S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቃል መስቀል፡ ሓይሊ ኣመንቲ [4ይ ሰንበት: ቊ.4/፬ ]

ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስየ፡ዚብል ጽሑፍሞ፡ ቃል መስቀል፡ ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነትዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽዩ።" 1ቈረ 118,19

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳዕ መስከረም 23 (26/09-03/10 ) ዘሎ ሳምንቲ <<መስቀል>> ተባሂሉ ዚጽዋዕ። ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይ በዓል ኻብ ምሕሳብ ሕልፍ ኢልና ብዛዕባ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ድሕነትን፡ ብዛዕባ ኻብ መስቀል ዝወሓዘ ሓይሊ ኣምላኽን ክንሓስብ፡ ከነስተንትንን፡ ብመንጽሩ ድማ ህይወትናን ኣካይዳናን ከነማእዝነሉ ዝተሰርዓልና ኽቡር ቅንያትዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ብዕምቈት ከነስተንትንን ብዕምቈት ክንርዳእን ስለ ዚግብኣና ድማ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንዅሎም ንባባት ናይ ዕለት ምስ መስቀል ዝተዛመዱ ገይራ ሰሪዓቶም ትርከብ። እምበኣር ንሕናውን ከም ክርስትያንን ከም ደቂ ቤተ ክርስትያን መጠን ብዛዕባ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ኣስተንትኖ ኣርእስቲ ብዕምቈት ከነስተንትን መንፈሳዊ ሓላፍነትናዩ። <<ቃል መስቀል>> ማለት ከኣ እቲ ንመስቀልን ኣብኡ ንዝተፈጸመ ዅሉን ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ቓላት ማለትዩ። እዚ ቓል መስቀል ነቶም ብምእማን እንድሕን ኵላትና፡ ናይ ኣምላኽ ሓይሊዩ። ስለ ኸም ተራ ቓል ክንርእዮ ኣይግባእንዩ። ነቲ ኸም ናይ ዕሽነት ታሪኽ ቈጺሩ ዘይኣምኖ ሰብ፡ ጥፍኣት ዜውርደሉ ሓይሉዩ። ነቲ ኸም ሓቂ ተቐቢሉ ዚኣምኖ ሰብ ከኣ፡ ድሕነት ዚወልደሉ ሓይሊዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን፡ ዓሚቚ ምስጢር ዘለዎ ቓል-መስቀል ምስ መሃረ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣይሁድን ካብቶም ደቀ መዛሙርቱን ብዘረባኡ ተዓንቀፉ። ጐይታና ድማ፡ እቲ ምዕንቃፎም ዘይምኽኑይን ኣዕናውን ምዃኑ ኬመልክቶም፦

<<እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧ ወዲ ሰብ ናብ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእይዎ ደኣ (እንታይ ምበልኩም፧) መንፈስ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ ኣይጠቕምንዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስየን ህይወትውንየን።>>

ኢሉ ተዛረቦም (ዮሃ 661-63) ስለ ቓል-መስቀል፡ ወሃብ ህይወት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንባዕሉ ህይወትዩ። ምድሓን ማለት ከኣ፡ ካብ ሞት ተናጊፍካ ህይወት ምርካብ ማለትዩ። ስለ ኢና ንቓል-መስቀል፡ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እንብሎ።

<<ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ኹሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን (ዜድሕን ሓይሊ ኣምላኽ) እዩሞ፡ ብወንጌል ኣይሓፍርንየ።>> ሮሜ 116

