S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኵሉ ኺነግረና’ዩ!! [መበል 25 ሰንበት:.ቊ.31, ፴፩ ]

እታ ሰበይቲ ድማ፡ ‘‘ክርስቶስዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ፡ ንሱ ምስ መጸ ኵሉ ኺነግረናዩ፡በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ ንሱየ፡በላ።ዮሃ 425,26

እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ዝርርብ ተሪኹልና ኣሎ። እቶም ኣብ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ዝነበሩ ዓሰርተ ነገዳት ብንጉስ ኣሶር ተማሪኾም ናብ ብዘላ ዓለም ምስ ተበተኑ፡ እቶም መተካእታኦም ኪዀኑ ናብኡ ዘምጽኦም ሕውስዋስ ዓሌታት ኣህዛብሳምራውያንተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። እዚ ስም ድማ ካብታሰማርያእትበሃል ዋና ከተማ ናይቲ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ዝነበረት ዝወጸዩ። እዞም ሕዝቢዚኦም፡ ንኣምላኽን ንጣኦታትን ዜምልኹ ሕዝቢ ነበሩ። ስለዚ በቶም ደቂ እስራኤል ኣዝዮም ፍንፉናትን ንዑቓትን ነበሩ1 ኣብዚ ንባብና ኣብ 49 ተገሊጹ ኸም እንረኽቦ ድማ፡ ኣይሁድን ሳምራውያንን ንሓድሕዶም ዝዀነ ሕብረት ኣይነበሮምን። ሰላም ኣይበሃሃሉን፡ ናብ ገዛ ሓድሕዶም ኣይኣትዉን፡ ብሓባር መኣዲ ኣይበልዑን ነበሩ2 ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣህዛብ ስለ ዚግባእ፡ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤልምበር፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ከይኣትዉ፡ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ይኽልክሎም ነበረ3 ምኽንያቱ ንሓደ ኣይሁዳዊ ናብ ከተማ ኣሕዛብ ምልኣኽ ኣዝዩ ኸቢድ ስለ ዝዀነ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክትርታዕን ሓይሊ ኽትዕጠቕን ኣዝዩ ኣድላዪ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚለብሱ ኻብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ጽኑዕ ትእዛዝ ተዋህቦም4 ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብቲ ኻብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ ቆርነሌዎስ ንኺልእኾ ብፍሉይ ራእይን ብትእዛዝ መንፈስ ቅዱስን ኪድርኾ ናይ ግድን ኰነ5 ተልእኾኡ ፈጺሙ ምስ ተመልሰ ኻብቶም ኣሕዋቱ ደቀ መዛሙርቲ ዝገጠሞ ተቓውሞውን ብሰፊሑ ተተሪኹልና ኣሎ6 ካብዚ ዝተጠቕሰ ፍጻመታት ብምብጋስ እምበኣር፡ ንሓደ ኣይሁዳዊ ብምድሪ ሰማርያ ምሕላፍን ምስ ሳምራውያን ምውሳእን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ኽንርዳእ ኣየጸግምንዩ።

ክርስቶስ ጐይታና ባዕሉ ብቓሉ ዘይተዛረቦን ብግብሪ ዘይፈጸሞን ነገር፡ ዝዀነ ሃዋርያ ኺገብሮን ኪዛረቦን ኣይክእልን7 ስለዚ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ኣርኣያ ጐይታኦም ተኸቲሎም ናብ ከተማ ሳምራውያንን ካልኦት ኣህዛብን ኣትዮም ወንጌል ምእንቲ ኺሰብኩ፡ ጐይታና ብሰማርያ ኺሓልፍ ናይ ግድን ኰኖ። ኣብ መገዲ ኺደኽሙን ኪጠምዩን ናይ ግድን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኬዕርፉን ርእሶም ኪዕንግሉን ዔላ ማይ ናብ ዝነበሮ ሩባ ወረዱ። ንጐይታና ንበይኑ ኣብቲ ዔላ ገዲፎምዎ ድማ ዚበልዕዎ ምግቢ ኺሽምቱ ናብታ ኣብ ቀረባኦም ዝነበረት ናይ ሰማርያ ኸተማ ኸዱ። እታ ዝኸድዋ ኸተማሲካርትበሃል ነበረት። እቲ ምድሪ ኣቦና ያእቆብ ንወዱ ዮሴፍ ዘረስተዮ ምድሪ ነበረ።

