S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብወዱ ተዛረበና [መበል15 ሰንበት: ቊ.22/፳፪ ]

 ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ፡ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።እብ 11,2

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ታሕሳስ 7 ክሳዕ ታሕሳስ 13 ዘሎ ቕንያትስብከት”’ ዚበሃል ቃል ብቃሉ ስብከት ማለት ምስባኽ ንምስትምሃር ማለትዩ። ሊቓውንቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስብከት ካብ ካልእ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኣለዎም። እዚ ድማ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ልደት ዳዊት ዘሎ ዘመን 14 ወለዶታት ሙሴ ኦሪት ጽሒፉንወልድ ንሰብክ፡ ኣብ ኦሪት ተሰቢኩኢሉ ስለ ዝመሃረ ንእኡ ንምዝካር ሰብከት ተባሂሉ። ኣብ ናይስብከትቅንያት ኪንበቡ ተሰሪዖምልና ዘለዉ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይእብራውያንመልእኽቲዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ናብ እብራውያን ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ በዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒምናሉ ዘለና ጥቕሲ ጀሚርዎ።እብራውያንማለትእስራኤላውያንማለትዩ። እዚ እብራውያን ዚብል መጸውዒ፡ ካብቲዔበርዚበሃል ኣቦኦም ዝተወርሰዩ። ዔበር ካብ ኣዳም መበል 13 ካብ ሴም ከኣ ሳልሳይ ወለዶዩ። ኣብርሃም ከኣ ካብ ዔበር ሻድሻይ ወለዶ (ዘፍ 1021 1110-27) ስለ እብራውነቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወርሰ ኪኸውን ከሎ፡ እስራኤላውነቶም ግን ካብ ብእግዚአብሔርእስራኤልዝተሰምየ ኣቦኦም ያእቆብ ዝተወርሰ (ዘፍ 3224-30) እዞምእብራውያንተባሂሎም ዘለዉ ኣበየናይ ሃገር ከም ዚነብሩ ኣይተገልጸን፡ ኣይሁድ ክነሶም፡ ብክርስቶስ ኣሚኖም ብዙሕን ከቢድን መከራ ዝተቐበሉ ክርስትያን ነበሩ።

እዞም እብራውያን ክርስትያን፡ ብምኽንያት ዝወረዶም መከራ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ተኽእሎን ሓደጋን ምስ ኣንጸላለዎም፡ ኣብ እምነቶም ኪጸንዑ ዜበርትዖም ምሕጽንታን ምስጢራትን ገለጸሎም። ከም ናይ መጀመርታ ነጥቡ ገይሩ ዘልዓሎ ኸኣ፡ ብናይ መን ዘረባ ናብ እምነት ከም ዝኣተዉ ምዝኽኻር ኰነ፡ ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ፦

እምነት ካብ ምስማዕያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስዩ።

ከም ዝበለ፡ ምስማዕ ኪህልውን እምነት ክትህነጽን እንተ ዀይና፡ ዚዛረብ፡ ድምጹ ዜስምዕ ኣካል ኪህልው ናይ ግድን (ሮሜ 1017)፡፡ ነቶም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምግላጹ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣቦታት፡ ብመገዲ ነብያት ገይሩ ይዛረቦም ነበረ። ብመገዲ ነብያት ደኣ ይዛረቦምምበር፡ እቲ ቓል ግና ናይ ባዕሉ ናይ እግዚአብሔር ዝነበረ። ኣብ ውጽኢታውነትን ክብርን ናይ ሓደ መልእኽቲ፡ መንነት ናይ ዚዛረብ ኣካል ኣዝዩ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። ሰብ ጥራሕ ኰይኑ ዚዛረብ፡ መለኮታውነት ዘለዎ ሰብ ኰይኑ ዚዛረብን ሓደ ዓይነት መልእኽትን ውጽኢታውነትን ኪህልዎ ኣይክእልንዩ። ይትረፍ ክንድ ዚኣክል ናይ ባህርይ ፍልልይ ሃልዩ፡ ብዓይኑ ዝረኣየን ዘይረኣየን ኴንካ ኣብ መንጐ ሰባት ምዝራብውን ኣዝዩ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዜምጽእ ርዱእዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅዱሳን ነብያት ነቲ ብትንቢት ዚዛረቡሉ ዝነበሩ ነገር ናይ ምርኣይ ብርቱዕ ባህጊ ነበሮም። ጐይታና ባዕሉን ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ኣረጋጊጾምልናዮም።

ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ ኸም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓየንሞ፡ ብጹኣንየን።ማቴ 1316,17

እቶም ብዛዕባ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ ምድሓን ደለዩን መርመሩን። እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ (ብዛዕባ) ስቓይ ክርስቶስን (ብዛዕባ) ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ ንኣኻትኩምምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። (ብዛዕባ ምድሓን) በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግረኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉዮም።” 1ጴጥ 110-12

ኵላቶም ነብያት ብዛዕባ ክርስቶስን ብዛዕባ ብእኡ ዚፍጸም ምድሓንን ተነብዮም ክነሶም፡ ኪርእይዎ ግን ኣይተዓደሉን። ስለዮም ብዛዕባኡ ብዙሕ ዝመርመሩ። ነዚ ባህጊ ነብያት ክንርእዮን ከነገልግለሉን ክንግልገለሉን ዝተዓደልና፡ እዞም ኣብዳሕሮት መዓልትታት፡ ዳሕራይ ዘመን፡ ዳሕረይቲ ሰዓት፡ ናይ መወዳእታ ዘመንዝተሰምየ ዘመናት ዝተፈጠርና ኢና። ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልታት ኣብ ቃል እግዚአብሔር ብብዝሒ ተጻሒፉ ኣሎ (ኢሳ 22 ኤር 2318 3024 ዮኤ 228,29 ሚል 41 ግብ 217 1ጢሞ 4 1 2ጢሞ31 እብ 11,2 2ጴጥ 33 1ዮሃ 218 ይሁ 17,18) ቀዳማይ ዘመን እቲ ቕድሚ ልደትን ኣገልግሎትን ናይ ጐይታ ዝነበረ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ዳሕራይ ዘመን ከኣ ድሕሪ ልደት ጐይታና ዘሎ ጊዜዩ።

እግዚአብሔር ኣቦ፡ ብወዱ ስለ ዝተዛረበና ዝረኸብናዮ ረብሓ እንታይዩ፧

1 ኵላቶም ነብያት ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ምድራውያንዮም። እታ ኺዛረብዋ ዝተዋህበቶም ቃል ጥራሕምበር፡ ካልእ ዋላ ሓንቲ ዚፈልጥዎ የብሎምን። ዋላ ነቲ ዝተገልጸሎም ቃልውን ስለ ዘይፈልጥዎዮም ብዛዕባኡ ብዙሕ ዝደለዩን ዝመርመሩን። ካብ ኺዛረብዋ ዝተዋህበቶም ቃል ወጻኢ ዚፈልጥዎ ስለ ዘይብሎም እቲ ሰማዒ ህዝቢ እንተ ሓተቶም ኪምልስዎ ዚኽእሉ ኣይነበሮምን።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ዝወረደ ስለ ዝዀነ፡ ነታ ዝዛረባ ዘሎ ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅሉ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዚፈልጥዩ። ምስ ኒቆዲሞስ ኪዘራረብ ከሎ፡ ጐይታና ባዕሉ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮውን ንምስክር ኣለና። ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ኸመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ የልቦን።ዮሃ 311-13

