S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድም ንስድራ ቤት!! [መበል 23 ሰንበት: ቊ.30/፴ ]

ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለዉዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡልሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ኬርእዩ፡ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይመሃሩ። .....ሓደ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓልይ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብ ዘይኣምንውን ዝገደደዩ።1ጢሞ 54,8

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኻብ ዕለተ ገሃድ (ታሕ. 28) ክሳዕ ቅበላ ጾም (ለካ.20) ዘሎ ቕንያትአንሶሰወ፡ ተወልደ፡ ተጠምቀ፡ አውየኖ ሰማይተባሂሉ ይጽዋዕ። ትርጕሙ ኸኣተመላለሰ፡ ተወልደ ተጠምቀ፡ማለትዩ።ዕለተ ገሃድእትበሃል ድሮ ልደት ዘላ መዓልቲያ፡ቅበላ ጾምእትበሃል ከኣ ድሮ ናይ ዓብይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) እትጅምረላ ዕለት ዘላ ሰንበትያ። እዛ መበል 23 ሰንበትዚኣ፡ ካብ ዕለተ ገሃድ ሻድሸይቲ ሰንበት ምዃናያ። እዚ ዚስዕብ ሳልስቲ፡ ጾመ ነነዌ እንጾመሉ ቕንያት (ለካ.7-9 - ለካ 14-16 .) ንጾምናን ጸሎትናን ከም ንሰብ ነነዌ ዝተቐበሎም ምእንቲ ኪቕበለልና፡ ነፍሲ ወከፍና ኻብ እኩይ መገድና ተመሊስና ኻብ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓመጻ ብንስሓ ኽንጸውምን፡ ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ ግብራዊ ጾም ክንጸውምን ይግብኣና (ዮና 35-10 ኢሳ 581-12) ብቐንዱውን እቲ ዓብይ ጾምና ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ዕዉት ናይ ጾም ጊዜ ምእንቲ ኸነሕልፍ ዜድልይ ኵሉ መንፈሳዊ ምድላዋት ክንገብር ግቡእናዩ። ሓደ ኻብቶም ነዛ ሰንበትዚኣ ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ እዚ ናይ 1ጢሞ 51-11 ንባብዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ መንፈስ ወዱ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ንስድራ ቤት ኪወሃብ ዚግባእ ቀዳምነት መሰረታዊ ሓሳብ ጽሒፉሉ ኣሎ። ቅዱስ ጢሞቴዎስ፡ ኣብ እዋን መራሒ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ኰይኑ የገልግል ነበረ። እቲ ንእኡ ዝተጻሕፈሉ ቐዳማይን ካልኣይን መልእኽታት፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ኬመሓድራን ኪጓስያን ከም ዚግብኦ መምርሕን ምዕዶን ምትብባዕን ንምሃብ ዝዓለመዩ። ከምኡ ከም ዝዀነ፡ በቲ፦

ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ (መልእኽቲ) እጽሕፈልካ ኣለኹ። እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ማለት ኣብ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት (ቤተ ክርስቲያን) ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈትው ኣለኹ።

