S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን’ዩ [መበል 24 ሰንበት: ቊ.29, ፳፱ ]

ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ኣማልኽቲ ኢኹምበልኩዚብልዶ ኣይተጻሕፈንዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፦ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልንዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለማውን ዝለኣኾ ግዳ፡ወዲ ኣምላኽስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ትጻረፍ ኣለኻ ትብሉኒ ኣለኹም።ዮሃ 1034-36

ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስወንጌል፡ ጐይታና ናይሕያዋይ ጓሳትምህርቲ ድሕሪ ምስትምሃሩ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ናብ ምቕታሉ ዝዓለመ ሓያል ተቓውሞ ዚትርኽዩ። ብዛዕባ ሕያውነት ስለ ዘስተምሃረ ኽንድዚ ዚኣክል ተጻብኦ ዝገጠሞስ፡ ብቐጥታ ግሁድን መሪርን ተግሳጽ እንተ ዚግስጾም ደኣ፡ እንታይ መገበርዎ ማለትዩ፧ ንዝተዛረቦ ኹሉ ዘረባ፡ንኣምላኽ ተጻሪፉኢሎም ዘይትርጉሙ እናሃቡ፡ ንእኡ ዚቐትሉሉ ምኽንያት ሃሰው ይብሉ ነበሩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ንስም እግዚኣብሔር ዝጸረፈ ወይ ዘቃለለ ብዳርባ እምኒ ይሙትዚብል ጽኑዕ ትእዛዝ ተዋሂቡ ስለ ዝነበረ፡ ኪቐትልዎ ንዝደልዩ ሰብ በዛ ሕጊዚኣ ኣመኽንዮም ብምቕታል፡ ነቲ ንጽህ ደም ናይ ምፍሳስ ባህጎም መጐልበቢ ገይሮም ይጥቀሙሉ ነበሩ1 ንግስቲ ኢዛቤል፡ ሰይቲ ንጉስ ኣከኣብ፡ ነቲ ንጹህን ድኻን ናቡተ ንምቕታል ዝተጠቕመትሉ ሕጊውን እዚ 2 ኣብ መወዳእታ ንጐይታናውን በዚ ሕጊዮም ዘቕተልዎ3 ቅዱስ ስቲፋኖስ፡ ቀዳማይ ሰማእትውን ነዚ ሕጊ ተጠቒሞም ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ4

ስለዚ ነቲ ቕዱስ ሕጊ ኣምላኽ፡ መጋበርያ ናይቲ ኣብ ውሽጦም ኰይኑ ዚህውኾም ንጹህ ደም ናይ ምፍሳስ ጽምኣቶም ገይሮም ይጥቀምሉ ነበሩ። ኣብ ዝተጠቕሰት ዕለትዚኣውን፡ትጻረፍ ኣለኻእናበሉ ብዳርባ ኪቐትልዎ ኣእማን ኣልዓሉ። እቲ ጥበበኛ ጐይታ ድማ፡ ካብቲዚኣምኑሉንዚጥቀሙሉን ሕግታት ሓደ ብምጥቃስ፡ ነቲ ሃቐናኦም ዓገቶ። ናይ ዕለትዚ ኣርእስትና ድማ ንኣታቶም መልሲ ንምሃብ ካብ ዝተዛረቦ ቓላት ዝተወስደዩ። ብሓቂ ጹሑፍ ኪፈርስዶ ኣይከኣልንዩ፧ ወዲ ሰብከ ብዘይካ ጽሑፍ ናይ ምፍራስ ታሪኽ፡ ካልእ ታሪኽዶ ኣለዎዩ፧ እቲ ብጽሑፍ ዝተዋህበና ቓል ኣምላኽ፡ ይትረፍ በቶም ዝናዓቕዎን ዘይተቐበልዎም፡ በቶም፡ኣማን ብኣማን ቃል-እግዚኣብሔርኢልና እንኣምን፡ ንርእስና ኸኣክርስቲያንኢልና እንሰሚ ሕዝቢ ኸይተረፈ ኺፈርስ ይውዕልን ይነብርንዶ ኣየሎን፧ እሞ ጐይታ ደኣ፡ ንምንታይጽሑፍ ክፈርስ ኣይከኣልንዝብል፧ ባዕሉውን“. . . ስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዛት ተፍርሱ ኣለኹምከም ዝበለውን ተጻሒፉልና ኣሎ5 ስለዚ እዚ ኣበሃህላኡ ዝተፈልየን ዝዓመቘን ምስጢር ከም ዘለዎ ዚእምተልናዩ።

