S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን [መበል 23 ሰንበት: ቊ.28 ፳፰ ]

ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።ሉቃ 229-32

 

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዛ ሰንበት ንዝኽሪ ስምዖን ሰሪዓቶ ትርኸብ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ክንከታተሎ ዝቐነና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሾሞንተ መዓልቱ ተገዚሩ፡ በቲ ከይተወልደ ከሎ ክስመየሉ ምዃኑ ዝተነግረ ስምኢየሱስተሰምየ። እቲ ሙሴ ኣብ ኢሪት ዘሌዋውያን ኣዚዝዎ ዘሎ ናይ ምንጻህ መዓልታት ምስ ፈጸሙ ከኣ ወለዱ ነቲ ህጻን ኢየሱስ ሒዞም ናብ ቤት መቕደስ መጹ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ኵለን እተን ዝወለዳ ኣዴታት ዝፍጸም ስርዓት እኳ እንተዀነ፡ ምምጻእ ናይተን ብተባዕታይ ውሉድ ዝተቦዀራ ኣዴታት ግና ንድርብ ዕላማ እዩ ዝነበረ። ንሱ ድማ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ተባዕታይ ብመስዋእቲ እንስሳ ክብጀውዎ ስለ ዝነበሮም እዩ። በታ ሕዝቢ እስራኤል ብጽንዕቲ ኣድ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝተረረ ልቢ ፈረኦን፡ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ተባዕታት ሰብን እንሳሳ ቐዚፉ ኣምበርኺኹ ምስ ኣውጽኦም፡ ንዓታቶምውን ንውሉድ ወሎዶ ዝጸንዕ ትእዛዝ ሃቦም። እግዚኣብሔር ንቦኽራት እስራኤል ብምንሓፉ ድማ፡ ማሕጸን ዝኸፈተ ተባዕታይ ሰብን እንስሳን ንእግዚኣብሔር ክውፈዩ ከምዚ ብምባል ኣዘዞም፥ ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ክትፈሊ ኢኻ። ካብ ዘሎካ ማልካ ቅድም እተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እዩ። ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፡ እንተ ዘይተበጆኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ በዅሪ ንዘበለ ዅሉ ሰብ ተበጀዎ። ዘጸ 13 12-13

 

ስለዚ ነቲ ናይ ምንጻህ ስርዓት ንምፍጻም ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ናይ ምብጃው ስርዓትውን ንምፍጻም እዮም ናብ ቤት መቕደስ ዝመጹ። ንሳቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ እዩ እምበኣር እቲ ኣብ ከተማ ኢዮሩሳሌም ዝቕመጥ ከም ዝነበረ ዝተባህለሉ ስምዖን (ስምዖን ኣረጋዊ) ዝበሃል ሰብኣይ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብ ቤት መቕደስ ዝመጸ። እግዚኣብሔር ንስምዖን ብመንፈስ ቅዱስ ምግላጽ ሃቦ። ምግላጽ ነቶም ናቱ ዝዀኑ ጥራይ ከም ዝወሃቦም፡ ቃል እግዚኣብሄር ይሕብረና እዩ (ዳን 222 ኣሞ 37 ዮሃ 1515 ሮሜ 1626 1ቈረ 29-10 ኤፌ 35 ቆሎ 126) እዚ ቅዱስ ኣቦ፡ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ነቲ ብነብያት ዝተነግረ ምምጻእ ናይቲ መድሕን ዓለም ዝዀነ ቅቡእ ኣምላኽ ክሳብ ዝርእዮ ሞት ከም ዘይትኢ (ከም ዘይመውት) ኣቐዲሙ ተስፋ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሰብ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦ ምንባሩ ተረዲኣ ቤተ ክርስትያን ስምዖን ኣረጋዊ ኢላ እያ እትጽውዖ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሓለፋ፡ ማለት ነቲ መፈጸምታ ናይ ሃንቐውታ ኵሎም ወሎዶታት ዝዀነ ምግላጽ ናይቲ መድሓኒ ዓለም ዝዀነ ክርስቶስ ናይ ምርኣይ ዕድል ዝረኸበ ሰብ እዩ። ነዚ ሓለፋን ዕድልን ዘብቕዖ ጽድቂ ከም ዝነበሮውን እቲ ናይ ወንጌል ቃልጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህንብምባል መስኪሩሉ ኣሎ። እዚ ንእኡ ዝተዋህበ ዓይነት ምስክርነት ንኻልኦት ብዙሓት ቅዱሳን ተዋሂቡዎም እዩ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ኖህ (ዘፍ 69) ሎጥ (2ጴጥ 27) ኣቤል (እብ 114) እዮብ (እዮ 11) ዮሴፍ ሕጹይ ማርያም (ማቴ 119) ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ (ሉቃ 2350-51) ጣቢታ (ግብ 936) ቆርነሌዎስ (ግብ 101-2) ማርያም ኣደ ጐይታ (ሉቃ 127) ናትናኤል (ዮሃ 147) ዮሃንስ መጥምቕ (ማቴ 1111) ሙሴ (ዘሁ 123) ወዘተረፈ። ብዘይካ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህንስብ ምንባሩ ዝጠቕስ ንስክርነት፡ ንስምዖን ፍልይ ብዝበለ መገዲ ዝተመስከረሉ ምስክርነት ድማምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበሰብ ምንባሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ እቲ ካብቶም ንጐይታና ዝገነዝዎ ክልተ ሓደ ዝዀነ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡና ኣሎ።

