S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምእዛዝ እምነት ክንተክል [መበል 22 ሰንበት: ቊ.29/፳፱ ]

ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።ሮሜ 15። እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትና፡ ካብ ነዚ ዕለት ዝተመደበ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደዩ። ኣብ ጥቕሲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ተልእኾ ሃዋርያነቱን፡ ብዛዕባ ተልእኾኡ ንምፍጻም ኪሕግዞ ዝተዋህቦ ሓይሊ ጸጋን ዚገልጽ ዘሎ። ጐይታ ኣብ ዓለምዚኣ እምነት ኪተክል ዝመጸ። ናይ ምድሪ ተልእኾኡ ፈጺሙ ናብ ሰማይ ዚምለሰሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ንሃዋርያቱ እዚ ተልእኾ ሂብዎም ከደ። ካብ ዘመን ጀሚሩ እቶም ኣብ መንበር-ሃዋርያት ዝተቐመጡ ዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተልእኾዮም ዚርከቡ። ነቲ ማዕርግ ናይ ኣገልግሎት ተቐቢሉ ኼብቅዕ፡ እምነት ጥራሕ ዘይኰነ ምእዛዝ እምነት ኣብ ምትካል ዘይተዓወተ ኣገልጋልን መራሕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ተልእኾን ዕላማን ዚዕንቅፍኣገልጋሊ”’ ዚኸውን።

ነፍሲ ወከፍ ምእመንውን ነታ ዝተቐበላን ዘላቶን እምነት ኪእዘዛ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ።ንእምነትካ ኣይተኣዘዝካያንማለትኮ፡የብሉንንኸይትበሃል ኢኻ ስማዊ እምነት ሒዝካ ዘለኻምበር፡ ብመሰረቱ እምነት የብልካን ማለትዩ። ዘይትኵስ ብረት፡ ዘይቈርጽ ሰይፊ ኻብ ምዕጣቕ፡ ነዚ ዅሉ ደርቢኻ፡ ተራ በትሪ ኣልዒልካ ምኻድዶ ኣይሓይሽን፧ ዘይትእዘዛ እምነት ምውናን ድማ ካብ ጥበራ ዚሓልፍ ዝዀነ ዓይነት ረብሓ የብሉን።

ምእዛዝ እምነት እንታይ ማለትዩ፧ እቲ ኽንእዘዞ ዚግብኣና ኣካል፡ እግዚአብሔርዩ። ንእግዚአብሔር እንእዘዞ ኸኣ ነቲ ዝሃበና ትእዛዝ ብምፍጻም ወይ ብምትግባርዩ። ንእግዚአብሔር ብመገዲ ትእዛዛቱ ጌርና ንኽንእዘዞ ኸኣ ናይ ግድን ክንኣምኖ የድልየና። ንዘይኣመንካዮን ንዘይኣመንካሉን ኣምላኽ ክትእዘዞ ዚከኣል ኣይኰነን። ንኣናን ንኣምላኽናን ድንድል (ቢንቶ) ዀይና እተራኽበና ኸኣ እምነትናያ። ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ክንርእዮን ክንርድኦን፡ ነቲ ዝኣዘዞን ዘተስፈዎን ኵሉ ኸኣ፡ ርጉጽን ቅቡልን ጌርና ኽንስዕቦን ክንእዘዞን እተኽእለና እምነትናያ። ተኣዝዞና ኣብ እምነትናምበር ኣብ ኣምላኽ ኣይኰነን ዚምርኰስ። ምእዛዝና ኣብ ኣምላኽ ዚምርኰስ እንተ ዚኸውን፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይልወጥ ስለ ዝዀነ ምእዛዝና ድማ ኵሉ ጊዜ ምሉእን ዘየቋርጽን ምዀነ ነይሩ። ምእዛዝና ግን ኣብ እምነትና ስለ ዚምርኰስ፡ ምስ ክብታን ለጠቕታን (ጕድለትን ምልኣትን) ናይ እምነትና፡ ብማዕረ ክብ ኪብልን ለጠቕ ኪብልን ይነብር። ስለ ተኣዝዞና እንታይ ከም ዚመስል ከነረጋግጽ እንተ ደሊና፡ ንእምነትና ኽንመዝንን ክንምርምርን ይግብኣና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈረንቶስ፡

ኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ኽትግንዘቡ ንገዛእ ርእስኹም መርምሩ፡ ከምኡውን ፈትኑ። ጨሪስኩም ኣብ ምርመራ ወዲቕኩም (disqualified ኴንኩም) እንተ ዘይኴንኩምሲ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ኸተስተውዕሉ ኢኹም። ንሕና ግና ኣብ ምርመራ ኸም ዘይወደቕና ኽትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።” ዝበሎ ቓል፡ ንሕናውን ኣብ ህይወትና ኽንጥቀመሉ ይግብኣና (2ቈረ 135-7 .) ኣብ ምርመራ ናይ እምነት ውዱቓት ኴንና እንርከብ፡ ንገዛእ እምነትና ዘይንእዘዝ ኴንና ምስ እንርከብዩ። ንእምነቱ ዘይእዘዛ ሰብ፡ ብርግጽ ውዱቕ ሰብዩ።

ናይ እምነት ትእዛዝ እንታይዩ፧ እቲ ዝኣመንናዮ ኣምላኽ ዝኣዘዘና ዅሉ ትእዛዛት፡ ናይ እምነት ትእዛዛትዩ። ንኣምላኽ ብዓይኑ ዝረኣዮ ሓደ የልቦን። ነቲ ዝሃበና ትእዛዛት ኪዛረቦ ወይ ኪጽሕፎ ኸሎ ኣይረኣናዮን። ነቲ ትእዛዛት ከም ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ጌርና ብርጉጽነት ክንቅበሎ ዚገብረና ደኣ እንታይዩ፧ እታ ኣብ ልብና ዝሓደረት እምነትያ። እታ እምነትና፡እዚ ዚንገረካ ዘሎ ቓል፡ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛትሞ፡ ግበሮ፡ ተኣዘዞእንተ ኢላትና ጥራሕ ኢና ኽንእዘዞ እንኽእል። ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ምእንቲውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ ንሱ ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘለኹም ዚዓይዪ ዘሎ፡ ከም ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣለና።” ብምባል ነቲ ንሱ ዝሰበኾ ቓል፡ ብእምነት ከም ናይ ኣምላኽ ቃል ገይሮም ስለ ዝተቐበልዎ፡ ኣባታቶም ይዓይዪ ኸም ዝነበረ ገለጸሎም (1ተሰ 213) ንእምነቶም እንተ ዘይእዘዝዋሞ፡ ነቲ ዝተሰብከሎም ቃል  ከም ናይ ሰብ ቃል ጥራሕ እንተ ዚርእይዎ ግን፡ እቲ ቓል ኣባታቶም ኣይምዓየየን ኣይመፍረየን ከኣ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ቃል፡ቃል-እምነትኢሉ ሰምይዎ ኣሎ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ሊቀ-ነብያት ሙሴ ቓል ብምጥቃስ ነዚ ሓሳብ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ዘሎ።

እዚ ኣነ (ሙሴ) ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዜሸግርን ካባኻ ዝረሓቐን ኣይኰነንሞ፡ <ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መንዩ፧> ኸይትብል፡ ኣብ ሰማይ ኣይኰነን።ባሕሪ ዚሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መንዩ፧ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ (ክትእዘዞስ) ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻዩ።ዘዳ 3011-14

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ትንቢታዊ ቓል ምስ ክርስቶስ ኣዛሚዱ ብምትርጓም፡ ንዕምቈት ምስጢሩ ብኸም ዚስዕብ ገለጸልና። እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከም ይብል፡ብልብኻ፡ <መን ናብ ሰማይ ኪድይብዩ፧ኣይትበል እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፦ ወይስናብ መዓሙቕሲ መን ኪወርድዩ፧' (ኣይትበል)፡' - እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ። እንታይ ደኣ ይብል፧ <እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ጥቓኻ> እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቃል-እምነትዩ።ሮሜ 106-8

እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል፡ቃል-እምነትስለ ዝተባህለዩ፡ እቲ ንኣምላኽ እነርእዮ ምእዛዝ ከኣምእዛዝ እምነትዚበሃል። ነቲ ኸይረኣናዮ እንኣምኖን እነፍቅሮን ኣምላኽ እንእዘዞ፡ ነታ ኣብ ልብና ዘላ እምነት ብምእዛዝን ብግብሪ ኸም እትርአ ብምግባርንዩ። ጐይታና ጀማርን ደምዳምን ናይ እምነትና ምዃኑ ዝተነግረና ኸኣ ብእኡ ምኽንያትዩ። በታ ኣባና ዝተኸላ እምነት ናብ ተኣዝዞ ስለ ዜእተወና ጀማር እምነትና ይኸውን። ክሳዕ ዕለተ ሞትና ብእምነት ከም ንእዘዝ ብምግባር ከኣ ደምዳሚ እምነትና ይኸውን።

እዚ ኸይረኣኹምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይረኣኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘለኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ክትሕጐሱ ኢኹም።” 1ጴጥ 18,9

ናብ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማርን ደምዳምን እምነትና ኢየሱስ ንጠምት።እብ 122

እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑብጹኣንዚበሃሉሉ ምኽንያት፡ ንእምነቶም እናሰዓቡን እናተኣዘዙን ናብ ጀማርን ደምዳምን ናይ እምነቶም ዝዀነ ኢየሱስ ብዓወት ስለ ዚበጽሑዩ። ሃዋርያ ቶማስ ከይረኣየን ከይዳህሰሰን ከም ዘይኣምን ብምዝራቡ ንእምነቱ ዘይእዘዝ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸ፡ ጐይታናኣማኒ ምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹንብምባል ድኻሙ ኣርኣዮ (ዮሃ 2024-29) ምእዛዝ እምነት ኪተኽል ጸጋን ስልጣንን ናይ ሃዋርያነት ዝተቐበለ ሰብ ንርእሱ ምእማንን ንእምነቱ ምእዛዝን እንተ ስኢኑ ኸቢድ ጸገምዩ። እምበኣር እምነትን ምእዛዝን ፈጺመን ኪፈላለያ ዘይክእላ መንፈሳውያን ባህርያት ምዃነን ወርትግ ክንዝክረንን፡ ኣብ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ብማዕረ ኸነዕብየንን ይግብኣና (ሮሜ 1624,25) ጐይታ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፦

ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማምበር፡ ስለኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ።” ብምባል፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብቶም ብቓሎም ጥራሕ ብእኡ ዚኣምኑ ሰባት ዝተፈልዩ ግብራውያን ኣመንቲ ምዃኖም ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 1720) ካብ ኣብ ወንጌል ዝተተረኸልና ህይወቶም ከም እንርእዮ ድማ ናይ ብሓቂ ግብራውያን ኣመንቲዮም ዝነበሩ። ንክርስቶስ ከም መድሓኒኦም ተቐቢሎም ምስ ኣመንዎ፡ ጐይታና ሓደ እዋን ብሃንደበት፡ስዓቡኒኢሉ ጸውዖምቈልዓ ሰበይተይን ዋኒነይንከይበሉ፡ ንዅሉ ራሕሪሖም ስዒቦምዎ ደድሕሪኡ ኸዱ።

ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ። ኢየሱስውን <ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩምየ፡ ንዑ ስዓቡኒ> በሎም። ብኡንብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ። ካብኡ ሓሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዐርዩ ረኣየ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም ብኡንብኡ ሰዓብዎ።ማቴ 418-22