ሓደ ጽሑፍ ሕጊፈሪሱንኽትብሎ፡ ፈጺሙ ኸም ዚስረዝ፡ ከም ዚልወጥሞ፡ ብኻልእ ከም ዝትካእ፡ እንተ ተጣሒሱ ድማ ኪቐጽዕ ወይ ኬቕጽዕ ስልጣን ከም ዘይህልዎ እንተ ተገብረዩ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ገና ምስ ስልጣኑ ዘሎ ጽሑፍ እንተ ጠሓስካዮ፡ ኣብ ህይወትካ እንተ ኣፍረስካዮ፡ እቲ ጽሑፍ ፈሪሱ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ናይ ምድራዊ መንግስቲ ሕጊኳ፡ ብውልቀ ሰባት ወይ ብጕጅለ እንተ ተጣሕሰ፡ሕጊ ፈሪሱኣይንብልን እና።

እቲ ዝጠሓሰ ኣካል ብትካላት ሕጊ ተሃዲኑ ምስ ተታሕዘ፡ ብመጠን ክብደት ናይቲ ጥሕሰት እቲ ሕያው ሕጊ ነተ ጠሓሲ ይቀጽዖዩ። ስለዚ እቲ መፍረሲ ድኣ ዝፈርስምበር፡ እቲ ጽሑፍ ሕጊስ ኣይፈርስንዩ። ምናልባት እቲ መፍረሲ ዚፈርሰሉ ጊዜ ኺድንጉይን ኪቕልጥፍን ይኽእል ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ጽሑፍ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሰብ ህላውነቱን ስልጣኑን ዜረጋግጽ። ጐይታ፡ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልንዝበለሉ ነዚዩ።

ድሕር ኺሕተት ዚግብኦ ሕቶምበኣር፡ጽሑፍ ብኸመይ ዝፈርስ፧ መንኸ ዜፍርሶ፧ዚብልዩ። ስባት ንጽሑፍ ንጥፍኣቶም ዘፍርሱሉ መገዲ ብዙሕዩ። ቀዳማይ መገዶም፡ ነቲ ጽሑፍ ቃል ናይ እግዚኣብሔር፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርካ ዘይምቕባልን ዘይምእማንንዩ። ነዚ መርገጺኦም ዜንጸባርቑሉ መገዲ ኸኣ ብዙሕዩ። ክትርእዩ፡ ከተንብቦ፡ ክትስምዖ ፈጺምካ ዘይምድላይ፡ ሓደ ኻብ መግሊጺኦምዩ። ካብኡ ሓሊፎምውን ነዚ ጽሑፍ ኼጥፍእዎ፡ ኬንድድዎ፡ ካብ ሕትመት ኪእግድዎ ዚጋደሉሉ እዋንውን ብዙሕዩ። ኣብ ሃገርናን ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ክርስቲያናትናን እዚ ናይ ምንዳድን ምቕዳድን ተግባራት ብተደጋጋሚ ተፈጺሙዩ። ኣብ ወተሃደራውያን መዓስከራት ካብቶም ተዓለምቲ ደቂ ሃይማኖት እናተመንዘዐ ላምባ ተነስኒስዎ ኺቃጸል ከሎ ዝተዓዘበ ሰብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቚጸርዩ። ብልሳንመራሕቲ ሃይማኖት ስመዩ ውልቀ ሰባት፡መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ መጽሓፍ ርኹስኪበሃልውን ብዓለምለኸ ደረጃ ተሰሚዑዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይንበብ ዝተኸልከለሉን ብርቱዕ ተቓውሞ ዘጋጠሞ እዋንውን ብዙሕዩ።

