S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ ዚሰምሮ መስዋእቲ [መበል 17 ሰንበት: ቊ.24/፳፬ ]

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብኖላዊዕለት ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ኖላዊተባሂሉ ዝጽዋዕ።ኖላዊድማ ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙጓሳማለትዩ። ስለ ኸኣ ናይ ዕለት መዝሙርን ምስባክን ኣርባዕቲኡ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ብምሉኡ ጓሳ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። እቲኖላዊ (ጓሳ)” ዚበሃለሉ ዘሎ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። እዚ ቕንያት እቲ ንጓሳና ዝዀነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቕንያትዩ።

ድሕሪ ሳልስቲ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ታሕሳስ 29 በዓል-ልደት ከነኽብር ኢና (07/01/22) እዚሕያዋይ ጓሳ፡ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ሓለቓ ጓሶትዝተሰምየ መድሓኒና ኻብ ዘስተምሃረና ዓበይቲ ምህሮታት ሓደ፡ ነቲ ንሱ ጥራሕ ዚፈልጦ እግዚአብሔር ኣቦኡ እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኸም ዜስምሮዩ። መስዋእቲ ምቕራብ ብሰብ ዘይኰነስ ብኣምላኽ ዝተስርዐን ዝተኣዘዘን ናይ ኣምልኾ ስርዓትዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እግዚአብሔር እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኸም ዜስምሮ፡ ብመን እንተ ቐረበ ኸም ዜስምሮ፡ እቶም ዚስውኡ እንታይ ዓይነት ህይወት ኪህልዎም ከም ዘለዎ፡ ወዘተ ብዝርዝር ኣፍሊጡናዩ።፡ ካብ ንሱ ዝዘርዘሮ ረቛሒታት ስሙር መስዋእቲ ንሓዲኡ እንተ ኣጕደልና፡ ይትረፍ መስዋእትና ኪቕበለልና ብኣንጻሩ ኣበሳ ኸም ዚቘጽረልና ቓሉ የረጋግጸልናዩ። ከም ኻብ ኰነ፡ መስዋእቲ ምቕራብና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ መስዋእትና ነቲ ንኣምላኽ ዜስምር ረቛሒታት ምምላኡ ኸነረጋግጽ ይግብኣና ማለትዩ። ጐይታና ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ፡ ብዛዕባ መባእ (መስዋእቲ) ግሩም ትምህርቲ ሂቡሎ።

እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሓሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስ ሓውካ ተዓረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።ማቴ 523,26

ስለ ንዝበደልካዮን ንዘጕሃኻዮን ሓውካ ይቕሬታ ብምሕታት ከይተዓረቕካ መባእ ወይ መስዋእቲ ኸተቕርብ ምፍታን ናብ ዝኸፍአ ፍርዲ ኣሕሊፉ ኸም ዚህበካ ርጉጽዩ። እዚ ኣብነት ብዛዕባ እነቕርቦ መስዋእቲ ጥንቍቓት ክንከውን ከም ዚግብኣና ዜመልክተናዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ብዛዕባ ረቛሒታት ስሙር መስዋእቲ ኣይኰንናን ክንመሃር። ዝዀነ ዓይነት መስዋእቲ ኸነቕርብ ከለና፡ ንኣምላኽ ብዜስምሮ መገዲ ነቕርቦ ምህላውና ንምዝኽኻር ዚኣክል ጥራሕዩ። ሎሚ ኽንዘራረበሉ ተሰሪዑልና ዘሎ ዓይነት ናይ መስዋእቲ፡ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ፡ ብፍላይ ከኣ ንምምቓል ዚምልከትዩ።

