S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንመን ትደልዪ ኣለኺ [መበል 34 ሰንበት: .ቊ.51/፶፩ ]

 እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። ኢየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፡ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ አሎኺ፧በላ። ንሳ ኸኣ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ።ዮሃ 2014,15

እዚ ዕለት ዕለት ትንሳኤዩ። ነዚ ወርሓት ዓብዪ ጾም ብዓወት ኣስጊሩ፡ እንኳዕ ናብ ብርሃነ-ትንሳኤኡ ኣብቅዓና። ንዅላትን ድማ፡ ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና። እዚ ዕለት ኣዝዩ ዜሐጕስና፡ ካብ ነዊሕ ጾም ተገላጊልና፡ ዝመረጽናዮ መግቢ ናይ ምብላዕን ነቲ ብጾም ዝሓስአ ኣካላትና ናይ ምጽጋንን ምጥያስን ዕድል ስለ ዝረኸብና ኣይኰነን። ብርግጽ ነዚ ውዱቕን ድኹምን ስጋና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈኵስ ሓሳብ እንተ ተቐልቀሎ ዜገርም ኣይኰነን። ምኽንያቱ ስጋና፡ ንመንፈስና ቐጺዑ ንሱ እንተ ሓንቀቐን እንተ ኣማራጸን ደስ ዚብሎ። ስለዚዶ ኣይኰነን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 85-9 ከምኡውን ኣብ ገላ 516,17

ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋዮም ዚሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማሞ፡ ስለዚ ሓሳብ ስጋ ሞትዩ፡ ሓሳብ መንፈስ ግና ሕይወትን ሰላምንዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምንዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።ሮሜ 85-9

ኣነስ፡ብመንፈስ ተመላለሱ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡እብለኩም ኣለኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነይ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር ዝምነይ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲዮም።ገላ 516,17

ኢሉ ዘስተምሃረና። ስለዚ ስጋና ንኣምላኽ ብጾምን ጸሎትን ከንስምሮ ስለ ዘይደልይ፡ በዚ መንፈሳዊ ስነ ምግባር ኣይሕጐስንዩ። እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ዓለወኛ ስጋኡ ምልኪ ዝተጐናጸፈ ክርስቲያን ግና፡ ምሉእ ዕድሚኡ በዚ መንፈሳዊ ጸጋ ንእግዚኣብሔር ኬገልግልውን ኣይጸልእንዩ።

ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ጾም ከም ልጓም ዚግለጽ። ብርግጽ ከኣ ናይ ስጋ ልጓምዩ። ነቲ ዝተሰርዓልና ጾም ብዓወት ምስ ወዳእና ኸኣ፡እንኳዕ ልጓም- ጾም ፈትሓልኩምንበሃሃል። ካብ ምንታይ ለጕሙ ስለ ዘትረፈና ኢና ኸምኡ ንብል፧ ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዜጻልኣና ሓሳብ ስጋን ግብሪ ስጋን ስለ ዜትርፈናዩ። ሓሳብ ስጋን ግብሪ-ስጋን ከኣ ናይ መወዳእታ ፍሪኦም ሞትን ጥፍኣትንዩ። ጐይታና ድማ ካብዚ ሞትን ጥፍኣትን ምእንቲ ኼድሕነና ስለ ሓጢኣትና ሞይቱ ስለ ጽድቅና ዝተንስእ1 በዚ ሞቱን ትንሳኤኡን ኸም ዝደሓንን እንፈልጥ ድማ ሓሳብ ስጋ ኽትሓስብን ግብሪ ስጋ ኽትገብሮን ካብ ምድላይ ምስ እንናገፍዩ። ስለዚ ሞቱን ትንሳኤኡን ናይ ድልየት ለውጢ ኼጐናጽፈና ዝተፈጸመ። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ንሕና ዅላትና ኸኣ፡ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባቱን ድልየት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም (ምስቶም ብበደሎምን ብኣበሳኦምን ምውታት ዝነበሩ) ንነብር ነበርና። ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና።

“(ንኣኻትኩም) ቀደም (ካብ ኣምላኽ) ፍሉያት ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቲ ()ዝነበርኩም ከኣ፡ ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚምኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።

ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእን ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን (ብክርስቶስ) ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን (ብጥምቀት) ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን (ብሜሮን) (ኣድሓነና) . . .” ብምባል፡ ምድሓን ማለት ካብቲ ኣቐዲሙ ኺመልከካን ኪምርሓካን፡ ምስ ኣምላኽ ኬጻልኣካን ኣብ ሞት ኬንብረካን ዝጸንሓ ናይ ስጋ ሓሳባትን ድልየትን ትምኒትን ፍትወትን ግብርን ምንጋፍ ማለት ምዃኑ ዝነገረና፡ ንሕናውን ትንሳኤ ኸነብዕል እንኽእል፡ ናይ ብሓቂ ትንሳኤ ዚብጽሓና ውሉድ ትንሳኤ ምዃንና ብኸምኡ ብምርግጋጽ ዚግብኣና2 ናይ ድልየት ለውጢ ኸይገበርና ናይ ኣካይዳን ናይ ግብርን ለውጢ ኽንገብር ኣይከኣልንዩ። ሳላ ኽቡር ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብናን ተዓዲግናን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕናን ተደጊፍናን ናይ ድልየትን ትምኒትን ለውጢ እንተ ጌርና ግን፡ ኣብ ዕለትዚኣ ትንሳኤ ክርስቶስ ጥራሕ ዘይኰነ ገዛእ ትንሳኤውን ነብዕል ኣለና ማለትዩ። ካብዚ ብሓሳብናን ብግብርናን ምስ ኣምላኽ ዜጻልኣናን ምዉታት ዚገብረናን ድልየት ስጋ ኸይተናገፍና በዓለ ትንሳኤ ነብዕል እንተሊና ግና፡ ከምቶም ዘይምልከቶምን ዘይብጽሖምን በዓል ዜብዕሉ ናይ መንፈስ ዓያሱ ኢና እንኸውን። ንሕና ዘይሓበርናዮ ንሕናውን ዘይተንሳእናሉ ትንሳኤ እንተ ኣብዓልና እንታይ ትርጕም፡ እንታይ ዋጋኸ ኣለዎ፧ ብስጋ ዝሞተ ሰብ ስቕ ኢሉ ደኣ ሓመድ-ድቤኡ ይጽበይምበር ኬብዕልዶ ይኽእልዩ፧ እቲ ብመንፈስ ዝሞተ፡ ብድልየት ስጋ ርእሱ ዝቐተለ ሰብ ነዚ ናይ ትንሳኤ በዓል ኬብዕል ኣይክእልንዩ። ኣይግብኦን ከኣዩ። እንተ ኣብዓለ ኸኣ ነቲ ኽቡር ትንሳኤ ናይ ብላዕ-ስት ስጋዊ በዓል ገይሩ የቕልሎምበር ኣየኽብሮንዩ። ካብ መንፈሳዊ ሞት ከይተሳእካ ትንሳኤ ክርስቶስ ምብዓል፡ ኣብቲ ኽቡር ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ዚፍጸም ላግጺ ኪበሃል ዚኽእልዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ክርስቲያን ስመይ ዚበቅዕ፡ እቲ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ብዕርገቱ ኸይተረፈ ዝሓበሮን ዝመስሎን ሰብ ጥራሕ ምዃኑ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና፡ ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ሕይወት (ብትንሳኤ) ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። እቲ (ምስ ክርስቶስ) ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡሞ፡ እዚ (ሰብ) ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ (እቲ ድልየት ስጋ እቲ ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ከም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣለና። . . . ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና፡ ንኣምላኽ ሕያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ።ሮሜ 61-7,11

ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ፡ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ሕያዋን ገበረኩም።ቈሎ 212,13

ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ ምስኡውን ኣተንስኣና ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርእይ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።ኤፌ 24-7

እዚ ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ ብዛዕባና ብዛዕባዞም ብወልድ ዋህድ፡ በቲ ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ፡ ብምስጢር ተዋህዶ እንኣምን ሰባት ዝተባህለ ቃል-ተስፋን ቃል- ምስክርንዩ። እዚ ቓል ኣብ ሕይወትና ብግብሪ ይርአ ደዀን ይህሉ፧ ንምዃኑኸ ኣምላኽናን ሃይማኖትናን ነዚ ኸም ዚጠልበና ንፈልጥ ዲና፧ተጠምቀማለትምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ሞተ፡ ንጽድቂ ተንሲኡ ሕያው ኰነ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጥማለትዩ። ኵላትና ኸኣ ዓሪጉ ብስም ኣብን ወልድ መንፈስ ቅዱስን ዝተጠመቕና ኢና፡ ብርግጽዶ ካብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ንጽድቂ ኸኣ ዝተንሳእና ኢና፧ መልስና፡ብርግጽ፡ ከምኡእንተ ዀይኑ፡ ብሓቂ ትንሳኤ ክርስቶስ ዚምልከቶምን ዚብጽሖምን ደቂ ትንሳኤ ኢናሞ፡ ብዓልና ብልዑል ሓጐስን ምስጋናን ነብዕል! ከመዮ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ሓጢኣት (ኣባይ) ሕያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ (ብሰሩ) ሞትኩዝበሎ፡ ታሪኽና ታሪኽ ሞት ኰይኑ፡ ኣብ ዘመነ ምሕረትን ድሕነትን ገና ምዉታት ኴንና ንመላለስ እንተሊና ግና፡ ብዕቱብን ህጹጽን ንስሓ፡ ካብዚ ደምበ ሞት ነምልጥ!!

