S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሱ ግና፡እቲ ዘሕወየኒዩ፡ዓራትካ ኣልዕል ኪድዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም። ..... ድሕሪዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦሞ፡እንሆ ሓዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድልበሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ፡ ... ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።ዮሃ 511,14-16

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ራብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ዓብይ ጾምና (ጾመ-ኣርብዓ) “መጻጕዕተባሂሉ ዚጽዋዕ። ብትግርኛና፡መጽጕዐማለትለመሰ፡ ተደነሰማለትዩ። እቲ ነዚ ዕለት ዝተሰርዓልና ንባባት ሓድሽ ኪዳንን፡ ምስባክን መዝሙርንውን ብዛዕባ ኣርእስቲ ዜመልክቱናዮም። እዚ ዕለትን ሳምንትን ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ስጋኡ ዝጾሮ፡ ኣብ መስቀሉ ዝጾሮን፡ በቲ ናይ ፈውሲ ተኣምራቱ ዝጾሮን ሕማማትና እንዝክረሉን ንኣምላኽና እነመስግነሉን፡ ብዛዕባ ሕጂ ብስጋ ዜጋጥመና ሕማማትውን እምነትናን ጸሎትናን እነዕብየሉ ቕንያትዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሕማም ዘለዋ ኣስተምህሮ፡ ኣብቲ ምስጢረ ቀንዴል ዝተሰምየ ትምህርታን ስርዓታን ብዕምቈት ተገሊጹልና ኣሎ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ተገሊጹ ኸም እንረኽቦ፡ ሕማምን ድኽነትን ካልእ ኵሉ ማሕበረ ቝጠባዊ ጸገማትን ብሰሪ ሓጢኣትና ዝወረደናዩ። ምድሪ ብሰሪ ሓጢኣትና እሾዅን ተዀርባን ከም ዘብቈለት፡ እታ ኻብ ሓመድ ምድሪ ዝተሰርሐት ስጋና ኸኣ ናቱ እሾዅን ተዀርባን ዝዀነ ሕማማት ኣብቈለ። ሰብን ሓጢኣትን ኣብዛ ዓለምዚኣ ኽሳዕ ዘለዉ ዚቕጽል ዘየቋርጽ ተርእዮ ድማዩ። እግዚኣብሔር ወልድ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ፡ ሓጢኣት ደኣ ዘይገበረምበር፡ ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ኣብ ስጋ ዚወረድ ኵሉ ሳዕቤናት ግን ተቐቢልዎን ጸይርዎንዩ። ድኻም፡ ጥምየትን ጽምኣትን፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ሞት፡ ወዘተ ጐይታና ዝተኻፈሎም ሳዕቤናት ሓጢኣትዮም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

እምበኣር ናብ ሰማያት ዝዓረገ ዓብይ ሊቀ ካህናት፡ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ኣብ እምነትና ንጽናዕ። ከመይ ሓጢኣት ዘይገበረ ኸሎስ ከምዚ ኸማና ብዅሉ ተፈተነ። ስለዚ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ካህናት ኣይኰነን።

ስለዚ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቕዩ እዩሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከኣሎዩ።

ብምባል ገሊጹሎና ኣሎ1 ሕማምን ድኽነትን ካልእ ኵሉ ማሕበረ-ቝጠባዊ ጸገማትን፡ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣትምበር፡ ናይ ዘመንና መምህራን ሓሶት ከም ዜስተምህርዎ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን። ሕማምን ድኽነትን ሓጢኣት ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ጐይታ ኣይምሓመመን ኣይምደኸየን ነይሩ። ካብ ጽድቁን ቅድስናኡን ከይጐደለ፡ ንዅሉ ሳዕቤናት ሓጢኣት፡ ክሳዕ ሞትኳ፡ ጾረ። ጐይታ ብኸመይ ሕማምና ዝጾረ፧ እቲ ቐዳማይ ዝጾረሉ ኣገባብ፡ ከምቲ ንሕና እንሓምሞ፡ ብስጋኡ ብምሕማምዩ። ካብ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ስእላዊ ኽንብሎ እንኽእል ትንቢታት ከም እንርድኦ፡ ጐይታና ኸቢድ ዝዀነ ሕማም ስጋ ጸይሩ ይመላለስ ከም ዝነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።