ስለ ቃል-መስቀል ኪንበብ ወይ ኪስበኽ ከሎ፡ እቲ ዜድሕን ሓይሊ ናይ ኣምላኽ ይውሕዝ ኣሎ ማለትዩ። እዚ ሓይሊ ግና ንዅሉ ሰብ ኣይብጽሖን፡ ኣይበጽሖን ከኣዩ። ነዚ ሓይሊ ዚቕበሎን ዚረብሓሉን፡ እቲ ብምልኣት ዝኣመኖ ጥራሕዩ። ሓደ ሰብ ነዚ ዜድሕን ሓይሊዚ፡ ናቱ ሓይሊ ኺገብሮን፡ ብእኡ ንሓይሊ ሓጢኣትን ሞትን ኪስዕሮን ዚኽእል፡ ነዚ ቓል-መስቀል ብእምነት ተቐቢሉ ኣብ ህይወቱ ኬግዝእን ኪግዝኦን ምስ ዚኽእልዩ። ንክርስትያን ካብ ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ጥበብ የብሉን። ቃል መስቀል ኣወጊድካ ዚርከብ ህይወትን ዚብጻሕ ድሕነትን የልቦን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንእብራውያን ሰዓብቱ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፦

<<እምበኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ከይህልው፡ ንፍራህ፡ ንኣናውን ከም ንኣታቶም ብስራት (ቃል-መስቀል) ተነጊሩልና ኣሎሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ፡ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን።>>

ብምባል፡ ነቲ ኣብ ቃል መስቀል ዘሎ ዜድሕን ሓይሊ ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ጥቕምና ኸም እነውዕሎ ኣመልኪቱና ኣሎ (እብ 41,2) ቃል መስቀል ብእምነት ከይሓዝካ ዚርከብ ድሕነት የልቦን። እቶም ቃል መስቀል ዝዓጠቚን ዚምርሑሉን ኵላቶም ግን፡ ኵሉ ጊዜ ድሑናትዮም፡ ጥፍኣትውን ናብ ጥቓኦም ኣይቀርብንዩ። ነብዪ እግዚኣብሔር ኤርምያስ፡ ብዛዕባቶም ንቓል እግዚኣብሔር ካብ ህይወቶም ዝደርበዩ ሰባት ብምግራም ከም ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈ።

<<እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረዩ፡ ኪሰምዑ ኸኣ ኣይክእሉንዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሔር ነውሪ ዀይንዎምሞ፡ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኺሰምዑ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክርዩ። . . . ናብ ቃላተይ ኣየድህቡን፡ ንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎዮምሞ፡ ኣብ ህዝቢ መዓት ከምጽእየ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ሓሳቦምዩ።>>

<<እዞም ጠበበኛታትዚኣቶም ኪሓፍሩን ኪስምብዱን ኪተሓዙንዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሔር ወጊዶምሲ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎምዩ፧>> ኤር 610,19 89

እዞም ነብዪ ኤርምያስ፡ <<ቃል እግዚኣብሔር ከም ዘወገዱ ገይሩ ዚገልጾም ዘሎ ሰባት፡ ንቓል ኣምላኽ ኣዝዮም ዚጽየፉ ሰባትዮም ነይሮም ማለት ኣይኰነን። አረ ብኣንጻሩ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ዚምክሑ ሰባትዮም ነይሮም። እቲ ነብዪ ባዕሉውን፡

<<ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳናእትብሉ ዘለኹም፧>>

ኢሉ ኣሎ (ኤር 88) ስለ እቲ ሕጊ ኣብ ኢዶም እናሃለወዮም ደርብዮምዎን ወጊዶምዎን ማለትዩ። እዚ ኣበሃህላ ሕቶ ዜለዓዕልዩ።

ብኸመይ ኢና ንቓል እግዚኣብሔር ኣብ ኢድና እናሃለወን እናፈለጥናዮን ከነወግዶ እንኽእል፧ ብርግጽ፡ እቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ ዘይምእዛዝዩ። ነቲ እተንብቦን እትሰምዖን እትሰብኮን ቃል ብዛዕባ ምፍጻሙ ዘይትግደስን ዘይትምርሓሉን እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኢድካ እናሃለወ ደርቢኻዮ ኣለኻ ማለትዩ። እዞም ነብዪ ኤርምያስ ዚዛረበሎም ዘሎ ህዝቢ፡ ዝወደቚን ዝተጋገዩን ህዝቢዮም ዝነበሩ። እቲ ውድቀቶም ድማ ኣብ ዕለታዊ ተግባሮምን ማሕበራዊ ናብራኦምን ግሁድ ምንባሩ እግዚኣብሔር በቲ ነብዪ ገይሩ ገሊጽዎሎ።

