S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ባእሲ ዜምጽእ ፍትወት [መበል 27 ሰንበት: ቊ.40/፵ ]

እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ዚመጽእ ዘሎ፧ ካብ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኰነን፧ያእ 41

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾምዘምኵራብተባሂሉ ዚጽዋዕ። ኣብ ዝተነብበልናን ዘንበብናዮን ናይ ቅዱስ ወንጌል ክፍሊ፡ ጐይታና ብቕንኣት ቤቱ ተላዒሉ፡ ነቶም ንቤተ መቕደስ ኣይሁድ ዕዳጋ እንስሳን ትካል ሸርፍን ናብ ምዃን ዝለወጥዎ ሰባት ከም ዝሰጐጎምን ንቤቱ በዓቲ ጐሓሉት ካብ ምዃን ከም ዘጽረያን ተነጊሩና ኣሎ። እዚ ታሪኽ ንኣና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ኸኣ፡ ንመቕደስ ስጋና እቲ ሰራቒ (ጕሒላ) ዲያብሎስ ካብ ዘስረጸልና እኩይ ባህርያትን ግብርን ወርትግ ከነጽርያ ኸም ዚግብኣናዩ። እቶም ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ተሰሪዖምልና ዘለዉ ዅላቶም ኣጽዋማት፡ ነፍስናን ስጋናን ከነንጽህን ክንቅድስን ዝተሰርዑልናዮም። ቃል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ኸም ዜስተምህረና፡ እግዚአብሔር ጾም ቅዱሳኑ ዜፍቅር ኣምላኽዩ። ንጾምና ኻብ ግብረ-ኣምልኾ ናብ ግብሪ ዓመጻ ዚልውጥ እኩይ ጸላኢ ግን ኣሎና። ምኽንያቱ እቲ ንኣምላኽ ዜሐጒሶ ጾምና፡ ንእኡ ግን የፍርሶዩ። ፈጺምና ዘይንጸውም እንተ ዄንናሉ፡ ንእኡ ኣዝዩ ዓብዪ ባህታን ቅሳነትን ዚፈጥረሉ። ካብ ጾም ኪኽልክለና ከም ዘይክእል እንተ ኣረጋጊጹ ግን፡ ንጾምና ኬበላሽዎን እግዚአብሔር ከም ዚጽየፎ ኺገብርን ዚጋደል። ሓደ ኻብ ንጾምና ኸንቱ ንምግባር ዚጥቀመሉ ጥበቡ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድና፡ ዘይቅህም ሃልሃልታ ባእሲ ምእጓድዩ። በዚ ተግባሩ እምብዛ ውሕሉልን ምኩርን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ዳርጋ 99% ይሰልጦዩ። ጽዉዓት ብዙሓት ሕሩያት ግና ሒደት ዚዀኑሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ነዛ ጥበቡዚኣ ገና ኻብ ጥንቲ፡ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ የዘውትራ ምንባሩ፡ እግዚአብሔር ብብርዒ ነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

“. . . እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም። ክትጾሙ ኸለኹም ትበኣሱን ትከራኸሩን ብሕሱም ጕስጢ ትዋቕዑን ኣለኹም። ጸሎትኩም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘለኹም።” ኢሳ 583,4 .

ካብ ቓል ኸም እንግንዘቦ፡ ባእስን ክርክርን ጾምና ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንሰይጣን ከም ዝተወፈየ ኣገልግሎት ዚገብሮ። ንመቕደስ ስጋኡ ኻብ በካሊ ሓጢኣት ዘየጽረየ ሰብ፡ ጾሙ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማምበር ከም መንፈሳዊ ስነ ምግባርን ከም ግብረ ኣምልኾን ኣይቍጸረሉንዩ።

ንምንታይ ኢና ንበኣስ፧ እዚ ኣበሳ ንምንታይ ዘይበትከልና፧

ናይ ሎሚ ትምህርትና ዕላማ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ ንምምላስዩ። ናይ ሕቶ ንጹር መልሲ፡ ጐይታና ብመልእኽቲ ቅዱስ ሃዋርያኡ ያእቆብ ገይሩ መሊሱልና ኣሎ። ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስና ኸኣ ንሱዩ። ንጾምናን ጸሎትናን ፍረ ዘይብሉ መኻን ስነ ምግባር ዚገብሮ ዘሎ፡ እዚ ዘየባትኽ ባእስን ክርክርን ጸርፍን ጽልእን ቂምታን ቅንእን ትዕቢትን ወዘተንዩ።ባእሲ ተፈጺሙንምባል ናይ ግድን ክንዋቓዕ ክንቃተል ኣለና ማለት ኣይኰነን። ንሓውኻ፡ ንብጻይካ ዘይምፍቃር፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽቅትለት ነፍሲ (murder)’ዩ። ንመሪሕ ጥቕስና ምልስ ኢልና ብምስትውዓል ነንብቦ። ክንደይ ዓይነት ውግእ ተጠቒሱ ዘሎ፧ እቲ ውግእ ክልተዩ።