ብኣቈጻጽራ ኣይሁድሳድሰይቲ ሰዓትማለት፡ ብኣና ፍርቂ መዓልቲ (ሰዓት 12) ወይ ከኣ ፋዱስ ማለትዩ። ንኣና ናይቶም ዝገዝኡና ኢጣልያውያን ጽልዋ ደኣ ኣቈጻጽራና ኽንልውጥ ገይሩናምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኽሳዕ ሕጂ ከምቲ ናይ ኣይሁድ ኣቈጻጽራ ጊዜዮም ዚጥቀሙ። ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስናሳድሰይቲ ሰዓትእንተኢሉ፡ ብኣና ፍርቂ መዓልቲ፡ሳልሰይቲ ሰዓትእንተ ኢሉ፡ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ፡ታስዓይቲ ሰዓትእንተ ኢሉ ድማ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ማለትዩ። ኣብ ባህልና ዀነ ኣብ ባህሊ ኻልኦት ሕዝብታት፡ ፍርቂ መዓልቲ ወፊርካሉ ኻብ ዝጸንሓካ ጕዳይ ደኣ ናብ ቤትካ ትኣትውምበር፡ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ስራሕ ወይ ማይ ክትወርድ ናብ ርባ ኣይውረድንዩ። ኣብዛ ህሞትዚኣ ግን ክልተ ዘይንቡር ነገር ኣብ ሓደ ጊዜን ኣብ ሓደ ቦታን ተኸስቱ። ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ኣብ ዔላታት ሳማርያ ኺርከብ ልሙድን ንቡርን ኣይነበረን፡፡ እቲ ዘይንቡር ግን ብእኡ ጥራይ ኣየብቅዐን። ኣይሁዳዊ ሰብኣይሲ ንሳምራዊት ሰበይቲማይ ኣስትይኒኺብላውን ዝበኣሰ ዘይንቡር ኰነ። ሓደ ዓቢ ማሕበራውን መደባውን እግድ ተጣሕሰ። ይትረፍ ንኻልእ ሰብሲ ንባዕላ ነታ ጽይንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣዝዩ ዜገርም ኰይኑስ፡ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ማይ ክትሰትይ ትልምን ዘለኻ፧ኢላ ብኣስተንክሮ ኽትሓትቶ ተደረኸት። በዚ ተራ ዚመስል ናይ ኣግርሞት ንግግር ከኣ ናብ ዓሚቝ ስነ-መለኮታዊ ዘተ ኣተዉ።

ኣብ መንጎ ሓያል ዝርርብ ድማ ማሕበራውን መንፈሳውን መንነት ናይዛ መጓቲት ሰበይቲ፡ ካብኡ ሓሊፉውን መንፈሳዊ መንነትን ተልእኾን ናይ ክርስቶስ ተጋህደ። እዛ ሰበይቲ፡ ናብ ሻድሻይ ሰብኣይ ዝበጽሐት ኣመንዝራ ዝነበረት። እቲ ሕጂ ምስኣ ዚነብር ዘሎ ሰብኣይ ድማ ሕጋዊ በዓል ቤት ዘይኰነስ ውሽማኣ ወይ ናይ ምንዝርና ዓሚላዩ። እቶም ዝቐደሙ ሓሙሽተ ሰብኡትውን ከምዚ ናይዚ ሰብኣይ ተመሳሳሊ ዝምድና ዝነበሮም ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ልዑልዩ። ብኣካል ኰነ ብታሪኽ ፈጺምካ ዘይትፈልጦ፡ ብወዝቢ ዝረኸብካዮ ሰብ፡ ናይ ምንዝርና ታሪኽካ ዘርዚሩ ኺገልጸልካ ኸሎ፡ ብዛዕባኻ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ርእሱውን ይነግረካ ኸም ዘሎ ብሩህዩ። ስለዚ ንዅሉ ታሪኻ ቅልዕ ኣቢሉ ምስ ነገራ፡ኣበይ ትፈልጠኒ፧ መን ከምኡ ኢሉ ነጊሩካ፧ኢላ ኽትሓትት፡ተጋጊኻ ትሕስው ኣለኻኢላ ኽትቍጣዕን ክትነቕፎውን ምኸኣለት ነይራ። ነቲ ብሱል መንፈሳዊ ኣረኣእያ ስለ ዝመረጸት ግና፡ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣለኹኢላ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ናይ ቅኑዕ መደምደምታ በጽሐት። ብዛዕባ ጐይታ ዝቐልዖ ዜሕፍር ታሪኻ ከይሓፈረት ብግልጺ ስለ ዝተኣመነት ድማ፡ ጐይታቅንዕናን ሓቅንከም እተፍቅር ብምንጋር ነቲ ናይ ባህርይ ብልጫኣ መስከረላ።