ኣብ ጊዜ ቕዳሴ፡ ካብ ኢድቶም ዜንብብዎ ዝነበሩ ዲያቆናት ብሓይሊ ተመንዚዑ ብመስኮት ዝተወርወረሉ እዋንውን ውሑድ ኣይኰነን። እግዚኣብሔር ደኣ ኣማስያኡ ምሕረት ይግበረልና እምበር፡ ሰላምናን በረኸትናን ገፊፉ ዜሳቕየናን ዜዋርደናን ዘሎ ንሱ እዚ ኣበሳና ምዃኑ ዝዀነ ዓይነት ጥርጥር የልቦን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስናውን ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ወዲ ቅዱስ ንጉስ፡ ዮስያስ፡ ዝዀነ ንጉስዮኣቂም፡ ነቲ እግዚኣብሔር ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ፡ ብኢድ ባሩኽ ዘጽሓፎ ቕዱስ ናይ ብራና ጽሑፍ፡ ከም ስጋ ብኻራ እናዘልዘለ ኣብ መጋርያ ሓዊ ኸም ዘንደዶ ተጻሒፉልና ኣሎ (ኤር 3621-31 ይነበብ)

ካልኣይ መገዶም ድማ፡ ዋላ ነቲ መጽሓፍ ኬንድድዎ እንተ ዘይተራእዩኳ፡ ነቲ መጽሓፍ ንዜንብቡን ብእኡ ንዚምርሑን፡ ኬሳድዱ፡ ኬሕስሩ፡ ኪኣስሩ፡ ኬውግዙ፡ ኪቐትሉ ምምራጾምዩ። ሳውል ጐይታ ረዲእዎ ናብ እምነትን ሓዋርያነትን ክሳዕ ዚበቅዕ፡ ቀንዲ ተግባሩ ኸምኡ ነበረ6 ኣይተረድኦን ደኣምበር ንጐይታ ናይቲ ጽሑፍን ናይታ መገድን ዜሳድድ ዝነበረ።

እቲ ሳልሳይ ነዚ ጽሑፍ ናይ ምፍራስ ሃቐና ድማ፡ ክርስቲያን ወዲ ቤተ ክርስቲያን ምዃንካ እናተኣመንካ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ክትርእዮ፡ ከተንብቦ፡ ክትፍልጦ፡ ክትምርሓሉ ኢልካ ዘይምሕሳብን ዘምድላይንዩ። ንሓደ ኸምዚ ዝመርገጺኡ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡መጽሓፍ ቅዱስ ትፈልጥዶ፧ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ገበር ናይታ መጽሓፍ ጸሊም ዝሕብሩ ምዃኑ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ዝፈልጦ የብለይንኢሉ መለሰ። ዝዀነ ሕጋዊ ፎርም (ቅጺ) ኺመልእ ከሎ፡ ሃይማኖት ምስ ዚሕተት ግን፡ክርስቲያን (ተዋህዶ)” ኢሉ ይምልስ ነበረ። ደቁ ኣብ መመዓልቶም ዜጠምቕ፡ መርዓኡውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን. ዝፈጸመ ሰብ ነበረ። ካብዚ ዚኸፍእ ጽሑፍ ናይ ምፍራስ ሃቐና ይህሉዶ ይኸውን፧ ብዛዕባ ኣካያዳኻ ድማ ዝዀነ ስኽፍታ ኸይተሰምዓካ ምንባር፡ ነቲ ኣቲኻዮ ዘለኻ ናይ መንፈሳዊ ድንዛዘ ደረጃ ዚገልጽዩ። በዚ ቕዱስ ጽሑፍ መሰረት ከም ዚፍረደካ እናተነግረካ ንኽትፈልጦ ዘይምድላይ፡ ብእኡ ኻብ ምፍራድ ኣየድሕንንዩ። ክንፈልጦ ብዘይ ምድላይናን ብዘይ ምፍላጥናን እንብድለሉ ዓመታት፡ ካብ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኣይሓልፍንዩ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ልዕሊኡ ንዝፈጸምካዮ ጥሕስትን ፍርሰትን ዚወሃበካ ፍርዲ ግን ዘለኣለማዊ። ጐይታና፡ ኣብ ዮሃ 12 48-50 “. . . ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቃል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶዩ።ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ። እቲ ዚፈርድ ቃሉ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩልና ይርከብ። ነብዪሆሴእ፡ ኣብ ሆሴ 46 “ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ፡ ኣነ ድማ ካህን (ሕዝቢ) ከይትዀነኒ ኽኣብየካ ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፡ ኣነ ከኣ ንደቕኻ ክርስዖምየ።