ሰናይ ግብሪ ንምንታይ ኸም መስዋእቲ ዚቝጸር፧ ካብ ኣብ ብሉይ ኪዳን እነንብቦ ስርዓት መስዋእቲ ዝተላዕለ፡ መስዋእቲ ዚመስለና፡ እቲ ናይ ህንጻ ቤት መቕደስ ኬድና እነበርክቶ ህያብ ጥራሕዩ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን፡ ኵሉ መስዋእትን መባእን ናብ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ኬድካ ይቐርብ ነበረ። ካብ ቦታዚኣ ወጻኢ ዚግበር ወይ ዚቐርብ ዝዀነ መስዋእቲ ኸም ሓጢኣት ይቝጸር ነበረ። ካብ ዝተላዕለ፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዚቐርብ ጥራሕ መስዋእቲ ዚበሃል ኪመስለና ጀመረ። ሰብ፡ ብቐጥታ ንኣምላኽ ዚገብሮ ዀነ ንኸምኡ ሰብ ዚገብሮ ግብሪ ዅሉ ግና መስዋእቲ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግብኣና። እቲ ጽቡቕ ግብርና ዘበለ ዅሉ፡ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ምኡዝን ቅቡልን መስዋእቲዩ። እቲ ኽፉእ ግብርና ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡ ናብ ሰይጣን ዚቐርብ ርኹስ መስዋእቲዩ። ነዚ ዜረጋግጸልና ድማ ኣምላኽ ብግብርና ኸይተሓጐሰ ምስ ዚተርፍ ነቲ እነቕርቦ ነገራዊ መስዋእትና ዘይምቕባሉዩ።፡ ነቲ ዝዓበየ ግብራዊ መስዋእትና እንተ ዘይተቐቢልዎ፡ ነቲ ዝነኣሰ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራዊ መስዋእትና ኪቕበሎ ፈጺምኻ ዘይሕሰብዩ። እዚ ሓቂ ድማ ግብርና ኻብ መስዋእትና ዝበለጸ ኣገዳስነቱ ከም ዘለዎ ዜመልክተናዩ። ስለ ግብርና እቲ ዝዓበየ መስዋእትናዩ። መሪሕ ጥቕስና ድማ ነዚ ምስጢር ዜረጋግጸልና ዘሎ። ሰናይ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ዜስምሮ ዝበለጸ መስዋእቲዩ። ቃል እግዚአብሔር ከም ዜረጋግጸልና ሰብ ህያው ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኽ (1ቈረ 316,17 619,20) ስለ ንሓደ ሰብ ሰናይ ክንገብረሉ ኸለና፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ንኣምላኽ መስዋእቲ ነቕርብ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ነዚ ሓቂ ጐይታና ኣብ ማቴ 2531-46 ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ። ነቶም ኣብ ዘመን ምድራዊ ህይወቶም ንጽጉማት ዜርህውሎምን ዜጸናንዕዎምን ዝነበሩ ኣብ ምጽኣቱ ኼመጕሶም ከሎ ዝተዛረቦ ቓል ነዚ ናይ ሰናይ ግብሪ ክብርን ኣገዳስነትን ዜርእየናዩ።

“.....'ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ ኣስተኹምኒ፡ ሓሚመ በጻሕኹምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ጐይታይ፡ መዓስ ጠሚኻ ረኣናካ ኣብላዕናካ። ወይ ጸሚእካስ ኣስተናካ፡ መዓስከ ጋሻ ዄንካ ረኣናካ ተቐበልናካ፧ ወይ ዓሪቕካስ ከደንናካ፧ መዓስከ ሓሚምካ ረኣናካ መይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡እቲ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ኢሉ ይመልሰሎም።ማቴ 2534-40

