ ዝሃበሉ ቦታ ብምዃኑዩ። ስለ እዚ ዘለናዮ ሰንበትን እዚ ዚስዕብ ሳምንትን፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና ብዕምቈት እነስተንትነሉን፡ ተስፋ ምጽኣቱ ኣብ ልብናን ናብራናን ይገሃድ ምህላዉ እነረጋግጸሉን፡ ንምጽኣቱ ድሉዋትን ንቑሓትን ብቑዓትን ኴንና ንጽበይ ምህላውናን ዘይምህላውናን ርእስና እንምርምረሉን ቕንያትዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ እተስተምህረሉ ጊዜ ደኣ ትስራዕምበርኣብ ዓመት ምሉእ ብዛዕባ ምጽኣቱ እንሓስበሉ ጊዜ እዚ ቕንያት ጥራሕማለት ዘይምዃኑ ግን ኸነስተውዕል ይግብኣና። ምጽኣት ጐይታና መዓልታዊ ኽንሓስቦን ክንዳለወሉን ዚግብኣና ናይ ዕድመ ምሉእ ተልእኾናዩ። ዝተጸበናሉ ጊዜ እናነውሐ ብዝኸደ መጠን፡ ነቲ ናይ ምጽባይ ዓቕልናን ተገዳስነትናን ኪፈታተኖን፡ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ናብ ምባል ኪደፍኣናን ተኽእሎ ኸም ዘሎ ዘይከሓድ ሓቂዩ። ናይ ሓቀኛ ተጸባዪ መንነትን ብልጫን ዚገሃድ ከኣ በዚምድንጓይ”’ዩ። ዕድመ ወዲ-ሰብ ካብ ሰብዓ ሰማንያ ዓመታት ኣይሓልፍንዩ። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘለኣለማዊ ናብራ ንሰማንያ ዓመታት ዚኣክል ተጸቢናዮ ማለት ግና፡ ኣዝዩ ነዊሕ ተጸቢና ማለት ኣይኰነን። ምኽንያቱ ሰማንያ ዓመታት ናይ ዚጽበየና ዘሎ ዘለኣለም ክንደይ ሚእታዊት ምዀና፧ ዘለኣለም፡ መወዳእታ ቝጽሪ ስለ ዘይብሉስ፡ ክትስልሖ (ክትቅምሮ)’ውን ኣይሕሰብንዩ። ስለ ነዚ ኽንድ ዚኣክል ዘለኣለማዊ ዘመን ንሰማንያ ዓመታት ዚኣክል ስለ ዝተጸበየ፡ ኣዝዩ ነዊሕን ዓቕልኻ ዚፈታተንን ናይ ትጽቢት ዘመን ከም ዘሕለፈ ዚሓስብ ሰብ እንተልዩ፡ ንመንን እንታይን ይጽበይ ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ጥራሕ ኪኸውን ዚኽእል። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኸኣ፡ ሳዕቤን ዘይምጽባይ እንታይ ምዃኑ ዘይምፍላጡውን ዚቃላዕ ዘሎ። መስጣ ዘይምጽባይ ምስ ድያብሎስ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ተደርቢኻ ምስቓይ ምዃኑ ዚፈልጥ ሰብ ብትጽቢቱ ኺሕጐስምበር ኪሕለል ኣይክእልንዩ። ስለ እዚደብረ-ዘይትዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን፡ ንዓመት ምሉእ ጥራሕ ዘይኰነ ንዕድመና ምሉእ ዚኸውን ሓይሊ-ትጽቢት ኬዕጥቐና፡ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኺመጽእ እንጽበዮ ዘለና ጐይታን ልዑል ትጽቢት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን። ትጽቢትና ኣበላሺና ትጽቢት ጐይታ ንዀልፍን ንዕንቅፍን ከይንህልው ድማ ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና።

ትጽቢት ተስፋና እንታይዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ኣብ ልብና ዜሕድረልና ትጽቢት፡ ናይ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ትጽቢትዩ። ምኽንያቱ ኣብኡ ኣብ ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ፡ እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ብሓዊ ቝጥዓኡን ብሓዊ መለኮቱን መኺኻን በኒናን ክትሓልፍ ምዃና ተገሊጹልና ኣሎ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ንሓዊ ተዓቚሩ፡ እቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈርሁ ሰባት ተፈሪዶም ክሳዕ ዚጠፍኡ ይሕለው ኣሎ። . . . መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእያ፡ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኺመክኽዩ፡ ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድዩ። . . . እታ መዓልቲቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብርያ። ንሕና ግና፡ ከም ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንጽበይ ኣለና።” 2ጴጥ 37,10-13 .