ዝተንሳእናን ዘይተንሳእናን፡ ብሓቂ ውሉድ ትንሳኤ ምዃንናን ዘይምዃንናን ግን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ክርስቶስ ጐይታና ብምጽኣቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ምስ ተቐመጠ ኺነግረና ዲና ኽንጽበይ፧ ወይስተንሲአ እኸውንብዚብል ግምታዊ ናብራ ኢና ኽንመላለስ፧ ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱንከ፡ ኣይኣብዚ ኣይኣብቲ ኣብ ረምበዞ (ሰንፈላል) ኣብ ሓዲግ ኣንጠልጢሎም ድዮም ሓዲጎምና፧ ኣይፋሎምን፡ ጭቡጥ መርትዖን መረጋገጽን ሓዲጎምልና። ትንሳኤ ብኸመይ ከም እነረጋግጽ። ሃዋርያ ጳውሎስ፦

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ሕይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።ብምባል ብንጹር ገሊጽልና3 ሓሳባትናን ድልየታትናን ከም ተመን ብምድረ- ምድሪ የንፋሑኸና እንተልዩ፡ ኣብ ትንሳኤ የለናን፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣይበዓልና ኣይታሪኽና ዀይኑ ተሪፉ ማለትዩ። ሓሳባትናን ድልየትናን ከም ንስሪ ብላዕለ- ላዕሊ የንሳፍፈና እንተልዩ ግና፡ ብርግጽ ዝተንሳእና ደቂ ትንሳኤ ኢና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ከኣ በዓልና ጥራሕ ዘይኰነ ገዛእ ታሪኽናውን እዩ። ካብዚ ዚቐልልን ዚበልጽን መረዳእታ የድልየናዶ ይኸውን፧ ከቶ ኣየድልየናን!!