“.... መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኣናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይንዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዜጐልብቡሉ ሰብ እተዋረደዩ፡ ንሕናውን ገለ ኣየቋጸርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዚኣብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።ኢሳ 532-4

ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ጐይታና ብስጋ ብዛዕባ ምሕማሙ ዚገልጽ ጽሑፍ እንተ ዘየልቦኳ፡ ነቲ ብነብያት ብዛዕባኡ ዝተዘርበ ዅሉ ኸም ዝፈጸሞ ግን ብንጹርን ብተደጋጋምን ተገሊጹልናዩ። ንሕማምናውን ኣብ ስጋኡ እንተ ዘይጾሮን እንተ ዘይምከሮን ድማ፡ ቅዱሳን ሃዋርያትብኹሉ ኸምዚ ከማና ዝተፈተነምዃኑ ኣይምጸሓፉልናን ነይሮም። ብስጋ ኸይሓመመ እንተ ዚሓልፎ ድማ፡ንድኻምና ጾሮኽንብል ኣምኸኣልናን። እቲ ቕዱስ ነብዪ ግና፡በዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይክሳዕ ዚበሃል ሓለፋ ዅላትና ነቲ ብሰሪ ሓጢኣትና ዝመጸ ሕማም ከም ዝጾሮ ኣነጺሩ ገለጸልና። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ሕማም፡ እቲ ብባህርያዊ ምኽንያት ንእንሓምሞ ሕማማት ዚምልከትዩ።

እቲ ኻልኣይ ጐይታና ዝጾሮ ሕማምና ድማ፡ ሕማማት መስቀልዩ። እዚ ድማ ብባህርያዊ መገዲ ዘይኰነስ፡ ብኢድ ሰባት ዝወረደ ሕማምዩ። ነዚ ሕማማተ መስቀል ኣመልኪቱ ኸኣ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብንጹር ተነብዩልና ኣሎ።

ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምራቱ ሓዌና።ኢሳ 535

ከምቲ ንኣና፡ ባህርያዊ ሕማማትና ናብ ሞት ዜብጽሓና፡ ብኢድ ሰባት ብዝወረደና ጕድኣትን ሕማምን ድማ ናብ ሞት ንበጽሕ ኢና። ጐይታናውን ኣብ መወዳእታ፡ ሰባት ብዘውረዱሉ መግረፍትን ምሽንካርን ብመድመይትን ብሕሱም ቃንዛን ዝሞተ። ነቲ ንሕና ብሰሪ ሓጢኣትና ዀነ ብሰሪ እምነትና ዚወርደና ቐታሊ ስቓይን ጕድኣትን ብምልኣት ተቐቢሉልናን ጸይሩልናንዩ።

እቲ ሳልሳይ ንሕማምና ዝጾረሉ መገዲ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ብመለኮታዊ ኸኣልነቱ ብምፍዋስዩ። ብሕያውነቱ ኻብ ሕማምና ኺፍውሰና ኸሎ፡ ሕማምና ይጾረልና ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግብኣናዩ። እዚ፡ንሕማምና ጾሮዚብል ትንቢታዊ ቓል፡ ነቲ ንሱውን ሕማምና ብምሕማም ዝጾሮ ጹረት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ ናይ ምፍዋስ ተግባሩውን ከም ዝዀነ፡ ወንጌላዊ ማቴዎስ ምስቲ ትንቢታዊ ቓል ብምዝማድ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ።

ምሸት ምስ ኰነ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ <ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡> እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽአ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።ማቴ 816,17

