S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንጐይታና ኢየሱስ ደኣ ልበስዎ [መበል 16 ሰንበት: ቊ.23/፳፫ ]

ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።ሮሜ 1313,14። 

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ታሕሳስ 14 ክሳዕ ታሕሳስ 20 “ብርሃንተባሂሉ ዚጽዋዕ። ኵሉ ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ መዝሙርን ምስባክን ኣርባዕቲኡ ንባባትን ድማ ብርሃን-ጠቀስ ዝዀነ ትሕዝቶ ዝመልአዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ቕድሚ ምጽሓፉ፦ ለይቲ ሓሊፉ፡ መዓልቲ ኸኣ ቀሪባሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።” ብምባል፡ ብርሃንን ኣጽዋራቱን ልብስና ምዃኑ ኣበሲሩና ኣሎ (ሮሜ 1312) ቃል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ዘረጋገጾ ሓቂ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ምዃኑ (2ማቴ 416 ዮሃ 19) ኣጽዋር ብርሃን ምልባስ ማለት፡ ንክርስቶስ ምልባስ ማለት ምዃኑ፡ ኣስዒቡ ነገረና። ንክርስቶስ ዝለበሰ ንዅሉ ሰማያዊ ልብስታት ስለ ዚለብስ፡ እዚ ቕዱስ ሃዋርያን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንናን ከኣ በዛ ዕለትዚኣ ብዛዕባ ንክርስቶስ ምልባስ ትምህርቲ ኣዳልዮምልና ኣለዉ።

ኣገዳስነት ልብሲ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ኣብ ዓለምና ኺህልው ኣይክእልንዩ። ብዘይካ ወዲ ሰብ ልብሲ ዚለብስ ዝዀነ ኻልእ ፍጥረት ዘይምህላው ንርእሱ፡ ልብሲ ንወዲ ሰብ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ብንጹር ዜመልክተናዩ። ድሕሪ ውድቀት ወዲ ሰብ፡ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ዝገበረሉ ቐዳመይቲ ግብሪ ሕያውነት ዚኽደኖ ልብሲ ምሃብያ። እቲ ብጸጋ ተሸፊኑ ዝነበረ ሕፍረትና ብሰሪ ሓጢኣት ምስ ተቐልዐ፡ እቶም ክልተ ፍቁራት ሰብ-ኪዳን ካብ ሓድሕዶም ኪሕብኡ ጀመሩ። ተረሓሒቕካ ኺንበር ስለ ዘይከኣል ድማ፡ ሕፍረቶም ብረጋፊ ኣቚጽልቲ ኸዊሎም ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ ፈተኑ። ቈጽሊ ኻብታ ዝተቐንጠበላ ህሞት ኣትሒዙ ስለ ዚመውት፡ ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ኸም ልብሲ ዀይኑ ኼገልግል ኣይክእልንዩ። ሕሰም ሓጢኣት ኪገልጽን ፍርዱ ኼስምዕን ምስ መጸ፡ እግዚአብሔር ንኣዳም፡ኣበይ ኣለኻ፧ኢሉ ሓተቶ። ኣዳም ድምጺ ኣምላኽ ምስ ሰምዐ ዝተኣመኖ ቐዳማይ ተኣምኖኡ፡ ብዛዕባ ዕርቃኑ ነበረ። እግዚአብሔር ድማ፦ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ፧ ካብካብኣ ኣይትብላዕኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧

ብምባል፡ ንሰብ ጥራዩን ዕርቃኑን ዜውጽኦ፡ ሓጢኣት፡ ማለት ትእዛዛት ምፍራስ፡ ምዃኑ ኣፍለጦ (ዘፍ 311) ስለ ናይ ኣካላዊ ልብሲ ዀነ ናይ መንፈሳዊ ልብሲ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ ዘርኣየና፡ እቲ ንዕርቃንና ዝቐልዐ ሓጢኣትዩ። ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ እንተልዩ ግና፡ ሓጢኣት ዝፈጠሮ ዕርቃን ብኣካላዊ ልብሲ (ብዓለባ ወይ ብቘርበት) ጥራሕ ዘይክወል ምዃኑዩ። ስለ እዚ ኣብ ኣካላትና እንለብሶ ኣካላዊ ልብሲ፡ ናይ ኽንለብሶ ዚግብኣና መንፈሳዊ ልብሲ ትእምርቲ (ምልክት) ኰይኑ ዝተሰርዓልናምበር ነቲ ሓጢኣት ዘውረደልና መንፈሳዊ ዕርቃን ኪኸውን ከም ዘይተዋህበና ብንጹር ክንፈልጥ ይግባእ። መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን፡ ካብኡ ሓሊፉውን ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳዊ ዕርቃንና ኪኸድን ዝተዋህበና ልብሲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዜረጋግጸልና።