ብምባል ሳዕቤን ዘይምፍላጥና እንታይ ምዃኑ ኣፍሊጡና ኣሎ። ሳዕቤን ናይዚ ብፍታውና ዝመረጽናዮ ድንቊርናዚ፡ ኣባና ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብቶም ዝፈረናዮም ወለዶታትናውን ዝፈድየና ምዃኑ፡ ክብደት ናይቲ መሪጽናዮ ዘለና ኣበሳ ብጒሉሕ ዜርእየናዩ። ነዚ ዘለኣለማውን ቅዱስን ጽሑፍ ይትረፍ ፈጺምና ኽንዕቆን ክንጽየፎን፡ ከም ተራ ናይ ሰብ ቃልን ጽሑፍን ጌርና ኸይነንብቦን ከይንሕዞንውን ኣዚና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። እቲ ራብዓይ ነዚ ጽሑፍ ናይ ምፍራስ ሃቐና ድማ፡ ከም ጥዑይ ሰብ ብሓጐስን ብኣኽብሮትን ተቐቢልካ ኸተብቅዕ፡ ብግብሪ ግን ኣብ ዕለታዊ ናብራኻ ስለ ዘይትእዘዞ፡ መዓልታዊ ክትጥሕሶን ከተፍርሶን ምንባርዩ። ብዛዕባ ምፍላጡ ልዑል ግዳሰ ተንጸባርቕ፡ ኣዘውቲርካ ተንብቦ ተጽንዖን፡ ኪስበኽ ክትስምዖ ኸለኻውን ባህ ይብለካ፡ ክሳዕ ተመሲጥካ ብዛዕባኡ ምዝራብን ንእኡ ምስባኽንውን ትበጽሕ። ኣፋዊ እምበር ልባዊ ፍቕርን እምነትን ስለ ዘይብልካ ግና፡ ብተግባር ምሉእ ዘመንካ ኣንጻሩ ተዓጢቕካ፡ ከተፍርሶ ትነብር። እዚ ቓል ናይ እግዚኣብሔርምበር ናይ ሰብ ዘይምዃኑ ብሓቂ ተረዲኡካን ኣሚንካሉ ኽነስኻ፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ርእሰ ቕትለታዊ ናይ ዘይምእዛዝ ምርጫ እንተ ወሲድካ፡ እዝዩ ኸቢድ ዕሽነት ዚኸውን። እግዚኣብሔር ነቲ ኸምዚ ዝበለ ሕርያ ዘልዓለ ረሲእ ሰብ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብሎ።

ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፡ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፡ ሰራቒ ምስ ርአኻ፡ ምስኡ ሓበርካ፡ ክፍልኻውን ምስኣመንዝራታት ነበረ። ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፡ መልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ። ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሓምዮ፡ ንወዲ እኖኻውን ተነውሮ አሎኻ። እዚ እናገበርካስ፡ ኣነ ስቕ በልኩልካ፡ እህ፡ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፡ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቚም እየ።መዝ 5016-21

እግዚኣብሔር ንኸምዚ ዝበለ ኣካይዳ ኺዕገስ ከቶ ኣይኰነሉንዩ።ግብዝነትኢሉ ከኣ ይጽውዖ። ግብዝ ምዃን ማለት፡ ክልተ ተጻራሪ ባሕርያት ኣብ ሓደ ጊዜ ኸተንጸባርቕ ምፍታን ማለትዩ። ኣብ ሓደ ጊዜ ኣፍቃርን ጸላእን። መኽበርን መስተናዓቕን ክትከውን ትጋደል። ብኣፍካ መፍቀሪ፡ ብልብኻ ግና ሕሱም ጸላኢ፡ ብኣፍካ መኽበሪ፡ ብልብኻ ግና መቃለሊ ነዓቒ ትኸውን7