ካብዚ ኣገላልጻ ናይ ወንጌላዊ ማቴዎስ እምበኣር፡ እቲ ናይ ምፍዋስ ተግባሩ፡ ሕማምና ናይ ምጻሩ መርኣያ ምዃኑ ኸነስተውዕሎ ንኽእል ኢና። እግዚኣብሔር ምሕረት ገይሩ ኻብ ሕማምና ኺፍውሰና ኸሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ፡እግዚኣብሔር ምሒሩኒ፡ እግዚኣብሔር ኣሕውዩኒእምበር፡እግዚኣብሔር ሕማመይ ጸይሩለይኣይንብልን ኢና። እዚ ድኻምና ድማ፡ ናብቲ ኽንበጽሖ ዚግብኣና ደረጃ ናይ ፍልጠት-ሓቂ ዘይምብጻሕና ዜመልክትዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ኵሉ ሰብ ናብ ፍልጠት-ሓቂ ኺበጽሕ ዚፈትው ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን ናብ ፍልጠት-ሓቂ ንምብጻሕ ክንጋደል ይግብኣና። ብፍልጠት-ሓቂ ብዝጐደልናይዮ መጠን፡ ብሓጢኣት እናወሰኽና ኢና እንኸይድ2 ከመይሲ፡ ብዘይ ፍልጠት-ሓቂ ናብ ፍጹምነት ኪብጻሕ ኣይከኣልንዩ።

እዚመጻጕዕዝተሰምየ ሰንበትን ሳምንትን እምበኣር፡ ብዛዕባ ጐይታ ሕማምና ብምጻር ዘርኣየና ሕያውነት ንምስትንታን ዝተሰርዓልናዩ። ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተዘንትዩልና ዘሎ ታሪኽ ድማ ናይ ሓደ ንሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዚኣክል ዝመጽጕዐ (ዝለመሰ) ሰብኣይ ናይ ሕውየት ታሪኽዩ። እዚ ሰብኣይ ብናይ ጐይታ ምሕረት ብተኣምር ድሕሪ ምሕዋዩ። ዓራቱ ጸዊሩ እናኸደ ኸሎ እቶም ናይ ሕጊ ኣይሁድ ተጣበቕቲ ኣብ መገዲ ረኺቦም፡ ሕጊ-ሙሴ ብምፍራሱ ኣዋጠርዎ። በቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት፡ እዚ ሰብኣይ ነቲ ዝተገብረሉ ምሕረትን ነቲ ዝመሓሮ ጐይታን ከም ዘየስተውዓለ ተቐልዐ። ካብቲ ናይ ነዊሕ እዋን ድናሰ ዘሕወዮ ሰብ ብመልክዕ ኰነ ብስም ኪፈልጦ ዝዀነ ግዳሰ ኣየርኣየን። ኣብ ቤት መቕደስ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸቡ ኸኣ፡ ጐይታ ነቲ ኸም ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ተጠቒምናሉ ዘለና ኣገዳሲ ምኽሪ ሃቦ። በቲ ፈላጥ ኵሉ ባህርዩ ተደሪኹ፡ ደጊሙ ኺብድልን ካብቲ ዝቐደመ ሕማሙ ዚኸፍእ ነገር ኬጋጥም ኸም ዚኽእል ስለ ዝፈለጠ፡ካብዚ (ረኺብካዮ ዝነበርካ) ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድልኢሉ መዓዶ። እዚ ኻብ ስጋዊ ሕማሙምበር ካብ ሕሱሙን ዘይምስትውዓሉን ዘይሓወየ ሰብ ግና፡ ብኡንብኡ ንጐይታ ናብ ምብዳል ተጓየየ። ናብቶም ንጐይታ ኪኸስሱን ኬፈንጥሩን ዚጽዕቱ ዝነበሩ ሰባት ከይዱ እቲ ብሰንበት ዓራቱ ኺጸውር ዝኣዘዞ፡ ንሱ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ከይዶም ንጐይታ ምስ ተዛረብዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር ኣለኹኢሉ መለሰሎም። በቲ ዝገበሮን ዝመለሶን ኣሳቢቦም ድማ ንጐይታ ኬሳጕጕዎን ንምቕታሉ ኺህንደዱን ጀመሩ። እቲ ዝተፈወሰ ሰብኣይ፡ መሊሱ ንኸይብድል እናተነግሮ፡ ነቲ ናይ በደል ጽልምኣቱኣሃዱኢሉ፡ በቲ ዝፈወሶ ጐይታ ጀመረ።ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ካብ ምምጽጓዕ ዚኸብድ ሕማም ስጋ ኣሎኽትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚዩ። ካብ ሕማም ስጋ ዝኸበደ፡ በደል ምፍጻምዩ። ይንዋሕ ይኽበድ፡ ሕማም ስጋ ካብ ዕድመ ሰብ ዚነውሕ ዕድመ፡ ካብ ሞት ስጋ ዚኸብድ ሳዕቤን የብሉን። በደል (ሓጢኣት) ግን ሞት ስጋን ነፍስን ዜውርድ እቲ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ሕማምዩ። ዓይነት ናይቲ ሞት ከኣ ዘለኣለማዊ ሞትዩ። ከም ሞት ስጋ ኣብ መቓብር ምድቃስን ምብስባስን ዘይኰነስ፡ ሓዉ ኣብ ዘይጠፍእ ሓሰኻኡ ኣብ ዘይመውት ገሃነመ እሳት ንዘለኣለም እናተሳቐኻ ምንባር3 ስለዚ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕብ በደል ከይብድል ዘጠንቀቖ።

