S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጐይታና’ምበር’ዩ [መበል 38 ሰንበት: ቊ.56/፶፮ ]

 ኢየሱስ ከኣ፡ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹምበሎም። ሽዑ ደርበይዎ ካብ ብዝሒ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ፡ ንጴጥሮስ፡ጐይታናምበርበሎ።ዮሃ 216,7

እዚ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታና ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ርክብ ዚትርኽዩ። ድሕር እዋን ኣብ ገሊላ ደጊሞም ኣይተራኸቡን። ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡ እቶም ኣብ መቓብር ዝጸንሑ መላእኽቲ፡ ናብ ገሊላ ቐዲምዎም ከም ዝሓለፈ ናብኡ ኸይዶም ከም ዚረኽብዎ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ልኢኾምወን ነበሩ1 በቲ ዝበሎም መሰረት ናብ ገሊላ ወረዱሞ፡ ኣብኡ ደጋጊሙ ተራእዮም። ናይ ጐይታ ኻባታቶም ምፍላይ ኣዝዩ ኸቢድዎም ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድበሎም። ከምኡ ኺብል ከሎ ሽዱሽተ ኻልኦት ሓዋርያት ምስኡ ነበሩ። ዳርጋ ዅሎም ገፈፍቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩን፡ እቲ ምርኡይ ብጻዮም መገዲ ምስ ከፈተሎምን፡ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድኢሎም ሓቢሮም ከዱ። ጐይታ ኻብ ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ገፈፍቲ ሰብ ኣዕብይዎም ክነሱ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዀይኑ ዚዋግኦም ዝነበረ ዘይምእማን፡ ቅብጸት ተስፋ፡ ፍርሃት፡ ርጉጽነት ዘይብሉ ሓዲግ መጻኢ ገና ስለ ዘይሃድአ፡ ምስ ጐይታ ብኣካል ድሕሪ ምርኻቦምኳ፡ ንድሕሪት ኪምለሱ ገና ይደናደኑ ነበሩ። ገፈፍቲ ዓሳ ዚበዝሕ ጊዜ ብለይቲዮም ዚገፍፉ። ለይቲ ብምልእታ ኺጽዕሩ ሓዲሮም ክነሶም፡ ሾብዓተ ሰብኡት ሓደ ዓሳ ኺሕዙ ኣይከኣሉን። ምኩራት ገፈፍቲ ዓሳ ለይቲ ምሉእ ተጋዲሎም ሓደ ዓሳ ኺስእኑ ቀሊል ጒድኣት ኣይኰነን። ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ገዲፎምዎ ዝጸንሑ ሞያኦም፡ ኣብ ቀዳማይ ፈተነኦም ጥራይ ኢዶም ኪመልሶም ከሎ፡ ንስማዒኡ ኣይጥዑምንዩ። ኣብ ወጋሕታ ድማ ጐይታና ብኣካል መጺኡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ደው በለ። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሓደ ኼለልዮ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ናይ ድሕረ-ትንሳኤ ትርኢቱ እንታይ ከም ዚመስልሲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ደጋጊሙ ተራእይዎም ነይሩዩ።ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧ኢሉ ኺሓትቶም ከሎውን ብድምጹ ኼለልይዎ ትጽበዮ ኢኻ። ንሱውን ኣይሰለጠን። ናይ ትርኢትን ናይ ድምጽን ፈተነ ኻብ ዘይሰለጠ፡ ተሪፋ ዝነበረት ናይ ግብሪ ፈተነ ዀነት። እቲ ዘይተፈልጠን ዘይተለለየን ጋሻ፡ ጸሓይ በሪቓ እናረኣየ፡ ነዞም ሾብዓተ ምኩራት ገፈፍቲ ዓሳ፡ ርእይቶ-መሰል ትእዛዝን ርጉጽ ውጽኢቱን ሃቦም። ኪገፍፉ ኸለው መሸም፡ ናብ የማንን ጸጋምን ናብ ቅድሚትን ድሕሪትን ናብ ኵሉ ወገን ክሳዕ ዚደኽሙን ዚቐብጹን ከም ዝፈተኑ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። እዚ ዘይተፈልጠ ጋሻ፡ ከምዛ ምሉእ ለይቲ መርበቦም ናብ ጸጋም ሸነኽ ጥራሕ ኪድርብዩ ዝሓደሩ ቘጺሩ፡ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎምስ በሎም፡ ንምንታይ ብዘይ ዝዀነ ሕቶን ካልእ ዘረባን ከም ዝደርበዩ ኣይርድኣካንዩ። እቲ ዜገርም ከኣ ርግጸኛ ኰይኑክትረኽቡ ኢኹምምባሉዩ። ከምዛ ንዅሎም ዓሳታት ባሕሪ ገሊላ ኣኪቡ ኣብ ሸነኽ የማኖም ዘቐመጠሎም ዚመስል። ጐይታ ምዃኑ ፈሊጦም እንተ ዚእዘዝዎ ኣይመገረመናን ነይሩ።