ንምንታይ ክርስቶስ ብልብሲ ተመሲሉ፧ ልብሲ ንሕፍረትካ ይኽውሎምበር ከም ዘየለን ከም ዘይህልውን ገይሩ ኣየጥፍኦንዩ። ሰብ ርእዩ ኸይክዕበካ፡ ከይፈርደልካ፡ ከይርሕቀካ ይሰትረካ። ምስ ሰብ ክትሕወስ፡ ኣብ ቅድሚ ኸማኻ ሰባት ብትብዓት ክትቀውም የኽእለካ። እግዚአብሔር ከኣ ኣዳምን ሄዋንን ብናይ ዕርቃን ሕፍረት ኪሳቐዩ ምስ ረኣዮም፡ ንዕርቃኖም ኬርሕቖ ንተፈጥሮኦም ኪልውጦ ዘይኰነስ፡ ኪኸድኖ መረጸን ወሰነን። ነዚ ንምግባር ድማ እንስሳ ሰዊኡ ብቘርበት ናይ ዝተሰውአ እንስሳ ገይሩ ኣልበሶም (ዘፍ 321) እዚ ተግባር ኣምላኽ ትንቢታዊ ትእምርቲ ናይ ጽድቁ ንኼልብሰና ዚስዋእ ቅዱስ ገንሸል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። እቲ ኣዳምን ሄዋንን ብቘርበቱ ኪኸድን ዝተሰውአ እንስሳ እንታይ ከም ዝነበረ ኣይተጻሕፈልናን። እቲ ንድሕነት ቤት እስራኤል ኣብ ግብጺ ዝተሰውአ እንስሳ ገንሸል ምዃኑ፡ እቲ ንምድሓንና ዝተገልጸን ዝተሰውአን ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስገንሽል ኣምላኽ፡ ገንሽል ፋሲካናተባሂሉ ምስያሙ ግን እቲ ዕርቃን ኣዳምን ሄዋንን ዘልበሰ እንስሳውን ገንሸል ምዃኑ ኽንግምት ዜጸግም ኣይኰነን።

ልብሲ ንሕፍረትና ይኸድኖምበር ከም ዘየርሕቖ፡ እቲ መንፈሳዊ ልብስና ዝዀነ ክርስቶስ ድማ ንሓጢኣትና የተዓርቖ ሕድገት የውህቦምበር፡ ደጊምና ሓጢኣት ከም ዘይንገብር ገይሩ ኣይልውጠናንዩ።

“......ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃናዩ።ሓጢኣት የብልናንእንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና። እታ ሓቂውን ኣባና የለን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕንዩ።ሓጢኣት ኣይገበርናንእንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።” 1ዮሃ 17-10

“......ሓደ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣለና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕዩ። ንሱ ድማ ናይ ሓጢኣትና መተዓረቒዩ፡ ናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም (መተዓረቒ) ድማምበር፡ ናይ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኰነን።” 1ዮሃ 21,2

