S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም [3ይ ሰንበት: ቊ.3/፫]

ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ ኺስርት ዚኽእል የልቦንሞ፡ ኣነ ኸም እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።>> 1ቈረ 39-11

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ መስከረም 16 ጥራሕ (መስከረም 26 ) <<ሕንጸተ ቤተ መቅደስ>> ተባሂላ እትጽዋዕ። ኵሉ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ምስ ህንጸት ቤት መቕደስ ዚተሓሓዝ ንባባትዩ። እቲ ንባብ ናይ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ኣብ <<በዓል ምሕዳስ ቤት መቕደስ>> ኢሎም ኣይሁድ ኣብ ዜብዕልዎ በዓል ዝተፈጸመዩ። እቲ ቤት መቕደስ፡ ቤቱን ቤት ኣቦኡን ስለ ዝዀነ፡ ጐይታና ኣብ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ተረኺቡ ነበረ። ኣብ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ተገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ቅዱስ እስቲፋኖስ፡ ቀዳማይ ሰማእት፡ ብዛዕባ ብኢድ ንጉስ ሰለሞን ዝተሃንጸት መቕደስ ተዛሪቡ ኣሎ። እቲ ናይ ራእይ ዮሃንስ ንባብውን ብዛዕባ ኣብ ሰማያት ብኣዝዩ ኽቡር ማዕድናት ተሃኒጻ ትጽበየና ዘላ ሰማያዊት መቕደስ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ሊቃውንትና ኼዚምዎ ዝሓደሩ መዝሙር <<ሐነጽዋ>> (ሃነጽዋ)’ ዚብል። እቲ ብሓባር ዜዘምናዮ ምስባኽውን፡ እግዚኣብሔር ንቤት መቕደሱ ኸም ዝሃነጻ ዜመልክትዩ።

ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን፡ ብዛዕባ ሕንጸት ቤት መቕደስ ኪዝረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ብዕጨ-እምኒ ዝቘመ ህንጻ ይዛረብ ከም ዘየሎ ግና ብሩህዩ። ህንጻ ሓድሽ ኪዳን ሰብዩ። እዚ ህንጻ ድማ ብቓል እግዚኣብሔርን ብመንፈስ ቅዱስን ዚህነጽ። ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ንሕና እቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ክርስትያን ህዝቢ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢና። በብውልቅና፡ ህንጻ መቕደስ ኢና፡ ብሕብረት ምስ ተኣከብናውን ዝዓበየ መቕደስ ኢና። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ማእከልና ይሓድር። ኣብ ንሕና ብኢድና ዝሃነጽናዮ ህንጻ-ሰብ ክንእከብ ከለና ኸኣ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ህንጻ ምሳና ይርከብ። ንሕና ህንጻ ኣምላኽ ኴንና እንተ ዘይተሃነጽና ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ንሕና ዝሃነጽናዮ ህንጻ-ሰብ ኣይርከብንዩ። ንሕና እንእከበሉ ናይ ሰብ ህንጻ ስለ ዝዀነ ኸኣዩ፡ ቅዱሳን ኣቦታትና <<ቤተ ክርስትያን>> ኢሎም ዝሰመይዎ። ቅዱስ እስቲፋኖስ ብናይ ሓሶት ክሲ ተኸሲሱ፡ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ምስ ቈመ፡ ካብ ኣቦና ኣብርሃም ጀሚሩ ክሳዕ ብንጉስ ሰለሞን ዝተገብረ ህንጸት ቤት መቕደስ ዘዘንተወ። ነቲ ዝተረኾ ታሪኽ እስራኤል ድማ ብኸም ዚስዕብ ዛዘሞ።

<<ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን ማሕደር (ኪሰርሕ) ከኣ ለመነ። ቤት ዝሃነጸሉ ግና ሰለሞንዩ። ነብዪ ኸም ዚብል፡ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይያ። ከመይ ዝበለት ቤት እትሃንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ (ኣነ) ዝዓርፈላ፧ ነዚ ዅሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶንያ፧ይብል እግዚኣብሔር፡ እቲ ልዑል (ኣምላኽ) ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንጸት ቤት ኣይነብርንዩ።>> ግብ 746-50