 

እቲ ምእዛዞም ግን ንሰናይ ኰነሎም። መርበቦም ብዓሳ ኻብ ምምላኡ ዝተላዕለ ምስሓቡ ኽሳዕ ዚስእኑ ዀኑ። ኣብዛ እዋንዚኣ ናይ ሓዲኦም ምስትውዓል ተኸፍተ። ነቲ ብትርኢቱን ብድምጹን ዘየለለዮ ጐይታ፡ ብግብሩ ግን ከቶ ኣይስሓቶን። ንሱ ኸኣ እቲ ጐይታና ኣዝዩ ዜፍቅሮ ዝነበረ ወደ መዝሙር፡ ሓዋርያ ዮሃንስ፡ ባዕሉ ተራኺዩ። ንሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዀነ ኣብ ሓዋርያነት በዓል-ብርኩ ዝነበረ። ካብቶም ሰለስተ ምርኡያት ሓዋርያት፡ እቶም ክልተ ሓዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ነበሩ። እቲ ሳልሳዮም ከኣ ሓዋርያ ያእቆብ፡ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ሓው ንሓዋርያ ዮሃንስዩ። ጐይታ ንሰለስቲኦም ብፍሉይ ኣድህቦ ናብኡ የቕርቦም፡ ኵሉ ምስጢራት የርእዮም፡ ነታ ድሕሪ ትንሳኤኡን ዕርገቱን ዚሓድጋ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ኪዀኑ የሰልጥኖም ነበረ2 ሓዋርያ ጴጥሮስ ፈጺሙ ዘይቅደም መፍቀሪ ጐይታ ስለዝነበረ፡ ነታጐይታምበርእትብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ ምስቲ ባሕሪ ኺቃለስ ብዘይ ክዳን ጥራዩ ስለ ዝነበረ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብቲ ባሕሪ ዘለለ። ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ ሰብሲ ናብ ማይ ኪኣትው ከሎ ኽዳውንቲ ዜውጽእ። ንጐይታኡ ኻብ ዝነበሮ ኽብሪ ዝተላዕለ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ጥራይ ዝባኑ ኺረኣይ ስለ ዘይደለየ፡ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ኣተወ። ቅድሚ ዅላቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ቘመ። ሓዋርያ ዮሃንስ በዛ ግብሩዚኣ ቐልጢፉ ኼለልዮ ዝኸኣለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኺጽውዖም ከሎ ተመሳሳሊ መስተንክር ግብሪ ብምርኣይ ስለ ዝጸውዖምዩ። ከምዛ ናይ ሕጂ ለይቲ፡ ግፍፍ ሓዲሮም መርበቦም ብሰበባ ባሕሪ ኣበላሸዮም ሓደ ዓሳ ኸይሓዙ ምስ ወጹ፡ ንጃልባ ጴጥሮስ ንጊዜኡ ኸም መድረኽ ናይ ስብከት ገይሩ ተጠቕመላሞ፡ ጻማ ኣገልግሎቶም፡ መርበቦም ብዚቐድድን ንኽልተ ጃለቡ ኼጥሕል ብዚኽእል መጠን ዓሳ ባሪኽዎም ነበረ። ከምዚ ዝበለ ግብሪ በቲ ኸኣል ኵሉ ጐይታኡምበር፡ ብኻልእ ኪግበር ከም ዘይክእል ስለ ዚፈልጥ፡ እዛ ተኣምራትዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ምስ ተፈጸመት፡ ብኡንብኡ ብግብሩ ኣለልይዎ፡ጐይታናምበርበለ። ኣሽንኳይ ቅቡእ ሓዋርያ፡ ጠንቈልቲ ፈርኦን ንሳቶም ኪገብርዎ ዘይክእሉ ግብሪ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ምስ ተገብረ፡ ነቲ ንሳቶምውን ኪደግምዎ ዚጽበዮም ዝነበረ ጐይታኦም ፈርኦን፡እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽኢሎም ኪቐብጽ ደገፍዎ3 ምናልባት ኣብ ናይ ምልላይ ፍጥነቶም ኪፈላለዩ ይኽእሉ ይዀኑ። ኣጻብዕ ጐይታኡ ኼለልይ ዘይክእል ሓዋርያ ኣሎ ኢልካ ምግማት ግን፡ ካብ ኣብቲ ሓዋርያ ኣብ ልዕሊ ንእኡ ዝሓረየ ጐይታ ምፍራድ ዚኸውን።