ብዘይካኡ ካልኦት ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበዩውን ኔሮም እዮም (ሉቃ 238 ሉቃ 2351 ሉቃ 2421 ኢሳ 259 ኢሳ 401-2 ኢሳ 42 4 ማቴ 54 መዝ 11981-82) ምጽባይ እቲ ቀንዲ ባህርይ ክርስትያን ምዃኑን እቶም ዚጽበዩ ድማ ከም ዘይሓፍሩን ርዱእ እዩ (ዘፍ 4918 መዝ 253,5 መዝ 401 መዝ 621 መዝ 693 መዝ 10427 መዝ 10613 መዝ 1305-6 መዝ 14515 ምሳ 2022 ኢሳ 8 17 ኢሳ 268 ኢሳ 3018 ኢሳ 332 ኢሳ 4031 ኢሳ 4923 ኢሳ 644 ዳን 1212 ኣን 23 ሉቃ 1236 ግብ 14-5 ሮሜ 8 25 1ቈረ 17 ገላ 55 1ተሰ 110)  ስምዖን እምበኣር ነዚ ንዓመታት ዝተጸበዮ ተፈጻምነት ምጽንናዕ እስራኤል ስለ ዝረኣየ እዩ ንኣምላኽ ዘመስግኖ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ተስፋ ብርሑቕ ርእዮም ተሳለምዎ (እብ 1311) እምበር ብኣዒንቶም ንምርኣይ ኣይተዓደሉን። ነቶም ዝርኣይዎ ግና ዓብይ ዕድልን ብጽእናን ከም ዝዀነሎም ጐይታና ከምዚ እናበለ ተዛራበ፥ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፥ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።ሉቃ 1023-24

ነዚ ስለ ዝተረድአ እዩ እምበኣር ስምዖን፡ ነቲ ህጻን ክርስቶስ ኣብ ኣእዳዉ ምስ ሓቐፎ፡ ንኣምላኽ ከመስግን ዝተሰምዐ። እቲ ንከምዚ ዝበለ ዓብዪ ምስጋና ምኽንያት ዝዀኖ ነገር እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ድማ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።ሉቃ 229-32

ኣብዚ ስምዖን ዝተዛረቦ ምግላጽ ክልተ ዓበይቲ ሓቅታት ብዛዕባ መንነት ናይቲ ኣብ ኣእዳዉ ተሓቚፉ ዝነበረ ህጻን ተገሊጸን ኣለዋ። እዘን መንነታት እዚኣተን ብመንጽር ኣየናይ ወገን ደቂ ኣዳም ርኢካ እትብለን መንነታት ኰይነን እየን ቀሪበን ዘለዋ። ንሳተን ድማ እቲ ዝተሰገወ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ፡ ንምብራህ ኣሕዛብ ብርሃን፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ክብረት ከም ዝዀነ ተነግረሉ። ኣብ ናይ ሎሚ መልእኽትና ነዘን ክልተ ዓበይቲ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ብኣፍ ስምዖን ዝተነግራ ሓቅታት ኣስፊሕና ክንርኢ ኢና።

1. ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፥ ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ መሲሕ ንኣሕዛብ ዘለዎ ኣገዳስነት ክነግር ከሎ ነብዪ ኢሳያስ ከምዚ ይብል፥ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን እዩ። ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኬኽብራ እዩ። እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም።ኢሳ 91-2

እዚ ትንቢት እዚ፡ እቲ ንኵሎም ኣሕዛብ ኣጐልቢብዎም ዝነበረ ጸልማት ንሓዋሩ ከም ዘይነብር እዩ ዝነግረና። እቲ ስምዖን ተፈጸምነቱ ኣዒንተይ ረኣያ ዝብሎ ዘሎ ድማ ነዚ እዩ፥ ብምምጻእ እቲ ቅቡእ (መሲሕ) ነቶም ካብ ፍልጠት ኣምላኽ ርሒቖም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ዝነበሩ ኣሕዛብ ብርሃን ከም ዘምጽኣሎም። መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ብዛዕባ ርእሱ ኣነ እዚ እየ ኢሉ ዝመሃሮ ትምርትታት ሓደኣነ ብርሃን ዓለም እየኢሉ ዝመሃሮ ይርከቦ። ኵሉ ናይ ክርስቶስ መንነት ድማ፡ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዝነበረን ዘሎን ጸገማት መፍቲሒ ዝዀነ መንነታት ምዃኑ ኢና እንርድኦ። ንኣብነት ኣነእንጌራ ህይወት እየዝብል መንነት፡

ክርስቶስ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዘሎ ናይ ጽድቂ ጥምየት መፍትሒ ዘለዎ ጐይታ ምዃኑ ዝእምተና እዩ። ብተመሳሳሊ ክርስቶስ ከም ብርሃን ዓለም መጠን፡ ነቲ ንመዋእል ሰይጣን ኣእምሮ ሰባት ብምጽልማት ካብ ፍልጠት ኣምላኽ - ከም ውጺኢቱ ድማ ካብ ሕብረት ኣምላኽ - ርሒቖም ንኽነብሩ ጌርዎም ዝነበረ ጸገም ዝፈትሕ፡ ብፍልጠት ሓቂ ኣእምሮኦም ኣብሪሁ ንጸልማቶም ዝገፍፍ ብርሃን ኰይኑ ከም ዝመጸ ዘመልክተና እዩ።

ብርሃን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ጸልማት ምንባር ኣዝዩ ዝኸበደ መግደራ እዩ። ኣቦና ዘማራይ ዳዊት ካብቲ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ (ሕጊ ኣምላኽ) ሂብዎ ዘሎ ኣዝዩ ብሉጽ መግለጺታት ሓደቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ” (መዝ 119:105) ዝብል እዩ። ሕሰቦ እሞ! ናብ ኣዝዩ ግሩም ዝኾነ ምብጽሒ ዝወስደካ መገዲ ኣብ ቅድሜካ እንተ ዝንበረልካ እሞ፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ነዒንትካ ምርእይ ክሳዕ ዘስእነካ ንከባቢካ እንተ ዝሽፍኖ፡ እዚ ግሩም መገዲ እንታይ ይጥቅም። ዋላ ሓንቲ ዝጥቅሞ የብሉን። ብርሃን ግና ነቲ መገዲ ክትርእዩ፡ ርኢካ ድማ ናብቲ ክትበጽሓሉ ዘሎካ ቦት ምእንቲ ክትበጽሕ ክትጎዓዘሉ የኽእለካ። ስለዚ ኣገዳስነት ብርሃን ብዘይ መጠን ዓብዪ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታና እቲ ጸልማት ክሕዞ ዘይክእል ብርሃንን ኣቦ ብርሃናትን፡ ብርሃን ዓለም ዀይኑ ካብ ጸልማትና ከናግፈና ናብ ዓለም ዝመጸ። እዚ ብርሃን ድማ ቃል ኣምላኽ እዩ። ክርስቶስ ብርሃን ከም ዝዀነ እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ይሕብሩና (መዝ 369 ዮሃ 149 ዮሃ 319 ዮሃ 812 ዮሃ 95 ዮሃ 1235,46 2ቈረ 46 ኤፌ 514 1ዮሃ 28 ራእ 2123)