ዚብል ቃል ክንፈልጥ ንኽእል ኢና (1ጢሞ 314,15) ካብ ዝተዋህቦ ብዙሕ መምርሒታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ሰፊሩ ዘሎ፡ ንስድራ ቤት ግቡእ ቦታኣ ንኼትሕዝ ዝተዋህቦ መምርሒዩ። ነዚ ኸኣ ብምስትምሃርን ኣርኣያ ብምዃንን ኪገብሮ ተነግሮ። መበገሲ ናይ ኣርእስቲ ኸኣ፡ ንዝመብለዋ ኣዴታት ዚምልከት መምርሒ ኺህብ ከሎ ዘልዓሎዩ። ኣብ እዋን ደቅን ደቂ ደቅን ዘለዉወን መበለታት፡ ብስድራ ቤተን ኪናበያ ዚግባእ ክነሱ፡ ቤተ ክርስቲያን ክትናብየን ሓዲጎም ሸለል ይብለወን ነበሩ። እዚ ኸኣ ነታ ቤተ ክርስቲያን ተጽዕኖ ይዀና ነበረ (1ጢሞ 516) ስለ ቤተ ክርስቲያን ነተን ዚናብይወን ደቂ ዘይብለን መበለታት ጥራሕ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዳ ኽትናብይ፡ እተን ደቅን ደቂ ደቅን ዘለዉወን መበለታት ግን ብገዛእ ደቀን ኪናበያ ንጹር ሃዋርያዊ ትእዛዝ ሃበ (1ጢሞ 53-10,16) መበለታት፡ ዘኽታማት፡ ኣረጋውያን፡ ስንኩላን ወዘተ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና ይናበዩ ኸም ዘየለዉ ዅላትና እንዕዘቦዩ። ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ኽትገብር ከም ዚግብኣ ዚፈልጥን ዚሓስብን ኣገልጋሊ ይኹን ምእመንውን የብልናን። ነዚ ኣርእስቲ ብዚምልከት፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሃዋርያዊ መስመር ርሒቓ ኸም ዘላ ዜረጋግጸልና ዜሕፍር ተርእዮዩ። ኣብፍኖተ ህይወትናይ መሰረተ-እምነት መጽሓፍና፡ግብረ-ሰናይኣብ ዚብል ሰፊሕ ኣርእስቲ፡ እዚ ሃዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ኣገልገልቲ ዀነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ምእመን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ተገሊጹ ኣሎ። ስለ ንእኡ መሰረት ብምግባር ሓባራውን ውልቃውን ሓላፍነትና ኸነልዕል፡ ግቡእ ጊዜኡዩ።

ንምንታይ ንስድራ ቤት ቀዳምነት ኪወሃብ፡ ጐይታና ብሃዋርያኡ ገይሩ ዝኣዘዘና፧ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት ስድራ ቤት ብኢድ እግዚአብሔር ዝተሰረተት ቀዳመይቲ ሕብረት ብምዃናዩ። ስድራ ቤት፡ ገና ሓጢኣት ናብ ዓለም ከይኣተወ ኸሎ ዝቘመት፡ መንፈሳዊት ትካልያ። እግዚአብሔር፡ ንስድራ ቤት በቲ በዅሪ ዅሉ ምስጢራት ዝዀነ ምስጢረ ተክሊል ሰሪትዋ። እቲ ዝቘመትሉ ምስጢር ጥራሕ ዘይኰነ በዅሪ ዚኸውንሲ፡ ስድራ ቤት ንርእሳውን በዅሪ ዅሉ ኻልእ ሕብረታትያ። ብህላወ፡ ስድራ ቤት ንቤተ ክርስቲያን ብኣሽሓት ዓመታት እትቕድማ። ስድራ ቤት ኣብ ገነት ኤደን ቘይማ፡ ቤተ ክርስቲያን ግን ኣብ ሓጥእን ውድቕትን ዓለም፡ ጐይታና ብኣካለ-ስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ ተመስሪታ። እግዚአብሔር ቀዳማይ ርክቡ፡ ምስ ብገዛእ ኢዱ ዝፈጠራ፡ ብቕዱስ ምስጢሩውን ዘቘማ ስድራ ቤት ነበረ። እቲ ንኣምላኽን ንሰብን ዝፈላለየ ሓጢኣት ክሳዕ ዚፍጸም እግዚአብሔር ምስ ቐዳመይቲ ስድራ ቤት፡ ብማእከላይ ኣካል ወይ ብመልእኽተኛ ዘይኰነስ፡ ብቐጥታ ባዕሉ ይዘራረብን ይእዝዛን ነበረ። እቲ ዝተገብረ ርክባት ተዘርዚሩ እንተ ዘይተጻሕፈኳ፡ እቲ