 

ንኢድ ኣምላኽ ብኸመይ ኢና እነለልያ፧ ኢድ ኣምላኽ፡ ተለላዪት ኢድያ። ክትወቅዕ ኰነ ኽትዝንን ከላ፡ ከተውድቕ ኰነ ኸተልዕል ከላ፡ ክትህብ ኰነ ኽትከልእ ከላ፡ ከተዕብይ ኰነ ኽትደቊስ ከላ ተለላዪትያ። ብጸላእታ ዀነ ብፈተውታ፡ ሽዑ እናገበረት ኰነ ብታሪኽ ክትዝከር ከላውን ኣዝያ ተለላዪትያ። ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ክትቅጥቅጦም ከላ ርእዮም ንባሮቶም ንእስራኤላውያን ደፊኦም ኣውጽእዎም። ትሪ ልቢ ደጊስዎም፡ ብዕሽነቶም ፈትዮም ዝሰደድዎም መሲልዎም፡ ንኢድ እግዚኣብሔር ፈትዮም ረስዕዋ ደድሕሪ ዘባረርዎ ህዝቢ ምስ ገስገሱ፡ ኢድ እግዚኣብሔር ንጥፍኣቶም ኣብ ቆር-ባሕሪ (seabed) ተጸበየቶም። ኣብኡ፡ ኣብ ውዱእ ሰዓት፡ ነታ ግርም ገይሮም ዝተዓምዋ ኢድ ብኸመይ ከም ዘለለይዋ፡ እቲ ጸሓፊ ብከምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ይርከብ።

ኰነ ኸኣ፡ (ወጋሕታ) ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሔር ካብቲ ዓንዲ ሓውን ካብ ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፡ ንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም። ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኰራዅሩ ኣምለቘ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡እግዚኣብሔር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም፡በሉ።ዘጸ 1424,25

