S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሓድሕድኩም እዙዛት ኩኑ [ 5ይ ሰንበት: ቊ.8/፰ ]

 "ኣምላኽን ነቦን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።"ኤፌ 520,21

ካብቶም ነዚ ዕለት ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ተሰሪዖምልና ዘለዉ ንባብት ሓድሽ ኪዳን ኣብ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ እዚ ኣብ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዚርከብ ኣገዳሲ ሓሳብ ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ዕዉታት ዚገብረና ረዚን መንፈሳዊ ሓቂ ድማዩ። ንዝምድናታትና ዚበታትኾን ዜበላሽዎን ዘሎ ኸኣ፡ ንኣገዳስነት ናይ ሓቂ ኸነስተውዕሎን ክንእዘዞን ስለ ዘይከኣልናን ስለ ዘይመረጽናንዩ። እዚ ኣብ ማእከሉ እንነብር ዘለና፡ ንሕናውን ኣካሉ ዝዀንና ቔናን ወለዶ፡ ብገለ ምኽንያት ተገዲዱ ኺገብሮ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኸማኻ ሰብ ምእዛዝ ከም ዜሕፍር ዕሽነትን ሕመቕን ገይሩ ዚርእይ ውዱቕ ወለዶዩ። ንሕና ክርስትያን ህዝቢ ድማ፡ <<ካብ ቔናን ወለዶ ድሓኑ>> ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተቐቢልና ኸነብቅዕ፡ በዚ ቔናን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ክንመላለስ ንርከብ ኣለና (ግብ 240) እምበኣር በዚ ዕለት መኣዝን ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ኣቕኒዕና፡ ካብ ቔናን ወለዶ ኣምሊጥና፡ ኣብ ወለዶ ሕሩያት ምእንቲ ኽንጽምበር፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ መለኮታውን ሃዋርያውን ጥበብ ኽንመሃሮ ሰሪዓትልና ኣላ።

ምእዛዝ፡ ንምንታይ ኽሳዕ ክንድ ኣገዳሲ ዚኸውን፧ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰነ ቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ናይ ምእዛዝ ኣገዳስነት ብዝተፈላለየ መገድን ጥበብን ገሊጾምልናዮም። ብፍላይ ጐይታና፡ ምእዛዝ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ምዃኑ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።

<<እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ። . . . እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ ዚሕልዎ፡ ንሱ ዜፍቅረኒ።. . . ዜፍቅረኒ እንተ ቃለይ ይሕልውዩ። . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎንዩ። . . .>>ዮሃ 1415,21,23,24

 ካብ ናይ ጐይታ ቓል ከም እንርድኦምበኣር፡ ብመለኮታዊ መለክዒ፡ ካብ ምእዛዝ ወጻኢ ኻልእ ናይ ፍቕሪ መግለጺ የልቦን። እዚ ድማ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎና ፍቕሪውን ዜጠቓልል ሓቂዩ። ዝዀነት ትኹን፡ፍቕሪ ኽትገልጽ ትኽእልእንብላ ተግባር እንተልያ፡ ኣብ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ዘየላን ዘይተረቝሐትን ክትከውን ኣይትኽእልንያ። ብርግጽ፡ እዚ ኣበሃህላ ነቲ ሓጥእ ተግባራት ከም ዘየጠቓልል ርዱእን ግሉጽንዩ። ሓጥእ ተግባር ድማ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ኪኸውን ፈጺሙ ኣይክእልንዩ። እዚ ኣብ ከባቢና ዚዝውተር፡ ገሌናውን ብኸምኡ ዝሓለፍና ጾታዊ ሃነይነይታን ምንዝርናን ዝሙትን <<ናይ ፍቕሪ መግለጺ>> ኢልና ንሓስብ  እንተ ዄንና፡ ኣብ ድቕድቕ መንፈሳዊ ጸልማት ከም ዘለና ኽንፈልጥ ጽቡቕዩ። ንሓደ ኣንጻር ጾታ ንምንዝርናን ዝሙትን ኣፍቂርካዮ ማለት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ንኽትመርሖን ንኸተእትዎን ኣፍቂርካዮ፡ ብኣንጻሩ ኻብ ጽድቅን ቅድስናን ካብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ድሕነትን ከተርሕቖ ኣፍቂርካዮ ማለት ምዃኑ ርዱእዩ። ስለጥዕና ዘለዎ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣፍቂርናኽንብል እንኽእል፡ እቲ ፍቕርና እንገልጸሉ መገዲ ካብ ደምበ ወይ ክልሊ (domain) ናይ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘይወጸ ምስ ዚኸውን ጥሪሕዩ። ጐይታና፡ ካብ ኵሉ ትእዛዛት እታ ዝዓበየት፡ ፍቕሪ ምዃና ገሊጹልናዩ። እዛ ፍቕሪዚኣ ድማ ንፍቕሪ ኣምላኽን ንፍቕሪ ብጻይን እተጠቓልልያ። ብርግጽ ካብ ፍቕሪ ሰብ ንላዕሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዓበየዩ። ፈሪሳውያን ኪዕዘብዎን ኪፈታተንዎን ዓሊሞም ኣብ ዘቕረቡሉ ሕቶ፡ ጐይታና ብኸም ዚስዕብ ኣነጺሩ መሊስዎዩ።