ምድሪ ምስ ወልወለ (In the cool of the day) ድምጺ እግዚአብሔር ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።

ዚብል ቃል ንድምጽን ገጽን ናይ እግዚአብሔር ዘይፈልጡ ጓኖት ከም ዘይነበሩ ዜመልክተና (ዘፍ 38) ኣብ ሓጢኣት ወዲቖም ምስ ተበላሸዉ መጺኡ ዘዘራረቦምሲ፡ ኣብ ፍጹም ምእዛዝን ጽድቅን ከለዉ ኸኣ ኣዘውቲሩ ይዘራረቦም ከም ዝነበረ ከቶ ዘየጠራጥርዩ። ዋላ ድሕሪ ውድቀቶምውን እንተ ዀነ፡ እግዚአብሔር ነታ ስድራ ቤት ኣይተፈልያን። ቃኤል ዘይቅቡል መስዋእቲ ኣቕሪቡ ምስ ተነጽገ፡ ኣብ ልዕሊ ንኡስ ሓዉ ኣቤል ብርቱዕ ቅንእን ጽልእን ኣሕዲሩ ናይ ምቕታል ሃቐና ተላዕሎ። እቲ ንልቢ ዚምርምር ኣምላኽ፡ ነዚ እኩይ ሃቐናኡ ስለ ዝፈለጦ፡ ኣብ ስድራ ቤትዚኣ ኻልእ ዝኸፍአ ዕንወት ምእንቲ ኸይወርድ፡ ካብ ክፍኣትን ጥፍኣትን ኬድሕኖ ብኣካል ተገሊጹ ባዕሉ ንቃኤል ኣዛረቦን መዓዶን (ዘፍ 41-7) ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ቃኤል ንቓሉ ኸም ዘይእዘዞን፡ ንሓዉ ኸይቀተለ ኸም ዘይዓርፍን ይፈልጥ እንተ ነበረ፡ ብምኽንያት ንስድራ ቤት ዝነበሮ ዕላማን ቀዳምነትን፡ በቲ ሕያዋይን መሓርን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ኪወስዶ ዚግብኦ ዅሉ ስጕምቲ ወሰደ።

ቃኤል ትእዛዝ ኣፍሪሱ ንሓዉ ምስ ቀተሎ ድማ ኣይቀበጾን፡ ደጊሙ መጺኡ ኸኣ፡ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ኢሉ ሓተቶ። ሕልናኡ ዝቐተለ ሰብ ምዃኑ ጠፊእዎ ኣይኰነን። ኣብ መልሓስና ገና ሓንቲ ቓል ከየላ ዚፈልጣ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብቃኤል ዚወሃቦ ደረቐኛ መልሲውን ይፈልጦ እንተ ነበረ፡ ናብ ልቡ ኺመልሶ ምጽዓር ኣይሓደገን (ዘፍ 48-10 መዝ 1393,4) ኣብዘን ቀዳሞት 4 ምዕራፋት ናይ ኦሪት ዘፍጥረት እግዚአብሔር ክልተ ዓበይትን ኣገደስትን ሕቶታት ሓቲቱ ኣሎ።

