S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ [መበል 28 ሰንበት: ቊ.34 (፴፬) ]

ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ነዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡በሎም።ዮሃ 216

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዛ ሰንበትዚኣምኵራብተባሂላ እትጽዋዕ።ምኵራብማለት ከኣቤት ጸሎትማለትዩ። እታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ቤት መቕደስ ክንዝክረሉ፡ ነዛ ሕጂ እግዚኣብሔር ዚዉድሰላን ዚቕደሰላን ዘሎ ቤት መቕደስና ኽንምርምረሉ፡ ልዕሊ ዅሉ ግን ነታ መቕደስ ኣምላኽ ክትከውን ዝተፈጥረት ስጋና፡ መን ሓዲርዋን ይቕደሰላን ከም ዘሎ ኽንፍትሸሉ ዝተሰርዓልና ወርቃዊ ጊዜ ድማዩ። በዛ ለይቲዚኣ መዘምራንናቦአ ኢየሱስ እም ምኵራበ ኣይሁድ (ኢየሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ)” ዚብል መዝሙር ኬዝይሙ ሰሚዕናዮም ኣሎና። እቲ ኣብ ቅዳሴ ብዲያቆናት ተመሪሕና ዜዘምናዮ ምሳባክውን፡ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ (ቅንኣት ቤትካ በልዑኒ)” ዚብል ብቕዱስ ዳዊት ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙርዩ። ስለዚ እዛ ዕለትዚኣ ነቲ ንኽንግልገለሉ ባዕላትና ዝሰራሕናዮ ቤት መቕደስን፡ ነቲ ኺግልገለሉ ኢሉ ባዕሉ ዝፈጠሮ መቕደስ ስጋናን ብዕቱብ እንምርምረሉ ዕለት ኪኸውን ይግባእ። መቕደስና ኸይመርመርናን ከየጽረናን፡ ብዛዕባ መቕደስ ኣይሁድ ጥራሕ ተሪኽና እንተ ተፈላለና፡ ክንረብሓሉ ዝተሰርዓልና ጊዜ ብኸንቱ ኸሲርናዮ ንኸይድ ከም ዘለና ኽንስሕቶ ኣይግባእን። ብኸመይን ካብ ምንታይን ከነጽርዮ ኸም ዚግብኣና ድማ ጐይታና ባዕሉ ግብራዊ ኣርኣያ ሂቡና ኣሎ።

እታ ናይ ኣይሁድ ቤት መቕደስ ግን ከመይ ኢላ ናብ ቤት ዕዳጋ ዝተለወጠት፧ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ብኢድ ነብዪ ሙሴ ኣብ ሕምብርቲ ሰፈር እስራኤል ክትትከል ከላ፡ ብቘርበትን ብዓለባን ብዝተሰርሐ ድንኳን ዝቘመት። እግዚኣብሔር ብምልኣት ክብሩን ስልጣኑን ኣብኣ ስለ ዝሓደረ፡ ይትረፍ ዕዳጋ ኽትከውን፡ ኣብ ውሽጢ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ዝተሰምየ ኽፍልታት ዝዀነ ጌጋ እንተ ተፈጺሙ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ኣገልገልቲ ኻህናት ከም ቅጽበት ዓይኒ ይቕዘፉ ነበሩ1 እቶም ካህናት ኰኑ እቶም ሕዝቢ ኻብ ኣምላኽ እናረሓቑ ምስ ከዱ ግና፡ እግዚኣብሔር ድማ ካብ መቕደሱን ካብ ሕዝቡን ኣዝዩ ረሓቐ። ብፍላይ ኣብ ዘመን ኤሊ፡ ብሸለልትነት ኤሊን ብጾታዊ ርኽሰትን ስስዐን ዓመጽን ናይ ደቂ ኤሊ እቲ ቤት መቕደስ ኣዝዩ ምስ ረኸሰ ኸኣ፡ ነቲ ብድፍረት ዝጠመቶ ሰብ ዚቐዝፍ ዝነበረ ታቦት፡ ዘይተገዝሩ ኣሕዛብ ብኢዶም ኣልዒሎም ተሰኪሞምዎ እናኸዱ ዋላ ሓንቲ ኺገብሮም ኣይተራእየን2

