S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንዓለም ዚስዕራ መን’ዩ? [መበል 20 ሰንበት: ቊ.27/፳፯ ]

ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትናያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መንዩ፧” 1ዮሃ 54,5

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኻብ ዕለት ገሃድ (ጥሪ 12) ክሳዕ ቀበላ ጾም (ለካ 20) ዘሎ ቕንያት፡አንሶሰወ፡ ተወልደ፡ ተጠምቀ፡ አውየኖ ሰማይይበሃል። (ብዛዕባ እዝን፡ ብዛዕባ ገሃድን ቀበላ ጾምን ሓጺር መግለጺ ብመርቈሪ ይገበረሉ) ካብ ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ካብ ናይ መልእኽቲ ዮሃንስ ንባብ ዝተወስደዩ። ኣብ ዓለምዚኣ ኸም እንነብርን፡ ናብ ሰማያዊት ሓዳስ ዓለም ክንግዕዝ ከም እንደልይ ሰባት መጠን፡ እዚንዓለም ዚስዕራ መንዩ፧ዚብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ዜገድስናዩ። ምኽንያቱ ነዛ ዓለምዚኣ ኸይሰዓረ ናብ ሰማያዊት ሃገርን ዓለምን ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ዓለም ልክዕ ከም ታኼላ ወይ ሰልሚ (swamp)’ያ። ነቲ ዘይሰዓራ ሰብ ውሒጣ እተትርፎ። ስለ ነቲ ኻብኣ ኺድሕን ዚደልይ፡ ንዓለም ምስዓር ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታዩ። እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም በቲ ጸላእ ኵሉ ሰናያት እትመሓደር ናይ ዓመጻ ዓለምያ። ስለ ኸኣ ድያብሎስ፡ገዛኢ ዓለምዚኣተባሂሉ እተሰምየ (ዮሃ 1440 1611 2ቈረ 44) ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስውን፦

ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።ብምባል ኣረጋጊጹልና (1ዮሃ 519) ንክርስትያን ሰብ ዘላቶ እንኮ ኣማራጺምበኣር፡ ኣብ ዓለምዚኣ በዚ እኩይ ድያብሎስ ከይተታሕዘ ፈንጢሱን ጥሒሱን ምውጻእ ጥራሕያ። እቶም ንዓለም ዚስዕርዋ ኸኣ እቶም ብዘይካ ምስዓራ ዝዀነ ኻልእ ኣማራጺ ኸም ዘይብሎም ብንጹር ዝፈለጡን፡ ንምስዓራ ዝቘረጹን ጥራሕዮም።

ንምንታይ ንዓለም ክንስዕራ ዚድለይ ዘሎ፧ ዓለም ብኸመይ ጸላኢትና እትኸውን፧  ትምህርትና መንፈሳዊ ትምህርቲ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ስለዓለምኪበሃል ከሎ ብዛዕባ ኣብኣ ዚገዝእ ዘሎ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ስርዓትንምበር፡ ብዛዕባ ኽብቢ ግእዝቲ ዓለም ንዛረብ ከም ዘየለና ርዱእዩ። ዝዀነ ዓለም፡ ዚመሓደረሉ ናቱ ስርዓትን ስልጣንን ኣለዎ። ስለ ኣብ ዓለምቲአ ዚነብር ሰብ ነቲ ስርዓታ ርዒሙ ነቲ ስልጣና ድማ ተገዚኡ ዚነብር። ነዚ ኺገብር እንተ ዘይፈቐደ ድማ እታ ዓለም ጸላኢቱ ትኸውን፡ ከቢድ ዋጋ ድማ ተኽፍሎ።ንዓለም ስዒርዋዚበሃል ከኣ፡ እቲ ኣብ ማእከላ እናነበረ፡ ንስርዓታ ከይረዓመ (adopt) ከይገበረ ነቲ ስልጣና ኸይተገዝአ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ዚጸንዕ፡ ብዘውረደትሉ ኵሉ ፈተና (Temptation) ኸይተታለለ፡ ብዝተቐበሎ ዅሉ መከራ ኸይተጻዕደ ዚሓልፍ ሰብዩ። ኣብ ዓለምዚኣ እናነበረ፡ ብሕጊ ናይታ ሓቀኛን ዘለኣለማዊትን ዓለም ዚምራሕን ዚመሓደርን ሰብ፡ ናይ ዓለም ቀንዲ ጸላእን ሰዓርንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ናይ ዓለምዚኣ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ስርዓትን፡ምህሮ ዓለምዚኣ፡ ምህሮ ቍልዕነት ዓለምእናበለ ዚሰምዮ።