እዚ ብህልውናኡ ኣብ ኵሉ ምሉእ ዝዀነ፡ ጐይታ፡ ኵሉ ዚፈልጥን ነቲ ሓቂ ብምልኣት ኪነግር ዚኽእልን ንሱ በይኑዩ። እንተ ዀነ ሰባት ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ስለ ዝረኣይዎ፡ ነቲ መለኮታውነቱን ሰማያዊ ህልውናኡን ኪርድእዎ ኣጸገሞም። ስለ ኸኣ ነቲ ምስክሩ ኪቕበልዎን ኪኣምንዎን ኣይከኣሉን። ዮሃንስ መጥመቕ ብዛዕባ ኺምስክር ከሎ ከም ዚስዕብ፡ በለ፦

እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። ... ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦንምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ ዝተቐበላ ግና ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሓተመ።ዮሃ 331-33። ኵሎም ነብያትን ጻድቃንን ካብ ምድሪ ስለ ዝዀኑ ምድራውያንዮም። ጐይታና ግና ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ዝወረደ መለኮታዊ ስለ ዝዀነ፡ ልዕሊ ዅሉዩ። ስለ እግዚአብሔር ኣቦ በቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ወዱ ኺዛረበና ብምፍታዉ ንኣና ዓብይ ክብርን ረብሓንዩ። ባዕሉ ብዓይኑ ዝረኣየ፡ በእዛኑውን ዝሰምዐ ስለ ዝዀነ እሙንን ሓቀኛን ምስክር (ራእ 314 1911) ምድራዊ ሰብ ግና፡ ዋላ ኣዝዩ ብዙሕ እንተ ፈለጠኳ፡ ገና እቲ ፍልጠቱ ንእሽቶ ምቃል ናይ ምሉእ ፍልጠትዩ። ዋላ ብዓይኑ እንተ ረኣየውን፡ ነቲ ዝረኣዮ ዅሉ ብምልኣት ኪግንዘቦ ስለ ዘይክእል፡ ካብ ዝረኣዮ ኪብሎን ኪገልጾን ዚኽእል ውሑድዩ። ስለ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዚስዕብ ብምባል ተኣመነ።

ማለት ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢናሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበይ። ..... ሕጅስ ብመረጸን (ብመስትያት) ዋግዋጎ ንርእይ ኣለና፡ ሽዑ (ድሕሪ ምጽኣቱ) ግና፡ ገጽ ንገጽ ክንርእይ ኢናሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣለኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ (ብኣምላኽ) እተፈለጥክዎ ኽፈልጥየ።” 1ቈረ 139,12

ሓደ ገለ ዚፈልጥ (እንተ መሰሎ) ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸም ዚግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦንዩ።” 1ቈረ 82። ጐይታና ግናኵሉ ይፈልጥወይምሉእ ፍልጠት ኣለዎዚበሃል ጥራሕ ኣይኰነን። ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ነቲ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ክትፈልጡኢሉና ዘሎ፡ እቲ ንክርስቶስ ዝፈለጠን ካብ ክርስቶስ ዝሰምዐንዩ፡ ፍልጠቱ ናብ ምልኣት ገጹ ዚዓብይ (ቈሎ 22 .) ምኽንያቱ፦ብዘሎ (ኵሉ) መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ተሰዊሩ ኣሎ።

 

ተባሂሉልና ኣሎ (ቈሎ 23) እምበኣር እግዚአብሔር ኣቦ ብወዱ ብኢየሱስ ተዛሪቡና ማለት፡ ብዓብዩ ኣብ ዓይኒ ማይን ኣብ መኽዘን ናይ ጥበብን ፍልጠትን ኣቲና ማለትዩ። እዚ ተስፋ ብነብያት ብብዝሒ ተገሊጹ ስለ ዝነበረ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ከይተረፈት፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረናዩ።ኢላ ትጽቢታ ነገረቶ (ዮሃ 425) ስለ ኸምቶም ምድራውያን ነብያት ነቲ ምቃል ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ምእንቲ ኺነግረና፡ እግዚአብሔር ኣቦ በቲ ሓደ ወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪዛረበና ፈቐደ።

