S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕንዚ ዝመልአት ልሳን [መበል 13 ሰንበት: ቊ.20/፳ ]

ልሳንውን ሓዊያ። ናይ ክፍኣት ዓለምያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፡ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃጽልያ። ንገዛእ ርእሳ ድማ ብገሃነም እሳት ዝሓረረትያ።....ንልሳን ግና ካብ ደቂ ሰብ ኪገዝኣ ዚኽእል ሓደ የልቦን። ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአትያ።ያእ 36,8 .

ኣብ መበል 20 ሰንበት ናይ ዓመት ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ያእ 31-10 ክፍሊ ንባብዩ። እዚ መልእኽቲ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ብዛዕባ ልሳን ብዕምቈትን ብስእላዊ መገድን መሰረታዊ ትምህርቲ ዝሃበሉዩ። ንልሳንካ ምቍጽጻር ንዅላትና ዚኸብድ ፈተና ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣርእስቲ ኣዝዩ ኬገድሰና ጽቡይን ባህርያውንዩ። እቶም ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ሰባት ሕንዚ ዝመልአት ልሳን ሒዝና ንነብር እንተሊና፡ ናይ ፈጣሪና ዘይኰነስ፡ ናይ ኣብ ገነት ኤደን ንወለድና ዝመረዘ ጥንታዊ ተመን መልክዕ ሒዝና ኣለና ማለትዩ። እዚ ጥንታዊ ተመንዚ፡ ድያብሎስ ብቐንዱዩ። ከም ዘመሰለ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላውዚ፡ ንመወዳእታና ዜበላሽው ስለ ዝዀነ ብደገፍ መንፈስ ቅዱስን ብመሪሕነት ቅዱስ ቃሉን ክንናገፍ ናይ ግድንዩ። እግዚአብሔር ብቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ ንሓደገኛነት ናይ ልሳን ብስእላዊ መገዲ ኺገልጸልና ብምፍቃዱ፡ ኣዚና ኸነመስግኖ ይግብኣናዩ። ምኽንያቱ ብሕንዚ ልሳኑ ንሰባት ኪምርዝ እናወዓለ ዝዀነ በደል ዘይብሉ ንጹህ ሰብ ምዃኑ ዚሓስብ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕዩ። ካብ ለካሚ ኣበሳ ምእንቲ ኽንድሕን ከኣዩ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ንባብን ኣርእስትን ዝሰርዓትልና። ቅዱስ ያእቆብ ኣብ ንባብዚኣ ንልሳን በዞም ዚስዕቡ መሲልዋ ኣሎ።

1. ልጓም (.3)

2. ስካን (rudden) (.4)

3. ሓዊ (.6)

4. ሕንዚ (.8)

5. ዔላ (.11,12)

6. ተኽሊ (ጥ።12)

እቶም ክልተ ቐዳሞት፡ ኣማእዘንቲ ኣካላትዮም። ንፈረስ ብልጓም ተማእዝኖሞ፡ ናብ እትደልዮ ቦታ የብጽሓካ። ንመራክብ ድማ ብስካንa ኢና እንመርሐን። ስካን ንመርከብ ማለት፡ መዘወር (ስቴርሶb) ንመኪና ማለትዩ። ቅዱስ ያእቆብ ከኣ ልሳን መዘወር ወይ ልጓም ናይ ምሉእ ሰብነትና ምዃና ይሕብረና ኣሎ። ስለ ልሳንና ኽትጥዕይ ከላ ንሰብነትና መሪሓ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ተእትዎ፡ ክትበላሸው ከላ ኸኣ መሪሓ ናብ ገሃነም ተእትዎ ማለትዩ፡ ሓውን ሕንዝን ክትከውን ከላ ግና ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ፍረ የብላን። ልሳን፡ ናይ ሓዊ ባህርይ ክትለብስ ከላ፡ ንእሽቶ ቝልዒ ሓዊ ንኣዝዩ ዓብይ ዱር ከም ዜቃጽል፡ ንብዘሎ ስብነትና ብሓጢኣት ተቃጽሎ፡ ኣብ መወዳእታውን ናብ ቐላይ ሓዊ ኸም እትድርበይ ብምግባር ንዘለኣለም ከም ዚነድድ ትገብሮ።