እዚ ዘለናዮ ስርዓተ-ጸሓይን (solar system) እዛ ዘለናያ ዓለምን ብኸም ዜሰክሕ ኣገባብ ኽትጠፍእ ምዃና በቲ ባዕሉ ዝፈጠራ ልዑል ኣምላኽ እናተነግረና፡ ነባሪት ዓለም ከም ዝዀነት ቈጺርና፡ መሰረትና ኣብ ዓለምዚኣ ኽንገብር፡ ብፍቕራ ተለኺፍና ኽንነብር እንተ መረጽና፡ ንእግዚአብሔር ከም ሓደ ኺእመን ዘይክእል ሓሳዊ ጌርና ንገልጾን ንጸርፎን ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ነዚ ኣምላኽ ኸም ዝኣመንናዮን ከም እነኽብሮን እንገልጸሉ ሓደ መገዲ፡ ንተስፋኡ ኣሚንና ንፍጻመ ናይ ተስፋ ብእምነት ክንጽበይ ከለናዩ። እግዚአብሔር ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ከም ዚፈጥር ገና ኻብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዘተስፈዎ ሓቂዩ።

እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥርሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብንዩ።ኢሳ 6517

ኣብ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስዝረኣዮ ትንቢታዊ ራእይውን እዚ ሓቂ ደጊሙ ተገሊጹዩ።

ብድሕር ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ኣሰር ዘይብሎምውን ጠፍኡ።ራእ 2011 .

ብድሕር ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ረኣኹ። ከመይሲ እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎምዮም።ራእ 211 .

እዚ ዘሎ ዅሉ ሓሊፉስ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኪፍጠር ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ መሊሱልና ኸም ዘሎ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ምድርን ስለ ዘድለየዩ። እዛ እንነብረላ ዘለና ርኽስቲ ዓለም፡ ዓመጻምበር ጽድቂ ዚነብረላ ዓለም ኣይኰነትን። ምኽንያቱ ብድያብሎስ እትግዛእን እትመሓደርን ዓለምያ። ጽድቂ ነዛ ዓለምዚኣ፡ ጓናን ነውርን ነገርዩ። ኣብ ርኽስቲ ዓለምዚኣ እቲ ጽድቂ ዜፍቅርን ዚገብርን ሰብ ኣዝዩ ጽሉእ ሰብዩ። ጐይታናን ሃዋርያቱን ከኣ ነዚ ሓቂ ኣረጋጊጾምልናዮም።

ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹምምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ ዓለም ትጸልኣኩምያ።ዮሃ 1518,19

ኣሕዋተይ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ።” 1ዮሃ 313

ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 519

ስለ ነዛ ንክርስቶስን ንሰዓብቱን ኣዝያ እትጸልእን እተሳድድን፡ በቲ እኩይ ድያብሎስ እትመሓደርን ዓለም፡ ከመይ ኢልናክትነብርኢልና ኽንጽበይ ንኽእል፧ እቲ ነዛ ዓለምዚኣ ዜፍቅራ ኽትነብረሉ ኸኣ ዚምነይ ሰብ፡ እቲ ኻብ ዓለም ዝዀነ ዓለማዊ፡ ልክዕ ከምኣ ንሱውን በቲ እኩይ ድያብሎስ ዝተታሕዘ ሰብ ጥራሕዩ። ጐይታ ድማ ካብዛ ዓለምዚኣን ካብ መርዛም ፍቕራን ምእንቲ ኼናግፈናዩ፡ ስጋና ለቢሱ ነዚ ዅሉ መከራ መስቀል ኪጸውር ዝፈቐደ።

ካብ እግዚአብሔር ኣቦናን፡ ካብ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።ገላ 13,4

ኣቱም ከሓድቲ፡ ንዓለም ምፍቃርሲ ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደልይ ሰብ፡ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን።ያእ 44 .

ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን (ናብራ) ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለምምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ክትሓልፍያ፡ ፍትወታ ኸኣ (ኪሓልፍ) እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና፡ ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 215-17

ነስተውዕል ደኣ!! ዓለምን ፍትወታን ጥራሕ ኣይኰኑን ዚሓልፉ። እቶም ፈተውታውን ካብ ናታ ሕልፈት ብዚኸፍእ መጠን ኪሓልፉዮም። ዓለምን እቲ ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ኣሰሩ ኽሳዕ ዘይርከብ ብሓዊ በኒኑ ኺጠፍእዩ። ፈተውቲ ዓለም ዝዀንና ሰባት ግን ኣብ ንዓለም ዘጥፍአ ሓዊ ንዘለኣለም እናተሳቐና ኢና እንነብር። ነዚ ምግባር ከኣ ንኣምላኽ ኣዝዩ ቐሊልዩ። ነቶም ኣብ ሓዊ ዝተደርበዩ ሰለስተ እሙናቱ፡ ሽታ ሓዊ ኸም ዘይህልዎም ገይሩ ዘውጽአ ኣምላኽዩ። ነቶም ብፍቕሪ ዓለም ዝጠለምዎ ድማ በቲ ሓዊ ኸም ዘይጠፍኡ ግን ከኣ ኣዝዮም ከም ዚሳቐዩ ገይሩ ሕነ ቕድስናኡ ኺፈድዮም ዚኽእል ኣምላኽዩ። ስለ ምስዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንዝርና ፍቕሪ ኻብ ዚሕዘና፡ ምስ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናይ ቅድስና ፍቕሪ እንተ ሓዘና ዜሕሸና። ኣብ ዓለምዚኣ ብጽድቂ ምምልላስ ጊዝያዊ ስቓይን መከራን ዚወልደልካ። እቲ እንጽበዮ ዘለና ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ግና ጽድቂ ዚነብረሉን ዚነግሰሉን ዓለምዩ። ነዚ ጽድቂ ዚነብረሉ ዓለም ዘሎና ናፍቖትን ትጽቢትን፡ መለክዒ ናይ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ምዃኑ ኣጸቢቕና ነስተውዕል። ንኽብደት ብኺሎ፡ ንፈሳሲ ብሊትሮ፡ ንንውሓትን ስፍሓትን ብሜትሮ ንሙቐት ብቴርሞ ሜትር፡ ንጸቕጢ ኣየር ድማ ብሜርኩሪ ንዕቅኖ። ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ፍቕሪ፡ ኣምላኽ ከኣ በቲ ንዓለምን ፍትወታን ዘሎና ጽልእን በቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕርን ኢና እንዕቅኖ።

መልእኽቲ ትጽቢትና እንታይዩ፧ ናይ ትጽቢትና ግብራዊ መልእኽቲ፡ ኣዝዩ ሓያልን ብዙሕንዩ። እግዚአብሔር ናይ ትጽቢት ዘመን ኪሰርዓልና ዝደረኾ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ኣኣብ ዘለናዮ ቤተ ክርስቲያን፡ክርስቶስ ከም ዝበሎ ተመሊሱ ዚመጽእዶ ይመስለኩም፧ዚብል ሕያዋይ ሓታቲ እንተ ዚህልው፡ ዝዀነ ይኹን ደፊሩ፡ዚመጽእ ኣይመስለንንዚብል ሰብ ፈጺሙ ኣይምተረኽበን። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ብምጽኣቱ ኸም እትኣምኑ ዜረጋግጽ እንታይ ግብራዊ ስጒምትታት ትወስዱ፧ኢሉ በዳሂ ሕቶ እንተ ዜስዕበልና ግን  ኵላትና ብሕፍረት ርእስና ደፊእና ምድሪ ኽትውሕጠና ምተመነና ኔርና። ምኽንያቱ ንምጽኣቱ ዘይንጽበይ ምዃንና እቲ ዓይነት ህይወትናን ናብራናን ተጠሊዑ ብዓውታ ዚምስክር። ብፍቕሪ ገዲፉ ብጽልኢ ዚመላለስ ሰብ፡ ክርስቶስ ተመሊሱ ኸም ዚመጽእ ፈጺሙ ዘይኣምን ሰብዩ። ምኽንያቱ ንክርስቶስ እናተጸበኻስ ኣብ ጽልኢ ኽትነብር ኣይከኣልንዩ። ብዛዕባ ትዕግስቲ፡ ምሕረት፡ ትሕትና፡ ወዘተውን ልክዕ ከምኡዩ። ኣብ ህይወትና እትርከብ ዝዀነት ትኹን ፍረ፡ ናይ ዓይነት ትጽቢትና ነጸብራቕያ። እቶም ተጸበይቲ ፍረ ጽድቂ ይፈርዩ፡ እቶም ንምጽኣቱ ዘይጽበዩ ኸሓድቲ ግና ፍረ- ዓመጻዮም ዚፈርዩ። ስለ በቲ ኣጸባብያና ብዛዕባ ኣምላኽ እነሕልፎ ንጹርን ከቢድን መልእኽትታት ኣሎ።