<<ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶዩ፧ መገዲ እተጋገየኸ ኣይምለስንዶዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም፧ ኣብ ተንኰል ይጸንዑ፡ ምምላስውን ይኣብዩ። ጽን ኢለ ሰማዕኩ፡ ቅንዕና ኣይዛረቡን፡ ካብ ክፍኣቱ ዚጠዓስ፡እንታይ (ግብሩ)’ ዝገበርክዎ፧ዚብል ከኣ የልቦን። ከም ናብ ኵናት ዚፋንን ፈረስ፡ ነፍሲ ወከፍ (ናብ ጥፍኣት) ይጐይዪ ኣሎ። . . . ህዝበይ ፍትሒ እግዚኣብሔር ኣይፈልጥንዩ።>> ኤር 84-7

ከም እናገበሩዮም፡ <<ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና>> ዚብሉ ዝነበሩ። ደርብዮምዎ ኸም ዘለዉ ግና ብግብሮም ኣረጋገጹ። ነብዪ ህዝቅኤልውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ገሊጹ ኣሎ።

<<ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ደቂ ህዝብኻ . . . ብዛዕባኻ ይዘራረቡ ኣለዉ። ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑይበሃሃሉ ኣለዉ። ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካውን ይሰምዑለው፡ ግናኸ ኣይገብርዎንዮም። ብኣፎም (ነቲ ቓል) ፍቕሪ የርእዩለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ከም ቅኔ ፍቕሪ (ዚቕነይ) ከም ጥዑም ድምጺ ዘለዎ (ደራፋይ) ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል (ሙዚቀኛ) ዀንካዮም። ቃልካውን ይስምዑለዉ፡ ግናኸ (ፈጺሞም) ኣይገብርዎንዮም።>> ህዝ 3330-33

እምበኣር ንሕናውን፡ ከም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ከም ክርስትያን ህዝቢ ዄንና ናብ ቤተ ክርስትያን መጺእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንቕመጥ ኣለና። ነቲ ኻብ ልሳን ኣገልገልትና ዚወጽእ ጥዑም ቃል መስቀልውን ብዝተሰብኮ መጠን ንሰምዖ ኣለና። መብዛሕትናውን ንኻልኦት ንምህረሉን፡ ምስ ዚመስሉና ሰባትውን ንዘራረበሉ ንኸውን። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ቓል-መስቀል ኣብ ህይወትና ይሰርሕ ምሕላውን ዘይምህላውንዩ። እቲ ኣብ እዝንናን ልብናን በጺሑ ኼብቅዕ ኣብ ናብራና ኸይተጋህደ ዝተረፈ ቓል፡ ሓይሊ ድማ ምድሓን ጥራሕ ዘይኰነ ሓይሊ-ፍርዲውን ኣለዎ። እቲ ሊቀ መዘምራንውን ዝነበረ ነብዪ ኣሳፍ፡ ነቶም ንቓል ኣምላኽ ብኣፎም ዜፍቅርዎ ብግብሮም ግና ዚድርብይዎ <<ረሲኣን>> ኢሉ ዝሰመዮም ሰባት ዝበሎ ቓል ኣብ ልዕሌና ኸይበሃል ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

<<ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፡ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓተይ እትነግር፧ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፧ ሰራቒ ምስ ረኣኻ ምስኡ ሓበርካ፡ ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ። ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፡ መልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ። ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሓምዮ፡ ንወዲ እኖኻውን ተነውሮ ኣለኻ። እዚ እናገበርካስ ኣነ ስቕ በልኩልካ፡ እህ፡ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ። ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ (ክፈርደካ) ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸቚሞየ።>> መዝ 5016-21