እዚ ሓቂ ንኣይሁድ ጥራሕ ዘይኰነ ንኣህዛብውን ተነጊርዎምዩ። እቲ እግዚኣብሔር ብርሃን ዓለም ዝገበሮ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ከተማ ኣቴና (ርእሰ-ከተማ ናይ ሃገረ ግሪኽ) ኪዘውር ከሎ፡ ንጣኦታውያን ኣማልኽቲ ዝተሃንጸ ብዙሕ መቕደሳት ምስ ረኣየ ብመንፈስ ተቓጸለ፡ (ግብ 1716) ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ድማ ከም ዚስዕብ በሎም።

<<ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣለኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርእይ ከለኹ፡ንዘይተፈልጠ ኣምላኽዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምበኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘለኹም፡ (መን ምዃኑ) ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣለኹ። እቲ ንዓለምን ኣብኣ ንዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርንሞ፡ ብኢድ (ሰብ) ኣብ እተሃንጸ መቕደስ ኣይሓድርንዩ።>> ግብ 1722-24

እዚ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽቲዚ፡ <<ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሰርሐ ህንጻ ዘይሓድር እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ኣበይ ዚሓድር፧>> ዚብል ሕቶ ኬልዕለልና ናይ ግድንዩ። ነዚ ሕቶ ድማ እቲ መሪሕ ጥቕስና ድሮ መሊስዎ ኣሎ። <<ንስኻትኩም ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም>> ማለት <<ኣምላኽ ኣባኻትኩም ዚሓድር>> ማለዩ። እግዚኣብሔር ባዕሉ ኣብ ዝሃነጾ ነቲ መቕደስምበር፡ እዚ ድኹምን ሓጥእን ሰብ ኣብ ዝሃነጾ መቕደስ ኣይሓድርንዩ። እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ህያው መቕደስምበር ኣብ ግኡዝ መቕደስ ኣይሓድርንዩ። ማሕደር ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል ህያው መቕደስ ድማ እቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብዩ። እግዚኣብሔር ንዘርኢ ሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ኪፈጥሮ ገና ቕድሚ ምስራት ዓለም ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ መቕደሱን ማሕደሩን ኪገብሮ ስለ ዝመረጸዩ። ጐይታና ኣብታ ምስጢረ ቊርባን ዝሰርዓላ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንቕዱሳን ሃዋርያቱን፡ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ኪነግሮም ከሎ፦

<<እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ ዚሕልዎ፡ ንሱ ዜፍቅረኒ፡ ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮዩ። ኣነውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።>>

ኢሉ ተዛረቦም (ዮሃ 1421) እዚ ኣበሃህላ ኣብ ልቢ ቕዱሳን ሃዋርያቱ ሕቶ ስለ ዝፈጠረ፡ እቲ ዘይኣስቆሮታዊ ሃዋርያ ቕዱስ ይሁዳ፡ <<ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉ (መገድስ) እንታይዩ፧>> ኢሉ ሓተቶ። ጐይታና ድማ ነዛ ረቃቕ ምስጢሩ ብኸም ዚስዕብ ገለጸሎም።

<<ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕልውዩ። ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።>> ዮሃ 1423

