S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ’ዮም [ መበል 30 ሰንበት:ቊ.36 ፴፮ ]

ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምንዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም፡ ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶምውን ኪጸላልኡዮም።ማቴ 249-10

እዚ ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታን መወዳእታ ዓለምን ዚዛረብ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ እዚ ሰንበትን ሳምንትንደብረ-ዘይትተባሂሉ ዚጽዋዕ። ምኽንያቱ ጐይታ ነዚ ንምጽኣቱ ዚምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ቦታ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ዚርከብደብረ-ዘይቲተባሂሉ ዚጽዋዕ ከረን (ጎቦ) እዩ። ኣብቲ ዘንበበናዮ ሰፊሕ ንባብ፡ እዚ ናይ ምጽኣት ኣስተምህሮ፡ ደቀ-መዛሙርቱ ብዘልዓልዎ ሕቶ ዝተበገሰ። ኣብ ውሽጢ ኸተማ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ኸባቢ ቤት መቕደስ ከለዉ፡ ብጽባቐ ናይቲ ህንጻ ቤት መቕደስ ኣዝዮም ተመሰጡሞ፡ ንጐይታናረኣዮ ህንጻ ኪጽብቕዝዓይነቱ ዘረባ ተዛሪቦም፡ ንጐይታ ናብቲ ናቶም ተመስጦ ኼእትውዎ ፈተኑ። ጐይታ ግና በዚ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ህንጻ ዘይድነቐሉ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ብቑዕ ምኽንያታት ነበሮ። ቀዳማይ ንሰማያትን ንምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ብቓሉ ዝፈጠረ ጐይታ፡ ሰባት ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ኣእማንን ኣዕጻውን ጨሪሖም ብዝሰርሕዎ ህንጻ ኺድነቕ ፈጺምካ ኽትጽበዮ ዘይከኣል ነገርዩ። ካልኣይ ድማ ናይዚ ህንጻ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ባዕሉ ዝወሰኖን ኣጸቢቑ ዚፈልጥን ጐይታ ምዃኑ ኪዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ሆሳእና መዓልቲ ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም እናኣተወ፡ ናይዚ ህንጻዝን ናይ ከተማ ኢየሩሳሌምን ናይ መጻኢ ጽሕፍቶ እንታይ ምዃኑ፡ እናበኸየ ብድጕዓ ገሊጽዎ1 ከምቲ ዝበሎ ድማ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ገዛእቶም ሮማውያን ብዓመጽ ምስ ተላዕለት፡ ብሮማዊ ጀነራል፡ ብቲቶስ፡ ንዓለም ብዘስክሐ ጭካነ፡ ሰባን ህንጻኣን ከም ዝበረሰ፡ ኣብ ታሪኽ ኣይሁድ ኰነ ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ብዘይሃስስ ቀለም ዝተጻሕፈ ዘይርሳዕ ታሪኽዩ። እንሆ ድማ እቲ መስተንክር ዝነበረ ህንጻ- መቕደስ ክሳዕ ሕጂ ኣሰር ዘይብሉ ተደምሲሱ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ መስጊድ ኣስላም ተሃኒጽዎስ፡ ጠንቂ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ከይከውን ኬስግእ ይነብር ኣሎ።