1. ብዛዕባ ሓቅነቱ፦ እቲ ሓቀኛ ግብራዊ ተጸባዪ፡ እቲ ንክርስቶስሓቀኛኢሉ ዚኣምኖ ጥራሕዩ። ጐይታና፡ተመሊሰ መጺአ ክወስደኩምኢሉ ተደጋጋሚ ተስፋ ሂቡ (1ዮሃ 143) እቲ ክርስቶስ ሓቀኛ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓቂውን ምዃኑ ዚኣምን ሰብ፡ ነዚ ተስፋ ነቒሑ ዚጽበዮ። ኢዱ ኣጣሚሩ ዘይኰነስ፡ ህይወቱ ኣጽርዩ (ክዳኑ ኣጻዕድዩ) ዕዮ ገዛኡ ፈጺሙ ዚጽበይ። እቲ ኻብ ሓላፍነቱ ዝበዀረ ክርስትያን ግና፡ በቲ ግብራዊ ኣካይዳኡ፡ክርስቶስ ሓሳዊዩ፡ ዚመጽእ እንተ ዚኸውን ቀደም ምመጸ ነይሩ፡ክመጽእኻብ ዚብል ጥራሕ ክንደይ መዋእል ሓሊፉሎ።ዚብል መልእኽቲ ዜሕልፍ። እዚ ኣበሃህላ ንሕና ዝመሃዝናዮ ዘይኰነስ ቃል እግዚአብሔር ዜረጋግጾ ሓቂዩ።

ሓጢኣት ኣይገበርናንእንተ በልና፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።”1ዮሃ 110

ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን እቲ ምስክር (ናይ ኣምላኽ) ኣብ ልቡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክር ስለ ዘይኣመነ፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ይገብሮ።” 1ዮሃ 510

ካባና ዋላ ሓደ ሰብኳ፡ኣምላኽ ሓሳዊኺብል ዚደፍር ከም ዘይርከብ ብምሉእ ምትእምማን ኪመሓል ምተኻእለ ነይሩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ በቲ ንምጽኣት ጐይታ ዘሎና ኣጸባብያ፡ ሓንሳእን ክልተ ሳዕን ጥራሕ ዘይኰነ ዕድመና ምሉእ መዓልቲ መጸ ብተደጋጋሚ ንብሎ ምህላውናዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑን ከም ዝበሎ ድማ ኪመጽእ ምዃኑን ንኣምን እንተ ንኸውን፡ ንመብዛሕትኡ ሎሚ እነዘውትሮ ዘረባን ግብርን ፈጺምና ኣይምወዓልናዮን ኔርና። ፈጺምና ኽንስሕቶ ዘይግብኣና ሓቂ ኸኣ ኣሎ። ዝዀነ ተግባር፡ ከም ተግባር ንባዕሉ ጥራሕ (the act per se) ዘይኰነ፡ በቲ ዜሕልፎ መልእኽቲ ዝለዓለ ኣገዳስነትን ኣቓልቦን ዚወሃቦ።ኣምላኽ ሓሳዊምባል ብጽልእን ዝሙትን ካብ ምምልላስ ዝኸበደ ምዃኑ ዘየማትእ ሓቂዩ። ነዚ ጊዝያውን ምድራውን ሓጢኣት ኣዝዩ ኸቢድ ዚገብሮን ዘለኣለማዊ ፍርዲ ዜውህቦን ከኣ፡ በቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዜሕልፎ መልእኽቲዩ። ስለ ኸኣዩ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዘረባናን ግብርናን ብዙሕ ክንጥንቀቕ ዚግብኣና። ጥንቁቓት ክንከውን ዜኽእለና ኸኣ፡ እቲ ብዛዕባ ተስፋ ምጽኣቱ ዘሎና እምነትን ትጽቢትን ምዃኑ ብምልኣት ነስተውዕሎ።