1 ንስኻ ኣበይ ኣለኻ፧

2 ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧

እዘን ክልተ ሕቶታት ኣብ ምዕቃብ መንፈሳውን ስድራ ቤታውን ዝምድናታት ዝለዓለ ተራ ዘለወንየን። እቲኣበይዚብል ሕቶ፡ ናይ መንፈሳዊ ሃለዋትምበር፡ ናይ ቦታ ሓበሬታ ዚጠልብ ኣይኰነን። እቲ ሕቶኣብ ሓጢኣትዶ ኣብ ጽድቂ፧ ኣብ እምነትዶ ኣብ ክሕደት፧ ኣብ ፍቕሪዶ ኣብ ጽልኢ፧ ኣብ ምፍልላይዶ ኣብ ሕብረት፧ ወዘተዚብልዩ። ኣዳምን ቃኤልን፧ እቲ ሕቶ ናይ ኣምላኽ ብንጹር ተረዲእዎም ነበረ። ስለ ኸኣ’’ዮም ነቲ ግቡእ (pertinent) መልሲ ኺህቡ ዝኸኣሉ። ስለ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ዅሉ ውልቀ ምእመን፡ ነዚ ቕደም ተኸተል ናይ ሕቶታት ከይለወጡ ንርእሶም ኪሓትቱን ኪፍትሹን ይግባእ። ንስድራ ቤታት ኣብ ምእላይ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣበየናይ መንፈሳዊ ሃለዋት ኣላ፧ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ክርስትያንከ፡ ንስድራ ቤቱ ብዚምልከት ኣበየናይ መንፈሳዊ ሃለዋት ኣሎ፧ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሃለዋት እንተሊና ነቲሓውኻ፡ ሓብትኻ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻ፡ ሰብኣይኪ፡ ሰበይትኻ፡ ዓባይካ፡ ኣቦ ሓጎኻ ወዘተ ኣበይ ኣሎ፧ዚብል ሕቶ ኣምላኽ፡ ኣዝዩ ዜዕግብ መልሲ ኽንህብ ኢና።

ቅድም ንስድራ ቤትና ኸነርእዮ ዚግብኣና መንፈሳዊ ባህርይ እንታይዩ፧ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ መሪሕ ጥቕስና ኣዝዩ ንጹር ብዝዀነ መገዲ መሊሱልና ኣሎ። ፍርሃት እግዚአብሔር፡ ብዝለዓለ ደረጃን ብቐዳምነትን ኪረኣየላ ዚግባእ፡ ስድራ ቤትያ። ፍርሃት እግዚአብሔር ናይ ኵሉ ኻልእ መንፈሳዊ ባህርያት መሰረትን ምንጭንዩ። ፍርሃት እግዚአብሔር፡ ልክዕ ፍሬታት ከም ዝመልአ ሓደ ዘምቢል (basket)’ዩ። ኣብኡ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ትዕግስቲ፡ ምሕረት (ይቕሬታ) ሓቂ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል (ዕግበት) ቅድስና፡ ምእዛዝ፡ ሓልዮት፡ ልግሲ፡ ምስጋና፡ ጥበብ፡ ፍልጠት፡ ጸሎት፡ ሰናይ ግብሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ተስፋ፡ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣገልጋልነት (servanthood) ወዘተ ኣሎ። ንስድራ ቤታዊ ዝምድናታት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ኻልእ መንፈሳውን ማሕበራውን ዝምድናታት ከይተረፈ፡ ጥዑይን ጽኑዕን ዚገብሮ ድማ እዚ ሃብታም ትሕዝቶ ናይ ፈሪሃ እግዚአብሔርዩ። ፈሪሃ እግዚአብሔር ብዘይ ባህርያትን ግብርታትን ብኻልእ መገዲ ኸተርእዮ ኣይከኣልንዩ። ኣቦና እዮብ ነዚ ሓቂዚ፦

እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት ናይ ዅሉ ዚኽእል ይሓድጎ።

ብምባል ብግሩም መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ (እዮ 614) እቲ ምስ ሰባት ዘሎና ዝምድና፡ ቀጥታዊ ነጸብራቕ ናይ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ምዃኑ ቅዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም ገሊጾምልናዮም።

ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣናዩ። ግናኸ ዝዀነ ይዅን ጥሪት እዛ ዓለምዚኣ ዘለዎ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዓጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።1ዮሃ 315-18

ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎንሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ንኣምላኽ አፍቅሮየ፡ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ ኻብኡ እተቐበልናዮ።” 1ዮሃ 420-21

ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድልይ ኸይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧” ያእ 215,16