ጐይታ ኺድነቐሎም እናተጸበይዎ፡ ብኣንጻሩ ብዛዕባ ዕንወቱ ምስ ተበነየሎም፡ ኣብ ልቦም ሓደ ዓብይን ኣገዳስን ሕቶ ተላዕለ። ናብቲ ኣዘውቲሮም ዜዕርፉሉን ዚሓደሩሉን ደብረ-ዘይቲ ምስ ከዱ ድማ፡ ብሕት ኢሎም ናብኡ ቐረቡሞ፡እዚ (ዝበልካዮ) መኣዝ ዚኸውን፧ ናይ ምጽኣትካን ናይ (መወዳእታ) ዓለምን ምልክትከ እንታይዩ፧ዚብል ነባሪ ትምህርቲ ዝወለደ ሕቶ ሓተትዎ። ንሱ ድማ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪፈልጦን ኣካይዳኡ ኼማእዝነሉን ዚግባእ ትምህርቱ ኣውሓዘልና። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ ነዚ መለኮታዊ ቓል ኣዕሚቑ ዚፈልጦ ሰብ በጻብዕ ዚቝጸር ውሑድ ምዃኑዩ። በዚ ትምህርቲ ሕይወቱ ዚመርሕን ዜማእዝንን እሞ ኸኣ፡ፈጺሙ የለንኪበሃል ዚቐልልዩ። ናብዚ መደምደምታ ንምብጻሕ መጠነ-ሰፊሕን ዝርዝራውን መጽናዕቲa ክትገብር ኣየድልየናንዩ። ናይ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ከባቢና ናይ ዘለዉ ሰባት ቅዲ-ሕይወትb ብምዕዛብ ጥራሕ ክንበጽሖ እንኽእል መደምደምታዩ። ናይ ምጽኣት ጐይታ ነገር፡ ልዕሊ ዅሉ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ኣባላታን ተረሲዑ ዘሎ። ብዛዕባኡ መሰረትና ዚንቕንቕን ዚፍትሽን ስብከት ድሕሪ ምስማዕናን ምንባብናንውን፡ ናብ ገዛና እናተመላለስና ኸለና ፈተና እንርስዖ ኣርእስቲ ዀይኑ ተሪፉ ኣሎ። ምጽኣቱ ወርትግ እንዝክር ሰባት ምዃንና ዚፍለጥ፡ ጐይታና ሎሚ ኸም ዚመጽእ ኣረጋጊጽና ተዳሊና እንጽበዮ ሰባት ኴንና ብምንባርምበር እቲ ሓሳባት መዓልቲ መጸ ኣብ መትንታት ሓንጐልና ኼሽከርክር ብምፍቃድ ጥራሕ ኣይኰነን። እንተ ዀነ ዅላትና፡ እንተ ወሓደ መብዛሕትና፡ ንናይ ጐይታ ምጽኣት ካብ ናይ መቓብር ድቃስና ተበራቢርና ኢና ኽንርእዮን ክንቅበሎን። መዓስን ብኸመይን ከም እንመውት ስለ ዘይንፈልጥ፡ ሞትናስ ነንውልቅና ምጽኣት ጐይታናያ። ድሕሪ ሞት ኣብ ሕሉፍ ሕይወትናን መጋብርናን እነምጽኦ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ስለ ዘየልቦ፡ ንምልክት ምጽኣት ጐይታ ኣብ ከባቢና ዘይኰነስ ኣብ ውሽጥና እንተ ደሊናዮ ዜሕሸና።

ምልክታት ምጽኣት ጐይታ፡ እንታይ እንታይዮም፧ ንምልክታት ምጽኣት ጐይታ ኣብ ክልተ ጕጅለታት ከፋፊልና ኽንርእዮም ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ ከም ውግእ፡ ወረ ውግእ፡ ፌራ ወዘተ ዝኣመሰለ ኣብ ከባቢና ዚረኣይ ወይ ዚስማዕ ምልክታት ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባኡኢታብኣና (ኣይተእትወና)” ኢልና ኻብ ምጽላይ ሓሊፍና ዋላ ሓንቲ ኽንገብሮ እንኽእል የልቦን። እቲ ኻልኣይን ንሕና ጽቡቕ ጌርና ኽንዋስኣሉ እንኽእል ጕጀለ ምልከታት ግን፡ እቲ ኣብ ናይ ነፍስ ወከፍና ውልቀ-ሕይወት ዚረኣይ ናይ ምጽኣት ምልክታትዩ። ንርእስኻ ምዕንቃፍ፡ ንኻልኦት ምዕንቃፍ፡ ብርቱዕ ጽልኢ፡ ዝሑል ፍቕሪ፡ ኣሕሊፍካ ምውህሃብ፡ ዕዙዝ ርኽሰት ወዘተ ኺጥቀስ ይከኣልዩ። እዞም ምልክታትዚኣቶም እንተ ጸላእና ኸነርሕቖም፡ ቃሕ እንተ በሉና ኸኣ ፈቲና ናብ ውሽጥና እነስርጾምን እነንግሶምን ኣጋንንታዊ ባህርያትምበር፡ ንሕና ናይ ምጽኣቱ ምልክት ኴንና ምእንቲ ኸነገልግል ኣመንጊጉ ዜውሕጠና ወይ ኣገዲዱ ዜጹረና ኣካል የልቦን። ነዚ ዕለት ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲምበኣር፡ ካብ ሕይወትና ኸነርሕቖም ካብ ዚግብኣና ናይ ውልቀ-ሕይወት ምልክታት ምጽኣቱ ሓደ ዝዀነተዓንቃፊ ሰብብዛዕባ ምዃን ዜስተምህርዩ።

