S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣድልዎ ዚጽየፍ ኣምላኽ [6ይ ሰንበት ቊ.9//፱ ]

ኣቱም ጐይተትውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦም ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉሞ፡ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዘየልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ።ኤፌ 69

ኣብ ዕለተ ሰንበት ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናብ ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስትያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ሓደዩ። ኣብ ኽፍሊ ንባብ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኽልተ ኣገደስቲ ዝምድናታት ዚምልከቱ፡ ኣዝዮም ጠቐምትን ወሰንትን ሓቅታት ኣስፊሩልና ኣሎ። እቲ ቐዳማይ፡ ናይ ወላድን ውሉድን ዝምድና ዚምልከት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ንዝምድና ጐይታን ግዙእን ዚምልከትዩ። ኣብ እዚ መልእኽቲ ዝተጻሕፈሉ ዘመን ዝነበረ ስርዓት ናይ ሕብረተ-ሰብ፡ መስፍናዊ ስርዓትዩ። ሰብ፡ ከም ዝዀነ ኻልእ ንብረት ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ዚሽየጠሉ ስርዓት ዝነበረ። ኣብ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ከምኡ ዓይነት ስርዓት ስለ ዘየለ፡ እዚ ኽፍሊ ንባብ ነዞም ኣብ ዘመን ዘለና ሰባት ዘይምልከት ንባብ ጌርና ኽንወስዶ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ዋላ ናይ ጐይታን ባርያን ዝምድና እንተ ዘይሃለወኳ፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና ግን ኣሎ። ስለ እቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያትን ነብያትን ንጐይታን ባርያን ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ዅሉ መልእኽታት፡ ኣብ ዘመንና ኸኣ ንኣስራሕትን ሰራሕተኛን ይምልከት ማለትዩ።ኣስራሕን ሰራሕተኛንኪበሃል ከሎ ኸኣ ብደረጃ ዓበይቲ ትካላት ጥራሕ ክንሓስብ ኣይግባእንዩ። ኣብ መንጎ ሓንቲ ሰራሕተኛ-ገዛን ኣብ መንጎ ሓንቲ ስድራ ቤትን ዘሎ ዝምድና፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድናዩ። ብዓል ውዕለት ኰይኑ፡ ንብረት ዚስከመልና፡ ክዳውንቲ እትሓጽበልና፡ ገዛ ሕብሪ ዚለኽየልናውን፡ ዋላ ደኣ ናይ ሓጺር ጊዜ ዝምድና ይኹንምበር ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድናዩ። ከከም እንነብረሉ ሃገርን፡ እንነብሮ ዓይነት ማሕበራውን ባህላውን ናብራ፡ ዝምድና ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝተፈላለየ ኪኸውን ይኽእልዩ። እቲ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና ግን ዓለምን ሰብን ክሳዕ ዝሃለዉ፡ ኵሉ ጊዜ ኺህልውዩ።

ንምንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣስራሕን ሰራሕተኛን ዚምልከት ትምህርትን ትእዛዝን ብስፍሓት ዚርከብ፧ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ናይ ኵሉ ዝምድናታት መስራትን ማእከልን ባዕሉ እግዚኣብሔር ምዃኑዩ። ንእግዚኣብሔር ዘየማእከለን ዘየኽብርን ኵሉ ዝምድናታት፡ ሓጥእ ዝምድናታትዩ። ኣብ እንነብረላ ዘለና ዓመጸኛ ዓለም፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና፡ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ እግዚኣብሔርውን ብዝለዓለ ዚብደለሉዩ። እቶም ዚብድሉ ኸኣ እቶም ኣስራሕቲ ጥራሕ ዘይኰኑስ እቶም ሰራሕተኛታትውንዮም። ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ጥራሕ ዚብድሉ ዘለዉ ይመስሎም ይኸውን፡ ክልቲኦም ንሓድሕዶም ብምብድዳሎም፡ ንኣምላኽ ንምብዳል ይተሓጋገዙ ኸም ዘለዉ ግን ፈጺሞም ኣየስተውዕልዎንዮም። ናብ ሰባብ ኣበሳ ዜውድቖም ዘሎ ኸኣ፡ መስራትን ማእከላይን ናይ ጸሚድዎም ዘሎ ዝምድና፡ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘይምፍላጦምዩ።

