S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል [መበል 32 ሰንበት: ቊ.38/፴፰]

ኒቆዲሞስ ከኣ፡እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮውን ንምስክር ኣለና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። . . .” ዮሃ 39-11

ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ቕዱስ ዕለተ ሰንበትን ድሕሪኡ ዘሎ ሳምንትን፡ኒቆዲሞስተባሂሉ ዚጽዋዕ። ኒቆዲሞስ፡ ብሞያኡን ኣይሁዳዊ እምነቱን ፈሪሳዊ ኽነሱ፡ ናይ ጐይታ ሕቡእ ወደ መዝሙር ድማ ነበረ። ወደ መዝሙርነቱ እንተ ዚገሃድ ኬስዕበሉ ዚኽእል ውግዘትን ስደትን ካብ ናይቶም ካልኦት ኣዝዩ ኸም ዚመርር ዘየጠራጥርዩ። ክሳዕ እዋን ብዘይካኡ ኻልእ ፈሪሳዊ ወደ መዝሙር ከም ዝነበረ እቶም ኣርባዕተ ወንጌላውያን ኣይተረኹልናን። ስለዚ ኸኣ እምነቱ ኼግህድ ጐይታ ኣየገደዶን። ንጸልማት ከውሉ ገይሩ ኻብ ጐይታ ኺመሃር ብለይቲ ኺመጽእ ከሎ፡ ጐይታ ብሕያውነት የአንግዶን የገልግሎን ነበረ። ኣብ እምነት ክርስትና ነታ ዝዓበየት ምስጢር ዝገለጸሉ ኸኣ ንእኡዩ። ብዛዕባዳግማይ ልደት፡ ሓድሽ ልደትተባሂሉ ዚጽዋዕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን መጀመርታ ንእኡ ዝተገልጸሉ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያናውን ነዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣብቲምስጢር ጥምቀትን ሜሮንንዚበሃል መሰረተ-እምነታ ብዕምቈትን ብስፍሓትን እተስተምህሮ። ብምስጢረ ጥምቀትን ብምስጢረ ሜሮንን (ብኣገልግሎት ምልኣት መንፈስ ቅዱስ) ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ከይተወልደ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትውን ገጽ እግዚኣብሔር ዚርእይን ከም ዘየልቦ ዘይንቕነቕ ጽኑዕ መሰረተ-እምነታዩ። እዚኒቆዲሞስዝተሰምየ ናይ ዓብይ ጾም ቅንያት እምበኣር፡ ብዛዕባ ብደም ክርስቶስ ተዓዲግናን ድሒንናን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ናይ ውልድነት ክብርን መሰል ብዕምቈት ከነስተንትነሉ፡ ንኣና ንሓጥኣን ውሉድ ክንከውን ብምፍቃዱ ዘርኣየና ሕያውነትን ምሕረትን ንኣምላኽ ከነመስግነሉ፡ ነዚ ኽቡር ውልድነትና ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘለና ድማ ብዘይንሕስያ ብዕምቈት ክንምርምርሉ ዝተሰርዓልና ኽቡር ቅንያት ስለ ዝዀነ ኸም ዚግባእ ከነስተውዕል ይግባእ። ሃለዋት ውልድነትና እንምርምረሉ መዓልታት ግን ምሉእ ዓመትምበር፡ እዚ ናይ ኒቆዲሞስ ቅንያት ጥራሕ ኣይኰነን። ብጾምን ጸሎትን ዝተሰነየ ምምርማር ግና ኣዝዩ ዕቱብን ፍሉይን ብደረጃ ምልእቲ ቤተ ክርስትያን ዝተሰርዐ ብምዃኑን ግና ዕዙዝ ክብሪ ዘለዎዩ።

