S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም [መበል 31 ሰንበት:ቊ.37/፴፯ ]

መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦምዩ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሂብዎም ገሸ።” ማቴ 2514, 15

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና: እዛ ዘለናያ ሰንበትን ብቛንቋ ግእዝገብር ኄር ብቛንቋ ትግርኛ ድማሕያዋይ ባርያተባሂለን እየን ዚጽውዓ። እቲ ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ድማ ብዛዕባ ኽልተ ሕያዎት ባሮትን ሓደ ሕሱም (ክፉእ) ባርያን ዚትርኽ ክፍሊ ቕዱስ ወንጌልዩ። ሊቃውንቲ መዘምራንናውንመኑ ውእቱ ገብር ኄር (መን ሕያዋይ ባርያ)” እናበሉ ኺዝምሩልና ሰሚዕናዮም ኣሎና። ኣብቲ ምስ ዲያቆናትና እናተቐባበልና ዘዜምናዮ ምስባኽውን፡ኣምላኸየ ፍቃድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይዚብል ሕያዋይን እሙንን ባርያ እግዚኣብሔር ዜዘውትሮ ቓል ኢና ዘዜምና። ከመይሲ ፍቓድ ጐይታኡ ንምእዛዝ ባህጊ ዘይብሉን፡ ብምእዛዙ ድማ ሓጐስ ዘይፈጥረሉን ባርያ እግዚኣብሔር፡ ሕሰምን ጥልመትንምበር ሕያውነትን እሙንነትን ናብ ጥቓኡ ከቶ ኣይቀርብንዩ። ኣብቲ ንባብ፡ ነቶም ብሕያውነትን እሙንነትን ዜገልግሉ ተሓዚኡሎም ዘሎ ኽብሪ፡ ነቶም ዚለግሙን ዚጠልሙን ሕሱማት ተዓቝሩሎም ዘሎ ዘይጽወርን ዘየባትኽን ስቓይ እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። ንሓደ ምርጫን ተግባርን ተመራጺ ዚገብሮን ዘይገብሮን ከኣ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ (ወይ ጻማኡ)’ዩ። ዓይንኻ እናረኣኻ ምስ ቀልብኻ እናሃለኻ መሸም፡ ኣብ መወዳእታኡ ዘይጽቡቕ ዚፈድየካ ምርጫ ኣይምረጽንዩ። እቲ እትጽበዮ ጻማ ዕምሩ ንሓጺር ጊዜ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኽብሪ ይኹን ነቲ ስቓይ ክትንዕቆ ይከኣልዩ። ካብ ዝባንካ ንዘለኣለም ዘይወርድ፡ ሓይሊ ኽብሩ ዀነ ሓይሊ ስቓዩ ፈጺሙ ዘይጐድል እንተ ዀይኑ ግን፡ ንምርጫኻ ብወዝቢ ወይ ከም ዋዛ ኽትውስኖ ኸቢድ ዕሽነትዩ። ደው ኢልካ ብዕምቈት ሓሲብካን ኣመዛዚንካን እንተ መሪጽካዮ፡ ነቲ ምርጫኻ ብብቕዓት ክትገብሮን ክትነብሮን፡ ተሃንካውን ከተውጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። ክትሓይው (ሕያዋይ ክትከውን) እንተ መሪጽካ፡ ነቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ከይተረፈ ብዜስተንክር ሕያውነት ተገልግሎ ማለትዩ። ምርጫኻ ሕሰም እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ካብ ከምኡ የድሕነናምበር፡ ንጐይታኻ ብዜሰክሕ ብዘየጣዕሰካ መገዲ ኽትብድሎ የኽእለካዩ። ጐይታና ነዚ ምስላን ትምህርትን ዝሓደገልና ድማ፡ ብምስትውዓል ክንመርጽ፡ ነቲ ምርጫና ድማ ብዘየጣዕስና መገዲ ምእንቲ ኽንገብሮን ክንነብሮን ኢሉዩ። ዓመት መጸ ብዛዕባ ኣርእስቲ ኽንመሃርን ርእስና ኽንፍትሸሉን ኢላ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ቐዋሚ ሳምንትን ትምህርትን ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ።

