S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ክርስቶስ ንበሩ [መበል 21 ሰንበት: ቊ.28/፳፰ ]

ሕጂ ድማ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ ዝመጸላ መዓልቲውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።” 1ዮሃ 228 .

ሓደ ኻብ ነዚ ዕለት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝሰርዓቶ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ መልእኽቲዩ። እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ሓቝፍዎም ካብ ዘሎ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሓደ ድማ፡ እዚ ነዚ ዕለት ተመዲቡልና ዘሎ፡ኣብ ክርስቶስ ንበሩዚብል ኣርእስቲዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እዚ ኣርእስቲ ምስ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚተሓሓዝ ኣገዳስነት ዘለዎዩ። እቲ ኣብ ምድራዊት ናይ ህይወት ዘመኑ ኣብ ክርስቶስ ዘይነበረ ክርስትያን፡ ጐይታ ብሰራዊት ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ ብዓብይን ዜርዕድን ክብርን ግርማን ብኣካል ኪግለጽ ከሎ፡ ብፍርሃትን ብሕፍረትን ዚወሓጥ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ክርስቶስ ዘይምንባሩ ንምስሊ ህይወቱ ኣበላሽይዎን ካብ ኵሉ መንፈሳዊ ሓላፍነቱ ኣብኲርዎን ስለ ዝጸንሐዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን ረሲዕዎን ጠሊምዎን ጸኒሑ። ጠሊምካዮ ዝጸናሕካ ኣካል፡ ንሰዓብቱ ኬኽብር ንጠለምቱ ኼሕስር ብዜፍርህ ግርማን ክብርን ኪመጸካ ኸሎ ድማ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ግብርኻ ብሕፍረት ክትወሓጥ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ መጻኢኻ ድማ ብፍርሃት ከተንቀጥቅጥ፡ ከተወግዶ ዘይትኽእል ጽቡይ ሃለዋትዩ። እምበኣር እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ኣብ ክርስቶስ ንበሩኢሉ ዚምዕደና ዘሎ፡ ካብ ዜሰክሕን ኪእረም ዘይክእልን ኵነታት ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉዩ። እግዚአብሔር ብምሕረቱ ፈቒዱሉ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ክብሪ ቅድስት ስላሴ፡ ብፍላይ ከኣ ክብሪ ናይ ኺፈርድ ዚመጽእ ገንሸል በቲ ዝተገልጸሉ ራእይ ብገዛእ ኣዒንቱ ኺርእይ ዝተዓደለ ሰብዩ። ጻማ ናይቶም ኣብ ክርስቶስ ዝነበሩን መስጣ ናይቶም ኣብ ክርስቶስ ዘይነበሩን ብዓይኑ ዝረኣየ እሙን ምስክር እናነገረካ፡ እንተ ብሸለልትነት እንተ ብትሪ ልቢ፡ ኣብ ክርስቶስ ዘይምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነትዩ።

ክርስቶስዶ መንበሪዩ፧ ኣብ ክርስቶስ ምንባር ብሓቂ ዚከኣል ድዩ፧ ብቐሊሉ ኽትርድኦ ዘጸግም ኰይኑምበር፡ ናይ ሕቶ መልሲ፡እወ፡ ክርስቶስ መንበሪዩ፡ ኣብኡ ምንባር ከኣ ይከኣልዚብልዩ። ቀደሙውንኮ፡ ኣብ ኣምላኽ ኢና እንነብርምበር፡ ኣብ ዓለምዚኣ ኣይኰነን። ንዅሉ ነገራት ብዓይኒ-ስጋ ጥራሕ ስለ እንርእዮ ግን፡ ነዚ ሓቂ ኽንርድኦ ይኸብደናዩ። እቶም ንዅሉ ነገራት ብዝተኸፍታ ናይ መንፈስ ኣዒንቲ ዚርእይዎ ግን፡ ነቲ ኣካላዊ ህልውናኦምን ቦታኦምን ዘይኰነስ፡ ነቲ መንፈሳዊ ህልውናኦምን ቦታኦምንዮም ዚርእዩ። እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ይጐዓዙን ይነብሩን ከም ዘለዉ ይሓስቡሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ሊቀ-ነብያት ሙሴ ግን፦