1 እቲ ምስ ሰባት ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ውግእ

2 እቲ ኣብ ገዛእ-ኣካላትና ዘሎ ውግእ።

ነቲ ምስ ሰባት እንገብሮ ውግእ ንፈልጦ ኢና። ነቲ ኣብ ኣካላትና ዘሎ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእ ግን ፈጺምና ኣይንፈልጦን፡ ኣይነስተውዕለሉን ከኣ ኢና። ናይ ምስ ሰባት እንገብሮ ውግእ መሰረታዊ ጠንቂ፡ እቲ ኣብ ኣካላትና ዚካየድ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእ ምዃኑ ምፍላጥ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ነዚ ሓቂ እንተ ንፈልጥ፡ ነቲ ምስ ሰባት እንገብሮ ውግእ ፈጺምና ኸነቋርጾ፡ እንተ ወሓደ ኸኣ ኣዚና ኸነጕድሎ ምኸኣልና ኔርና። ምስ ሰባት ኣብ ምውጋእ ክንግደስን ርእስና ብእኡ ኽንጸምድን ዚገብረና ዘሎ፡ ኣብ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእ ወርትግ ስዑራት ስለ ዝዀንናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዓሮስ ባርያኡ ይዀኖኸም ዝበለ፡ ንሕናውን ፍትወት ስጋ ስለ ዝሰዓረና፡ ናይ ፍትወት ስጋ ባሮት ኴንና ንርከብ ኣለና (2ጴጥ 219) እቲ ዝሰዓረና ፍትወት ስጋ፡ ነቲ ስዑር ኣካላትና ተጠቒሙ፡ ውግእን ባእስን፡ ጸርፍን ጽልእን፡ ቂምታን ሕነን ከም እንፈርይ ይገብረና ኣሎ። ስለ ኣብ ባእስን ክርክርን ክንጽመድ ከለና፡ኣነ ብፍትወት ስጋ ዝተሰዓርኩ ምሩኽየ። ፍትወት ስጋይ ዝኣዘዘኒ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝሓሸን ዝመረጽክዎን ካልእ ግብሪ ኽገብር ኣይክእልንዚብል ግብራዊ መልእኽቲ ንሰብን ንኣምላኽን ነመሓላልፍ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። እቲ ብፍትወት ስጋ ዝተሳዕረ ስጋዊ ሰብ እንታይ ከም ዚሓስብን ከም ዚብልን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ሰናይ ንምግባር ድልየት ኣሎኒምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለ ኣባይ ማለት ኣብ ሰብኣዊ ባህርየይ (ኣብ ስጋይ) ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ ኽገብሮ ዝደልይ ሰናይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልይ ነገር ዝገብር ዘለኹ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገበርክዎ ግና ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣትምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።ሮሜ 717-20 .

እዚሓጢኣትዚብሎ ዘሎ፡ ነቲ ትምኒት ወይ ፍትወት ናይ ሓጢኣት ምዃኑ ኸኣ፡ ኣቐዲሙ፦ኣብ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተለዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይይ ነበረ።

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 75 .) ኣብ ስጋናትምኒት፡ ፍትወትናይ ስጋ (ናይ ሓጢኣት) ይዓይዪ እንተልዩ፡ ሰብነትና ፋብሪካ ናይ ሓጢኣት ዚኸውን። ሓጢኣት ከኣ፡ እቲ ንሞት ዚኸውን ፍረ ናይ ስጋዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነቲ ኣብ መንጎ ትምኒትን (ፍትወትን) ሓጢኣትን ሞትን ዘሎ ዝምድና ብኸም ዚስዕብ ኣስፊሩልና ኣሎ።

ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሓቱ።ያእ 114-16 .