ሳዕቤን ዕንቅፋት ብሓፈሻ፡ ናይ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ብፍላይከ እንታይዩ፧ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ሳዕቤን ዕንቅፋት ከቢድን መሪርን፡ ንሓንሳእውን ነባሪ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ዜፍርህዩ። ድሕሪ ዕንቅፋት፡ ዚበዝሕ ጊዜ ምውዳቕ ኣሎ። ድሕሪ ውድቀት ከኣ ምልሕሓጽ፡ መስበርቲ፡ ስንክልና፡ ሞትውን ኣሎ። ሰብ ብእግሪ፡ ብብሽክለታ፡ ብመኪና፡ ብመርከብ፡ ብኣውሮፕላን እናተጓዕዘ ይዕንቀፍዩ።ምግጫው፡ ምጽዳፍኢልና ኽንሰምዮ መሪጽናምበር፡ መኪና ምስ ሰብ ወይ ምስ መኪና ኽትጋጨው ወይ ክትገጭው ከላ ተዓንቂፋ ማለትዩ። እግርና ምስ ገለ ነገር ተጋጭዩ ስንከልከል ምስ በልና ወይ ምስ ወደቕናዶይኰነን፡ተዓንቂፈእንብል። ነዚ ዅሉ ኣብ ዓለምና ዜጋጥም ሓደጋታት፡ ውግኣት፡ ወዘተ በቲ ሓቀኛ ስሙ ብዕንቅፋት እንተ ጸዊዕናዮ፡ ዕንቅፋት ኣብዛ ዓለምዚኣ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውልቀ ሰባት ዜውርዶ ዘሎ ዕንወት፡ ብዝዀነ ዓይነት መለክዒ ብትኽክል ኪሰፍሮን ኪቘጽሮን ዚኽእል የልቦን።