ይሹሩን (እስራኤል) ነቲ ንረድኤትካ ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን ኣብ ሰማያትን እተወጥሐ ኣምላኽ ዚመስሎ የልቦን፡ እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻዩ፡ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ (ምሳኻ) ኣለዋ።.....” ብምባል ኣረጋገጸሎም (ዘዳ 3326,27) እቲ ህዝቢ ብእግሩ ኸርተት ይብልን ይደክምን ከም ዘሎ እናተራእዮን እናኣጕረምረመን ከሎ፦

ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ (ኣብ) ኣራዊት ዜድህዩሉ፡ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎ። ንስሪ ጨጨውቱ (ጨቓዊቱ) ከም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ክንቲቱ ኸኣ ጾሮ።” ተባሂሉ ተነግሮ (ዘዳ 3210,11) ኣብ እግዚአብሔር ምንባር ማለት እዚ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ እንታይ ደኣዩ፧ እታ ለባም ሰበይቲ፡ ኣቢጋይል፡ እግዚአብሔር መንበሪ ቕዱሳኑ ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዘነበረት፡ ንቕዱስ ዳዊት ክትምርቖ ኸላ፡

ሰብ ኺሰጕጐካን ንነፍስኻ ኺደልይን እንተ ተንስአ፡ ነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኣብ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ንነፍሳት ጸላእትኻ ግን ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን።” በለቶ (1ሳሙ 2529) ብኣካላ-ስጋ ኣብ ምድሪ ጸላእቱ እናሳደድዎ ኸለው፡ ነፍሱ ግና ኣብ ውሽጢ ኣምላኽ ክትነብርን ክትስወርን ከም እትኽእል ብዕምቈት ተረዲእዋ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኻብ ልሳን-ነብያት ዘይተሰምዐ ፍሉይ ምርቓ መረቐቶ። ቅዱስ ዳዊትውን እዚ ምስጢር ተገሊጹሉ ስለ ዝነበረ፦

ኣብ ጸግዒ ልዑል ዚሓድር፡ ኣብ ጽላል ዅሉ ዚኽእል ይነብር። እግዚአብሔር፡ጸግዐይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እብሎ ኣለኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፡ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካሞ፡ ብግልግሊኡ ኼጐልብበካ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረኽብ ኢኻ ....ጐይታይ፡ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ ኢልካ ኢኻሞ፡ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፡ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፡ ስቓይውን ኣብ ድንኳንኳ ኣይኪቐርብንዩ።” ብምባል ብመዝሙሩ ተኣሚኑ ኣሎ (መዝ 911-4,9,10) ኵሉመጸግዒ፡ መሕደሪ፡ ዕርዲ፡ መዕቈቢ፡ መጐልበቢዚብል ቃላት፡ እግዚአብሔር መንበሪና ምዃኑ ዚገልጽ ዝተፈላለየ ግስታትን ቅጽላትንዩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ከም መለኮታዊ ኣምላኽ መጠን፡ ነቶም ኣመንቱን ሰዓብቱን መንበሪዩ። ስለ ኸኣ፦ ኣባይ ንበሩ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብርየ። ....” ብምባል ክቡር ጽውዓን ትእዛዝን ኣቕረበልና (ዮሃ 154)።፡ እቲ ኣብ ቐዳማይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ኣባይ ጽንዑዚብሎ፡ኣባይ ንበሩ (abide in me)” ማለትዩ። መሪሕ ጥቕስናውን ከምኡ ኢሉ ኣዚዙና።

ኣብ ክርስቶስ ምንባርማለት እንታይ ማለትዩ፧ ብኸመይ ኢናኸ ኣብኡ እንነብር፧ ናይ እምነት ክርስትና ፍሉይነት፡ ምስ እንኣምኖ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ዚገብረና ምዃኑዩ። ቃል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ኸም ዜረጋግጸልና፡ እቶም ብክርስቶስ እንኣምንን ንእኡ እንስዕብን ዘበልና ዅላትና፡ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።

እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እምበኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮየ፧ ያእ ኣይፋለይን፡”1ቈረ 615

 እምበኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።” 1ቈረ 1227 ኣካላቱ ስለ ዝዀንና ኸኣ ኵሉ ንሱ ዝዀኖን ዝሓለፎን ንሕናውን ብእኡ ኸም ዝሓለፍናዮን ከም ዝዀንናዮን ተነግረና። ኣካላቱ ኻብ ምዃንና ዝተላዕለ፡ ኪመውትን ኪትንስእን ኪዓርግን ኣብ የማን ኣቦ ኪቕመጥን ከሎ፡ ንሕናውን ምስኡ ከም ዝሞትና፡ ከም ዝተንሳእና፡ ከም ዝዓረግና ተነግረና። እዚ ኣካልነት ድማ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዚፍጸም።