እግዚኣብሔርውን ነቲ ጽቡቕ ኰነ ነቲ ሕማቕ ምርጫና፡ ብምልኣት ክንገብሮን ክንነብሮን ዚደልይ። ዋላ በቲ ልዑል ሕያውነቱ ተደሪኹ ጽቡቕ ምርጫ ኸነልዕል ብመንፈሱ፡ ብቓሉ፡ ብልኡኻቱ ወርትግ ዚጋደልና እንተ ዀነ፡ ነቲ ፈቲና ዝመረጽናዮ ምርጫና ግና ኸይተገበዝና ኽንገብሮ ዚደልይ። ካብ ብኽልተ ልቢ ኣብ መንጎ ሕያውነትን ሕሰምን እናተላኻዕና እንነብር፡ ብሓደ ኣፊቱ ኣቦኡ ብዘፍለጠ ውጹእ ሕሰም ክንነብር ዚመርጽ። ካብ ቐባጻት ሰባት ንላዕሊ፡ ብግቡዛት ሰባት ብዝለዓለ ዝቝጥዓሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ሓዲግ ኰይኑ ዘሸገሮ ባርያኡ፦

ዝሑል ወይ ምውቕ ዘይምዃንካ ግብርኻ እፈልጥ ኣለኹ፡ ብኻ ምዉቕ ወይ ዝሑል ምኾንካ!! ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቅ ኣይዝሑል ኢኻ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካየ።

ብምባል ውዱእ ምርጫኡ ዘፍለጦ1 ፈጺሙ ከትከት ዚብል በረድ እንተ ዚኸውን፡ ካብ መጀመርታኡውን ናብ ኣፉ ኣይመእተዎን። ብሰሪ ሓዲግ ምርጫኻን ኣካይዳኻን ናብ ኣፍ ኣቲኻ ኸተብቅዕ ካብኡ ተተፊእኻ ምውጻእ ግን ዝኸፍአ ምርጫን ዕጫንዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ጐይታና ኣግህድ ኣቢሉ፡

እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቕዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ እንሆ ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ ዓስበይ ምሳይ እዩ።ብምባል ኣፍለጠና2 እምበኣር እዞም ድሮ ናብ ኣፉ ኣቲና ዘሎና ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ እንተ ነቲ ናብ ውሽጢ መንግስቱን ክብሩን ዜውሕጠና (ዜእትወና) እንተ ነቲ ናብ ገሃነም ጡፍ ዜብለና ምርጫና፡ ኣዚና፡ ኣዚና፡ . . . . . . . . . ንግበሮን ንንበሮን። ከመይሲ እቲ ጻድቕ ፈራዲ ኸምኡ ዚመርጽ!!

ብዛዕባ መን ኢና እንዛረብ ዘለና፧ መን ዅሉ ዚዝረበሉ ዘሎ ባርያ፧ እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ጥራይዶ ይዀኑ፧ ወይስ ኵላትና ህዝበ ክርስቲያንውን ባሮቱ ኢና፧ ዚበዝሕ ጊዜ፡ ነዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተጻሕፈን ዝተዘርበን ጌርና ኢና እንርድኦ። ነቲ ጌጋና ብዝበኣሰ ዜዕብዮ ድማ፡ መብዛሕትኦም ሰበኽቲ-ወንጌል ከምኡ ጌሮም ዜቕርብዎ ብምዃኖምዩ። ብርግጽ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ርእሲ ኸም ኵሉ ሰብ ዘለዎም ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓላፍነት፡ ዝዓበየን ዝበዝሐን ናይ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን መኽሊት ኣብ ዝባኖም ከም ዘሎ ዘይከሓድዩ። ፈጺምና ኽንርስዖ ዘይግብኣና ሓቂ እንተልዩ፡ ኣብዛ ዓለምዚኣ ባርያ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ሰብ ከም ዘየለዩ። ምናልባት ነቲባርያዚብል ቃል ከይንፈትዎን ከይንመርጾን ንኽእል ንኸውን። ከምኡ ዚሰማዓና እንተ ዀይኑ፡ኣገልጋሊ፡ ሰራሕተኛብዚብል ቃል ተኪእና ኽንሰምዖን ከነንብቦን ንኽእል ኢና። እዚ ጐይታ ዝመሃረሉ ዘመን፡ ዘመነ-ባርነት ስለ ዝነበረዩ፡ ነቲ ህዝቢ ዚርድኦ ቓላት መሪጹምበር እቲ ዝበለጸ ቓላት ስለ ዝዀነ ኣይነበረን። ሓንቲ ኽንርስዓን ክንክሕዳን ዘይግብኣና ሓቂ ግን፡ ነፍሲ ወከፍና ንፍቓድ ኣምላኽ ከነገልግል ናብዛ ዓለምዚኣ ብተልእኾ ዝመጻእና ሰባት ምዃንናዩ። ዋላ ኣብ ውጹእ ክሕደትን ኣብ ዜሰክሕ ዓለማውነትን ዚነብር ዘሎ ሰብ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኬገልግል ዝተፈጥረ ባርያ ኣምላኽዩ። እቲ ፍልልዩ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ነጻ ምርጫ መሰል ብዘይ ኣገባብ ተጠቒሙ፡ ዓለወኛ ዀይኑ ኪዅብልል ዝመረጸ ባርያ ምዃኑ ጥራሕዩ። ናይ ኣምላኽ ባርያ ናይ ምዃን ፍሉይነቱ፡ ብምርጫኻ ፈቲኻምበር፡ ብኣስገዳድ ዘይትነብሮ ምዃኑዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣይትተዓደሎ ዀይኑ፡ ነቲ ንረብሓና ዝተዋህበና ነጻ ፍቓድ ንጥፍኣትና ኽንጥቀመሉ ምምራጽናዩ።