እዞም ግብጻውያን፡ ንእግዚኣብሔር ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ኣምለኽቲ ጣኦትዮም። ነቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ዅነታት ከም ዚግባእ ብምንባብ ግና፡ ንግብሪ እግዚኣብሔር ለልዮም ኪፈልጡ ኸኣሉ። ሓደ ብእግዚኣብሔር ዚኣምን ሰብ ግና፡ ንግብሪ እግዚኣብሔር ብቐሊሉን ቀልጢፉን ኬለልዮ ዚግባእ። ንዝዀነ ይኹን ተግባር ንስለ ምግባር ኢልካ ጥራይ ኣይግበርንዩ። ይትረፍ እግዚኣብሔር ዚኣክል ኣምላኽ፡ ሰብ፡ እዚ ድኹም ፍጥረት ንዝዀነ ተግባሩ ዚገብረሉ ምኽንያትን ዕላማን ኣለዎ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንዅሉ ተግባሩ ንምንታይ ከም ዚገብሮ፦“. . . ኵሉ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም።ብምባል ኣረጋጊጹልና4 ንሓደ ተግባርፈሊጠዮን ተረዲአዮን ኣለኹንኽንብል ከኣ፡ ነቲ ዝተገብረሉ ምኽንያትን ዕላማን ምስ እነስተውዕሎ እዩ። እዚ ኸኣ ንዅሉጽቡቕን ሕማቕንኢልና እንጽውዖ ዅነታትን ተግባራትን ናይ እግዚኣብሔር ዚምልከትዩ።

እዚ ንሓዋርያት ዝተገብረሎም ተኣምራት ናይ ምግፋፍ ዓሳ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ንጽውዓ ዝዓለመ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ኻልኣይ ድማ፡ ካብቲ ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ጽውዓኦምን ኣገልግሎቶምን ንምምላስዩ። ከምኡ ምዃኑ ድማ፡ በቲ ጐይታና ድሕሪ ተኣምራትዚ፡ ንሓዋርያ ጴጥሮስኣባጊዐይ ኣብልዕ፡ ዕያውተይ ሓሉኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝን ምሕጽንታን ኢና ንፈልጥ5

ንሕናውን ብኢዱ ኸም ዝተፈጠርና ህዝቢ ኣምላኽ መጠን፡ ልክዕ ከም ሓዋርያት ኣዝዩ ብዙሕ ግብሪ ጐይታ ዝረኣና ሰባት ኢና። ንመብዛሕትኡ ኻብቲ ግብርታት ጐይታ ድማ፡ ኣብ ሕይወትናን ሕይወት ስድራናን ብጾትናን ቤተ ክርስትያንናን ህዝብናን ሃገርናን ኪደጋገም ርኢናዮ ኢና። እቲ ብእግዚኣብሔር ዚግበር ግብሪ ኸኣ፡ ዓይነቱ ብዘየገድስ ኵሉ ጽቡቕዩ። ንሕና ግን ከም ሰብ መጠን ብኣረኣእያ ሰብ ተጠቒምና፡ ንገሊኡ ጽቡቕ ንገሊኡውን ሕማቕ (ዘይጽቡቕ) ኢልና ንኸፋፍሎ። ንኣብነት ሕማም ስጋ ብዓይኒ ሰብ ዳርጋ ዅሉ ጊዜ ኸም ሕማቕ ዚረኣይ። ሕማም ግና፡ እንተ ኸም መቕጻዕቲ፡ እንተ ኸም ጒስነታዊ ሓለዋ፡ ወዘተ፡ ኵሉ ጊዜ ብዓይኒ ኣምላኽ ጽቡቕዩ። ንሓደ ረሲእ ዋላ ብሕማም እንተ ቐዘፎ፡ መግለጺ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕዩ። ንጻድቕ ሰብ ኪሓምም ኰነ ብሕማሙ ኺመውት እንተ ፈቐደውን ጽቡቕ ዝገበረ።