ንኸምዚ ዝበለ መንነት ይትረፍ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ቅዱስ ኣምላኽ፡ ንርእሱ ሓጥእ ሰብ ኣይዕገሶንዩ። ንኸምዚ ዝበለ ባሕርይ ካብቲ ገባሪኡ ንላዕሊ እቲ ተዓዛቢኡ ዜስተውዕሎ። መጠኑ ደኣ ይፈላለይ ይኸውንምበር፡ ኵሉ ሓጥእ ወይ ረሲእ ሰብ ግብዝዩ። ነቲ ሓጥእ ሰብ ግብዝነት ኣዝዩ ዜቘጥዖ ግን ሰብ ኣብ ልዕሊኡ ኺግበዝ ኸሎዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመምበር፡ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ወይ ሰብ ዝፈጸሞ ግብዝነት ክፉኡ ነጺሩ ኣይረኣዮንዩ። ስለዚ ግብዝነት ንኻልኦት ኣካላት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዋላ ነቲ ገባሪኡን ዋናኡን ከይተረፈ ዚጥብሮ ማለትዩ። እምበኣር ኣዚና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ኣብ ሓደ ጊዜ መፍቀርቲ ጽሑፋትን መፍረስቲ ጽሑፋትን ኴንና ኸይንርከብ ንፍራህ፡ ርእስና ድማ ንሓሉ። እግዚኣብሔር ብክልተ ነብያቱ ገይሩ ነዚ ሕይወት ብዜገርም መገዲ ገሊጽዎ ይርከብ።

“. . .እዚ ሕዝቢ እዚ ብኣፉ ኻብ ዚቐርበኒ፡ ብኸናፍሩውን ካብ ዜኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ካብ ዚርሕቕ፡ እቲ ንኣይ ምፍራሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል እዚ ሕዝቢ እዚ ዜደንቕ ተግባር፡ እወ፡ ዜደንቕ ተግባርን ተኣምራትን ወሲኸ ኽገብር እየ፡ ጥበብ፡ እቶም ጥበበኛታቱ ኺጠፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቱ ኺድፈን እዩ፡ በለ።ኢሳ 2913,14 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ደቂ ሕዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፡ ንሓድሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ፡ ይባሃሃሉ ኣለዉ። ከም ኣመጻጽኣ ሕዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፡ ከም ሕዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎንዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፡ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎንዮም።ህዝ 3330-32

እቶም ኣብ ወንጌላትና ብብዝሒ ተጠቒሶም ዘለዉ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ሕይወት ዝነበሮምዮም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ ኣምላኽ፡ ብተሪር ሃይለ-ቃል ዝተዛረቦም ከኣ ንኣታቶምዩ። ነቲ ጽሑፋት ኣብ ምፍላጥን ኣብ ምስትምሃሩን ኣዝዮም ግዱሳት ዚመስሉ እንተ ነበሩ፡ እቲ ቐንዲ መለለዪ ተግባሮም ግና፡ ነቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምጥሓስን ምፍራስን ዝነበረ። ጐይታ ድማ፡ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።. . . ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።እናበለ ይቐልዖምን ይገንሖምን ነበረ8 ከም ክርስቲያን ኣገልገልትን ምእመናንን መጠን፡ ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈሪሳዊ ሕይወት ገዛእ-ርእስና ኽንሕሉ ጐይታ ብጽኑዕ ኣጠንቂቑና 9

ብፍላይ ሓዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ግና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ምዒዱና ኣሎ።ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”10

ሓደ ክርስቲያን ግን ብኸመይ መፍረሲ ጽሑፋት ካብ ምዃን ርእሱ ኬድሕን ዚኽእል፧ እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ፡ ነቲ ጽሑፍ ቃል፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ ከም ቃል እግዚኣብሔር ጌርካ ምቕባልዩ። ከምኡ ጌርና ብፍርሃት ኣምላኽን፡ ብእምነትን ብኣኽብሮትን እንተ ዘይተቐበልናዮ፡ ድሮ ኣፍሪስናዮ ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ናይቲ ጽሑፍ ሓይልን ስልጣንን ኣብቶም ከም ቃል እግዚኣብሔር ዝተቀበልዎ ሰባት ጥራሕ ዚገሃድ። እቲ ጽሑፍ ኣባና ኺዓይይን ፍረ ኼፍርይን ዚኽእል፡ ኣብቶም ብእምነትን ብፍርሃትን እንቕበሎን እንእዘዞን ምዃኑ፡ እቲ ቕዱስ ሓዋርያ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተኒጊሩልና አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን።እብ 42 “ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።” 1ተሰ 213