ነተን ክልተ ናይ መወዳእታ ኣብነታት ከኣ፡ ልሳን ብዅለንተናኣ ኣንጻር ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ከም እትሰርሕ ንምግላጽ ዝመስሎዩ። ዝዀነ ዔላ ናይ ማይ፡ ሓንቲ ዓይነት ማይ ጥራሕ ተፈልፍል፡ ዝዀነት ትኹን ኦምውን ሓንቲ ዓይነት ፍረ እትህብ። ልሳን ግን ሓደ ዓይነት ቃላት ጥራይ ከተፍርይ እናተገብኣ፡ ፈጺሙ ዘይቀራረብ ተጻራሪ ቓላት እናፍረየት፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ከም እተርእይ ገሊጹልና ኣሎ። እምበኣር ካብ ዝተዘርዘረ ኣብነታት፡ ልሳንና ነየናይ ከም እትመስል ክንፈልጥን ንልሳንና ናብ ዜርብሓና መኣዝን ክንመርሕን መንፈስ ቅዱስ ብሃዋርያኡ ገይሩ ምዒዱና ኣሎ።

ንልሳን ክሳዕ ክንድ ኣገዳሲት ዝገበራ እንታይዩ፧ እግዚአብሔርከ ንምንታይ ብዛዕባ ፍረ-ልሳንና ኣዝዩ ዚግደስ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ልሳንን ቃላታን ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕስታት ከም ዚርከብ ንፈልጥዶ ንኸውን፧ እዚ ሓቂ ንበይኑ ብዛዕባ ኣገዳስነት ልሳንን ቃላትን ንምግላጽ እኹል መርትዖዩ። ኣብ ናይ ኣቦታትና ብሂልኳ፡መልሓስ፡ ዓጽሚ ዘይብላስ ዓጽሚ ትሰብርዚብል ምስላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላዚ፡ ሓይሊ ቓላት ማዕረ ኽንደይ ብርቱዕን ኣድማዕን ምዃኑ ዚገልጽምበር፡ ኣብ ሰብነትና ንዘሎ ኣካላዊ ዓጽሚ ኸም ዚሰብር ዜስምዕ ኣይኰነን። ናይ ስነ-ቅርጺ ሰብነትc ሳይንስ ንናይ ልሳን ፍሉይነት ኣመልኪቱ ዚገልጾ ሓቂ ኣዝዩ ዜገርምዩ። መልሓስ፡ ጭዋዳያ። ኵሎም ካልኦት ጭዋዳታት ብኽልተ ጫፎም ምስ ዓጽሚ ዝተተሓሓዙ ኪዀኑ ኸለዉ፡ እታ እንኮ ብሓደ ጫፍ ጥራሕ ዝተተሓሓዘት ጭዋዳ፡ መልሓስያ። ልሳንና ዀይና ጽድቅን ሓጢኣትን ክንዛረብ እትገብረናውን ንሳያ። ቃል እግዚአብሔር ብንጉስ ሰለሞን ገይሩ፡ ንሓይሊ ልሳን ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዋ ኣሎ።

ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሪኣ ኺበልዕዩ።ምሳ 1821

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ እትዛረቦ ቓል፡ ንኣኻ ሞት ወይ ህይወት ኬስዕበልካ ይኽእልዩ። ነቲ ተዛራቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ሰማዒውንልክዕ ከም ተዛራቢኡ፡ ሞት ወይ ህይወት ዜስዕብ ስልጣን ኣለዎ። እቲ እኩይ ዘረባ ዚዛረበላ፡ ሞት ክትፈርየሉያ። እቲ ሰናይ ጥራሕ ዚዛረበላ ግን፡ ፍሪኣ ህይወት ዚዀነሉ። ስለ ንልሳንን ንፍሪኣን ኣቕሊልካ ምርኣይን ናብ ኣፍካ ዚመጸልካ ዅሉ ቓላት ከይነፈኻን ከይመመኻን ምዝራብን፡ ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነትዩ። ንጉስ ሰለሞን ደጊሙ፡ ሳዕቤን ፍንውቲ (ፋሉል) ልሳን ኣስተውዒልና፡ ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ብኸም ዚስዕብ ምዒዱና ኣሎ።

ሕልሚ ብምብዛሕ ጒዳይ ዚመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት ዚስማዕሞ፡ ብኣፍካ ኣይትሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይዩ፡ ንስኻ ከኣ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፡ ስለ ቓላትካ ሒደት ይኹን . . . ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርሲ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን፡ጌጋ እዩኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርይን፡ ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃስዮ ደኣ።መክ 52,3,6,7

እቲ ንምድሓን ዝለበመ ክርስትያን፡ ነዚ ወርቃዊ ምዕዶ ሸለል ኪብሎን ኪጥሕሶን ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ፡ ከም ልጓም ኰይኑ ንዅለንተናኡ ኺቈጻጸር ዜኽእሎ፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። ዓሻ ሰብ ግን ብብልሒ ልሳኑ ኺጻወት ደስ ዚብሎ። ንዝረኸቦ ዅሉ ኸኣ ብእኡ ገይሩ ይወግኦ። እዚ ኸኣ ናይቶም ብኣፎም ዚህወኹ ሰባት ባህርይዩ። እንተዀነ፡ ነቲ ተሃዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።ዚብል ቃል ክንዝክሮ ይግባእ (ምሳ 2920) እዚ ኣበሃህላ ተሃዊኹ ንዚዛረብ ሰብ፡ ዕሽነት እምብዛ ኸም ዚንእሶ፡ ካብኡ ዚኸብድ ቃል ጥራሕ ከም ዚገልጾ ዜብርህዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቓላት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኣገዳስነት ልሳንን ፍርያታን ብንጹር ዜስተምህረናን ዜጠንቅቐናንዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዓለም ባዕሉ ዚፈርድ ጐይታ፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ቃላት ኪጸባጸብ ምዃኑ እንተ ነጊሩና፡ ንቓሉ ተኣዚዝና ልዑል ጥንቃቐ ካብ ምግባር ወጻኢ እንታይ ኣማራጺ ኣሎና፧

ኦም ብፍሪኡ ዚፍለጥሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ ይኸውን፡ ወይ ከኣ ነቲ ኦም ሕማቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን። ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብሞ፡ ክፉኣት ከለኹም፡ ከመይ ኢልኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ ሕያዋይ ሰብ፡ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፡ ሰናይ ነገር የውጽእ፡ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፡ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፡ ክፉእ ነገር የውጽእ። ኣነ ግና፡እትጸድቕ ብቓልካ፡ እትዅነን ብቓልካ ኢኻ ሰባት ብዚዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኵሉ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉዮም፡እብለኩም ኣሎኹ።ማቴ 1233-37 .