ከምኡውን ንሕና ቘልዑ ኸለና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቝልዕነት ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና። ....ሕጂ ደኣ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣለኹም፧ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣለኹም፧ ገላ 33,9

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት ዓለምዚኣ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ ኸይማርኸኩምሲ ተጠንቀቘ። .....እምበኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት ዓለምዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብ ዓለም ከም ዘለኹምሲ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም.... ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም።ቈሎ 28,20-22

ስለዚ፡ ንዓለም ምስዓር ኪበሃል ከሎ፡ ነዚ ምህሮ ዓለም ከይተገዛእካን ብእኡ ኸይተመለኽካን ምንባር (78) ማለትዩ። እቲ ሰይጣን በዚ ምህሮ ገይሩ ዜመሓድሮ ስርዓት ናይ ዓለም ከኣ፡ ነቲ ብእኡ ዘይመሓደርን ኬፍርሶን ዚጋደል ሰብ ፈጺሙ ይጸልኦ። ጐይታ ነቲ በዚ ዓለማዊ ስርዓት ዘይመሓደር ክርስትያን፡ካብ ዓለም ዘይኰነ ሰብኢሉ ይገልጾ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን ንርእሱ ብኸምኡ ዚገልጻ። ንርእሱን ነቶም ካብ ዓለም ዘይኰኑ ሰዓብቱን ድማ ዓለም ከም እትጸልኦም ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።

ንሱ ኸኣ (ንኣይሁድ)ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ ላዕሊየ፡ ንስኻትኩም ካብ ዓለምዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ዓለምዚኣ ኣይኰንኩን”..... በሎም።ዮሃ 823

ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላንዩ፡ ንኣይ ግና ግብራ ኽፋእ ምዃኑ እምስክርሞ፡ ትጸልኣኒያ።ዮሃ 77

ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹምምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ ዓለም ትጸልኣኩምያ።ዮሃ 1518,19

ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፡ ከም ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑንሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። ካብ ኽፉእ (ድያብሎስ) ክትሕልዎምምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከም ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።ዮሃ 1714-16

