S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ [ 8ይ ሰንበት: ቊ.12/፲፪ ]

ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈረኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሔር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽልይ ኣለና። ቈሎ 110

እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ካብ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ መዓልቲ ዝተዳለወ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደዩ። እዛ ቈሎሴ እትበሃል ከተማ፡ ኣብ ዘመን ንኡስ እስያ (Asia Minor) ኣብ ዘመን ድማ ቱርኪ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ሃገር እትርከብ ከተማያ። ሕጂ ንቕርሲ ዚኸውን ዑናምበር፡ እታ ኸተማ ህላወ የብላን። እታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብቐጥታ ባዕሉ ዝመስረታ እንተ ዘይኰነት፡ ካብተን ሓላፍነተን ወሲዱ ባዕሉ ዚጓስየን ኣብያተ ክርስትያን ሓንቲ ዝነበረት። ኣብ ነዛ መልእኽቲዚኣ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ካብ ናይ ኣይሁድን ኣህዛብን እምነታት ዝመበቈሉ ስሑት ትምህርትታት እታ ቤተ ክርስትያን ትናወጸሉ ዝነበረት እዋን ዝነበረ። ካብ ስሑት ትምህርቲ ርእሶም ሓልዮም፡ ንኣምላኽ ብቑዓት ኰይኖም ኪመላለሱ ዚምዕዶም ዘሎ ኸኣ ብእኡ ምኽንያትዩ። ዓይነት ናይ ዜጋጥመና ፈተና ብዘየገድስ፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቑዓት ካብ ምዃን ኪዕንቅፈና ዚመጽእ። ንሕና ድማ ነዚ ዕላማ ናይ ፈታኒና ድያብሎስ ኣስተውዒልና፡ ኵሉ ጊዜን ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታትን ንኣምላኽ ብቑዓት ኴንና ንመላለስ ከም ዘለና ኸነረጋግጽ ይግብኣና። እግዚኣብሔር ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ኣሰራርሓኡ ኣብ ብቕዓት ዝተመርኰሰዩ። ንዘይግብኦን ንዘይበቕዖን ሰብ ብምሃብ ንጸጋኡ ኣየቕልልዩ። ስለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስናብቕዓትዚብል ቃል ብብዝሒ ተደጋጊሙ እንረኽቦ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ንኣገዳስነት ናይ ኣርእስቲ ኸም ዚግባእ ብምግንዛብ፡ ነዚ ትምህርቲ ኣዳልያትልና ትርከብ።

ብቕዓት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲዩ። ትምህርቲ፡ ሞያ ስራሕ፡ ኣገልግሎት፡ ኣቕሓ (ንብረት) ብብቕዓቱ ዚምዘን። ብቕዓቱ ንኺፍለጥ ድማ ብቕዓቱ ዚምዘነሉ ፈተና ይዳለወሉዩ። ብቕዓት እናለዓለ ብዝኸደ መጠን፡ ክብሩ ድማ ብእኡ መጠን እናለዓለ ይኸይድ። ብቕዓት እናጐደለ ብዝኸደ መጠን ከኣ ተደላይነቱ ስለ ዚጐድል ክሳዕ ምድርባይ ኪብጻሕ ይኽእልዩ።