እቲ ኣብ ዓለምና ዜጋጥም መንፈሳዊ ዕንቅፋት ካብቲ ኣካላዊ ዕንቅፋት ኪግመት ብዘይክእል ዕጽፍታት ኣዝዩ ዝበዝሐዩ። ዓይነቱን ክብደቱን ብዘየገድስ፡ ነንውልቅና ዜጋጥመና ኣካላዊ ዕንቅፋት፡ ምስቲ መዓልቲ መጸ ብተደጋጋሚ ዜጋጥመና መንፈሳዊ ዕንቅፋት ፈጺሙ ኺወዳደር ኣይክእልንዩ። ብሓሳባት ኣእምሮና፡ ብቓላት ኣፍና፡ ብተግባር ኣካላትና (ኣእዳውና፡ ኣእጋርና፡ ኣዒንትና፡ ጾታዊ ኣካላትና ወዘተ) መዓልታዊ እንዕንቀፎ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ማእለያ የብሉን። ምጽኣት ጐይታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ከኣ፡ እዚ ዕንቅፋት ብዕጽፍታት እናወሰኸ ኪኸይድዩ። ሎሚ፡ብኻልእምበር ብኸምዝስ ኣይዕንቀፍንኢልና ኽንተኣማመነሉ ዝጸናሕና መርገጺና፡ ሽዑ ግን ብዘይ ብእኡ ሕይወት ክትሰገርን ክትንበርን ዘይትከኣል ምስ ኰነትና፡ ርእስና ኸይሓኸክና ብዘይ ሰገጥ-መገጥ ዘሊልና ኽንኣትዎ ኽንፍተን ኢና። ብዛዕባ እምነትካ፡ ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ክሳዕ ሞት ክትጸንዕ ትኽእል ዝመስለካ ዝነበረ፡ ሰይፊ ዝተዓጥቁ ዘይኰነስ፡ሎሚ ንክርስቶስ እንተ ዘይከሓድካ፡ ማሕተም ናይቲ ኣራዊት እንተ ዘይተቐበልካ፡ ዝዀነት ትኹን ነገር ክትዕድግን ክትሸይጥን ኣይትኽእልን ኢኻዚብል ሕጊ- ዓመጻ ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ጕልበትካን ሞያኻን ሼጥካ ደሞዝ ከይትቕበል፡ ብዝረኸብካዮ ገንዘብ ምግቢ ዓዲግካ ርእስኻን ደቅኻን ከይትምግብ ምስ ከልከለካ፡ ብጥምየት ምስ ተዋላእካ፡ ማሕደር ስኢንካ ግዳም ሓደር ምስ ኰንካ፡ ዕርቃን ምስ ኣዋረደካን ምስ ኣሳቐየካን፡ ሽዑ ፈቲኻ ክትዕንቀፍ፡ ወይ ኸኣ ንኸይትዕንቀፍ ሞትን ውርደትን ክትመርጽ ዓብዪ ፈተና ይዀነካ2 ካልእ በብዓይነቱን ማእለያ ዘይብሉን ዓንቃፊ ፈተናታትውን ኣሎ። እቲ ዅሉ ዚፈልጥን ንዅሉ ልብታት ዚመዝንን ጐይታ፡ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉዮምኢሉ ኣረጋጽልናዩ። ናትና ግደን ውሳነን ድማ፡ ምስቶም ብዙሓት ተዓንቀፍቲ ወይ ከኣ ምስቶም ውሑዳት ምስ ጐይታ ዝወገኑ ጽኑዓት ንምዃን ምምራጽን ንምርጫኻ ክትነብሮ ምኽኣልንዩ። ጐይታብዙሓት ኪዕንቀፉዮምእናበለ፡ ንሕናውን ምዕንቃፍ ዘይበትከሎም ድኹማት ሰባት ክነስና፡ ብዛዕባኡ ኸይሓሰብናን ገለ ውሳነን ስጕምትን ከይወሰድና፡ ዝዀነ ነገር ከም ዘይተባህለ ዄንና ኽንነብር እንተ መሪጽና፡ ነገር-ጥዕና ኣይኰነን። ድሮ ነቲ ዝኸበደ ዕንቅፋት ተዓንቂፍናዮን ብዙሕ ተጐዲእናሉን ከም ዘለና ርጉጽ መርትዖዮ።

ምዕንቃፍግን እንታይ ማለትዩ፧ ምዕንቃፍ ማለትምሕጣእ፡ ካብ ጽድቂ ምውዳቕማለትዩ። ሰብ ኣብ ልዕሌኻ ብዝፈጸሞ በደል ናብ ምቕያምን ናብ ጽልእን እንተ ኣቲኻ፡ ብኸቢድ ተዓንቂፍካ ኣዚኻ ተሃሲኻ ኣለኻ ማለትዩ። ብቝንጅና ኣንጻር-ጾታኻ ተሃኒንካ ብፍትወትካ ስጋ እንተ ተቓጺልካ፡ ተዓንቂፉ ኣብ ሓዊ ኸም ዝወደቐ ሰብ ምዃንካ ኽትፈልጥ ይግባእ። በቲ ኣብ ኣካላትካ ዚፈጥሮ ናይ ባህታ ስምዒት ተመሲጥካ፡ ናይ ስእለ-ጽዩፍ (ፓርኖግራፊ) ዓሚል ክትከውን ንርእስኻ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካ፡ ብዓይንኻ ኽትዕንቀፍን ክትስበርን መሪጽካ ወዲ ጥፍኣት ክትከውንን ኣብ ርእስኻ ክትፈርድን መሪጽካ ኣለኻ። ንዅሉ ኣብ ምድርን ኣብ ልዕሊ ሰብን ዚኽሰት መንፈሳዊ ዕንቅፋት ዘርዚርና ኽንወጾ ኣይከኣልንዩ። ምዕንቃፍ ማለት ምሕጣእ ምዃኑ ብንጹር እንተ ተረዲኡና፡ ንምዕንቃፍ ኣዚና ኽንፈርሆ ኸም ዚግባእ መብርሂ ዘየድልዮ ሓቂዩ። ጐይታ ብዛዕባ ኣርእስቲ ተዛሪብዎ ዘሎ ሃይለ-ቃል ኣዝዩ ኸቢድዩ።

መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍንሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ።ማቴ 187

ኣብዛ ሰይጣን ዚገዝኣን ዜመሓድራን ዓለም ምንባር ማለት፡ ኣብ መዓንቀፊ ተጸሚድካ/ተኣሲርካ ኸም ምንባር ዚቝጸርዩ። ንሓደ መዓንቀፊ ብዓወት እንተ ሰጊርካዮኳ፡ ካልእ መዓንቀፊ ተጻዊዱ ኺጸንሓካምበር፡ ትንፋስ ረኺብካ ኸተዕርፍ ክትጽበይ ኣይከኣልንዩ። መዓንቀፊ ኣብ መኣድና፡ ኣብ መደቀሲ ኣሚን፡ ኣብ ስራሕና፡ ትምህርትና፡ ቤተ ክርስትያንና ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ። ብዝገጠመና ዅሉ መዓንቀፊ ንዕንቀፍን ንወድቕን እንተ ዄንና፡ እቲወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊዚብል ቃል ጐይታ ኣባና ይፍጸም ኣሎ ማለት ስለ ዝዀነ ወይለና!! ብረድኤት ጐይታ፡ ኣብ ቅድሜና ንዝተደቀነ ኵሉ መዓንቀፊ ብዓወት ንሰግሮ እንተሊና ድማ ብሓቂ ብጹኣን ኢና። ምኽንያቱ ነቲ ኼውድቐናን ኬዕንወናን ዝመጸ ዕንቅፋት፡ ናብ ሰማይ ዜደይብ መሳልል ጌርና ንጥቀመሉ ኣለና። ስለዚ ዕንቅፋት፡ ነቲ ብዘይምስትውዓል ወይ ድማ ፈትዩ ዜዕንቀፈሉ ሰብ፡ ንጥፍኣቱ ኸም ዝተጻወደ ነታጕ ዀይኑ ንዘለኣለም ዜዕንዎ። ነቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ፡ ኣብዛ ናይ ዕንቅፋት ዓለም፡ ብፈሪሃ-እግዚኣብሔር ተደሪኹ ብጥንቃቐ ዚመላለስ ሰብ ግን፡ መዓንቀፊ ሓለፋምበር ፈተና ኣይኰነን። ንበዳሊኡ ብትዕግስትን ምሕረትን ፍቕርን ዚሓቍፍ ሰብ፡ ካብ ተበዲሉስ ተሰሊሙ ኽትብሎ ዚቐልልን ዚምረጽን።

ስለዚ ብሓቂ ንምድሓን ዝለበምና ሰባት እንተ ዄንና፡ ንመዓንቀፊ ኸም ወጽዓ ዘይኰነስ ከም ሓለፋ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።

ብምንታይ ኢና እንዕንቀፍ፧ ዓንቃፊና ኣዝዩ ብዙሕዩ፡ ገሌና ብሰባት ንዕንቀፍ፡ ገሌና ብዅነታት፡ ገሌና ኸኣ ብገዛእ ርእስና ኢና እንዕንቀፍ። ብገዛእ መሓውርና ወይ ብገዛእ ክዳንና ተዓንቂፍና ብኣካል ከም እንወድቕ፡ ብገዛእ ኣተሓሳስባና፡ ስምዒታትና፡ ተግባራትና ተዓንቂፍና እንወድቀሉ እዋንውን ብዙሕዩ። ሰባትውን ፈጺሞም ከይሓሰብዎ፡ ወይውን ኰነ ኢሎም ኪዕንቅፉና ይኽእሉዮም። ዕድሜና ምሉእ፡ ዳርጋ መዓልታዊ እንምከሮ ስለ ዝዀነ፡ በዚ ነገር ኵሉ ሰብ ክኢላ ወይ ውሕሉል (ስፐሻሊስት)’ ኽንብል ንኽእል ኢና። ብሰባት ምዕንቃፍና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ብምዕንቃፍውን ውህሉል ተመክሮ ዘሎና ኢና። ኣብቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ጐይታ ጥቕሲ፡ ነቲ ዚዕንቅፍ ኰነ ነቲ ዚዕንቀፍወይለኡተባሂሉ ኸም ዘሎ ነስተውዕል።