እዚ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ኣብ ኣሕዛብ ዝበረሃሉ መገዲ ድማ፡ ብስብከተ ወንጌል ኣቢሉ ምንባሩ ንርኢ እና። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ምድራዊ ኣገግሎቱ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ነታ ተነስሑ ብወንጌል ድማ እመኑ እትብል ስብከቱ ምስ ጀመረ፡ እቲ ብትንቢት ዝተነግረ ተስፋ ማለት ብርሃን ናብ ኣሕዛብ ምምጻእ ተፈጻምነት ከም ዝረኸበ እቶም ወንጌላውያን ገሊጾሞ ኣለዉ (ማቴ 4 12-16 ማር 114-15, ሉቃ 4 14-15) እቲ ብርሃን ኣብ ወንጌል ክርስቶስ ተሓቚሩ ከም ዘሎ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ይገልጽ፥እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ” (2 ቈረ 44) ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ንጉስ ዳዊትውን ንቃል ኣምላኽ መብራህቲ ኢሉ ሰምይዎ ከም አሎ ርኢና ኣሎና። ንጉስ ሰሎሞንውን ብወገኑ ብተመሳሳሊ መገዲ፥ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ብዘየማትእ መገዲ እቲ ነእምሮና ካብ ድንቁርና ኣውጺኡ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘእትወና መብራህትና ብርሃን ወንጌል ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ወንጌል እዚ ካብ ጊዜ ዮሓንስ መጥምቕ ጀሚሩ ብሓይሉ ይስበኽ ኣሎ። ዘረፍቲ ድማ ይዛረፍዎ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ብርሃን ክርስቶስ ምእንቲ ከየብርሃሎ እቲ ናይ ጸልማት ገዛኢ እዛ ዓለም ዝዀነ ዲያብሎስ ነእምሮ እቶም ዘይኣምኑ ከዕውሮ ከም ዝፍትን ዘመልክተና እዩ (2 ቈረ 44) እዚ ዝገብረሉ መገዲ ድማ ሰባት በቲ መብራህቲ ረሲኣን ተባሂሉ ዘሎ ሓጢኣት ጸኒዖም ንኽነብሩ ብምሕባል እዩ (ምሳ 21:4) ስለዚ እቲ ብርሃን ክርስቶስ ኣባና ክበርህ፡ ነቲ ብርሃን ዝዀነ ቃል ወንጌል ልብና ከፊትና ክንሰምዕን ክንእዘዞን፡ ካብ ክፉእ መገድናውን ክምለስ ይግበኣና።

2. ንሕዝኻ እስራኤል ክብረት፥ እቲ ካልኣይ ናይ ክርስቶስ መንነት ድማ ምስ ሕዝቢ እስራኤል ተኣሳሲሩ ዝተባህለ እዩ። ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ኵሎም ዓሌታት ደቂ ኣዳም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስ ረኺቦም እግዚኣብሔር ኣምላኾን፡ ንሶም ድማ ሕዝቡ ንኽኮኑ ዝተሓርዩ ሕዝቢ እዮም። ኣምላኽ ድማ ኪዳን ዝኣተወሎም ሕዝቢ እዮም። እቲ ከም ሕዝቢ ካብ ካልኦት ዝፈልዮም ድማ፡ ኣምላኽ ብኽብሩ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ኣምልኽ ምዃኑ እዩ። እዚ ህልውና ኣምላኽ ድማ ናይ ክብረቶም መሰረት ነበረ። ኣምላኽ ንዘኽብርዎ ዘኽብር፡ ንዝንዕቕዎ ድማ ዘዋርድ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ሕዝቢ እስራኤል ክሓጥኡን ካብኡ ክዓልዉን ከለዎ፡ ኣምላኽ ካባታቶም ይርሕቕ ምንባሩ ንርኢ ኢና።

