S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍቕሪ፡ መርትዖ ውልድነት [መበል 18 ሰንበት: ቊ.25/፳፭ ]

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦንዩ።” 1ዮሃ 47,8

ንዅላትና ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና!! ብኣቈጻጽራ ግእዝ ትማሊ ታሕሳስ 29 ኢና ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣብዒልና። እዚ ብልደቱ ዝተጋህደ ቐዳማይ ምጽኣት ጐይታና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘግሃደልና ኽቡር ፍጻመዩ። ስለ ኸኣ ልደቱ ብሰባትን ብመላእኽትን ብዓብይ ክብሪ ተጸምበለ (ሉቃ 28-20)ቃል ስጋ ዀነኺበሃል ከሎ፡ ስጋውያን ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ቀሊል ነገር ኰይኑ ዚረኣየና (ዮሃ 114) ንመለኮት ግና ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ሓያል፡ ዘለኣለማዊ፡ ደረት-ኣልቦ፡ ከኣል-ኵሉ፡ ፈላጥ-ኵሉ፡ ወዘተ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ነዚ ድኹምን ድሩትን መዋትን ዝዀነ ስጋና ኺለብስ፡ ካብ መስቀል ዘይንእስ ከቢድ መከራዩ። እቲ ንሰብ ዘለዎ ደረት-ኣልቦ ፍቕሪ ነዚ ሰብ ናይ ምዃን ውርደት ብሓጐስ ኪቕበሎ ዝገበሮ። ኣብ ቅዳሴ ዮሃንስ ኣፈወርቅፍቅር ሰሐቦ ለወልድ ኃያል እም መንበሩኸም ዚብል፡ እግዚአብሔር ነዚ ኸቢድ ስጕምት ኺወስድ ዝገበሮ ፍቕሪ ምዃኑ ግሁድዩ። ኣብ እዚ ፍቕሪ ዝተጋህደሉ ቕንያት፡ ነዚ ኣገዳሲ ናይ ፍቕሪ ኣርእስቲ ኽንመሃሮምበኣር ግቡእዩ።

ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ናይ ክርስቶስ ፍቁር ወደ መዝሙር ዝነበረ (ዮሃ 1926 217,20) ካብቶም  መልእኽታት ዝጸሓፉ ሃዋርያት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝሰፍሐን ዝዓመቘን ትምህርቲ ዝሃበ ድማ ንሱዩ። ኣብ መልእኽታቱ ንፍቕሪ ኣመልኪቱ ኻብ ዝገለጾ ዓሚቝ ምስጢራት ሓደ፡ ፍቕሪ ዝዓበየ መርትዖ ናይ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ሰማያዊ ልደት ምዃኑ ዜረጋግጽዩ። ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ጽቡቕ ፍቓድ ኰይኑ ድማ፡ ናይ ዕለት ኣርእስትና ንሱዩ።

ፍቕሪ፡ ናይ ኣየናይ ውልድነትና መረጋገጺዩ፧ መብዛሕትና፡ ነቲ ብስጋ ኻብ ወለድና ዝረኸብናዮ ውልድነትምበር፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ውልድነት ኣይንፈልጦን፡ እንተ ፈለጥናዮውን ኣይነድህበሉን ኣይንነብረሉን ኢና። እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ውልድነት ግና ንሱዩ። ነዛ ውልድነትዚኣ ዘይረኸበ፡ ከምኡውን ረኺብዋ ኼብቅዕ ዘይዓቀባን ዘይነበረላን ሰብ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኪኣትውንዩ። ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣተወን ማለት ድማ ናበይ ኣትዩ ኸም ዘሎ ብሩህዩ። ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ፡ ሰማይን ምድርን ብረስኒ ሓዊ ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍ (2ጴጥ 310-12) እቶም ኣብ ምድሪዚኣ ተወሊድና ዝሞትና ዅላትና፡ ናይ መወዳእታን ዘለኣለማውን ስፍራና ኣብ መንግስተ ሰማያት ወይ ኣብ ገሃነመ እሳት ዚኸውን። ካልእ መንበሪ ቦታ ፈጺሙ የልቦን። ኣብ መንግስተ ሰማያት፡ እግዚአብሔርን ቅዱሳን መላእኽቱን፡ ኵሎም ናብ መንግስቱ ኺኣትዉ ዚበቕዑ ሰባትን ኪነብሩዮም። ሰይጣንን ኵላቶም ኣጋንንቱን፡ እቶም ኣብ ምድራዊት ህይወቶም ብሓጢኣት ዘገልገልዎ ዅሎም ሰባትን ድማ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢኦምን ቦታኦምን ኣብ ገሃነመ እሳት (ራእ 2010-14 217,8) ኣገዳስነት ናይ ውልድነት ማዕረ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ....ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን።ዮሃ 33,5