ኣብዚምበኣር ዕብየት ኣርእስትና ጐሊሑ ዚረኣየካ!! “እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ፧ዚብል ሕቶ፡ ናይ ክርስቶስ ናይ ድሕረ-ትንሳኤ በዅሪ ሕቶዩ። ነቶምክርስቲያንኢልና በዓለ-ትንሳኤ ብድምቀት ንምጽንባል እንተግህ ኵላትና፡ እዛ በዅሪ ሕቶ ትንሳኤ ኣብ ቅድሜና ደው ኢላ ትብድሃና ኣላ። ኣብዛ ዓለምዚኣ ክሳዕ ምብካይ፡ ክሳዕ ምጭናቕ፡ ክሳዕ ቅብጸት ዜጒህየና ዘሎ እንታይዩ፧ ንድቃስና ረቢሹ ልዋም ከሊኡ፡ ኣዕዋፍ ጩቕ ከይበላ ጸሓይ ብጭቕ ከይበለት ንምርካቡ ዘተንስኣና፡ ዘጓይየና፡ ዕረፍቲ ዚኸልኣና ድልየትናኸ እንታይዩ፧ ንቕድስቲ ማርያም መግደላዊት፡ ብኽያታ ንኢየሱስ ስኣን፡ ድልየታ ንኢየሱስ ምርካብ ተልእኾ ሕይወታ ኸኣ ንእኡ ምድላይ ጥራሕ ነበረ። ካብኡ ኽትፍለይ ፍጹም ዘይኰነላ ስለ ዝነበረት ፈቐዶ ኸተማታትን ዓድታትን ኪዘውር ከሎ ደድሕሪኡ ትዘውር ነበረት4 ኵላቶም እቶም ምርኡያትን ኣዕኑድ መስልትን ሃዋርያት ንበይኑ ሓዲጎምዎ ኣብ ዝሃደሙሉ ሰዓት፡ ካብኡ ኸይረሓቐት ክሳዕ ነፍሱ ዝወጸትላ ሰዓት ምስኡ ኰነት5 ሞይቱ ኻብ መስቀል ኬውርድዎ፡ ብኽቡር በፍታን ምስ ከርበን ዓልወን ብእተሓወሰ ሽቱን ቀቢኦም ኪገንዝዎ ኸለዉ፡ ተሰኪሞም ወሲዶም ኣብ ውቕሮ መቓብር ንኽቡር ስጋኡ ኼንብሩ ኸለው፡ ካብኡ ኸይተፈልየት ኣብ ዘእተውዎ እናኣተወት ኵሉ ረኣየት6 ካብኡ ዝፈለያ እቲ ኺጠሓስ ዘይከኣል ሕጊ-ሰንበት ጥራሕ7 ድሕሪ ሳልስቲ ኸኣ፡ ኣንጊሃ ገና ኸይበርሀ ኸሎ ናብቲ መቓብር ምስ ብጾታ ኸደት። እቲ ንእኣ ስዒቡ ናብ መቓብር ዝኸደ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ኣብቲ መቓብር ንሳ በይናምበር ካልኦት ምስኣ ኸም ዝነበራ ኣይጠቐሰን። ንሱን ሃዋርያ ጴጥሮስን ነቲ ዚረኣይ ርእዮም ምስ ተመልሱኳ፡ ንበይና ኣብኡ ተሪፋ ናብቲ ዝተነብረሉ መቓብር ደኒና እናጠመተት ገና ትበክይ ነበረት8 እቲ ፍትሓዊ ጐይታ ድማ ነዛ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ተገዲሳ ዝደለየቶ፡ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ድልየታታ ዝስርዓቶ ሰብ፡ ቅድሚ ዅላቶም ብኣካል ኪረኣያን፡ በዅሪ ምስክር ትንሳኤኡ ኺገብራን ብጽድቂ ወሰነን ፈቐደን። ክብሪ ነቲ መስተንክር ጽድቁን ፍትሑን ይኹን!! ንሕናኸ ብምርጫ ናይዛ ቕድስቲ መግደላዊት ርእስና ዘኽበርና ሰባት ደዀን ንኸውን፧ ንጐይታ ኣሽንኳይ ብሕይወቱ ኸሎ፡ ብምዉቱ ኸሎ ምድላዩን ምስዓቡን ኣየቋረጸትን። ዝተሰርቀምበር ዝተንስአ ስለ ዘይመሰላ፡ ነቲ ሕያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልዮ እንተ ነበረት፡ ብዘይካ ንክርስቶስ ንኻልእ ከይትደልይ ምኽራ ቈሪጻ ነበረት9 ቋምቋኣ ሓንቲ ዝነበረት፡ንጐይታይ ወሲዶም፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን ንኣሕዋታ ሃዋርያትን ነቶም ዝሓተትዋ መላእኽትን ዘረባኣ ንሳ ነበረት። ኣበይ ከም ዚንበርዎ ዘይምፍላጣ ኣዝዩ ዝኸበዳ፡ ናብቲ ዝኸዶ ዅሉ ኽትስዕቦ ስለ ዘየኽእላዩ። እንተ ረኸበቶ እንታይ ክትገብሮ ኸም ዝደለየት፡ ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ዝመስላ ጐይታኣ፡ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒኢላ ባህጊ ልባ ገለጸት። ጐይታና፡ ገና ብዮሃንስ መጥምቕ ተጠሚቚ ንኣገልግሎት ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቀ-መለኮትእንሆ ገንሸል ኣምላኽኢሉ መስከረሉ። ነዚ ምስ ሰምዑ፡ እንድርያስ ዚርከቦም ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ንእኡ ሓዲጎም ደድሕሪ ጐይታ ሰዓቡ። እቲ ምስዓቦም ዝተዓዘበ ጐይታ ድማ፡ ንድሕሪት ግልጽ ኢሉእንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡መምህር፡ ኣበይ ሰፊርካ ኣለኻ፧በልዎ።ንዑ ርኣዩምስ በሎም ከኣ ዝሰፈረሉ ርእዮም ምስኡ ወዓሉ። ካብ ውዕሎኦም ምስ ተመልሱ ኸኣ፡ ዕዉት ናይ ድልያ (እለሻ) ጊዜ ኸም ዝነበሮም፡ንክርስቶስ ረኺብናዮ ብዚብል ባህ ዜብል ምስክርነት ገለጽዎ10 ኢየሱስ ነቶም ብሓቂ ዚደልይዎ ዚርከበሎም ኣምላኽዩ። ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምስቶም ዚደልይዎ ዚነብር ጐይታ11 ሰፈር ክርስቶስ፡ ልቢ ናይቶም ዚደልይዎዩ። ስለዚ ኸኣ፦ በታ መዓልቲቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።

ኢሉ ኣረጋገጸልና12 ቅዱሳን ሃዋርያትውን ከምኡዮም ዘረጋገጹልና13 እቲ ንክርስቶስ ብምሉእ ልቡ ዚደልዮ ንልቡን ሕይወቱን ማሕደር ክርስቶስ ከም ዚኸውን ገይሩ የዳልዎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ከኣ ጐይታና፦ እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ ዚሕልዎ፡ ንሱ ዜፍቅረኒ፡ ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮዩ፡ ኣነውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። . . . ዜፍቅረኒ እንተ ቓለይ ይሕሉ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።

ብምባል ኣረጋገጸልና14 ስለዚ ንእግዚኣብሔር ኵሉ ጊዜ ምስ እንደልዮ፡ ቀዋሚ ማሕደሩን መቕደሱን ስፍራኡን ይገብረና15 እቲ ሓቀኛ ደላዪ፡ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ፡ ልቡ ኣብ ክንዲ ጐይታ ዀይኑ እንታይ ከም ዚብሎ፦ ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ንገጸይ ድለይዎይብለኒ ኣሎ። እግዚኣብሔር ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።ብምባል ቅዱስ ዳዊት ገሊጹልና ኣሎ16 ናይ ሕይወቱ መርገጽን መደምደምታን ከኣ፦ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።ዚብል ዚኸውን17

ስለዚምበኣር፡ ኣብዛ ቕድስቲ ናይ ትንሳኤ ዕለት፡ ጐይታ፡ንመን ትደልይ ኣለኻ፧ ንስኺኸ ንመን ትደልዪ ኣለኺኢሉ ይሓትተና ኣሎ። እዚ በዅሪ ሕቶ ትንሳኤዚ፡ ነዚ በዓልና ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ሕይወትና ኼማእዝን፡ ንዅሉ መገድናን ኣካይዳናንውን ኬቕንዕ በቲ ንጉስ ትንሳኤ ዝተዋህበና ኣማእዛኒ (ቀላሲ) ሕቶሞ፡ንመን እደልይ ኣለኹ፧ኢልና፡ ሕይወትናን ኣካይዳናን ንፈትሸሉ። ናይ ትንስኤና መረጋገጺ ንግበሮ። ከም መዘምር ኣሳፍ፡ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይንንምባል ክሳዕ እንተብዕ፡ ነቲ ናይ ላዕሊ ዘበለ ዅሉ ብብርቱዕ ባህጊ ንድለዮ። ነቲ ንዘለኣ ለም ዚቕትለናን ካብቲ ናይ ዘለኣለም ብሉጽን ምሉእን ረዚንን ክብሪ ዜትርፈናን ዘበለ ሓሳብ ስጋን ግብሪ ስጋን ርእስና ነንጽህ። ከም ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ንክርስቶስ ብምልኣት ክሳዕ እንረኽቦ፡ ነቲ ንእኡ ናይ ምድላይ ባህግናን ጻዕርናን ነሓይሎ። ከም ስጋ እንተ ተመላለስና፡ ብመንፈስ ክንመውት ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ዚህውኸና ግብሪ ስጋ ብመንፈስ ንቕተሎ። ከመይሲ ብስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን18 ካብ ሓጢኣት ሞይትና ንጽድቂ ሕያዋን ኴንና ተንሲእና፡ ንክርስቶስ ወርትግ ንድለዮን ንርከቦን!! በዚ ግብርና ድማ ደቂ ትንሳኤ ምዃንና ነረጋግጽ!!

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሚያዝያ 24, 2013 ግዕዝ (2 ግንቦት 2021)  - መበል 34 ሰንበት: .ቊ.51(፶፩)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 1520-41

1ጴጥ 314-ፍጻ

ግብ 222-36

ዮሃ 201-18

ዘዲዮስቆሮስ

መዝ 78፣65-66

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም።

ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።

ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም

1ቲቶ33-5:2ኤፌ 21-3 ቈሎ121-23 ቲቶ33-5:3ቈሎ 31-3 4ሉቃ 81-3 5ማቴ 2755,56 6ማቴ 2759-61 ሉቃ 2353-56 ዮሃ 19 38-42 ማቴ 2656,69-75 ዮሃ 1632 7ሉቃ 2356 8ዮሃ 1910,11 9ሉቃ 245:10ማር 11፡12-14 11ሉቃ 19፡41-44:10ዮሃ 135-42 11ማቴ 1819,20 2819,20 12ዮሃ 1420 1721-23 653 131ዮሃ 3 24 412,13          14ዮሃ 1421,23 15ኢሳ 556 2ዜና 152,4 16መዝ 278           17 መዝ 7325 18ሮሜ 812-13

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div