እዞም ተጠቒሶም ዚምስገኑ ዘለዉ ጻድቃን ሓንቲ ግብሪዮም ፈጺሞም። እዛ ግብሪዚኣ ንሰባት ሰናይ ግብሪ ትዀኖም ንኣምላኽ ከኣ ስሙር መስዋእቲ ትዀኖ። ስለ ንዝዀነ ሰናይ ግብሪ በቲ ኣብ ሰብ ዘለዎ ትርጉምን ጽልዋን ጥራሕ ዘይኰነ፡ በቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ትርጕምውን ክንርእዮ ይግባእ። ዝዀነ ሕማቕ ግብሪ ንምግባት ክንድረኽ ከለናውን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘሎ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ንእኡ ዝፈጠረን ንስጋኡ መቕደሱ ዝገበሮን ዘይርአን ኣምላኽውን ክንዝክሮን ክንሓስቦን ይግብኣና። ኣብ መቕደሱ ዝገበርናዮ ግብሪ፡ናብኡ ኣይበጽሕንዩ፡ ንእኡ ኣይምልከቶንክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ግደ ሓቂ፡ እቲ ኣብ መቕደስ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ተግባር፡ ካብ ነቲ መቕደስ ንላዕሊ ንዋናን ፈጣርን ናይ መቕደስ ብዝያዳ ዚብጽሖ። ስለ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዚፍጸም እኩይ ተግባር ወይ በደል፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ዝቐረበ ርኹስ መስዋእቲዩ። ንዅሉ ተግባርና ብጥዑይ ድርኺትን ብልዑል ጥንቃቐን ክንገብረሉ ዚግብኣና ምኽንያት ከኣ ንሱዩ።

እግዚአብሔርከ ንምንታይ በቲ ንሕና እንገብሮ ሰናይ ግብሪ ዚሰምርን ዚሕጐስን፧ ሰናይ ግብሪ ምግባር መለኮታዊ ባህርይዩ። ሰናይ ግብሪ ሰብኣውን ስጋውን ባህርይ ኣይኰነን። ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እቶም ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ (ብኣርእያ ስላሴ) ዝተፈጠርና ሰባት፡ ሰናይ ግብሪ ናይ ምምራጽን ናይ ምግባርን ዓቕሚ ተዓደልና። እቲ ሓቂ ኸምኡ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ፍጡራቱ ኢና ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተፈጠርና ኢና።.

ከመይ ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳልወልና ሰባት ተግባር እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።ኤፌ 210

ስለ ዕላማ ምፍጣርና ሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኽንገብርዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ካብ ሰናይ ግብሪ በዅርና ማለት፡ ሰብ ምዃን ሓዲግና ማለትዩ። ከልቢ እንተ ዘይሓለወ፡ ገመል እንተ ዘይተሰከመ፡ ብዕራይ እንተ ዘይሓረሰ፡ ሰብ ከኣ ሰናይ ግብሪ እንተ ዘየዘውተረ ኵላቶም ከንቱዮም። እቲ ዜሕዝን ከኣ ሰናይ ግብሪ ዘይምግባር፡ ኣብ ዘይምግባር ጥራሕ ተደሪቱ ዘይተርፍ ምዃኑዩ። ገባሪ ሰናይ እንተ ዘይኴንካ፡ ናይ ግድን ገባሪ እከይ ኢኻ። ኣብ መንጎ ሰናይ ግብርና እከይ ግብርን፡ ሓዲግ-ሰብ ዚንጥልጠለሉ (ወይ ዜንሳፍፈሉ) ባዶ ቦታ ወይ ባዶ ሃለዋት የለን። ምኽንያቱ እንተ ወሓደ፡ ሰናይ ዘይምግባር ጥራሕ ንርእሱ ግብረ-እከይዩ። ሓደ ሰብ ገባር-ሰናይ እንተ ዀነ ወሃቢ ይኸውን፡ ገባር-እከይ እንተ ዀነ ግና ሰራቒ ወይ ዘራፊ ዚኸውን። ከይሃብካን ከይሰረቕናን ስቕ እንተ በልና ኣይገበርቲ ሰናይ ኣይገበርቲ እከይ ሓዲግ ንኸውን ማለት ኣይኰነን። ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ምስ ገበርቲ እከይ ኢና ንምደብ። ምኽንያቱ ኽትህቦ ንዚግብኣካ ዘይምሃብ እቲ ዝኸፍአ ስርቅን ዝምታንዩ። ልዕሊ ኢልና ኣብ ዘንበብናዮ ናይ ማቴ 2531-46 ምስላ፡ ነቶም ንዝጠምዩ ዘይመገቡ፡ ንዝዓረቑ ዘየልበሱ ናብ ገሃነም ፈሪድዎም። ገሃነም ድማ ናይ ሰረቕቲ ዘለኣለማዊ ማሕደርዩ። ብዘይ ምሃቦም ስለ ዝሰረቑ፡ ናይ ማሕደር ሰረቕቲ ተደርበዩ። ናብ መንግስቲ-ሰማይ ዚኣትው እቶም ዚህቡ ጥራይምበር እቶም ኢዶም ዘርጊሖም ዘይስረቑ ኣይኰኑን። ሰናይ ግብሪ ዘይምግባር፡ እቲ ዝኸፍአ ግብረ-እኩይ ሰለ ዝዀነ፡ ንህይወትና ብእኡ ኽንመዝና ዚግባእ። ኣብ ቃል እግዚአብሔር ብተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ዚፈርዶ (ኤር 3219 ማቴ 1627 1ጴጥ 117 ራእ 2012) እግዚአብሔር፡ ኣብ መወዳእታ ብመሰረት ግብርና ዚፈርደና ኻብ ኰነ፡ ንሕናውን ንህይወትና ብመንጽር ግብርና ኽንመዝና ዚግብኣና ማለትዩ።