እዚ ሃዋርያዊ መልእኽታት ነቲ ስድራቤታዊ ዝምድናታትናውን ዚገልጽዩ። ንስድራ ቤትና ዘይነፍቅርን ዘይንሓልይን እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ግንአፍቅሮእንተ በልና፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽውን ጥረ ሓሶትን ጥበራን ንምንጽብራቕ እምብዛ ኸም ዝደፈርና ኽንፈልጥ ይግባእ። እዚ ኣበሃህላ ብሓፈሻ ንዅሉ ሰብ ዚምልከት እንተ ዀነ፡ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ግን ኣብ ስድራ ቤትዩ። መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ንስድራ ቤትካ ዘይምሕላይ፡ ክሕደታዊ ተግባርዩ። ካብ ብመሰረቱ ዘይኣመነ ኣረሚን ሰብ ንላዕሊ፡ ኣማኒ ዄንካ ጸኒሕካ ምኽሓድ ኣዝዩ ዝኸፍኣዩ። ንስድራኻ ቀዳምነት ሂብካ ብፍቕርን ብሕያውነትን ዘይምሕላይ ከኣ ግብራዊ ኽሕደትዩ። ኣብ ግብራዊ ኽሕደት ተጸሚድካ ኽነስኻ፡ ሓቀኛ ኣማኒ ዜምስለካ ንጥፈታት ምዝውታር ከኣ ኣብ ርእሲ ኽሕደትካ፡ ካልእ ዝኸፍአ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ምውሳኽ ዚኸውን።

ፍርሃት ኣምላኽ ማለትንኽፍኣት ምጽላእ ንጽድቂ ኸኣ ምፍቃር ማለት (እዮ 2828 ምሳ 823 መዝ 457 እብ 19) ስለንስድራኻ ፍርሃት እግዚአብሔር ተርእዮም ኣለኻማለት፡ ኣብ ምሳታቶም እትዋስኣሉ ዅሉ ኵነታት፡ ንኽፍኣት ኣርሒቕካ ብጽድቂ ትዋሳእ ኣለኻ ማለትዩ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተመልኪቱ ኸም ዘሎ፡ ነቲ ወለድኻ ዝገበሩልካ ዅሉ ጸቡቕ ግብርን ሕያውነትን ውሬታ ብምምላስን ብዛዕባኦም ብምሕላይን ንስድራና ንኣምላኽ ዘለና ፍርሃት ከነርእዮም ንኽእል ኢና። እቶም ሰብ ኪዳን ወለዲ ንሓድሕዶም፡ ወለዲ ንውሉዶም፡ እቶም ደቂ ንወለዶም፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕዶም፡ ካብኡ ሓሊፉውን ናብ ሰፊሕ ስድራቤት (extended family) እናሰፍሐ፡ ናብ ኣቦ ሓጎን እኖሓጎን፡ ሓወቦን ኣሞን፡ ኣኮን ሓትኖን፡ ደቅን ደቂ ደቅን እናበለ፡ ነቲ ዓብይ ስድራ ቤታዊ ዝምድና ብጽድቂ ኸነጽንዖ ዚግባእ።

ስድራ-ቤት፡ ንእሽቶ ቤተ ክርስቲያንያ። ዅሉ ብፈሪሃ እግዚአብሔር ዚፈርይ ጽድቂ ኣብ ስድራ ቤት ዚትግበር። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ሰሙን ንሾብዓተ መዓልታት ኣብ ማእከል ስድራ ቤትና ኢና እንነብር (24/7) ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግን ኣብ ሰሙን ንሒደት ሰዓታት ጥራሕ ኢና እነሕልፍ። ስለ ፍርሃት እግዚአብሔር ንኸነርእይ ዝሰፍሐ ዕድል ዘሎና፡ ኣብ ስድራ ቤትምበር፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣይኰነን። ሰኣን ፍርሃት ኣምላኽ ዝፈረሰን ዝተበታተኸን ስድራ ቤታዊ ዝምድናታት እናሃለወና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዘሎና ፍርሃት እግዚአብሔር ከነርእይ እንተ ተጋደልና፡ ግብዝነትናን ምስሉይነትናን ጥራሕ ኢና ኸነርእይ እንኽእል። ምናልባት ደጋዊ ንጥፈታት ጥራሕ ንዚርእዩ ሰባት ኣብ ምጥባር ብመጠኑ ኽንዕወት ንኽእል ንኸውን። ነቲ ንዅሉ ዚፈልጥን ኣብ ኵሉ ዚርከብን ኣምላኽ ብዝኸፍአ ኸነቘጥዖምበር፡ ክንጥብሮን ክንምስጥን ኣይንኽእልን ኢና። እግዚአብሔር ካብ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ንላዕሊ ስድራ ቤታዊ ንጥፈታትናን ምስክርነትናን ብዝያዳ ዜገድሶ። ነዚ ኸኣ ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን መምረጺ ረቛሒታት ብንጹር ገሊጽዎዩ።