እግዚኣብሔር ብኸመይ ማእከልን መስራትን ናይ ኵሉ ዝምድናታት ዚኸውን፧ እግዚኣብሔር ነዞም ብስራሕ ዝተዛመዱ ሰባት እንተ ዘይፈጥሮምን ብህይወት እንተ ዘየንብሮምን፡ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና ኺህልዎም ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ ህላወ እንተ ዘየልቦ፡ ዝምድናታት ኪህልው ኣይክእልንዩ። ነቲ ሓደ ገንዘብን ስራሕን፡ ነቲ ኻልኣይ ከኣ ጕልበትን ሞያን እንተ ዘይህቦ፡ ኬራኽቦም ዚኽእል ምኽንያት ኣይምሃለወን ነይሩ። እግዚኣብሔር፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ እንተ ዘይፈጥር፡ ኪዳናዊ ዝምድና ኣይምሃለወን። እቲ ብመውስቦን ብምውላድን ዚፍጠር ማእለያ ዘይብሉ ዝምድናታት ከኣ ንኣሰር ኣይምሃለወን። ስለ ፈጣርን መላግቦን ናይ ኵሉ ዝምድናታት በይኑ እግዚኣብሔር ምዃኑ፡ ንሓንቲ ኻልኢት ኽንዝንግዖ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ እዛ ዝንጋዐዚኣያ፡ ምስ ኣምላኽ ብቐንዱን ምስ ኵሉ ሰብን ዘሎና ዝምድናታት በታቲኻ ኣበሰኛታት እትገብረና።

እግዚኣብሔር ንምንታይ ዝምድናታት ኣብ ምፍጣር ኣዝዩ ዚግደስ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብኣዊ ዝምድናታትና፡ ከም መግለጽን መለክዕን ናይ ምስኡ ዘሎና ዝምድና ገይሩ ዚጥቀመሉ፧ ሕመረት ናይ ናይ ሎሚ ኣርእስትና፡ ኣብ ኣገዳሲ ሕቶ ዚምርኰስ። እግዚኣብሔር ንሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ፈጢርዎ (ዘፍ 127) እግዚኣብሔር ኣካላዊ ሰብነት ዘይብሉ ረቂቕ መንፈስ ወይ መለኮት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንእኡ እንመስለሉ መልክዕና መንፈሳዊዩ። ስለ ኻብ ናቱ ባህርይን ክእለትን ንሰብ ብዚኸውን መጠን ኣካፊሉናዩ። ነዚ ኸኣ ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ፈጢሩ፡ ኡፍ ኢሉ ኻብ መንፈሱ ብምክፋል ህያው ነፍሲ ገይሩ ኼቝመና ኸሎ ገበሮ (ዘፍ 27 እዮ 334 328 3510,11)

እግዚኣብሔር፡ ንዅሉ መለኮታዊ ባህርዩ ኣባናን ኣብ ኵላቶም መንፈሳውያንን ስጋውያንን ፍጡራቱን፡ ኣብ ህያዋንን ግኡዛንን ፍጥረቱን ዚገልጾ። ንሕናውን ነቲ ኻብ እግዚኣብሔር ብመንፈስ ቅዱስ ዝወረስናዮ ባህርይን ክእለትን እንገልጸሉ መድረኽ ኪህልወና ናይ ግድንዩ። እዚ መድረኽ ኸኣ እቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዝምድናታትዩ። ስለ ኸኣ ጐይታና፡ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ እንተ ገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ . . .እንተ ዘይገበርኩምሉ ኸኣ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ብምባል፡ እቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ዝምድና፡ ናይ ምስኡ ዘሎና ዝምድና መለክዕን መግለጽን ምዃኑ ብዘየማትእ ዝገለጸልና (ማቴ 2540,45) እቲ ንዚርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረ፡ ነቲ ዘይርእዮ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ እንተ ሓሰበ ወይ ብድፍረት እንተ ተዛረበ፡ ሓሳዊ ምዃኑ፡ ነቲ ሓጢኣቱስ ካልእ ሓጢኣት ከም ዝደረበሉ ተነግረና (1ዮሃ 412,20,21 316-18 51) እቲ ንሰብ ዚንዕቕ ንእኡ ኸም ዚንዕቕ፡ እቲ ንሰብ ዚቕበልን ዜኽብርንውን ንእኡ ኸም ዚቕበል ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 1040 ሉቃ 1016 ዮሃ 1320 1ተሰ 48 1ሳሙ 87 ዘሁ 1629,30)