መሪሕ ጥቕስና ሰለስተ ብቑዓት ዚገብሩ ረቛሒታት ጠቒሱልና ኣሎ። ንሳቶም ከኣ፦

1. ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ምፍራይ፡

2. ብፍልጠት ኣምላኽ ምዕባይ፡

3. ብዅሉ ንእግዚኣብሔር ባህ እተብሎ ምዃን እዮም።

ብቚጽሪ ደኣ ሰለስተ ይምስሉምበር፡ እቲ ሳልሳይ ረቛሒ ዚሓቚፎ ኻልእ ብዙሕ ረቛሒታት ከም ዘሎ ብሩህዩ። እቲብዅሉዚብል ቃል ንብዙሕ ረቛሒታት ዚሓቊፍን ዜጠቓልልንዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስና ተዘርዚሩ ዘሎ ንኣምላኽ ባህ ዜብል ተግባራትን ባህርያትን ይትረፍ ተንቲንካ፡ ጠቒስካዮ ምሕላፉ ጥራሕ ብዙሕዩ። ዋላቶም ቀዳሞት ክልተ ረቛሒታትውን ኣብኡ ኺጠቓለሉ ይኽእሉዮም። እምበኣር ናይ ኵሉ እንገብሮ ተግባራት ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ እግዚኣብሔር ባህ ከም ዚብሎን ከም ዚሕጐስን ምግባርዩ።ሰብ ንእግዚኣብሔር ዜሐጉስ ነገር ኪገብር ይኽእልኽትብል ዚኸብድ እንተ ዀነ፡ እግዚኣብሔር ብደረጃ መለኮትነቱ ዘይኰነስ ብደረጃ ስጋ ብዓቕምና ስለ ዚመዝነና ብቕንዕናን ብፍታውን ብዝገበርናዮ ዅሉ መንፈሳዊ ወስታታት (gestures) ብልዑል መጠን ዚሕጐስ። ነቶም ኣብ ሓጺር ምድራዊ ዕድሚኦም ዘሐጐስዎ ዅሎም፡ ብዘለኣለማውን መለኮታውን ሓጐስ ዚጻምወሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ነቶም ብዝተዋህቦም መክሊት እሙናት ኰይኖም ዘሐጐስዎ፡ ካብ ናቱ ሓጐስ ኪካፈሉ ብቑዓት ኰይኖም ስለ ዝተረኽቡ፦

ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሽመካየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።” ብምባል ኣኽበሮም (ማቴ 2521,23) እምበኣር ካብ መለኮታዊ ሓጐስ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሰናይና ዚፈትው ኣምላኽ ብዜሐጉሶ ብቕዓት ክንመላለስ ይግብኣና። መጽሓፍ ቅዱስና ብቑዓት ኴንና ክንመላለሰሎም ዚግባና ነጥብታት ጠቒሱልና ስለ ዘሎ ንገለ ኻብኡ ከም ኣብነት ክንርእዮ ኢና።

1. ንጽውዓኻ ብቑዕ ምዃን፦ መንፈሳዊ ህይወትን ጉዕዞን ኵሉ ጊዜ ብጽውዓ ዚጅምር። ኣምላኽ ነቲ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝመደበልና ንኺህበና፡ ብጽውዓ ዚጅምሮ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂዚ፦

ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዅሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣኽበሮም።” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ (ሮሜ 829,30) እግዚኣብሔር ነቲ ጥንታዊ መደቡ ብጽውዓ ይጅምሮምበር፡ ኣብኡ ኣይውዳእንዩ። ድሕሪ ጽውዓ፡ ምጽዳቕን ምኽባርን ኣሎ። ነዚ ዳሕራይ ንምርካብ ግን፡ ቅድም ነቲ ጽውዓኻ ብቑዕ ክትከውን ናይ ግድንዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክመላለሱ እምዕደኩም ኣለኹ።” ብምባል መዓደና (ኤፌ 41) ንጽውዓኻ ብቑዕ ዘይምዃን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዝመደበልካ ጥንታዊ መደብ የዐንቅፎ። ንርእስኻውን ካብ ተዳልዩልካ ዘሎ ድሕሪ ጽውዓ ዚርከብ ጸጋን ክብርን የብኵረካ። ድሕሪ ጽውዓ፡ ብቚዕ ኴንካ ምስ ተረኸብካ ናብ ጽድቂ ናብ ሕርየት ኢኻ እትበቅዕ። ነቲ ዝተጐናጸፍካዮ ሕርየት ክሳዕ ምጽኣቱ ወይ ክሳዕ ዕለተ ሞትካ እንተ ኣጽናዕካዮ ድማ ናብ ሰማያዊ ኽብሪ ትበቅዕ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡

ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡውን ናብ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪወሃበኩምዩ።” ዚብል ቃል ምዕዶን ቃል ተስፋን ተዋህበና (2ጴጥ 110,11) ብዙሓት ሰባት ነቲ ጽውዓ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኼብቅዑ ናብ ብቕዓት ክሳዕ ዚበጽሑ ስለ ዘይጋደሉን ንጽውዓኦም ስለ ዘየጽንዕዎን፡ ካብ ሕርየት ይበዅሩ። እቲ ጐይታና፦ ጽዉዓት ብዙሓትዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደትዮም።” ዝበሎ ቓል ድማ ኣባታቶም ይፍጸም (ማቴ 2018 2214) እግዚኣብሔር ኪጽውዓና ኸሎ ተገቢኡና ዘይኰነስ ብጸጋኡ ዚጽውዓና። ኣብ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዀነ፡ ብዛዕባቶም ናብ ካልእ ወንጌል ዝዘምበሉ ሰባት ነዚ ሓቂ ደጋጊሙ ገሊጽዎሎ።

ካብ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከም ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒሎ።

እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ፡ ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና፡ ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ፡ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ . . . ፈተወ።  ገላ 16,16,17

ስለ ንጽውዓኻ ዘይምብቃዕ ማለት ነቲ ዝተጸዋዕካሉ ደም ክርስቶስ ዝዋጋኡ ኽቡር ጸጋ ምንዓቕን ምድርባይን ማለትዩ። ንጽውዓኡ ብቑዕ ናይ ዘይኰነ ሰብ ኣብነት፡ ኣብ ናይ ጐይታምስላ መርዓ ዝገበረ ንጉስመሃሪ ብዝዀነ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ (ማቴ 221-14) እቲ ንጉስ ነቲ ዘቕረበሎም ክቡር ጽውዓ ብዝነጸጉ ሰባት ዝጐሃዮ ኸይኣክል፡ ነቲ ጽውዓኡ ኣኽቢሮም ንዝመጹ ኺርእይ ኢሉ ናብ ኣደራሽ ምስ ኣተወ ድማ፡ ንጽውዓኡ ብቑዕ ዘይኰነ ሰብ ረኸበ። ኣብታ መዓልቲ ሓጐስ ድማ ኣብ ንርእሱን ዓዳሚኡን ዘሕሰረ ሰብ ኪፈርድ ተገደደ። ከም ናብ መርዓ ዝተዓደመ ነቲ ዕድመ ዚበቅዕ ልብሲ ዚለብስ፡ እቲ ናብ ክርስትና ናብ መንግስተ ሰማያት ዝተጸውዐ (ዝተዓደመ) ድማ፡ ንጽውዓኡ ዚበቅዕ ህይወትን ኣካይዳን ኪለብስ ናይ ግድን፡ዩ።

2. ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዕ ምዃን፦ ናይ ኵሉ ጽውዓ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ መንግስተ-ሰማያትያ። ስለ ንጽውዓና ናብ መንግስቱ ኸም እተእትወና ጌርና ብብቕዓት ክንነብራ ይግባእ። ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ፡ ንጽውዓና ብብቕዓትና እንተ ኣጽናዕናዮ፡ ናይ መወዳእታ ዓስብና፡ ናብ ዘልኣለማዊት መንግስቱ ምእታው ብምልኣት ከም ዚወሃበና ተነጊሩና ኣሎ። ስለ ኣብ መንፈሳዊ ዀነ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና መዓልታዊንህይወተይ ወይ ንጽውዓይ ናብዛ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ብዜብቅዓኒ መገዲዶ እነብራለኹ፧ኢልና ኽንሓትት ዚግባእ። እግዚኣብሔር፡ ኵላቶም ኣብ ህይወት ዜጋጥሙና ብድሆታትን ምከራታትን (tests) ፈተናታትን (temptations) ንመንግስቱ ብቑዓት ምዃንና ኸነረጋግጸሎም ዚሰርዓልና። ነዛ ሓቂዚኣ እንተ ዘየስተውዓልናያ ንዅሉ ዚገጥመና ኸም ዝመስለናን ቅኑዕ ኰይኑ ኸም ዝተራእየናን ንሓልፎ እንተ ዄንና፡ ገና ኣእምሮና ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዘይተቓነየ፡ (kingdom minded ዘይምዃንና)’ ዜመልክተና። ቅዱሳን ሃዋርያት ግና ንህይወትናን ኣካይዳናን ናብ መንግስቱ ኸም ዜብቅዓና ጌርና ኸነቕንዖን ክንመርሖንዮም ብዝተፈላለየ መገድታት ምዒዶምና። ካብኡ ሓሊፎምውን ነቲ ሽዑ ኣብ ኢዶም ዝነበረ መጓሰ በዚ ኣገባብ ይጓስይዎ ነበሩ።