ንቤቱ (ንስድራ ቤቱ) ጽቡቕ ገይሩ ዜመሓድርን ብዅሉ ርዝነት እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ነታ ቤቱ ኼመሓድራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ።” 1ጢሞ 34,5 .

ኤጲስቆጶስ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።” ቲቶ 16 .

እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲዚ፡ ንኣገዳስነት ናይ ስድራ ቤታዊ ምስክርነት ኣዝዩ ዜጕልሕዩ። ስድራ ቤት ናይ ኣገልገልቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዝዀነት ትኹን ስድራ ቤት ጽቡቕ ምስክርነት ዘይብላ እንተ ዀይና ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ክትከውን ኣይትኽእልንያ። ብፍርሃት እግዚአብሔር ዘይተሃንጸ ስድራ ቤት ከኣ ናይ ጽቡቕ ምስክርነት ኣሰር ኣይረኣዮንዩ።

ኣብ ስድራ ቤትና ፍርሃት እግዚአብሔር ከይነርእይ ዚዕንቅፈና እንታይዩ፧ እቲ ዝዓበየን ቀዳማይን ዕንቅፋትና፡ እቲ ጥቡቕ ቅርበትናን ምልምማድናንዩ። ንነዊሕ ዓመታት ብሓደ ስለ እንነብር ድኻማትናን ብልጫታትናን ኣጸቢቕና ስለ እንፋለጥ፡ ንነዓዓቕ። ኣብ ምስላ ኣቦታትውን፡ኣዴኻስ ናይ ብቘልዓኻ እትርእየካ ትንዕቀካዚብል ብሂል ኣብ ባህልና ኣሎና። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ብዙሕ ድኻማት ኣለዎ። ኣብ ስድራ ኸኣ ብሓደ ስለ እንነብር፡ ድኻምካ ሓቢእካ ኽትነብር ኣይከኣልንዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘማዕበልና ኸኣ ንድኻማት ናይ ኣባላት ስድራና፡ ከም መጥቅዒ  ኣጽዋርምበር፡ ከም መጽንዒ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታትና ጌርና ኣይንጥቀመሎምን ኢና። ንድኻም ርእስና ኽንክሕዶን ከነመኽንየሉንምበር፡ ክንእመነሉን ክንእርምን ስለ ዘይንፈትው፡ ኣብ ኣተኣላልያ ድኻማት ስድራና፡ ኣዕናዊ ጒድለት ኢና እንፍጽም።

እቲ ኻልኣይ ዕንቅፋት፡ እቲ ዜጋጥመና ብዙሕን ተደጋጋምን ግርጭታትዩ። ንነዊሕ ዓመታት ብሓደ ስለ ንነብርን፡ ምስ ሓድሕድና ብዙሕ ስለ ንዋሳእን፡ ብዛዕባ ኣተኣላልያ ዝምድናታትን፡ ኣፈታትሓ ግርጭታትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠትን ልምምዳትን ስለ ዘይብልና፡ ግርጭታት ኣብ ልዕሊ ዝምድናታትና ብቐሊሉ ዘይሓውይ ቍስልን መስበርትንዮም ዜስዕቡልና።