“....ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምውታት ዝተንሰአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።ሮሜ 62-4

ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ....ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርእይ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።ኤፌ 25-7

ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን፡ ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።ቈሎ 212,13

ኣካላት ስጋኡ ዄንና ኣብኡ ዘይንነብር እንተ ዄንና ግን ነዚ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት-ምድሓን ክንካፈሎን ክንሓብሮን ኣይምኸኣልናን ኔርና። ነቲ ብዓብዪ ምሕረቱ፡ ኣካላት ስጋ ክርስቶስ ኴንና ኣብኡ እንነብረሉ ረቀቕቲ ምስጢራት ዝሰርዓልና ልዑል ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ንዘለኣለም ይኹን።

ሓንሳእ ኣካላቱ ዄንና ኣብኡ ምንባር ምስ ጀመርና፡ ንዘለኣለም ዲና ኣካላቱ እንኸውን፧ ኣካላቱ ኻብ ምዃንን ኣብኡ ኻብ ምንባርን ክንዕንቀፍ ንኽእል ዲና፧ ብርግጽ ኣካልነትና ኽንስእን ኣብኡ ኻብ ምንባር ክንዕንቀፍን ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት ባዕላትና ብፍቓድና ካብ ክርስቶስ ተፈሊና ንድሕሪት ምስ እንምለስ (2ጴጥ 220-22 እብ 1038,39) እቲ  ኻልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብኡ እናነበርናስ ምስ ናቱ ዚሳነይ ፍረ ምስ ዘይንፈርይ ባዕሉ ቘሪጹ ምስ ዚድርብየናዩ። ኣብ ምስላ ተኽሊ ወይኒ ኺምህረና ኸሎ፡ ጐይታና ባዕሉ፦ ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ። ነቲ (ኣባይ ዘሎ) ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ የጽርዮ።” ብምባል፡ ነዚ ሓቂ ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 151,2) ኣብ ጒንዲ ወይኒ እናነበረ ኽነሱ፡ ጥብ እትብል ፍረ ዘይፈርይ ጨንፈር፡ ንምንታይ ኺነብር ዚድለይ፧ ዋላ ጨንፈር ነቲ ማራ (sap) ናይ ጒንዲ እናመዝመዘ ኺነብር ዚደልይን ዘይከፍኦን እንተ ዀነ፡ እቲ ፍረ ዚደልይ ተኻሊ (እግዚአብሔር ኣቦ) ግን ከቶ ኣይዕገሶንዩ። ኣብ ክርስቶስ እናነበረ፡ ጽድቂ ዘይፈርይ፡ ካብ ሓጢኣት ዘይፍለይ (ዘይመውት) ክርስትያን ድማ፡ ኣብ ክርስቶስ ኪነብር ብእግዚአብሔር ኣቦ ኣይድለይንዩ። ስለ ብምስጢራት ስለ ዝሓለፍናን ሓንሳእ ኣካልነትን ኣብ ክርስቶስ ምንባርን ስለ ዝረኸብናዮን፡ ንዘለኣለም ከም ውሁብ (forgranted) ክንወስዶ ኣለና ማለት ኣይኰነን።