እዛ ቕንዕናን ሓቅን እተፍቅር ኣመንዝራ ግና፡ ኣብ ውሽጣ ዀይኑ ዚሓቕያ ናይ ስነ-መለኮት ጕዳያት ስለ ዝነበራ፡ ንውልቃዊ ጕዳያ ንጐኒ ሓዲጋ ነዚ ነብዪነቱ እተራእያ ኣይሁዳዊ ኽትሓትቶ መረጸት። ምኽንያቱ ምስ ኣይሁዳዊ ናይ ምዝርራብ ዕድል ደጊማ ኸይትረክብ ትኽእልያ።ናይ ዘይፈልጣ ሰብ ታሪኽ ዘርዚሩ ዝፈለጠስ፡ ናይ ሃይማኖትናን ሃይማኖቶምን ፍልልይ ኣጸቢቑ ከም ዚፈልጥ ዝዀነ ጥርጥር የልቦንኢላ ስለ ዝሓሰበት፡ ንኣምላኽ ኪስገደሉ ብዛዕባ ዚግባእ ቦታ ሓተተቶ። ንሱ ድማ ካብ ቦታ ስግደት ሕልፍ ኢሉ፡ ብዛዕባ ሕይወት ናይቲ ዚሰግድ ሰብ ብዚምልከት ካብ ኣእምሮ ዘይሃስስ ዓቢ ትምህርቲ ኣስነቓ። በቲ ንልባ ዝረትዐ ቓሉ ተደሪኻ ድማ፡ ነቲ ኣይሁዳውያን ዝረስዕዎ መሲሕ (ክርስቶስ) ዘከረቶ። በዚ ዘረባኣ ድማ ምምጻእ ክርስቶስ እትጽበ ኣመንዝራ ሳምራዊት ምዃና ተገልጸ። እቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹ ዘሎ ቓላ ድማ ነቲ ድሮ ዝመጸን ዝተገልጸን መሲሕ ክትፈልጦ በሪ ኸፈተላ።

ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ይትረፍ ኣብ ርባታትን ሻውላትን ናይ ሰማርያ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌም ተረሲዑ ዝነበረ ጕዳይዩ። እምበኣር ንክርስቶስ ብሰማርያ ኺሓልፍ ናይ ግድን ዝዀኖ፡ ነዛ ናቱ ምምጻእ እትጽበ ዝነበረት ኣመንዝራ ሰበይቲ ምእንቲ ኺግለጽምበር ምድሪ ሰማርያ ኸይረገጽካ ኻብ ናብ ገሊላን ይሁዳን ክትመላለስ ዘይከኣል ጂኦግራፍያዊ ግዴታ ዀይንዎ ኣይኰነን። ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ዚጽበዩ ኣይሁድ በጻብዕ ዚቝጸሩ ውሑዳትዮም ዝነበሩ። ገለ ኻብኣቶም ነብዪ ስምኦን፡ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ምስኣ ዝነበሩ ሒደት ሰባትን፡ እቲ ንኢየሱስ ኣብ ክቡር መቓብር ብምቕባር ትንቢት ዝፈጸመ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን ምጥቃስ ይከኣል (ሉቃ 225,38 ሉቃ 2351) እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ዚጽበይዎ ኸቶ ዘየሕፍር እሙን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ብህጻንነቱ ዝረኸብዎ ኺሓቝፍዎ፡ ነቶም እናገሸን እናመሃረን ዝረኸብዎ ማይ ኬስትይዎን ካብኡ ኺመሃሩን ነቶም ሞይቱ ዝረኸብዎ ድማ ብኽቡር ቦፍታ ኪገንዝዎን ንርእሶም ኣብ ዝወቐርዎ ኽቡር መቓብር ኪቐብርዎን ብምፍቃድ፡ ጻማ ትጽቢቶም ፈደዮም8