እቲ ሳልሳይ ጠንቂ ኸኣ እቲ ጥቡቕ ቅርበትና፡ ሸለልታ ኸነብዝሕን ሓላፍነትና ኸይነልዕልን ስለ ዜልምሰናዩ። ንኣብነት ሕያውነትን ፍቕርን ወለዶም ዝተዓዘቡ ደቂ፡ በደል ንኸይርከቦምን ካብ ግቡኣቶም ንኸይበዅሩን ኣይጥንቀቑንዮም። ምኽንያቱ ዝገበሩ እንተ ገብሩ ወለዶም ምሕረት ከም ዚገብሩሎምን ከም ዘይጸልእዎምን ብግብሪ ዝተለማመድዎ ርጉጽነት ኣለዎም። ስለ ነቲ ናይ ወላዲ ባህርይ ብዘይግባእ መገዲ ይምዝምዝዎ (abuse ይገብርዎ) ማለትዩ።

ነዚ ዕንቅፋት ናይ ስድራ ቤታት ዝምድናታት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ናይ መንዩ፧ ብኸመይዩኸ ዚዕረይ፧ ቀዳማይ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያንዩ። ንእግዚአብሔር ወኪላ ብምስጢረ ተኽሊል ስድራ ቤታት እተቕውም ቤተ ክርስቲያን ብምዃና፡ ከምኡውን እታ ቤተ ክርስቲያን ንርእሳ ብስድራ ቤታት ዝተሃንጸት ብምዃናዩ። ዝምድናታት ስድራ ቤታት ይፈርስ እንተልዩ፡ ብርግጽ ቤተ ክርስቲያን ትፈርስ ዘላ። ቅድመ-መውስቦ ዀነ ድሕረ መውስቦ፡ ነቶም ተጻመድቲ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘይትምህሮም፡ ብዛዕባ ምህናጽን ምጽናዕን ዝምድናታት ስድራ ቤት፡ ብዛዕባ ኣተኣላልያ ግርጭታት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ንኣባላት ስድራኡ ዘለዎ ሓላፍነት ከም ዚግባእ ዘይትምህርን ዘይተሰልጥንን እንተ ዀይና፡ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታት ብዘይጠቅም ንኣሽቱን ቀሊልን ምኽንያታት ከም ዘይጽገን ኰይኑ እንተ ፈረሰ ኣየገርምንዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያናንና እዚ ናይ ኣበ ነፍሲ ጥበብ ናይ ጕስነታዊ ኣገልግሎታ፡ መዳርግቲ ዘይብሉን ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ዘይርከብን ብልጫኣዩ። እዚ ኣገባብ ጒስነት ኸኣ ስድራ ቤታዊ መሰረት ዘለዎዩ። ሓደ ካህን ናይ ምልእቲ ስድራ ቤት ኣበ ነፍሲምበር፡ ናይ ውልቀ-ሰባት ኣይኰነን። ስለ ንእግዚአብሔርን ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ወኪሉ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታት ናይ ምሕያል ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ዘሎ። እዚ ኣገልግሎት ናበየናይ ደረጃ ወሪዱን ተዋሪዱን ከም ዘሎ፡ ካብ ውሉደ ክህነትና ዀነ ካብ ሓፋሽ ምእመንና ዝተሰወረ ኣይኰነን። ስለ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብትምህርቲ ኣበ ነፍሲ ንካህናታ ብምስልጣን፡ እቲ ጐይታን ማዕርጎምን ዘሰከሞም ሓላፍነት ናይ ስድራ ቤታት ጽባሕ ንግሆ በቲ ሓለቓ ጓሶት ብዘየሕትቶም መገዲ ኺፍጽምዎ ክትሕግዞም ይግባእ።