ስለ ካብ ላዕሊ ተወሊድና ማለት ዜጋታት መንግስተ ሰማያት ኴንና ማለትዩ። እቲ ኻብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ካብ ላዕሊ ዘይተወልደ ዘበለ ደማ፡ ውሉድ ድያብሎስ ስለ ዝዀነ ናይ ገሃነመ እሳት ዜጋ ዀይኑ ዚተርፍ። ብዛዕባ ሰማያዊ ውልድነትዚ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ሜሮንን ዚበሃል መሰረተ እምነታ ብዕምቈትን ብስፍሓትን እተስተምህሮ። ብዛዕባ ብዕምቈት ኪፈልጥ ዚደልይ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ኣብፍኖተ ህይወትዝተሰምየ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናይ መሰረት እምነት መጽሓፍ ኪውከስ ሰናይዩ።

ነዚ ሰማያዊ ውልድነት ኸም ዝተቐበልናዮን ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝዀንናን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ብዛዕባ ውልድነትና ብርጉጽነትምበር፡ ብግምት (assumption) ኣይኰንናን ክንዛረብ ዚግብኣና። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንካን ዘይምዃንካን ከየረጋገጽካ ምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነትዩ። ኣብ ዘለናያ ዓለም ወላዲቱ ወይ ወላዲኡ መን ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ ብኸመይ ዝበለ ጭንቀትን ጓህን ከም ዚነብር ኵላትና ንፈልጥ ኢና። እዚ ሓላፊ ህይወት ብዛዕባ ውልድነትካ ማዕረ ኽንዲ ኣገዳስነት እንተልይዎ፡ እቲ ዘይሓልፍ ነባሪ ልደትናኸ ደኣ ኽንዲ ምንታይ ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ ማለትዩ፧ እዚ ልደት ዘሎናን ዘይብልናን ከነረጋግጽምበኣር ናይ ግድንዩ። እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና እተስተምህሮ መሰረተ-እምነት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ሜሮንን ዝተፈጸመ ሰብ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን ከም እተወልደ፡ ስለ ኸኣ ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜረጋግጸልና። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂዩ።

ዝተጠምቀ ዘበለ ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ንዘለኣለም ዚነብር እንተ ዚኸውን፡ ኵላትና ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ንኣትው ርጉጽ ምዀነ ነይሩ። ካብቶም ጽዉዓት እቶም ዝበዛሕና ናብ ሕርየት (ናብ ምሉእ ድሕነት) ዘይንበቅዕ ምዃንና ግን፡ ንውልድነትና ዜረጋግጹ ኻልኦት ረቛሒታት ከም ዘለዉ ዜረጋግጸልናዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ውልድነትና ናይ ባህርይ ውልድነት ስለ ዘይኰነዩ። ናይ ባህርይ ውልድነት፡ ዘይሓልፍ ዘይበርስ ነባሪ ውልድነትዩ። ካብ ናይ ስጋ ውልድነትና፡ ማለት እቲ ኻብ ኣቦናን ኣዴናን እንውለዶ ልደት ናይ ባህርይ ውልድነት ስለ ዝዀነ ፈጺሙ ዘይስረዝዩ። ዋላ ንወላዲና እንተ ንቐትሎ ውሉዱ ኻብ ምዃን ዚስርዘና የልቦን። ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ናይ ባህርይ ውልድነት ዘለዎ ግና ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕዩ። እቶም ዝተረፍና ዅላትና ግና፡ ናይ ውልድነት መሰል (adoption) ደኣ ተዋሂቡናምበር ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርዩ ውሉድ ኣይኰንናን። ኣብ ኣምላኽ ዘለና ውልድነት ናይ ባህርይ ውልድነት እንተ ዚኸውን፡ ልክዕ ከም ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታውያን (ኣማልኽቲ) ምዀንና ኔርና። ውልድነትና ብመሰል ምዃኑ ቓል እግዚአብሔር ብኸም ዚስዕብ ኣረጋጊጹልናዩ።

ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበለ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።ዮሃ 111,12

እምበኣር ውልድነትና ናይ መሰልምበር ናይ ባህርይ ስለ ዘይኰነ፡ ነቲ ኽቡር መሰል ዘይበቅዕ ህይወት ክንነብር እንተ መሪጽና፡ ነዚ ብሕያውነቱ ዝረኸብናዮ መሰል ክንስእኖ ንኽእል እና። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ በዚ መሰል ኽሳዕ ሃዋርያነት በጺሑ ኼብቅዕ፡ ከም ኤሳው ነዛ ውልድነቱ ብሕሱር ገንዘብ ስለ ዝለወጣ፡ ድያብሎስ ናብ ምዃን ተለወጠ (ዮሃ 670) እምበኣር እቲ ናይ ውልድነት ምስጢራት፡ ናብ መሰል ውልድነት ዜእትወና በሪዩ። ርጉጽነት ውልድነት ግና ብእኡ ጥራሕ ኣይድረትንዩ።

እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናንምበኣር፡ ካብቶም  ናይ ውልድነትና መርትዖታት ሓደን እቲ ዝዓበየን ፍቕሪ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ፍቕሪ መለኮታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ኣብቶም ካብ ኣምላኽ ዝተወልዱ ጥራሕ ዚርከብ። ኣብ ፍቕሪ ዘየለ ዝተጠምቀ ክርስቲያን፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪኸውንን ኪስመይን ኣይብቑዕንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ናይ መሪሕ ጥቕስና ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣዝዩ ብዝነጸረ መገዲውን ደጊሙ ገሊጽዎ ኣሎ።

ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚዮም ዚግለጹ።” 1ዮሃ 310

በዚ ሃዋርያዊ ቓል መሰረትምበኣር፡ ኣብ ፍቕሪ ዘየለ ሰብ ኣብ ውልድነት ኣምላኽ  ኺህልው ፈጺሙ ኣይክእልንዩ። ጥምቀት ካብ ሓጢኣት ክንሞተሉ ዝተሰርዓልና ምስጢርዩ። ጽልኢ ድማ ምስ ቅትለት ነፍሲ ዚዳረግ ዝኸፍአ ሓጢኣትዩ። ናይ ጥምቀት ሞትና ኻብ ጽልኢ ሓራ እንተ ዘይኣውጺኡና፡ ወይ ነቲ ውልድነት ብመሰረቱ ኣይተቐበልናዮን፡ ወይ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ንሓጢኣት ስለ ዝመረጽና ብምርጫና ተሓሲምናዮ ደርቢናዮን ኣለና ማለትዩ። ኣብ ልዕሊ ኢልና ዘንበብናዮ ናይ 1ዮሃ 310 ጥቕሲ፡ ንኻልእ ኵሉ ናይ ጽድቂ ባህርያትን ግብርታትን ኣብ ሓደ ጠቕሊሉጽድቂ ዘይገብርኢሉ ድሕሪ ምጥቃሱ ነታ ፍቕሪ ግን ንበይና ኺረቝሓ መረጸ። ኣብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ጥቕሲውን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ንውልድነት ብፍሉይ ምስ ፍቕሪ ኣዛሚዱ ገሊጹልና ኣሎ።

ንኢየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደዩ። እቲ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ (ኻብ ኣምላኽ) ዝተወልደውን የፍቅሮዩ። ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ፡ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕልው፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።” 1ዮሃ 51,2

በዚ ሃዋርያዊ ቓል መሰረት፡ እቲ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ ይውለድ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉውን የፍቅር። እቲ ዘየፍቅር ሰብምበኣር፡ ዘይተወልደን ዘይኣመነን ሰብዩ። 

ጐይታ ግና ንምንታይ ንፍቕሪ ቐንዲ መርትዖ ናይ ውልድነት ኪገብራ መሪጹ፧ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቕዱሳን ሃዋርያቱ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ ብቑዕ መልሲ ሂቦምናዮም። እቲ ዝመሃሩና ሓቂ ኸኣ፡ ፍቕሪ ንዅሉ ኻልእ ትእዛዛት ኣብ ውሽጣ ዝሓቘፈትን፡ ትግባረ ዅሉ ትእዛዛት ብዘይ ብእኣ ኺፍጸም ዘይከኣል ምዃኑ ዜብርህዩ።