2 ወዱ ምስ ዚዛረበና፡ ይትረፍ ንሓጢኣት፡ ዋላ ንህይወትናን ንዅሉ ምድራዊ ረብሓታትን ከይተረፈ ኽንንዕቅን ክንጽየፍን ዜኽእለና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እግዚአብሔር ኣቦ ብወዱ ገይሩ ብዙሕ ዝተዛረቦ ሰብ ነበረ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ወልድ ዝተዛረቦን ዝገለጸሉን ምስጢራት ፍልጠትን ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ከም ኣቐዲመ ብሓጺሩ ጽሒፈልኩም ዝነበርኩ፡ እግዚአብሔር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ። ነቲ ዝጸሓፍክዎ ኣንቢብኩምዎ እንተ ዄንኩም፡ ነቲ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።ኤፌ 33,4 .

እዚ ኸም ዝበለ ምግላጽ ዝረኸበ ሃዋርያ ግና፡ በቲ ዝተገልጸሉ ፍልጠት ሕጉስ እንተ ነበረ፡ ዕጉብ ግን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ኻብ ናይ ካልኦት ዚበዝሕ ፍልጠት ደኣ ይሃልዎምበር፡ እቲ ፍልጠቱ ገና ምቃል ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ንኻልእ ኵሉ ረብሓን ንገዛእ ህይወቱን ዜንዕቕ ማእለያ ዘይብሉን ብሉጽን ፍልጠት ገና ተሰዊርዎ ኸም ዘሎን ንእኡ ኸም ዚናፍቕን ብኸም ዚስዕብ ተኣሚኑ ኣሎ።

ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ከም ክሳራ (ወጽዓ) ቘጸርክዎ። እወ! ምእንቲ መዘና ዘይብሉ (ብሉጽ) ፍልጠት ናይ ጐይታይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢለ ንዅሉ ነገር ከም ክሳራ እቘጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ኽብል ኵሉ እስእን ኣለኹ። እዚ ኸኣ..... ንክርስቶስ ንስልጣን (ሓይሊ) ትንሳኤኡን ክፈልጥ፡ ኣብ ስቓዩ ኽካፈል፡ ብሞቱ ኽመስሎሞ፡ ኣብ ትንሳኤ ሙታን (ክካፈል) እንተ ኸኣልኩ ኢለየ።ፊሊ 37,8,10 .

ነቲ መዘና ዘይብሉ ብሉጽ ፍልጠት ብኸም ዝበለ ዓይኒ ንዚርእይ ሰብዩ፡ ናይ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ዚዛረቦ። ብመንጽር ፍልጠት ንኻልእ ኵሉ ምድራዊ ረብሓታት ከም ጐሓፍን ከም ወጽዓን ኽትርእዮ እንተ ዄንካ ምእንትኡ ኽትብል ንዘሎካ ዅሉ ኽትስእን ድሉውን ፍቓደኛን እንተ ዄንካ፡ ብወዱ ኺዛረበካ ንእግዚአብሔር ኣቦ ሓጐሱዩ።

ጐይታና ብዛዕባ ምግላጽ ፍልጠት ኣመልኪቱ ንኣቦ ዘመስገነሉን ንኣና ዘስተምሃረሉን ኣጋጣሚታት ኣብ ወንጌል ተገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ኼስተምህር ከሎ፡ ትርጕም ዜድልዮም ምስላታት የዘውትር ስለ ዝነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዝዩ ገረሞምሞ፡ ኪሓትትዎ ናብኡ ቐረቡ።ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም፧ኢሎም ከኣ ሓተትዎ። ምፍላጥ ንዅሉ ኸም ዘይወሃብን ንመን ከም ዚግብኦን ብኸም ዚስዕብ መለሰሎም።

ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተዋሂቡኩም ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን፡ ንዘለዎ ይወሃቦሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾዩ። ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ የግድፍዎዮም። እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉንዮም፡ ስለ ብምስላ እዛረቦም ኣለኹ።ማቴ 1311-13

