S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብሕቡእ ዚርእይ ብግህዶ ዚኽሕስ [መበል 27 ሰንበት ቊ.33 ፴፫]

ንስኻስ ክትጸውም ከለኻ፡ ጽዋማይ ምዃናካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርአ፡ ርእስኻ ተለኸይ፡ ገጽካውን ተሓጸብ፡ እቲ ብሕቡእ ዚርእይ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካዩ።ማቴ 617,18

እዛ ሰንበት እዚኣ ቅድስት ተባሂላ እያ ትስመ። ነዚ ናብ ካልኣይ ሰሙን ንኣትወሉ ዘለና፡ ናይ ዓብዪ ጾም (ጾመ-ኣርብዓ) ቅንያት ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ንባባት ቅዱስ ወንጌል ሓደ፡ እዚ ተመሪጹ ዘሎ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስንዩ። ምጻምና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብኸመይ ንጸውምን ንመን ኢልና ንጸውምን ምፍላጥውን ኣዝዩ ኣገዳሲዩ። ከቢድ ጾም ብምጻም ዝኸፈልናዮ ኸቢድ መስዋእቲ ንመን ኢልና ኽንጾሞ ኸም ዚግብኣናን ብኸመይ ክንጾሞ ኸም ዚግብኣና ሰኣን ምፍላጥና፡ ጻማ ዘይብሉ ኸንቱ ጾም ክንገብሮ፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ፍርዲ ብዜስዕበልና መገዲ ኽንፍሞ ዚከኣልዩ። ቃል እግዚኣብሔር፡ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእከም ዝበለ፡ ብሰሪ ዘይምፍላጥና ንድሕነት ዝሓሰብናዮ ንጥፍኣት ኪዀነና ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ንጾም ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ተግባርና እነማእዝነሉ መምርሒ ኣብቲ ቕዱስ መጽሓፍና ብንጹር ሰፊሩልና ስለ ዘሎ፡ ሰኣን ፍልጠት ዓስቢ እንስእነሉን ርእስና እነጥፍኣሉን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ስለዚ ንጾም ዚኣክል ዓብዪ ስነ-ምግባር ከነንቅድ ከለና። ንጾምና ዕዉት እንገብረሉን ርእስና ካብ ዕንቅፋት እነድሕነሉን ፍልጠት ሰኒቕና ኽንጅምሮ ግቡእዩ። ጾምና ጀሚርና ኽሳዕ እንፍጽም ድማ ነዞም ጠቐምቲ ረቛሒታት መዓልቲ መጸ እናዘከርና ልብናን ተግባርናን ክንፍትሽ ይግባእ።