ቃል መስቀል እምበኣር፡ ካብ ከም ዝተጠቕሰ ዓይነት ህይወት እንተ ዘይኣድሒኑካ፡ ኣብ ኢድካ ዀነ ኣብ ልብኻ ምህላዉን ኣጸቢቕካ ስለ ዝፈለጥካዮን ጥራሕ ይጐዳኣካምበር ዜርብሓካ ነገር የብሉን። ኣብ ዓይኒ ማይ እናሃለወ ብጽምኣት ከም ዚመውት፡ መድሃኒቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኽነሱ ኸም ዚመውት ሕሙም ኢኻ እትኸውን። ሓይሊ ድሑናት ኣብ ኢድካ ሒዝካ፡ ብሓይሊ ሓጢኣት ተሰኒፍካ ኻብ ሙማት ዚኸፍእ ወጽዓን ዕሽነትን ኪህልው ድማ ኣይክእልንዩ።

ናይ ቃል መስቀል ሓይሊ-ምድሓን ብኸመይ ዚግለጽ፧ ናይ ዝዀነ ነገር ሓይሊ በቲ ዜስልጦ ስራሕ ዚምዘን፡ ቃል መስቀል ዜድሕን ሓይሊ ናይ ኣምላኽ ኻብ ኰነ፡ እንተ ተዓጢቕናዮን እንተ ተጠቒምናሉን ኣብ ህይወትና ዜግህዶ ግብሪ ድሕነትን ሓይሊ ድሕነትን ኣሎ ማለትዩ። እዚ ውጽኣት ድማ ኣብቶም ንቓል- መስቀል ኣሚኖም ዝተቐበልዎን፡ ብእምነት ምስ ህይወቶም ዘዋሃድዎን፡ ብግብሪ ዚፍጽምዎን ዚምርሑሉን ሰባት ጥራሕ ዚገሃድ።

እቲ ቐዳማይ ውጽኢት ቃል መስቀል፡ ንጽድቂ እነፍቅረሉ ንሓጢኣት ከኣ እንጽየፈሉ ዓቕምን ሓይልን ዜዕጥቐና ምዃኑዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ልብና ፍርሃት ኣምላኽ የሕድረልና። ክትገብሮ ዘይክትገብሮ፡ ኣብ ልብኻ ቕድም ባህጊ ኺህልወካ ኣለዎ። ባህጊ ጽድቂ ዘይብሉ ሰብ፡ ጽድቂ ናይ ምግባር ተበግሶ ኺወስድ ኣይክእልንዩ። ንሓጢኣት ከይትፍጽሞ እንተ ደሊኻ ድማ፡ ንኽትጽየፎ ዜኽእለካ ጽልኣት ኣብ ውሽጥኻ ኪህልው ናይ ግድንዩ። ነዚ ፍቕሪ ጽድቅን ጽልኣት ሓጢኣትን ኣብ ልብና ዚዘርኣልናን ዜብቊለልናን ድማ ቃል-መስቀልዩ። ምኽንያቱ ጽድቂ ኸም ዚቐርበልና፡ ሓጢኣት ድማ ከም ዚርሕቀልና ዝተገብረ ኣብ መስቀል (ቈሎ 214 እብ 928 1ጴጥ 224) ንጉስ ሰለሞን፦

<<ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእየ።>>

ብምባል ነቲ ሓቂ ኣረጋጊጹልና (ምሳ 813) እቲ ንሓጢኣት ዚጸልእን ዚጽየፍን፡ እቲ ጽድቂ ዜፍቅርን ዚናፍቕን ጥራሕዩ። ኣይ ኣብ ኣይ ኣብዚ፡ ሓዲግን ባዶን ክንከውን ኣይከኣልንዩ። ሳይንሳውያን፡ <<ፍጥረት ባዶነት ይጸልእ>> (Nature hates vaccum) ከም ዚብሉ፡ ሓጢኣት እንተ ተወጊዱ ብጽድቂ ኺትኻእ ናይ ግድንዩ። ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ህላወ ኣብቂዑ ማለትዩ። ስለ ፍርሃት ኣምላኽ እንተዩና፡ ጽድቂ እነፍቅር ሓጢኣት እንጸልእ ኴንናለና ማለትዩ። እቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕሪ፡ ንጽድቂ ኽንጠምዮን ክንጸምኦን ዚገብረና። እዚ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ዓወትዩ። ነዚ ዓወት ዜጐናጽፈና ድማ፡ እቲ ሓይሊ ምድሓን ዜጸግወና ቃል መስቀልዩ። ጐይታና፦