ገሌና ኸኣ ብዜጋጥመና ጽቡቕን ሕማቕን ኵነታት ንዕንቀፍ ኢና። ብድኽነቱ ተዓንቂፉ ናብ ስርቂ፡ ምጕርምራም፡ ባእሲ፡ ቂምታ፡ ርእሰ ቕትለት ዚወ ድቕ ሰብ ብዙሕዩ። ብሕማሙ ተዓንቂፉ ናብ ኢድ ጠንቈልቲ ዚወድቕ፡ዘይገበረለይ፡ ዘይበጽሓኒ፡ ወዘተብዚብል ስምዒት ዚጻላእ ዚቕየም፡ ስቓይ ከቢድዎ፡ ጊዜ ነዊሕዎ ርእሱ ኼዕርፍ ያኢ ሕይወቱ ዜጥፍእ፡ ንኣምላኽ ዜማርርን ዚጸርፍንውን ማእለያ የብሉን። ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ኸኣ ብጽቡቕ ኵነታት ዚዕቀፍ ሰብ ምብዝሑዩ። ኣምላኽ ብዝሃቦ ሃብቲ፡ ጥዕና፡ ስልጣን፡ ትምህርቲ፡ ሓይሊ ተዓንቂፉ ናብ ገሃነም ዚወድቕውን ኪቝጸር ዘይክእልዩ። ብሰሪ ዝረኸቦ ሰናይ ነገር ብትዕቢት፡ ብጃህራ፡ ብግፍዒ፡ ብዝሙትን ምንዝርናን፡ ብስስዐ ይህብትም። ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ሰናይ ነገር፡ ብጽድቂ ኣመሓዲሩ ኣብ ሰማይን ምድርን ክንዲ ዚረብሓሉ፡ ብእኡ ተዓንቂፉ ውሉድ ገሃነም ናብ ምዃን ይወድቕ።

ካልእ መዓንቀፊ ኣብ ዘይብሉ፡ ብገዛእ ኣተሓሳስባናን ልምድታትናን ስምዒታትናን ተግባራትናን እንዕንቀፈሉ እዋንውን ውሑድ ኣይኰነን። ንእኡ እንተ ነዐርዮ፡ ዕንቅፋትና ብብዙሕ ሚእታዊት ኪጐድል ዚኽእልዩ።ኣነ ክቡር ሰብ ከምዝን ከምትን ዝበለ ኽብሪ ይግብኣኒዩ፡ እከለ እዝን እትን ኪገብረለይ ይግብኦዚብል ልዑል ርእሰ-ግምትንc ዘይርትዓዊ ትጽቢታትን እንተ ኣሕዲርናሞ፡ ኣጋጣሚ ዀይኑ ሰባት ማዕረ ትጽቢትና ኺገብሩ እንተ ዘይከኣሉ፡ ብገዛእ ኣእጋሩ ተሓሊኹ ኸም ዚወድቕ ሰብ፡ ኣዋድቓና ነኽፍእ ማለትዩ። ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሎም፡ ሃነጽቲ ዘይኰኑ ልምድታት ምስ ዚህልዉና፡ ንኣታቶም ከነዘውትሮም ዘየኽእል ኵነታት ምስ ዚፍጠር፡ ዋላ ንጊዚኡውን ይኹን ንልምድታትና ኣወንዚፍና ኻልእ እዋናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ተግባር ክንገብር ዝዕድም ሰብ ወይ ኵነታት ምስ ዚመጽእ፡ በቲ ፈቲና ዘጥረናዮ ልምዲ ተመሊኽናን ተዓንቂፍናን ካብ ምዕዋት ንበኵር፡ ብሰሩውን ምስ ሰባት ክንበኣስ፡ ክንተዓዛዘብ ክንነዓዓቕ፡ ክንቀያም ንኽእል። ልማድ ኣዝዩ ገዛእን መላኽን ስለ ዝዀነ፡ ዘይንደልዮን ዘየድልይን ክንገብር፡ ክንሓጥእ ኪደፋፍኣና ይኽእልዩ።