ምእዛዝ እምነት ይብሉኻ ከምዩ። እዞም ሰባትዚኣቶም ብጐይታ ኺሕረዩ ዜብቅዖም ባህርይን ህይወትን ዝነበሮም ሰባትዮም። ብዛዕባ ዝፈረየቶም ስድራ ዀነ ብዛዕባ ዝፈረይዋ ስድራ ልዑል ሓላፍነት ዚስምዖም ሰባትዮም። ብዛዕባ ስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይታኦም ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ወንጌል ኪሰፍር ስለ ዘይተደልየምበር፡ ጾር ስድራ ዝነበሮም ሓላፍነታውያን ሰባት ምንባሮም ዘየጠራጥርዩ። እንተ ወሓደ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብምኽንያት ሓማቱ፡ በዓል ሓዳር ከም ዝነበረ ተገሊጹልና (ማቴ 814,15) ኪስዕብዎ ኺሓትቶም ከሎ፡ ኬቕርብዎ ዚኽእሉ ብዙሕ ምኽንያት ነይሩዩ። እንተ ወሓደሓዳረይ ኣነባቢረ፡ ዋኒነይን ንብረተይን ወጋጊነ፡ ንስድራይ ዚድግፍ ሓልፋይ ረኺበ ኽስዕበካ፡ ጊዜ ሃበኒኺብሉ ምኸኣሉ ነይሮም። ግን ኣይወዓልዎን፡ ካብ ስድራ ቤታዊ ሓላፍነቶምን ስድራኦምን ንላዕሊ ንጐይታኦምን ንእምነቶምን ኣዕብዮም ስለ ዝረኣዩን ዘኽበሩን፡ብኡንብኡደኣ ሰዓብዎ።

ብኣንጻሩ ካብ ንቓል ጐይታኦምን እምነቶምን ንላዕሊ ንስድራ ቤቶም ኣዕብዮም ዚርእዩ ኻልኦት ሰባት ግን ኣይተሳእኑን። ንሓደ ኻልእ ድማ፡ሰዓበኒ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ጐይታይ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ በሎ፡ ኢየሱስ ድማ፡ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም፡ ንስኻ ግና ኪድ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገርበሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፡ጐይታይ፡ ክስዕበካየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ በሎ። ኢየሱስ ግና፡ <ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርእይ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን> በሎ።ሉቃ 959-62

እታ ንዅላቶም ዝቐረበት ትእዛዝ ወይ ዕድመ፡ ሓንትንስዓበኒእትብልንያ። እቶም ምእዛዝ ዝቐዳምነቶም ንምትግባራ ኺፈጥኑ ኸለዉ፡ እቶም ካልእ ቀዳምነታት ዝሰርዑ ግን ንምእዛዝ ኪድንጕዩ ኺፈቕደሎም ነቲ ምእዛዝ ዜፍቅርን ዜኽብርን ጐይታ ለመንዎ። ጐይታ ድማ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይበቕዑ ኣረድኦም። እምበኣር ይትረፍ ብመሰረቱ ንእምነትካ ኸይተኣዘዝካ ኽትነብር፡ ንኽትእዘዝ ምድንጓይን ቀዳምነት ዘይምሃብን ብቕዓት ዜስእን ሓደገኛ ምርጫ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ።

ንምእዛዝ እምነት ዚገልጹ ኻልኦት ኣብነታት ኣለዉናዶ፧ እልቢ ዘይብሎም ብዙሓት እንተ ዀኑ፡ ነዞም ዚስዕቡ ወከልቲ ኣብነታት ምጥቃስ ይኣክልዩ። ኣብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ህይወትና እምነትና ኽንገልጸሎምን ምእዛዝና ኸነርእየሎምን ዚግብኣና ሓያሎ ፍጻመታትዮም ዜጋጥሙና። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ነዚ ተኽእሎ ብስእላውን መጎታውን መልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡እምነት ኣላትኒእንተበለ፡ ግብሪ (ምእዛዝ እምነት) ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ እዛ እምነትዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእልያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት መግቢውን እንተ ሰኣኑሞ፡ ንስጋኦም ዜድልይ ከይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡእንተ በሎም እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት ግብሪ (ምእዛዝ) እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲያ። ግናኸ ሓደ ሰብ፡ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒይብል ይኸውን። እምበኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካየ።ያእ 214-18

እቲ ብዘይ ግብሪ እምነቱ ኼርእይ ዝመረጸ ሰብ፡ ዝኸበደን ዝኸፍአን ዘየዐውትን ምርጫ ኸም ዘልዓለ፡ ከቶ ዘየጠራጥርዩ። ምኽንያቱ ኣፋዊ (ቃላዊ) መግለጺ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ጥበብ የብሉን። እቲ ኣፋዊ መግለጺ እምነት ድማ ብዝሕን ዓይነትን ናይ ቃላት ካብ ምልውዋጥ ንላዕሊ ኺገብሮ ዚኽእል የብሉን። እቲ ብግብሩ እምነቱ ናይ ምግላጽ ምርጫ ዘልዓለ ሰብ ግን፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ እምነቱ ኼርእየሉ ዚኽእል ማእለያ ዘይብሉ ግብራዊ ዕድላት ኣለዎ።