እምበኣር ካብ ክርስቶሳዊ ቓል ከም እንርድኦ፡ ሓደ ክርስትያን፡ <<ንክርስቶስ ይፈልጦዩ፡ ክርስቶስ ተገሊጹሉ ኽንብል እንኽእል፡ ማሕደር ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብኡ ኸም ዝሓደሩ ምስ እነረጋግጽዩ። ብንባብ ኰነ ብሰሚዕ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ብዙሕ ምፍላጥና፡ <<ክርስቶስ ተገሊጹለይዩ፡ እፈልጦ>> ኼብለና ኣይክእልንዩ። ብኣምላኽ ዘይኣምን ኣረሚን ሰብውን ክንድ ንሕና ዘንበብናዮን ዝሰማዕናዮን ኬንብብን ኪሰምዕን ዕድል እንተ ረኺቡ፡ ካባና ንላዕሊ ብዙሕ ኪፈልጥን ኬስተውዕልን ይኽእልዩ። <<ንክርስቶስ ይፈልጦ>> ኢልና ኽንድምድም ግን ኣየኽእለናንዩ። ብዛዕባናውን እቲ መደምደምታ ልክዕ ከምኡዩ። እዚ ዓብዪ መንፈሳዊ ምስጢርዚ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ኼልዕለልና ናይ ግድንዩ።

ማሕደር ኣምላኽ (ህንጻ ኣምላኽ) ምዃንናን ዘይምዃንናን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ከምዛ ሕቶዚኣ ገይሩ ብንጹር ዝተመለሰ ኻልእ ሕቶ ኣሎ ኽንብል ዚከኣል ኣይኰነን። ኣብዘን ልዕል ኢልና ዝጠቐስናየን ክልተ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥቕስታት (ዮሃ 1421,23) እግዚኣብሔር ኣብቶም ዜፍቅርዎ ጥራሕ ከም ዚሓድር ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ስለ ድማ ጐይታ፡ ንፍቕሪ በዅሪ ዅሉ ትእዛዛት ገይሩ ልዕል ዘበላን ዘኽበራን። ሓደ እዋን ሓደ ኻብቶም ንክርስቶስ ዚቃወምዎ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ናብ ጐይታና መጺኡ <<ኣዋጣርን

በዳህን>> ኢሉ ብዝኣመነሉ ሕቶ፡ ብኸም ዚስዕብ ኬዋጥሮ ፈተነ።

<<መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲያ፧>> ማቴ 2235,36

ጐይታና ድማ ብዘየዳግምን ብዘየማትእን መገዲ ብኸም ዚስዕብ መለሰሉ።

<<እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣያ፡እስራኤል ስማዕ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እግዚኣብሔር። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣያ። እታ ኻልኣይታ እትመስላ ድማ፡ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”’ያ። ካብዚኣተን እትዓብይ ካልእ ትእዛዝ የልቦን። . . . ኣብዘን ክልተ ትእዛዛትዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ።>> ማር 1229-31 (ማቴ 2237-40)

እዚ ቓል ጐይታ፡ እቲ ንኣምላኽ እነፍቅሮ ፍቕሪ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡና ኣሎ። ነዚ መብዛሕትና እነዘውትሮ ኣፋዊ (ናይ ቃላት) ፍቕሪ ሒዝና፡ <<ኣፍቅሮ ማሕደሩ>> ኢልና ኽንትስፈው ዚከኣል ኣይኰነን። ብምሉእ ልቡ፡ ብዅሉ ነፍሱ፡ ብዅሉ ሓሳቡ፡ ብዅሉ ሓይሉ ዜፍቅር ጥራሕዩ፡ ማሕደር ኣምላኽ ኪኸውን ዚበቅዕ።

ማሕደር ኣምላኽ (ህንጻ ኣምላኽ) ክንከውን ዜብቅዓና ፍቕሪ ኸም ዘሎና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ነዚ ሕቶውን ጐይታና ብንጹር መሊስዎዩ። እቲ ልዕሊ ኢልና ዘንበብናዮ

<<እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ ዚሕልዎ (ዚእዘዞ) ንሱ ዜፍቅረኒ።>>

ዚብል ቃል፡ መግለጺ ሓቀኛ ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣብሪሁልናዩ። ንኣምላኽ ክንዝክር ወይ ክንሓስብ ከለና ውዕዉዕ ስምዒት ስለ ዝተሰምዓና ንኣምላኽ ልዑል ፍቕሪ ዘሎና መሲሉና ኽንጥበር ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንእኡ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ክንገልጸሉ ኸም ዚደልይ፡ እግዚኣብሔር ብዘየማትእ መገዲ ገሊጹልናዩ። ጐይታና ኣነጺሩ፡