ከም እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።” 1ተሰ 211,12። እዚ ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኰነ ናይ ኣገልገልታ ተልእኾን ሸቶን ናይ ኣገልግሎቶም፡ ንመጓሰኦም ናብ መንግስቱን ክብሩን ንምእታው ብቑዓት ከም ዝዀኑ ጌርካ ምድላው ኪኸውን ከም ዘለዎ ዜመልክተናዩ። ህንጻን ቀጽርን ናይ ቤተ ክርስትያን ዜጻብብ ቊጽሪ ህዝቢ ኣኪብካ ኸተብቅዕ፡ ካብ ህዝቢ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚበቅዕ ዋላ ሓደ እንተ ዘየለ ወይ ኣዝዩ እንተ ወሓደ ኣዝዩ ኸቢድ ወጽዓዩ። ስለ ንዅሉ ሰጊሩ፡ ነታ ቐጣን መገዲ ብዓወት ፈጺሙ፡ በታ ጸባብ ኣፍደገ ኣትዩ ናብ መንግስቱን ክብሩን ዚበቅዕ መጓሰ ምህናጽና ኸነረጋግጽ ይግባእ።

ዋላ ዅሉ ኣብ ምድሪ ብምኽንያት እምነትና እንሓልፎ መከራውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኪገብረና ዚወሃበና። ብርግጽ ሰይጣን በቲ ብናቱ ኣተግባርነት እንቕበሎ መከራ፡ ዘይብቑዓት ኪገብረና ዚጋደል። ጐይታ ድማ በቲ እንሓልፎ ብርቱዕ ጸባባ ንመንግስቱ ብቑዓት ክንከውን ብኢዱ ኣኽሊል ዓወትን ጽድቅን ክብርን ኪደፍኣልና ዚደልይን ዚድግፈናን።

ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቊጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽዩ።” 2ተሰ 15 .

መከራ እትጸግቡ ዘለኹም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ዄንኩም ምእንቲ ኽትቊጸሩዩ። እዚ ዅሉ ኸኣ መረዳእታ ናይ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽዩ።” 2ተሰ 15 .

ኣብ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ፡ ጨናፍር ስየ ኣብ ኢዶም ዝሓዙ፡ ሓደ ኪቈጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰባት ኣብ ቅድሚ ዝፋን ናይ ኣቦን ናይ ገንሸልን ደው ኢሎም ይዝምሩን ይውድሱን፡ እናሰገዱ ድማ የምልኹ ነበሩ። ናብ ኸም ዝበለ ኽብሪ ዘብቅዖም እንታይ ምዃኑ ነቲ ሃዋርያ ንኼመልክቶ፡እንታዎትዮም፧ኢሉ ሓተቶ። ባዕሉ ድማእዚኣቶም ካብ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹዮምኢሉ፡ ምእንቲ እምነትካን ጐይታኻን ሓሳረ-መከራ ምቕባል፡ ናብ መንግስቱ ኸም ዜብቅዕን፡ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ናይ ምቛምን ናይ ምንባርን ክብሪ ኸም ዜጐናጽፍን ገለጸሉ (ራእ 79-17) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ልስጥራ ዝተባህለት ከተማ እናገልገለ ኸሎ፡ ኣብ ኸባቢ ኻብ ዝነበራ ኸተማታት ዝተኣኻኸቡ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ፈጽፊጾም ዝሞተ መሲልዎም፡ ካብ ማእከል ከተማ ናብ ወጻኢ ኸተማ ጐቲቶም ኣውጽእዎ። ገዲፎምዎ ምስ ከዱ ኻብ ድቃሱ ኸም ዝተበራበረ ሰብ ብድድ ኢሉ ኽዳውንቱ ነጊፉ ናብ ከተማ ናብቶም ኣመንቲ ኣሕዋቱ ኣተወሞ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣትው ይግብኣናዩ።” ብምባል ብጸበባ ምሕላፍን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታውን ዘለዎ ጥቡቕ ዝምድና ዚረጋግጽ ሃዋርያዊ ምዕዶ ሃቦም (ግብ 1419-22)