ንቕዱስ ጳውሎስ ባርያኡ፡ ካብቲ ዝኸፍአን ብዘለኣለማዊ ሞት ዚቐትልን መንፈሳዊ ሕማም፡ ማለት ካብ ትዕቢት ምእንቲ ኺስውሮ፡ ሰባት ብዚፍንፍንዎ ሕማም ወቕዖ6 ናይ ኣቦና እዮብ ፍጹምነት ምእንቲ ኺገሃድ ድማ ብኢድ ሰይጣን ብኸቢድ ሕማምን ሓዘንን ውርደትን ኣሕለፎ። እዞም ቅዱሳንዚኣቶም ዝሓለፍዎ ዅነታት ብዓይኒ ስጋ እንተ ተራእዮ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ኣዝዩ ሕማቕዩ። ብዓይኒ መንፈስ እንተ ተራእዮ ግና ጸጋን በረከትንዩ።

ኢድ ኣምላኽ (ግብሪ ኣምላኽ) ናይ ዘይምልላይ ሳዕቤን እንታይዩ፧ ንሓደ ተግባር ብዓይነቱ ጥራሕ ዘይኰነስ ብመንነት ናይቲ ፈጻሚኡ ኣካል ክንመዝኖ ዚግባእ። በረኸት ይኹን ድኽነት፡ ጥዕና ይኹን ሕማም፡ ሞት ይኹን ሕይወት፡ ሓጐስ ይዅን ሓዘን፡ ኣሳልጦ ይኹን ዕንቅፋት፡ ምስ ተፈጸመ ብዛዕባ ፈጻሚኡ፡ጐይታናምበርገባሪኡ ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ድማጐይታና ኣይኰነንኢልና ኸነለሊ ክንፈልይን እንተ ዘይክኢልና፡ በቲ ተግባር ንጉድኣትና ኽንዕንቀፈሉምበር ንረብሓና ኽንህነጸሉ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ሓሳብ ዜብርሃልና ቓል፡ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ብኸምዚ ዚስዕብ ተጻሒፉልና ኣሎ።

ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዩ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መንዩ፧ ያእቆብ ንወራር እስራኤል ከኣ ንዘመተ ዝወፈየ መንዩ፧ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሔርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ፧ ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዓወሉ። እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዅ ኣበሎ፡ ግናኸ ናብ ልቡ ኣይተመልሰን።ኢሳ 4223-25

ካብዚ ጽሑፍ ኸም እንርድኦምበኣር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ዜሰክሕን ዜጽንትን፡ ካብ ርስትኻ ዚነቅልን መዓት ኣዝዩ ኸቢድ ዝነበረ። ነድሪ ውግእ ኣብ ሃገሮም ኣብ ልዕሊኦም ተኻዕዩ፡ ንብረቶም ንወራርን ዘመተን ተወፈዩ፡ ዝተታሕዙ ዘበሉ ዅላቶም ሰቦም ድማ ተገፊፎም ካብ ሃገሮም ተነቕሉ። ነዚ ዅሉ ዝገበረ መን ምዃኑ ግን ፈጺሞም ኣይፈለጡን። ብዛዕባ ሕሰም ናይቶም ዝወረርዎም ጸላእቶም ይሓስቡ ነበሩምበር ብዛዕባ ኸም ጓህሪ ሓዊ ኣብ ልዕሊኦም ነድሪ ውግእ ዝኸዓወሎም ኣምላኽ ኣየስተውዓሉን። ንልቦም ናብ ምስትውዓል እንተ ዜቕንዑን፡ ሕሉፍ ታሪኽ ኣቦታቶምን ጐረባብቶም ነገራትን እንተ ዚዝክሩን ግብሮም ከኣ ብቕንዕና እንተ ዚምርምሩጐይታናምበር ዝገበሮኺብሉ እንተ ዚኽእሉ ብዙሓት ዓበይትን ለውጥታት ምረኣዩ ነይሮም። ቅድሚ ዅሉ ብሓቀኛ ንስሓ ናብ ኣምላኽ ምተመልሱ፡ ምግባር እከይ ምሓደጉ፡ ምግባር ሰናይ ምተማህሩ ነይሮም። እዚኣቶም ግና ገባሪኡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዘየስተውዓሉ፡ ሞዅ ኢሎም ክሳዕ ዚጠፍኡ ተቐጺዖም ኬብቅዑ፡ ወቓዒኦምን ዘውቅዖም ተግባርን እንታይ ምዃኑ ኬስተውዕሉ ኣይከኣሉን።