እቲ ካልኣይ ስጒምትና ድማ ነቲ ኸም ቃል-ኣምላኽ ጌርና ዝተቐበልናዮ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦን ክንእዝዞን፡ ከነንብቦ፡ ከነጽንዖ ኸነስተንትኖዩ። እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።ኢሉ ዝመዓዶ ቓል ንኣናውን ዚምልከት 11 እቶም ነዚ ኣርኣያ ዝሰዓብዎ፡ ብዙሕ ረቢሖምን ተናኢዶምንዮም12 እቶም ነቲ ቓል ዜኽብርዎን ዚቕበልዎን ኵሎም፡ እቲ ጽሑፍ ከም መዓር ምቁር፡ ከም ወርቂ ኽቡር ገይሮምዮም ዚርእይዎ። ንእኡ ንምንባብ ድማ ድቃስ ስኢኖም ይሓድሩ። ብዛዕባኡ ተዛሪቦም ድማ ኣይጸግቡን።13

እቲ ሳልሳይ ስጒምቲ ድማ፡ ከም ቅዱስ ዳዊት ነቲ ቓል ንምእዛዝ ህንጡይን ቅልጡፍን ምዃንዩ። ነቲ ጽሑፍ ቃል ናይ እግዚኣብሔር፡ ይትረፍ ፈጺምካ ኸይተኣዘዝካዮ ኽትተርፍ፡ ንምእዛዙ ኽትደንጒይን ጊዜ ኽትበልዕን ፍጹም ኣይግባእንዩ። ማዕጾ መምስተዓጽወ ምዅሕኳሕ ዝልማዶም ዓያሱ ኽንከውን ኣይግባእንዩ። ኣቦና ቅዱስ ዳዊት፡ጐይታየ፡ ምሕላው ቃልካ ግደይዩ፡ በልኩ።. ...ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፡ ኣይደንጔኹን።ዝበሎ ቃል፡ እግዚኣብሔር ንምንታይዝኸም ልበይኢሉ ኸም ዝስመዮ ዜረጋግጸልናዩ።14 በብዝተኣዘዝናዮ መጠን ንምግባሩ ነዕጠጥይን ንመጣላዕን እንተ ዄንና፡ ነቲ ጽሑፍ ብምልኣት ከም ዘይተቐበልናዮ፡ ምጥሓሱ የውናውነና ከም ዘሎ ግሁድ ምልክትዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ምምጥላዕ፡ ንሰይጣን፡ንዓ ብልዓኒዝመልእኽቱ ሓደገኛ ዕድመዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ክልተ ዝልቦም ሰባት ኣይደልዮምን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣይዕገሶምንውን 15

እቲ ራብዓይ ስጒምቲ ከኣ ንርእስኻ ናብ ጽሑፍ ኣምላኽ ምልዋጥዩ። እግዚኣብሔር፡ ብዛዕባ ዘለናዮ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዘመን ዝሃበና፡እንሆ፡ ምስቤት እስራኤልን ምስቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡. . . ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ሕዝበይ ኪዀኑዮም፡..ዚብል ቃል ተስፋ ኣሎ16 ብኸመይ ኣብ ልብና ከም ዚጽሕፎ ድማ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስካትኩም ኢኹም። ንስካትኩም ብመንፈስ ሕያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብደበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ17 ነቲ እነንብቦን ዚስበኸልናን ቃል ኣብ ልብና ዚጽሕፈልና እምበኣር፡ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስዩ። ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልብና ከም እተጻሕፈ እንፈልጥ ከኣ፡ ነቲ ጽሑፍ ኣብ ልብና ተዓቚሩ ምስ እንረኽቦዩ። እቲንቓለይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎዚብል ትእዛዝ ድማደብዳቤ ወይ ጽሑፍ ናይ ኣምላኽ ኩኑማለትዩ። እቲ ነቲ ቓል ኣብ ልቡ ዝጽሓፈ ወይ ዝዓቘረ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ነቲ ቓል ዚሓስቦ ብእኡ ድማ ሕይወቱ ዚመርሕ ማለትዩ። በዚ ኸምዚ ከኣ ሓጢኣቱ ኣዝዩ ይውሕድ ብቕድስና ድማ ይመላለስ።ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕዩ።. . .ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”18