ምስማዕ ማለት፡ ድምጺ ቓላት ናብ እዝንኻ ኺኣትው ምፍቃድ ማለት ጥራሕ ኣይኰነን። ትርጕሙ ኸምኡ እንተ ዚኸውን፡ እቶም ድምጺ ጐይታ ናብ እዝኖም ዝኣተወ ዅሎም፡ ንምስጢራት መንግስተ ሰማያት ከም ከብዲ ኢዶም ምፈለጥዎ ነይሮም። እዞም ዚበዝሑ ግና፡ ነቲ መልእኽቲ፡ ሰጢሙ ብዝተዓጽወ ተሪር ልቢ ይሰምዑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣዒንቶም ዝዓመቱ ረኣይቲ፡ ኣእዛኖም ዘጽመሙ ሰማዕቲ ዀይኖም ነበሩ (ማቴ 1314,15) እዚ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣዝዩ ስለ ዜጕህዮ፡ ነቲ ዝመረጽዎ ናይ ዘይምስማዕ ምርጫ ከም ፍርዲ ኣብ ልዕሊኦም ኣጽደቖ (ኢሳ 69,10) ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ኸኣ ነቶም እዚ ዝምርጫኦም ሰባት፦

ኣታ ልቢ ዘይብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርእይ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ።..... ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕዉራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ.....ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሓለኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ ኣይሰማዕካን፡......ዓላዊት ቤት እዮምሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ (ግናኸ) ዘይርእዩ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም (ግናኸ) ዘይሰምዑዮም።ብምባል ገኒሕዎም ኣሎ (ኢሳ 4218,20 ኤር 521 ህዝ 122) ጐይታና ብዛዕባቶም ምስጢራቱ ዝተገለጸሎም ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘመስገኖ ምስጋናን ዝገለጾ ሓቅን፡ እግዚአብሔር ንመን ብወዱ ገይሩ ኸም ዚዛረቦ ዚገልጽዩ።

ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ (ነዚ ምስጢር) ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንህጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ አመስግነካ ኣለኹ፡ እወ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ከምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ ዚፈልጦ የብሉን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈትው (ሰብን) ዚፈልጦ የልቦን።

እቲ ንብልህታትን ኣስተውዓልትን ምስጢሩ ምሕባኡ፡ እቲ ብልህነቶምን ኣስተውዕሎኦምን ንኽፍኣትምበር ንጽድቂ ኣይነበረን ማለትዩ። ከም ንነብዪ ዳንኤል፡ ራእይ ኪግለጸሉ ኸሎ፡ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኰል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእዝተባህሎ፡ ናይ ሓጢኣትን ዓመጻን ጥራሕምበር፡ ናይ ጽድቂ ነገር ኬስተውዕልን ኪቕበልን ዘይኰነሉ ሰብ ብዙሕ (ዳን 823) ነብዪ ኤርምያስ፦

ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጕያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ (ጨለ) ኢኺ!! ስለ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መልመዲት ኢኺ።.... ህዝበይ ዓሻ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂዮምሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታትዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡንዮም።

ዝበሎውን ነዚ ዜረጋግጸልና (ኤር 233 422) ስለ ኸም ህጻን ኰይኑ ኪመሃር ድሉውን ክፉትን ልቢ ንዘለዎ ዅሉ፡ እግዚአብሔር፡ ነቲ ኻብ ብልህታት ናይ ዓለም ዝሓብኦ ምስጢሩ ኸም ዚገልጸሉ ተነጊሩና ኣሎ። ቀደሙውን ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፦

እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኸም ቘልዓ ርእሱ ዜትሕት ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።ኸም ዝበሎም ኽንዝንግዕ ኣይግባእን (ማቴ 183,4) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውንበእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ህጻናት ኩኑ።ኢሉና (1ቈረ 1420) እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፦

እግዚአብሔር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ህጻናት (ኴንኩም) ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።