እዚ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃላት፡ ዓለም ንምንታይ ጸላኢትና ኸም እትኸውንን፡ ንሕና ድማ ንምንታይ ናይ ግድን ክንስዕራ ኸም ዜድልየናን ብንጹር ዜርእየናዩ። ኣብ ዓለም እናሃለኻ፡ ካብ ዓለም ዘይምዃን ኣዝዩ ዓብይ መንፈሳዊ ዓወትዩ። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ንዓለም ኣዝዩ ኸቢድ ስዕረት ስለ ዝዀነ፡ ኣዝያ ኽትጸልኣና ትግደድ። ስለ ነዚ ታሪኽ ገልቢጣ ንሳ ኽትዕወት ንሕና ግን ክንሰዓር ስለ እትደልይ፡ ብብዝሒ መከራን ፈተናን ብዙሕ ትዋግኣና። በቲ እትቕርበልና ፈተና (temptation) ኣስዲዓ ፍቕሪ ዓለም ከተስርጸልና ትጋደል። ከም ዴማስ ዝኣመሰለ ሰብ እንተ ረኺባ፡ ናብ ናይ ቍልዕነት ሕማቕን ድኻን ምህሮ ትመልሶ። ነቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ላዕሊ ዝረኸብናዮ ሓድሽ ልደትን መንነትን ከም እንድርብይ ትገብረና። ዴማስ ንዓለም ክሒዱ ንክርስቶስ ዘፍቀረን መስቀሉ ዘልዓለን ዕዉት ጅግና ነበረ። ዓለም ብፈተናን ብመከራን ምስ ተሃላለኸቶ ግና፡ ንዓለም ፈትዩ ንክርስቶስ ከሓደ (2ጢሞ 410 ቈሎ 414 ፊልሞን 24) ከተስድዓና ዝገበረቶ ፈተና ኸይሰለጣ ምስ ዚተርፍ ብመከራ ኣሰኪሓ ናብ ግዝኣታ ኽትመልሰና ትጋደል። እዞምመልእኽቲ ናብ እብራውያንዝተጻሕፈሎም ኣይሁድ፡ ካብ ብዝሒ መከራኦም ዝተላዕለ ንድሕሪት ኪምለሱ ዘንቀዱ ነበሩ (እብ 1032-39 121-3) ስለ እንተ ብፈተና ኸም እንሰድዕ፡ እንተ ብመከራ ኸም እንስክሕ ብምግባር ዓለም ክትስዕረና እትጋደል ቀንዲ ጻላኢትናያ።

ክንዕወት እንተ ዄንና፡ ንሕና ብዛዕባ ዓለም ኪህልወና ዜድልይ ኣረኣእያ ከመይ ኪኸውን ይግባእ፧ እቲ መልሲ ንጹርን ሓጺርንዩ። ሕሉፍ (ክቱር) ጽልኢ ኺህልወና ይግባእ። ንዓለም ኣዝዩ ዚጸልኣን ንዅሉ ኽብረታን ረብሓታታን ዚንዕንቅን ሰብ ጥራሕዩ፡ ኣብ ዓለም ብቐሊሉ ነባሪ ዓወት ኪጐናጸፍ ዚኽእል። ስለ ሓለፋ ንሳ ንኣና እትጸልኣና፡ ሓለፋኡ ኽንጸልኣ እንተ ዘይክኢልና፡ ሓይሊ ሚዛን ናብኣ ስለ ዝዛዘወ፡ ውዒልና ሓዲርና ናይ ስዕረት (ውድቀት) ሓደጋ ኣብ ልዕሊና ኣንጠጥ ኣሎ ማለትዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ቛንቋ፡ ኣብ ውግእ ዚዕወት እቲ ዝለዓለ መጠን ጽልኢ ዘለዎዩ። መጠን ጽልእና እናተሓተ ብዝኸደ መጠን፡ መጠን ናይ ንዓለም ዘለና ፍቕሪ እናለዓለ ይኸይድ ከም ዘሎ መብርሂ ዘየድልዮ ግሉጽ ሓቂዩ። ንፍቕሪ ዓለም ኣመልኪቶም እዞም ክልተ ቕዱሳን ሃዋርያት ኣዝዩ መሃሪ ዝዀነ ቓል ጽሒፎምልና ኣለዉ።

ኣቱም ከሓድቲ፡ ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ (ፈታው) ዓለም ኪኸውን ዚደልይ ሰብ፡ ጸላእ ኣምላኽ ዚኸውን።ያእ 44 .

ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። ከመይሲ፡ ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ስጋን ክፉእ ትምኒት-ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፡ ካብ ዓለምምበር፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን። ዓለምን እቲ ኹሉ ፍትወታን ሓላፋይዩ፡ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 215-17 .