ከናፍሩ ንዘይገትእ፡ ንዘረባ ኣፉ ዜግፍሕ ሰብ፡ እዚ ፍርዲ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጠልጢሉ ኣሎ። ንፍርዲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ምስ በልና ናይ ምሉእ ዕድመና ቓላት ጸብጻብ ክንህብ ናይ ግድን እንተ ዀይኑ፡ ሎሚ ገና ብህይወት እናሃለና ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝተዛረብናዮ ኽንዝክርን ክንምርምርን ይግብኣና ማለትዩ። ይትረፍ ንናይ ምሉእ ዕድመና፡ ንምዃኑ ቕድሚ ሳልስቲ ንዝተዛረብናዮ ዚዝክር ሰብ ይህልወናዶ ይኸውን፧ ናይ ሳልስቲ ዘይዘከርና ደኣ፡ ናይ ምሉእ ዕድሜና ኸመይ ገርና ኽንዝክሮ ንኽእል፧ ክንርስዖ ዘይግብኣና ሓቂ ግን፡ ኣብ ኣምላኽ ምርሳዕ ዚበሃል የለን። ኣብ ጊዜ ፍርዲ ብልሳንና ንዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ሓሳባውን ግብራውን ሓጢኣትናውን ኣብ ቅድሜና ኬቝሞዩ። ኣበሳና ምእንቲ ኽንዝክርን ፍትሓውነቱ ኸኣ ክንእመንን፡ ሽዑ ነቲ ብሓጢኣት ስጋ ዝደኸመ ዝኽሪ ኣእምሮና ኺሕድሶዩ። ሽዑ እንሕብኣሉ ስፍራን እነመኽነየሉ ምስምስን ኣይኪህልውንዩ። ብጣዕሳን በቲ ቀላይ ሓውን እናሓረርካ ምንባር ጥራሕዩ።

እቲ ቓላትና ብኸመይዚቐትል ሕንዚዚኸውን፧ ሓጢኣት፡ መርዚዩ። ዓስቢ ሓጢኣት ከኣ ዘለኣለማዊ ሞትዩ። ስለ ሓጥእ ቃላት ክንዛረብ ከለና፡ ቀታሊ መርዚ ነውጽእ ከም ዘለና ርዱእዩ። ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ማቴ 1233-37 ክፍሊ ጐይታና ነቶም ክፉእ ዚዛረቡ ሰባት፡ኣቱም ውሉድ ኣትማንኢልዎም ኣሎ (.34) ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት። ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉርን ዓባስን ሰብኣይ ነቲ ጋኔን ኣውጺኡ ዚርእን ዚዛረብን ጌይሩ ምስ ኣሕወዮ፡ እቶም ፈሪሳውያን፡እዚ፡ ብዘይ ብብኤል ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምንዩ።ስለ ዝበልዎ (ማቴ 1222-24) ነቲ ብስልጣን መለኮቱ ነጋንንቲ ብትእዛዝ ዜውጽእ ጐይታ፡ ናይ ሓለቓ ኣጋንንቲ (ናይ ሰይጣን) ኣገልጋሊ ኸም ዝዀነ ጌርካ ምግላጽ፡ ካብ ዚኸፍእ ሕንዛም ቃላት ኪህልው ኣይክእልንዩ። ኣብ ንተመናዊ ባህርዮም ብዘይ ንሕስያ ዝቐልዓሉ ናይ ማቴ 231-39 ክፍሊውን፡ ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ ናይ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ (ማቴ 1233) እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ብተመሳሳሊ ቓላት ገሊጽዎም ምንባሩ (ማቴ 37,8) ምኽንያቱ ኵሉ ዚገብርዎ ተቓውሞ ብልሳኖምዮም ዚገብርዎ። ከም ተመን ብኣፉ ዚነክስ፡ ንሳቶምውን ብኣፎምዮም ዚዋግኡ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ካብ መዝ 59 1493 ብምጥቃስ፡ ቃላትና ከም ሕንዚ ተመን ምዃኑ፦ ጐረሮኦም ክፉት መቓብርዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ፡ ኣፎም መርገምን ምርረትን ምሉእዩ።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 313,14) ቃላት ልሳንና ከም ሕንዚ ተመን ጥራሕ ዘይኰነ ከም ሰይፊ፡ ኵናት፡ ፍላጻ፡ ሓዊውን ይምሰልዩ። እዚ ዝተዘርዘረ ዅሉ ድማ ቀታሊዩ። ንጉስ ሳኦል ነቲ እሙን ወተሃደሩ ንዳዊት ኬሳድዶ ኸሎ፡ ቅዱስ ዳዊት ነቲ ሽዑ ዝነበሮ ሃለዋት ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ። ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስያ፡ ኣብ ማእከልቶም ሓዊ ዚተፍኡ፡ ኣብ ማእከልቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፡ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣሎኹ።መዝ 574