ብእማመ ንጉስ ዳዊት ብኣተግባርነት ንጉስ ሰለሞንን መስተንክር ዝዀነ ሕንጻ ቤት መቕደስ ምስ ተሃንጸ ድማ እግዚኣብሔር በካይዳ መራሕትን ሕዝብን ናይ እስራኤል ተሓጕሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ምልኣት ክብሩ ገለጸ። ነቲ ኵነታት ከኣ ቃል እግዚኣብሔር ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹዎ ኣሎ።ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሔር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑ፡ ብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሔር ኬመስግኑ ኢሎም፡ንሱ ሰናይሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ፡ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዘኣብሄር ደበና መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሔር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።” 2ዜና 513,14

እግዚኣብሔር ድማ ንሰለሞን ብለይቲ ተገልጸሉ፡ በሎውን፡ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ነዛ ቦታዚኣውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሓርየያ ኣለኹ። .... ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታዚኣ ንዚጽለይ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤትዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉ ጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ።” 2ዜና 712,15,16 እቶም ሕዝብን መራሕቶምን ንትእዛዛቱ ጥሒሶም ካብኡ እንተ ዓለዉ ግና፡ ነታ ቤት መቕደስ ኪፍለያ ጥራሕ ዘይኰነ ከም ዘይነበረት ገይሩ ኸም ዚድምስሳ ኣዝዩ ብዜፍርህ ቃላት ብግልጺ ኣስሚዑዩ።ንስኻትኩም ግና (ንድሕሪት) ተመሊስኩም፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፡....ሽዑ ኻብዛ ዝሃብክዎም ምድረይ ክምንቊሶምየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያየ፡ ኣብ መንጎ ዂሎም ሕዝብታት ድማ መመሰልን መድረፍን ክገብራየ። ነፍሲ ወከፍ በዛ ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤትዚኣ ዚሓልፍ ከኣ፡ ብእኣ ኺድነቕሞ፡ስለምንታይ’’ እግዚኣብሔር ነዛ ሃገርዚኣን ነዛ ቤትዚኣን ከምዚ ዝገበረን፧ኪብልዩ። ከምዚ ኢሎም ከኣ ይመልሱሉ፡ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ፡ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ኸኣ . . . ስለ ዘምለኽዎም ስለዚ ነዚ ዅሉ ኽፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኦም ኣምጽአ።’” ካብኡ ኣዝዮም ምስ ረሓቑን ኣዝዮም ምስ ኣጕሃይዎን ድማ፡ ቃሉ ኸየውደቐ ከምታ ዝበላ ገይሩ ፈደዮም፡ ነታ ኽብሩ ዝገለጸላ፡ ዓይኑን ልቡን ስሙን ዘሕደረላ ቤት መቕደስ፡ ብኢድ ኣሕዛብ ገይሩ መሰክሒ ገበራ3 እዚ ተግባሩነቶም ዝበደልዎ ሰባት ቀጺዑ፡ ነታ መቕደሱ ዘይገድፋ፧ እታ ቤት መቕደስዶ እንታይ በዲላያ፧ዚብል ሕቶ ኼልዕለልና ይኽእልዩ። ብዛዕባ ኣየናይ መቕደስ ከም ዝተዛረበ ብምንታይ ነረጋግጽ፧ ንኣናኸ እንታይ መልእኽቲ ይህበና፧ ኪሕተት ዚግብኦ ናብ ቅኑዕ ርድኢት ዚመርሓና ኣገዳሲ ሕቶ ድማዩ። ከምቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና እተስተምህረና፡ ናይ እግዚኣብሔር መቕደስ፡ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሰብምበር፡ እቲ ሰብ ብዕጨ እምኒ፡ ዋላውን ብኣስራዚ ብወርቂ ዝሓነጾ ሕንጻ ቤት መቕደስ ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘየማትእ መገዲ ነዚ ጽኑዕ መሰረት ሓቂ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ።

እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ (ዅሉን) ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርንሞ፡ ብኢድ ሰብ ኣብ እተሃንጸ መቓድስ ኣይሓድርንዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎንዩ።ግብ 1724,25 ንተግባርና ዜኽብረልና ንትእዛዛቱን ንተግባራቱን ምስ እነኽብረሉዩ። ነቲ ባዕሉ ዝሓነጾ መቕደስ ስጋና ብሓጢኣት ነፍርሰሉን ነርክሰሉን እንተ ዄንና፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ተመኒና ብዙሕ ጽዒርና ብዙሕ ወጻኢታት ጌርና ዝሰራሕናሉ መቕደስ ኣዝዩ ብዜሰክሕ መገዲ የፍርሰልና። ነቲ መቕደስና ስለ ዘፍረሶ መሕደሪ ኣይስእንንዩ። ንኣና ስለ ዘኽበረ ነቲ ሕንጻና ዜኽብሮ። ንሱ ኣብ መንን ኣበይን ኪነብር ከም ዚደልይ፡ ብንጹር ገሊጹልናዩ።እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል፡ሰማይ ዝፋነይዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለዩ፧ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ ኣሎ፡ይብል እግዚኣብሔር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ ዝጥምት ዘሎኹ።ኢሳ 661,2

ካብ ውሽጥና ብሓጢኣትና ደፊእና ኣውጺእናዮ ኸነብቅዕ፡ ናብቲ ስርሓትኢድና ዝዀነ ሕንጻ ኺኣትውን ኪሓድረልናን እንተ ለመንናዮ፡ ነኽብሮ ዘይኰነስ ነዋርዶ ኸም ዘለና ኺስቈረና ይግባእ። ሰማያት ንዝፋኑ፡ ምድሪ ኸኣ ንመርገጽ እግሩ ዘይትኣኽሎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሓደንእሽቶ ሕንጻ ሕደርን ንበርንኢልካ ምዕዳም፡ ከም ሓደ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍሉይ ክብሪ ዝሃብናዮ ጌርና ናብ ምሕሳብ ክንወድቕ ኣይግባእንዩ። እግዚኣብሔር ግን ሰናይ ኣምላኽዩ። ስጋናን ናብራናን ኵሉ ተግባርናን ንእኡ እንተ ቐዲስናሉ ግና፡ ንሱ ድማ ነቲ ሰናይ ሕልናና ርእዩ ነቲ ንእኡ ኢልና ዝገበርናዮ ዅሉ ይፈትወልናን ይቕድሰልናን። ንጉስ ሰለሞን መቕደስ ሓኒጹ ምስ ፈጸመ ብጸሎት ናብ እግዚኣብሔር ምስ ኣቕረቦ፡ እግዚኣብሔርስመይ ኣብኣ ኸሕድር ዓይነይን ልበይን ድማ ኣብኣ ኪዀናየንኢሉ ቓል ዝኣተወምበር፡ ጠቕሊሉ ናብታ ሕንጻ ኺኣትው ኣየተስፈወን። ምኽንያቱ ንሱ ዚባላዕ ሓዊዩ፡ ብምልኣት መለኮቱ ኣብኡ እንተ ዚኣትው፡ እቲ ሕንጻ ምፍረሰ ዘይኰነስ ምሃፈፈ ነይሩ። እግዚኣብሔር ነታ ንሕና ዝሰራሕናያ ቤት መቕደስ፡ቤተይኢሉ ተቐቢልዋን ሰምዩዋን ማለት እምበኣር፡ ነቲ ኣብኣ ዚቐርብ መስዋእትን ጸሎትን ኪቕበሎ ፈትዩን ተሰማሚዑን ማለትዩ።