<<ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውያን ከም ዝዓጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ። ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኪዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ ኣብ ሕጊ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡”  እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡በሎ።>>ማቴ 2234-40

ከም ጐይታ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ፍቕሪ በቲ ኣብ ሕጊ ኦሪትን ነብያትን ሃዋርያትን ዘሎ ትእዛዛት ጥራሕ እትግለጽ። ኵላቶም ሃዋርያትውን ነዛ ሓቂዚኣዮም ደጋጊሞም ዝገለጹ።

<<እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡እተባህለ፡ ካልእ (ኵሉ) ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱትዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊያ።>> ሮሜ 138-10

<<ፍቕሪ ዓቃልያ፡ ፍቕሪ ለዋህያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡  ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምንያ፡ ብሓቂ ትሕጐስምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንዩ። ኵሉ ትጸውር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትዕገስ።>>1ቈረ 134-7

<<ማለት፡ ኵሉ ሕጊ፡ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅርብእትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸምዩ።>> ገላ 514

እምበእር፡ ፍቕሪ ብምእዛዝ ትግለጽ፡ ትእዛዝ ከኣ ብፍቕሪ ዚፍጸም። ኣብ ዓለምና ናይ ፍቕሪ መግለጺ ዚበሃል እቲ ብጾታዊ ርክብ ዚፍጸም ዝሙትን ምንዝርናንዩ። ኣብ ናይ ክርስትና ዓለም ግን ንኣምላኽን ንሰብን ዘሎካ ፍቕሪ፡ ብዘይ ምዝማው ዚግለጽ። ስለ እቲኣይትዘምውዚብል ትእዛዝ ፍቕራዊ፡ ትእዛዝዩ። ዘይምስራቕ፡ ዘይምሕሳው፡ ዘይምቕናእ፡ ካልእ ኵሉ ትእዛዛትውን፡ ልክዕ ከም ዘይምዝማው፡ ፍቕራዊ ተግባርዩ። ናይ ምእዛዝ ኣገዳስነትምበኣር መግለጺ ፍቕሪ ምዃኑዩ። ምእዛዝ ከቢድ ኰይኑ ዚስምዓናን ዓቕልና ዜጽብበልናን፡ ነዚ መሰረታዊ ዕላማኡ ስለ ዘይተረዳእናዮዩ። ስለ ኽንእዘዝ ዘይምድላይና ኽልተ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ። እቲ ቐዳማይ፡ ናይ ምእዛዝ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ዘይንፈልጥ ኣብ መንፈሳዊ ድንቍርና ዘለና ምዃንናዩ። እቲ ንብዙሓት ሰባት ዘይብሎም ፍቕሪ ሃልዩካ ኼብቕዕ፡ ብኸመይ ከም እትገልጾ ስኣን ምፍላጥካ፡ ፍቕሪ ኸም ዘይብሉ ሰብ ዄንካ ኻብ ምንባር ዚኸፍእ ካልእ እንታይ ወጽዓ ኣሎ፧ እንጌራ ሒዙ ኸም ዚጠምይ፡ ማይ ሒዙ ኸም ዚጸምእ፡ መድሃኒት ሒዙ ኸም ዚሓምምን ዚመውትን ሰብ ምዃን ማለት!! እቲ ኻልኣይ ናይ ዘይምእዛዝና መልእኽቲ ድማ፡ ብመሰረቱ ፍቕሪ ዘይብልና ምዃንና ዜቃልዕዩ። እዚ ፍቕሪ ዚበሃል ክቡር መንፈሳዊ ንብረት እንተ ዘይብልካ፡ ይትረፍ ክርስትያን፡ ብመሰረቱ ሰብውን ስለ ዘይኰንካ፡ ምእዛዝ ንኣኻ ጓና ሓሳብ ዚኸውን። ምናልባት ሕጊ ናብራ ኣገዲዱካ እንተ ተኣዘዝካውን፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ኸም ፍቕሪ ኸም ዘይቍጸረልካ ርዱእ ሓቂዩ። ስለ ምእዛዝና ትርጕምን ጻማን ምእንቲ ኺህልዎ፡ ፍቕራዊ ተኣዝዞ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ይግብኣና።