እዛመሊስካ ኣይትበድልእትብል ስምዕታ፡ እቲ ዝቐደመ ሕማሙውን ብሰሪ በደሉ ዝተዋህቦ መቕጻዕቲ ምዃኑ እተረጋግጸልናያ። እዚ ሰብኣይ ግና ንኽብደት ናይቲ ዝፈጸሞ ቐዳማይ በደልን ነቲ መሪር ናይ 38 ዓመታት ሳዕቤኑን ዘስተውዓሎ ኣይመስልንዩ። ኣስተውዒልዎ እንተ ዚኸውን፡ ነቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ዚህልዎ ኻልኣይ በደል ንምፍጻም ኣይምተሃንደደን ነይሩ። ኣብቲ መስተንክር ሕውየት ዝረኸበሉ ቕንያት ማዕረ ኽንድዚ ንምብዳል ዝተሃወኸስ፡ እቲ መዓልታት ነዊሑ ሓሚሙ ምንባሩ ኽሳዕ ምርሳዕ እንተ በጺሑ ደኣ፡ በደሉ ንምብዛሕ ክንደይ ኣብዚሑ ዀን ኪተግህ!! ካብ ከምዚ ዝበለ ትሪ ልብን ናይ ዘምስትውዓል ጸልማትን ኪስውረና ብልቢ ተጊህና ኽንጽልይ ይግብኣናዩ።

ንኣምላኽን ንሰብን ምብዳል፡ ብሓቂዶ ጠንቂ ሕማም-ስጋ ይኸውንዩ፧ ብርግጽ!! ናብ ዓለምናን ናብ ኵሉ ሰብን ሕማም ዝተኣታተወ ብሰሪ ኣዳምን ሄዋንን ዝፈለምዎ፡ ንሕና ኸኣ ፈቲና ዝሰዓብናዮ ናይ ዕልወት ሓጢኣትዶ ኣይኰነን፧ እግዚኣብሔር ሰናይን ሕያዋይን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ሓጢኣትና ኸቢድ ሳዕቤኑ ድማ መሪር ምዃኑ ኣስተውዒልና ብንስሓ ናብኡ ኽንምለስ ይደልየናዩ። ስለዚ ኸኣ ብቕዱሳን ነብያቱ ገይሩ ብኸምዚ ዚስዕብ ዜለብመና።

ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ (ቦታ) .... ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ረኣይን፡.....ኤር 219,20