እዛ ጐይታና ብልዑል ቅንኣትን ብብርቱዕ ቍጥዓን ዘጽረያ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት መቕደስ ብኸመይ ቤት ዕዳጋን ቤት ጐሓሉትን ናብ ምዃን ዝተለወጠት፧ ካብ መጽሓፍ ቅዱስና ኸም እንርድኦ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚፍጸም ዝነበረ ዅሉ ዓይነት መስዋእትታት፡ ብዘይካ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብታ ቤት መቕደስን ኣብ ካልእ ቦታ ኸይፍጸም ብጽኑዕ ዝተኸልከለ ዝነበረ4 እትነብረሉ ቦታ ይቕረብ ይርሓቕ፡ እተቕርቦ መስዋእቲ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ፡ ናይ ግድን ኣብ ኢየሩሳሌም ኪቐርብ ነበሮ። ነዚ ትእዛዝ ምትግባር ቀሊል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ንዓሰርተታት ኣማኢትን ኪሎ ሜተራት ዚኣክል ዚጽወር ጸዊርካ ዚዅብኰብ ኰብኲብካ ምጕዓዝ ብዘይ ቀልዓለም ከቢድዩ። ነዚ ኽብደት ንምቕላል ድማ፡ ነቲ ኺስውእዎ ዝመደቡ እንስሳ፡ እኽሊ ወይ ፍረታት ኣብቲ ዚነብርዎ ኸባቢ ሸይጦም፡ በቲ ገንዘብ መተካእታኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ሸሚቶም ኬቕርቡ ኣማራጺ ፍታሕ ተገይሩሎም ነበረ5 እዚ ጸገሞም ንምቅላል ዝተዋህበ ፍታሕ ግን ካልእ ጸገም ወለደ። እቲ ዕዳጋ ናብቲ ቤት መቕደስ እናቐረበ ድሕሪ ምምጻእ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናብቲ ቐጽሪ ቤት መቕደስ ኣተወ፡ እታ ቤት መቕደስ ድማ ናብ ቤት ዕዳጋ ተለወጠት6 ናይ ዕዳጋ ቦታ እንታይ ከም ዚመስል ኵላትና ንፈልጦ ኢና። ኣብዑርን ጤለ-በጊዕን ረጋቢትን ዚሽየጠሉ ምስ ዚኸውን ኸኣ ከመይ ብልሽው ከም ዚኸውን ርዱእዩ። ናይ እንስሳታት ጽያፍ ዝደለየ ምዀነ። እቲ ናይ ሰብ ናይ ሓጢኣት ጽያፍ ግን ዝበኣሰዩ። ኣብ ዕዳጋ ናይ ገንዘብን ንብረትን ጥራይ ዘይኰነ እቲ ዝበዝሐ ናይ ሓጢኣት ልውውጥ ዚካየደሉ ቦታዩ። ኣብ ዕዳጋ ስስዐ፡ ስርቂ፡ ሓሶት፡ ተለሎ (ምትላል) ዓመጽ፡ ባእሲ፡ ግብዝነት ጸርፊ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓጢኣታት ብዓይነቶም ኰነ ብብዝሖም ካብቲ ገንዘብን ንብረትን ዚበዝሑዮም። ስለዚ እቲ ዕዳጋ ናብቲ ቐጽሪ ቤት መቕደስ ኪኣትው ከሎ ምስ ዅሉ መንፈሳዊ ግዕዘያቱ ዚኣትው። ብኸምዚ ዚመሰለ ብሓጢኣት ዝተዓብለለ መስርሕ ዕድጊ መጺእካ፡ ናይ ብሓቂ ብመንፈስ ክትስውእን ከተምልኽን ይከኣልዶ፧ እቲ ዕዳጋ ርሑቕ እንተ ዚኸውንሲ፡ ካብቲ ናይ ዕዳጋ መንፈስ ኣብቲ መገዲ ኽትላቐቕ ይከኣል ይኸውን። እቲ ወኻዕታ ተዋገይትን ናቋ እስሳታትን ኣብ ጕንዲ እዝንኻ እናቃለሓ ግን ከመይ ጌርካ ኽትጽልይን ክትናዘዝን ይከኣል፧ እቶም ደቀቕቲ ቃርማ ኺቘጻጸሩ ዚውዕሉ ኣኽረርቲ ፈሪሳውያንከ፡ እዚ ኽንዲ ገመል ዚኸውን ኣበሳ ኸመይ ገይሩ ብቐሊሉ ተዋሕጠሎም፧7 ፈተውቲ ገንዘብን ስሱዓትን ስለ ዝነበሩዮም እቲ ዕዳጋ ናብቲ ግዝኣቶም ሰተት ኢሉ ኺኣትው ዝፈቐዱሉ8 ካብኡ ረብሓ ዘይረኽቡሉ እንተ ዚዀኑ፡ ይትረፍ ካብ ቀጽሪ ቤት መቕደስ፡ ካብ ቀጽሪ ኢየሩሳሌምውን መውጽእዎ ነይሮም። ሎሚውን እንተ ዀነ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ከተማታት ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያን ናይ ዕዳጋ ነገር እናቐረበን እናሰፍሐን ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ብኸምዚ ይቐጽል እንተ ሓደግናዮ፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኰነ መጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ሕንጻ ቤተ ክርስትያን ዚሽየጥ ንብረት ሒዞም ኣብ መንጎና ዚዞሩ ሸቃጦ እንተ ረኣና ኽንግረም ኣይግባእንዩ። ቤት መቕደስ ኣይሁድውን ብዘገምታምበር ብሃንደበት ኣይተወረረን።