ሓዋርያት፡ ናይ ሓደ መስተውዓሊ ብጻዮም፡ጐይታምበርእትብል ቃል ምስ ሰምዑ፡ እቲ ንብጾቱ ለኪሙ ንድሕሪት ዝተመልሰ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ሕጂውን ንኣታቶም መሪሑ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ። ነባጊዕን ዕያውትን ናይ ጐይታኡ ንምምጋብን ንምሕላውን ተልእኾ ተቐበለ። ንሕና ኸኣ እንተ ባዕላትና ኣለሊናዮ፡ እንተ ብሰባት ተነጊሩና፡ እቲ ወሪዱና ዘሎ ክፉእ ይኹን እቲ ወሪዱልና ዘሎ ሰናይ ነገር ካብ ጐይታ ምዃኑ ኣለሊና ቕኑዕ ስጒምቲ ኽንወስድ ይግብኣና። ገባሪኡ ጐይታ ምዃኑ እንተ ኣስተውዒልና ብድሕሪኡ ንጐይታ ዜስምር ተግባር ንምግባር ኢና ንድረኽ። ጐይታ ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጥና ግና፡ ኣብቲ ዘውቅዓና ተግባር ንቅጽል ጒድኣትና ድማ ብእኡ መጠን እናዓበየ ይኸይድ።

ገባሪ ናይቲ ዝወረደናን ዝወረደልናን ኵሉ፡ ጐይታ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ ዜድልየና ንምንታይዩ፧ እቲ ተግባር ሒዝዎ ዚመጽእ መልእኽቲ ስለ ዘለዎን፡ ንሕና ድማ ነቲ መልእኽቲ ተረዲእና፡ ነቲ ገባሪኡ እቲ ዚግባእ መልሰ ግብሪ ምእንቲ ኽንህብዩ። ንኣብነት እቲ ወሪዱና ዘሎ ዅነታት ብሰሪ ሓጢኣትና ዝመጸ እንተ ዀይኑ፡ መልእኽቲ ናይቲ ዅነታት፡ተነሳሕ፡ ነቲ ሓጢኣት ድማ ተመሊስካ ኣይትግበሮ፡ ርእስኻ ብጽድቅን ብቕድስናን ሓልውዚብልዩ። ነዚ መልእኽቲ ናይ ምእዛዝ መልሰ ግብሪ እንተ ሂብካሞ፡ እግዚኣብሔር ብመጠንን ኣገባብን ናይ ኣመላልሳኻ እንተ ዓጊቡ፡ ነቲ ዅነታት ይልውጦ፡ ኣብ ክንዲ ቕጽዓት ድማ በረኸቱ ይልእኽ ማለትዩ። ሰብ ዘልገበልካ፡ ብከላ ዘምጻልካ ብኣመጋግባኻን ወልፍታትካን ዘምጻእካዮ እትሓስብ ጥራሕምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸጒሪ ርእስኻ ሉኣላዊ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ፈጺምካ ዘይትዝክሮ፡ ንጒዳይካውን ምስኡ ዘይተተሓሕዞ እንተ ዄንካ ግና፡ ነቲ ኣበሳኻ ዝበኣሰ ኻልእ ኣበሳ ደሪብካ፡ ንዅነታትካ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ተብጽሖ ማለትዩ። ንኣብነት ብሰሪ ሓጢኣት ዝወረደ ሕማም እንተ ዀይኑ፡ ምእንቲ ኽትፍወስ ናብ ጠንቈልቲ ብምኻድ ንኣበሳካ ናብ ሰማይ ተዕርጎ ማለትዩ።