ሳዕቤን ሓጢኣት መሪር ምዃኑ ንኼርእየና ኻብ ዚጥቀመሎም ኵነታት ሓደ ድማ ኣካላዊ ሕማም (ሕማም-ስጋ)’ዩ። ናብቲ ዝኸፍአ ዘለኣለማዊ ቕጽዓት ካብ ምእታው ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ ብሕያውነቱ ተደሪኹ ዚህበና ቐሊል መግናሕቲዩ። ብኸምዚ ዘመሰለ ግብሪ-ሕያውነት ኪገንሓና እንተ ዘይፈቐደ፡ ኪኖ ደረት ንስሓ ሓሊፍናስ ንሓዋሩ ቐቢጹና ማለትዩ። ብርግጽ ንዜፍቅሮም ሓጥኣን ዚገንሓሉ ጥበቡ፡ ሕማም ጥራሕ ማለትና ኣይኰነን። ነዚ ናይዚ ዕለት ትምህርትና ዝተመርጸ ኣርእስቲ ንሱ ስለ ዝዀነዩ፡ ብዛዕባኡ ጥራሕ ንዛረብ ዘለና። ስለዚ ሓደ ሰብ ኣካላዊ ሕማም ምስ ዜጋጥሞ፡ መጀመርታ ኺገብሮም ካብ ዚግባእ ኣገደስቲ ስጕምትታት፡ኣበየናይ ሓኪም እንተ ኸድኩ ይሕሸኒ፧ዘይኰነስ፡እግዚኣብሔር በዚ ሕማም ኼመሓላልፈለይ ዝደለየ መልእኽቲ እንታይዩ፧ ነዚ ሕማም ኼቃልዓኒ ዚኽእል፡ እንታይ ዝፈጸምክዎ ኣበሳ ዀን ይህልወኒ፧ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ብዕቱብነትን ብዕምቈትን ምምርማርዩ። ብሓጢኣት ዝተወቕዐ ኣእምሮ ናይ ምስትውዓል ዓቕሙ ስለ ዚድፈን፡ ኣብቲ ናትና ርእስና ናይ ምምርማር ዓቕሚ ኽንውከል ኣይግባእንዩ። ከም ቅዱስ ዳዊት፦

ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ፡ መገዲ ዓመጻ እንተልዩኒ ርአ፡ ናብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።

ኢልና ኽንጽልይን ንኣምላኽ ክንምሕጸኖን ይግባእ4 ምኽንያቱ፡ ከምቲ ቕዱስ ዳዊት ደጊሙ፦

ንጌታቱ ዚፈልጥ መንዩ፡ ካብቲ እተሰወረኒ (ኣበሳይ) ኣንጽሃኒ።

ዝበሎ፡ ኪስወረና ዚኽእል ኣበሳ ብዙሕ5 ኵሉ ጊዜ ምስትውዓልና ኸይጐደለ ዚነብር እንተ ዚኸውን ናብ ሓጢኣት ፈጺምና ኣይምወደቕናን ኔርና።