እግዚኣብሔር ንምንታይ ንኣድልዎ ኣዝዩ ዚጽየፎ፧ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ባህርዩ ዘይምዃኑዩ። ኣብ እግዚኣብሔር ፍትሒምበር፡ ኣድልዎ ዚበሃል የልቦን። ኣድልዎ፡ ፍትሒ ኣጋንንቲዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮ ሰብ፡ ንሱ ዘየውረሶ ኣድልዎ ሰሪጹን ንዅሉ ዝምድናታት ኬዕንውን ኬበላሽውን ኪርእዮ ኸሎ፡ ነዚ ሰይጣናዊ ባህርይን ነቶም ዜዘውትርዎን ኪጽየፎም ናይ ግድንዩ። ኣብ እግዚኣብሔር ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኣሎ። ሓደ ኻብኡ፡ እዚ ኸም መሪሕ ጥቕሲ ተጠቒምናሉ ዘለና ቓልዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ሓቂ ደጋጊሞምዮም ዚጠቕስዎ።

<<ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ንኣምላኽ ዚፈርህን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅቡልምበር ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ብሓቂ (ኣስተብሃልኩ)>>

<<እከይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ስቓይን ጸበባን ኪወርዶዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ፡ ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሃቦዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። ከመይ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን።>> ሮሜ 29-11 .

እግዚኣብሔር ኣድልዎ ዚገብር እንተ ዚኸውን፡ እምነት ክርስትና ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሃይማኖት ምዀነ ነይሩ። ንእግዚኣብሔር፡ ጻድቕ ሰብ ካብ ሓጥእ ሰብ ንላዕሊ ከም ዚቐርቦን ከም ዜሐጕሶን ርጉጽ ሓቂዩ። እንተ ዀነ፡ ይግብኦ ስለ ዝዀነ ደኣ ብፍትሒ ይገብረሉምበር፡ ሓለፋ ናይ ሓጥእ ብኣድልዎ ዚገብረሉ ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ሓጢኣት እንተ ገይሩውን ማዕረ ናይ ሓጥእ ከም ግብሩ ደኣ ይፍረድምበር፡ ከቶ ኣይነሓፍንዩ።

<<. . .ጽድቂ ናይ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖንዩ። ረሲእነት ናይ ረሲእ ከኣ፡ በታ (ንሱ) ኻብ ረሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖንዩ። እቲ ጻድቕሲ፡ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጽድቁ ብህይወት ኣይኪነብርንዩ።>> ህዝ 3312

እዚ መለኮታዊ ቓልዚ፡ እግዚኣብሔር ናብ ጻድቕ ዜዛዝዎ፡ ቀረባኡን ዜሐጕሶን ሰብ ስለ ዝነበረ ንሓጢኣቱ ዓይኑ ዓሚቱ ወይ ሸለል ኢሉ ኺሓድገሉ ዚገብሮ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ዜረጋግጸልናዩ።

ኣድልዎ ናይ ሰብከ ብዓይኒ ኣምላኽ ብኸመይ ዚረኣይ፧ ሰብ ዚገብሮ ኣድልዎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ድርብ በደል ዚፍጽም። እቲ ቐዳማይ በደል፡ ብቐጥታ ግዳይ ኣድልዎና ብምዃኑ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ናይ ኣድልዎ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ዘይባህርዩ ዜልግበሉ ምዃኑዩ።