2. ብዛዕባ ዅሉ ፈላጥነቱን ኵሉ ኸኣልነቱን፦ ኣጸባብያና ብዛዕባ ከኣልነቱን ፈላጥነቱን ንዘለና ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይሩ ዚቐልዖ። እግዚአብሔርንእንዛረቦ ዅሉ ይሰምዖዩ፡ ንእንገብሮ ዅሉ ይርእዮን ይፈልጦን ይዝክሮንዚብል እምነትን ርድኢትን እንተ ዚህልወና፡ ካብ መብዛሕትኡ ሎሚ ኣራኺሱና ዘሎ ኣበሳ ንጹሃት ምዀንና ኔርና። ንወዲ ሰብ ብሓጢኣት ኪብርትዕ ዚገብሮ፡እግዚአብሔር ኣይርእይ ኣይሰምዕዚብል ዕዉር ርድኢት ስለ ዘለዎዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ነዚ ሓቂ ደጋጊሙ ጠቒስዎ ኣሎ።

ኵሉ ሓሳባት ናይ ረሲእ፡ኣምላኽ የልቦን”’ዩ። ብትዕቢቱ ኸኣ፡ኣይምርምርንይብል ኣሎ። . . .  ንሱ ብልቡ፡ኣምላኽ ረሲዑ፡ ገጹ ኸዊሉዩ፡ ከቶ ኣይኪርእዮንይብል። . . . ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፡ ብልቡ ኸኣ፡ኣይክትምርምርን ኢኻዚብሎ፧   መዝ 104,11,13

ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡ ንዘኽታማት ከኣ ይሓርዱዮምሞ፡እግዚአብሔር ኣይርእዮን፡ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ መዓስ ኢኹም እትልብሙ፧ እዝኒ ዝተኸለሰ ኣይሰምዕንዶ፧ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶዩ፧መዝ 946-9

ናይ መብዛሕትኡ ሓጢኣትና ጠንቂ እዚ ዝተጠቕሰ ኣተሓሳስባዩ። ስለ ኢና ኻብ ሰብ ተሓቢእና ንምንዝር፡ ንኣምላኽ ግና ከም ዘየለን ኪርእይ ከም ዘይክእል ዕዉርን ስለ እንሓስቦ፡ ኣብ ግምት ኣይነእትዎን ኢና። በዚ ተግባርና ኸኣካብ ኣምላኽሲ ሰብ ይዓብይን የፍርህንኢልና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘለና ንዕቀት ንቐልዕ ምህላውና ኣይንፈልጥን ኢና።

ኵሉ ዚኽእል ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ብውሽጥና ስለ እንኽሕድ ከኣ፡ ድሕሪ ሞትናን ምብስባስናን ካብ ሞት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ፍርዲ መንበሩ ኣቚሙ ኺፈርደና ምዃኑ ኣይንኣምንን፡ ፈጺምናውን ኣይንሓስቦን ኢና። እዚ ኸኣ፡ ብሕቡእ ይኹን ብግህዶ፡ ሓጢኣት ንምግባር ድሕር ዘይንብል ደፋራት ይገብረና ኣሎ። ነቲ ሓጢኣት ብድኻምነትና ኸነመኽንየሉ ንኽእል ንኸውን። ነቲ ሓጢኣትና ብንስሓ ሕድገት ሓጢኣት ክንረኽበሉ ዘይምድላይና ንርእሱ ግን ብምጽኣቱ፡ ብኸኣልነቱ፡ ብፍርዳዊ ስልጣኑ ዘይንኣምን ከሓድቲ ምዃንና ዜቃልዓናዩ።

እቲ እንገብሮ ዓይነታት ግብሪ ማእለያ ስለ ዘይብሉ ንዅሉ እናጠቐስና መልእኽቱ ኽንትርጒም፡ ኣብ ሓጺር ጽሑፍን ስብከትን ዚከኣል ኣይኰነን። እዚ ድሮ ተገሊጹ ዘሎ ግና ንዅሉ ተግባራትና ብኸምኡ ኽንምርምር ከም ዜለብመና ጥርጥር የልቦን። ስለ በቲ ኣብ ርእስና ዀነ ኣብ ካልኦት እንገብሮ ዅሉ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ምጽኣቱን ዘሎና ቕኑዕ ኣረኣእያ ንምግላጽ ክንጥቀመሉ ይግብኣና።