ኵላትና፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ ዓብይና ንእሽቶና ኣገልገልቱ እንተ ዄንና ደኣ፡ ኣበየናይ መድረኽን ብምንታይን ኢና ኸነገልግሎ፧ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶዩ። እዚ ሕቶ ዓቐብ ዚዀነና፡ እግዚኣብሔር ኣብ መንፈሳዊ መድረኻትን ጒዳያት ጥራሕ ዚግልገል ጌርና ምርዳእናዩ። እቲ ሓቂ ኸምኡ እንተ ዚኸውን፡ ብናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣካይዳ መሰረት፡ እግዚኣብሔር ኣብቲ ቅዳሴን ካልእ ምስጢራትን ዚፍጸመሉ ጊዜ ጥራሕ ኺግልገል ማለትዩ። ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሃገርና እነገልግለሉ ሰዓት ደዀን ቅሩብ ንውሕ ይብል ይኸውንምበር፡ እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንነብር ኣገልገልትን ምእመናንንሞ፡ እታ ዝርከባ ናይ ሰንበት ንግሆ ኣገልግሎትኳ፡ ዳርጋ ናይ ተብተብ ዓይነት ኣገልግሎትያ። ካብቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ንላዕሊውን እቲ ብቐሊሉ ዘይርከብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባቱ መሲጡና ኢና እንመጽእ። ብኸምዚ ዝበለ ሕሱር ዕላማ ኣብ ዝተኣኻኸበ ህዝቢ፡ እግዚኣብሔር ይግልገል ኣሎ ኽንብል ኣጸጋሚዩ። ደሓን፡ ነቲ ናይ ልቢ ነገር ንኣምላኽ ሓዲግና፡ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ኢና ተኣኻኺብናእንተ በልናኸ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ሾብዓተ መዓልታትሲ ካብ ቁጽሪ ኣጻብዕና ንዚውሕዳ ሰዓታት ጥራሕ ዚግልገል ማለት ድዩ፧ እቲ ዝተረፈ ዅሉ መዓልታትናን ንጥፈታትናንከ ደኣ መን ይግልገለሉ ኣሎ ማለትዩ፧

ግደ ሓቂ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎታን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትናን ቦታናን ንኣምላኽ ብዘይ ምቍራጽ ከነገልግለሉ እንኽእል ጥበብን ሓይልን ክንሰንቀላ ዝቚመት ሰማያዊትን መንፈሳዊትን ትካልምበር፡ እግዚኣብሔር ኣብኣ ጥራይ ኪግልገለላ ዝቘመት ኣይኰነትን። ነዚ ሓቂ ንምርዳእ፡ ብመኪናን ብእንዳ ነዳድንa ክንምስሎ ንኽእል ኢና። መኪና ኣብ ጐደናታት ከተሽከርክርን ከተገልግልን ዝተሰርሐት ጠቓሚት ተንቀሳቓሲት ኣቕሓያ። ስርሓ ንኽትሰርሕ ዜድልያ ነዳድን ዘይትን ግና ኣብቲንዳ ነዳዲ ትረኽቦ። በቲ ንሒደት ሰዓታት ኣብቲንዳ ነዳዲ ደው ኢላ ዝሰነቐቶ ሓይሊ፡ ኣብ ጐደናታት ጽቡቕን ስሉጥን ኣገልግሎት ተበርክት። ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያን ድማ ከምዚ ናይ መኪናን መዓደሊ ነዳድን ዓይነት ዝምድና ዘለዎም። እቲ ቐንዲ ንእግዚኣብሔር እነገልግለሉ ቦታ እቲ ማሕበራዊ ቦታታትን ዝምድናታትን ንጥፈታትንዩ። ብኸመይ ከም እነገልግል ጥበብን ፍልጠትን ጸጋን እንሰንቀሉ፡ ዝተበላሸወ ነገርና ፈቲሽና እነዐርየላ፡ ሓይልን ተልእኾን ተዓጢቕና እንወጸሉ ቦታና ግን ቤተ ክርስቲያንያ።