1 እግዚኣብሔር፡ ግዳይ ኣድልዎና ምዃኑ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከም ዜመልክተና፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ እንፍጽሞ ዅሉ በደል፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ጥራሕ ዚፍጸምዩ። ንጉስ ዳዊት ስልጣኑ ተጠቒሙ ንበዓልቲ ኪዳን ሰበይቲ ብጾታዊ ዓመጽ ምስ ኣነወረን ነቲ ንጹህ ሰብኣያ ብተንኰል ምስ ኣቕተለን፡ እግዚኣብሔር ብነብዪ ናታን ገይሩ፡ንኣይ ኢኻ ዝነዓቕካኒኢሉ ኽብደት ኣበሳኡ ኣፍለጦ (2ሳሙ 129,10) እታ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ጽቡቕ ገይራ ስለ ዝተሰቈረቶ፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ንስሓኡኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።ብምባል፡ ነቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ኣነጸሮ (መዝ 514) እስራኤላውያን ንጉስ ኪቐብኣሎም ንነብዪ ሳሙኤል ብርቱዕ ጸቕጢ ምስ ገበሩሉ፡ ኣዝዩ ጐሃየ ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ። ከምኡ ገይሩ ዘጕሃዮ ኸኣ ንግስነት ኣምላኽ ንዒቖም ንግስነት ሰብ ምምራጾምዩ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ኣነ ኸይነግሶም ንኣይዮም ዝነዓቝምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ፡ . . .” ብምባል ነቲ ሓቂ ኣግሃደሉ (1ሳሙ 87) ጐይታና ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዜሳድደሉ ዝነበረ ሳውል፡ንምንታይ ንደቀ መዛሙርተይ ተሳድዶም ኣለኻ፧ . . .ኣነ፡ እቲ ንስኻ እተሳድዶ ዘለኻ ኢየሱስየ፡ኢሉ ተዛረቦ (ግብ 94,5 .) እቲ ኣቐዲምና ኣብ ማቴ 2540,45 ዝጠቐስናዮ፡ እቲ ኣብ ሰብ እንገብሮን ዘይንገብሮን ኵሉ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ከም እንፍጽሞ ዚገልጽ ሓሳብውን፡ ነዚ ንገልጾ ዘለና ሓሳብ ዚድርዕዩ።

እምበኣር እቲ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ እንፍጽሞ ኣድልዎውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ጥራይ ዝተፈጸመ ኣድልዎ ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ። ንሰብ እንተ ጸረፍና፡ እንተ ወቓዕና ወይ ዝዀነ ኻልእ በደል እንተ ፈጸምና፡ ኣብ ሰብ ዘይኰነ ኣብ ኣምላኽ ከም ዝፈጸምናዮ እንተ ዘይኣስተውዒልና፡ ነቲ ድሮ ዝፈጸምናዮ ኣበሳስ፡ መሊስና ተወሳኺ ናይ ክሕደት (ኣሉታ) ኣበሳ ደሪብናሉ ማለትዩ። ኣብ ጊዝያዊ ፍጥረት ዝዀነ ሰብ ንዝተፈጸመ ኣበሳ፡ ናይ ዘለኣለም ሞት ዚፍረደሉ ምኽንያት ግዲ እንታይዩ፧ እቲ በደል ኣብ ጊዝያዊ ሰብ ዘይኰነስ ኣብ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጸመዩ። ኣበሳና ኣብ ሰብ ጥራሕ ዚፍጸም እንተ ዚኸውን፡ ፍርድና ካብ ዕድመ ሰብ ንላዕሊ ኣይምነውሐን ነይሩ። ኣብ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጸመ ግና፡ ብዕድመ ኣምላኽ፡ ብዘለኣለማዊ ሞት ይፍረደና ኣሎ። እግዚኣብሔር መንፈስምበር ስጋ ኣይኰነን (ዮሃ 423,24) ኣብ መንፈስ ዝዀነ ኣምላኽ ንብድል ስለ ዘለና ድማ ብመንፈሳዊ ሞት እንቕጻዕ።

ኣድልዎ ኸነዘውትር ከለናምበኣር፡ ኣድልዎና ኣብ ኣድልዎ ዚጽየፍ ፍትሓዊ ኣምላኽ ይወድቕ ከም ዘሎ፡ ምስ ዘይግጠም ንገጥም፡ ምስ ዘይንኽእሎ ንበኣስ ከም ዘለና ኽንዝክር ይግባእ። እቲ ብኣድልዎ ዘሳቐናዮ ሰብ፡ ትሕቲ ዓቕምና ዝዀነ ድኹም ሰብዩ። እቲ ድኻሙ ድማዩ፡ ብንዕቀት ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎ ኽንፍጽም ዚድርኸና። እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘለና ድኹም ሰብ፡ ከም ቅዱስ ዳዊት፡ጸርፊቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝፈጸምናዮ ኣድልዎ ኣብኡ ዝወደቐ ሰብምበር፡ እቲ ቐንዲ ግዳይ ኣድልዎና ንሱ ኣይኰነን (መዝ 698,9)