<<ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡዮምሞ፡ ብጹኣንዮም።>>

ዚብል ቃል ተስፋ ሂቡና (ማቴ 56) ኵሉ ግዜ ጽውዓ ኪቐርብ ከሎ ነቶም ዝሰኣኑ ዚብህግዎ ዚቐርበሎም። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንህዝቢ ኺጽውዕ ከሎ፡ <<ዝጸምአ እንተ ናባይ ይምጻእ ይስተይ>> እዩ ዝበለ (ዮሃ 737) ነቶም ዕረፍቲ ዚምነዩ ጽዑራት ከኣ፡ <<ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኵልኹም፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ>> ኢሉ ዓደመ፡ (ማቴ 1128) ነቶም ምስ ሓጥኣን ስለ ዝበልዐ ዝፈረድዎን ዝነዓቕዎን ድማ፡ ዕላማ ናይ ቐዳማይ ምጽኣቱ እንታይ ምዃኑ፡

<<ንሓኪምሲ ሕሙማትምበር ጥዑያት ኣይደልይዎንዮም። ኣነ ንሓጥኣንምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን።>>

ብምባል ገለጸሎም (ማቴ 912,12) ስለ ንጽድቂ እንጠምዮን እንጸምኦን ምዃንና፡ ብእኡ እንጸግበሉ ዕድል ዜርሕወልና። እቲ ሕጊ መለኮትውን፦

<<ዝለመነ ዅሉ ይቕበል፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉዩ።>>

ብምባል ኣረጋጊጹልና (ማቴ 77,8) ስለ እቲ ዝሰማዕናዮን ዝኣመንናዮን ቃል መስቀል፡ ኣብ ውሽጥና ጽምኣት ጽድቅን ጽልኣት ሓጢኣትን ብምሕዳር፡ ብሓይሊ ምድሓን ክንዕወት ይረድኣና ማለትዩ።

እቲ ኻልኣይ ውጽኢት ቃል መስቀል ድማ፡ ምእዛዝዩ። ዝጸማእካዮ ማይ ምስ ረኸብካዮ እንተ ዘይሰተኻዮ፡ ጽምኣትካ እንታይ ትርጒምን ረብሓን ኣለዎ፧ ጽድቂ ዚጠምይን ዚጸምእን ሰብ ድማ፡ ጽድቂ ዚጠልብ ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ግብሪ ጽድቂ ብምፍጻም ጽምኣቱ ኼርውይ ይግብኦ። ኣብ ከም ዝበለ መድረኽ ብጽድቂ ኽንዕወት ዚገብረና ድማ እቲ ዝሰነቕናዮ ቓል-መስቀልዩ። ቃል-መስቀል ዘይብሉ ሰብ ግን፡ ዚእዘዞ ነገርውን የብሉን። ጐይታና ብዛዕባ ምእዛዝ ኪዛረብ ከሎ፦

<<እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ ዚሕልዎ፡ ንሱ ዜፍቅረኒ። . . .>>

ብምባል፡ ትእዛዛቱ እንተ ዘይብልካ፡ እትእዘዞ ነገርውን ከም ዘይህልወካ ኣረጋጊጹልና (ዮሃ 1421) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፦

<<እቲ ቓል (ቃል መስቀል) ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ (ቀረባኻ)’ዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንስብኮ ቓል-እምነትዩ።>>

ብምባል ቃል መስቀል ኣብ ኣፍናን ኣብ ልብናን ምህላዉ ኣረጋጊጹልና (ሮሜ 108) እዚ ቓል ኣብ ኣፍናን ልብናን ቀረባና ኪኸውን ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ኣብ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ናይ ነብዪ ሙሴ ቓል ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ።

<<እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቀረባኻዩ።>> ዘዳ 3014

ስለ እግዚኣብሔር ቃሉ ዚህበና ንምእዛዝና ምእንቲ ኼዕዝዞ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። ምኽንያቱ ምእዛዝና ናይ ብምእዛዝ ክርስቶስ ዝተረኽበ ጽድቂ ተኻፈልቲ ዚገብረና። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