እምበኣር፡ ናይ ኣብ ህይወትና ዚኽሰት ዘሎ ዘየቋርጽ ፍረ ናይ ሓጢኣት፡ ትምኒት ወይ ፍትወት ስጋ ዚወልዶን ዚፈርዮንዩ። ሓደ ኻብ ሞት ዜስዕብ ፍረታት ናይ ፍትወት ስጋ ድማ ውግእን ባእስንዩ። ስለ ሰይጣን ንስጋና ወርትግ ብትምኒትን ፍትወትን ኪዋግኦ ዚነብር። ፍትወት ስጋ፡ ሰይጣን ኣብ ስጋና ዜካይዶ ውግእ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፦

ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ኣብ ዓለምዚኣ) ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝዀንኩም፡ <ካብ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ> እናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ።ብዚብል ቃል ገሊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 211 .) ነፍስን ስጋን፡ ከም ኣካላት ሓደ ሰብነት መጠን፡ ተሰማሚዐን ኪነብራ እናተገብአን፡ ስጋ ንነፍሲ ክትወግኣ ዚገብር ዘሎ፡ ትምኒት-ስጋ ወይ ፍትወት ስጋዩ።

ነቲ ኣብ ገዛእ ኣካላትና ሰፊሩ ዚወግኣናን፡ ምስ ኣሕዋትና ዜዋግኣናን ፍትወት ስጋ ብኸመይ ኢና እንስዕሮ፧

ብውግእ ኪቐትለካ ኻብ ዝመጸ ጸላኢ እትድሕነሉ ዝበለጸ ሜላ ኺህልው ናይ ግድንዩ። እቲ ዝበለጸ ሜላ፡ ነቲ ዚወግኣካ ፍትወት ስጋ ወጊእካ ምቕታልዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፦ስለ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ እቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ፡ ቅተሉ።ብምባል፡ ካብ ምርኮ ሰይጣንን ፍትወት ስጋን እነምልጠሉ ኻልእ መዋጽኦ ኸም ዘይብልና ኣመልኪቱና ኣሎ (ቈሎ 35 .) ንሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱውን፡ ብዛዕባ ርእሱ ሓዊሱ ገሊጹልና ኣሎ።

እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም (ነቲ ሰብኣዊ ባህርዮም) ምስ ናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎዮም። . . .  በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት፡ ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።ገላ 523  614,15

ነቲ ኣብ ስጋና ዀይኑ ዜሸግረናን ናብ ሓጢኣት ዚደፍኣናን ስጋዊ ወይ ሰብኣዊ ባህርይ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስኣረጊት ሰብኢሉ ዚሰምዮ (ሮሜ 66,7  ቈሎ 39,10  211) ነዚ ብፍትወት ስጋ ዚዓይዪ ኣረጊት ሰብ ሰቒልና እንተ ዘይቀቲልናዮ፡ በቲ መርዛምን ርሱንን ፍላጻኡ ወጊኡ ኪቐትለናን፡ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ኺህበናንዩ። ስለ ከምቲ ቕዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም ዝመዓዱና ነዚ መልክዕ ሰይጣን ዜልብሰና ኣረጊት ሰብና ቐንጢጥና ኣብ መስቀል ብምስቃል ክንቀትሎ፡ ብኣንጻሩ ነቲ ጽድቅን ቅድስናን ዝመለለዪኡ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ይግብኣና።

ምስኡ (ምስ ክርስቶስ) ሓቢርና እንተ ደኣ ሞይትና ምስኡ ሓቢርና ከም እንትንስእ ርጉጽዩ። ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ፡ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ ዝሞተ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡዩ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣለና።ሮሜ 65-8 .

እታ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡  ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።ኤፌ 421-24

ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።ቈሎ 38-10

ንፍትወት ስጋ ብምንታይ ኢና እንወግኦ፧

ዕጥቂ ኸይዓጠቕካ ጥራይ ኢድካ ዄንካ ዚግበር ውግእ ከም ዘየልቦ ፍሉጥዩ። ፍትወት ስጋ ባህርይምበር ኣካል ስለ ዘይኰነ፡ ብመንፈሳዊ ኣጽዋርምበር ብኣካላዊ ኣጽዋር ክትዋግኦ ኣይከኣልንዩ። ክንዓጥቆ ዚግብኣና ቐዳማይ ኣጽዋር፡ ናይ ኣተሓሳስባ ኣጽዋርዩ።