ኣብዘን ክልተ (ንኣምላኽን ንብጻይካን ናይ ምፍቃር) ትእዛዛትዚኣተን ብዘሎ (ዅሉ) ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ (ተሓቚፉ) ኣሎ።ማቴ 2240

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎሞ፡ እታ ሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እቲኣይትዘምው፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነይ፡እተባህለ ኻልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ (ኣብ) “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮዚብል ቃል ክቱትዩ፡ ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮንያ፡ እምበኣርሲ፡ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊያ።ሮሜ 138-10

“ .....ኵሉ ሕጊ፡ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅርብእትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸምዩ።ገላ 514

ኣብ ልዕሊ ዅሉ (ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ) ንዅለን (ትእዛዛት) ኣሲራ (ወይ ጠሚራ) ናብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቕሪሞ፡ ልበስዋ።  ቈሎ 314 .

ብመሰረት ሃዋርያዊ መልእኽታትምበኣር፡ ፍቕሪ የለን ማለት ክርስትና ዀነ መንፈሳዊ ህይወት ፈጺሙ የለን ማለት ምዃኑ ኣዝዩ ብሩህዩ። ፍቕሪ ኣልቦነት፡ ከቢድ መንፈሳዊ ለምሲዩ። ፍቕሪ እንተልያ ግን ከተርሕቖ ዘይትኽእል ሓጢኣት፡ ክትገብሮ ዘይትኽእል ጽድቂ የለን። ከምኡ ምዃኑ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ኣረጋጊጹልናሎ፡

ፍቕሪ ዓቃልያ፡ ፍቕሪ ለዋህያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንያ፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርንያ፡ ኣይትዕበይንያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኰነትን (ኣይተስተሓፍርን)ንዓይ ይጥዓመኒብዚብል ኣይትምራሕን (ናታ ኣይትደልን)’ያ። ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን ኣይትቕየምንያ። ብሓቂ ትሕጐስምበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላንዩ። ፍቕሪ፡ ንዅሉ ትጸውር፡ ንዅሉ ትኣምን፡ ብዅሉ ተስፋ ትገብር፡ ንዅሉ ድማ ትዕገስ። .....ፍቕሪ ግና ከቶ ኣይተቋርጽንያ።.......ሕጂ ኸኣ እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዚኣተን ሰለስቲአን (ይነብራ) ካብዚኣተን እትዓብይ ግና ፍቕሪያ።” 1ቈረ 134-8,13 .

ነዘን ኵለን ኣብ ጥቕሲ ፍቕሪ ተገሊጻትለን ዘለዋ ባህርያት ኣባና እንተ ዚህልዋ፡ ከም ኣቦና እዮብ፡ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሰይጣን ናብ ዚሕበነሉ ደረጃ ፍጹምነት ምበጻሕና ኔርና። ነታ ናብ እተብጽሓና ፍቕሪ ስለ ዝደርበናያን ስለ ዝተሓሰምናያን ግን፡ ንፍጹምነት ይትረፍ ክንበጽሖ፡ ክንሓስቦን ክንሓልሞን ናብ ዘይከኣለና ደረጃ ወዲቕና ንርከብ።