ንውልድነትና ኣብ ምልክት ሕቶን ኣብ ሓደጋን ካብ ዜእትውዎ ዘየቕስኑ ምልክታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ኸም ኣርእስትና መሪጽናዮ ዘለና፡ እዚ ሓለቓ ኣይሁድ ዝዀነ ኒቆዲሞስ ንጐይታ ዘቕረበሉ ሕቶዩ። ቃናን መልእኽትን ናይዚ ሕቶ ኣስተውዒልናዮ ኸም ዘለና፡ ኪበርሃልካን ክትርዳእን ናይ ምድላይ ሕቶ ዘይኰነስ፡ ስዉር ዘይምእማን ዘንቀዶ ሕቶዩ። ስለዚ ኸኣ ጐይታ ዕጽም ብዝበለ ሃይለ-ቃል ዝመለሰሉ። ውልድነትን ዘይምእማንን ሓቢሮም ኪኸዱ ዘይክእሉ ባህርያትዮም። ኣብ እምነት ዘየለ፡ ኣብ ውልድነት ኪህሉ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ነቲ ዝወለደና ኣምላኽ እንተ ዘይኣሚንና ደኣ ንመን ክንኣምን ኢና፧ ነቲ ናብ ውልድነት ዘብቅዓካ እምነት ደርቢኻዮ ኣለኻ ማለትዩ። እቲ ዜጸግመናን ዚጥብረናን ዘሎ ነጥቢ፡ ንገለ ኽፋሉ ኣሚንና ንገለ ኽፋሉ ንጠራጠሮ ምዃንናዩ። እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእልን ኣእምሮኡ ዀነ ኣሰራርሓኡ ብኣእምሮ ሰብ ኪምርመርን ኪብጻሕን ዘይክእል ኣምላኽዩ። ስለዚ ብምርኣይን ብምርዳእን ዘይኰነ፡ ብእምነት ኢና እንቕበሎ። እዛ ምቕባልን ምእማንንዚኣ ኸኣ መሰል ውልድነት ንምርካብ ብቑዓት እትገብረና። ከምዚ ንዅሉ ኺርዳእ ዚኽእል ምስ ናይ ኣምላኽ ዚዳረግ ኣእምሮ ዘሎና ዄንና፡ ብኣምላኽ ኰነ ብኣገልገልቱ ንዝተዘርበን ንዝተገብረን ኵሉ፡እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ኢልና ንሓትትን፡ከም ዋዛ ብቐሊሉ ዝጥበርን ዝኣምንን ሰብ ኣይኰንኩን!” ዝዓይነቱ ትምክሕታዊ መርገጺ ነንጸባርቕ እንተ ዄንና፡ እታ ብናይ ዕሽነት ስብከት እትርከብ ውልድነት ኣዝያ ኽትርሕቀናያ። እቲ ንውልድነት ብደገ እምነት ሓዲጉ ብኻልእ ኪሓኹራ ወይ መንደቓ ኣፍሪሱ ኺኣትዋ ዚደልይ ሰብ፡ ከቶ ዘይትረሓው ማዕጾ ኣስራዚ እትዀኖ። ነቲ ብገርህነትን ብንጽህናን ዚቕበላ ግን ምዅሕኳሕ ኸየድለዮ ተራሕያ እያ እትጸንሖ።

እታ ናብ ውልድነት እተብቅዓና፡ ተመሊሳ ኸኣ መረትዖ ዉልድነትና ዀይና እተገልግለና እምነት ግን ከመይ ዝበለትያ፧ እምነት ክንብል ከለና፡ ብዛዕባየናይ እምነት ኢና እንዛረብ ዘሎና፧ ብርግጽ እምነት ሓንቲያ። ግን ከኣ ኣብ ብዙሕ መዳያት ሕይወት እትግለጽ። እታ ናብ ድሕነት እተእትወና እምነት፡ እቲ ብዛዕባ ህልውናኡ፡ ሓደን ስሉሱን ኣምላኽ ምዃኑ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ (ወልድ ዋህድ) ምዃኑ፡ ብደሙ ብናይ መስቀል ሞቱ ኸም ዘድሓነና፡ ብዛዕባ መለኮታዊ ባህርያቱን ግብርታቱን ዘለና ርድኢት ወዘተ ዚምልከት እምነትዩ። ንኣብነት ጸሎተ ሃይማኖት (The creed) ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን፡ ኣእማደ ምስጢር ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ናይ እምነትና መግለጺዮም። ኣብዚ መሰረት- እምነት ተመርኵስና፡ ኣብቲ ዕለታዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና እነንጸባርቖ እምነት ከኣ ኣሎ። ንዝዀነ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ ኸኣልነት ጐይታ ሕቶ ምስ ዚቐርበሉ፡ ብዜገርምን ብዜሐጒስን ፍጥነት፡ጐይታ፡ ኣልቦ- ዘይሳኣኖ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽኢሉ ይምልስዩ። ኣብቲ ግብራዊ ናብራ ግን፡ እምነት ብርእዮ ኺጐድሎ ይረኣይ፡ እዚ ድኻም ዋላ ኣብ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትንውን ተራእዩዩ። ንሳቶም ኣብ እምነቶም ጒድለት ስለ ዘርኣዩ ግን፡ ምጒዳል እምነት ከም ቅቡል መንፈሳዊ ተርእዮ ኽንቅበሎ ኣይግባእንዩ።