ከም በዓል ሙሴ ዝኣመሰሉ ናይ እስራኤል ክብረት ምስ ህልውና ኣምላኽ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ ዝተረደኦም ሰባት ግና ንእግዚኣብሔር ካባታቶም ከይርሕቕ ክምሕጸንዎ እዮም ዝስምዑ ኔሮም፥ኣነን ህዝብኻን ኣብ ዓይንኻ ጸጋ ኸም ዝረኸብና፡ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለው ዅሎም ህዝብታት ከም እንፍለ ደኣ፡ ብምንታይ ይፍለጥ፧ ንስኻ ምሳና ብምኻድካዶ ኣይኰነን፧ በሎ።ዘጽ (3316)

ናይ ኵሉ ዓወቶም ምኽንያት ድማ እዚ ህልውና እዚ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ኣምላኽ ነበረ። እቲ ናይ ህልውናኡ መግለጺ ዝዀነ ታቦት ሒዞም ኣብ ዝወጽዎ ውግእ ዓወት ይህቦም ነበረ። እንተዀነ ኣብቲ ብሓጢኣት ዝዓለውሉ ጊዜኣት ኣምልኽ ካባታቶም ይፍለ፡ ሓለውኡ ድማ ካባታትም ይርሕቅ ነበረ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ይሰዓሩ ነበሩ።

ሓደ እዋን ብዘመን ኤሊ፡ ደቂ እስራኤል ከም ኵሉ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመኽሮኦም፡ ታቦት ኣምላኽ ኣምሪሖም ምስ ፍልስጤማውያን ውግእ ገጠሙ። እንተዀነ ዘይተጸበይዎ ስዕረት ኣጋጠሞም። ሕሉፍ ሓሊፉ እቲ ናይ ዓወትና ምልክት ኢሎም ዝተኣማመንሉ ንህልውና ኣምላኽ ድማ ዝውክል ታቦት በቶም ዘይግዙራት ፍልስጤማውያት ተማሪኹ ኣብ ቤት ዳጎን ኣተወ። እዚ ወረ ካብ ዓውደ ውግእ ናብ ዓዲ ኣትዩ ኣብ ኣእዛን እታ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነብረት ሰይቲ ፊንሃስ ወዲ ካህን ኤሊ በጽሐ።

ብስንባደ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ክትጸዓር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ወዲ ወለደት። ብምኽንያት እዚ ሃንደበታዊ ኩነታት ግና ኣብ ኣፋፌት ሞት ኰይና፡ ነቲ ዝተወልደ ህጻን፡ ብምኽንያት ምምራኽ ታቦት ኣምላኽክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐኢላኢካቦድኢላ ሰመየቶ። እዚ ምርዳእ እዚ ብሓቒ ዓቢ እዩ። እቶም ካህናት ኣምላኽ ኰይኖም ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ከገልግሉ ዝግበኦም ሰብኣያን ሓሙታን ዘየስተውዓልዎ ሓቒ ዘስተውዓለት ሰበይቲ ነበረት። ንሳቶም ብምኽንያት እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኵሉ ርኹስ ነቲ ኣብ ማእከሎም ብምንባር ናይ ክብረቶም ምኽንያት ዝነበረ ኣምላኽ ኣዀረይዎን ከም ዝርሕቕ ገበርዎን።

እቲ መድሕን ዓለም ዝዀነ ክርስቶስ ካብቲ ዝስመየሉ ስማት ሓደኣማኑኤልዝብል ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ትርጉም ናይዚ ስም ድማ ኣምላኽ ምሳና ዝብል እዩ። ክልውና ኣምላኽ ኣብ ማእከል ህዝቡ፡ ናይ ክብረት ህዝቡ ምኽንያት ካብ ዀነ፡ እቲ ቓል ስጋ ኰይኑ ኣብ ማእከል ሕዝቡ ምሕዳሩ ነቲ ብዘይምእዛዞም ዘርሓቕዎ ክብረት ክምለሰሎም ምዃኑ ርዱእ እዩ። ንስምዖን ኣረጋዊ ዝተራእዮ ሓቒ ድማ ንሱ እዩ፥ንሕዝብኻ እስራኤል ክብረት ኣምላኽ ሕጂ ከም ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣብ ድንዃን ምርኻብ ወይ ቤት መቕደስ ጥራይ ዘይዀነ፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ እቲ ንወንጌል ዝተኣዘዘ ሰብ መቕደሱ ሰሪሑ ብመንፈስ ቅዱስ ሓዲሩ ይነብረ ኣሎ። ነቶም ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን ዝተሓተምሉ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ከይጉህዩ ደገ ከናፍሮም ዝሕልዉ፡ ብኵሉ መገዶም ድማ ዝጥንቐቑ ሰባት፡ ኣምላኽ ኣባታቶም ክኸብር፡ ንሳቶም ድማ በቲ ኣብታቶም ዝኸበረ ኣምላኽ ክኸብሩ እዮም። (ኤፌ 429-30 2ተሰ 111-12)