ሕጂ ናይ ብሓቂ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ከም ዘለና ደኣ ብምንታይ ኢና እነረጋግጽ፧ ብሓጺሩ፡ ኵሉ እግዚአብሔር ክንኰኖን ክንገብሮን ዚደልየና ብምዃንን ብምግባርን ኢና ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና ኸነረጋግጽ እንኽእል። ብቐጥታ ምስኣብ ክርስቶስ ምንባርዚብል ሓሳብ ተተሓሒዞም ዝተገልጹልና ሒደት ኣብነታት ግን ኣለዉና። እቲ ቐዳማይ ስጋን ደምን ናይ ጐይታ እንወስድ ምዃንናዩ። ነዚ ኣገዳሲ ረቛሒ ጐይታና ባዕሉ፡እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰትይ፡ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 656) እቲ ተገቢእዎ ስጋን ደምን ናይ ጐይታ ኣዘውቲሩ ዚወስድ ክርስትያን፡ ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ኣካልነት የሐድስን የጽንዕን ስለ ዘሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ይነብር ከም ዘሎ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእልዩ። እቲ ነዚ ቓል ጐይታን ነቲ ጐይታ ዝኸፈሎ ናይ መስቀል መስዋእትን ንዒቑ ካብ ምስጢር ዘይካፈል፡ ወይውን ከይተገብኦ ዚወስድ ግና፡ኣብ ክርስቶስ ይነብር ኣሎኺበሃል ኣይከኣልን (1ቈረ 1126-31) እቲ ኻልኣይ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና ዜረጋግጽ ረቛሒ ድማ፡ ትእዛዛቱ ንሕልው (ንፍጽም) ምህላውናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ድማ፦ እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን (ክርስቶስውን) ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 324) እዚ ትእዛዛቱ ድማ ብዅሉምበር፡ ንገሊኡ ሓሊና ንገሊኡ ነፍርሶ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ ሃዋርያ ያእቆብ፦ ንብዘሎ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል፡ ብዅሉ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ኣይትዘምውዝበለ፡ኣይትቕተልድማ በለ። ስለ እንተ ዘይዘሞኻኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ ኢኻ።” ኢሉ ኣፍሊጡና (ያእ 210,12) ጐይታ እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ጥራይ ከም ዜፍቅሮ ስለ ዝገለጸ፡ እቲ ትእዛዛቱ ዘይሕልው ጸላኢኡ፡ ኣብኡ ኪነብር ኣየፍቅድን (ዮሃ 1415,21,23,24 1ዮሃ 53) እቲ ሳልሳይ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ ፍቕሪዩ። ፍቕሪ፡ ካብ ትእዛዛት ሓንቲ ኽነሳ፡ ንዅሉ ትእዛዛት ሓቚፋ ዝሓዘትን ንትግባረኡ (ፍጻሜኡ) ዚከኣል (ርጉጽ) እትገብርን ስለ ዝዀነት ኵሉ ጊዜ ብፍሉይነት ክትጥቀስ ዚገብራ (ማቴ፡ 37-40 ሮሜ 138-10 ገላ 514 1ዮሃ 25) ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ፍቕሪ ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባርና መረጋገጺት ምዃና፡

“.....ኣምላኽ ፍቕሪዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 416) ስለ ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕና ንነብር ምህላውና ንኸነረጋግጽ፡ ንፍቕሪ ለቢስናያን ኣብ ፍቕሪ ጸኒዕና ምህላውናን ከነረጋግጽ ይግብኣና። እቲ ራብዓይ መረጋገጺ ረቛሒ ድማ ብናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት እንኣምን ምዃንናዩ። ነዚውን ባዕሉ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር።

ብምባል ገሊጹልና (1ዮሃ 415)ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽማለትኣምላኽማለትዩ። ኣይሁድ ጐይታናወዲ ኣምላኽኺብል ኪሰምዕዎ ኸለው፡ርእሱ ምስ ኣምላኽ ኣመዓራርዩማለትኣምላኽኢሉ ኢሎም ብዳርባ እምኒ ኺቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ (ዮሃ 517,18 1031-36 ማቴ 2662-67) ጐይታ ባዕሉ ድማ፡ እቶም ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኑ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ብጹኣን ምዃኖምን ከም ከውሒ ጽኑዓት ምዃኖም፡ ደጌታት ሲኦል ከም ዘይሕይሎምን ደገ መንግስተ ሰማያት ንኣታቶም ክፉት ምዃኑን ኣረጋጊጹሎም (ማቴ 1615-19) ዓለምና ድማ ሎሚ ንኣምላኽነት ክርስቶስ ብግሁዶ ብዚኽሕዱ ሰባትን ሃይማኖታትን መሊኣ ኣላ (1ዮሃ 218 41-3 2ዮሃ፡ 7-11) ዋላ ኣብተን  ኣምላኽነት ክርስቶስ ብጽኑዕ ዚኣምና ኣብያተ ክርስትያን ዘለናውን ንኣምላኽነቱ ዚግባእ ፍርሃትን ተኣዝዞን ዘይብልና ብምዃን ብኣፍና እናተኣመንና ብግብርና እንኽሕዶ ሰባት ንበዝሕ ኣለና (ቲቶ 116 ኢሳ 2913,14 582 ህዝ 3330-31) ስለ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና፡ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብልሳናዊ ተኣምኖ ዀነ ብግብራዊ ናብራና ኸነረጋግጽ ይግባእ።

ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባር ረብሓኸ እንታይዩ፧ ኣብ ሓጺር ዓምዲ ዘርዚርካ ኺውዳእ ክሳዕ ዘይክእል ብዙሕዩ። ንመእተዊ ዚኣክል ንምጥቃስ ግን፡ እቲ ቐዳማይ ረብሓ፡  ብዙሕ ፍረ ኽትፈርይን ብፍሬኻ ንኣምላኽ ከተኽብርን ምኽኣልዩ።ኣባይ ንበሩ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብርየ። ጨንፈር ኣብ ጒንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ ኻብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። ....እቲ ኣባይ ዚነብር፡ ኣነውን ኣብኡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።” ዮሃ 154,5 .

እቲ ኻልኣይ ረብሓ ድማ ዝለመንናዮ ዚዀነልና ምዃኑዩ። ብዛዕባ ኸኣ ባዕሉ ጐይታ፦

ኣባይ እንተ ነበርኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ ይዀነልኩም።  ....ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዮን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም ነዚ መደብኩኹም።” (ዮሃ 157,16 .)

ኣባይ እንተ ነበርኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ ይዀነልኩም። ....ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።ብምባል ብንጹር ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 157,16(.+ .)

እቲ ሳልሳይ ረብሓኡ ድማ ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ ምዃንናዩ።

“.....እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። .....ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ኽትኰኑ ኢኹም።ዮሃ 155,8 .

ናይ ዝተጠቕሰን ዘይተጠቕሰን ረብሓታት ድምር ውጽኢትን ረብሓን ከኣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣብ የማን ኣቦ ዜቚመና፡ ምዃኑዩ። እቲ ኣብኡ ዘይነብርን ኣብኡ እናነበረ ኸሎ ዘይፈርይን ግና፡ ካብ ክርስቶስ ተቘሪጹ ናብ ሓዊ ገሃነም ዚድርበይ።

ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ ይነድድ።ዮሃ 15ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ ኣብ ክርስቶስ ምንባር ዚምልከት ደምዳሚ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፦

እቲ፡ኣብኡ እነብር ኣለኹዚብል፡ ከም ንሱ (ክርስቶስ) ዝተመላለሶ (ዝነበሮ) ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ (ኪነብር) ይግብኦ

ኢሉ ጸሓፈልና (1ዮሃ 26) ብኻልእ ኣዘራርባምበኣር፡ኣብ ክርስቶስ ንበሩኺበሃል ከሎ፡ከም ክርስቶስ ኩኑ ንእኡ ምሰሉማለትዩ። ናይ ህይወትና ጽውዓን ተልእኾን ከኣ ንሱዩ። ከም ክርስቶስ ክንሓስብ፡ ከም ክርስቶስ ክንዛረብ፡ ከም ክርስቶስ ክንገብር እንተ ኽኢልና ብርግጽ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ኣለና፡ ኣካል-ሰብነቱ ኢና ማለትዩ። ኣብ ምጽኣቱ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ደው ምስ በልና፡ ልዑል ትብዓት ኪስምዓናዩ፡ ከቶ ኣይክንሓፍርን ከኣ ኢና።ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ንዑኢሉ ብኽብሪ ኪቕበለና (ማቴ 2534) ነቶም ኣብኡ ዘይነበሩ ግን፡ኣቱም ርጉማት፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑኢሉ ናብ ስቓይን ሕፍረትን ኪድርብዮም (ማቴ 2541 723 ሉቃ 1325-27) እቶም ኣብ ምድሪ ኸለው ኣብኡ ዝነበሩዮም፡ ኣብ ሰማያትውን ምስኡን ኣብኡን ዚነብሩሞ፡ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  ፳፪፳፻፲፬  ግዕዝ (30 ጥሪ 2022 ). መበል 21 ሰንበት: ቊ.28/፳፰

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቈረ 1፡13-ፍጻመ

1ዮሃ 2፡22-ፍጻመ

ግብ 13፡20-27

ሉቃ 2፡41-ፍጻመ

ዘዲዮስቆሮስ

መዝ ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯

“እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ። እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።”

“እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።

 

 

 

 

 

  

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div