ሓደ እዋን ጐይታና ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብጃልባ ኣብ ባሕሪ ገሊላ እናተጓዕዘ ኸሎ፡ ብርቱዕ ማዕበል ተላዒሉ፡እንተ ዘይገልበጥክዎ፡ ብማይ ደፊነ እንተ ዘይጥሓልክዋኢሉ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ኣዝዩ ኣጨነቖም። ጐይታና፡ ብስጋ ዝተገልጸ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ ካብ ምእማኖም ዝተላዕለ፡ ንሃዋርያነት እተሓርዩ ሰባትዮም ዝነበሩ። ንሳቶም ከም ጸባ እናተሓቚኑ ኸለዉ፡ ጐይታ ግን ኣብ ድሕሪት ናይታ ጃልባልዋም ድቃስ ደቂሱ ነበረ።ኵሉ ዚኽእል ጐይታ ምዃኑ ይፈልጥዎዮም። ዋላ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ሰጢሞም እንተ ሞቱውን፡ ኬተንስኦም ዚኽእል እንተ ዀይኑን እንተ ዘይኰይኑን ናይ ቃል ፈተና እንተ ዚወሃቦም (ሕቶ እንተ ዚቐርበሎም፡ብርግጽ ኬተንስኣና ይኽእልኸም ዚብሉ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ብግብሪ ግን ነታ እምነቶም ኬግህድዋ፡ ብእኣ ኺሃዱኡ ኸኣ ኣይከኣሉን። ጐደሎ እምነት ከም ዘለዎም በቲ ዘርኣይዎ ጭንቀት ተቐልዑ። ነቲ ነውጺ ናይቲ ማዕበል ዘየበራበሮ ጐይታ፡ ብጭንቀቶም ነቕኒቖም ምስ ኣተንስእዎ፡ኣቱም ጉድላት እምነት ከመይከ (ክሳዕ ክንድ) እትፈርሁ፧ኢሉ ገሰጾም1 ጐይታና ባዕሉ ደጋጊሙ ብምጒዳል እምነት እንተ ዘይነቕፎም፡ ሎሚ ቕዱሳን ሃዋርያት ብእምነት ጐዲሎም ምንባሮም ኺዛረብ ዚደፍር ኣይምሃለወን ነይሩ። ነቲ ድኻም ቅዱሳኑ ብዘይ ድምሰስ ቀለም ኣብቲ ቕዱስ መጽሓፍ ዘስፈረልና ኣምላኽ፡ ምስጋና ይኹኖ! ቅዱስ ዳዊት ንባትሴባ ብዓመጽ ኣነዊሩ፡ ናይ በዓል ቤታ ንጹህ ደም ከም ዘፍሰሰ፡ እቲ ርእሲ- ሃዋርያት ዝዀነ ቕዱስ ጴጥሮስ፡ ንጐይታኡነዚ ሰብኣይ ኣይፈልጦን ኢሉ ኸም ዝኸሓደ እንተ ዘይጸሓፈልና፡ በዚ ኣምላኽ ኺኣምንን ኪትስፈውን ዚኽእል ሰብ ምተረኽበናዶ ነይሩ፧ ፈጺሙ ዘይመስልዩ። ንዝወደቑ ዜተንስእ፡ ንዝበደልዎን ዝጠለምዎን ብምሕረት ብፍቕሪ ዚቕበል ጐይታ ምዃኑ ዚትርኽን ዚምስክረሉን መጽሓፍ ስለ ዝረኸብናን ስለ ዝኣመንናን ኢና ናብ ቤተ ክርስትያን ናይ ምምጻእ ባህግን ፍቕርን ተዓዲልና ዘለና።