ብኻልኣይ ደረጃ ሓላፍነት ዚወስዱ ድማ እቶም መሰረትቲ ናይ ስድራ ቤት ዝዀኑ ወለዲዮም። እቲ ናቶም ብጽሒት ናይ ሓላፍነት ኣብነታዊ ብዝዀነ መገዲ እናፈጸሙ፡ መጀመርታ ናይ ዘቘምዋ ስድራ ዝምድናታት ኣሐዪሎም፡ ምስኡውን ምስተን ብቐረባ ዚዛመዳኦም ካልኦት ስድራ ቤታት ዘሎ ዝምድናታት ኣብ ምሕያል ብርቱዕ ጻዕሪ ኺገብሩን ሓላፍነታዊ ቕዲ ህይወት ኪህልዎምን ይግባእ። ነዚ ኸኣ ብቓል እግዚአብሔርን ብግብራዊ ኣርኣያን፡ ኣብ ልቢ ደቆም ፈሪሃ እግዚአብሔር ከም ዚሰርጽን፡ ብዛዕባ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታቶም ዘለዎም ሓላፍነት ኣጸቢቖም ከም ዚፈልጡን ከም ዚለማመድዎን ብምግባር ዚፍጸም። ዜሕዝን ትዕድልቲ ዀይኑ፡ ብሰሪ ኽቱር ሸለልትነትን ሕማቕ ኣርኣያን ናይ ወለዲ፡ ኣብ መንጎ ደቆም ኰነ ኣብ መንጎ ተዛመድቲ ስድራ ቤታት ዘሎ ዝምድናታት ኣዝዩ ብዜሕንኽ መገዲ ፈሪሱን ተበታቲኹን ይረኣይ ኣሎ።ሓውኻ፡ ሓብትኻ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻ ኣበይ ኣለዉ፡ኢልካ ሓቲትካዮ፡ ናይ ቃኤል መልሲ ምሃብ ዚብርሆ ወለዶታት ነፍርይን ፈሪናን ኣለና። ጐይታና ግን ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ናብ ሞት ተቓሪቡ ኸሎ፡እንሆ ወድኺ፡ እንሃ ኣዴኻብምባል ኣብ ዝኸፍአን ናይ መወዳእታን ጊዜኳ ፈጺሙ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ ነባሪ ሓላፍነትና ምዃኑ ብግብሪ ኣርእዩና (እቲ ኣገዳስነት ናይ መልእኽቲ ዚተገንዘበ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከኣ ነዴና ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ካብ ዕለትቲኣ ኣትሒዙ ናብ ቤቱ ኸም ዝወሰዳ ተጻሒፉልና ኣሎ (ዮሃ 1925-27)

እምበኣር ስድራ ቤታዊ ዝምድናታትና ንመርምርሞ፡ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ቀዳምነታት፡ ናይ ገዛእ ህይወትና ቀዳምነታት ከም ዝገበርናዮ ነረጋግጽ። ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ኢልና፡እከለኻ እከሊትካ ኣበይ ኣሎ ወይ ኣበይ ኣላ፡ ተባሂሉ ንዚቐርበልና ሕቶ፡ እንታይ መልሲ ኸም እንህብ ኣስተውዒልና ንፍለጥ። ኣብ ምድሪዚኣ ሓላው ዝምድናታቱ ምዃን ዝኣበየ ሰብ፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ መልሲ ኣይኪህልዎን ንስድራ ቤታዊ ዝምድናታትና ቐዳምነት ምሃብ ኣይንዘንግዕ!   

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ የካቲት ፳፻፲፬  ግዕዝ (13 የካቲት 2022 ).  [መበል 23 ሰንበት .ቊ.30/፴ ]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ጢሞ 5፡1-11

1ዮሃ 3፡1-9

ግብ 3፡17-ፍጻመ

ሉቃ 2፡25-40

ዘዲዮስቆሮስ

መዝ ፻፪(፻፪)፡፭,፮ “ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትውትከ። ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ። ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።”

“ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ’ዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር’ዩ።”

 

 

 

 

 

  

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div