<<እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልው። . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎንዩ።>>

ኢሉና (ዮሃ 1415,24) ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስውን ነቲ ኻብ ጐይታኡ ዝስምዖ ኣብ ህይወቱውን ዝፈጸሞ ሓቂ ደጊሙ ብምግላጽ፦

<<ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሓሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ።ኣነ እፈልጦዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕልው ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘለና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ እቲኣብኡ እነብር ኣለኹዚብል ከም ንሱ (ከም ክርስቶስ) እተመላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦዩ።>>

<<እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ድማ ኣብኡ (ኣብ ኣምላኽ) ይነብር፡ ንሱውን (ኣምላኽውን) ኣብኡ ይነብር። ኣምላኽ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና። . . . ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር፡ ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።>>

<<ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕልውሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድንዩ።>> 1ዮሃ 23-6 324 413 53

ትእዛዛቱ ምፍጻም ዘይንደልይን ዚኸብደናን እንተ ዀይኑ፡ ንኣምላኽ ዚኸውን ጽልኢምበር ፍቕሪ ኸም ዘይብልና፡ እቲ ምርጫና የመልክተናን የቃልዓናን ኣሎ ማለትዩ። ንሙቐት ሰብነትና ብቴርሞ ሜተር፡ ንኽብደት ሰብነትና ብሚዛን ከም እንዕቅኖ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪውን በቲ ምእዛዝና ኢና እንመዝኖ።

ማሕደር ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ንምዃን መን ዚሃንጸና፧ ብኸመይ ኢናኸ እንህነጽ፧ መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ እግዚኣብሔር ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮ ወዲ ሰብ መዓይይቱ ናይ ምዃን ክብሪ ብሕያውነቱ ኣጐናጺፍዎዩ። ስለ ነቲ ክርስትያን ህዝቢ <<ህንጻ ኣምላኽ>> ጌርካ ኣብ ምህናጹ ዚዓይዩ ኣገልገልትን ኣገልግሎትን ኣቚሙ ዚገብሮ። እቲ ዜብቊልን ዚሃንጽን ንሱ ባዕሉዩ። ኣብ ዕዮ ምስኡ ሓቢሮም ዚዓይዩ ኣገልገልቲ ግን ይመርጽ። ከም ግራት-ኣምላኽ ገይሩ ኺሃንጸና ኸሎ፡ እቲ ወሳንን ዝዓበየን ናይ ምብቋልን ከም ዚፈርይ ናይ ምግባርን ግደ ባዕሉ ኺፍጽሞ ከሎ፡ ንሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ከም ተኻሊ፡ ንሃዋርያ ኣጵሎስ ከኣ ኣስታዩ ገይሩ መዓይይቱ ከም ዚዀኑ ገበሮም (1ቈረ 35-8) ስለ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ፓትርያርክ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣንባቢ ድያቆን፡ ኣብ ዜገልግልዎ ህዝቢ ህንጻ መንፈስ ቅዱስ ንምህናጽ ዚዓይዪ ናይ ኣምላኽ ሰራሕተኛታት ህንጻዮም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡

<<ኣነ፡ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።>>

ብምባል ናይ ህንጻ ኣምላኽ ሃናጺ ምዃኑ ተኣመነ (1ቈረ 310,11) ብልሓተኛ ሃናጺ ዚገብሮ እቲ እተዋህቦ ጸጋ ኣምላኽዩ። ናቱ ሓላፍነት በቲ ዝተዋህቦ ብልሓት ተጠንቂቕካ ጥዑይን ጽኑዕን ህንጻ ምህናጽዩ። ስለ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ንህዝብኻ ህንጻ ኣምላኽ ጌርካ ናይ ምህናጽ ሓላፍነቱ ኸም ዚግባእ እንተ ዘይፈጸመ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ኽቡር ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ የባኽኖ፡ ነቲ ኣሚኑ ኣብ ዕዮ ዘመዘዞ ኣምላኽ ይጠልሞ ኣሎ ማለትዩ። ነቶም ህንጻ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ዝተዓደሎም ምእመናን ድማ ህንጻ ሰይጣን ኰይኖም ኪበላሸውን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ድራር ሓዊ ዀይኖም ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ከም ዚፍረዱን ብምግባር፡ ብዕዳ ደም ክርስቶስን ብዕዳ ደም ኵላቶም ምእመናኑን ተሓታቲ ይኸውን ማለትዩ። ካብ ምህናጽ እንተ ዘይበዀረ፡ ኣብ ክንዲ ብወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ዚሃንጽ፡ ብሓሳርን ሳዕርን ዕንጸይትን ኪሃንጽ እንተ መሪጹውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገበነኛ ዀይኑ ዚርከብ (1ቈረ 312-15) ኣገልገልቱ ብቑዓት ኰይኖም ምእንቲ ኺርከቡ ድማ እግዚኣብሔር እቲ ኺሃንጽዎ ዚግባእ ዓይነት ህንጻ እንታይ ምዃኑ ብንጹር የፍልጦም ንእኡ ንምግባር ዜኽእሎም ጸጋን ስልጣንን ድማ ይህቦም።

<<ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን (ኣገልገልቲ) ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ገሊኦም ሃዋርያት፡ ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን (ሰበኽቲ-ወንጌል) ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ።>> ኤፌ 411-13

ካብ ሃዋርያዊ ቓል ከም እንርድኦምበኣር፡ ሓደ ህዝቢ <<ህንጻ ኣምላኽ ንምዃን ተሃኒጹ>> ዚበሃል ናብ ምልኣት ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ ምስ ዚበጽሕ ከምኡውን ካብ መንፈሳዊ ቚልዕነት ተናጊፉ ናብ ብክርስቶስ ብጹሕ (እኹል፡ ብሱል) ሰብ ናብ ምዃን ብምልኣት ምስ ዚዓብይዩ። ናብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተመላለሰ፡ ናይ ኣባልነት ክፍሊቱ ስለ ዝኸፈለ ጥራሕ፡ ህንጻ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርና እንተ ቘጸርናዮ፡ እቲ ዋና ናይ ህንጻ ኺዕዘበናን ኪፈርደናንዩ። መዓይይቲ ኣምላኽ ተሰሚኻ ኸተብቅዕ፡ ነቲ ህንጻ ተጠንቂቕካ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር እምንን

እንተ ዘይሃነጽካ ኸቢድ ሓጢኣት ዚዀነካ።

እቲ ህንጻኸ ብምንታይ ዚህነጽ፧ ብዓይነት ናይ ሃነጺ ዚውሰን። እቲ ዘይብቚዕን ሃካይን ሃናጺ፡ ምእንቲ ኸይደክምን እቲ ህንጻ ቐልጢፉ ምእንቲ ኺዛዘምን ኢሉ፡ ብዕንጸይትን ሓሰርን ሳዕርን ርቅዕ ርቅዕ ኣቢሉ ዚሃንጾ። እቲ ዕሽነቱ ግና ኣብ መወዳእታ እቲ ህንጻ ብሓዊ ኸም ዚፍተን ፈትዩ ምርሳዑዩ። ሓዊ ሒዙ ንዚፍትነካ ጐይታ፡ ብሳዕርን ዕንጸይትን ዝተሰርሐ ህንጻ ሒዝካ ምጽናሕ፡ ኣብ ርእስኻን ኣብ ህንጻኻን ምፍራድ ዚኸውን። ክንሃንጸሉ ዚግብኣና ናውቲ ህንጻ፡ በቲ ዚፍትኖ ሓዊ መሊሱ ዚጸንዕን ዚጽብቕን ከምኒ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ዘመሰለ ናውቲ ህንጻዩ። እዚ ድማ ንምርካቡ ኰነ ንምስርሑ ብዙሕ ጻዕርን ጸዓትን ጥበብን ዚሓትት ስራሕዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ተባሂሉ ቃል-እግዚኣብሔር ምዃኑ፡