ረብሓ ትጽቢትናኸ እንታይዩ፧ ብዙሕን ክቡርን ረብሓታት ዘለዎ። ንዅሉ ኽንጽብጽብ ግን ዚከኣል ኣይኰነን። ናይ ተስፋ ምጽኣቱ ዝዓበየ ረብሓ፡ ርእስና ኸነንጽህ ዚሕግዘና ምዃኑዩ።

“ . . ንሱ (ብምጽኣቱ) ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከም ዘለዋ ኽንርእዮ ኢናሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኣለና። እዛ ተስፋ (ምጽኣቱ)’ዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡  ከም (ክርስቶስ) ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።” 1ዮሃ 32,3

ሰብ ከኣ፡ ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ካብ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ብንስሓ ሕድገት ሓጢኣት ብምርካብን ዚነጽህ። እቲ ኻብ ሓጢኣት ዝነጽሀ ኸኣ ብጽድቂ ዚስለም። ምኽንያቱ እቲ ኻብ ጽልኢ ዝነጽሀ፡ ኬፍቅር ብምኽኣሉ ምንጻሁ ዜረጋግጽ። እዚ ናይ ምንጻህ ተግባር ንዅሉ ኻልእ ምድራዊ ረብሓታት ትጽቢት ኬጠቓልል ዚኽእልዩ። እቲ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብሮ ምጽኣት ዚርከብ ረብሓ ግን፡ በቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

“....ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም።ዝበሎ ቓል ጥራሕ ኺግለጽ ዚኽእል (1ቈረ 29) እቶም እሙናት ተጸበይቲ፡ እቶም ብምጽባይ ነቲ እኩይ ሰይጣንን ነታ ዝሳቐየቶም እክይቲ ዓለምን ዝሰዓሩ ሰባት፡ ጐይታናኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦየ፡ ኣብ መቕደሰይ ዓንዲ ኽገብሮየ፡ ስመይን ስም ኣቦይን ስም ናይታ ሓዳስ ኢየሩሳሌምን ክጽሕፈሉየ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኑ ምሳይ ኪመላለስዩ፡ ንስሙ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን መላእኽቱን ክእመኖየ፡ ኰዀብ ጽባሕ ክህቦየ፡ ካብ ስዉር ማና ኽህቦየ፡ ሓደ ዘይፈልጦ ሓድሽ ስም ክህቦየ፡ ካብ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦየ፡ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጒዳእንዩ።ብምባል ዘተስፈዎ ዅሉ ተስፋታት ኪውንንዎዮም (ራእ 27,11,17,28 3,5,12,21) ዘይሓልፍን ዘይጽምልውን ዘይረክስን ርስቲ ኪቕበሉ፡ ኣኽሊል ክብሪ፡ ኣኽሊል ጽድቂ፡ ኣኽሊል ህይወት ኪወሃቦምዩ፡ ብዘይንገር ክቡር ሓጐስ ኪሕጐሱዮም (1ጴጥ 13,4,6-9 54 ያእ 112 2ጢሞ 48 ማቴ 1928,29) እቲ ተስፋታት ብብዝሑ ዀነ ብዓይነቱ መግለጺ ዀነ መዳርግቲ ዘይርከቦዩ። ንምጽኣቱ ኽንጽበይ ዝመኸረልና ድማ፡ ነዚ ረብሓታት ምእንቲ ኼጐናጽፈናምበር፡ ሰንፈላል ምእንቲ ኺገብረና ኣይኰነን። እምበኣር ከም ተስፋኡ እሙናት ተጸበይቲ ምዃንና ነረጋግጽ። ከምቶም ብዘይ ምጽባይ ዚኽሕድዎ ዓያሱ ኣይንኹን። ፍቕሪ ናይ ሓላፊትን ለካሚትን ዓለም ከም ዘይለኸፈና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መጋቢት ፲፰, ፳፻፲፬  ግዕዝ (27 መጋቢት 2022 ).[ መበል 29 ሰንበት: ቊ.42/፵]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ተሰ 4፡13-ፍጻመ

2ጴጥ 3፡7-ፍጻመ

ግብ 24፡10-21

ማቴ 24፡1-28

ዘአትናቴዎስ/ያዕቆብ ዘሥሩግ

መዝ ፵፱(፶)፡፫ “እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ። ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።”

“ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስውን ይኸብቦ።”

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div