ኣብቲ ማሕበራዊ ሕይወት ደኣ ብምንታይ ኢና ኸነገልግሎ፧ ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ንእኡ እነገልግለሉ፡ ንነፍሲ ወከፍና ከከም ዓቕምና መክሊት ጸጋ ሂቡናዩ። እቲ ዝሃበና ጸጋ ድማ ሓደ ዓይነት ጥራይ ኣይኰነን። ንዅሉ ዚኸውን ብዙሕን በብዓይነቱን ጸጋታት ተዋሂቡናዩ። ጸጋ ኺበሃል ከሎ ሓደ ፍሉይ ኣቕሓ ኣይኰነን። ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ብጽድቂ ዘጥረኻዮ ገንዘብን ንብረትን፡ ጸጋዩ። ሃብቲ ኣእምሮ፡ ዓብዩ ጸጋዩ፡ ሞያ፡ ጕልበት፡ ሓይሊ፡ ጥዕና፡ ወዘተ፡ ኵሉ ጸጋዩ። መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ዝተዋህበና መንፈስ ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ናይ ምስትምሃር ዓቕሚ፡ ናይ ምዝማር ድምጽን ክእለትን፡ ናይ ጕስነት ዓቕሚ፡ ትብዓት፡ ትግሃት ወዘት ናይ ኣምላኽ ውህበት ጸጋዩ። ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ዝምድናታት፡ ናይ መዋስብቲ፡ ናይ ወላድን ውሉድን፡ ናይ ዓጽመ ስጋ፡ ናይ ስራሕን ትምህርትን ኣገልግሎትን ዝምድናታትን፡ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮም ጸጋታትናዮም። ዘርዚርካ ኺውዳእውን ኣይክእልንዩ። እቲ ዝዓበየ ጸጋና ግና፡ ኵሉ ተወራሲ ባህርያት ናይ እግዚኣብሔር ሒዝና ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ምዃንናዩ። ካብ ሰይጣንን ዓለምን ሰባትን ንዝተመሃርናዮ እኩይ ባህርያት ስለ ዝመረጽና እንተ ዘይኰይኑ፡ ኵሉቲ ናይ እግዚኣብሔር ተወራሲ ባህርያት ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸጋናዩ። ስለዚ፡ ንዝወረደና በደል ብትዕግስቲ ኽንጻወር፡ ብምሕረት ይቕረ ኽንብል ከለና፡ ትዕግስቱን ምሕረቱን ኣብ ሰባትን ኣብ ምድርን ብምግላጽ ንእግዚኣብሔር ነገልግል ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ስለ ዝተዓገስናን ምሕረት ስለ ዝገበርናን ዘለኣለማዊ ሕይወትን ክብርን ዚፈድየና ምኽንያት ከኣ ንእኡ ስለ ዘገልገልናዮምበር፡ ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ትዕግስትን ምሕረትን ተጸዩፍና፡ ብህውከትን ብቒምታን ክንመላለስ ከለና ኸኣ፡ በቲ ዘውረስና ባህርዩ ኣብ ክንዲ ነገልግሎ፡ ብናይ ሰይጣን ባህርይ ክንዋግኦን ግብሩ ኸነፍርሰሉን ስለ ዝመረጽና፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ናብ ገሃነም ደርብዮ ግቡእ ዓስብና ይህበና። ንርእስና ኽንነብር ስለ ዘይተፈጠርና፡ ኵሉ ግብርናን ባህርይናን ንእግዚኣብሔር ዜገልግል ወይ ከኣ ንእግዚኣብሔር ዚዋጋእዩ። ኣብ ሓዳርና ንመጻምድትና እነርእዮ ፍቕሪ፡ ንእግዚኣብሔር ዚውፈይ ክቡር ኣገልግሎትዩ። ንጽጉማት ሰባት እንገብሮ ረድኤትውን፡ ንናይ እግዚኣብሔር ረዳእን መጋብን ባህርይ ምግልጋልዩ። ንሕሙማት፡ ሕዙናት፡ ዘኽታማት፡ መበለታት፡ ኣረጋውያን፡ ስደተኛታት እንገብሮ ግብሪ-ሕያውነትን ምጽንናዕን፡ ንእግዚኣብሔር በቲ ዘውረሰና ሰናይ ባህርዩ ነገልግሎ ኸም ዘሎና ዜረጋግጽዩ። ኣብ ትሕቲ ኣስራሕትና ብትግሃትን ቅንዕናን ሓቅን ከነገልግል ከለና፡ ነቶም ዝቘጸሩና ሰባት ወይ ትካል ዘይኰነስ ንጐይታ እግዚኣብሔር ነገልግል ከም ዘለና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣቱም ግዙኣት (ሰራሕተኛታት) ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም (ኣስራሕትኩም) ዝዀኑ፡ ብገጽርአ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሔር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም። እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም ካብ ልቢ ግበrርዎ፡ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም ትግዝእዎ ዘለኹም።ቈሎ 322-24(ኤፌ 65-8)