ነዚ ዝተገልጸ ሓቂ ናይ ዘይምርዳእናን ብምሉእ ልቢ ናይ ዘይምቕባልናን ሳዕቤን እንታይዩ፧ እቲ ቐዳማይ ሳዕቤኑ፡ ሓጢኣት ንምፍጻም ድሕር ዘይንብል ደፋራት ዚገብረና ምዃኑዩ። ብመገዲ ሰብ ጌርና ንኣምላኽ ብቐጥታ ንብድሎ ኸም ዘለና እንተ ዚርድኣና፡ ንሓጢኣት፡ ይትረፍ ከነዘውትሮ ብወዝቢ ኣይምወዓልናዮን ኔርና። እቲ ኻልኣይ ሳዕቤኑ ድማ፡ ፈጺምና ኸይንንሳሕ፡ እንተ ተነሳሕና ኸኣ፡ ኣምላኽ ዚቕበሎ ብቑዕ ንስሓ ኸይንንሳሕ ይዕንቅፈና ምህላዉዩ። ቍጽሪ በደልናን ቍጽሪ ንስሓናን ይመጣጠን ደዀን ይኸውን፧ ይትረፍ ኪመጣጠን፡ ንስሓ ዚበሃል ከም ዘይንፈልጥ ዳርጋ ዅላትና ዘይንኽሕዶ ሓቂዩ። ዝኣተናዮ ንስሓ እንተልዩ፡ እቲ ዝርካቡ ንስሓና፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዝተፈጸመ ኣበሳ ጌርናዶ ተነሲሕናሉ ንኸውን፧ ብዛዕባ ሓጢኣትና ኸም ኣምላኽ ዝጐሃዮ ጌርና ደዀን ጕሂና ንኸውን፧ ወይስ ምስ ውሽጣዊ ስምዒትና ዋላ ሓንቲ ምትሕሓዝ ብዘይብሉይቕረ በለለይብዚብላ ናይ ግብዝነት ቃላት ጥራሕ ሓሊፍናዮ ንኸውን፧

2 ስም ኣምላኽ ዜጽርፍ ምዃኑ፦ ብኣምሳል ስላሴ ዝተፈጠርና ኸም ምዃንና መጠን ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኴንና ንዅሉ ተወራሲ ዝዀነ ባህርያቱ ኣብ ምድሪዚኣ ኸነንጸባርቕን ከነተግብርን ዚግብኣና። ስለ ብኣድልዎ ኽንመላለስ ከለና፡ እቲ ብኣምሳሉ ዝፈጠረና ኣምላኽ ንርእሱ ኣድልዎ ኸም ዘለዎን ኣድልዎ ኸም ዚገብርን ጌርና ንገልጾ ኣለና ማለትዩ። ሓደክርስትያንወይውንመንፈሳዊኢሉ ዚእመን ሰብ ኪገብሮ ዘይግባእ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ክርስቶስውን ዚጽረፍን ዚንቀፍን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂዚ፦

<<ከምቲ፡ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ (ኣሎ)” ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣለኻ፧>>

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ 223,24) እዚ ኣበሃህላእቲ ዝበደለን ሕጊ ዘፍረሰን ሰብ ድኣ ይጽረፍን ይሓስርንምበር፡ ንምንታይ ኣምላኽ ዚሓስር፧ዚብል ሕቶ ኼልዕለልና ይኽእልዩ። እዚ ግና ብምኽንያት ኻብኡ ዝተኻፈልናዮ መልክዑን ምስሉን፡ ኣካል ናይ እግዚኣብሔር ከም ዝዀንና ኻብ ዘይምስትውዓል ዚመጽእ ሕቶዩ። እዚ ምስ እግዚኣብሔር ብመንፈስ ዘሎና ሓድነት ድማ፡ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ድሕሪ ምምልላሱ ብምኽንያት ስጋዊ ሓድነትና እቲ ሓድነትና ድርብን ጽኑዕን ዀይኑ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂዚ፦

<<እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ . . . እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።>>

ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ (1ቈረ 615 1227) ኣካል ክርስቶስ ክነስኻ፡ ክርስቶስ ዘይገብሮ እንተ ገበርካ፡ እቲ ዚወርድ ነቐፋን ውርደትን ናትካ ጥራሕ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ባትሴባ ምስ ነወረ፡ ዋላ ብምኽንያት ቕኑዕን ቅቡልን ንስሓኡ ተበዪኑሉ ዝነበረ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተ ተረፈሉ፡ ብግብሩ ንእግዚኣብሔር ስለ ዘጽረፈ ግና፡

<<ግናኸ በዚ (ግብርኻ)’ ንጸላእቲ እግዚኣብሔር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሃብካዮም፡ እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ብርግጽ ኪመውትዩ።>>

ዚብል ፍርዲ ተዋህቦ (2ዜና 1214) ኣይሁዳውያን ብሰሪ ዝፈጸምዎ ኣበሳ፡እዚኣቶም ያኢ ህዝቢ እግዚኣብሔርዮም፡እናተባህሉ ይጽረፉ ስለ ዝነበሩ፡ እግዚኣብሔርነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎበለ (ህዝ 3620,22)

ስለ እግዚኣብሔር ዘይፈትዎን ባዕሉ ዘይገብሮን ግብሪ ኽንገብር ከለና፡ ንሕና ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ኣካሉ ዝዀንና እግዚኣብሔርውን ከም ዚጽረፍን ከም ዚሓስርን ከነስተውዕል ይግባእ።ክርስትያንተባሂልና ብስሙ ዝተጸዋዕና ስለ ዝዀንና፡ በቲ ኣበሳና ነቲ ጼርናዮ ንነብር ዘለና ስሙ ኢና ነርክሶን ነሕስሮን። ሰዓብቲ ናይ ኣድልዎ ዚጽየፍ ኣምላኽ ክነስና፡ በቲ ሰይጣናዊ ናይ ኣድልዎ ባህርይ ብምምልላስ፡ ንእግዚኣብሔር ዘይባህርዩን ዘይመልክዑን ካብ ምሃብ ክንቍጠብ ይግባእ። እዚ እኩይ ኣበሳ ዘይትንክፎ ዝምድና የለን። ንዝምድናታት ዜፍርስን ዚበታትኽን ፍቱን ናይ ሰይጣን ኣጽዋር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ኵሉ ተግባራትናን ኣብ ኵሉ ዝምድናታትናን ኬስርጸልና ዚጋደል። ደቂ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ ንዅሉ ተግባርናን ዝምድናታትናን በቲ ኣምላኽ ዘውረሰና ናይ ፍትሒ ባህርይ ከነመሓድር ዚግብኣና። ጐይታና ኢየሱስ፡ ፍትሒ ካብተን ሕጊ ኣምላኽ ዚእዝዘን ኣውራ ባህርያት ቀዳመይቲ ገይሩ ድሕሪ ምስርዑ፡ ነቶም ዚሓድግዋወይለኹምብምባል ኣጠንቂቑ (ማቴ 2323,24 .) እግዚኣብሔር ብሓይሊ፡ ብፍርዲ፡ ብፍትሒ ኣዝዩ ዓብይን ስልጡንን ስለ ዝዀነ፡ ንሓደ ኣይንዕቅን፡ ኣይጭቍንን ከኣ (እዮ 3723 365) ንሕናውን ብመልክዑ ዝተፈጠርና፡ ባህርያቱ ንኸነግህድ  ስለ ዝዀነ፡ ንኣድልዎ ወጊድ ኢልና፡ ንፍትሒ ኽንለብሳ ይግብኣና። ቅዱስ እዮብ፦ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ፡ ፍትሐይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት።

ከም ዝበለ፡ ንሕናውን ኣድልዎ ኣርሒቕና፡ ብፍትሒ ንኣምላኽናን ንዅሉ ዝምድናታትናን ንርእስናን ነኽብር (እዮ 2914) ከመይሲ፡ ኣድልዎ፡ ዘለኣለማዊ ውርደት ዜልብስ ሰይጣናዊ ባህርይ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥቅምት ፯, ፳፻፲፬  ግዕዝ (17 ጥቅምት 2021 ፈረ).  6ይ ሰንበት9//፱ ]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ኤፌ 6፡1-9 1ጴጥ 1፡17-ፍጻ ግብ 17፡23-ፍጻ ማቴ 6፡19-ፍጻ ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ.፻፪፡፲፬-፲፭። "ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ"

መዝ 103፡14-15 "ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።"

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div