እቲ ሓቂ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ሰብ ብግብሩ ዚድሕን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን!! ቅዱሳን ሃዋርያት ብግብርና ኸም ዘይንድሕን ኣነጺሮም ነጊሮምናዮም። ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተሰረትና፡ ሰዓብቲ ናይ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃንና መጠን፡ በቲ ሃዋርያት ዝሓደጉልና ትምህርቲ ኢና እንኣምን።

ሓደ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነንሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ (ምድሓን) ኸኣ ውህበት ኣምላኽምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።ኤፌ 28,9

ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሓነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓናምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። ሕጂ ግና (እቲ ምድሓን) ብምግሃድ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸ። ንሱ ንሞት (ስዓሮ) ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውጽኦ።” 2ጢሞ 19,10

ናይ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዚህብ ምሕጻብን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን ኣድሓነና። ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ እሙን (ቃል)’ዩ።ቲቶ 34-8

ብግብርና ዘይንድሕን እንተ ዄንና ደኣ ንምንታይ ብግብርና ንፍረድ፧ ሰናይ ግብሪ ናይ ድሕነትና ምኽንያት (means) ዘይኰነስ ናይ ድሕነትና ፍረ ወይ ውጽኢትዩ። ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታት ከም ዜረጋገጸልና፡ ብእምነት ብጸጋ ኣምላኽ ኢና ናብ ድሕነት እንኣትው። ናብ ድሕነት ምስ ኣተና (ድሕነት ምስ ረኸብና) ግና፡ ነቲ ድሕነትና ብግብሪ ኢና እንነብሮ። ምኽንያቱ ዕላማ ናይ ብእምነት ዝረኸብናዮ ድሕነት፡ ነቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምስራት ዓለም ክንነብረሉ ኢሉ ዘዳለወልና ሰናይ ግብሪ እናገበርና ምእንቲ ኽንነብርዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኼስተምህር ከሎ፡ ብጕንዲ ወይኒ መሲልዎ ኣሎ።

ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቆ። ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ (ኣቦይ) የርሕቖ።ዮሃ 15:1,2