<<እምበኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ (ኢየሱስ) እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑዮምሞ፡ ከም ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ።>> ሮሜ 518,19

ስለ ነቲ ዝተገልጸልና ቓል መስቀል ክንእዘዝ ከለና፡ ናብ ብምእዛዝ ክርስቶስ ዝተረኽበ ነባሪ ጽድቂ መእቶ (access) ንረክብን ተማቐልቲ ጽድቂ ንኸውን ማለትዩ። ንጽድቂ እንተ ዘይተኣዘዝና ግና ንዓመጻ ንሓጢኣት ኢና ኽንእዘዝ (ሮሜ 26-10) እምበኣር ኵሉ ጊዜ፡ ነቲ ናይ ምእዛዝ ኣርኣያ ናይ ጐይታናን ኵላቶም ቅዱሳኑንምበር፡ ነቲ ናይ ሰይጣንን ናይ ቀዳሞት ወለድና ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ዘይምስዓብና እንታይ ተመዲቡሎም ከም ዘሎ፦

<<ከም ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይ ስሰዐ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር (ዘረባ) ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ርኹስ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም። ብሰሪ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቊጥዓ ኣምላኽ ይወርድዩ።>>

<<ስለ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ እቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቕተሉ። ብሰሪ ነገራት ቚጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዝዎ (ደቂ ዘይምእዛዝ) ይወርድ ኣሎ።>>

ብዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 53-6 ቈሎ 35,6 .) ስለ ዋላ ሓደ ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቀና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና (እብ 411) ነዚ ዅሉ ኽንገብር ዜኽእለና፡ እቲ ሓይሊ ድሑናት ዝዀነ ቓል መስቀልዩ። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ኣጽዋርና፡ ናይ መንፈስ ሰይፍና (ኤፌ 617) ነቲ ኻብ ምእዛዝን ጽድቅን ኪዕንቅፈና ዚጋደል ኵሉ ኵነታት፡ ሰብ ኰነ መንፈስ ብቓል ኣምላኽ ኢና እንዋግኦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነጊሩና ኸም ዘሎ ድማ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ ህያውን መስለጥን ኣጽዋርና (እብ 412) እቶም ንሰይጣንን ግድላቱን ስዒሮም ንኽብሪ ዝበቕዑ ዅሎም ቅዱሳን፡ ሳላ ደም ገንሸልን ሳላ ዝዓጠቕዎ ቓል-ምስክሮምንዮም ዝስዓርዎ (ራእ 1211)

እምበኣር ንሕናውን ነዚ ሓይሊ ድሑናት ዝዀነ ቃል መስቀል ኣጥሪናዮን ተዓጢቕናዮን፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ንምርሓሉን ንእዘዞን ምህላውና ነረጋግጽ። ብዘይ ቃል መስቀል ናብ ምሉእ ድሕነትን፡ ናብ ምእንታና ዝተሰቕለ ጐይታ ዝኣተዎ ኽብርን መንግስትን ኪኣትው ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣስተውዒልና፡ እቲ ቓል ኣብ ልብናን ኣብ ኣፍናን ከም ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ማሕበራዊ ህይወትና ድማ ንነብረሉ ኸም ዘለና ምሉእ ርጉጽነት ይሃልወና። ከምቶም ቃል መስቀል እናሃለዎም ዝደርበይዎ፡ እናፍቀሩ ዚጸልእዎ ዝዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ግርምቢጥ ሰባት ካብ ምዃን ርእስና ነድሕን።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መስከረም ፳፫, ፳፻፲፬  ግዕዝ (3 ጥቅምት 2021 ፈረ).  4ይ ሰንበት: ቊ.4/፬ ]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቆሮ.1፣17-ፍ.ም 1ጴጥ.4፣1-11 ግብ.2፣22-32 ማር.8፣27-ፍ.ም ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)

መዝ.፶፱፣4። ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ። ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት። ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።

መዝ. 60፣4። ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div