<<ቃላት እግዚኣብሔር ጽሩይ ቃላትዩ፡ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፡ ብሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ብሩርዩ። . . .ሕጊ እግዚኣብሔር ፍጹምዩ፡ ንነፍሲ ይመልሳ . . . ካብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ ዚሕረይ . . .>>

ብዚብል ቃላት ተገሊጹልና ኣሎ (መዝ 126 197,10 11972) ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስውን ነቲ ህንጻኡ ብምንታይ ይሃንጾ ኸም ዝነበረ፡

<<ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሃንጸኩምን ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸግኡን አማሕጽንኩም ኣለኹ።>>

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ግብ 2032) ስለ እቶም ኣገልገልቲ በዚ ቓል ጸጋ ጌርና ንሃንጽ ምህላውና፡ እቶም ህንጻ ኣምላኽ ንምዃን እንህነጽ ዘለና ምእመናን በዚ ቓል-ጸጋ ንህነጽ ምህላዉና ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና። እቲ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ኤፌሶንን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ዝተባህለ፦

<<እምበኣርሲ ንስኻትኩም ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹምምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ ህንጻ ብጐይታ ቕድስቲ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓብይዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ፡ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።>>

ዚብል ቃል፡ ኣባናን ኣብ ቤተ ክርስትያንናንውን ሓቂ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ናይ ኵላትና ሓላፍነትዩ።

እምበኣር ንኣምላኽ ነፍቅርን፡ ንእኡ ዘሎና ፍቕሪ ንቓሉ ብምእዛዝ ንገልጽን ከም ዘለና ነረጋግጽ። ከመይሲ ኣምላኽ ዚግለጸሎምን ዚፈልጥዎን እቶም ዚእዘዝዎ ጥራሕዮም። እቶም ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ዚህነጹ ክርስትያን፡ ንሳቶም ድሮ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽን፡ ነቶም ዜፍቅርዎም ቅዱሳን ከኣ ደቂ ዓዶምንዮም። እቶም ዘየፍቅሩን ዘይእዘዙን ህይወቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዘይሃነጹን ግና ንኣምላኽን ንመንግስቱን ጓኖትዮም። ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ግና ደቂ ዓዶም ስለ ዝዀኑ፡ ዘለኣለማዊ ርስቶምን መረበቶምን ኣብ ገሃነም ዚኸውን። ስለ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን <<ብሓቂዶ ህንጻ ኣምላኽየ፧ ቅድስት ስላሴ ዚሓድርዎ ማሕደር ኣምላኽ ድዩ፧>> ኢሉ ርእሱ መዓልታዊ ኺምርምርን፡ ሓቀኛ ሃለዋቱ ኼረጋግጽን፡ ንጽባሕ ዘይበሃልን ዘይጉሰይን ሓላፍነቱንሞ፡ ርእስና ንመርምር፡ ብመንፈስ ኣምላኽን ብቓሉን ድማ ንተሃነጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መስከረም ፲፮, ፳፻፲፬  ግዕዝ (26 መስከረም 2021 ፈረ).  3ይ ሰንበት.3/(፫)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 3፡10-ፍጻ

1ጴጥ.2፣1-10

ግብ.7፣44-50

ዮሓ10፣22-ፍጻ

ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)

መዝ.፶፣18-19። አሠንያ እግዚኦ በሥምረትከ ለጽዮን። ወይትሐነጻ አረፋቲሃ ለኢየሩሳሌም። አመ ትሠምር መሥዋዕተ ጽድቅ።

መዝ. 51፣18-19። ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ። ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ፣ ብዚሐርር መስዋእቲ፣ ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div