ኣብ ጕንዲ ዘየለ ጨንፈር ይመውትምበር ህይወት ኪህልዎ ኣይክእልንዩ። ህይወት ዘይብሉ ጨንፈር ከኣ ፍረ ኼፍርይ ኣይክእልንዩ። ኪፈርይ እንተ ዀይኑ ቕድም ህይወት ኪረክብ ይግብኦ። ህይወት ከይረኸበ ኸሎ፡ ፍረ ኽትጽበይ ኣይከኣልንዩ፡ ፍረ ብምፍራይ ህይወት ኣይርከብንዩ፡ ህይወት ብምርካብ ጥራሕ ፍረ ዚፍረይ። ስለግብሪ (ፍረ) ብምግባር ህይወት (ድሕነት) ኣይርከብንዚበሃል። ህይወት ዝረኸበ ዘበለ ዅሉ ግና ፍረ ኼፍርይ ናይ ግድንዩ። ከይፈረየ እንተ ተረፈ ኸኣ፡ ከም ጐይታ ዝበሎ፡ ተቘሪጹ ይድርበይ፡ ነታ ረኺብዋ ዝነበረ ህይወትን ድሕነትን ከኣ ንሓዋሩ ይስእና ማለትዩ። እቲ ጥቕሲ ኣብሪህዎ ኸም ዘሎ፡ ክትፈርይ ዘይክትፈርይ ኣብ ጕንዲ ኽትጠብቕ ናይ ግድንዩ። ኣካል (ጨንፈር) ናይ ጕንዲ ዚኸውን ከኣ ብእምነት ብጸጋ ሓንሳእ ኣካል ናይ ጕንዲ ኣካል ስለ ዝዀንካ ግን፡ ንሓዋሩ ኣካል ኴንካ ትነብር ማለት ኣይኰንን። ዕላማ ናይ ኣካልነትካ ሽቶኡ እንተ ዘይወቒዑ እቲ ተኻሊኻ ኪቘርጸካ ናይ ግድንዩ፡ ምኽንያቱ ንኽትፈርየሉ ተኺሉካ። ስለ ኣካል ወይ ጨንፈር ከይኰንካ ምፍራይ የለን፡ ከይፈረኻ ድማ ኣካል ዄንካ ምንባር የለን ማለትዩ። እምበኣር ድሕነት ወይ ህይወት ናይ ምርካብ ናይ መወዳእታ ዕላማ፡ ፍረ ምፍራይዩ። ናይ ሰብ ፍረ ኸኣ ሰናይ ግብሪዩ። ስለ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

እዚ ቓል እሙንዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣምኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደልይ ኣለኹ። እዚ ሰናይ ግብሪ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቕምንዩ። .... እቶም ናትናውን (እቶም ዝኣመኑውን) ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድልይ ነገር (ማለት) ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይመሃሩ።ቲቶ 28314

ስለኣብ እምነት ኣለኹ፡ ክርስትያንንዚብል ኵሉ ሰብ ሰናይ ግብሪ ምግባር ግዴታምበር ምርጫ ኣይኰነን። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣዩ፡ ነቶምኣባይ ዘሎዝበሎም ጨናፍሩ ፍረ ምስ ሰኣነሎም ብዘይ ምሕረት ቈሪጹ ዚድርበዮም። ጽቡቕ ግብሪ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተቘሪጹ (ተፈልዩ) ናብ ሓዊ ገሃነም ኪድርበይ፡ ከቶ ዘይገሃስን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ፡ ናብ ኰን ደዀን ዘይኣትው ሕጊ መለኮት (ማቴ 310,12 7 16-23 1233-37 2118-20 ሉቃ 136-9 ዮሃ 156 ሮሜ 26-10 2ተሰ 19,10 እብ 67,8) እዚ ግብሪ ኣብ ድሕነትና ዘለዎ ተራን ናይ ሰናይ ግብሪ ኣገዳስነን ዚገልጽ ዓሚቚ ኣስተምህሮ፡ ኣብ መሰረተ-እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና (ፍኖት ህይወት ዝተሰምየ መጽሓፍ) ብሰፊሑ ንመሃሮ ዘለናዩ።