ሰብ ግና ብተለምዶ፡ ነየናይ ግብሩ ተሓቢኡ ዚገብሮ፧ ብባሕርያዊ ኣተሓሳስባ ወዲ ሰብ፡ ሰብ ክፉእ ተግባር ኪገብር ከሎምበር ሰናይ ተግባር ኪፍጽም ከሎ ኪሕባእ ኣየድልዮንዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ጽቡቕ ተግባሩ ኼወዓውዖ ዚመርጽ። ምኽንያቱ ኻብቶም ጽቡቕ ተግባሩ ዝረኣዩ ኣካላት ዚምጠወሉ ሞሳን ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ዓብዪ ሓጐስ ዚፈጥረሉ። ነቲ ተግባሩ ንበይኑ ከም ተግባር ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ሰባት ዚፈጥሮ ተምሳጥን ጦብላሕታን ዚመዝኖ። እዚ ድማ ካብ ህጻንነትና ጀሚርና ዝቐሰምናዮ ነዊሕን ጽዑቕን ስልጠናዩ። እዚ ብሰብ ዚወሃና ስልጠና ግና፡ ጐደሎን ምስቲ ናይ ኣምላኽ ኣካይዳን ምርጫን ዘይሰማማዕንዩ። እቲ ዜሰልጥነና ውልቀ ሰብን ሕብረተ ሰብን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንዘጋጠሞምበር ብሕቡእ ንዝተፈጸመ ነገር ኪፈልጥ ስለ ዘይክእል፡ ዝተማልአ ስልጠና ኺህብ ኣይክእልንዩ። ስለዚ ኣብ ትሕቲ ሰብ ክንስልጥን ከለና፡ ከክፉኡ ብሕቡእ፡ ጸጽቡቑ ግን ብግሁድ ምግባር ኢና እንመሃር። እቲ ዜሰልጥን ኣካል፡ ዚበዝሕ ጊዜ ብሕቡእ፡ ንዝወሓደ ጊዜ ኸኣ ብግሁድ እኩይ ኪገብር ከሎ ብወዝቢ ስለ ዚርከብ፡ ነቲ ስልጠናኡ ብስልጣን ኣየካይዶንዩ። ምኽንያቱ ጕድለት ከም ዘለዎ ስለ ዚፈልጥ ምሉእ ትብዓት የብሉን። እዚ ናይ ትብዓት ጕድለት ድማ፡ ዋላ ብቘልዑ ኸይተረፈ ተነባቢዩ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ እዚ ልማድ ዋላ ኣብቲ መንፈሳዊ ጕዳያትና ኸይተረፈ ኸነንጸባርቖ ንፍትን ምዃንናዩ። እግዚኣብሔር ዘይከም ሰብ፡ ብሕቡእ ጥራይ ዚርእይ፡ ኵሉ ዚፈልጥ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ልብን ኵላሊትን ዚምርምር፡ ከውሊ ዘይክውሎ፡ ጸልማት ዘይጽልምቶ ኣምላኽ ምዃኑ ፈቲና ንርስዖ። ስለዚ ምስ ኣምላኽ ልክዕ ከም ምስ ሰብ ጌርና ኽንዋሳእ ንሓስብ። እዚ ድኹምን እኩይን ሃቓና ድማ ዋላ ነቲ ዝጸበቐ ምሩጽ ተግባርና ኸንቱ ይገብሮ። ስለዚ ምስ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ስነ-ምግባር ክንዋሳእ ክንሕልን ከለና፡ በቲ ምስ ሰብ እንዋስኦ ዓይነት ጌርና ኸይንዋሳእ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ከም ሰብ ጌርና እንተ ቐሪብናዮ፡ ገና ኸይጀመርና ኸለና ንመንነቱን ንዓቕሙን ስለ ዘቃለልናሉ፡ በቲ ብድሕሪኡ እነስዕቦ ስነ-ምግባር ከነቘጥዖምበር ከነሐጕሶ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣይሕሰብን እውንዩ።

እግዚኣብሔር ንጾምና ዀነ ንኻልእ ኩሉ መንፈሳዊ ስነ-ምግባራትና፡ ብሕቡእ ክንገብር ዚደልየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ጾም ዝኣዘዘ በይኑ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ፡ ንጾምና ብዚምልከት ንዝዀነ ኻልእ ኣካል ጣልቃ ኸነእትው ኣይግባእንዩ። ብኣንጻሩ ደኣ፡ ዋላ ኸይደለኻዮውን ሰባት ብወዝቢ ከይዕዘቡና ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና። ምኽንያቱ ሰባት ኣብ ዘይምልከተና ጕዳይ እናኣተና፡ ንኣምላኽ ክብሩን ስልጣኑን፡ ንሰብ ከኣ ጻማኡ ናይ ምስራቕን ምዕናውን ልማድ ኣሎና። ስለዚ ንጕዳይ ጽድቂ ብዚምልከት፡ ንሰብ እቲ ዝዓበየ ጸላኢኡን ፈተናኡን ባዕሉ ሰብዩ። ካብቲ ኸም ዘራፊ ተዅላ ዀይኑ ዓስብና ኺዝርፈና ተዳልዩ ዘሎ ሰብ ምእንቲ ኼድሕነና ኸኣዩ፡ ጐይታና፦

ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።

ብምባል ዝመዓደና1 ናይ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዝዓበየን መሰረታውን ጸገም፡ ብሰብ ክትረኣይ ምድላይዩ። ጐይታና ንጸገሞም ኪገልጽ ከሎ፡ኵሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩብዚብል ቃል ኣጠቓሊልዎ ኣሎ2 ስለዚ እዞም ሰባት ከይተረድኦም ናይ ኣምላኽን ኣምልኾን ለውጢ ገይሮም ኣለዉ ማለትዩ። እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ትእዛዝ ንሰብ ኬርእዮ ዚደልዮ ምዃኖም ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንሰብ የምልኹ ከም ዘለዉ የቃልዖም ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣቦኡ ዘፍለጠ ኣምልኾ ጣኦትዩ። ስለዚ ኸኣዮም ኣብ ዓይኒ ጐይታን ኣብ ዓይኒ ኣቦን ፍንፉናት ኰይኖም ዝተረኽቡ። ጐይታ ድማ፦

እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርአ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦዩ።

ብምባል ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዘለዎም ሚዛን ኣፍለጦም3 ስለዚ እቲ ሰባት ኬድንቕዎ ዚብህግ፡ ከይተረድኦ ኣምላኽ ኪፍንፍኖ ይደፋፍኦ ኣሎ ማለትዩ።

ኣምላኽ ግን ሰለምንታይ ብሰብ ከይንረኣይ ዚደሊ፧ ብሰብ ስለ ዚቐንእ ድዩ፧ ካብ ሰብ ናእዳ እንተ ተቐበልና ንኣምላኽዶ እንታይ ይጐድሎዩ፧ እቲ ንሰብ ዜድንቕ፡ እቲ ንኣምላኽ ዚንዕቕዩ። ነስተውዕሎ ኣይነስተውዕሎ፡ ንሰብ መተካእታ ኣምላኽ ክንገብሮ ዚድርኸና፡ ንኣምላኽ ዘሎና ንዕቀት ምእንቲ ኽንገልጽምበር፡ናእዳ ሰብ ይጠቅምዚብል እምነት ስለ ዘሎና ኣይኰነን። ንሕና ንመልእኽቲ ናይቲ ተግባርና ኸነንብቦን ከነስተውዕሎን እንተ ዘይከኣልናኳ፡ እቲ ናይዚ ንዕቀት ደራስን ሃዋርያን ዝዀነ ሰይጣን ግን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦዩ። ነቲ ብእምነትምበር ብዓይኒ ዘይረአ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንንዕቆ፡ ምሉእ ኣድህቦና ኣብቲ እንርእዮን ዚርእየናን ሰብ ክንገብር የስሕተና። ሰብ፡ ንገጽምበር ንልቢ ስለ ዘይርእይ፡ ንድኻም ሰብ መዝሚዝና ጥበራ ኽንለማመድ የተባብዓና። ንዓይኒ ስጋናምበር ንዓይኒ ልቦናና ኸይንጥቀመሉ ይዕዝመና። እቲ ንምድሓን ዝለበመ ክርስትያን ግን ዓይኒ-ልቦናኡ ኣንቍሑ ዓይነ ስጋኡ ኺዕምት ዚመርጽ። ጐይታውን፡ ብዛዕባ ኣጠማምታ ኣዒንትናን ሳዕቤናቱ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልናዩ።

ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።ማቴ 622,23

የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።ማቴ 529

ስለዚ ኣረኣእያና እንተ ዘይጥዕዩ፡ ተግባርና ኺጥዕይ ኣይክእልንዩ።ካብ ኣምላኽሲ፡ ሰብ እንተ ረኣየኒ ዜሕሽኒ፡ ኣምላኽ ካብ ዚህቦ ዓስቢ፡ ሰብ ዚህቦ ዓስቢ ይበልጽዚብል ዝምቡዕ ኣረኣእያ እንተ ዘይህልወና፡ ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዅሉ ተግባር፡ ንሰብ ንምርኢት እነቕርበሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ዕድመ ሰብ ክንደይ ምዃኑ ምሕሳብ ጥራሕኳ፡ ክብረት ሰብ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ዓብዪ መርትዖዩ። ንውሓት ጊዜ ናይቲ ሰብ ዚህበና ክብረት ጥራይ ዘይኰነ ዓይነት ናይቲ ብሰብ ዝወሃበና ኽብረትውን ኣዕሚቝና ኸይሓሰብና ኸንቱነቱ ኽንርድኦ ዜጸግም ኣይኰነን። ሰብ ንጾምና ይኹን ንኻልእ ተግባርና ምስ ተዓዘበ፡ ምናልባት ናይ ኣኽብሮት ቈላሕታን ሰላምታን ይምጥወልና፡ ኣብ በይንና ወይ ኣብ ቅድሚ ሰብ ብቓላቱ ይንእደና፡ ብድሕሬናውን ምስ ሰባት ኰይኑ ኺንእደናን ኪውድሰናን ይኽእል ይኸውን። ምናልባት ኣብ ግብዣታት ብኽብሪ ንዕደም፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ምርጫታት ይመርጸና ይኸውን፡ ንዕርቂ ይኹን ንኻልእ ኣገዳሲ ጕዳያት ኪዕድመና ይኽእል። ዋላ ኻልእ ዘይጠቐስናዮ ማሕበራዊ ኽብርታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ ዅሉ ብሓቂዶ ምስ ክብረት ኪቝጸር ዚኽእልዩ፧ ነዚ ስለ ዝሃበና እንረኽቦ ኺጥቀስ ዚኽእል ረብሓ ኣሎ ድዩ፧ ምግቢ ዀይኑ ኼስብሕ፡ ገንዘብ ኰይኑ ኼሀብትም፡ ኣኽሊልን ዝፋንን ኰይኑ ኼንግስ፡ ስልማት ወርቂ ዀይኑ ኼማዕርግ ዚኽእል ድዩ፧ ብኣንጻሩ ደኣ፡ ትዕቢትን ግብዝነትን ትምክሕትን ካልእ ሰይጣናዊ ባሕርያትን ኣልቢሱ የነውረናን የዋርደናንምበር፡ ዝዀነ ረብሓ ኣይህበናንዩ። ሰብ ኪርእዮን ኪንእዶን ዚደሊ ሰብ እምበኣር፡ ዝተጠበረ ልቢ ዘጋገዮ ውርደትን ውድቀቱን ዝናፈቐ ሰብ ጥራሕዩ።

ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ክብረትን ዓስብን ንላዕሊ፡ ነቲ ኻብ ሰብ ዚርከብ ክብረት ኣብሊጽና ምርኣይና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይዩ፧ ቀዳማይ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ ህላውነት ኣምላኽ እንጠራጠር ሰባት ምዃንናዩ። ንሰብ ከም መተካእታ ናይ ኣምላኽ ጌርና ኽንጥቀመሉ ምፍታንና ዝዓበየ መረጋገጺዩ።

ብዛዕባ ህላወ ናይቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ሓቀኛ እምነት ዘለዎ ሰብ፡ ንኣምላኽ መተካእታ ወይ መመላእታ ኣይደልየሉንዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ሰብ ተደሚሩ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ውቅያኖስ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ከም ዘይቍጸር ይፈልጥ4 ስለዚ በቲ ምርጫና ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ክሕደትን ንገልጽ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ካልኣይ መልእኽቱ ድማ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ሞትናን ድሕሪ ምጽኣት ጐይታን ዘሎ ዘለኣለማዊ መጻኢ ዘሎና ርድኢትን እምነትን ዜቃልዕዩ። እቲ ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ ዚገሃድ ዘለኣለማዊ ሕይወት ወይ ሞት ከም ዘሎ ዚኣምን ሰብ፡ ነቲ ሰናይ ብምግባሩ ኺረኽቦ ዚደሊ ዓስቢ ኣብኡ ኣብቲ ዘለኣለማዊ መጻኢምበር፡ ኣብዚ ሓጺርን ሓላፍን ሕይወት ኺረክቦ ኣይመርጽንዩ። ምኽንያቱ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታትa ምስቲ ዘይውዳእ ዘለኣለማዊ ጊዜ ይትረፍ ኪመጣጠኖ ብመሰረቱ ምስኡ ኣብ ንጽጽር ኪኣቱውን ኣይግባእንዩ። ይትረፍ ናይ ሰብ ሕሱር ክብረት፡ ናይ ኣምላኽ ክብረት ካብ ዕድመ ሰብ ንዘይነውሕ ጊዜ ጥራሕ ዚወሃብ እንተ ዚኸውን፡ ዚበሃግ ኽብሪ ኣምዀነን ነይሩ። እቲ ሰብ ዚምጥወልና ዝርካቡ ኽብሪ፡ ዕምሩ ንዘለኣለም እንተ ዚኸውን እቲ ብእኡ ምጥባርና እምብዛ ኣይመኽፍአን ነይሩ። ንኣበሳና ኣዝዩ ዜኽብዶምበኣር፡ ነቲ ንእሽቶን ጊዝያውን ክብረት ናይ ሰብ፡ ምስቲ ዓብይን ዘለኣለማውን ክብረት ናይ ኣምላኽ ከነነጻጽሮ፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ነቲ ናይ ኣምላኽ ንዒቕና ነቲ ናይ ሰብ ምምራጽናዩ።