እምበኣር፡ ጐይታ ንሓጢኣትና ብደሙን ጽድቁን ከዲኑ ደኣ ኣተዓሪቑናምበር፡ ሓጢኣት ከም ዘይንፍጽም ገይሩ ኣይለወጠናን። ብክርስቶስ ዝኣመነ ፈጺሙ ሓጢኣት ከም ዘይፍጽም ጌርና ንሓስብን ንኣምንን እንተ ዄንና ግና፡ ንርእስና ጥራሕ ዘይኰነ ንኣምላኽውን ከይተረፈ ሓሳዊ ብምግባር ዝበኣሱ ኣበሰኛታት ከም ንኸውን እዚ ሃዋርያዊ ቓል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስጋና፡ ዕርቃኑ ምሉእ ብምሉእ ተኣልዩ ፈጺምና ሓጢኣት ዘይንገብር እንኸውን፡ ጐይታ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸን ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ ነዚ ኽቡር ስጋኡ ምስ ኣምሰሎንዩ። ምድሓን ነፍስና ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙዩ። ምድሓን ስጋና ግና ኣብ ምጽኣቱ ፍጹም ዚኸውን። ስለ ኸኣ ዕርቃንና ዚውገደሉ ምሉእ ምድሓን ስጋና ኽሳዕ እንረክብ እናስቊርቈርና ንጽበይ ኣለና።

“.....ንሕና ብዅርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቍር ኣለና።ሮሜ 823

ንሱ (ክርስቶስ) በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦዩ።ፊል 321

ዕርቃኑ ዝተቐልዐ ስጋዩ፡ ናይ ውርደት ስጋ ዚበሃል። ክርስቶስ ልብስና ዚዀነልና ድማ ነቲ ዕርቃንና ኸዲኑ ካብ ውርደት ምእንቲ ኼድሕነናዩ። ኣብ ምጽኣቱ ድማ ብመሰረቱ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ፡ ዕርቃን ዘይብሉ (ዘይሓጥእ) ስጋ ኬልብሰናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ተስፋዚ፦ ብኸም ገሊጽዎ ኣሎ።

እዛ ኸም ድንኳን ጊዝያዊት ዝዀነት ምድራዊት ቤትና፡ ማለት ስጋና፡ እንተ ፈረሰትኳ፡ ካብ ኣምላኽ ሓንቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ ህንጻ፡ ናይ ዘለኣለም ቤት (ሰማያዊ ስጋ) ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ሰማያዊት ቤትና (ስጋና) ኽሳዕ እንለብስ ግና ብሃንቀውታ (ነስቈርቍር) ኣለና። ምኽንያቱ ሰማያዊ ስጋ ምስ ለበስና ዕሩቓት ዄንና ኣይክንርከብን ኢና። ሞት ብህይወት ምእንቲ ኺልወጥ ካብ ምድራዊ ስጋና ኽንቅንጠጥ ፈቲና ዘይኰንናስ፡ ሰማያዊ ስጋ ምእንቲ ኽንለብስ ሃረር ንብል ኣለና። ከመይ እዚ ድንኳን (እዚ ስጋ) ኸቢዱና ንቕንዘው ኣለና።” 2ቈረ 51-4 .

እቶም መሬታውያን ከም መሬታዊዮም፡ እቶም ሰማያውያን ድማ ከም ሰማያዊዮም። ከም ምስሊ ናይ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ (እዚ ናይ ውርደት) ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ በራሲ (ሓላፊ) ድማ ነቲ ዘይበርስ (ዘይሓልፍ) ከም ዘይወርሶ እነግረኩም ኣለኹ። . . . ከመይ እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ ኸኣ ዘይሙማት ኺለብስ ይግብኦዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ (እቲ)ሞት ብዓወት ተዋሕጠዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸምዩ።” 1ቈረ 1548-50,53,54 .

ስለ ነቲ ዘይሓልፍን ዘይመውትን ዕርቃን ዘይብሉን ስጋና ኽሳዕ እንለብስ። ነዚ ዕሩቕ ስጋና ንክርስቶስ ብምልባስ ኢና እንኽውሎ። እቲ ንዕርቃኑ ብክርስቶስ ዘየልበሰ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪቐርብን ኪቐውምን ኣይክእልንዩ።

ክርስቶስ ልብስና እንተ ዀይኑኸ ብኸመይ ኢና እንለብሶ፧ ቃል እግዚአብሔር ንክርስቶስ ብምስጢረ- ጥምቀት ኸም እንለብሶ ዚነግረና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ንክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝለበስዎ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ። ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።ገላ 326,27