ከም ሰናይ ግብሪ መጠን፡ ምምቓልከ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲዩ፧ ካብ ዘሎካ ዅሉ ንኻልኦት ምምቃል (ምሃብ) ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ባህርይዩ። ብኣጸዋውዓ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማመግቦታ-እግዚአብሔር” (God’s providence) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኵሉ ኺምቀል ዚኽእል ኣብ ኢድና ዘሎ ገንዘብ፡ ንብረት፡ ጕልበት፡ ክእለት፡ ስልጣን ወዘተ ኻብ እግዚአብሔር ብመጋቢነቱ ዝረኸብናዮ ጸጋ (1ዜና 2911-17) ስለ ካብ ኢድ እግዚአብሔር ዝተቐበልናዮ ጽባሕ ንግሆ ድማ ተሓታትነት ዘለዎ ገንዘብ ሕድሪዩ። እግዚአብሔር ሰናይ ግብሪ ናይ ምግባር ባህርዩ ስለ ዝመቐለና፡ ሰናይ ግብርና እነዕዝዘሉ ትሕዝቶኡ ድማ ምስኡ ይህበና። ብኻልእ ኣዘራርባ ካብ ናይ መጋቢነት ባህርዩ ድማ ሂቡና ማለትዩ። ስለ መጋቢነትና ኸነጋግጸሉ ዝተዋህበና ንብረትን ገንዘብን ምእንቲ ኸነማቕሎም፡ እቲ ንሕና ዘሎና ዘይብሎም ብዙሓት ጽጉማት ሰባት ድማ ይህበና ማለትዩ። በዚ እግዚአብሔር ዝሃበና ትሕዝቶን ናይ መጋቢነት ሓላፍነትን እሙናት እንተ ዄንና ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ረድኤትና ንዜድልዮም ሰባት እናማቐልና ንነብር ማለትዩ። ነቲ ኻልእ ክፉእ ምርጫ እንተ ኣልዒልና ድማ፡ ነቲ እግዚአብሔር ብሕድሪ ዝሃበና ትሕዝቶ ብጥልመት ናትና ጥራሕ ንገብሮ። ነቶም ንሕና ብመጋቢነት ከነገልግሎም ዝተዋህቡና ሰባት ከኣ ብሽግር ብስእነት ንቐጽዖም ኣለና። ስለ በደልና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ሰብን ዚፍጽም ድርብ በደልዩ። ከም ግቡእ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዅሉ ትሕዝቶ ብዝረኣናዮ መጠን፡ ዘይናትና ንብረት ብሕድሪ ዝተቐበልና ሰባት ምዃንና ኼዘክረና ይግባእ። እቶም ናትና ደገፍ ዜድልዮም ሰባት ኪረኣዩና ኸለው ወይ ከኣ ብዛዕባኦም ክንሰምዕ ከለና ድማ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ናይ መጋቢነት ተልእኾ ኪዝከረና ይግባእ። ገንዘብ ወይ ንብረት ብዝኣከብና መጠን፡ ዕዳ ንእክብ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ግቡእናዩ።

ኣምላኽ ካብ ዘይውዳእ ሃብቱ ብልግሲ ዝመቐለና፡ ንሕናውን ንኻልኦት ብምምቃል ብሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኽንህብትምዩ። (1ጢሞ 617-19) ስለ ትሕዝቶና እናጐደለ፡ ሰናይ ግብርና ግን እናበዝሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ኸነረጋግጽ ይግባእ። ከምኡ እንተ ዘይገበርና፡ ጽባሕ ንግሆ እቲ ለጋስ ወሃቢ ኣዝዩ ሓያል ተጸባጻቢ ዀይኑ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣቢሉ፡ጸብጻብ መጋቢነትካ ሃበኒኢሉ በብውልቅና ኺሓትተናዩ። እቲ ብዝተቐበሎ ገንዘብ ሕድሪ ነቲ ናይ መጋቢነት ተልእኾኡ ብዓወት ዝፈጸመ ሰብ፡ ነዚ ዜርዕድ ጐይታ ምስ ረኣየ ርእሱ ኬቕንዕዩ። እቲ ንኣምላኽ ዋንነቱ፡ ነቲ ሽጉር ድማ ብጽሒቱ ኺዘርፎ ዝጸንሐ፡ ብዕዳ ኣምላኽ ዝተቐብረ ዓሻ ዓመጸኛ ግና፡ ብሕፍረትን ብፍርሃትን ኪወሓጥዩ። ከም ኣብ ሉቃ 1619-31 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ነቲ ድኻ ኣልኣዛር ብጽሒቱ ብምኽላኡ ኣብ ሲኦልን ገሃነምን ዚሳቐይ ዝነበረ ዕሽነት ዝሃብቱ ሰብኣይ ኪኸውንዩ።