ርእስና ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ከም ዚግባእ መርሚርና፡ ነቲ ሕማምና ጠንቂ ዚኸውን ሓጢኣት እንተ ሰኣንናኳ፡ በዚ ተግባርና ዝዀነ ኸይረባሕና ጥራሕ ኢድና ኣይንወጽእን ኢና። እቲ ምስ ሓመምና ቕድሚ ዅሉ ንኣምላኽ ምዝካርናን ገዛእ ሕይወትና ብዕምቈት ምምርማርናን፡ ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ረብሓዩ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሜና ጌርና እንመላለስ፡ ጥዑይ ልቢ፡ ሰናይ ሕልና፡ ብሱል መንፈሳውነት ከም ዘሎና ኣሉ ዘይበሃል መረጋገጺ ነቕርብ ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ። እዚ ኸኣ ናይቲ ኣብ ልብና ኣዕሚቑ ዝሰረተ ፈሪሃ-እግዚኣብሔር መርኣያዩ። እቲ ስጋኡ ብሕማም ምስ ተወቕዐ፡ ብዛዕባ ኣምላኹን ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወቱን ንማለት ኺሓስብ ዚጽገም ሰብ ግና ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ድንዛዘ ኸም ዘሎ ኽንፈልጥ ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ቅድሚ ዅሉ ናብ ዘመናዊ ወይ ናብ ባህላዊ ሕክምና፡ ወይውን ናብ ኣጋንንታዊ ጥንቈላ እንተ ኸደ ኣየገርምንዩ። ምኽንያቱ እዚ ሰብ ንኣምላኽ ካብ ስእሊ ኣእምሮኡ ዝደምሰሶ መልክዕ ናይቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ካብ ሕይወቱ ዝሓኸኸ ሰብዩ። ብዛዕባ ኣብ ሕይወትካ ዝገጠመካ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ኵነታት፡ ንኣምላኽ ፈጺምካ ዘይትሓስቦ (ዘይትዝክሮ) ወዝቢ እንተ ሓሰብካዮ ድማ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ጥራሕ ትሓስቦ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓደገኛ መንፈሳዊ ዅነት ከም ዘለኻ ምርዳእ ሰናይን ጠቓምንዩ። ነቲ ዝገጠመካ ዅነታት ብመንጽር ኣምላኽ መርሚርካ፡ ብዛዕባ ናቱ ፍታሕ ኣብ ኣምላኽ ተወኪልካ ነቲ ዅነታትካ ኸተመሓድሮ እንተ ኽኢልካ ግን፡ ነቲ ቕድሚ- ዅሉን ልዕሊ ዅሉን ዝዀነ ኣምላኽ እቲ ዚግብኦ ቦታን ክብርን ስለ ዝሃብካዮ፡ እቲ ሕማም ብሞት እንተ ተዛዘመ ናብ ሕቝፊ ናይቲ ዘኽበርካዮ ኣምላኽ ዜሰጋግር፡ ኣብ የማኑ ናይ ምዃም ክብሪ ዜጐናጽፍ ጕልቡብ ምርቓ ዚኸውን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ነቶም ካብ መንፈሳዊ መገዶም ዘላገሱ ሰባት፡ እግዚኣብሔር ብሕማም ስጋ ገይሩ ኬቕንዖምን ኪመልሶምን ብሕያውነቱ ኸም ዝተጋደሎም ዜመልክቱ ሓያሎ ኣብነታት ተተሪኾምልና ኣለዉ። ሓደ ኻብኣቶም ከኣ ንጉስ ኣሳዩ። እዚ ንጉስዚ፡ ኣሰር ኣቦኡ ንጉስ ዳዊት ዝሰዓበ ብጹእ (ምስጉን) ንጉስ ዝነበረ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ሓጥእ ንጉስ ናይ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ምስ ተላዕሎ፡ ከም ቀደሙ ኣብ እግዚኣብሔር ክንዲ ዚውከል፡ ኣብቲ ጐረቤቱ ኣብ ንጉስ ሶርያ ተወከለ። እምብዛ ናብ ጥፍኣት ከይረሓቐ ከሎ ኺመልሶ ኢሉ፡ እግዚኣብሔር ብሓደ ነብዪ ገይሩ ገሰጾ። ኣሳ ግና ገጹ ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ኣብ ክንዲ ዚመልስ፡ ልቡ ኣትሪሩ፡ ሓጢኣት ኪውስኽ ተራእየ6 እቲ ናይ ባርያኡ ድሕነት ዚፈትው ጐይታ ድማ፡ ደጊሙ ብሕማም ገሰጾ። ንጉስ ኣሳ ነዚ ኽቡር ካልኣይ ዕድልውን ብኸመይ ከም ዝኸሰሮ፡

ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል 39 ዓመት መንግስቱ፡ ኣእጋሩ ሓመመ። እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ፡ በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማትምበር ንእግዚኣብሔር ኣይደለዮን። ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰሞ፡ ኣብ መበል 41 ዓመት መንግስቱ ሞተ።

ብዚብል ቃል ተገሊጹ ንረኽቦ7 ንጉስ ህዝቅያስ ቀታሊ ብዝዀነ ሕማም ምስ ተታሕዘ ግና፡ ናብ ዋላ ሓደ ሓኪም ከይከደ፡ ብመሪር ብኽያት ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ኣምላኽ ከኣ ጸሎቱ ሰሚዑ፡ ካብ ሕማሙ ፈወሶ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመታት ወሰኾ8 ኣብ ሰብ ምውካልን ኣብ ኣምላኽ ምውካልን እንታይ ዝዓይነቱ ፍልልይ ከም ዜምጽእ ካብዚ ታሪኽ ናይዞም ክልተ ነገስታት ብንጹር ክንመሃሮ ንኽእል ኢና።