ዘይተጠመቐ ሰብ ውልድነት ኣምላኽ የብሉን። ስለ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ኪለብሶ ኣይክእልንዩ። ሰብ ንኽዳኑ (ንልቡሱ)’ ዚመስል። ጽቡቕ ክዳን እንተ ለበሰ ጽቡቕ ይኸውን፡ ክዳን እንተ ኣኽፍአ ድማ ክፉእ ይኸውን። እቲ ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ዝለበሰ ድማ፡ ንክርስቶስ፡ ነቲ ጻድቕ ይመስል። እቲ ዜሕዝን ግና ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ለቢስናዮ ኸነብቅዕ ፈጺምና ንክርስቶስ ዘይንመስልክርስትያንምብዛሕናዩ።

ንክርስቶስ ብጥምቀት ለቢስናዮ እንተ ዄንና ደኣ እንታይ ዄንና ደኣ ኢና ንክርስቶስ ዘይንመስል ዘለና፧ ንክርስቶስ ከም ዝለበስናዮን ከም ዘይለበስናዮንከ ብምንታይ ኢና እንፈልጥ፧ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልብሲ ስለ ዝተመሰለ ከም እንኽደኖ ኣካላዊ ክዳን (ዓለባ) ጌርና ክንርእዮ ኣይግባእንዩ። መንፈሳዊ ልብስናዩ። መንፈሳዊ ልብስና ለቢስናዮ ምህላውና ዚፍለጥ ድማ ነቲ ናይ ክርስቶስ መንፈሳዊ ባህርያት ምስ እነንጸባርቕዩ። ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ጽድቅን ድሕነትን ለቢስናዮን ንነብረሉን እንተሊና፡ ሽዑ ንክርስቶስ ለቢስናዮ ኸም ዘለና ርጉጽ ይኸውን። በቲ ናቱ ጽድቂ ምምልላስ ገዲፍና ብናይ ሰይጣን ረሲእነት (ሓጢኣት) ንመላለስ፡ በታ ቐጣን መገዲ ድሑናት ገዲፍና፡ በታ ገፋሕ መገዲ ጥፍኣት ንመላለስ እንተሊና ግን፡ ንክርስቶስ ከም ዘይለበስናዮ፡ ከም ዝቐንጠጥናዮ፡ ወይውን ብሓጢኣትና ነቲ ልብስና ክርስቶስ ንጽይቖ፡ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ንገብሮለና ማለትዩ።

እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመዝራ ኽገብሮየ፧ ያእ ኣይፋለይን!!” 1ቈረ 615

ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣትዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!! ነቲ ዘፍረስክዎ ኸም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ አርእይ ኣለኹ።ገላ 217,18

ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት (ሰባት) ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓትዮምሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱዮም። እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደንዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆንየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖየ።ራእ 34,5

እንሆ ኸም ሰራቒ እመጽእ ኣለኹ፡ ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእዩ።ራእ 115

ኣብ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሓጸቡ ብጹኣንዮም። እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢዮም።ራእ 2214,15

ካብ ዝተዘርዘረልና ህያው ቃላት ከም እንርድኦምበኣር፡ እቲ ኣዝዩ ዜገድስ ንክርስቶስ ምልባሱ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ንክርስቶስ ለበስካዮ፡ ብምንዝርናኻን ብኻልእ ኵሉ ሓጢኣትካን ከይትብድሎ፡ በቲ ኣካላቱ ዝዀነ ስጋኻ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ከይትገብሮ ኽትጥንቀቕ ይግባእ። እቲ ዝለበስካዮ ኽዳንካ እንተ ኣርነብካዮ ዚኸድነካምበር፡ ክዳንካ ቐሊዕካ እንተ ተጋሕተንካ ዕርቃንካን ሕፍረትካን ኪስተር ኣይክእልንዩ። ንክርስቶስ ብጥምቀት ለቢስዎ ኼብቅዕ፡ ብዜነውር ሓጢኣት ተመላሊሱ መንፈሳዊ ዕርቃኑ ዚቐልዕ ክርስትያን፡ ከምቲ ኽዳን ተኸዲኑ እናሃለወ ሕፍረት ስጋኡ ቐሊዑ ዚነብር ዓሻ ሰብዩ። እቲ ነቲ ንጹህን ቅዱስን ልብሱ ብሓጢኣት ዚጽይቆውን ልክዕ ከምቲ ዚቐልዖዩ። ስለ ኸኣ፡ እቲ ኽዳውንቱ ዘይጽይቖን ወዝቢ እንተ ተጸየቖ ድማ ቀልጢፉ ብደም ክርስቶስ (ብንስሓ) ሓጺቡ ዜጻዕድውን ክርስትያን፡ብቑዕን ብጹእንተሰየመ። እቲ ንኽዳኑ ነቒሑ ዚሕልዎን ዚእርንቦንውን ብቑዕን ብጹእንዩ።