እቲ መከራ ምቕባልና ጥራሕ ድዩ ዜእትወና ወይስ ኣብ ውሽጢ መከራ ኺረኣይ ዚግብኦ ውጽኢት ኣሎዩ፧ ብርግጽ ስለ ዝተሳቐኻ ጥራሕ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜእትው ብቕዓት ኣየውሕሰልካንዩ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እትሓልፎ ዘለኻ መከራ እተርእዮ ባህርይ ብቕዓት ዜጐናጽፈካ። እቲ ኣብ መከራ እተርእዮ ብሓጐስ ዝተሰነየ ትዕግስቲ፡ ነቶም መከራ ዜጽግቡኻ ሰባት እተርእዮ ፍቕርን እትገብሮ ምሕረትን፡ በቲ መከራ ኸይተዓንቀፍካ ኣብ ኵለንተናዊ ኣገልግሎትካ እተዕዝዞ ትግሃት፡ ኣብ ውሽጥን ድሕርን ናይ መከራ እተርእዮ ትሕትናን ርእስኻ ምኽሓድን ወዘተን ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዕ ዚገብረካምበር ሓሳረ-መከራ ስለ ዝጸገብካ ጥራሕ ኣይኰነን። እግዚኣብሔር ብመከራ ኽንሓልፍ ዚፈቅድ፡ ነቲ ናቱ ባህርያት ኣባና ምእንቲ ኺተክልን ኪሃንጽን ኪገልጽንዩ። መብዛሕትኡ መንፈሳዊ ባህርያት (40) ብዘይ መከራ ኣይግለጽንዩ። ኣብ እዋን ሰላም ኵሉ ሰብ ዕጉስን ፈቃርን መሓርንዩ። እቲ ሓቀኛ መንነት ግና ኣብ እዋን መከራ ዚገሃድ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሔር ከም ዚስዕብ ኢሉናሎ።

ግናኸ፡ እቲ ጸበባ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና ብጸበባ ድማ ንምካሕምበር፡ በዚ (ተኻፈልቲ ኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና) ጥራሕ ኣይኰነን። ብትዕግስቲ ድማ ጽንዓት፡ ብጽንዓት ከኣ ተስፋ ይርከብ።ሮሜ 53,4 .

ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። (ምኽንያቱ) እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም (ዜፍርይ) ፈሊጥኩምሲ ብሓንቲ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።ያእ 12-4

ፍጹማትን ምሉኣትን ዚገብረና እቲ ፈተና ዘይኰነስ፡ እቲ በቲ ፈተና ዚገሃድ ትዕግስትን ካልእ ኵሉ ፍጹም ግብርታትንዩ። ናይ ፈተና ጥቕሚ፡ እዚ ባህርያት ዚግለጸሉ ብሉጽ መድረኻትን ዕድላትን ዚፈጥር ምዃኑ ጥራሕዩ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ዚወርደና መከራ ብሰይጣናዊ ባህርያት፡ ማለት ብሓጢኣት ክንግለጽ ዚገብረና ሰባትውን ውሑዳት ኣይኰንናን። እዚ ድማ ነቲ መከራና ከንቱን ወጽዓን ዚገብሮ። ነዚ ሓቂ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልናን ገሊጹልናን ኣሎ።

ሓደ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ (እዚ) ብኣምላኽ ቅቡልዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡልዩ። ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ሓደገልኩም፡ ንሱ (ኣብ እዋን መከራኡ) ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበምበር ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 219-23 .