ስለ ቃላትና፡ ከም መርዚ፡ ከም ሓዊ ኰነ ከም ሰይፊን ኵናትን ይኹን ብዘየገድስ፡ ናይ ምቕታል ሓይሊ ኸም ዘለዎም ዘይከሓድዩ።

ቃላት ልሳንና ንመን ዚቐትሎ፧ እቲ ቐዳማይ ተቐታሊ፡ ባዕሉ እቲ ተዛራቢኡዩ። ተመን ብገዛእ ሕንዙ ኸም ዚመውት ተሰሚዑ ኣይፈልጥንዩ። ኣትማን ኪበኣሱ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ተናኺሶም ከም ዚቃተሉ ርዱእዩ። ብገዛእ ሕንዙ ግን ኣይመውትንዩ። ብገዛእ ሕንዙ ዚመውት ፍጥረት እንተልዩ ወዲ ሰብ ጥራሕዩ። እቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ሕንዛም ቃላት፡ ንስጋና ብኡንብኡ ኣይቀትሎንዩ። ብዘለኣለማዊ መንፈሳዊ ሞት ዚቐትለና። ብስጋ ቐቲሉ ብነፍሲ ዚምሕረና እንተ ዚኸውን ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ ነይሩ። ምኽንያቱ ስጋዊ ሞት ዝቐለለ ሞትዩ። ነፍሳዊ ሞት ግና ዅለንትናኻ (ነፍስኻን ስጋኻን) ኣብ ቀላይ ሓዊ ኣብ ገሃነም ተደርቢኻ ንዘለኣለም ምስቓይዩ።ስለ ዀነ ኢልካ ይኹን ብወዝቢ፡ እግዚአብሔር ዚፈርዶ ኽፉእ ቃላት ምዝራብ ማለት ኣብ ገዛእ-ርእስኻ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ማለትዩ። ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሓቂ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱየን።ምሳ 187

እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ፡ ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመልቝ።ምሳ 1213

እቲ ንኸናፍሩ ዚገትእ፡ ኣብ ልዕሊ ልሳኑ ምልኪ ዘለዎ ሰብ ከኣ፡ ልሳኑ ናይ ህይወት ፈልፋሊ ይዀነሉ መንፈሳዊ ጥዕና የጐናጽፎ። ንነፍሱ ኸኣ ካብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት የናግፋ።

ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኸውል። ....ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባምዩ።ምሳ 1011,19

ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕናዩ።ምሳ 1218

ልኡም ዘረባ መዓር ወለላዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕናዩ።ምሳ 1624

ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ።ምሳ 133

ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎም።ምሳ 143

መርዛም ቃላት ከነዘውትር ከለና፡ ነቲ ቓላትና ኣብ ልዕሊ እነጥቅዖ ዘለና ሰብ ዚፈጥሮ ስምዒት ጥራሕ ኢና እነቕልበሉ። ኪጒህይ፡ ኪቝጣዕ፡ ኪበክይ ክንርእዮ ኸለና፡ተዓዊተዚብል ስምዒት ይፈጥረልና። እቲ ተጠቃዒ ሰብ በቲ ቓላትና ይጒዳእ ከም ዘሎ ርዱእዩ። እቲ ፈጺምና ዘይነስተውዕሎ ግና ንሰብ ቃላትና ኸነውሕጦ ኸለና፡ ንርእስና ግን ሓጢኣት ንውሕጥን ንምገብን ከም ዘለናዩ።

ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።ምሳ 1514

ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ።ምሳ 1928

ኣብ መወዳእታ ንዘለኣለማዊ ስቓይ ኣሕሊፉ ዚህበና ኸኣ፡ መርዚ ኣፍና ኽንምገብ ዚገብረና ዘሎ ዕሽነትናዩ።

እቲ ኻልኣይ በቲ ሕንዛም ቃላትና ዚቕተል ኣካል ከኣ፡ እቲ ግዳይ ልሳንና ዝዀነ ሰብዩ። ኣቐዲምና፡ ልሳን ብሕንዚ፡ ሓዊ፡ ሰይፊ፡ ኵናት፡ ፍላጻ ኸም እትምሰል ገሊጽና ኣለና። እዚ ዝተጠቕሰ ዅሉ ኸኣ፡ ቀታሊዩ። ስለ ዝጸረፍናዮ፡ ስለ ዘላገጽናሉ ስለ ዝረገምናዮ ብኣካለ-ስጋ ኣይመውትንዩ። ብሰሪ ሕንዛም ቃላትና ግን ናብ ቍጥዓ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ምፍዳይ ሕነ፡ ማህረምቲ፡ ሕምየት ወዘተ ዝኣመሰለ ቐታሊ ሓጢኣት ኪወድቕ ንደፍኦ ስለ ዘለና፡ ካብ ኣካላዊ ሞት ብዝኸፍአ መንፈሳዊ ሞት ንቐትሎ ኸም ዘለና ኽንዝንግዖ ኣይግባእንዩ። ነቲ ጐይታና፡ እቶም ንሰብ ናብ ሓጢኣት ኪወድቕ ዚዕንቅፍዎን ዜስሕትዎን ሰባት ከመይ ዝበለ ኸቢድ ኣበሳ ኸም ዝፈጸሙን ዝኸበደ ፍርዲ ይጽበዮም ከም ዘሎን ብዜፍርህ ቃላት ገሊጹልና ኣሎ።

ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ። መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይተርፍንሞ፡ ወይለኣ። ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ፡ ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።ማቴ 186-9

ስለዚ፡ ልክዕ ከም ኢደ-እግርና፡ ልሳንና ዓንቀፍቲ ትገብረና እንተ ዀይናውን ቈሪጽካ ምድርባያ ኼሕሸናዩ። እዚ ኣበሃህላዚ፡ ዓንቃፊ ምዃን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ ንኼርእየና ዝተባህለ ስእላዊ መግለጺምበር፡ ምቝራጽ ኣካላትd ካብ ገሃነም ከም ዜድሕን ዚገልጽ ኣይኰነን። ዓይንኻ ምጕጥጓጥ፡ ወይውን መሓውርካ ምቝራጽ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪገብሮ ዘይደልይን ዘይደፍርን ጨካን ተግባርዩ። ንርእስኻ ዓንቃፊ፡ ንብጻይካ ድማ ተዓንቃፊ ምግባር ከኣ፡ ፈጺምና ክንደፍሮን ክንውዕሎን ዘይግብኣና ኸቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ኬመልክተና ዝተዋህበ ረቂቕ መግለጺዩ። ንኣካላትካ ምቝራጽ ጊዝያውን ምድራውን ሳዕቤን ጥራሕ ዘለዎ። ንሰባት ምዕንቃፍ ግን ዘለኣለማውን ኣዝዩ መሪርን ሳዕቤን ዘለዎ ግብሪ ዕሽነትዩ።

ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዘውሳእናዮ ሕንዛም ቃላት ምኽኑይ ክንገብሮ፡ ከንቱ ፈተነ ነዘውትር ኢና።ጸሪፉኒ፡ ከም ገይሩኒ፡ ከም ኣጒዲላትለይ ወዘተዚብሉ ምኽንያታት፡ ነቲ ተግባርና ብዝዀነ ተኣምር ቅቡል ኪገብርዎ ኣይክእሉንዮም። ምኽንያቱ፡ ንኸምኣቶም ዝኣመሰሉ ተዅተዅቲ ተግባራት፡ ብትዕግስቲ፡ ብፍቕሪ፡ ብትሕትና ብምሕረት መልሰ-ግብሪ ኽንህብ ከም ዚግብኣና፡ ቅዱስ ወንጌል ብንጹርን ዘየማትእን መገዲ ገሊጹልናዩ። ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ኣርኣያ ኸምኡዩ።

ሓደ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ፡ ብኣምላኽ ቅቡልዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩም እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡልዩ። ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃቦምበር ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 219-23 .

በዲሉኒኢልካ ናብ ዝኸፍአ በደል ምእታው ግን ሰይጣን ነእምሮኡ ናይ ዘጸልመቶ ሰብ፡ ዓሻ ምርጫዩ። ብኻልእ ዝተበደለ ሰብ፡ ኣምላኽን ሰብን ኪርድኡሉን ኪድንግጽሉን ይኽእሉዮም። ዝገበረ እንተ ገበረ፡ ሰብ ነዚ መዋቲ ስጋኻምበር፡ ነታ ነባሪት ነፍስኻ ኪጐድእ ኣይክእልንዩ። ሰብ ብስጋ ስለ ዝጐድኣካ፡ ሕነ ኽትፈድይ ክትብል ብሓጢኣት ንነፍስኻ ምጕዳእ፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኪገብሮ ዘይግባእ ሰይጣናዊ ምርጫዩ። ንበዳሊኻ ክትገብሮ እትክእል ዝኸበደ መቕጻዕቲ ከም ጐይታና ዝገበራ፡ ነቲ ፈራድን ፈዳይ ሕነን ኣምላኽ ኣሕሊፍካ ምሃብያ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ክርስቶሳዊት ሕርያዚኣ፡ ኣዝዩ ብዜገርም መገዲ ገሊጽዋ ኣሎ።

ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡምበር፡ ንሓደ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ምፍዳይ ሕነ ናተይዩ፡ ኣነ ኽፈድዮየ፡ይብል እግዚአብሔር፡ ጽሑፍሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።ሮሜ 1217-21 .

ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣሕሊፍካ ሂብካዮ ማለት ንዝኸበደ ፍርዲ ኣሕሊፍካ ሂብካዮ ማለትዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኢድ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምውዳቕ ኣዝዩ ዜሰክሕ (እብ 1030,31) ባዕልኻ ብሕንዛም ቃላት ሕነ ኽትፈድይ መሪጽካ ማለት ግን፡ ንርእስኻ ኣብ ኢድ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምድርባይዩ።

ሕንዛም ቃላትወይ ከኣዚቐትል ሕንዚ ዘለዎ ቓላትዚበሃል፡ እንታይ ዓይነት ቃላትዩ፧ ንልሳንና ከም ኣጽዋር ውግእ ጌርካ ምጥቃም እነዘውትር ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ነዚ ዘይፈልጦ ሰብ ኪህልወና ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ጸርፊ፡ ሕምየት፡ መርገም፡ ውዳሴ ኸንቱ (ዘይግባእ ናእዳ) እንጽርጽሮት፡ ክፍኣት፡ ብዕሉግ ዋዛ፡ ላግጺ፡ ዘይጠቅም ዘረባ (ሃጠው ቀጠው) ምፍርራህ፡ ምጕርምራም፡ ማሕላ፡ ምርረት፡ ታዕታዕe ትምክሕቲ፡ ምቅላል (ምንእኣስ) ትዕቢት፡ ሓሶት ወዘተ ዜጠቓልል (ኤፌ 431 54 ቈሎ 38 ይሁ 14-18 ምሳ 273 ፊል 214-16) ንኣብነት ዋላ ሓንቲ ሃናጺ ትሕዝቶ ንዘይብሉ ዘይጠቅም ዘረባ፡ ፈጺምና ኸም ሕማቕን ኣምላኽ ዚፈርዶ ዘረባን ጌርና ኣይንርእዮን ኢና። ዋላ ንኻልእ ሰብ ዚጐድእ ኣይኹን፡ ነቶም ተዛረብቱን ነቲ ንዅሉ ዘረባና ዚሰምዕን ዚፈርድን ኣምላኽ ግን ይጐድኦ ምዃኑ ጐይታናን ቅዱስ ጳውሎስን ገሊጾምልና ኣለዉ። እቲ ናይ ጐይታና ኣብ ማቴ 1236,37 ኣንቢብናዮ ኣለና።