ሓድሕዳዊ ምእዛዝከ ከም ንኣምላኽ ምእዛዝ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ኵሉ ሓቂ ሕጂውን ኣብ ፍቕሪ ዚጠቓለል። ጐይታና፡ ነታ <<ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ>> እትብል ትእዛዝ ምስታ <<ንኣምላኽ ኣፍቅሮ>> ኣልጊቡ ኻልኣይቲ ገይሩ ዝሰርዓሉን <<ንእኣ እትመስላ>> ኢሉ ዝሰመየሉን ምኽንያት ይፈልጥዩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ብጻይ እትግለጽ። ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ዝተባረኸት ምሸት፦

<<ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከም ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ንሓድሕድኹም ኽትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም (ንኣይ ከም እተፍቅሩኒ) ዅሉ ኺፈልጥዩ።>>

ብምባል፡ ፍቕሪ ሓድሕድ ትእምርቲ ደቀ-መዝሙርነት ምዃና ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 1334,35) ናይ ፍቕሪ ብጻይ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ ዘርኣየና ግና፡ እቲ ፍቁር ወደ መዝሙር ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስዩ።

<<ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ (ኣምላኽ) ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣናዩ። ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት ዓለምዚኣ ዘለዎ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዓጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅንምበር፡ ብቓልን ብልሳንን (ጥራሕ) ኣይንፋቐር።1ዮሃ 316-18

<<ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦዩ። እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦንዩ። . . .ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም . . . ኣምላኽ ፍቕሪዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።. . . ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎንሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ ኻብኡ እተቐበልናዮ።1ዮሃ 47,8,12,16,20,21

እምበኣር ንሓዉ ዘየፍቀረ ንኣምላኽ ኬፍቅር ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ንሓዉ ዘይተኣዘዘ ድማ ንኣምላኽ ኪእዘዝ ኣይክእልን ማለትዩ። ምኽንያቱ ምእዛዝ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ምዃኑ ኣቐዲምና ወዲእናን ደምዲምናን ኢና። ብዘይ ምእዛዝ ኪግለጽ ዚኽእል ፍቕሪ ስለ ዘየለ፡ እቲ ዜፍቅር ኪእዘዝ ናይ ግድንዩ።

እቲ ኽንእዘዞ ዚግብኣና ሰብ ከመይ ዝበለዩ፧ ንዅሉ ሰብ ዲና ንእዘዝ ወይስ ንፍሉያት ሰባት ጥራሕዩ፧ ዓለምን ባህልናን ዜስተምህሩና ተኣዝዞ፡ ብዕድመ፡ ብስልጣን፡ ብትሕዝቶ፡ ወዘተ ንዚበልጹና ሰባት ምእዛዝ ጥራሕዩ። ጐይታናን ቅዱሳኑን ግና ከምኡ ኣይመሃሩናን። እቲ ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ምእዛዝ ድማ ንዅሉ ሰብዩ። ንሰብ ብማሕበራዊ ጽፍሑ (ወይ ደረጃኡ) ዘይኰነስ፡ በቲ ብምስሊ ኣምላኽ ብምፍጣሩ ዝረኸቦ ኽብሪ ኽንመዝኖን ክንርእዮን ዚግባእ። ብመሰረቱመንና ይበልጽ፧ወይመንና ይዓብይ፧ኢልና ንሓድሕና ኸነወዳድር፡ ክርስቶስ ዘይቅበሎን ዚጻረሮን ተግባርዩ። ደቀ መዛሙርቱ በዚ ዘይመንፈሳዊ ኣርእስቲ ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ምስ ሰምዖም፡ ጐይታና ደጋጊሙ ገኒሕዎም (ሉቃ 946-48 2224-27) ጐይታና ብዛዕባ ሓድሕድና ኺህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ፡