ሳልሳይን ግዕዙይን መልእኽቱ ኸኣ፡ በቲ ንኣምላኽ ከነምልኸሉ ዝተሰርዓልና ስነ-ምግባር፡ ንርእስና ኽንምለኸሉ ንደሊ ምህላውናዩ። ስለዚ ነቲ ሰናይ ስነ-ምግባር ኣብ ክንዲ ኽንጻድቀሉ ኽንሓጥኣሉ ንመርጽ ኣለና ማለትዩ። ክንሓጥኣሉ እንኽእል ማእለያ ዘይብሉ እኩይ ስነ-ምግባር እናሃለወ፡ በቲ ሰናይ ስነ-ምግባር ክንሓጥእ ምምራጽና፡ ንኣምላኽ ብገዛእ በትሩ ኸም ምውቃዕ ዚቝጸር፡ ናይ ንዕቀትና ዝለዓለ ጥርዚዩ። መልእኽቲ ናይዚ እኩይ ምርጫና በዚ ጥራሕ ዚድረት እንተ ዘይኰነ፡ ክፋእ ናይዚ ኣበሳ ንምግላጽ፡ እዚ ዝተጠቕሰ እኹልዩ።

እግዚኣብሔር ንምንታይ ብሕቡእ ጥራሕ ክርእይ ዚመርጽ፧ ካብዚ ሰራም ኣበሳ ምእንቲ ኼድሕነና፡ ልክዕ ከም ሰብ፡ ይርእየና ኸም ዘሎ ኸም ዚፍለጠና ገይሩ ዘይርእየና፧ ብመሰረቱዘይርአምዃኑ ኣካል መለኮታዊ መንነቱ5 ሰለዚ ንኣና ደኣ ናብቲ ንዘይርአ ባሕርዩ ብእምነት ናይ ምርኣይ ደረጃ ኼዕብየና ኼደይበና ዚመርጽ እምበር፡ ንኣና ኺብል መለኮታዊ ባሕርዩን መንነቱን ኪልውጥን ኪድርብይን ክንጽበዮ ኣይግባእን፡ ንጉስ ሰለሞን፦ ክብሪ እግዚኣብሔርሲ (ኣብ) ምስዋር ነገርዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና (ኣብ) ምምርማር ነገርዩ።ብምባል ብዛዕባ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰባትን ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ ገሊጹልና ኣሎ6 ነብዪ ኢሳይያስውን፦  ኣምላኽ እስራኤል፡ መድሓኒ፡ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።ብምባል ንእግዚኣብሔር ብዜገርም መገዲ ገሊጽዎ ይርከብ7 ስለዚ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ርእሱን ኣሰራርሓኡን ዚስውር ኣምላኽ ምዃኑ፡ እንተ ፈሊጥና፡ ኵሉ ባሕርናን ተግባርናን ድማ ነቲ ስዉር ኣምላኽ ብዜስምር መገዲ ኽንገብሮ ይግባእ። ካብቲ ናይ ንጉስ ሰለሞን ኣገላልጻ ኸም እንርድኦ፡ እግዚኣብሔር ርእሱ ዚስውር፡ ነቲ ናይ ሰብ ምምርማር ምእንቲ ኼብዝሖዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን እግዚኣብሔር ርእሱ ዚስውረሉ ዕላማ፦ ንሱ ኻብ ነፍስ ወከፍና ዘይረሓቐ ክነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሓገገሎም።