ጠንቁን ዓይነቱን ብዘየገድስ፡ ንዕንቅፋት ብኸመይ ንዕወተሉ፧ እቲ ቐዳማይ ዓወት፡ በቲ መዓንቀፊ ኸይተዓንቀፍካ፡ ናብ ሓጢኣት ካብ ምውዳቕ ርእስኻ ምድሓንዩ። እቲ ኻልኣይን ዝዓበየን ዓወት ግን፡ ነቲ ሓጢኣትካ ኼብዝሕ ዝመጸ ዕንቅፋት፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ተመሪሕካ፡ ጽድቅኻ ንምዕዛዝ ክትጥቀመሉ ምኽኣልዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ እንተ ጸረፈካ፡ ክትገብሮ እትኽእል ውሑድ ዘይኰነ ኣማራጺታት ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ምርጫ፡ ደርግ ዳርጋ እናመለስካ ምጽራፍ፡ ምኽሳስ፡ ምብኣስ፡ ዝምድናኻ ምብታኽ፡ ወዘተዩ። ዝሓሸ ኣማራጺ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዚፈልሕ ዘሎ ጕሁር ስምዒታት ንምዕጋት፡ ኣፍካ ኣስጢምካ ምዕጻዉ፡ እንተ ተኻኢሉ ኻብቲ ኸባቢ ምህዳም (ምርሓቕ) ዋላ ፈጺምካ እንተ ዘይተባተኽካ ርሕቀትካ ብምሕላው ውሑድ ከባቢd ምሕንጻጽ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ተግባራትዮም። ኣዝዩ ዝበለጸ ክርስቶሳዊ ኣማራጺ ኸኣ ኣሎ። እናጸረፈካ ምንኣድ፡ እናረገመካ ምምራቕ፡ እናረሓቐካ ምቕራብ፡ ኣብ መልትሕካ እንተ ጸፍዓካ፡ ነታ ኻልኣይቲ ምቕራብ (ካልኣይ መውቃዕቲ ንምዕጋስን ንምጻርን ድሉው ምዃን) ንሱ ብሓይሊ ገለ ነገር ኪወስደልካ እንተ ደለየ፡ ዘይሓተተካ፡ ካብቲ ንሱ ዚጠልቦ ዚበዝሕ ንምሃብ ፍቓደኛ ምዃን፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ምርጫታት፡ ንዕንቅፋት ካብ ወጽዓ ናብ ረብሓን ሓለፋን ናይ ምልዋጥ ውህሉልን ውሕሉልን ተመክሮ ዀነ ዓቕሚ ዘጥረኻ፡ ብቑዕ ዓቐይታይ ክርስቶስ፡ ናብ ምሉእ መንፈሳዊ ብጽሕና ዝዓበኻ ብሱል ክርስትያን ምዃንካ ዜረጋግጹ ወርቃውያን ኣማራጺታትዮም። ዋላ ምሉእ ብምሉእ ብዓቕሚ ስጋ ጥራሕ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ረድኤት ኣምላኽ ተወኪልና፡ ንምዕንቃፍ ከም ተኽእሎን ከም ኣማራጽን ዚነጽግ ጽኑዕ መርገጺ ክንሃንጽን ክንውንንን ይግብኣና። ኣቦና እዮብ በዚ ኸምዚ ልዑል ኣርኣያናዪ። እቲ ናብ ፍጹምነት ዘብጽሖ ጽኑዕ መንፈሳዊ መርገጺ፦

እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ። ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን። ጸላእየይ ከም ረሲእ፡ ዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን።

ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ3 ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ተወኪልካ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ መትከል እንተ ዘይወኒንካ፡ ይትረፍ ንዕንቅፋት ክትዕወተሉ፡ ከተጕድለሉውን ኣይከኣልንዩ።

ምጽኣት ጐይታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ ሰይጣን ዕንቅፋትና ንምብዛሕ፡ ብዝለዓለ ዓቕሙ ኺጋደልን ኪሰልጦን ምዃኑ ጐይታ ኣረጋጊጹልናዩ። ኣብ ኣብ እምነቶም፡ ዝምድናታቶምን ውሁብ ኵነታቶም፡ ኣብ ኣገልግሎቶም፡ ብሓፈሻ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ሕይወቶም ዚዕንቀፉ፡ ንዕንቅፋቶም ቍጽሪ ብዘይብሉ መጠን ዜብዝሑ ሰባት ማእለያ ኣይኪህልዎምንዩ። ኣዝዮም ውሑዳት ከኣ፡ ብዛዕባ ጐይታን እምነቶምን፡ ብዛዕባ ሰባትን ምሳታቶም ዘለዎም ጕዳያትን ኪዕወቱምበር ኪዕንቀፉ ዘይመርጹ ኪዀኑዮም።

እቲ መሰረታዊ ሕቶምበኣር፡ንሕና በብውልቅናኸ ምስየኖት ኰን ኢና ኽንውግን፧ዚብል ዚኸውን። እቲ ጕዳይ ናይ ምርጫ ሕቶ ጥራሕዩ። ንምዕንቃፍ፡ ከም ዘይተርፍን ንቡርን ፍጻመ እንተ መሪጽናዮ፡ ዋላ ኣብቲ ዝቐደመ ውድቀትና ኸይተንሳኣናውን ኣብቲ ዘለናዮ ደጋጊምና እናተዓንቀፍና፡ ዜስክሕ ናይ ዕንቅፋትን ውድቀትን፡ ናይ ዘይጽገን መስበርትን ትንሳኤ ዘይርከቦ ሞትን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና።ኣይፋለይንዕንቅፋትን ውድቀትን ናይ ሕይወተይ ጽውዓ ኣይኰነን፡ ውሉድ ትንሳኤምበር ውሉድ ሞት ኣይኰንኩንኢልና፡ ወገን ክርስቶስ ናይ ምዃን ክቡር ምርጫ እንተልዒልና ግን፡ ጐይታን መላእኽቱን ዜኽብርዎ፡ ጻማ ዘለዎ ታሪኽ ክንሃንጽ ኢና። እምበኣር ንክርስቶስ፡ ወዲቕና ኣብ ሓጢኣትና እናንገርገርና ዘይኰነስ፡ ብጽድቅን ብጽንዓትን ደው ኢልና ንጸበዮ። ቅድሚ ምጽኣቱ ሞት ዜርክበና እንተ መሰለውን፡ ብደውናምበር ብውዱቓትና ኣይንሙት!! ከመይሲ ድሕሪ ሞት ካብ ውድቀትካ ምትንሳእ ከቶ ኣይርከብንዩ። ኣባላት ናይቲ ዘይዕንቀፍን ዘይዕንቅፉን ውሑድ ወለዶ ደኣ ንኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መጋቢት 24, 2013 ግዕዝ (4 ሚያዝያ 2021)  - መበል 30 ሰንበት: .36 (፴፮)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ተሰ 4፡13 ፍጻ

2ጴጥ 3፡7-15

ግብ 24፡1-22

ማቴ 24፡1-36

ዘአትናቴዎስ

መዝ 49: 2-3 

እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ፤ ወአምላክነሂ ኢያረምም፤ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።

ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።

1ማቴ 23፡37-39፣ ሉቃ 19፡41-44 aresearch life style:2ራእ 13፡16-18:chigh self esteem:dsafety zone 3እዮ 27፡3-7፣ 31፡1፣ መዝ 17፡3፣ 39፡1

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div