ደጊም ክርስቶስ ምእንታና (ብስጋ) ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን (ህይወትኩም) ንፍቓድ ኣምላኽምበር ንፍትወት (ስጋኹም) ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን ብጓይላ፡ ብመስተ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም። ፍቓድ (ስጋ) ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል።” 1ጴጥ 41-3

ንፍቓድ ኣምላኽምበር ንፍቓድን ፍትወትን ናይ ስጋኻ ኸይትነብር፡ ብሓሳብ ኣእምሮኻ ቈራጽ ውሳነ እንተ ዘይወሲንካ፡ ክትሰዓርምበር ክትስዕር ከም ዘይኰንካ ርዱእዩ። ነዚ ናይ ሓሳብ ኣጽዋር ኸይዓጠቕካ፡ ነቲ ኻልእ ኣጽዋር ኣምላኽ ክትዓጥቆን ክትጥቀመሉን ኣይከኣልዩ። ብሓሳብ ጥራሕ ክንዋጋእ ስለ ዘይንኽእል ነቲ ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንዓጥቆ ናይ ግድንዩ።

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያትምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነንሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ።ኤፌ 610-13

እቲ ኣጽዋር ከኣ ሓቅን ጽድቅን እምነትን ወንጌል ሰላምን ምድሓንን ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ምዃኑ ኣስዒቡ ተዘርዚሩልና ኣሎ (ኤፌ 614-18  1ተሰ 58) ንፍትወት ስጋን ነቲ ብፍትወት ስጋ ዚገዝኣና ሰይጣንን ኵሎም ስልጣናቱን እንስዕረሉ ኣጽዋርና እዚ ጥራሕዩ። ነዚ ዘይዓጠቐ ክርስትያን፡ ኣብ ውግእ ከይበጽሐ ስዑርዩ። ምኽንያቱ ሓቂ እንተ ዘይዓጢቕና ናይ ግድን ሓሶት ዓጢቕና ኸም ዘለና ርዱእዩ። ኣብ መንጐ ሓቅን-ሓሶትን ቦታ የልቦን። እቲ ኣዝዩ ደስ ዜብል ብስራት ግና እቲ ኣጽዋር ውግእ ንዅላቶም ቅዱሳን ዘዐወተ ፍቱን ኣጽዋር ምዃኑዩ። እቲ በዚ ፍቱን ኣጽዋር ዝተዓወተ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

“(ስጋ ዝለበስና እንተ ዀንና) ብስጋዊ መገድስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ድማ ጽኑዕ ዕርድታት (ናይ ሓጢኣት) ዜፍርስ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎ ኣጽዋርምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ንዚከራኸረና ንረትዖ። ነቲ ንፍልጠት ኣምላኽ ብትዕቢት ዚቃረን ኵሉ ነፍርሶ፡ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ ንክርስቶስ ከም ዚግዛእ ንገብሮ።ኢሉና (1ቈረ 103-5 .) ንፍትወት ስጋና ስዒርና ብጽድቂ ኽንነብርን ንኣምላኽ ከነኽብርን እንተ ዄንና፡ ነዚ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎ ዕጥቂ ኽንዓጥቕ ይግብኣና።