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ8 ኣብ ኵሉ ዚርከብ ብህላዌኡ ምሉእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ካባና ኸይረሓቐ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍና ኣሎ። ምሳና እናሃለወ ኻባና ዝተሰወረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ሃሰስ ኢልና ምእንቲ ኽንደልዮን ክንረኽቦንዩ።ስዉር እንተ ዀይኑ ደኣ ከመይ ጌርና ሃሰስ ክንብሎ ንኽእል፧ዚብል ሕቶ ኺለዓለና ይኽእልዩ። ነቲ ዚረኣይን ግሁድን ኣካል፡ ብዓይንኻ ደሊኻ ብኢድካ ሃሰስ ኢልካ ኽትረኽቦ ይከኣልዩ። ርእሱ ሰዊሩ፡ድለዩኒኻብ በለ፡ ንእኡ ሃሰስ ኢልካ እትደልየሉ ኻልእ ዝረቐቐ ጥበብ ኣሎ ማለትዩ። ንእኡ ዚመስል ባሕርይ ብምንጽብራቕን፡ ንእኡ ዜሓጕስ ግብሪ ብምግባርን ናይ እግዚኣብሔር ደላዪ ምዃንካ እተረጋግጽ። ንኣምላኽ ክንደልየሎም ካብ እተሰርዑልና ስነ-ምግባራት ሓደ ድማ እቶም ግብረ-ኣምልኾ ኢልና እንሰምዮም ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት ወዘተ፡ እቶም ግብረ-ውህበት ኢልና እንሰምዮም ምጽዋት፡ መባእ ከምኡውን ኵሎምቶም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ ከም ፍቕሪ፡ እምነት፡ ትዕግስቲ ይኣኽለኒ-ምባል፡ ትሕትና፡ ምሕረት ምግባር ዝኣመሰሉ ስነ ምግባራትዮም። እቲ ብኣምላኽ ዘይግደስን ንእኡ ዘይደልዮን ሰብ ዜርእዮም ናይ መጀመርታ ምልክታት ነዞም ንኣምላኽ ዜስምሩ ስነ-ምግባራት ካብ ሕይወቱ ምርሓቕን ምድርባይንዩ። እቲ ጕልባቡ ብዘይቀልዐ ኽሕደት ዚመላለስ ግብዝ ክርስትያን ድማ፡ በቲ ናይ ኣምላኽ ስነ ምግባር ንሰብ እናምለኸን ብሰብ እናተመለኸን ርእሱ ኺጥብር ይነብር። ጸላእ ኣምላኽ ምዃኑ ድማ በቲ ዜዘውትሮ እኩይ ስነ- ምግባር (ግብሪ ዓመጻ) ጭቡጥ መትርዖ ይህብ።

ናይ ምስዋሩ ኻልኣይ ኣገዳሲ ዕላማ ድማ፡ እዚ ምድራዊ ሕይወትና ናይ ትዕዝብቲ ጊዜ ስለ ዝዀነዩ። ምድራዊ ሕይወትና ዓስብና ንምብዛሕ እንዓይየሉን ብእምነት እንጽበየሉን ጊዜ እዩ። ዓስቢ፡ ስራሕ ምስ ተወድኣምበር፡ ገና ስራሕ ኪጅምር ከሎ ኣይወሃብንዩ። ዋላ ኣብ ምድራዊ ስራሕናውን፡ ተዓሲብና ኽንሰርሕ ምስ ጀመርና፡ስርሐይ ቅድሚ ምውዳአይ ደሞዘይ ይወሃበኒኢልና ኣይንሓትት ኢና። ደሞዝና መዓልታዊ፡ ሰሙናዊ፡ ወርሓዊ ኺወሃበና ብእተሰማማዕናዮ መሰረት፡ ነቲ ስራሕ ምስ ፈጸምና ኢና ደሞዝ ክንጽበይ እንኽእል። እቲ ኣስራሒና ድማ ስራሕናን ኣሰራርሓናን ከም ዚግባእ ድሕሪ ምዕዛቡ ደሞዝና ዚኸፍለና። ብውጽኢትን ጽፍፈትን ናይ ኣሰራርሓና ምስ ዘይዓግብ፡ ካብ ስራሕ የባርረና። እግዚኣብሔር ከኣ እዚ ብሕይወት እንነብረሉ ዓመታት ከም ሓደ ናይ ስራሕ ዘመን ገይሩ፡ እቲ ኣብ ሕይወት ክንገብሮ ዚግብኣና ምስ ፈጸምና፡ ናብቲ ዓስብና ዚኸፍለሉ ቦታ የግዕዘና። እቲ ደሞዝና እንቕበለሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ ከካብቲ ዓሪፍናሉ ዘለና መቓብር ኣውጺኡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብርና ይፈድየና9