እቲ ሓምሻይ ስጒምቲ ከኣ በቲ ጽሑፍ መሰረት፡ ርእስኻ ምምርማርን ምምእዛዝንንዩ። ምእንቲ ኸይንሓጥእ፡ ኣብ ኣእምሮና ዚመጽእ ሓሳባት፡ ናብ ኣፍና ህሩግ ኢሉ ንዚመጽእ ቃላት፡ ክንገብሮ ንዝደለና ዅሉ ተግባራት ቅድሚ ምእንጋድና፡እቲ ቅዱስጽሑፍ ነዚ ነገር ኽሓስብ፡ ክዛረብ፡ ክገብር ይፈቕደለይ ድዩ፧ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። መምስ ገበርናዮን መምስ ቈሰልናን ንሓትት እንተ ዃንና ግና፡ መንፈሳዊ መልክዕና ብበስላ ዘይምሱል ዚመስል። ገለ ነገር ንምግባር ወይ ንምዝራብ እንህወኸሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ታህዋኽ፡ ውድቀት ጥራሕ ዜብዝሕ፡ ርእስና ገቲእና ንኣና ዜድሕን፡ ንብጻይና ዚሃንጽ፡ ንኣምላኽና ከኣ ዜኽብር ምርጫ ኸነልዕል ይግባእ። ኵሉ ሳዕ ክንዕወት ስለ ዘይንክእል ከኣ፡ ጸሓይ ከይዓረበት ከላ፡ በቲ ቅዱስ ጽሑፍ ንርእስናን ኣካይዳናን ሃሰስ ኢልና ኽንፍትሽን ክንምርምርን ይግባእ። ውሑድ ዘይኰነ ቑስሊ ከም ዚጸንሓና ጥርጥር የልቦን። ስለዚ ነቲ ብሓጢኣት ዝቘሰለ ስጋናን ነፍስናን ብንስሓ ኸነሕዊ ይግባእ። ጽሑፋት ኣፍሪስካ ኸተብቅዕ፡ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ ሰብ፡ ልዋም ድቃስ ደቂስካ ምሕዳር፡ ናይ መንፈሳዊ ድንዛዘን ሞትን ግሁድ መርኣያዩ። ጐይታና፡ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍንዩ።” “ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ይቐልል።ኢሉ ብወግዒ ኣፍሊጡና 19 ስለዚ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ኽብሪ ዘለዎ ቓል ኣፍሪስና ንዘለኣለም ምእንቲ ከይንፈርስወገን ናይቲ ቕዱስ ጽሑፍምበር፡ ጸላእቱ ኣይንኹን።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ የካቲት 14, 2013 ግዕዝ (21 የካቲት 2021)  - መበል 24 ሰንበት: .29 [፳፱]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 12፡12-22

2ጴጥ 1፡19-ፍጻ

ግብ 7፡29-35

ዮሃ 10፡34-ፍጻ

ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም)

መዝ 88(89)፡7,8

‘እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን ዐቢይ ወግሩም ዲበ ኵሎሙ እለ ዐውዱ እግዚኦ ኣምላክ ኃያላን መኑ ከማከ።’

ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ካብቶም አብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ዙርያኻ ኣሎ

1 ዘሌ 2410-16 2 1ነገ 217-16 3ዮሃ 197 4ግብ 68-15 754-60 5ማቴ 151-6: 6ግብ 91,2 223-5 269-11: 7ያእ 39-12: 8ማቴ 232,4 9ማቴ165-12 10ያእ 121-25 112ጢሞ 314-17 12ግብ 17 11 13ኤር 1517 መዝ 197 11911,48,72,81,82,97 101, 123, 147, 148: 14መዝ 11957,60 15ያእ 16-8 48,9 መዝ 119113 1ነገ 1821 ራእ 315,16 16ኤር 3131,33 172ቈረ 32,3 18መዝ 119 9,11 (ህዝ 310) 19ማቴ 2435 ሉቃ 1617

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div