እምበኣር፡ ዚምቀል ትሕዝቶ ኣብ ኢድና ዚምቀሉ ሰባት ከኣ ኣብ ከባቢና ኺበዝሑልና ኸለው፡ እግዚአብሔር ጽቡቕ ምኽሪ መኺሩልና ኸም ዘሎ ንዘክር። ንድምጹ በእዛንና እንተ ዘይሰማዕናዮኳ፡ ንሱ ግን ይዛረበና ኸም ዘሎ ነስተውዕል።ነቲ ዝሃብኩኻ ትሕዝቶን ናይ መጋቢነት ተልእኾን እትትግብረሉ መድረኽ ሰሪዐልካ ኣለኹሞ፡ ሃየ ኣገልግለኒ ኣኽብረኒ፡ ንርእስኻ ድማ ካብ ዕዳን ዕሽነትን ኣድሕንኢሉ ብግብራዊ ቛንቋ ይዛረበና ኸም ዘሎ ነስተውዕል። እቲ ናይ መንፈስ ኣእዛንና ነዚ መልእኽቲ ኺሰምዖ እንተ ዘይክኢሉ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኣዝዩ መሪርን ክፉእን ኪኸውንዩ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ ነዚ ንኣምላኽ ዜስምር መስዋእቲ ዝዀነ ናይ ምምቓል ሰናይ ግብሪ ፈጺምና ኸይንርስዖ ዘጠንቀቐሉ ምኽንያቱ ከኣ ንሱዩ። ካብ ዘሎና ኣካፊልና ብመጋቢነትና ኸነገልግሎም ብዚግብኣና ጽጉማት ኣዕለቕሊቓ ኣብ ዘላ ዓለም እናነበርና፡ ነቲ ናይ ምምቓል ሓላፍነትና እንተ ረሲዕናዮ ደኣ፡ እንታይ ካልእ ክንዝክር ኢና፧ እዚ ምርሳዕዚ፡ ብፍላጥ፡ ኰነ ኢልካ ዚግበር ናይ ፍታው ምርሳዕምበር፡ ናይ ኣእምሮ ናይ ምዝካር ጸገም ዝፈጠሮ ምርሳዕ ኣይኰነን። ኣቦታትና፡ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓራምዝ ነይንቕንቕዎኸም ዚብሉ፡ ነዚ ናይ ምምቓል ሓላፍነትና ብፍላጥ እንተ ረሲዕናዮ ኸኣ፡ ይትረፍ ሓርማዝ ኣምላኽ ብዓብዩውን ኪንቕንቐና ኣይክእልን ካብ መሪር ዝሳዕቤኑ መንፈሳዊ ድንዛዘ ርእስና ነድሕን። ካብ ናይ ብዓል-ሕድሪ ዀነ ካብ ናይ መጋቢነት ሓላፍነትና ኣይንብኰር። ሓላፍነትካ ምርሳዕ ድማ ናብ ግፍዒምበር ናብ ጽድቂ ስለ ዘይድርኸና፡ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኽ ዜስምር ናይ ሰናይ ግብርን ምምቓልን መስዋእቲ ነቕርብ ምህላውና ንዘክርን ነረጋግጽን።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ታሕሳስ ፳፬, ፳፻፲፬  ግዕዝ (2 ጥሪ 2022 ). መበል 17 ሰንበት: ቊ.24/፳፬

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 13፡16-ፍጻመ 1ጴጥ 2፡21-ፍጻመ ግብ 15፡13-21 ዮሃ 10፡1-21 ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ ፸፱(፹)፡፩ "ኖላዊሆሙ ለእሥራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።"

"ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።"

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div