እግዚኣብሔር ዘይታኸስ ንቑሕ ሓላዊዩ። ኣብ ዘለኻ ሃሊኻ ኻብኡ ኽትሕባእን ክትስወርን ኣይከኣልን10 መዓልትን ለይትን ኣዒንቱ ኣባና ተኺሉ ይከታተለና11 ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ሓሳባትናን ድርኺትናን ይፈልጦ12 ኣሽንኳይ ኪግለጽምበር ኪሕባእ ዘይደሊ ሰብ፡ እቲ ደይመደይ ኢሉ ኺሕባእ ዚከኣሎ ዅሉ ዚገብር ካብኡ ኺሕባእ ከም ዘይክእል፡ እግዚኣብሔር ባዕሉ፡ ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎዩ፧ይብል እግዚኣብሔር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፧ ይብል እግዚኣብሔርኤር 2324

ስለዚ ኸምቲ ጐይታ ምዒዱና ዘሎ፡ ነቲ ንሓጺር ጊዜ ብሕቡእ ተዓዚቡ፡ ደሓር ግና ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ነገዳት መላእኽትን ደቂ ሰብን ዚኽሕስ ኣምላኽ ንምረጽ። በቲ ንዘለኣለም ክንረብሓሉ ዝተዋህበና ስነ-ምግባር ኣይንሕጣእ። ንሰብ ኣኽቢርና ንኣምላኽ ኣይነሕስር። ከምቲ ጐይታና፦ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሃቡዝበለና፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስውን፡ “....ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ክብረት፡ ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ።ዚበሎ፡ ንሕናውን ከምኡ ንግበር13 ንሰብ ናይ ኣምላኽ ቦታ ሂብና፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣይንኹን። ነቲ ኣምላኽ ጥራሕ ኪኸብረሉ ዚግባእ ግብርና፡ ክብሪ ኣምላኽ ንምስራቕ ኣይንጠቐመሉ። ኣምላኽ ኣብ ዘለናዮ ዅሉ ምሳና ኸም ዘሎ፡ እንዛረቦ ዅሉ ይሰምዕ፡ እንገብሮ ዅሉ ይዕዘብ፡ እንሓስቦ ዅሉ ይምርምር ከም ዘሎ ወርትግ ንዘክር። ምኽንያቱ ንሱ ነቲ እንገብሮ ዅሉ ኽፉእን ጽቡቕን ግብርና ብሕቡእ ይዕዘብ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ኵሉ ተግባርና ጻማ ብቕሉዕ ብግህዶ ኺፈድየናዩ። ክፉእና ዀነ ጽቡቕና፡ ውርደትና ዀነ ኽብረትና፡ እቶም ብኣካል ዚፈልጡና ሰባት ጥራሕ ዘይኰኑ፡ ካብ ኣዳም ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ዝነበሩ ዅላቶም ሰባትን ህዝብታትን ብግሁድ ኪርእይዎዮም።ተሓቢአን ይጠንሳኦ፡ ሰብ ኣኪበን ይወልዳኦኸይኰነና፡ ብዚገሃድ ሓጢኣት ክንዋረድ ዘይኰነስ፡ ብግህዶ ብዚከሓስ ሕቡእ ስነ-ምግባር ንሃብትም!! ነቲ ዳሕራይ ክብርና ምእንቲ ኼግህድ ሕጂ እተሓብአ ኣምላኽ ንዘክር።

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ መጋቢት 5, 2013 ግዕዝ (14 መጋቢት 2021)  - መበል 25 ሰንበት: ቊ.31(፴፩)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1 ተሰ 41-13

1ጴጥ 113-ፍጻ

ግብ 1017-30

ማቴ 616-25

አትናቴዎስ

መዝ 965-7

እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ፤አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ፤ ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።

እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብረትን አብ ቅድሚኡ፣ ሓይልን ጽባቐን አብ መቕደሱ እዩ። 

1ማቴ 61 2ማቴ 235 3ሉቃ 1615: 4ኢሳ 4015 adecades: 5ዮሃ 1፡18 ፣ 1ጢሞ 6፡16 ፣ ዘጸ 33፡18-23 6ምሳ 25፡2 7ኢሳ 45፡15 8ግብ 17፡26,27: 9ማቴ 25፡14-46፣ 16፡27 10መዝ 12፡2,3,8 ፣ 139፡1-12 11መዝ 33፡13-15 12መዝ 17፡3 ፣ ኤር 17፡9,10 13ማቴ 22፡21 ፣ ሮሜ 13፡7

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div