<<ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደሞ፡መምህራንኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።  ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደኣቦይኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስሞ፡ ንስኻትኩምሲመራሕቲኣይትብሃሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዓለ ኺሓስር፡ ርእሱ ዘትሓተ ኸኣ ልዕል ኪብልዩ።>>

ብምባል ገሊጹልና (ማቴ 238-12) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን እቲ ንሓድሕድና ክንእዘዝ ዚሕግዘና ኽቡር መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልናዩ።

<<ሓንቲንርእሰይ ይጥዓመኒብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ (ነቲ ብጻዩ) ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማምበር፡ ንርእሱ ዚሕሾ ኣይጠምት።>>ፊሊ 23,4

<<ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣምበር፡ ሓደ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለይ። . . . ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓትምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ አሐጒስ ኣለኹ።>>1ቈረ 1024,33

ስለ ኣሰር ክርስቶስን ሃዋርያቱን እንስዕብ ሓቀኛታት ኣመንቲ እንተ ዄንና፡ ነቲ ዚንእሰና ሰብውን ካባና ኸም ዚበልጽ ጌርና ብምርኣይ፡ ንእኡ ዜሕሾን ዚጠቕሞን ብምድላይ፡ ንኽንእዘዞ ጽቡቕ ፍቓድን ቅዱስ ጸዓትን ከነርእይ ይግብኣናዩ።

ንዅሉ ትእዛዛት ሰብ ዲና ኽንእዘዝ፡ ወይስ ክንኣብዮ ዚግብአና ትእዛዛት ሰብ ኣሎዩ፧ ሓጥእ ንዘይኰነ ዅሉ ትእዛዛት ሰብ ክንእዘዝ ግቡእናዩ። ምስ እግዚኣብሔር ዝሃበና ትእዛዛት ዚቃረን ዝዀነ ይኹን ትእዛዝ፡ መንነት ናይ ኣዛዚኡ ብዘየገድስ፡ ክንቅበሎን ክንእዘዞን ኣይግባእንዩ። እንተ ተኣዘዝናዮ ኸኣ፡ ካብ ንኣምላኽ ንሰብ ኣዕቢና ስለ ዝረኣና ስለ ዘኽበርናን ናብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ወዲቕናለና ማለት (ገላ 48,9 ቈሎ 28,18-22 1ቈረ 323 ማቴ 157-9) ነቲ ንሱ ዘዳለዎ ጣኦትምበር ንኣምላኽና ኸይንሰግድ ዚእዝዝ ናይ ነቡካድነጻር፡ ናይ ሓያልን ጨካንን ንጉስ፡ ትእዛዝ እንተ ወጸኳ፡ ብዝዀነ ተኣምር ክንእዘዞ ኣይግባእንዩ። ነብዪ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕርኽቱን፡እምቢኢሎም ስለ ዘቕበጹ ናብ እቶን ሓውን ናብ ጕድጓድ ኣናብስን ኪድርበዩዮም መሪጾም (ዳን 31-30 61-24) ካብ ቕዱስ ኣርኣያ ድማ ንኣምላኽ ከይትእዘዝ ዚገብር ዝዀነ ይኹን ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘየለ ኢና እንመሃር። ካብ ሞት-ስጋ ንላዕሊ፡ ዘይምእዛዝ ይኸፍእ። ምኽንያቱ ሞት ስጋ ጊዝያውን ቀሊልንዩ። ብዘይ ምእዛዝ ዚመጽእ ሞት-ነፍሲ ግን ከቢድን ዘለኣለማውንዩ። ዋላ ኽሳዕ ክሕደት ዜብጽሕ ኣይኹን፡ ክንዝምው፡ ክንሰርቕ፡ ኽንሕስው ዜገድድ ትእዛዛትን ጸቕጥታትንውን የጋጥሙናዮም። ናይ ሓጢኣትን ሞትን ካልእ መለሳ ስለ ዘየለ፡ ሓጢኣት ንዘበለ ዅሉ ፈጺምና ኽንእዘዝ ከም ዘይግብኣና ዘይንቕነቕ ጽኑዕ መትከልና ኪኸውን ይግባእ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ከም መጐልበቢ ኽፍኣትና ተጠቒምና፡ ንሰብ ንዘይምእዛዝ ምኽንያት ከይንገብሮ ኽንጥቀቕ ግና ግቡእና (1ጴጥ 212-21 1ቈረ 88-13 1023-33 ሮሜ 1413-22)