በቲ ንዓለም ዘፍቀርናሉ መጠን ንኣምላኽ ንጸልኦ እንተ ዄንና፡ እቲ ዘለኣለማዊ ክብርን ሓጐስን ኪጐናጸፍ ዚደልይ ሰብ፡ ንዓለም ብዅሉ ሓይሉ ኺጸልኣን ኪዋግኣን ናይ ግድነትዩ። ከምኡ እንተ ዘይገበረ ምስታ ሓላፊት ዓለም ኪሓልፍ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢኡ ድማ ኣብ ዘየባትኽ መሪር ስቓይ ኪኸውንዩ። እዚ ደረቐኛ ሰይጣን ከኣ ይትረፍ ንኣና ነዞም ድኹማት ፍጥረት፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ከይተረፈ ብፍቕሪ ዓለም ኪምርዞ ተፈታቲንዎዩ፡ ኣብ ጐይታና ነርብዓ መዓልትን ለይትን ዝጾመሉ ጊዜ ናብኡ መጺኡ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሰዶሞ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርእዩ፦ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካየ።በሎ (ማቴ 48,9) ሎሚውን እንተ ዀነ፡ ብፍቕሪ ዓለም ክንምረዝ ዚገብረና ዘሎ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጠባሪ ጣዕምን ክብረትንዩ። እዛ ዓለምዚኣ ሓላፊት ምዃና ፈቲና ንርስዖ። ካብኡ ዝገደደ ኸኣ፡ ንሳ ኸይሓለፈት ከላ ንሕና ብሞት ክንሓልፍ ምዃንና ዓይንና እናረኣየን ብኣካል ተረኺብና ሰባት ክንቀብር እናወዓልና ፈቲና ንርስዖ። ዋላ ነዛ ዓለምዚኣ ብድኽነትን ስቓይን ዚነብራ ሰብ ከይተረፈ ነዛ ዓለምዚኣ ኽቱር ፍቕሪ ስለ ዘለዎ፡ ብሞት ኪፍለያን ሓዲግዋ ኪኸይድን ኣይደልንዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ዝተባህለ ድያብሎስ፡ ነቲ ናይ ፍቕሪ ዓለም መርዙ ብዘይ ምቊራጽ ዜስርጸልና። ንዓለም ዚስዕራ ድማ እቲ ነዚ ፍቕሪ ዓለም ብጽልኢ ኣብ ምትካኡ ዝተዓወተ ሰብ ጥራሕዩ።

ንዓለም ከም ዝጸላእናያ፡ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ዓለም ከም ዘይብልና ብኸመይ ኢና እነረጋግጽ፧ እቲ ቐዳማይ ምልክቱ ንምጽኣት ጐይታናን ነታ ሰማያዊት ዓለምን ልዑል ፍቕርን ናፍቖትን ዘሎካ ምዃንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ልዑል ፍቕርን ናፍቖትን ዘለዎ ሰብ ዝነበረ።ንሕና (እቶም) ብዅርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸበና ብውሽጥና ነስቈርቍር ኣለና።ሮሜ 823

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰትኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ኻብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ዋላ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብ ንደፋነቕ ኣለና። ንሕና ኣብ ድንኳን ኸለናስ ....ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈትው፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣለና።” 2ቈረ 51-4 (ፊሊ 321 ፊሊ 123)

ንሕናውን እዚ ናፍቖትን ምስቍርቋርን ኣብ ውሽጥና መሊኡ እንተልዩ፡ ፍቕሪ ዓለም ኣብ ልብና ኸም ዘየለን ኣብ ልዕሊኣ ዕዉታት ኴንና ንነብር ከም ዘለናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

እቲ ኻልኣይ ምልክትና ድማ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ዘሎምበር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ (ኣብ ዓለም) ዘሎ ዘይንደልን ዘየብህገናን ሰባት ምዃንናዩ። ነብዪ ኣሳፍ፡ በዚ ጸጋ ዝተመልአ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ናይ ውሽጡ ባህጊ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። (ኣብ ምድሪዚኣ) ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነኳ፡ (እቲ ናይ ሰማይ) ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይንዩ።መዝ 7325,26