እዚ፡ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ዚብል ሕቶ፡ ብኻልእ መልክዕ እንተ ገሊጽናዮ፡ኣምላኽ ነዚ ነገር ከመይ ገይሩ ኪኽእሎ፧ዚብል ቅሉዕ መልእኽቲ ዘለዎ። እዚ ኣበሃህላ ነቲእግዚኣብሔር ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽዚብል ዓንዲ ናይ እምነትና፡ ብኸቢድ ማሳ ጌርና ኸነዕንዎ ኸም ምፍታን ዚቚጸርዩ። ከምኡ ዘይበሃልን ዘይንብልን መሲሉና ኣይንዓሽው!! ናይ ውሽጢ ጒድና ሓቢእና ጥዑያት ኣብ ምምሳል ስለ ዝዋሕለልና ኢና ንኣምላኽን ንሰብን ዝጠበርና ዀይኑ ዚስምዓናምበር፡ ካብ ማዕበል ኵነታት ንላዕሊ እቲ ናይ ዘይምእማን ማዕበል ብዝያዳ ዜናውጸና። ብደረጃ ስሩዕ ሓሳባትን ቃላትን፡እምበርዶ ኼድሕነና ይኽእልዩ፧እንተ ዘይበልናኳ፡ በቲ ኽንሓብኦ ዘይተኻእለና ጭንቀትናን ቅብጸትናን ቀደም ደርጒሕናዮ ኢና። ግብሪ ድማ ካብ ቃላት ንላዕሊ ብዓውታ ኸም ዜስምዕ ኣይንረስዕa ኣምላኽ ነቲ መርከብ ዘይትኽእሎ ክቡርን ወርቃውን ቃላትና ዘይኰነስ ነቲ እነንጸባርቖ ባህርያትን ስምዒታትን ነቲ እንገብሮ ግብርታትን ከም ዚመዝን፡ ንሕናውን ሕውየት ምእንቲ ኽንረክብ ነቲ ኣብ ፈታኒ እዋናት ዚገሃድ ሓቀኛ ግብራዊ መንነትና ደኣ ንምዘን።

ነብዪ ሙሴ፡ ኣዝዩ ዓበይቲ ግብርታት ናይ እግዚኣብሔር ዝረኣየ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነበረ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ተኣምራት፡ ኢዱ ናይ ምሕዋስ ክብሪ ረኺቡዩ። ንፈለግ ኒል ብበትሪ ስለ ዝወቕዓ ጥራይ፡ ካብዚ መጻ ኺበሃላ ዘይክእላ፡ ቁጽሪ ዘይብለን እንቁሩዖብ፡ ንምድሪ ግብጺ ኺደፍናኣ ዝረኣየ ሰብዩ። ሓደ እዋን እስራኤላውያን ስጋ ምብላዕ ናፊቖም ማና-ሰማይ (እንጌራ-መላእኽቲ) ተመንይዎም ኣብ ገገዝኦም ከም ቈልዑ ኪበኽዩ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ኣምላኹ ጸለየሞ፡ እቲ ሕያዋይን መጋብን ኣምላኽ ከኣ፡ በፍንጫኦም ክሳዕ ዚወጽእ ክሳዕ ዚመንውዎ ንወርሒ ምሉእ ዚኸውን ስጋ ነቲ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን (ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይb ከም ዚህቦ ብዅሉ ኸኣልነቱ ኣተስፈዎ። ነዚ ብብዝሒ ተኣምራት ዝተዋሕጠ ታሪኽ ዘለዎ ነብዪ ግን እምነቱ ኣብ ሽዑ በጺሓ ኣግድዓቶ። ነቲ ብመስተንክር ከኣልነቱ ንእኡ ዘዕበዮን ዘኽበሮን ኣምላኽ ከኣ፦

እዚ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዘለኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይ (ስድራ ቤት ዝሓዘ)’ዩ። ንስኻ ኸኣወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኽህቦምትብል ኣለኻ። ንኣታቶም ዚኣክል ጤለ በጊዕን ኣሓንዶ ኺሕረድዩ፧ ወይ ንኣታቶም ኪኣክልሲ፡ ኵሉ ዓሳ ባሕሪዶ ኺእከብዩ፧ ኢሉ መለሰሉ። እግዚኣብሔር ግና ነዚ ብዕዙዝ ዓቕልን እሙነነትን ተኣዝዞን ዘኽበሮ ቕዱስ ባርያኡ ቀልጢፉ ኣይቀበጾን። ብዜደንቕ ተኣምር ንእምነቱ ኺድግፍ፡ ነቲ መጒረምረሚ ልሳን ናይ ቤት-እስራኤል ከኣ ኺዓብስ ሰናይ ስለ ዝመኸረ፦