ንኣይሁድ፡ ተግባሩ ትንግርቲ ዀይንዎም።ከምዚ ኺገብር ካብ ደፈረ፡ ኣብዛ ቤት መቕደስ ዚፍጽሞ ትእምርቲውን ኣይሰኣኖንኻብ ዚብል ኣተሓሳስባ ተበጊሶም፡እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ከተርእየና ኢኻ፧ኢሎም ሓተትዎ። ጐይታ ድማ፡ነዛ ቤት መቕደስዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላኢሉ መለሰሎም። እታነዛኺብል ከሎ ናበይ ኣናኣመልከተ ይዛረብ ከም ዘሎ እንተ ዘየስተውዒልካሉ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኣጸጋሚዩ። ወንጌላዊ ዮሃንስ፡ብዛዕባ መቕደስ-ስጋኡ እተዛረበብምባል ኣነጺሩልናዩ። ናብቲ ሕንጻ ቤት መቕደስ እናኣመልከተ፡ ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ ኺዛረብ ክንጽበዮ ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ ኺገብር እንተ ተጸቢናዮ፡ ዘይምስትውዓሎም ዘይነኰነስንሱ ባዕሉ ኣጋግይዎምኢልና ብጌጋ ደምዲምና ኣለና ማለትዩ። ንሳቶም ግና ብዛዕባ መቕደስ- ሕንጻምበር ብዛዕባ መቕደስ-ስጋ ዝዀነ ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ሰባትዮም ዝነበሩ። ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ መቕደስ-ስጋ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ንኸየስተውዕልዎ፡ እቲ ንሱ ገዛኢኦም፡ ንሳቶም ድማ ግዙኣቱ ዝኾኑ ድያብሎስ ንልቦም ደፊንዎ ነበረ9 ስለዚዮምነዛ መቕደስዚኣዚብል ቃል ካብ ኣፉ ምስ ሰምዑ ጥራሕ፡ ብዛዕባ ሰብ ንኣርብዓን ሽድሽተን ዓመት ሃሊኹ ዝሰርሓ ግእዝቲ መቕደስ እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረት መቕደስ ስጋ ኺሓስቡ ዘይከኣሉ። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ድሕሪ ትንሳኤዮም ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ኣስተውዒሎምዎምበር፡ ሽዑስ ኬስተውዕልዎ ኣይከኣሉን።