ካብቲ ዝውቱር ባህርይናን ልማድናን ከም እንግንዘቦ፡ ነቶም ዘይንደልዮምሕማቕ ኵነታትኢልና እንምድቦም ኵነታት ኢና፡ ከም ጠንቂ ኻልእ ኣካል እንደልየሉ እምበር፡ እንደልዮ ጽቡቕ ኵነታት ወይ ነገር እንተ ረኺብና ግን ባዕላትና ብመንፍዓትና ብብልሓትና ኸም ዘምጻእናዮምበር፡ ካልእ ኣካል ከም ዝገበረልና ኽንሓስብ ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። ንኣብነት ሃብቲ ዝረኸበ ሰብ፡መዓልትን ለይትን ጽዒረ፡ ርባን ኵርባን (ላዕልን ታሕትን) ኢለ፡ ብመንፍዓተይን ብብልሓተይን ዝረከብክዎዚብል ስምዒት ዜንጸባርቕ።እግዚኣብሔር ሂቡኒ፡ እዚ ናይ ኣምላኽ በረኸትዩ፡ ብናተይ ዓቕምን ጻዕርን ዝተረኽበ ኣይኰነንዚብል ዳርጋ የለን ኪበሃል ይከኣልዩ። ብዛዕባ ሃብትናጐይታምበርኽንብል ስለ ዘይፈቶና፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ሃብቲውን ማእለያ ዘይብሉ ሓጢኣት ኢና ንፍጽም።ነዚ ሃብቲ ዝሃበኒ ጐይታምበር ኽንብል እምነትናን ምስትውዓልናን እንተ ረዲኡና ግን፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህያብ ክንሓጥእ ኣይንደፍርን ኢና። ብዛዕባ ስልጣን፡ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ውሉድ ወዘተውን ልክዕ ከምዚ ናይ ሃብቲ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣተሓሓዛን ዚህልወና። ግደ ሓቂ ኻብ ብሕማቕ ኵነታት በቲ ጽቡቕ ኵነታት እንጋገዮን እንብድሎን ይበዝሕ። ብሕማቕ ኵነታት ተደፊእና እንፍጽሞ መብዛሕትኡ ሓጢኣት፡ ናይ ምርረት ሓጢኣትዩ። መብዛሕትኡ ብሰሪ ጽቡቕ ኵነታት እንፍጽሞ ሓጢኣት ግን ናይ ድፍረት ሓጢኣትዩ። ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ዅነታት ናብ ሓጢኣት ኪደፍኣና ዘይምኽኑይ እንተ ዀነ፡ ካብ ብሰሪ ሕማቕ፡ ብሰሪ ጽቡቕ ኵነታት ተደፊእካ እትፍጽሞ ሓጢኣት ዝኸበደዩ። ብዝቐለለን ዝውቱርን ኣብነት እንተ ረኣናዮኳ፡ ብሰሪ ጽጋብ ዚሓጥእ ካብ ብሰሪ ጥምየት ዚሓጥእ፡ ብዓይኒ ሰብ ኰነ ብዓይኒ ኣምላኽ ዝኸፍአ ዀይኑ ኸም ዚረኣይ ርዱእዩ። ንጉስ ሰለሞንውን ንስርቂ ጥሙይን ዝሙት ጽጋበኛን ኣመልኪቱ፦

ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቀ፡ ሰብ ኣይንዕቆንዩ። እንተ ተታሕዘ ኸኣ ሾብዓተ ኢድ ይዓድይ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይህብ። እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን። እቲ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደልይ ኸምዚ ዚገብር። ቊስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉውን ከቶ ኣይድምሰስን።ኢሉና7