ኢድ እግዚኣብሔርዶ ሓጻርያ፧ ሕጂ እቲ ቓለይ ዚዀነልካ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ዘይኰነልካ ክትርእይ ኢኻኢሉ መለሰሉ2 ናይ ሙሴ ዘይምእማን ንእግዚኣብሔር ዘመሓላለፈሉ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዒልናሉዶ ኣለና፧ኢድካ ሓጻርእትብል ኣሉ ዘይትበሃል መልእኽቲ ኸም ዝተቐበላ እግዚኣብሔር ብወግዒ ገሊጹሉ ኣሎ። ኣብ ባህልና ኸኣኢድ ሓጺሩኒዚብል ምሳሌኣዊ ኣገላልጻ፡cመልእኽቱዓቕሚ ስኢነ፡ ውሒዱኒ፡ ኣይከኣልኩንዚብል ንጹርዩ። ስለዚ ናብ ቋንቋ ሙሴ እንተ ለዊጥናዮ፡ኣታ እግዚኣብሔር ክትገብሮ ዘይትኽእል ተስፋ ኢኻ ትህብ ዘለኻ፡ ደጊምካ ሕሰበሉ ስምዕ መልእኽቲዩ። እግዚኣብሔር ግና ካብ ብብዙሕ ቃላት ብግብሪ ኺዛረብ ስለ ዝመረጸ፡ ነቲኽትርእይ ኢኻዝበሎ ብግብሪ ኣርእዩ፡ ብዛዕባ ዘይምእማኑ ኸም ዚንሳሕን፡ ብዛዕባ ብዘይ ምእማንን ብዘይ ምስትውዓልን ዝተዛረቦ ቓል መልሓሱ ኸም ዚሓይኽ ገበሮ። ስለዚ እዚ ቐዳማይ ዘይምእማን ብምሕረት ተሓልፈ።

ካልኣይን ዘይነሓፍን ዘይምእማን ግን ቀልጢፉ ደገሰ። ምጒርምራም ዚብልዎ ሓጢኣት መሸም፡ ኣዝዩ ሕሱምዩ። ማይ ምስ ሰኣኑ፡ ብምጕርምራም ነቲ ዓቃል ሙሴ ናብ ዘይለመዶ እንጸርሮት ኣእተዉዎ። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብቲ ደረቕ ምድረ በዳ ኻብ ደረቕ ከውሒ ንሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ብማይ ኬርዊ ብምሕረቱ ስለ ዝወሰነ፡ ንሙሴ ነቲ ኸውሒ በታ ኣብ ኢዱ ዘላ በትሪ-ኣምላኽ ሓንሳእ ኪሃርሞ ኣዘዞ። ንሙሴ ግና፡ ዋላ ኻብ ከውሒ ብበትሪ ዘይኰነስ ብቓላት ተዛሪቡ ማይ ናይ ምውሓዝ ተመክሮ እንተ ነበሮኳ፡ ካብቲ ናይ ሕጂ ኸውሒ፡ ግና ማይ ኪርከብ ዚብል እምነት ስለ ዘይነበሮ፡ ነቶም ሕሱማት ህዝቡ፡

ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” ኢሉ ናይ ዘይምእማን ቃል ተዛረበ። ናይ እምነትን ናይ ቃላትን ጌጋ ጥራሕ ከይከውን ከኣ፡ ኣብ መሪር እንጽርጽሮት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ሓንሳእ ዚብል ትእዛዝ ጥሒሱ፡ ኢዱ ኣልዒሉ ብበትሩ ነቲ ኸውሒ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ ማይ ጃሕጃሕ ክሳዕ ዚብል ብብዝሒ ስለ ዝፈልፈለ፡ እቲ ናይ ማይ ጸገም ብኡንብኡ ተፈትሐ። እቲ ብእንጽርጽሮት ተወቒዑ ኻብ ዝነበረ ሙሴ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ዝፈልፈለ ዘይምእማን ግን ዘይፍታሕ ጸገም ወለደ። እግዚኣብሔር በቲ ዘይምእማንን ዘይምእዛዝን ናይ ባሮቱ ሙሴን ኣሮንን ተቘጢዑ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፡ ስለዚ (ነዚ ህዝቢ) ናብታ ዝሃብክዎ ምድሪ ኣይከተእትውዎን ኢኹም።ኢሉ ብርእሱ ምሒሉ ፈረደ3 ናይ ምእማንን ዘይምእማንን ትርጕም እምበኣር ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። ንእግዚኣብሔር ምእማን፡ ንእግዚኣብሔር ምቕዳስ ማለትዩ። ዘይምእማን ማለት ድማ ኣንጻሩ ዝዀነ፡ ማለት ንእግዚኣብሔር ምርካስ ዚብል ትርጒም ዘለዎ ምዃኑምበኣር ኣጸቢቕና ነስተውዕል!! ናይ ዘይምእማን ትርጕምን መልእኽትን ክሳዕ ክንድ ሓደገኛ፡ ካብ ኰነ፡ ማዕረ ኽንደይ ክንፈርሆን ከነርሕቖን ዘይግብኣና!! ዓስቡን ፍርዱን ከኣ ብዝገደደ ኽይፈርሆ ዚገብርዩ። እቲ ነርብዓ ዓመት ከርተት ኢሎም ዝደኸመሉ ጕዕዞ ነጻነትን ምውራስ ምድሪ ተስፋን፡ በኒኑ ተረፈ። እግዚኣብሔር ናብታ ምድሪ ተስፋ ኬእትዎ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ፡ ብኸቢድ መጠንቀቕታ ደኣ ኣብቅዐምበር፡ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ናይ ሙሴ ዘይምእማን፡ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ብዜገርም ኣገላልጻ ሰፊሩ ንረኽቦ ኢና። ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፡ ሙሴውን ብሰሮም ተጐድአ። ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፡ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።መዝ 10632,33

ዘይምእማንምበኣር፡ እቲ ዝኸፍአ ዕሽነትዩ። እቲ ዘይምእማን በየናይ ክፋል ሰብነትካ ኸም ዝተጋህደ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ መንፈስካ ድሮ ተወቒዑን ተጐዲኡን ኣሎ። እንተ ደለየ ብእምሮ ብደረጃ ሓሳብ፡ ብኸናፍር ብደረጃ ቓላት፡ ወይውን ብግብሪ ብደረጃ ኣካላት ኪግለጽ ይኽእልዩ። ብዝደለየ ይገለጽ፡ እቲ መግለጺ ዘይኰነስ እቲ ጠንቁ (እቲ ዘይምእማን)’ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስን ዘይጽወር ብልሽው መፈጸምታ ዜጐልብብ። ብዘይ ምእምእማን ዝተዘርበ ውርዙይ ቃላት ዕሽነት ምዃኑ ኣይተርፎንዩ። ብዘይ ምእማን ዚቐርብ ጸሎት፡ ንኣምላኽ ብድፍረት ኣብ ቅድሚኡ ዄንካ ኸም ምልጋጽዩ። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ዚበዝሐ ጊዜ ብጸሎትና ዚዅርይ፡ ንኣና ኸኣ ጸሎትና ንሓጢኣት ዚዀነና4 ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩሞ፡ እቲ እናተወላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ ይዅነን።

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ (ኬሐጒስዎ) ኣይከኣልንዩ። . . .” ብምባል ብዘየማትእ መገዲ ነቲ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ5 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ በቲ ናይ ነብዪ ኤልሳእ ትንቢት ምእማን ጸጊምዎ፡ ኬላግጽ ምስ መረጸ፡ብዓይኑ ኸም ዚርእዮ፡ ኻብኡ ግና ኸም ዘይብልዕፍርዲ ተነግሮ። ካብቲ ዝወሓዘ ናይ ምርኮ እኽሊ ሓንቲ ዅላሶ ኸይበልዐ ኸኣ ብህዝቢ ተረጊጹ ሞት በልዖ6 ካህን ዘካርያስ ነቲ ብመልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ዝተነገሮ ኽዉን ቃል ተስፋ ዘይምእማኑ ምስ መረጸ፡ እቲ ናይ ዘይምእማን ናይ ዕሽነት ቃላት ዝተዛረበ ልሳኑ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኪልኰት ተፈርደ 7

ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ግን፡ ቅድሚኡ ዘይተገብረ ድሕሪኡ ኸኣ ዘይድገም ግብሪ፡ ማለት ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብድንግላ ኽትጠንስን ክትወልድን ምዃና፡ እቲ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ከም ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነ መለኮት ኣብ ማህጸና ሓዲሩ፡ ፍጹም ሰብ ኪኸውን ምዃኑ ምስ ተነግራ፡ ካብ ዘይምእማን ዘይኰነስ፡ ክትርዳእ ስለ ዝደለየት፡እዚኸ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ኪኸውንኢላ ሓተተት። እቲ ብእምነታ ኽትቅድስ ዝሓረያ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ብመልኣኹ ገይሩንኣምላኽ ዚስኣኖ ነገር የልቦንኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡እኔኹ ባርያ እግዚኣብሔር፡ ከም ቃልካ ይኹነለይኢላ ብልዑል እምነት ተቐበለቶ። ካብ ዅለን ኣንስቲ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ኵሉ ሰብ ዝተባረኸትን፡ ንውሉድ ወልዶታት ብጽእቲ ኽትብሃል ዘብቅዓ ድማ እዚ ሓያልን ፍሉይን እምነት8 እምነታ ንኣምላኽ ከም ዘስመረን እቲ ዝኣመነቶ ቓልውን ድሮ ኸም ዝተፈጸመን ምእንቲ ኼበስራ ድማ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ገይሩ፡ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተነግረላ ቓል ኪፍጽምሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲያ።ኢሉ መስከረላን ኣረጋገጸላን9

ንሕና እዞም ብፍረ-ማህጸና ዝደሓንና ብእምነታ ዝተገልገልና ህዝበ ክርስትያንከ፡ ካብ እምነት ዚሓይሽ እንታይ ካልእ ኣማራጺ ኣሎና፧ ከምቲ ነዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብእምነታ ኺሓርያን ኪሓድራን ዝመረጸ፡ ኣባናውን ምእንቲ ኺሓድር፡ ኣብ ኵሉ ሕይወትና ብእምነት ንቐድሶ። ካብቲእዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ዚብል ህላውነቱ ኣሚኑ ከኣልነቱ ዚኽሕድ ዘይምእማን ርእስና ንሓሉ። ካልእ እንሓጥኣሉ ተግባራት ከም ዝተሳእነ፡ ብጒዳይ እምነት ኣይንሕጣእ። ናይ ዘይምእማን ካልእ ስምን መግለጽንንኣምላኽ ምንዓቕ ምቕላል”’ዩ። ዘይምእማን፡ ለባም ዝዀንካ እናመሰለካ ብዕሽነት ዜዋርድ ነውራም ኣበሳዩ። ዘይምእማን፡ ናብ ድፍረታዊ ሓጢኣት ዜጽድፍ ሰይጣናዊ ሓይሊዩ። ጻድቕ ብእምነት ዚነብርሞ፡ ነቲ ምንባር እናደለናዮስ ብሰሪ ዘይምእማን ኣይንሙት10!! ወርትግ ነቲ እግዚኣብሔር ብሕያውነቱ ዝኸሰተልና ናይ እምነት ጥበብ ደኣ ንሕረይ!! ከመይሲ ንዚኣምን ኵሉ ይከኣል11!!

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሚያዝያ 8, 2013 ግዕዝ (18 ሚያዝያ 2021)  - መበል 32 ሰንበት: .38 (፴፰)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 7: 1-14

1ዮሓ 4:1-10

ግብ 5:34-ፍጻ

ዮሓ 3:1-21

ዘእግዝእትነ ማርያም (ጎስዓ)

መዝ 17:3-4

ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፤ ወአመከርከኒ ወኢተረክበ ዐመፃ በላዕሌየ፤ ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ እጓለ እመሕያው።

ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። 

1ማቴ 8፡23-28:aAction speaks louden than words bhousehold 2ዘሁ 11፡21-23 cidiomatic expression:3ዘሁ 20፡2-13:4መዝ 80፡4፣ 109፡7፣ ማቴ 20፡22 ፥ 5ሮሜ 14፡23፣ እብ 11፡6 ፥ 6 2ነገ 7፡18-20 ፥ 7ሉቃ 1፡20፥                 8ሉቃ 1፡38,47-49፥ 9ሉቃ 1፡42,43,45፥ 10ሮሜ 1፡17፣ እብ 10፡38,39፣ 11ማር 9፡23

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div