ባእስን ፍትወት ስጋንከ ብኸመይዮም ዚዛመዱ፧ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ንፍትወት ስጋ፡ ምስ ጾታዊ ፍትወት ጥራሕ ኢና ነዛምዶ። ፍትወት ስጋ ኺበሃል ከሎ ግን እቲ ኸም ሰባት መጠን እንምነዮን እንብህጎን ኵሉ ስጋዊ ድልየታት ዜጠቓልልዩ። ገንዘብ፡ ብልዒ፡ ተድላ (pleasure) ክብረት፡ ልዕልና፡ ዋዛ፡ ወዘተ ስጋዊ ፍትወትዩ። እቲ ነዚ ምእንቲ ኽትረክብ እትፍጽሞ ግብርታትን እተርእዮ ስምዒታትን ከኣ ሓጢኣትዩ። ነዚ ስጋዊ ድልየታትና ንኸይንረክብ ዚዕንቅፈና ንዝዀነ ዅሉ እነርእዮ ወይ እንህቦ መልሰ ግብሪ ድማ ሓጢኣትዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ንሓጢኣት ዚወልዶ ትምኒት ወይ ፍትወትዩ። ከም ንሰብ ክንላለዮ ወይ ክንፈልጦ ኸለና፡መንዩ፡ ወዲ መንዩ፡ ካበይ መጺኡ፡ ኣበይ ዓዱወዘተ ኢልና እንሓትት ብዛዕባ ኣብ ህይወትና ዚኽሰት ሓጢኣትውን ከምኡ ኢልና ኽንሓትት ግቡእዩ። ክንሰርቕ ዚገብረና ናይ ረብሓ ፍትወት ስጋዩ። ክንዝምውን ክንምንዝርን ዚገብረና ናይ ጾታዊ ዕግበት ትምኒትዩ። ክንበኣስን ክንዋጋእን ዚገብረናውን ረብሓ ናይ ምርካብ፡ ልዕሊ ሰብ ናይ ምዃን፡ ክትመልኽ ናይ ምድላይ፡ ዓብላሊ ናይ ምዃን፡ ቀዳምነት ናይ ምርካብ ትምኒትናዩ። ነዘን ትምኒትናዚኣተን ንኸይነዕግብ ዚኽልከለና ዅሉ ሰብ፡ ጸላኢና ዀይኑ ስለ ዚረኣየና ብዝተፈላለየ መገዲ ብጸርፊ፡ ብማህረምቲ፡ ብጽልኢ፡ ብቒምታ፡ ብሕምየት ወዘተ ኽንዋግኦ ንርከብ። እቲ ብፍትወት ስጋ ዚግዛእን ዚምራሕን ሰብ፡ ንዝምድናታቱ ብናይ ጽድቂ ኣገባብ ኪዕቅቦምን ኪሃንጾምን ኣይደልንዩ። ውግእ ኣብ ዘለዎ፡ ኵሉ ጊዜ ዕንወት ጥራሕ ዚስዕብ። ሰባት ብቦምብን ብመዳፍዕን ኪዋግኡ ኸለዉ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከም ዚወርድ፡ ሰባት ብፍትወት ስጋ ኺዋግኡ ኸለዉ ድማ ኣብ ዝምድናታት ከቢድ ሃስያን ዕንወትን ዚወርድ። ሰብ ኪዳን ብፍትወት ስጋ እንተ ተዋጊኦም፡ ነቲ ብስም ቅድስት ስላሴ ዝቘመ ሓዳሮም ብፍትሕ የፍርስዎ። እቶም በዚ ኺዳን እተወልዱ ደቂ፡ ብንጽል ወላዲ ይዓብዩ። እዚ ድማ ከቢድ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ቍጠባውን ቅልውላው ይፈጥር። እቲ ብፍትወት ስጋ ዚዋጋእ መጻምድቲ ኣብ ግርጭት ላዕላይ ኢድ ጨቢጡ ዕዉት ኰይኑ ኺወጽእ ኣብ ከቢድ ህልኽ ይጽመድ። ዝበዝሐ ንብረትን ገንዘብን ኪምቀል ይጋደል። ንዅሎም ወይውን ንዚበዝሑ ኻብቶም ደቆም ንኺወስዱ ኣብ ደቆም ናይ መጻምድቶም ጽልኢ ኼሕድሩሎም ዚከኣሎም ኵሉ ይገብሩ። እዚ ዅሉ ድማ፡ ቀዳምነት ንምርካብ፡ ዓብላሊ ንምዃን፡ ረብሓ ስጋ ንምዕዛዝ፡ ዝሓሸ መጻምድቲ ንምርካብ ዝዓለመዩ።

ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወለድኻን ዚግበር ምስ ርስቲ ዝተተሓሓዘ ባእስን ክርክርን፡ ርኡይ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእዩ። በዚ ኸም ዘይሓልፍ ስድራ ቤት ኣሎ ኽትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚዩ። ክሳዕ ናብ ምቅታል ዝዓለመ ብብርቱዕ ጽልኢ ዝተደረኸ ተሃንድዶን ባእስን ዚረኣይ። ብሻራ ተወዳዲብካ ዚግበር ተንኰል፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሐ ጒዳይ እንተ ዀይኑ፡ ጒቦ ብምሃብ፡ ሓሰውቲ መሰኻኽር ብምዕሳብ፡ ፍርድን ፍትሕን ንምጥምዛዝ ዚግበር ጻዕሪ ጸብጺብካን ገሊጽካን ዚውዳእ ኣይኰነን።

ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ፡ ኣስራሕን ሰራሕተኛን፡ ዓሚልን ዋና ትካልን፡ ናይ ትካል ሰብ ብርኪ፡ ጐረባብቲ፡ መሳርሕቲ፡ መማህርቲ ወዘተ ዚረኣይ ኵሉ ባእስን ውግእን ጠንቁ ፍትወት ስጋ ንምዕጋብ ዝዓለመ እኩይ ተበግሶታትዩ። እቲ ንፍቓድ ኣምላኽምበር ንፍቓድ ርእሱ ወይ ንፍትወት ስጋኡ ከይግዛእ ዝመረጸን ዝወሰነን ሰብ ግን፡ ብዘይካ ሰላምን ፍቕርን ካልእ ምርጫ ኼልዕል ፈጺሙ ኣይኰነሉንዩ።

ንፍትወቱ ቐቲሉ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚግዛእ ሰብከ እንታይ ዚገብር፧

1 ንብጻዩ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ (ፊሊ 23) ነዚ ኸኣ ጥቕሚ ርእሱ ሰዊኡ ንጥቕሚ ብጻዩ ብምሕላይ ይፍጽሞ (2ቈረ 1024,23  919-22  813  ፊሊ 24)

2 ካብ ብጻዩ ንዚወርዶ በደል ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ይጾሮ (ማቴ 1022  2413) እናተመረረን ደም እናጠዓሞን ዘይኰነ ብሓጐስ ይዕገስ (እብ 1034  2ቈረ 1119) ብደረቕ ናይ  ትዕግስቲ ስምዒት ዘይኰነስ፡ ጐደሎ ብዘይብላ፡ ፍጹምነትን ምሉእነትን ብእተጐናጽፍ፡ ግብራዊት ብዝዀነት ትዕግስቲ ይዕገስ (ያእ 14  ሉቃ 815)

3 ንዅሉ ግብሩ ብፍቕሪ ይገብሮ (1ቈረ 1614) ዝዀነ ይኹን ተግባር ብዘይ ፍቕሪ ከንቱን ትርጒም ኣልቦን ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ነታ ናብ ፍጻመ እተብጽሕ ፍቕሪ ኻብ ህይወቱ ኺፈልያ ኣይኰነሉን (ሮሜ 131-8  1ቈረ 138-10  ቈሎ 314) በደል ብጻይካ ክትጸውርን ክትከድንን እተኽእል ፍቕሪ ጥራሕ ምዃና  ስለ ዚፈልጥ፡ ኪፈልያን ኪፍለያን ኣይኰነሉን (1ጴጥ 48,9  ምሳ 1012  179)

4 ንዚወርዶ ዅሉ በደል ብምሕረት ይሓልፎ። ኣይቅየምን፡ ኣይምረርን ከኣዩ። ንርእሱ ብምሕረት ኣምላኽ ይነብር ከም ዘሎ ስለ ዚፈልጥ፡ ንሱ ምሕረት ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ እግዚአብሔር ምሕረት ኪገብረሎም ምእንትኦም ይልምን (ማቴ 614,15  1821-35  ኤፌ 432  ቈሎ 312,13)

እምበኣር ንርእስና ንመርምር። ነቲ ሰይጣን ኣብ ውሽጥና ዚኣጕዶ ፍትወት ስጋ ዝሰዓርና ዕዉታት ዲና፧ ኣብ ስጋናን ኣብ ኵሉ ዝምድናታትናን ፍቓድ ኣምላኽዶ ወይስ ፍትወት ስጋና ይገዝእ ኣሎ፧ ዝምድናታትና እንታይ ይመስል ኣሎ፧ ዓውደ ውግእዶ ዓውዲ ሰላምን ጽድቅን፧ ነቲ ንፍትወት ስጋ ኽንዕወተሉ ዜኽእለና ኣጽዋር ኣምላኽ ዓጢቕናዮን ንዋግኣሉንዶ ኣሎና፧ ነዚ ሕቶታት እንህቦ መልሲ፡ እቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ዜርእየናዩ።

እምበኣር ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰባትን ዜባእሰና ፍትወት ስጋ ደኣ ንበኣሶምበር፡ ብፍትወት ስጋስ ምስ ሓደ ኣይንበኣስ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መጋቢት  ፳፻፲፬  ግዕዝ (13 መጋቢት 2022 ).[ መበል 27 ሰንበት: ቊ.40/፵ ]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ቈሎ 2፡16-ፍጻመ

ያእ 4፡1-12

ግብ 5፡17-30

ዮሃ 2፡12-ፍጻመ

ዘእግዚእነ

መዝ ፷፰(፷፱)፡፱-፲

“እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ።”

መዝ ዳዊት 69: 9-10 “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።”

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div