ሓደ ሰብ ብመከራኡ ኻብ ኣምላኽ ጻማ ዚረክብ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ መከራኡ ዘንጸባረቖ ባህርይ ምስ ዜንጸባርቕዩ። ጐይታና መስቀልና ኽንጸውር ጥራይ ኣይጸውዓናን። መስቀልና ጸዊርና ደድሕሪኡ ኽንስዕብ ዝኣዘዘና። “(ኣብ ጊዜ መከራ) ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑዮም። እቲ ኻባይ (ንላዕሊ) ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕንዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕንዩ። መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕንዩ።ማቴ 1036-38

ካብ ቓል ጐይታ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ካብ ንስድራና ንላዕሊ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ ኣዝዩ ዝበለጸ ምዃኑ እነረጋግጸሉ እዋን፡ እቲ ናይ መከራ እዋንዩ። ስለ ንጽውዓናን ንመንግስቲ ኣምላኽን ዘለና ብቕዓት ኣስኣሰር ኣርኣያ ክርስቶስ ብምስዓብ ኢና እነረጋግጾ። ንሕናን ክርስቶስን ናብ ሓደ መኣዝን ገጽና ምጒዓዝና ኣይኰነን ብቑዓት ዚገብረና፡ ወይውን ኣሰርና ጥቓ ኣሰር ክርስቶስ ምጽግዑ ኣይኰነን። ብትኽክል ኣሰርና ኣብ ልዕሊ ናቱ ኣሰር ምርጋጹ ጥራይዩ። ንኣሰርና ዝተዓዘበ ዘበለ ዅሉ፡እዚኣ ናይ ክርስቶስ ኣሰርብምባል ኪፈልዮምበር፡ ናይ እከለ ወይ እከሊት ኢሉ ኺፈልዮ ኽሳዕ ዘይክእል ኪኸውን ይግባእ። እቲ ብኸም ዝተጓዕዘ ሰብ፡ ብሓቂ ብቑዕ ናብ ክርስቶስ ዝኣተዋኣ ኺኣትውን ኣብኣ ኺነብርንዩ። እቲ ጐይታና ናብ እግዚኣብሔር ኣቦኡ፦  ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም፡ ኣፍቂርካኒ ኢኻሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ (ሰባት) ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዮስ፡ ኣብ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደልይ ኣለኹ።” ኢሉ ዝጸለዮ ጸሎትውን ፍጻሜ ኺረክብ (ዮሃ 1724) መሪሕ ጥቕስናውን፡ ናይ ሰናይ ግብሪ ፍረ እናፈረና ንኣምላኽ ብቑዓት ኴንና ኽንመላለስ ተማሕጺኑና ኣሎ።

እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ንሕሉፍን ህልዊን ህይወትና ንመርምር ኣብ ብቕዓት ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ክርስቶስ ብዛዕባና እንተ ዚሕተት <ንኣይ ኣይበቅዕን ምበለ፧ ወይስ ምስቶም ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ሰባት ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓትዮምሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱዮምዝተባህለሎም ንስራዕ ንኸውን (ራእ 34) እምበኣር፡ነዚ ነገር ብቑዕዚብልከ መን ኣሎ፧ዚብል ሃዋርያዊ ሕቶ ይቐርበልና ኣሎሞ፡ ነዚ ዘይስገር ሕቶ ሕጂ ብኣግኡ ብብቕዓት ንመልሶ (2ቈረ 216)!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥቅምት ፳፰, ፳፻፲፬  ግዕዝ (7 ሕዳር 2021 ፈረ).  8ይ ሰንበትቊ.12/፲፪

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ቈሎ 1፡1-11 ያእ 1፡1-12 ግብ 28፡7-17 ሉቃ 12፡22-34 ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ ፩፡፫ /1፡3

"ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙኃዘ ማይ። እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ። ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።"

"ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።"

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div