ሓጢኣት ዕርቃንናን ርስሓትናን ከም ዜርእይ፡ ለቢስናን ንጹሃትን ምህላውናን ዜረጋግጸልናኸ እንታይዩ፧ ነቲ ኣረጊት ሰብነትና (ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይና) ምስናይ ግብሩ ቐንጢጥና ኣብ መስቀል ብምስቃል፡ ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ (ብኣርኣያ ስላሴ) ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ብምልባስ ኢና ንክርስቶስ ለቢስናዮ ኸም ዘለና ኸነረጋግጽ እንኽእል። ኣብ ልዕሊ ኣረጊትን ረሳሕን ክዳንና ካልእ ሓድሽን ጽሩይን ልብሲ ኣይንለብስን ኢና። ስለ ቕድሚ ነቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ልብስና ቕድሚ ምልባስና፡ ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥና ኽንድርብዮ ናይ ግድንዩ። ናይቲ ኣረጊት ሰብነትና ባህርያትን ናይቲ ሓድሽ ሰብና ባህርይን እንታይ ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙን ኣነጺሩን ገሊጹልናዩ።

እምበኣርከ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝዀነ ሓሳባት ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን አሰምዓልኩምን ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖምዮም። ንሳቶም ደንዚዞምዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦምዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ንክርስቶስ ከም ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። .....ብእኡ ኸኣ ተማሂርኩም እንተ ኴንኩም፡ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘላ፡ ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሽወ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በተሓሳስባኹምውን ተሓደሱ። ነቲ በርኣያ እግዚአብሔር፡ ብጽድቅን ቅድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።ኤፌ 417-24 .

ስለ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ኽፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ-ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቕተሉ።..... ንስኻትኩም ቀደም ነዚ ነገራት እናገበርኩም ትነብሩ ነበርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም ካብ ቍጥዓ፡ ካብ ሕርቃን፡ ካብ ክፍኣት፡ ስም ሰብ ካብ ምጽላም፡ ካብ ዜጸይፍ ዘረባ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ። ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ነቲ ንእኡ ምእንቲ ኺፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በርኣያኡ ዚሕድሶ ዘሎ (ሓድሽ) ሰብነት ዝለበስኩም ስለ ዝዀንኩም ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳስዉ። እምበኣር ኣምላኽ ከም ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ህዝቢ ዄንኩም፡ ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፡ ..... ይቕረ ተበሃሃሉ። .....ኣብ ልዕሊ ዅሉ ግና ንዅለን ኣሲራ ኣብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቕሪ ልበስዎ።ቈሎ 35,7-10,12-14