እቲ ነዚኣ ብምሉእ ልቡ ኺብላ ዘይክእል ሰብ፡ እቲ ዓለም ዘሰነፈቶ ሰብ ጥራሕዩ። ነዛ ጽንዕቲ መርገጺትዚኣ ምእንቲ ኸነጥርያ ኸኣ፡ ከም ዚስዕብ ሃዋርያዊ ምዕዶ ተዋሂቡናሎ።

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን (ኣእምሮኹም ናብ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ)ቈሎ 31-3

እቲ ብኸም ዝዓይነቱ ድልየትን ሓሳብን ዝተመልአ ሰብ፡ ዓለም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ምውትቲ ዀይና እትርኣዮ። ንምዉት ከኣ ትቐብሮን ተርሕቖንምበር፡ ከተፍቅሮን ክትመርጾን ኣይከኣልንዩ። ትምክሕትን ክብረትን ናይ ክርስትያን መስቀል ክርስቶስምበር፡ ዓለም ኣይኰነትን።

ኣነ ግና፡ በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኰይኑ (ብዓለም) ኣይምካሕንየ። ከመይሲ በዚ መስቀል ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውትቲያ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምዉትየ።ገላ 614 .

እምነት ንዓለም ኣብ ምስዓር ዘለዎ ግደ እንታይዩ፧ መሪሕ ጥቕስና እታ ንዓለም እንስዕረላ ቐንድን ዝዓበየትን ኣጽዋርና እምነት ምዃና ኣረጋጊጹልናዩ።

እቲ ኻብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ እተወልደ ንዓለም ዚስዕራ። ካብ ላዕሊ እንውለድ ድማ ብእምነትዩ። ኵላቶም ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብእምነት ኢና እንፍጽሞም። ኵሉ ሰናይ ግብሪውን ብእምነት ኢና እንገብሮ። ከይኣመነ ኣብ ምስጢራት ዚካፈል፡ ዝበኣሰ ሓጢኣተኛዩ። እቲ ንዘይኣመነ ሰብ ምስጢራት ዚፍጽም ካህን ከኣ ካብኡ ዝገደደ ኣበሰኛ ሰለ ዝዀነ ነዚ ዚውዕሎ ሓደ የልቦን። እቲ ንእምነት ዚምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያንና መሰረታዊ ትምህርቲ፡ ኣብፍኖተ-ህይወትዚብል መጽሓፍ ከም ዚግባእ ተገሊጹ ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንኣገዳስነት ናይ እምነት ከም ዚግባእ ገሊጹልና ኣሎ።

ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት.....” ሮሜ 1423

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልንዩ። .....ብእኣ (ብእምነት)’ ነቶም ዓበይቲ  እተመስከረሎም።እብ 112,6

ናይ ህይወትና ተልእኾን ናይ መወዳእታ ሽቶን ንኣምላኽ ከነስምርዩ። እግዚአብሔር ከኣ በቲ ሉኣላዊ ስልጣኑን ፍቓዱን ብዘይካ ብእምነት ብኻልእ ከይሰምር ስለ ዝወሰነ፡ ኵሉ ጊዜ ብምሉእ እምነት ክንመላለስ ይግብኣና ማለትዩ። ኵሉ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ክንፍጽምን ክንካፈልን ከለና፡ ብምሉእ እምነት ኪኸውንምበር፡ ከም ልማድን ባህልን ጥራሕ ኪፍጸም ኣይግባእን። ኵሉ ባህርያትናን ግብርናንውን ብእምነት ጥራሕ ኪፍጸም ይግባእ። ኵላቶምቶም ፍረ-መንፈስ ዚበሃሉ ባህርያት፡ ብእምነት ክንፍጽሞም፡ ማለት እምነታዊ ትዕግስቲ፡ እምነታዊ ፍቕሪ ወዘተ ኪኸውንምበር፡ ብባህርያዊ ወይውን ብዅነታዊ ድርኺት ክንገብሮ ኣይግባእንዩ። ንኣምላኽ ኢሉ ዘይኰነ፡ ብባህርዩ ምብኣስ ምክርኻር ስለ ዘይፈትው ዚዕገስ ሰብ ኣሎ፡ እዚ ባህርያዊምበር እምነታዊ ትዕግስቲ ኣይኰነን። ገሊኡ ኸኣ ነቲ ሳዕቤን ፈሪሁ ከይህረም ብመጻምድቱ ከይፍታሕ፡ ከይስጐጒ፡ ከይሕደግ ፈሪሁ ዚዕገስ ኣሎ። እዚ ዅነታዊ ትዕግስቲምበር፡ እምነታዊ ትዕግስቲ ኣይኰነን። እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ እተወልደ ሰብ ግና ናይ ባህርይን ናይ ኵነታትን ጕዳይ ኰይንዎ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ስለ ዝኣዘዞ ናይ ህይወት ተልእኾኡ ስለ ዝዀነ ዚዕገስ። እቲ ኸም ዝበለ ሰብካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ እተወልደእንብሎ።