እግዚኣብሔር ብኸመይን ብምንታይን ከም ዚግልገል፡ ካብዚ ቓል ንላዕሊ ኺገልጾ ዚኽእል የልቦን። ነቲ ዜስርሓና ውልቀ ሰብ፡ ትካል ኰነ መንግስቲ ብቕንዕና፡ ብእሙንነት፡ ብትግሃት ምግልጋልና፡ ከም ናይ እግዚኣብሔር ኣገልግሎት ተቘጺሩ ኣብ ሰማያት ካብ ኢድ ጐይታ ዓስቢ ንቕበለሉ እንተ ዄንና፡ ንእግዚኣብሔር ዘይነገልግለሉ ጽላት ሕይወት ፈጺሙ የልቦን ማለትዩ። እቲ ጉልበትናን ሞያናን ነቲ ዜስርሓና ኣካል የገልግሎ፡ እቲ ቕንዕናና፡ እሙንነትና፡ ትግሃትና ድማ ንእግዚኣብሔር የገልግሎ ኸም ዘሎ ከቶ ኽንስሕቶ ኣይግባእን። ስለዚ እቲ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልታት ዚሰርሕ ሰብ፡ ንእግዚኣብሔርውን ንሽዱሽተ ተኸታታሊ መዓልታት ከየቋረጸ ኣገልጊልዎ ኣሎ ማለትዩ። እቲ ንወለዱ ዜገልግል ንናይ እግዚኣብሔር ወላድነት የገልግል። ዋላ ብቕድስና ኣብ መደቀሲ ኣሚን ምስ መዋስብቱ ንጹህ ግብረ-መውስቦ ዚፍጽም ሰብውን፡ በቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ኣካላትን ቅዱስ ኪዳንን ንእግዚብሄር የገልግል ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግባእ። እግዚኣብሔር፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ብዚግበር ኵሉ ማሕበራዊ ተግባርን፡ ዝምድናን ዝርርብን ብምልኣት ዚግልገል። ነቶም ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ኣብ የማኑ ኪዀኑ ዝፈረደሎም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም በቲ ናቱ ተግባርን ባህርይን ዘገልገልዎ ቅዱሳኑ፡ በየናይ ኣገልግሎቶም ከም ዝተገልገለን ከም ዝዓገበን ገሊጹሎምዩ።ኣብላዕኩምኒ፡ ኣስተኹምኒ፡ ኣልበስኩምኒ፡ ኣዕቆብኩምኒ፡ በጻሕኩምኒ፡ ኣጸናናዕኹምኒእናበለ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸምዎ ኣገልግሎት ኪዝርዝረሎም ምስ ጀመረ፡ እቶም ብጹኣን፡ኣበይ ርኢናካ፧ መዓስ ረኺብናኻ፧እናበሉ፡ ንእኡ የገልግልዎ ኸም ዝነበሩ ዘይምፍላጦም ገለጹሉ። ንሱ ግና ንዝተገብረሉ ፍቕርን ኣገልግሎትን ዚርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኰነን3 ኣብ ምድሪ ዀይኖም ኣብ ሕይወት ሰባት ብኸመይ ከም ዘገልገልዎ፦እቲ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ፡ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ብምባል ኣነጸረሎም4 ንሓደ ሰብ ብትዕግስቲ ኽትጾሮ ኸለኻ፡ ንኣምላኽ ኢኻ እትጾረሉ ዘለኻ። ስለዚ ኣብ ምጽኣቱነቶም ዝበደሉኒ ብትዕግስተይ ዝጾርካለይኢሉ ኺንእደካ ማለትዩ። በዚ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ንዕለታዊ ሕይወትና ዘይንመርሕ እንተ ዄንና፡ እቲ ኣባና ዘሎ መልክዕ ኣምላኽ እናሃሰሰ፡ ኣሰር ሰይጣን ኣብ ሕይወትና እናደመቐ ኸይዱ፡ ልቡሰ-ስጋ (ስጋ ዝለበሱ) ኣጋንንቲ ዄንና ኢና ንተርፍ። ስለዚ ነቲ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ብዙሕ ዝዀነ ጸጋታትና፡ ብኸመይ ነቲ ወሃቢ ኣምላኽ ነገልግለሉ ኸም ዘለና መዓልታዊ ርእስና ኽንፍትሽ ግዴታናዩ። ነዚኣ ኽንገብር እንተ ዘይፈቐድና፡ ካብ ኣብ ኣምላኽ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ኣብ ኣምላኽ እንፍጽሞ ግፍዕን በደልን ኪዓዝዝዩ። ፈጺምና ኽንርስዖን ክንክሕዶን ዘይብልና ሓቂ እንተልዩ፡ ኣብ ዘመን ሕይወትና ዚገጥመና ንኣምላኽ ከነገልግለሉ ዘይንኽእል፡ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ነገር ከም ዘየለዩ። እቲ ሕቶ ናይ ምፍታውን ዘይምፍታውን፡ ናይ ምፍላጥን ዘይምፍላጥን፡ ናይ ምስትውዓልን ዘይምስትውዓልን ጒዳይ ጥራሕዩ። ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰብ ኢና ነገልግሎምበር፡ ንእኡ ደኣ ኣበይ ኽንረኽቦ፧ ከይንብል ኣይጠምይ ኣይበልዕ፡ ከይንዕገሶን ከይንምሕሮን ኣይብድል፡ ከይንምልኣሉ ኣይጐድሎ። ስለዚዶይኰነን ቅዱስ ጳውሎስ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎንዝብለና5 ብመዝሙር ሊቀ-መዘምራን ኣሳፍውን፡ “. . . ኣነ ኻብ ገዛኻ ዝራብዓት፡ ካብ ደምበኻውን ዲቤላታት ኣይወስድንየ። ምድርን ምልኣታን ናተይሞ፡ እንተ ዝጠምይ ኣይምነገርኩኻን። ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፧ ደም ዲቤላታትሲ እሰትይየ፧” ኢሉና6 እታ ብባህርይና፡ ብግብርና፡ ብትሕዝቶታትና፡ ብዅነታትና፡ ብዝምድናታትና ንእኡ እነገልግለላ መገዲ ብንጹር ገሊጹልና፡ ብኣርኣያ ቕዱስ ወዱን ኵላቶም ቅዱሳኑን ድማ ብግልጺ ኣርእዩናዩ። ስለዚ ካብ ድቃስና ኻብ ዝተበራበርናላ ጊዜ ጀሚርና፡ ብዛዕባ ብብርሃን መዓልትን ብጸልማት ለይትን ምስ ኵሉ ሰብ እንዋስኣሉ ንጥፈታትን ዝምድናታትን ብኸመይ ንእግዚኣብሔር ከም እነገልግሎ፡ ነቲ ዝሃበና ብዙሕ ዝዓይነቱ መኽሊት ጸጋታት ብኸመይ ኣሽሪፍና ኣብ መዓላኡ ብውጽኢታዊ መገዲ ኸም እንጥቀመሉ ኽንውጥን ዚግባእ።ኣብዛ ዕለትዚኣ ብኸመይ ብኣእምሮይ፡ ብልሳነይ፡ ብዅሉ ኣካላተይ፡ ብስርሓይ፡ ብግብረይ፡ ብትሕዝቶይ፡ ብጊዜይ ዘኽብሮ፧ኢልና ኽንሓትት፡ ንመዓልትና ኣሕሊፍና ቕድሚ ምድቃስናውን፡ ጸብጻብ ኣገልግሎትና ኽንገብርን ሕይወትና ኽንምርምርን ይግብኣና። በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ንኣምላኽ ብምልኣት ኣገልጊልናዮ እንተ ዀንና፡ ክንገብሮ ዚግብኣና ዝገበርና ዘይንጠቅም ባሮት ምዃንና ኸይረሳዕና፡ ብትሕትና ነቲ ዘኽኣለናን ዘዐወተናን ኣምላኽ ከነመስግን ይግብኣና። ፍሹል መዓልቲ ውዒልና፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ንኣምላኽን ንሰብን ክንብድል ንሰይጣን ከኣ ከነገልግልን ከነኽብርን ተካል መዓልቲ ኣሕሊፍና እንተ ዄንና ድማ፡ ብስቡር ልብን ብቕጥቁጥ መንፈስን ሓቀኛ ንስሓ ኽንኣትው ይግብኣና። እዚ ድማ ንምእመናንን ምእመናትን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ዚምልከትውንዩ። ነዚ ሓላፍነቶም ዘየስተውዓሉን ዘይፈጸሙን ኣገልገልቲ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ኬገልግልዎ ንዘርፈዱ ኣምላኽ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም ከም ዘይሓልፍ ብምብዳል፡ ዋላ ነቲ ዕውት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎቶምውን የፍርስዎ። ስለዚ ኣገልጋሊ ዀነ ተራ ምእመን፡ በዚ ነገር ኣዝዩ ኺጥንቀቕ ይግብኦ።

እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ ጒዳያት ዘገልገልዎ ዅሎም፡ እንታይ ዝዓይነቱ ጻማን ክብርን ከም ዚህቦም፡ ነቶም ብዝሃቦም ጸጋ ዝበደልዎን ዘቃለልዎን ድማ እንታይ ዓይነት መስጣ ኸም ዝፈደዮም፡ ኣብቲ ንባብ ወንጌል ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ብምርጫኻ ክብሪ ኻብ ምጉንጻፍ፡ ዚበልጽ ልቦናን ጥበብን የልቦን። ብምርጫኻ ዘየባትኽ ስቓይን ውርደትን ካብ ምቕባል ዚኸፍእ ዕሽነትን ጥበራን ከኣ የልቦን። ስለዚ በቲ ዝተዋህበና ዓቕሚ ጸጋ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምግልጋል እንተ ተጋህና ስለ ዜሕሸና፡ ጸሓይ ከይዓረበትና፡ ዓይኒ ኸይሓዘ ኸሎ ምርጫናን ኣካይዳናን ነጸብቕ። ንእግዚኣብሔር ሕያዎትን እሙናትን ባሮት ንዀነሉ። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንኣና ምእንቲ ኼሕሸና ንርእስና ኢልና ንግበሮ። እንተ ብሞት ሓሊፍና እንተ ብሕይወት ጸኒሕና፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ምስ ቈምና፡ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ኣብ ምድሪ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻሞ፡ (ኣብ ሰማያት) ኣብ ብዙሕ ክሸመካዚብል ዜሓጒስ ድምጺ ምስማዕና እምበር፡ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያዚብል ዜሰቅቕ ስምን፡ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት (ናብ ገሃነም) ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን (ንዘለኣለም) ኪኸውንዩ። ዚብል ፍርድን ከም ዘይንሰምዕ ርግጸኛታት ንኹን። እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም ፈትዮምን ባህ ኢልዎምን ንክርስቶስ ዜገልገልዎ ዅሎም፡ ድሕሪ ምጽኣቱ ኣብታ ክርስቶስ ብኽብሪ ዚቕመጠላ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ምስኡ ኪዀኑ ብእኡውን ኪግልገሉ እዮም

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሚያዝያ 1, 2013 ግዕዝ (11 ሚያዝያ 2021)  - መበል 31 ሰንበት: .37 (፴፯)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ጢሞ 21-16 

1ጴጥ 51-12

ግብ 16-9

ማቴ 2514-31

ዘባስልዮስ

መዝ 408-9

ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ ኣምላክየ። ወሕግከኒ በማዕከለ ክርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዐቢይ።

ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ

1ራእ 3፡15,16:2ራእ 22፡11,12:agas station:3እብ 6፡9,10 ፥ 4ማቴ 25፡40 5ግብ 17፡25:6መዝ 50፡9-13

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div