ብዛዕባ ዝምድናታትናውን እዚጐይታምበርዚብል ረቂቕ መንፈሳዊ ርድኢት ክንጥቀመሉን፡ ዝምድናታትና ብጽድቂ ኣብ ምምሕዳርን ኣብ ምህናጽን ዝበለጸ ምርጫና ክንገብሮ ይግባእ።ነዚ/ነዛ መጻምደይ ዝሃበኒ ጐይታምበርዘይብል ሰብ፡ ንሓዳሩ መፈብረኺ ሓጢኣት ዚገብሮ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓዳር ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ፍትሕ፡ ዝሙት ወዘተ ዚበዝሕ። ንኻልእ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትና፡ ጐይታ ኸም ዝሃበና ኽቡር ህያብ እንተ ዘይርኢናዮ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዓባይን ንእሽተይን ዝምድናና ጽባሕ ንግሆ ኣብ ምጽኣቱ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ኢልና ኽንሕተትን ጸብጻብ ክንህብን ምዃንና ኽንዝንግዕ ኣይግብኣናንዩ። ከም ቅዱስ ዳዊት ሰባት ኪብድሉናን ኪገፍዑናን ከለው ኸይተረፈ፡ካብ ጐይታናምበርኽንብል ዚግብኣና። ምኽንያቱ ኣምላኽ ከይፈቐዶ ኣባና ኺፍጸም ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር የልቦን። ሽምዒ ዝተባህለ ስዲ ሰብ፡ ንንጉስ ዳዊት መሪር ጸርፊ እናተጻረፈ ሓመድ ኪግጭቦን እምኒ ኺድርብየሉን ከሎ፡እግዚኣብሔር ጽረፎ ኢልዎ፡ ይጽረፍ ሕደግዎኢሉ ንባዕሉን ንወተሃደራቱን ደም ካብ ምፍሳስ ኣድሓነ8

እምበኣር ንሕናውን ነዚ ናይ ቅዱሳን ጥበብ ናትና ንግበሮ።ጐይታናምበርከይበልና ክትስገር ኣብ ዘይትክእል ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ንዅሉ ነገርናን ኵነታትናን ዝምድናታትና፡ ምስ ጐይታ እናዛመድና፡ ብዓይኒ ጐይታ እናረኣና እንተ ዘየመሓዲርናዮ፡ ታኼላ (ሰልሚ) ዀይኑ ውሒጡ ኼትርፈና ምዃኑ ኣይንጠራጠር። ነዛ ጥበብዚኣ ዚመልክዋ፡ እቶም ንዅለንተናኦም ፈትዮም ንጐይታ ዝቐደሱሉ ጥራሕዮም። ነዚኣ እንተ መሊኽና ይትረፍ ብጽቡቕ በቲ ሕማቕ ዚመስል ኵነታትና ወርትግ ኣመስገንትን ጻድቃንን ኴንና ብዓወት ክንወጽእ ኢና። ብዛዕባ ዝተመሃርናያ ኣርእስቲውንጐይታናምበር ዚምህረና ዘሎእንተ ኢልና፡ መርበብ ሕይወትና ኻብ ሰበባ ሓጢኣት ነጺሃ ብገዘፍቲ ዓሳታት ጽድቂ ኽትመልእ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ግንቦት 14, 2013 ግዕዝ (23 ግንቦት 2021)  - መበል 38 ሰንበት: ቊ.56/፶፮)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 1550-ፍጻ

1ዮሓ 313-ፍጻ

ግብ 222-32

ዮሓ 2115-ፍጻ

ዘዲዮስቆሮስ።

መዝ 10714-16

ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ ፤ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመሕያው ፤ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት።

መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፣ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።

1ማቴ 28፡7፣ ማር 16፡7:2ማር 5፡21-24,35-43፣ ማቴ 17፡1-8፣ 26፡36-38 3ዘጸ 8፡16-19:4ህዝ 14፡23 ፥ 5ዮሃ 21፡15-17 62ቈረ 12፡7-10፣ ገላ 4፡13-15:7ምሳ 6፡30-33 82ሳሙ 16፡5-13

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div