እቲ ብእምነት ውልድነቱ ኣጽኒዑን ሓልዩን ዚነብር ሰብ፡ ብዓለም ኣይሰዓርንዩ። ብዝደለየቶ ዓይነት ኣማጽኣ እንተ መጸቶ፡ ብፍቕራ ኽትማርኾ ብዓመጻኣ ኸተምበርክኾ ኣይትኽእልንያ። ስለ ድማዩ፦ ምስናይ ዅሉ (ምስ ዕጣቕ ሓቂ፡ ድርዒ ጽድቂ፡ ሳእኒ ወንጌል፡ ቍራዕ ርእሲ ምድሓን፡ ሰይፊ መንፈስ) ነቲ ናይ ኽፉእ (ድያብሎስ) ርሱን መንትግ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።” ዚብል ሃዋርያዊ ምዕዶን ትእዛዝን ዝተጻሕፈልና (ኤፌ 616) ኣብ ናይ ቀደም ዓይነት ውግእ ዋልታ ኸይሓዝካ ምውጻእ ማለት፡ ኣብ ዘመናዊ ውግእ ድፋዕ ከይሃነጽካ ምውጋእ ማለትዩ። ገና እቲ ውግእ ከይጀመረ ኸሎ፡ መንትግን ፍላጻን ዚዝርኦ ግራት ዄንካ ኣለኻ ማለት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ምስ ዓለም ኪዋጋእን ኪስዕራን ዝቘረጸ ሰብ፡ ዋልታ እምነት ከም ዝተዓጥቀ ርግጸኛ ኪኸውን ይግባእ። ዋላ ውግእ ኣይትግጠምን ኣይትሰዓርን፡ እታ እምነት ዘይብልካ ምዃን ንርእሳ ጥራሕ፡  ዓባይ ውድቀትን ስዕረትንያ።

እምበኣር ሰዓርቲ ዲና ስዑራት ክንፈልጥ ርእስና ንመርምር። ካብ ሰዓትዚኣ ንደሓር ኣብ ዘሎ ህይወትናኸ እናሰዓርና ዲና ኽንነብር እናተሰዓርና፧ ክብሪ ዕዉታት ኣዝዩ ዓብዪ፡ መስጣ ስዑራት ድማ ኣዝዩ መሪርሞ፡ ኵሉ ጊዜ ሰዓርቲ ዄንና ምንባርና ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  ፲፭፳፻፲፬  ግዕዝ (23 ጥሪ 2022 ). መበል 20 ሰንበት: ቊ.27/፳፯

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 2፡1-11

1ዮሃ 5፡1-13

ግብ 10፡30-39

ዮሃ 2፡1-11

ዘዲዮስቆሮስ አው ዘ፫፻ት

መዝ.፹፫(፹፬)፡፮,፯

"እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር እምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።"

"ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።"

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div