እዛ ነቲ እተጸበየቶ ክርስቶስ ክትርኢን ክትፈልጦን ዝተዓደለት ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ብዛዕባ ክርስቶስንሱ ምስ መጸ፡ ዅሉ ኺነግረናብምባል ካብ ጐይታኣ ዝነበራ ትጽቢት ገሊጻያ። ንእኡ ምስ ረኸበቶ እንታይ ነጊርዋ፧ ትጽቢታ ተማሊኡላዶ፧ ብርግጽ ተማሊኡላዩ። ቀዳማይ ዝነገራ ነጥቢ፡ ብዛዕባ ማይ ሕይወትዩ። ንሳ ብዘይካ ማይ ዔላ ኻልእ ትፈልጦ ኣይነበራን። ማይ ዔላ ድማ ኣሽንኳይ ንዘለኣለም ንሒደት ሰዓታት ኣየጽንሕንዩ። ክንዲ ዜርውየካ መጠን ከኣ፡ ንእኡ ንምርካብ ብዙሕ ዜህልኸካ። እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ብዛዕባ ንዘለኣለም ዘየጽምእ ማይ ምስ ሰምዐት፡ጐይታይ ከይጸምእ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ ሃበኒኢላ ዝለመነትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ (415) ምስ ሰተኻዮ ንዘለኣለም ዘየጽምእ፡ ኣብ ውሽጥኻ ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ዚኸውንማይ ሕይወትዚበሃል ማይ ከም ዘሎ፡ እቲዅሉ ኺነግረናዝተባህለሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ዝነገረ ወይ ኪነግር ዚኽእል ኣካል ኣይነበረን። እዚ ማይ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣብ ዮሃ 737-39 በሪሁልና ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ንዘለኣለም ኣብ ውሽጥና ስለ ዚነብር፡ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ኰይኑ ንዘለኣለም ዜጥልለናን ዜርውየናን ንሱዩ። ኵሉ ንኽንፈልጦ እንጸምኦ መንፈስ ቅዱስ ዚገልጸልናን ዚምህረናን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂዚ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ዚብል፡ እቲ መንፈስ (ቅዱስ) ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” 1ቈረ 29-12

ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ እንረኽቦ ሓቂ ድማ ንሱዩ። ጐይታና ንዅሉ ዚነግረናን ዜፍልጠናን ብመንፈሱ ገይሩ ምዃኑ ባዕሉ ነጊሩናዩ።

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩምዩ። .... ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡ እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩምዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምንሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒዩ። እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይዩ። ስለዚየ፥ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩምዩ፡ ዝበልኩ።ዮሃ 1426 1612-15

ነህምያውን፡ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሂብካዮምብምባል ተኣሚኑ ኣሎ9 ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ዝተቐበልዎ ቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ኺፈልጥዎን፡ ነቲ ዝፈለጥዎ ድማ ኪነብሩሉ ኸም ዘኽኣሎም ብግሩም ቃላት ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ።

ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም ዝጸሓፍኩልኩም.... ንስኻትኩምሲ ኸምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዝምህረኩም ዘሎ፡ .....ከምቲ ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምንዩ።” 1ዮሃ 220,21,27

ስለዚ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዀነ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባትን ጕዳያትን ክንፈልጦ ዜድልየና ዅሉ፡ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ዜፍልጠና። ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥን፡ ከም ፍቓዱ ጌርና ኽንጽልይን ዜኽእለና፡ እዚ መንፈስ ቅዱስ10 ጐይታና፡ ነዛክርስቶስ መጺኡ ዅሉ ኺነግረናኢላ ትጽበ ዝነበረት ሳምራዊት፡ ነቲ ናይ ምፍላጥ ጽምኣታ ዜርውይ ማይ ሕይወት ከም ዜስትያ ኣበሰራ። ምኽንያቱ ዅሉ ጊዜ እግዚኣብሔር ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ11

ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብዛዕባ ሕሉፍን ህሉውን ሕይወታ ነገራ። እቲ ናይ መውስቦ ታሪኻ ብኣካል ንዚፈልጣ ዝዀነ ሳምራዊ ምስጢር ኣይነበረን። ቅድሚ ሕጂ ርእይዋን ረኺብዋን ንዘይፈልጥ ሰብ ግና ስዉር ምስጢርዩ። ብዛዕባቶም ዘእተወቶም ቍጽሪ ሰብኡትን ምስኣቶም ዝነበራ ዓይነት ዝምድናን ብምግላጽ፡ ነቶም ኣብ ልባ ዝነበሩ፡ ክርስቶስ ኪምልሰላ እትጽበዮ ዝነበረት ሕቶታት ክትሓትት ኣተባብዓ። ነቲ ኣምላኾ-ጠቀስ ሕቶታት ልዕሊ ትጽቢታ ብብቕዓት ብምምላስ ከኣ፡ ካብ ኣምልኾ ናይ ኣኽራን ኣውጺኡ፡ ናብቲ ቕቡል ብመንፈስን ብሓቅን ዚግበር ስግደትን ኣምልኾን መርሓ። ብትሕዝቶን ስልጣንን ናይ ኣዘራርባኡ ክርስቶስ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገሚታ፡እቲ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲሕ ምስ መጸ፡ ኵሉ ኺነግረናኢላ ተዛረበቶ። ንሱ ድማ፡ ክርስቶስ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ነቲ ሓቂ ኣግሂዱ ገለጸላ። ብኸምዚ መገዲ ክርስቶስ ዝተገልጸሎም በጻብዕ ዚቝጸሩ ውሑዳትዮም። እቲ ዜገርም ከኣ ንሓንቲ ጽቡቕ ስነ-ምግባር ድሕረ- ባይታ ዘለዎ ሰብ ዘይኰነስ ንሓንቲ ምስ ሽድሽተ ሰብኡት ዝተዋሰበት ኣመንዝራ ሰበይቲ ምግላጹዩ። ነቲ እትጽበዮ ምስ ረኸበት ድማ እቲ ዘምጽኣ ናይ ማይ ምውራድ ጕዳይ ምስናይ ዕትሮኣ ሓደጋ፡ ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ከተበስር፡ ናብቲ ማሕበራዊ ኽብሪ ዘይህባ ሕዝቢ ጐየየት። ነቲ ሕዝቢ ኺስሕብ ብዚኽእል ጥበብ ከኣ ምምጻእ ክርስቶስ ኣበሰረት። ሳላኣ ድማ ብዙሓት ሳምራውያን ብክርስቶስ ብምእማን ንእምነት ተኣዘዙ። እቲ ማሕበራውን መንፈሳውን ታሪኻ ስለ ዝዓንቀፎም ከኣ፡ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናንምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ብምባል ኬመጕስዋ ኣይፈቐዱን (442) እቲ መሲሕ ክርስቶስ ስለ ዘኽበራ ግና ናይ ሰብ ክብሪ ዚዓብሰላ ኣይነበሮን።

ንሕናኸ ነቲዅሉ ዚነግርክርስቶስ ብሓቂ ረኺብናዮዶ ንኸውን፧ ከም ዝረኸብናዮን ከም ዘይረኸብናዮን ክንፈልጥ ዜጸግም ኣይኰነን። ነቲ ኽንፈልጦ ዜድልየናን ዚግብኣናን ይነግረና እንተልዩ ብርግጽ ረኺብናዮ ኣለና፡ ምሳናውን ኣሎ ማለትዩ። ምኽንያቱ ቃል ቅዱስ ወንጌል፡

ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ተሰዊሩ ኣሎ።

ኢሉና12 ብቐንዱ ክርስቶስምስጢረ ኣምላኽምዃኑውን ልዕል ኢሉ፦

ምእንታኹምን ምእንቲቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፡ ምእንቲቶም ገጸይ ርእዮም ዘይፈልጡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ ክትፈልጡ እደልይ ኣለኹ። እዚ ኸኣ ነቲ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ምእንቲ ኺፈልጡን ናይ ምሉእ ምስትውዓል (ኣእምሮ) ሃብቲ ምእንቲ ኺህልዎምን፡ ልቦም ተጸናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑን ኢለየ።

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ13 ክርስቶስ ባዕሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ካብ ኰነ፡ ምስጢር ኣምላኽ ንሱ ባዕሉ ኻብ ኰነ፡ ንእኡ እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን፡ ንዅሉ ኺነግረናን ኬፍልጠናንዩ። ሓደ እዋን፡ ኣብታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ጐይታና ነቶም ፍቁራት ሃዋርያቱ፡

ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹምኢሉ ምስ ተዛረቦም፡ ሃዋርያ ቶማስ ከኣ፡ጐይታይ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧ኢሉ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ሕቶ ሓተተ። ጐይታና ኸኣ፦

“‘መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡በሎ። ፊልጶስ ከኣ፡ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡በሎ። የሱስ በሎፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ ከመይ ኢልካኸነቦ ኣርእየና፡ትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።ዮሃ 144-10

እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ፡ ብርጉጽነት ከም ዚፈልጡ እናነገሮም ከሎ፡ ንሳቶን ግን ነቲ ኺፈልጥዎ ዚግብኦም ምፍላጣም ኣይፈለጡን። ጐይታ ግና፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ሰማያት ንኣኻትኩም ተዋሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም (ነቶም ዘይኣምኑ) ግና ኣይተዋህቦምን

ኢሉ ኣቐዲሙ ኣረጋገጹሎምዩ።14 ስለዚ ኣብቲ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን፡ ኣብ እምነትን ምእዛዝን ጸኒዕና እንተሊና፡ ንኣናውን እቲ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ተዋሂቡና ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ዚበሃል ከቶ የልቦን15 ንክርስቶስ ኣዚና ኽንፈልጦ፡ ነቲ ኣብኡ ተሰዊሩ ዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ክንርስተዮ እንተ ፈቒድና፡ ንሱ ድማ ንምስትውዓል ኣእምሮና ኸፊቱ ኽንፈልጦ ኺረድኣናዩ። ካባና ዚደለይ እንተልዩ ኸኣ፡ ኣሰር ቅዱሳን ሃዋርያቱ ስዒብና፡

“. . .እንተ ዀነ ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ (ወጽዓ) ቘጸርክዎ። እወ! ምእንቲ መዘና ዘይብሉ (ብሉጽ) ፍልጠት ናይቲ ጐይታይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ንዅሉ ነገር ከም ክሳራ እቘጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ኽብል ንዅሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ (ምእንቲ) ኽረክብን ምስኡ (ምእንቲ) ክኸውንን ከኣ፡ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣለኹ።

ክሳዕ ምባል ምዕባይ16 ስለዚ ንኻልእ ኵሉ ስጋውን ምድራውን ረብሓ ኸም ወጽዓን ጐሓፍን ክንቈጽሮ ኽሳዕ እንኽእል፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ብሉጽ ፍልጠት ንምርካብ እንብህግ እሙናት ክርስቲያን እንተ ዄንና፡ ነቲ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ክንረኽቦ፡ ንምስጢራት ኣምላኽ ብዕምቈት ክንፈልጦ ብዘይ ስፍሪ ኺወሃበናዩ። እምበኣር ከምታ ሳምራዊት፡ንሱ ዅሉ ኺነግረናንበል ናብኡ ንምጻእ።

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ የካቲት 21, 2013 ግዕዝ (28 የካቲት 2021)  - መበል 25 ሰንበት: ቊ.31(፴፩)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 91-17

1ጴጥ 220-ፍጻ

ግብ 111-19

ዮሃ 41-25 

ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም)

መዝ 463-4

ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና።

አግረረ ለነ አሕዛብ ወሕዘበ ታሕተ እገሪነ፤ ወኀረየነ ሎቱ ለርስቱ፤ ሥኖ ለያዕቆብ ዘአፍቀረ። 

12ነገ 17፡24-41 2ግብ 10፡28፣ 11፡2,3 3ማቴ 10፡5,6፣ 15፡24-27፣ ግብ 13፡26፣13፡46,47፣ ሮሜ 1፡16፣ 2፡9-11 4 ሉቃ 24፡49፣ ግብ 1፡4,5,8 5ግብ 10፡9-35 6ግብ 11፡1-20: 7ሮሜ 15፡17-19:8መዝ 25፡3፣ ኢሳ 49፡23 9ነህ 9፡20:10ሮሜ 8፡26,27 11ደጕ 3፡25,26 12 ቈሎ 2፡3: 13ቈሎ 2፡1,2 ካ.ት 14ማቴ 13፡11 15ግብ 10፡34,35 ፣ ሮሜ 2፡11 ፣ ገላ 3፡28፣ ቈሎ 3፡11 16ፊሊ 3፡7,8

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div