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድልይ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።ኤፌ 429,30

እዚዘይጠቅም ዘረባንመንፈስ ቅዱስ ዜጒህዮ እንተ ዀይኑ እቲ ብመሰረቱ መርዛምን ተጓዳእን ዘረባኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ኬጒህዮ ማለትዩ፧ እምበኣር እቲ ሓቂ ኸም እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዝዀነ ናይ ዝርርብ ጊዜ፡እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ዘረባ፡ ሃናጺ ድዩ፧ ንመንፈስ ቅዱስከ የሐጕሶዶ ይኸውን፡ ወይስ ጕህዮ ይኸውን፧ እዚ ዘረባይ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ ኰን የስዕበለይ ይኸውን፧ዚብል ንቓላትና እንኣርየሉን እንነፍየሉን ኣተሓሳስባ ኸነማዕብልን ክንሃንጽን ይግብኣና። ናይ ብሓቂ ፈራህቲ ኣምላኽ እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ዜሐጒሶን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዚድብትሮን ቃላት ምዝራብና ዅሉ ጊዜ ኸነረጋግጽ ይግብኣና።

ሽዑ እቶም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚአብሔር ከኣ ጽን በለ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒዮም። ኣነ ኸኣ፡ ከም ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፣ ክንሕፎምየ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።ሚል 316-18

ናብ ኣፍና ዘዝመጸ ሓውን ሕንዝን ክንተፍእ ንውዕል እንተሊና ግና፡ እግዚአብሔርቃላትኩም በርትዓኒይብለና ኸም ዘሎ ንዘክር። ነዚ ድምጹ እንተ ዘይሰማዕናዮ፡ ኣብ ንስሓን ይግባይን ዘይብላ መጋባእያ-ኣምላኽ ምስ ቈምና፡ኣንጻርካ እንታይ ተዛሪብና፧ኢልና ኽንመጻደቕ ከም ዘይንኽእል ንፍለጥ (ሚል 313) እምበኣር ነዛ ልሳንና ኣጽዋር ጽድቂ ንግበራ። ንዋት ህንጸትምበር ንዋት ዕንወት ኣይንግበራ። ብምርጫን ብምስትውዓልንኣቕሓ ኽብሪናይ ምዃን ዕድል ነጸግዋ። ካብ ዔላዚኣ ጸጋን በረኸትንምበር ሕንዝን ጥፍኣትን ኣይፈልፍል። ንልሳንና ንእግዚአብሔር ደኣ ንቐድሳምበር፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ንድያብሎስ እተገልግል ኣይንግበራ። ኣብ ኣፍና ሃልሃልታ ገሃነም ኣይንእጐድ (ያእ 315,16 .)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሕዳር ፳፮, ፳፻፲፬  ግዕዝ (5 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 13 ሰንበት: ቊ.20/፳

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 12፡22-ፍጻመ ያእ 3፡1-10 ግብ 21፡27-33 ማቴ 8፡23-ፍጻመ ዘእግዚእነ

መዝ.፹፰(፹፱)፡ ፲፩-፲፪ "ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቱ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።"

ዓዲ፡ መዝ. ፻፪(፻፫)፡፲፰-፲፱ "ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።"

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div