ዝበሎ ቓልውን ኪዝንጋዕ ዘይግባእ (1ጴጥ 223) እቲ ናብ ምድሓን ዜዕብየና ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ኸኣ እቲ ብወዱ ዝተዘርበ ቓል ቅዱስ ወንጌልዩ። ነቲ ኻብ ኣፍ ወዱ ዝወጸ ቓል ወንጌል እንብህግን እንጸምእን እንተ ዄንና እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ብወዱ ኺዛረበናዩ። እቲ ወዱ ዝተዛረቦን ንሱውን ዚሰምዕ ሰብ ካብ መፈንጠራ ዚበዝሖ ኽፉእ ዘመን ብዓወት ኣምሊጡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትው። ንነብያትን ንመላእኽትን ምስማዕ ንዝኣበዩ ዝተዋህበ ፍርዲ ኸቢድን ኬምልጡሉ ዘይክእሉን ዝነበረ። ወዲ ኣምላኽ ተዛሪብዎ ኼብቅዕ ንዘይሰምዕ ግን ዝተዓጻጸፈ ፍርዲ ዚዀኖ። ነብዪ ሙሴ ዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ኣብሪሆም ኣርእዮምናዮም።

እምበኣር ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፡ ከመይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ካብ ዘይመለቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ምስ እንኣቢ ኸመይ ኢልና ክንመልቝ ንኽእል፧እብ 1225

ሙሴ ድማ፡ "እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩምሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስያ፡በለ። ኵላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዅላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተንዮም ዘበሰሩ።ግብ 322-24

ብወዱ ተዛሪቡና ማለት፡ ክንዲ ሓለፋ ዝዀነልና፡ ዝኸበደ ተሓታትነትውን ዜስዕበልና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኪዛረበና ኸሎ፡ ብኣካል ተገሊጹ ወይ ድምጺ ገይሩ ኸይዛረበና ይኽእልዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡

እቲ እትደልይዎ መረድኢ፡ ማለት ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ኸም ዚዛረብ ክትፈልጡ ኢኹም።ከም ዝበለ፡ በቶም ኣገልገልትና ገይሩ ዚዛረበና ንሱ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግብኣና (2ቈረ 133 .)

እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረሞ፡ በደሎም ኣይሕዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። "ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡" እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣለና።2ቈረ 518-21

እምበኣር በቶም ኣብ ክንዳኡ (ኣምባሳደራቱ) ዝገበሮም ገይሩ ኺዛረበና ኸሎ፡ ነቲ ዘረባኡ ምስማዕን ምእዛዝን ከይንኣብይ ክንጥንቀቕ ይግባእ። እግዚአብሔር ኣቦ ብወዱ ገይሩ ዚዛረበና ኣብ መንግስቱ ዚኣትዉ ብሉጻት ኪገብረና ንምድሓን ኬዕብየናን ስለ ዚደልይዩ። ነቲ ዚዛረበና ዘሎ ወዱ ምስማዕ ምእባይ ማለት ከኣ፡ ስቓይ ገሃነም ምምራጽ ማለትዩ። ኣቦውንብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።ኢሉናሞ፡ ብምሉእ ፍቓድና ፈቲና ንስምዓዮን ንተኣዘዞን (ማቴ 175) ከመይሲ፡

ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ።ተባሂሉልና (ዮሃ 1026,27) እቲ ሕጂ ንምድሓንና ኢሉ ዚዛረበና ወዱ፡ ኣብ መወዳእታ ንፍርድና ዚዛረብውን ንሱዩ። ነቶም ዚሰምዕዎ ዀነ ዘይሰምዕዎ እንታይ ከም ዚፈርድ ከኣ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ታሕሳስ , ፳፻፲፬  ግዕዝ (19 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 15 ሰንበት: ቊ.22/፳፪ 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 1፡1-ፍጻመ 2ጴጥ 1፡19-ፍጻመ ግብ 3፡19-ፍጻመ ዮሃ 1፡38-ፍጻመ ወልደ ነጐድጓድ

መዝ.፻፵፫(፻፵፬)፡፯,፰ “ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” 

“ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።” 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div