እንተ ገና ኸይሓወና፡ እንተ ምስ ሓወና ኣብ እግዚኣብሔር ምውካልን ንእኡ ምእዛዝን ኣቢና፡ መመሊስና ኣብ ምብዳል እንተ ተጸመድና፡ ኣብዛ ምድሪዚኣ ዀነ ኣብታ እትመጽእ ዘለኣለማዊት ዓለም፡ ዚገድድምበር ዚሓይሽ ክንጽበይ ኣይግባእን። ዝሓሸ ነገር ዝገበረ፡ ዝሓሸ ጻማ ኺጸንሖዩ። ዚገድድ እናገበረ፡ ዚሓይሽ ኪቕበል ዚጽበይ ሰብ፡ ከምቲ ኽርዳድ ዘሪኡ ስርናይ ኪዓጽድ ዚጽበይ ዓሻ ሓረስታይዩ። ንኸምዚ ዝበለ ዘይክውንነታዊ ትጽቢት፡ዕሽነትዚብል ቃል ይንእሶምበር ኣይምጥኖንዩ። ስለዚ ብምሕማም ኰነ ብምሕዋይ፡ ኵሉ ጊዜ ኻብቲ ዝቐደመ ዚሓይሽ ነገር ንምግባር ከም ዝመረጽናን ከም ዝተደረኽናን ነረጋግጽ። እቲ ድሒርና ኽንዓጽዶ እንደልይ ዝሓሸን ዝበለጸን ኵነታት፡ ሕጂ ፈቲና ንዝርኣዮ። እግዚኣብሔር ነቲ ብሕያውነቱ ዚህበና ሕማምን ፈውስን፡ ዚሓይሽ ነገር ንምግባር ኪድርኸና ኢሉ ዚገብሮሞ፡ ነቲ ሰናይ ፍቓዱን ምኽሩን ንጠቐመሉ። እቲ ዚወሃበና ናይ ሕማም ኰነ ናይ ጥዕናን ሕውየትን ጊዜ፡ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ንምግባር ዝተሰርዓልና ምዱብ ጊዜዩ። ንስሓ፡ ምስጋና፡ ትውክልቲ፡ ሰናይ ግብሪ፡ ወዘተ ኽንገብረሉ ዚግብኣና ጊዜ እንተ ዀይኑ፡ ንእኡ ንምግባር ኣዚና ንትጋህ። ክንንስሓሉ ኣብ ዚግባእ ጊዜ ዝገደደ ንምሕጣእ እንተ ተጠቒምናሉ፡ፍቓድካ ይኹንኢልና ኸነመስግነሉ እናተገብኣና፡ ብምጕርምራም መዓልትና እንተ ኣጸልሚትናያ ግና፡ ብተግባርናካብዚ ዚገድድ ኣምጽኣለይኢልና ንኣምላኽ ንፈታተኖ ኸም ዘለና ብምስትውዓል፡ ካብዚ ዓሻን እኩይን ምርጫ ርእስና ነድሕን!! ኣምላኽ ነቲ ዚሓይሽ ይግለጸልና!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መጋቢት 17, 2013 ግዕዝ (28 መጋቢት 2021)  - መበል 28 ሰንበት: .35 (፴፭)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ዕብ 12:11-17

ያዕ 5፡14-ፍጻ

ግብ 3፡1-12

ዮሓ 5፡1-18

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

መዝ 6 : 2–3

ተሣሀለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ። ወፈውሰኒ እስመ ተሀውከ አዕጽምትየ። ወነፍስየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።

ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧ 

1እብ 414,15 . 217,18:22ጢሞ 3፡5-7:3ማር 9፡43-48:4መዝ 139፡23,24 5መዝ 19፡12:62ዜና 15፡16-19 ፣ 16፡1-10 72ዜና 16፡12,13 8ኢሳ 38፡1-5

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div