ስለ ንክርስቶስ ከም ዝለበስናዮ እነረጋግጽ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብና ምስናይ ዅሉ ኽፉእ ግብርታቱን ትምኒታቱን ካባና ቐንጢጥና ኣብ ምድርባዩን ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ጽድቅን ቅድስናን ዝመለለዪኡ ሓድሽ ሰብ ኣብ ምልባሱን እንተ ተዓዊትና ጥራሕዩ። ከነርሕቖም ዚግብኣና ናይ ኣረጊት ሰብ ባህርያትን ክንለብሶም ዚግብኣና ናይ ሓድሽ ሰብ ባህርያትንውን ብንጹር ተዘርዚሮምልና ኣለዉ። እቲ ኣብ ኤፌ 611-18 ተገሊጹ ዘሎኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱዚብል፡ ንዅሎም ክንለብሶም ዚግብኣና ኣጽዋር ዝዘርዘረ መልእኽቲውን ኪዝንጋዕ ኣይግባእን። ከም ቕዱስ ኣቦና እዮብ፡ንጽድቂ ለቢሰያ ንሳውን ለቢሳትኒዝበሎ፡ ንሕናውን ከምኡ ዜብል ትብዓት ክሳዕ እነጥርይ፡ ነቲ ብመስዋእትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጽድቂ ኽንነብሮ ይግብኣና (እዮ 2914)ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻከም ዝተባህለ፡ ንቕድስና ልብስና ኽንገብሮ ይግባእ (መዝ 1103) ነቲ ብደም ክርስቶስ ዝለበሰናዮልብሲ ምድሓንብንጽህና ኽንሕልዎን ክንእርንቦንምበር ክንጽይቖን ከነጥፍኦን ኣይግባእን (ኢሳ 6110 መዝ 13216)

ትዕግስቲ ለቢስና ኽንሓልፎ ዚግብኣና ፈተና፡ ብቝጥዓን ባእስን ጽልእን እንተ መሊስናሉ መንፈሳዊ ልብስና ተገሊሁ ዕራቕና ኸም ዝተቐልዐ፡ ፍቕሪ ለቢስና ኽንዋስኣሉ ኣብ ዚግብኣና ጕዳያት፡ ብጽልእን ቂምታን ምፍዳይ ሕነን ዕርቃንና እንተ ቐሊዕና፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ዝለበስናዮ ክርስቶስ፡ ኣገልጋሊ ሓጢኣትና ኽንገብሮ ንጋደል ምህላውና ንገንዘብ። ብኸም ዚመስለ ኣነዋሪ መንፈሳዊ ዕርቃን ንርእስናን ንጐይታናን ካብ ምውራድ ድማ ንቈጠብ። ብገለ ምኽንያት ሕፍረትና ተቐሊዑ ጥራይና ምስ እንኸውን፡ ብንስሓ ኽዳንና ንምእርናብ ከቶ ኣይንደንጕይ። መንፈሳዊ ልብስና ብሓጢኣት ምስ ዚጽየቕ፡ ብደም ክርስቶስ (ብግብራዊ ንስሓን ብቅዱስ ቍርባንን) ሓጺብና ንምጽዕዳው ኣይንደንጕይ (ራእ 714 34,5) ከምቶም፡ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁዝተባህለሎም ኴንና፡ ነቲ ልብስና ንክርስቶስ ደርቢና ዕቡዳት ኣይንኹን። መንፈሳዊ ዕርቃን ኣብ ሰማያት ንዘለኣለም ኣብ ገሃንም ዜቕጽዕ ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ ወርትግ ንዘክር። ስለ ነቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝለበስናዮ ክርስቶስ፡ ብንጽህናን ብኽብርን ንሓልዎ። ንክርስቶስ ልብሱ ዘይገበረ ክርስትያን፡ ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኪቐውም ፈጺሙ ኣይበቅዕንሞ፡ ንኣቦ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ ንምዃኑ ክንበቅዕ፡ ንክርስቶስን ባህርያቱን ለቢስና ንእኡ ንምሰል። ብኸም ኣብ ምድራዊ ጕዕዞና ዕዉታት እንተ ዀንና እግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ሰማያት ጻዕዳ ኽዳውንቲ (ጽድቂ ቅዱሳን) ኬልብስና፡ ኣኽሊል ጽድቂ ኺደፍኣልና፡ ኣብ ዝፋን ቅዱስ ወዱ ኣቐሚጡ ኬኽብረናሞ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ምልባስና ኣይንረስዕ (ራእ 198)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ታሕሳስ ፲፯, ፳፻፲፬  ግዕዝ (26 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 16 ሰንበት: ቊ.23/፳፫ 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 13፡8-ፍጻመ 1ዮሃ 1፡1-ፍጻመ ግብ 26፡12-23 ዮሃ 1፡1-18 ዘእግዚእነ

መዝ ፵፪(፵፫)፡፫,፬m "ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።"

"ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክኣቱ’የ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣምላኸየ፡ ብበገና ኸመስግነካ’የ።"

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div