ትእዛዛት ሰብ ብኸመይ ዚቐርበልና፧ ሓደ ሰብ ዚህበና ትእዛዝ፡ <<ትእዛዝ>> ተባሂሉ ንኺስመይ፡ ናይ ግድን <<እዚ ግበር፡ ነዚ ኸኣ ኣይትግበር>> ብዚብሉ ቓላት ኪንደቕ ኣየድልዮንዩ። ብመልክዕ ምዕዶ፡ ትምህርቲ፡ ተግሳጽ፡ ልመና ወዘተውን ኪቐርበልና ይኽእልዩ። ግደ ሓቂ መብዛሕትኡ ትእዛዛት ብኸም መልክዕ ዚቐርብ። ብኸምኡ ኪቐርብ ኸኣ ዚግብኦ። ከም ናይ ጐይታን ባርያን ናይ ኣዛዝን ተኣዘዛን መልክዕ ሒዙ እንተ ቐሪቡ፡ ነቲ ናይ ፍቕሪ መኣዛ ስለ ዜጥፍኦ፡ ንዘይምእዛዝ ዜተባብዕ። ስለ ዋላ ኽንእዝዝ ከለናውን፡ ነቲ <<ንብጻይካ ኻብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ምርኣይ>> ዚብል ሃዋርያዊ መምርሒ ዅሉ ጊዜ ኽንጥቀመሉን ኽንምርሓሉን ይግብኣና። እቲ ዚበዝሕ ጊዜ ዘይነቕልበሉ ዓይነት ትእዛዝ ግና እቲ ልመናዊ ትእዛዝዩ። እዚ ትእዛዝ ልኡምን ምቕሉልን ኣቀራርባ ሒዙ ስለ ዚመጽእ፡ ከም ትእዛዝ ጌርና ኣይነስተውዕሎን ኢና። እቲ ልመና ግና <<ካብ እግዚኣብሔር ኣዕዚዙ ዝሃበካ ትሕዝቶ፡ እቲ ብጽሒተይ ሃበኒ>> ዚብል ትእዛዝ የቕርብ ከም ዘሎ ኺስተውዓል ይግባእ። እንተ ወሓደ ነቲሃቦዚብል ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ኬዘኻኽረና ዚግባእ ከኣዩ። እግዚኣብሔርውን ሉኣላዊ ኣምላኽ ክነሱ ንመብዛሕትኡ ትእዛዛቱ ምሕጽንታዊ መልክዕ ዜትሕዞ (ህዝ 1831,32 ኤር 1315 ኢሳ 551-3 ማቴ 1128-30 ዮሃ 737 ) ሃዋርያትውን ከምኡእልምነኩም ኣለኹ፡ ንምዕደኩም ኣለና ወዘተብዚብሉ ቓላት ነቲ ትእዛዝ ብመልክዕ ምሕጽንታ የቕርብዎዮም (2ቈረ 26,7 520,21) ብፍላይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንፊልሞና ዘቕረበሉ፦

<<ስለ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ . . . ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ ኣለኹ። . . . እምበኣርሲ ኸም ሓው ትርእየኒ እንተ ዄንካስ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ። እወ ኣታ ሓወይ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ።>>

ዚብል ምሕጽንታዊ (ልመናዊ) ኣቀራርባ ኣዝዩ መሳጥን ክትሕሰሞ ዜጸግምን፡ ንልብኻ ንተኣዝዞ ዜለስልስን (ፊልሞን 8-10,17,20) ስለ ኽንእዝዝ ከለና ነቲ ምልካዊ ዓይነት ገዲፍና ነዚ ምሕጽንታዊ ጥበብ ክንጥቀም፡ እቶም ተኣዘዝቲ ድማ ነቲ ምሕጽንታዊ ትእዛዝ ብሰሪ ልኡምን ምቕሉልን ኣቀራርባኡ ኸይንንዕቆ ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