ብርግጽ ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ ኸም እተዛረበ እነረጋግጸሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ ብፍጻመ ናይቲ ትንቢታዊ ቓሉዩ። ልክዕ ከምቲ ዝበሎ፡ ንመቕደስስጋኡ ንሳቶምዮም ዘፍረስዎ (ዝቐተልዎ) ንሱ ድማ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብትንሳኤ ካብ ሞት ኣልዓሎ። ኣይሁድ ግን ብዛዕባ ሕንጻዊት ቤት መቕደስ ከም እተዛረበ ገይሮም ነኺሶም ስለ ዝሓዝዋ፡ መቕደስ ስጋኡ ንምፍራስ (ንምቕታሉ) ኻብ ዝጠቐስወን ዓበይቲ ኽስታት ሓንቲ ገይሮም ተጠቕሙላ። 10 ክርስቶስ ጐይታና፡ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ ይዛረብ ካብ ነበረ፡ ንሕና እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስከ፡ ከምቶም ኣይሁድ ብዛዕባ ሕንጻዊ መቕደስና ዲና ኺዛረብ ዚግባእ፡ ወይስ ከም ጐይታና ብዛዕባ መቕደስ ስጋና፧ኢልና ኽንሓትትምበኣር ይግብኣናዩ። ነቲ ኣብ ሕንጻዊ መቕደስ እንገብሮ ኣገልግሎት፡ ቅዱስን ኣብ ኣምላኽ ቅቡልን እንገብሮ፡ በቲ ኣብ መቕደስ ስጋና እንገብሮ ኣገልግሎት ምዃኑ፡ ጐይታ ነቲ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ። ዕዳጋ ንቤት መቕደስ ኣዝዩ ኸም ዜበላሽዎን ከም ዜርክሶን ዘይረኣየን ዘይፈልጥን ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ዚፈልጡ እንተ ዀይኖም ደኣ፡ እንታይ ኰይኖም ነታ ቤት መቕደስ ኬጽርይዋ ብቕንኣት ዘይተላዕሉ፧ ምኽንያቱ መቕደስ ስጋኦም ካብቲ ሕንጻዊ መቕደስ ብዝበኣሰ ብሓጢኣት ጋዕዝዩን ረኺሱን ስለ ዝነበረዩ። ክርስቶስ ጐይታና ግና፡ መቕደስ ስጋኡ ፍጹምን ቅዱስን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብቲ ቤት ኣቦኡ ዝዀነ ሕንጻዊ መቕደስ ዚፍጸም ዝነበረ ትውጊትን ርኽሰትን ኪዕገሶ ኣይከኣለን። ነቲ ኣብ ህይወት ሰባትን ኣብ ኣገልግሎት መቕደስን ዚግበር ሓጢኣት እንዋግኣሉ መንፈሳዊ ትብዓት ዜጐናጽጽፈና፡ እቲ ኣብ መቕደስ-ስጋና ዝረኸብናዮ ዓወትዩ። ኣብ መቕደስስጋኻ እንተ ፈሺልካን እንተ ተሳዒርካን ግን፡ ድሮ ኣብ ስጋኻ ክንዲ ጕንዲ ዚኣክል ኣበር ስለ ዘሎካ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰባት ኰነ ኣብ ቤት መቕደስ ዝረኣኻዮ ጕንድን በሰርን ክትዛረብ ኣይትተብዕን ኢኻ።

ትዅረትና መቕደስ ስጋና ኪኸውን ከም ዘለዎ ካብ ኣመንና፡ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧ እምበኣር ኣሰር ጐይታና ብምስዓብ ቅድም መቕደስስጋና ነጽፍፍ። ስጋና፡ መፍረን ዕዳጋን ናይ ሓጢኣት ካብ ምዃን ነጽርዮ። ሽዑ ከምቲ ክርስቶስቅንኣት ቤትካ በልዓኒዝበሎ ኽንብል ክንበቅዕ ኢና። ንመቕደስ ስጋና ብቕድስና ኽንሕልዎ እንኽእል ከኣ፡ ወርትግመቕደስ ኣምላኽምዃንና ኽንዝክርን፡ ከም መቕደስ-ኣምላኽ ኴንና ኽንነብርን እንተ ኽኢልናዩ። ኣብ መቕደስ-ኣምላኽ ርኹስ ነገር ከተአንግድ ኣይግባእንዩ። ዝዀነ ዓይነት ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ኸነአንግድ ከሎና፡መቕደስ-ኣምላኽ ከም ምዃነይ መጠን፡ ነዚ ዝሓስቦ ዘለኹ ሓሳብ ከአንግድ ይግብኣኒዶ፧ኢልና ኽንሓትት ይግባእ። እቲ ሓሳብ ናይ ርኽሰትን ምንዝርናን፡ ናይ ስስዐን ስርቅን፡ ናይ ጽልእን ቂምታን፡ ናይ ተንኰልን ሕሰምን እንተ ዀይኑ፡ እቲ መልሲ ብርግጽኣይፋለይንዚብል ንጹር መልሲ ዚኸውን። ሽዑ ነዚ ሓሳብ ኻብ ኣእምሮና ብንስሓ ጸራሪግና ብምውጻእ፡ ብፍታውን ብሓጐስን ተደሪኽና ብቕዱስን ቅቡልን ሓሳብ ክንትክኦ ይግባእ። ንኸምዚ ዝበለ ርኹስ ሓሳባት ባህ ኢሉና ብኣኽብሮት ንአንግዶ እንተሊና ግን፡ንስጋና መቕደስ ኣምላኽ ዘይኰነስ መቕደስ-ሰይጣን ኪኸውን ወሲንና ኣለናኽንብል ይግባእ።