ቀዳማይ ኣብነትና፡ ትዕግስቲ ዚጠልብ ኵነታት ኪኽሰት ከሎ ዚፍጠር ናይ ምእዛዝ ዕድላትዩ። ኣብ መዓልታዊ ማሕበራዊ ህይወትና፡ ማእለያ ዘይብሎም ትዕግስቲ ኽንገብርን ክንለማመድን ዚዕድሙና ዕድላት (መድረኻት) የጋጥሙናዮም። እታ ኣብ ክርስቶስ ዘላትና እምነት ድማ፡ ትዕግስቲ ኸነዘውትር እትእዝዝ፡ ትዕግስቲ ብብቕዓት ኪገልጻ ዚኽእል እምነትያ። ስለ ንነፍሲ ወከፍ ፈታኒ ዅነታት ብትዕግስቲ ክርስቶስ ክንሓልፎ ኸለና ንእምነትና ንእዘዛን ንገልጻን ኣለና ማለትዩ። እታ ንቅዱሳት ጽሑፋት መሰረት ዝገበረት እምነትና፡ ንነፍስና ብትዕግስትና ኸም እነጥርያ፡ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ጥራሕ ኸም ዚድሕን እናነገረትና፡ ብዘጋጠመና ዅሉ ዅነታት ከም ቤንዚን ብቚጥዓ ኽንቃጸል፡ ክንበኣስ፡ ክንካሰስ፡ ክንተሃላለኽ እንተ መሪጽና፡ እታ እምነትና ስማዊትን ኣፋዊትን ምዃና፡ ንኽንእዘዛ ዘይኰነስ ንኽንግህሳን ንኸነቃልላን ጥራሕ ኣብ ውሽጥና ኸም ዘሕደርናያ ብግብሪ ነረጋግጽ ኣለና ማለትዩ።

ካልኣይ ኣብነትና ድማ ብምኽንያት እምነትና ብመከራ ኽንሓልፍ ዚጠልብ ኵነታት ኪኽሰት ከሎ ዚፍጠር ናይ ምእዛዝ ዕድላትዩ። ዚበዝሕ ጊዜ፡ እምነት ኣብ ከም ዘበለ ዅነታት እትጥለም።፡ እዚ ድማ ዋላ ኣብ ምርኡያት ሃዋርያት ከይተረፈ ዝተራእየ ሓቂ (ማቴ 2631-35,69-75) መከራ፡ ዘይትጸዓድ እምነት ከም ዘላትና ንኸነረጋግጽ ዚወሃበና ኽቡር ዕድልዩ። ካብ ዘመን ሃዋርያትን ሰማእታትን ጀሚሩ ድማ በቶም ምእንቲ እምነቶም ብዜሰክሕ መገዲ ህይወቶም ኪሓልፍ ዝፈቐዱ ናይ እምነት ጀጋኑ፡ ክብሪ ናይ እምነት ክርስትና ተጋሂዱዩ። ሓደ ሰብ ምእንቲ እምነቱ ብመከራን ብሞትን ኪሓልፍ ከሎ፡እምነተይ፡ ካባይ ካብ ህይወተይ ንላዕሊ ኣዝያ ዝኸበረትዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን ኣብ ውሽጢ መከራ ንእምነቱ ኪኽሕዳ ዚቐልሎ ሰብ ምብዛሑ ዜሕፍርን ዜሕዝንንዩ። ስለ ኣብ ከም ዝበለ መሪር ሃለዋትውን፡ ንእምነቱ ዚእዘዝን ዜዕብይን ህይወት ከም ዝተኸልናን ከም ዝሃነጽናን ከነረጋግጽ ይግብኣና። ነብዪ ዳንኤልን ብጾቱን፡ ዲያቆን እስቲፋኖስን ካልኦት ኵሎም ሰማእታትን ናይ ምእዛዝ ኣብነትናዮም (ዳን 31-30 61-28 ግብ 68-15 751-60) ካልእ ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ድማ ይከኣልዩ።

እቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ቅዱሳን ምስክርነት፡ ናይ ምእዛዝ-እምነት ውጽኢትዩ። ብዛዕባቶም ብስም ተረቚሖም ዘለዉ ቕዱሳን ተዋሂቡ ዘሎ፡ብእምነት ኣቕረበ፡ ብእምነት ገዓዘ፡ ብእምነት ኣዳለዋ፡ ብእምነት ወጸ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ብእምነት ሞቱ፡ ብእምነት ስውኦ፡ ብእምነት ባረኾ (መረቖ) ብእምነት ኣዘከረ፡ ብእምነት ኣበየ፡ ብእምነት ሓደጋ፡ ብእምነት ፋስጋ ገበሩ፡ ብእምነት ተሳገሩ ወዘተዚብል ምስክርነታት፡ ንእምነትን ብእምነትን ናይ ምእዛዝ ልዑል ኣብነትናዩ።

ኣብ ዝሃለና ሃገርን ኵነታትን ንሃልው ብዘየገድስ፡ መዓልታዊ ንእምነትና እንእዘዘሉ ብዙሕ ዕድላትን ብድሆታትን ይገጥመና ኸም ዘሎ ዘይከሓድዩ። እቲ ኣዝዩ ዜገድስ ግን እቲ ዕድላት ምህላዉን ዘይምህላዉን ዘይኰነስ፡ ንሕና ነቲ ዕድላት ንጥቀመሉ ምህላውና ዘይምህላውናንዩ። ነዚ ዅነታት ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ኻብ ዜኽእሉና ኣገዳስቲ ረቛሒታት ሓደን ቀዳማይን፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እንሓልፎ ዅነታት ንቑሓትን ጥንቁቓትን ምዃንዩ። ኣብ ዘጋጠመትና ነፍሲ ወከፍ ኵነታት፡እዛ ዅነታትዚኣ ንእምነተይ ብምንታይ ክእዘዛ ዕድል ትኸፍተለይ ዘላ፧ኢልና እናሓተትና ኽንዋሳእ ይግብኣና። እቲ ብኸም ብንቕሓት ዚጥንቀቕ ክርስትያን፡ፈጺሙ ኣይዕንቀፍን”’ እንተ ዘይበልና፡ ንዕንቅፋቱ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኸም ዜውርዶ ግን ዘየጠራጥርዩ። እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ ዘይጸዓድ ቈራጽነትዩ።ንእምነተይ ካብ ዘይምእዛዝ ሙማት ይሕሸኒዚብል ቈራጽ መርገጺ ዘለዎ ሰብ ብምንታይ ከተምበርክኾ ምተኻእለ፧ እዞም ኵሎም ዕዉታት ኣርኣያታትና ብኸምኡዮም ዝተዓወቱ። ንሕናውን ዘይንዕወተሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን (እዮ 2733-6 መዝ 102-5)

እምበኣር ሕጂ ዚተርፈና፡ ምልስ ኢልካ ንህይወትካ ምፍታሽዩ። ብሰሪ ዘይምእዛዝና ንገዛእ እምነትና ዘቃለልናሉ መዓልታት ብሓቀኛን ዘየጣዕስን ንስሓ ነሕውዮ። ካብ ዕለትዚኣ ጀሚርና ድማ በቲ ዜኽእል ጸጋ ናይ ኣምላኽ ተደጊፍና፡ ምእዛዝ እምነት ዝመለለዪኡ መንፈሳዊ ህይወት ንህነጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  ፳፻፲፬  ግዕዝ (6 የካቲት 2022 ).  [መበል 22 ሰንበት: ቊ.29/፳፱ ]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 1፡1-12

1ጴጥ 1፡13-22

ግብ 19፡1-10

ሉቃ 2፡36-40

ዘዲዮስቆሮስ

መዝ.፺፯(፺፰)፡፪-፫ "አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ። ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ። ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።" ዓዲ፡

መዝ.፵፯(፵፰)፡፰ "በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።"

 

 

 

 

 

  

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div