ንምእዛዝና ዜዕዝዞን ኣብ ኣምላኽ ንዘለዎ ተቐባልነት ዜዕብዮን እንታይዩ፧ ኣብ ባዕሉ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተመልኪቱ ኸም ዘሎ፡ ምእዛዝና ብፍርሃት ኣምላኽ (ብፍርሃት ክርስቶስ) ዝተደረኸ ምስ ዚኸውን ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ትርጕምን ክብርን ተቐባልነትን ጻማን ዚረክብ። ሰብ ንኸምኡ ሰብ ዚእዘዘሉ ኻልእ ብዙሕ ድርኺታት ኺህልው ይኽእልዩ። ፍርሕን ረብሓን ናይ መብዛሕትኡ ሓድሕዳዊ ምእዛዝ ድርኺትዩ። እቲ ሓቀኛ ብኣምላኽ ኣኽብሮትን ዓስብን ዚርከቦ ምእዛዝ ግና፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተደረኸ እምነታዊ ምእዛዝ ጥራሕዩ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጴጥሮስ፡

ስለ እግዚኣብሔር ኢልኩም፡ ንስርዓት (ንትእዛዛት) ሰብ ዘበለ ተገዝኡ

ዝበለና (1ጴጥ 213) እቲ ምእዛዝና ምስ ኣምላኽ ዚዛመድ ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ እንተ ዀነ፡ ነቲ ንሰብ እንገብሮ ምእዛዝ፡ ምእንቲ (ስለ) ኣምላኽ ኢልና ኽንገብሮ ጥራሕ ዚግባእ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፦ 

ብቓል ኰነ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም (ስለ) ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ።

እምበኣር እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰተኹም፡ ወይሲ ዝዀነ ይዅን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ (ኢልኩም) ግበርዎ።

ኢሉና (ቈሎ 317 1ቈረ 1031) ስለ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽካ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዘይትገብሮ ናይ ሰብ ተኣዝዞ፡ ከም ዝባኸነ ተግባር ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ዜፍርድ ዕልወታዊ ተግባር ዚረኣይ ማለትዩ። ንኣምላኽ ዘግለለን ዝጐሰየን ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ተግባር፡ እቲ ዝኸፍአ ተግባርዩ። ናይ ኵሉ ህላዌናን ዝምድናታትናን መሰረት በይኑ እግዚኣብሔር ክነሱ፡ ንእኡ ኣግሊልና ናይ በይንና እንተ ገበርናዮ፡ ርኡይ ጥልመት ዚኸውን።

እቲ ንሰብ ዘለና ተኣዝዞ ኺፍለዮ ዘይግባእ ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ፡ ንኣምላኽ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ኵሉ ሳዕ ምምስጋንዩ። ምኽንያቱ ምእዛዝ ንኣምላኽ ምስጋና ኼዕዝዝ ዝተሰርዐ ቕዱስ ተግባር (ማቴ 516 1ጴጥ 212 2ቈረ 911-13) እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ (ብመገዲ ሰብ) እንፍጽሞ ዅሉ ሰናይ ግብሪ፡ ኣብ ልቢ ሰባትን መላእኽትን ንኣምላኽ ዚኸውን ምስጋና ዜዕዝዝ። ካብ ምእዛዝ ዚበልጽ ሰናይ ግብሪ ድማ ከቶ የልቦን።

እምበኣር ነቲ ምስ ኵሉ ቐረባና ዀነ ዚርሕቀና ሰብ ዘሎና ስብኣዊ ዝምድናታት ንፈትሽሞ፡ ብምትእዝዛዝ ዝተሰለመ ምዃኑን  ዘይምዃኑ ንመርምር። ነቲ ሓድሕዳዊ ምእዛዝ ድማ ነቲ መለኮታዊ ረቛሒታት ዘማልአምበር ብናይ ሓጥእ ሰብ ባህላዊ ረቛሒታት ዘይተበከለ ምዃኑውን ከነረጋግጽ የድልየና። በቲ ፈቲና ንሰብ እነርእዮ ምእዛዝ፡ ንኣምላኽ ክብርን ምስጋናን የዕዝዘሉ ምህላዉውን ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መስከረም ፴, ፳፻፲፬  ግዕዝ (10 ጥቅምት 2021 ፈረ).  5ይ ሰንበትቊ.8/፰ ]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ኤፌ 5፡21-ፍጻመ 1ጴጥ 3፡1-9 ግብ 21፡31-ፍጻመ ዮሃ 3፡25-ፍጻመ ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ.፻፳፯፡፪-፫። ፍረ ፃማከ ተሴሰይ።ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ። ብእሲትከ ከም ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ።

መዝ 128፡2-3: ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ’ዮም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div