ዝዀነ ዘረባ ኽንዛረብ ንድረኽ እንተሊና ድማመቕደስ ኣምላኽ ከም ምዃነይ መጠን፡ ነዚ ዚደፍኣኒ ዘሎ ዘረባ ኽዛረብ ይግብኣኒ ድዩ፧ዚብል ተመሳሳሊ ሕቶ ኽንሓትት ይግባእ። እቲ ተወርዊሩ ወጺኡ ንእዝንን ልብን ኬቝስል ኣብ ኣፍና የዕገርግር ንዘሎ ቓላት ከነአንግዶ ስለ ዘይግባእ፡ ነቲ ናይ ጸርፊ፡ ሓሶት፡ ሕምየት፡ ምርረት፡ ምጕርምራም ወዘተ ቓላት ካብ ውሽጥና ሓኺኽና ንሓዋሩ ኽንድርብዮ ይግባእ። ኣብ ልብና ዀነ ኣብ ልሳንና ንኣምላኽ ዜኽብር መዝገብ ቓላትን ቋንቋንምበር፡ ንእኡ ዜሕስርን ዜሕዝንን ቃላት ይትረፍ ኣባና ኺሓድርን ኪነብርን ብጥቃናውን ኪሓልፍ ኣይግባእን። ከመይ ንሕና ኣምላኽ ኣባና ኪቕደስን ኪውደስን ዚግብኦ መቕደስ ስጋ ኢና!!

እቲ ሳልሳይን ኣገዳስን ሕቶና ድማ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ተግባርና፡ከም መቕደስ-ኣምላኽ መጠን፡ ነዛ ሕጂ ኽገብራ ዚሓስብ ወይ ዝድረኽ ዘለኹ ተግባር ክገብራ ይግብኣኒ ድዩ፧ዚብል ሕቶዩ። መቕደስ ምዃኑ እናሓሰበ ኪምንዝር፡ ኪሰርቕ፡ ኪበኣስ ዚሓስብ ሰብ ኪህልው ይኽእል ኢልካ ኽትሓስብ መሽም ኣጸጋሚዩ። እምበኣር መቕደስ ኣምላኽ ብኸምዚ ቤት ዕዳጋ ኻብ ምዃን እትድሕን ንመቕደስ ስጋና ብኸምኡ ንሓልዋ!! መቕደስ ስጋኻ ብምቕዳስ ቤት-መቕደስ ናይ ምኽባር ጥበብ ድማ ንምለኮ!!

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መጋቢት 12, 2013 ግዕዝ (21 መጋቢት 2021)  - መበል 28 ሰንበት: .34 (፴፬))

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ቈሎ 2፡17-ፍጻ

ያዕ 2፡14-ፍጻ

ግብ 10፡1-9 

ማቴ 616-25

ዘእግዚእነ (ነኣኩተከ)

መዝ 69 : 9 –11 እስመ ቅንዐተ ኬትከ በልዐኒ፤ ተዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ። 

1ዘሌ 10፡1-5 ፣ 2 1ሳሙ 4፡1-22፣ 3 2ዜና 36፡17-21 ፣ መዝ 74፡1-10፣ 4ዘዳ 12፡4-14፣ 16፡6 5ዘዳ 14፡24-26 6ዮሃ 2፡14-16 ፥ 7ማቴ 23፡24 8ሉቃ 16፡14 ፣ ማቴ 23፡14,16-22 9 2ቈረ 4፡ 3,4 ፣ ኢሳ 57፡15 ፣ 66፡1,2 10ማቴ 26፡60,61 ፣ ማር 14፡58

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div