ፍቕሪ ግን ናይ ብሓቂ ድዩ ዘይብልና፧ ካብቶም እንጸልኦም እቶም እነፍቅሮምዶ ኣይበዝሑንዮም፧ ንምንታይ ደኣ ዅሉ ጊዜ ፍቕሪ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ዚስበኸልና፧ ከም ዘመሰለ ሕቶ ናይ ምስትውዓል ደጌታት ዚኸፍተልና እንተ ዀነ፡ እግዚአብሔር ካባና እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ኸም ዚጽበይ ዘይምፍላጥና ዘበገሶ ናይ ድኻም ሕቶ ምዃኑ ግን ከቶ ዘየጠራጥርዩ። ክልተ ዓይነት ፍቕሪ ዘሎ። እቲ ቐዳማይን መፍቀርቲ ዝዀንና ኸም ዚስምዓና ብምግባር ዚጥብረናን፡ እቲ ባህርያዊ ፍቕሪዩ። እዚ ዝዓይነቱ ፍቕሪዚ፡ ዋላ በቲ ናይ ሰብ ደረጃ ኣይኹን፡ ኣብ እንስሳታትውን ዚርከብ ፍቕሪዩ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኣደን ውሉድን ዘሎ ፍቕሪ፡ ውጹእ ባህርያዊዩ። ካብ ኣብ ሰብ ኣብ እንስሳ ደኣ ይሕይል ይኸውንዩ። ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘሎ ፍቕሪ ድማ፡ ብድፍኢት ጾታዊ ነዝዕታት (hormons) ዝተደረኸ ጾታዊ ፍቕሪዩ። ዋላ ናብ ጾታዊ ርክብ ዝዓለመ ኣይኹን፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ሕይል ዝበለ ባህርያዊ ፍቕሪ ኸም እነርእይ ኣዝዩ ዝተረጋገጸ ሓቂዩ። ኣብ ናይ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ መዘናግዒ ቦታታት ብምርኻብናን ንሓድሕድና ብምልምማድናን እነማዕብሎ ፍቕሪውን ባህርያዊዩ። እንስሳታት ሓቢሮም ዚነብሩ ምስ ዚዀኑ ሓቢሮም ይዕንድሩ፡ ይጻወቱ፡ ይልሓሓሱ፡ ይተሓኻኸኹ፡ ንዚምግቦም ንዚጓስዮም ሰብውን ኣዝዮም ይፈትውዎ። ኪርእይዎ ኸለው ጐይዮም ይቕበልዎ፡ ይሕቈፍዎ፡ ይልሕስዎ፡ ይተሓሰሓስዎ ወዘተዮም። እዚ ኸም ዝበለ ምልምማድን ረብሓን ወዘተን ዝወለዶ ባህርያዊ ፍቕሪ ሒዝካ፡ፍቕሪ ኣሎኒ፡ አፍቅርምባል ኣብ ትዕዝብትን ፍርድን ናይ ኣምላኽ ዜውድቕ ርእስኻ ናይ ምቅላል ዓሻ ተኣምኖዩ። ገዛእ ርእስኻስ ምስ እንስሳ ናይ ምስራዕን ናይ ምውድዳርን ዜሕፍር ሃቐና ኸኣዩ። ዘሎና ዜምስለና ዘሎ፡ ምናልባት ነዛ ባህርያዊት ፍቕሪ ምኽኣል ዚስእንዋ፡ ንሳውን ዘይብሎም ትሕቲ እንስሳ ዝወረዱ ሰባት ኣብ ከባቢና ስለ እንርእይ ኪኸውን ይኽእልዩ። ባህርያዊ ፍቕሪ፡ ናይ ሰማያዊ ውልድነትና መርትዖ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ዝርካቡ ባህርያዊ ፍቕርኻ ጸባጺብካን ኣኪብካን፡እግዚአብሔር ኪቕበለንን ኪጻምወንንኢልካ ምጽባይ መወዳእታኻ ዜበላሽው ሓደገኛን ዓሻን ትጽቢትዩ።