ኣብ መወዳእታ ስምዖን ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተዛረቦ ሓሰብ ዘለዋ ክልተ ኣገደስቲ ሓቅታት ንርኣይ። ቀዳማይ፥ ክርስቶስ ንሰባት ከከም ኣቐባብልኦም ንምውዳቕ ወይ ንምትንሳእ ምኽንያት ከም ዝኸውን ዝበሎ ቓል እዩ። ነቲ ብርሃን ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምኽንያት ምቕባሎም ወይ ከኣ ምንጻጎም ብዙሓት ሰባት ከም ዚትንስኡን ከም ዝወድቁን ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ እቶም ዝኣምንዎ ዝትንስኡሉ፡ እቶም ዘይተቐበልዎ ግን ዝወድቁሉ እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን እዩ (ማቴ 2017-18 ማቴ 1512-13 ሮሜ 932 1ቈረ 123 1ጴጥ26-8) እዚ ከም ዝኸውን ድማ ኣቐዲሙ ብነብያት ተነጊሩ ነበረ (ኢሳ 814-15 ኢሳ 2816)

ካልኣይ፥ እቲ ናብ ማርያም ዝኣቱ ሰይፊ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ዘግህድ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ማለት ግን ማርያም እትውግኦ ሰይፊ ሃልይዋ ዘይኰነስ፡ እቲ ሞት ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓይና ክትርኢ ከላ ንዝበጽሓ ጓሂ እዩ ብሰይፊ መሲልዎ ዘሎ (ዮሃ 1925) ብናይ ክርስቶስ ሞት፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ሓሳባት ከም ዝተነጸረ ግሁድ እዩ። ነቶም ብመስቀል ሞቱ ኣሚኖም ዝሰዓብዎ፡ ብምሕዳስ ሓሳቦም ተለዊጦም ከም ክርስቶስ ክሓስቡ እዮም (ሮሜ 121-2 ሮሜ 155-6 ፊሊ 25 ዮሃ 131-17) እቶም ዘይኣመንዎ ግን፡ ብሓሳቦም ከንቱ ኪዀኑ ኣእምሮኦምውን ጸልሚቱ ክነብር እዩ (ሮሜ 121-23) ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነቶም ብሓሳቦም ንኣምላኽ ዚግዝኡ ኲሎም፡ ጐይታ ካብ ኩነኔ ነጻ ክገብሮም እዩ (ሮሜ 725 ሮሜ 81) ምኽንያቱ ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግን ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ (ሮሜ 8 5) ሓሳብ ስጋ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ እዩ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ኸኣ ክግዛእ ኣይኰነሉን። ፍሪኡ ከኣ ሞት እዩ። ሓሳብ መንፈስ ግን ህይወትን ሰላምን እዩ (ሮሜ 86 7) ክርስትና ማለት ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ማለት እዩ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ጥራይ እዩ ንስጋና ሓጢኣት ዜብሉ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌሩ ኬቕርብ ዝከኣሎ (ሮሜ 121-2) እቶም ናይ ስጋ እምበር ናይ ኣምላኽ ዘይሓስቡ ክርስቶስ ካብኡ የርሕቖም እዩ (ማቴ 1622-23)

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ የካቲት 7, 2013 ግዕዝ (14 የካቲት 2021)  - መበል 23 ሰንበት: ቊ.28[፳፰]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ጢሞ 5፡1-11 

1ዮሓ 3፡1-9

ግብ 3፡17-ፍጻ

ሉቃ 2፡25-40 

ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም)

መዝ 88(89)7,8

ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትወትከ። ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ። ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።

ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ካብቶም አብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ጐይታይ፣ዙርያኻ ኣሎ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div