እቲ ኻልኣይ፡ ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ዓይነት ፍቕሪ ግን፡ እምነታዊ ፍቕሪዩ።መንፈሳዊ ፍቕሪኢልካ ኺጽዋዕውን ይኽእልዩ። እግዚአብሔር ከም ፍቕሪ ዚፈልጦ፡ ካብ ብኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ሰብ ድማ ዚጽበዮ ፍቕሪ፡ ንእኡን ኣብኡን ካብ ዘሎና እምነትን ፍርሃት እግዚአብሔርን መንፈሳውነትን ዝመንጨወ ፍቕሪ ምስ ዚኸውንዩ። ብባህርያዊ ፍቕሪ ተደሪኽና ዘይኰነስ፡ እግዚአብሔርኣፍቅሮኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ተኣዚዝና እነፍቅሮ ናይ ውሳነ ፍቕሪዩ። እዚ እምነታዊ ፍቕሪ ብዝዀነ ይኹን ኵነታትን ባህርይን ግብርን ናይ ኺፍቀር ዚግብኦ ሰብ ዘይዕንቀፍዩ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ በይኑ ኣብ እግዚአብሔር ጥራሕ ዚምርኰስ ፍቕሪዩ። ንጸላእትኻ ከተፍቅር፡ ንረገምትኻ ክትምርቕ፡ ምእንቲቶም ዚቐትሉኻ ክትጽልይ፡ ነቶም ኬሕድጉኻ ዘንቀዱ ብፍታውካ ኽትህብ ዜኽእል ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪዩ። ስምዒታዊ ገጽታ ዘይብሉዩ። ማለት፡ ስለ ዝተሓጐስካ ዘይውስኽ ስለ ዝጐሃኻ ዘይጐድል፡ ብለጠቕታን ክብታን ናይ ስምዒታዊ ሃለዋትካ ዘይጽለው ጽኑዕ ፍቕሪዩ። ሃልሃልታኡ ሰማይ ጠንቊሩ ዝጸንሐ ፍቕርና፡ ዋላ ኣዝዩ ኸቢድ ይኹን፡ ብሓንቲ በደል ናይ ተፈቃሪ ጠፊኡ ኣሰሩ ዘይረኣይ፡ ብኣንጻሩ ካብ ሲኦል ብዚጽልምት ዝኸሓነ ጽልኢ እንተ ተተኪኡ፡ፍቕሪ ነይሩኒኢልካ ምዝራብውን ኣዝዩ ኼሕፍረና ዚግባእ።ጸላእቱን ሓጥኣንን ድኹማትን ከለና ንዘፍቀረናን ነፍሱ በጃና ዘሕለፈልናን ጐይታእናሰዓብናንናይ ኣጸባጻብ ፍቕሪ ኸም ፍቕሪ ንቘጽር እንተ ዄንና፡ ንእግዚአብሔር ብዛዕባ ቐንዲ ባህርዩ ነላግጸሉ ኸም ዘለና ኣይንዘንግዕ። ንእምነታዊት ፍቕሪ፡ ዝዀነ ዓይነት በደል ኣየጕድላን ኣይድምስሳንዩ። እቲ ናይ 1ቈረ 134-7 ጥቕሲ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ጃህራ፡ ትዕቢት ወዘተ ዘለዋን፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ትዕግስቲ፡ እምነት፡ ተስፋ ወዘተ ዘይብላን ፍቕሪ ሒዝና፡ፍቕሪ ኣለኒእንተ ኢልና፡ ብልሳንናን ብግብርናን ንእግዚአብሔር ክንጻረሮ ተዓጢቕና ምህላውና ዜመልክትዩ።

ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮዚብል ብሊቀ-ነብያት ሙሴ ዝተዋህበ ናይ ብሉይ ኪዳን ሕጊ (ዘሌ 1918) ክርስቶስን ሃዋርያቱን ብግብሪ ዘርኣዩና ፍቕሪ ግን ንብጻይካ ካብ ነፍስኻ ኣብሊጽካ ኣፍቅሮዚብልዩ። ፍቕሪ ሓድሽ ኪዳን፡ ነፍስኻ ኣብ ክንዲ ብጻይካ ኣሕሊፍካ ኽትህብ ይጽውዓካን ይእዝዘካን እንተልዩ፡ ካብ ነፍስኻ ኣብሊጽካ ኸተፍቅር ይእዝዘካ ኸም ዘሎ ብሩህዩ።

ንሱ (ክርስቶስ) ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ሰለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣለና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣናዩ።” 1ዮሃ 316

ሓንቲንርእሰይ ይጥዓመኒብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ (ኢልኩም) ኣይትግበሩ። ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዜሕሾ ኣይጠምት (ኣይግበር)ፊልጲ 23,4

ነዚ ትእዛዝ ኸኣ ፈጺሞም ኣርእዮምዮም፡ (2ቈረ 1215 1ተሰ 28) ናብ ደረጃ ፍቕሪ ኸይዓበኻፍቕሪ ኣሎኒ፡ ውሉድ ኣምላኽየ፡ ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያንምባል ትርጉም ስለ ዘይብሉ፡ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋንክሳዕ ዚበሃለልና፡ ንኣምላኽን ንኸማና ሰብን ዘሎና ፍቕሪ ይዓብይ ምህላዉ ነረጋግጽ። ንባህርያዊ ፍቕሪ ኸም እምነታዊ ፍቕሪ እናቘጸርና ርእሰና ኣይንጠብር። ናይ ሰማያዊ ውልድነትና መርትዖን መረጋገጺትን እዛ ንኣምላኽ እትገልጽ ብልጽትን ብቕዕትን ፍቕሪ ትኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  , ፳፻፲፬  ግዕዝ (9 ጥሪ 2022 ). መበል 18 ሰንበት: .25/፳፭

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 11፡25-ፍጻመ

1 ዮሃ 41-9

ግብ 712-22

ማቴ 21-12

ዘእ

መዝ ፹፰(፹፱)፡፳፯,፳፰ "ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዐቅብ ሎቱ ሣህልየ።"

"ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉዩ።"

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div